17/11/2024
ከይተጸዋዕኻ ኣብየት::
ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ንእሽተይ ሓወይ እዩ:: ምንም ነዊሕ ግዜኳ እንተተፈላለና ምሳይ ስለ ዝዓበየ ድማ ንኽርደኦ ፈጺሙ ኣየጸግመንን እዩ:: ተስፋይ ኣብዚ ሰሙንዚ ዓቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ:: እታ ትዘውር ዘላ ፈለማ ቪድዩኡ ድማ ኩልና ተኸታቲልናያ ኣለና:: ኣነ መጀመርታ ምስ ሰማዕኩዋ ከምቲ ዝበዝሕ ሰብ እቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ሕርቃን መልእኽቲ ብጥረኡ ከምዘለዎ ክሰምዖ ኣይከኣልኩን:: ነዚ ጹሑፈይ ዘንበበ ኣነ ንተስፋይ ብተሌፎን ይኹን ብኣካል ካብዘይረኽቦ ኣስታት 20 ዓመት ኣለኒ:: ምእንትዚ ክንዲ ቡጹሕ ውላድካ ስለዘይመሓል ነቲ ከም ከሰተ ሓወይ ዘፍቅሮ ተስፋይ ኣበየናይ ኩነተ ኣእምሮ ኣበየናይ ደረጃ ስብእና ኣሎ ሕጂ ክፈልጥ ኣይክእልን:: ከም ወዲ ኣባሻውል ከም ወዲ ኣስመራ መጠን ግና እቲ ውሽጣዊ መልእኽቲ ናይቲ ቪድዮ ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ይርደኦ እየ:: ኩልና ደቂ ኣስመራ ድማ ብዘይቀልዓለም እንታይ ይብል ኣሎ ንመን ይዛረብ ኣሎ ኣጸቢቅና ኢና ንርደኦ:: ነዚዩ ድማ ዋላሓደ ወዲ ኣስመራ ክሳብ ሕጂ ይትረፍ ነቀፌታ ሪኢቶ ዘይሃበ::
ኣብዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ ተስፋይ መልእኽቲ ዘሕልፈሎም ዝነበረ ንደምበ ተቋውሞ ወይውን ንመንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ኣይኰነን::ስለምንታይ መንእሰይ ደምበ ተቋውሞ እቲ መልእኽቲ ንዑኡ ወሲድዎ ዘገርም እዩ:: ደምበ ተቋውሞ ይኹን መንእሰይ ብርጌድ ንሓመዱ ቅድሚ ሕጂ ምስ ተስፋይ ዘራኽብ ነገር የብሉን:: ተስፋይ እውን ከም ስነጥበባዊ መጠን ከም ኩሉ ወዲ ኣስመራ ኣብቲ ዝበዝሑ ደቂ ኣስመራ እንተ ኣሚኖምሉስ እንተ ጎሪሖምሉ ኣብ መኣዲ ህግደፍ ዝለሃዩ ዘለዉ እውን ተራእዩ ኣይፈልጥን:: ብሓጺሩ ዛጊት ተስፋይ ካብቲ ጋሕማጥ ፓለቲካ ኤርትራ ነጻ ሰብ እዩ ጸኒሑ:: ሕጽር ብዝበለ ደምበ ተቋውሞ ንተስፋይ ተንኪፍዎ ኣይፈልጥን ስለዚ ተስፋይ ኣብ ሕማቅ ስሚዒት ኰይኑ ዝመልኦ መልእኽቲ ግብረ መልሲ ንብርጌድ ንሓመዱ ክኸውን ኣይክእልን:: ብኣንጻሩ እቲ መልእኽቲ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝሓልፍ ዝነበረ መልእኽቲ እዩ:: ምኽንያቱ ንተስፋይ ብቀረባ ዝቀርብዎን መካይድቱን ኣዕርኹቱን እቶም ኣስታት 90% ሚእታዊት ስቅ ዝበሉን ንረብሖኦም ንህግደፍ ዝድግፉን ደቂ ኣስመራ እዮም:: እቲ ዘገርም ደምበ ተቋውሞ እቲ መልእኽቲ ኣንጻሩ ገይሩ ስለዝወሰዶ ድማ እቲ ኣብ ህግደፍ ዘሎ ንተስፋይ ክሓቅፎ ተራእዩ:: እዚ ድማ ነቲ ኩቱር ንጽህናን ግርህነትን ዘለዎ ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ናብዘይሓሰቦ መድረኽ ከሰጋግሮ ይኽእል እዩ:: ደምበ ተቋውሞ ድማ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ብሽም ቃልሲ ተኸዊሎም ነቲ ምእንቲ ፍትሒ ሰላም ዝቃለስ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ መንእሰይ ሰመያዊ ማዕበል ጽልኢ ዘሳዉሩ ኣመለኛታት ዩቲበራት ዘይተሓሰበ ሓድሽ ጸላኢ ክፈጥሩሉ ይኽእሉ እዮም:: ድሮውን ሑሉፍ ህይወቱ ክብርቡሩ ንዑኡ ብቀረባ ዝፈልጡ ሰባት ዓዲሞም ከዛርቡ ይሸባሸቡ ኣለዉ:: እቲ መንእሰይ ድማ ዘየርበሖ መኣዲ ክቅርቡሉ ክንዕዘብ ኢና::
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ኩልና በብዝዓበናሉ ከባቢ ነናትና ስነ ልቦና እዩ ዘለና:: ብኡ መጠን ድማ ቋንቋናን ርዲእትናን ይፈላለ ምኻኑ ነስተብህል::ስለዚ ነሕልፎ መልእኽቲ ትርጉሙ ክፈላለ ከምዝኽእል ንረዳእ:: ኩልና ቋንቋ ትግርኛ ስለዝተዛረብና ነሕልፎ መልእኽቲ ሓደ ዓይነት ትርጉም የብሉን:: ናትካ ትርጉም ናተይ ትርጉም ማለት ኣይኰነን:: ሓደ ካብቲ ክንሰማማዕ ከቢዱና ዘሎ ድማ ስነልቦናና ስለዝፈላለ እዩ:: ብቀጥታ ናባና ኣድራሻ ዘይብሉ መልእኽቲ ባዕልና ወሲድና ዝያዳ ዋርድያ ሕብረተሰብ ኣይንኹን ነቲ መንእሰይ ድማ ጸላእትን ስራሕን ኣይነብዝሓሉ:: ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ ድማ ንነብሱ ከምድላዩ ክገልጻ መሰል ኣለዎ:: ከምኡ ብምግባሩ ንዓይ ድማ ሽግር የብለይን:: በዚ ኣጋጣሚ ተሌፎኑ ስለዘይብለይ ክድውለሉ ኣይከኣልኩን ደዊለ እቲ ሓሳቡ እንተዝሰምዕ ደስ ምበለኒ ክሳብ ሽዑኡ ግና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስነጥበባዊ ናይኩሉ ሕብረተሰብ ስለ ዝዀነ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ነቶም ኩሎም ኣድነቅቱ መጺኡ ቀንዲ ትሕዝቶ መልእኽቱ እንታይ ከምዝነበረ ኣብ ዝተረጋግአ መንፈስ መጺኡ ከብርህ ብሃንቀውታ እጽበዮ:: ብድሕሪኡ ሙሉእ መልእኽቲ ሰሚዕና ንፈርድ::
ዝተባረኸ ሰንበተ ኪዳን ንኹሉኹም::
መምህር:- ተመስገን ካሕሳይ
11/17/2024