23/08/2023
እንኳዕ ንበዓል አሸንዳ ኣብፀሐኩም፤ ኣብፀሐና!!
በዓል ኣሸንዳ፥ ንትግራይን ትግራዎትን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓልና እዩ ::
ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ባህለን ዘፋልጣሉ፤ ኩነታት ዓደንን ህዝበንን ብግጥምታተንን ዜማታተንን ኣቢለን ዝገልፃሉ፤ ህዝብና ንደቂ-ኣንስትዮ ዘለዎ ኽብሪ ዘርእያሉን ሰናይ ትምኒተን ዝገልፃሉን ድምቀት ዘለዎ በዓል እዩ ::
ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝብና ዝርከበሉ ህልዊ ኹነታት ድማ፥ ካብቲ ዝበፅሖ ማህሰይቲ ገና ዘይሓወየሉ፣ ሕቶታቱ ብምልኣት ዘይተመለሰሉ፣ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶምን ንቡር ናብርኦምን ዘይተመለስሉ፤ ብኣንፃሩ ድማ፥ ቀፃሊ ጉዕዝኡ ብግልፅን ብግብርን ዝመርሕን ተስፋ ዘርእን መሪሕነት ክህልዎ ኣብ ዝሓተሉ፣ ብሓፈሻ ሕቶታታቱ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ብህፁፅ ክምለሰሉ ኣብ ዝሓተሉ ፍሉይ እዋን ኮይንና እነብዕሎ ዘለና ብዓል እዩ።
በዚመዳይ፥ ኣብ ቀፀልቲ መዓልትታት ግቡእ ቆላሕታ ሂብና ንሰርሖም ስራሕቲ፣ ብዝተፈጠሩ ህልዊ ኹነታትን ዘላቂ ሰላም ዘለዎ ፍታሕ ክርከብ ብምሕሳብን : ክትግበር ካብ ዝግበኦ እዋን ንላዕሊ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ዝዘንግዐ ፣ ኣብ ህዝብና ልዑል ማህሰይቲ ዘውርድ ዘሎን ንምፍታሕ፥ ኣብ መዕቖቢ ዝርከብ ዝተመዛበለ ህዝብና ሕገ-መንግስታዊን ሰብአዊን መሰሉ ስለዝኾነ፣ ብዝተወደበ መልክዑ ናብ መረበቱን ንቡር ናብርኡን ክምለስ ብዕቱብ እናሰራሕና ኢና ፤ ነበርቲ እተን ከባብታት እውን ኣመሓደርቱ ብባዕሉ ዝመርፀሉን ዘመሓድረሉን ጥጡሕ ባይታ ክረጋገፅ እዩ።
ኣብ መዕቖቢ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ተነጊሩ ዘይውዳእ ንሰማዒ እዝኒ ዘሕምም፣ ንረኣዪ ዓይኒ ዘስደምም ፀገም ይርከብ። እዚ ዘስተብሃሉ ግዱሳት ፈተውቲ ዓዶምን ህዝቦምን ድማ፥ ናበይ ኢና ነምርሕ ዘለና? ህዝብና ናብ መረበቱ ዝምለስ መዓዝ እዩ? ቃንዛን ሞትን ህዝብና መዓዝ እዩ ደው ዝብል? ህዝቢ ዝደልዮ መሪሕነትን መንግስትን መዓዝ እዩ ዝመርፅ? ግዝኣት ትግራይ ብምልኣት ዝምለሰሉ እዋን መዓዝ እዩ? ዝብሉ እዋናውን ትኽክለኛን ሕቶታት ካብ ምልዓል ዓዲ ኣይወዓሉን፤ ግቡእ እውን እዩ::
በዚ ኣጋጣሚ፥ ንህዝብናን ፈተውትናን ግልፂ ክገብሮ ዝደሊ ጉዳይ እንተሃለወ፦
1. ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘሰሓሕብ ቦታታት ትግራይ ነባሪአን ሕቶታት እንተልይዎ ብሕገ-መንግስትን ሕግን ጥራሕ ዝምለሰሉ ኩነታት ክረጋገፅ እናተሰርሐ ይርከብ።
2. ብቐዳምነት ዝተመዛበለ ህዝብና ደሕንነቱን ሰላሙን ብዘረጋግፅ መንገዲ ናብ መረበቱ ሙሉእ ብሙሉእ ክምለስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣመራርሓ ክልቲኦም ክልላት ኣብ ዘለውዎ ፌደራል መንግስቲ ዘሕለፎ ውሳነ ናብ ተግባር ንምልዋጥ እናተሰርሐ ይርከብ::
3. ኣብ ሓፂር እዋን ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ብዘረጋግፅ መንገዲ ምሕደርኡ ባዕሉ ክምስርት ክግበር እዩ :: ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወፃኢ በቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ተጠቂሙ ተፈጢሩ ዝፀንሐ ምምሕዳር ክፈርስን ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወፃእ ዝተዓጠቀ ሓይሊ ከይህሉ ነዚ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓላፍነት ወሲዱ ከፈፅም ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ::
4. ህዝብና ድልዊ እንትኾን ድማ ሕቶታቱ ብዘይ ፅዕንቶ ዝኾነ ይኹን ኣካል ባዕሉ ብሕግን ሕገ-መንግስትን ሃገርና መሰረት ብሪፈረንደም ዝደልዮ ዝውስነሉ ኹነታት ኣብ ከይዲ ክረጋገፅ ድማ ክንሰርሕ ኢና።
5. ካብዚ ወፃኢ፥ ልዕሊ ብዓል ዋና ዋንነት ዘናዲ፣ ልዕሊ በዓል ዋኒን ጉዳይ ኣለኒ ዝብል፣ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ብጉልበት ክንቀሳቀስ ዝሰርሕ ኣካል ተልዩ ድማ ፌደራል መንግስቲ ጀሚርዎ ብዘሎ መንገዲ ምኽባር ሕግን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ከረጋገፅ ክሰርሕ እዩ::
ኣብ መወዳእታ፥ ብሰላማዊ መንገዲ ዝጀመርናዮ ኸይዲ ሰላም ከተዓናቕፉ፣ መሊሶም ናብቲ መንገዲ ጥፍኣት ከእትዉና ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ኣካላትን ሓይልታትን ውሽጥን ደገን ምህላዎም ፈሊጥና ብንቅሓትን ብሓባርን ክንቃለሶምን ጉዕዞና ውሑስ ሰላም ህዝብና ዘረጋግፅ ክኸውን ክንሰርሕን ከምዝግባአና ክገልፅ ይደሊ::
መፃኢ እዋን ሙሉእ ሰላምን ህድኣትን ህዝብና ዝረጋገፀሉ ክኾነልና ይምነ::
ብሩኽ በዓል ኣሸንዳን ቅንያት ሓዱሽ ዓመትን ::