Erican Yiakl ኢሪ -ካን ይኣክል

  • Home
  • Erican Yiakl ኢሪ -ካን ይኣክል

Erican Yiakl ኢሪ -ካን ይኣክል Erican Media BAYTO CANADA

26/05/2022

ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ዕለት 24 ግንቦት
ኣቦ ወንበር ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ ዝሃቦ መልእኽቲ።

Congratulatory message for president-Elect H.E. Hassan Sheikh Mohamud
19/05/2022

Congratulatory message for president-Elect H.E. Hassan Sheikh Mohamud

Congratulatory message to the newly elected President of the Federal Republic of Somalia H.E. Hassan Sheikh Mohamud

#

22/10/2021

ዓለምለኻዊ ሰለማዊ ሰልፊ ብዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል! #ኤድመንተን #ካናዳ

22/10/2021

ዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን
#ኤድመንተን #ካናዳ ዕለት 22/10/2021

UNHCR, the UN Refugee Agency UNHCR LIBYA IOM Libya

16/10/2021

ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ

14/10/2021
18/09/2021
ቃለ-መሕትት ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ታሪኽ’ዶ ፕሮፖጋንዳ?https://youtu.be/w6C00KkCTXc
04/09/2021

ቃለ-መሕትት ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ታሪኽ’ዶ ፕሮፖጋንዳ?
https://youtu.be/w6C00KkCTXc

"Global Yiakl” is a socio-political grassroots movement aimed to end tyranny in Eritrea and to realize democratic political change in the country. Its mandat...

ዝኽሪ 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ።
01/09/2021

ዝኽሪ 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ።

08/08/2021

ቃለ መሕተት ብዛዕባ ሙቛም ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ምስ ኣቦ መንበር ኣቶ ሰገድ ሓጎስን ምክትል ኣቦ መንበር ኣቶ ሓሚድ ሳለምን::

03/08/2021
31/07/2021

ሰላም፡ ተዋሳእቲ ለውጢ ኣብ ድርኩኺት ንኹን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጢ ዝቖመ እዩ፤ ወነንቱ ድማ ንስኻትኩም … Global Yiakl GYM needs your support for ማዕከን ዓለም ለኻ...

21/06/2021

ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ።

ህዝባዊ ርክብ ዓለምለኸ ባይቶ ይኣክል ምስ ባይቶታት ሕ.መ.ኣ፡ ካናዳን
16/06/2021

ህዝባዊ ርክብ ዓለምለኸ ባይቶ ይኣክል ምስ ባይቶታት ሕ.መ.ኣ፡ ካናዳን

21/05/2021

ጻውዒት ሰለማዊ ሰልፊ ንኹሉ ተቐማጢ ካናዳ፥ #ይኣክል

17/05/2021
https://youtu.be/Ig_WdoHNDvc
17/05/2021

https://youtu.be/Ig_WdoHNDvc

ኤሪሳት ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚራ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ማእከላይ ምብራቕን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ሰሙን ምሉእ፡ ብሳተላይት መደባት ቴለቪዥን ትፍኑ። ክሳዕ ሎሚ ብኣርባዕ...

ብሰላም ዕረፍ ጋዜጠኛ/ፕሮፈሰር ኣሮን ብርሃነ፥
04/05/2021

ብሰላም ዕረፍ ጋዜጠኛ/ፕሮፈሰር ኣሮን ብርሃነ፥

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጋዜጠኛ ፕሮ. ኣሮን ብርሃነ [1969-2021]

ነፍሰ-ሄር ኣቶ ኣሮን ብርሃነ ካብቶም ሓምሽተ ኣሕዋቱን ክልተ ኣሓቱን መበል ራብዓይ ኰይኑ፡ ብ 06 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ኣስመራ ተወልደ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ኣሮን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመ - ወዲ 09 ዓመት ኣብ ዝኣኸለሉ’ዩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ፣ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተላእከ። ኣብ 1983፡ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር መሃይምነት ዝካየድ ዝነበረ ሰፊሕ ወፍሪ መምህር ኰይኑ ተመደበ።

ድሕሪ 1991 ኣሮን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ መንደፈራ መምህር ኰይኑ ክሳብ’ቲ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝኣተወሉ እዋን ሰርሐ። ኣብ 1996 ናብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ትምህርቱ እናተኸታተለ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ፈላሚት ብሕታዊት ጋዜጣ “ሰቲት” ብምዃን፡ ክሳብ’ቲ ኵለን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብመንግስቲ ዝተዓጸዋሉ መስከረም 2001 ሰርሐ። ማዕረ-ማዕረኡ ኸኣ፡ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሪ ተመረቐ።

ኣብ 2001 ናብ ካናዳ ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ ‘ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት’ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ።
መምህር-ጋዜጠኛ ኣሮን፡ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቱ ኣብ ካናዳ ርየርሰን ዩኒቨርሲቲ ብምቕጻል፡ ንስደኛታትን ምጥያሶምን ኣብ ዝብል ዓውዲ ናይ ማስተርስ መጽናዕቱ ብዓወት ፈጸመ። ብተወሳኺ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ’ውን፡ ብዓውዲ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስነጽሑፍን ብደረጃ ሰርቲፊኬት ኣጽንዐ።

ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን’ውን ዝረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ንነጀው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ። ብተወሳኺ ኣሮን፡ “Life-line Syria” ኣብ ዝተባህለ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ስደተኛታትን ሶርያ ዝግደስ ትካል፡ ንሓጺር ግዜ መጽናዕታዊ ስርሓት ኣካይዱ እዩ።

ብተወሳኺ ኣሮን፡ ሓደስቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታት፡ ተመዛበልትን ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮም ሰባትን ኣብ ምሕጋዝ፡ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብወለንታ ክዋሳእ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብኣህጕራውያን ትካላት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ኣብ ሓደጋ ናይ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ተጸዋዒ ኰይኑ’ውን ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ’ዚ ኣካዳሚያዊ ጕዕዞኡ፡ ካብ 2004 መስራቲ፡ ወናኒ፡ ኣካያዲን ዋና ኣሰናዳእን ትካል ጋዜጣ መፍትሕ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ። ብመገዲ’ዚ ትካል፡ ተሓቲሙ ይዅን ብመገዲ ኢንተርነት ብዝዝርጋሕ ጽሑፋቱ ኣቢሉ ድማ ኣሮን ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን ይዅን ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋኡ ከስርጽ ጽዒቱ። ብኣበርክቶኡ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ ከኣ እዩ ነይሩ።

ኣሮን፡ ንስለ መሰል ፕረስን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ ዘካየዶ ሰፊሕ ምጕትን ምጥባቕን ሓያለ ሽልማትን ተዋሂብዎ እዩ። ገለ ካብኡ፡
- ጋዜጣ መፍትሕ ‘National Ethic and press Council Canada; “ሃገራዊ ቤትምኽሪ ስነምግባር መድያን ፕረስን ካናዳ” ብዝብል ትካል ንብሉጽ ዓንቀጽን ስእልን ዝወሃብ ሽልማት። - ሽልማት ሀልማን ግራንት - ሂዩማን ራይትስ ዋች!
- ኣብቲ ዝተኸበረ Donner/CJFE ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደጋ ዝብል ኣብ ኮሌጅ ማሰይንን ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶን ብኣባልነት ክርቛሕ እንከሎ፡ PEN Lecturer-in-Residence ዝብል ሽልማት ከኣ ተዋሂብዎ እዩ።

ጋዜጠኛ፡ ኣሕታሚ፡ መስራቲ፡ ዋና ኣሰናዳኢ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዕውት ሽልማታትን ዝዀነ ኣሮን ብርሃነ ሓው፡ ውሉድ፡ በዓል ሓዳር፡ ኣቦ ሰለስተ ውሉዳትን ኣቦሓጐን እዩ። ንብዙሓት ዝመሃረ፡ ዘተባብዐ፡ ሞራል ዘስነቐ፡ ኣብ ጸበባ ንዘለው ብጾቱ ከይተሓለለ ዝተማጐተ፡ ህርኩት ኣባል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ካናዳውያን ኸኣ ነበረ። ነፍሰ-ሄር ኣሮን ብርሃነ፡ በዓልቲ ቤቱ ምልእተ ምስ ደቖም፡ ፍረወይኒ፡ ሙሴ፡ ኤቨን፡ ከምኡ ድማ ወዲ ጓሉ ኤልናታን ሓዲጉ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ይርከብ። መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ! ሕሰም ኣይትርከቡ!
ቤተሰብ ኣሮን ብርሃነ።

17/04/2021

ሰላም፡

ዓንድታት ዝተከል ዘሎ ዓለምለኻዊ ምንቕስቓስ ይኣክል፡ ኣባል ተበግሶ ዝኾና ሃገራትን፡ ኣብ ውሽጠን ዘለዋ ከተማታት እየን። ደሃይ ባይቶታት ይኣክል ምግባርን፡ ንኣቐዋምአንን ንጥፈታተን ከብርሃን፡ ምትእሳሳረን ከደልድላን፡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ኣባላት ተበግሶ ኣብ መድያ ብስሩዕ ክመጻ እየን።

ፈላሚ መደብ፡ ምስ ጽላል ይኣክል ካናዳ ዝግበር ዘተ፡ ምስ ኣቦመንበር ኣብርሃም ተኪኤን ምክትል ኣቦ-መንበር ኣቶ ገብረሂወት ገረዝግሄርን ክኸወን እዩ ተኸታተሉና።

ዕለት፡ ሰንበት 18 ሚያዝያ
ሰዓት፡ 3፡30 ድ/ቀ NY; 9:30 ድ/ቀ በርሊን

ብደሓን ምጹ።
ንሓርነት፡ ብሓድነት!

"ሕዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ!"

13/04/2021
ሃገር፡ ህዝብን ልኡላውነትን ብመንጽር ቃልስና!
12/04/2021

ሃገር፡ ህዝብን ልኡላውነትን ብመንጽር ቃልስና!

04/04/2021

ዘተ፥ ህልው ኩነታት ሃገርና

ህልው ኩነታት ሃገርና ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደን ዝበኣሰን በጺሑ።ምእማኑ ዝኸብድ ዘሻቕልን ዘሰክፍን ዜና ኣብ ነፍስ ወከፍ ካልኢት ይጋዋሕ ኣሎ።ሰብ ከም'ቲ ሰብ ዝነብሮ ናብራ 'ናነበረ ከም'ቲ...
02/04/2021

ህልው ኩነታት ሃገርና ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደን ዝበኣሰን በጺሑ።
ምእማኑ ዝኸብድ ዘሻቕልን ዘሰክፍን ዜና ኣብ ነፍስ ወከፍ ካልኢት ይጋዋሕ ኣሎ።
ሰብ ከም'ቲ ሰብ ዝነብሮ ናብራ 'ናነበረ ከም'ቲ ሰብ ዝሓስቦ ከይሓስብ ሓንጊዱ።
ካብ ሰብኣውነት ሓኪሉ።
ቂም ቋጺሩ ምስ ሰብነቱ ተፋቲሑ።
ሓሶት ምርኩስ ጌሩ ኣንጻር ሓቂ ደው ኢሉ።
ኣብ ክፍኣት ኣጽሊሉ ኣብ ዳስ ክፉኣት ኣሳስዩ።
ነዝን ካልእን ዘካተተ መደብ ኣብ ኤሪካን ሜዲያ።
ኩልኹም ዕዱማት ኢኹም።
ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድም
ዕለት፡ 04 ሚያዝያ 2021
ሰዓት፡ 1፡00 ድ/ቀ ቶሮንቶ

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንመግለጺ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብትሪ ይኹንን።https://www.youtube.com/watch?v=_AW7y9kB4UY
31/03/2021

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንመግለጺ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብትሪ ይኹንን።
https://www.youtube.com/watch?v=_AW7y9kB4UY

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንመግለጺ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብትሪ ይኹንን። ኩልና ኤርትራዉያን ንሽርሒ ኢሰያስን ኣቢይን ክንቃለስን ንልኡላዉነት ሃገር ደው ክንብል ይጽውዕ። #ይ.....

28/03/2021

ዘተ፥ ህልው ኩነታት ሃገርና

We have lost a great soul Mr.   Mihreteab Yohannes a journalist & was an editor-in-chief of ‘KesteDebena' one of the ban...
27/03/2021

We have lost a great soul Mr. Mihreteab Yohannes a journalist & was an editor-in-chief of ‘KesteDebena' one of the banned Eritrean private newspapers. Award winning champion of press freedom,
A reader, Journalist, Writer, an Intelligent
Eritrea has lost a great citizen. May God rest his soul in everlasting peace and joy.

ህልው ኩነታት ሃገርና ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደን ዝበኣሰን በጺሑ።ምእማኑ ዝኸብድ ዘሻቕልን ዘሰክፍን ዜና ኣብ ነፍስ ወከፍ ካልኢት ይጋዋሕ ኣሎ።ሰብ ከም'ቲ ሰብ ዝነብሮ ናብራ 'ናነበረ ከም'ቲ...
25/03/2021

ህልው ኩነታት ሃገርና ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደን ዝበኣሰን በጺሑ።
ምእማኑ ዝኸብድ ዘሻቕልን ዘሰክፍን ዜና ኣብ ነፍስ ወከፍ ካልኢት ይጋዋሕ ኣሎ።
ሰብ ከም'ቲ ሰብ ዝነብሮ ናብራ 'ናነበረ ከም'ቲ ሰብ ዝሓስቦ ከይሓስብ ሓንጊዱ።
ካብ ሰብኣውነት ሓኪሉ።
ቂም ቋጺሩ ምስ ሰብነቱ ተፋቲሑ።
ሓሶት ምርኩስ ጌሩ ኣንጻር ሓቂ ደው ኢሉ።
ኣብ ክፍኣት ኣጽሊሉ ኣብ ዳስ ክፉኣት ኣሳስዩ።
ነዝን ካልእን ዘካተተ መደብ ኣብ ኤሪካን ሜዲያ።
ኩልኹም ዕዱማት ኢኹም።
ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድም
ዕለት-28 መጋቢት-2021
ሰዓት 2፡00 ቶሮንቶ

07/03/2021

ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ'ያ።
ኣብ ገዛ ብርሃን፡
ኣብ ገዛ ዓንዲ ማእከል፡
ኣብ ገዛ ማእገር፡
ኮታ ኩሉ'ያ። ንፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ንፉዕ ስድራቤት፡ ንፉዕ ሕብረተ ሰብ ተፍርን ትሃንጽን።
ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳይ፡ ንኩሉ ክውን ይገብሮ።
ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ ምንቅስቓስ ይኣክል ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ የተባብዕን ባብ የርሑን።
ኤሪ-ካን ይኣክል ሜድያ ብምኽንያት እዚ መዓልቲ እዚ ፡ መጋቢት 8 ተራ ደቅ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ዝብል መደብ ኣድልዩ ይዕድም።
ኣብ'ዚ ክቡር ዕለት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ግቡኤን ክገብራ 'ናዘኻኸረ፡ ምሳና ሓቢርክን/ሓቢርኩም ክትዉዕላ/ሉ ንዕድም።
ዕዱማትና፡
መድሕን ተኼኤ
ስምረት ወልደስላሴ
ኣቕራቢት ፍትሓዊት መዝገብ
ስለ ምክትታልኩም ኣቀዲምና ነመስግን

ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ'ያ።ኣብ ገዛ ብርሃን፡ኣብ ገዛ ዓንዲ ማእከል፡ኣብ ገዛ ማእገር፡ኮታ ኩሉ'ያ። ንፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ንፉዕ ስድራቤት፡ ንፉዕ ሕብረተ ሰብ ተፍርን ትሃንጽን። ተሳትፎ ጓል ኣ...
06/03/2021

ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ'ያ።
ኣብ ገዛ ብርሃን፡
ኣብ ገዛ ዓንዲ ማእከል፡
ኣብ ገዛ ማእገር፡
ኮታ ኩሉ'ያ። ንፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ንፉዕ ስድራቤት፡ ንፉዕ ሕብረተ ሰብ ተፍርን ትሃንጽን።
ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳይ፡ ንኩሉ ክውን ይገብሮ።
ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ ምንቅስቓስ ይኣክል ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ የተባብዕን ባብ የርሑን።
ኤሪ-ካን ይኣክል ሜድያ ብምኽንያት እዚ መዓልቲ እዚ ፡ መጋቢት 8 ተራ ደቅ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ዝብል መደብ ኣድልዩ ይዕድም።
ኣብ'ዚ ክቡር ዕለት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ግቡኤን ክገብራ 'ናዘኻኸረ፡ ምሳና ሓቢርክን/ሓቢርኩም ክትዉዕላ/ሉ ንዕድም። ብደሓን ምጹ
ዕዱማትና፡
መድሕን ተኼኤ
ስምረት ወልደስላሴ
ኣቕራቢት ፍትሓዊት መዝገብ
ስለ ምክትታልኩም ኣቀዲምና ነመስግን

28/02/2021

ተዘክሮ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብዓይኒ መቃልስቱ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ 'ሊንጎ'

ምስ ኣድሓኖም ሌላና  ኣብ 1989 ዓ. ም ናብ ክፍሊ  ንግዲ  ተመዲቡ  ምስ መጸ  ይጅምር ቅድሚኡ ኣድሓኖም ካብቶም ፍሉጣት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ  ምንባሩ  ኩላትና  ኣባላት ንግዲ  ዝነበር...
27/02/2021

ምስ ኣድሓኖም ሌላና ኣብ 1989 ዓ. ም ናብ ክፍሊ ንግዲ ተመዲቡ ምስ መጸ ይጅምር
ቅድሚኡ ኣድሓኖም ካብቶም ፍሉጣት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ምንባሩ ኩላትና ኣባላት ንግዲ ዝነበርና ንፈልጥ ኔርና
ኣድሓኖም ናብ ክፍሊ ንግዲ ተመዲቡ ምስ መጸ ብቀዳምነት ዝገበሮ ነገር ነቲ ክፍሊ ምንጭ ኣታዊ ዝኸውን ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ንጥፈታት ምብርታዕ ስለዝነበረ ኣባላት ኣብ ስዑድያ ብምምዳብ ኣብ ሓጺር እዋን ቅድሚኡ ተጌሩ ዘይፈልጥ ናብ ሓራ መሬት ኤርትራን ናብ ከተማታት ሱዳንን ናይ ሓዋላ ስራሕ ከም ዝጅመር ተጌሩ
እዚ ኣሰራርሓ 'ዚ ምንጭ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ኮይኑ ኣብ ሓራ መሬት ዘድሊ ሃለኽቲ ነገራት/ ቀረብ ናብ ተጠቀመቲ ከም ዝለኣኽ ይግበር ኔሩ - እቲ ሃለኽቲ ከም ሸኮር ቀጠፍ ፊኖ ላምባ ሳምና ወዘተ ዝኣመሰለ ኢዩ ኔሩ
ኣድሓኖም
-መደብ ስራሕ ይሕንጽጽን ይቆጻጸርን
-ሓሳባት ናይ መሳርሕቱ ጽን ኢሉ ይሰምዕን እንተድኣ ኣሚኑሉ ንትግባረ የባራትዕ
- ኣድሓኖም innovative ኢዩ
ሓደስቲ ሓሳባት ባዕሉ የምጽእን ናይ ሰባት እውን ይቅበልን
እቲ ዝገርመኒ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ድሕረ ባይትኡ ቅድሚ ምስላፉ ናይ ሕጊ ተመሃራይ ኣብ ሜዳ ድማ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ውትህድርና ዘሕለፈ ክንሱ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ምስ መጸ እውን ኣይተማትአን ቀልጥፉ መሊኹዎ
ብርእይቶይ መበገሲ ናይ'ዚ ኩሉ ኣድሓኖም ንፉዕ ኣንባባይ ስለዝኾነ ሓፈሻዊ ፍልጠት ክድልብ ሓጊዙዎ ይብል
እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ዘለኹ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣሃዱ ኣብ 1989 ዓ. ም ንስራሕ ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ክበጋገስ እንከሎ ካብ ሚእትታት ኣሽሓት ዘይበዝሕ መንቀሳቀሲ ገንዘብ ዝነበሮ ኣብ 1991 ዓ. ም. ናይ መጨረሻ ዓመት መዕጸዊ ሕሳብ ዓሰርተታት ሚልዮናት ብር ሕሳብ ኔሩዎ - ኣብ ክልተ ዓመት ካብ ሚእትታት ናብ ሚልዮናት ምስግጋር ማለት ቀሊል ነገር ኣይነበረን
-ኣቅሑት መዐደጊ ናይ ገንዘብ ዓቅሚ ስለዝደለበ ዓቅሚ መሸጣ ሰፊሑ ብእኡ መጠን ድማ ኣታዊ በዚሑ
ብኣጠቃላሊ ክርእዮ እንከለኹ ኣድሓኖም ኣብ ኩሉ ዓይነት ናይ ስራሕ ዓውዲ ዝበቅዕ ኮይኑ ይስመዓኒ ምኽንያቱ ኣብ መስርሕ ክትመሃር ከም ዝከኣል ስለዝኣምን ብጻዕሪን ብተወፋይነትን ብርእሰምትእምማን ናብ ትግባረ ስለ ዝኣቱ ይዕወት ኔሩ ኮይኑ ይስመዓኒ
ኣድሓኖም ንግበራ ንስራሓያ ክንዕወት ኢና ኢዩ ዘረብኡ ዝነበረ - ዓቢ ትምህርቲ ክውረስ ዝግብኦ ኢዩ እብል.

ንኣድሓኖም መንግስተ ሰማያት የዋርስ ንቤተ ሰብ ጽንዓት ይሃብ.

ናይ ነዊሕ እዋን መቃልስቱ

ካብ ኣሰመራ

ኤሪካን ይኣክል ብመስዋእቲ ኣምባሳደር  ኣድሓኖም ከቢድ ሓዘን እንዳ ተሰማዓና ንህያው ታሪኹን ጦብላሕታን  ብጭልፉ ምስ ስነጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሊንጎ  ዕላል ክህልወና እዩ . በዚ ኣጋጣሚ  ኤ...
26/02/2021

ኤሪካን ይኣክል ብመስዋእቲ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከቢድ ሓዘን እንዳ ተሰማዓና ንህያው ታሪኹን ጦብላሕታን ብጭልፉ ምስ ስነጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ዕላል ክህልወና እዩ . በዚ ኣጋጣሚ ኤሪካን ይኣክል ንቤተሰቡን መቃልስቱን ጽንዓት ይሃብ እንዳበልና ንጅግና ክልተ ምዕራፉት ኣምባሳደር ኣድሓኖም ክኣ መንግተ ሰማያት የዋርስ .
ዕለት፥ ለካቲት 28, 2021
ሰዓት 1:00 ድ/ቀ ኣቆጻጽራ ቶሮንቶ
ብደሓን ምጹ

ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ኣድሓኖም!"ዘጋጠመ የጋጥም፡ ዝሓቶ ከቢድ ዋጋ ይሃሉ፡ ንመሰልካ ካብ ምቅላስ ደው ኣይትበል/ኣይትበሊ" ዝብል ለበዋ ተላብዩ ሓሊፉ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ...
21/02/2021

ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ኣድሓኖም!

"ዘጋጠመ የጋጥም፡ ዝሓቶ ከቢድ ዋጋ ይሃሉ፡ ንመሰልካ ካብ ምቅላስ ደው ኣይትበል/ኣይትበሊ" ዝብል ለበዋ ተላብዩ ሓሊፉ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዕለተ መስዋእቲ፡ ለካቲት 19 2021

ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ኣብ ወርሒ መስከረም 1945 ኣብ ኣፈልባ ተወሊዱ። ወላዲቱ ካብቲ ዝነበራ ከቢድ ናይ ሕርሲ ኩነታት፣ ብዘይ ጉድኣት ክትገላገል ብምኽኣላ፣ ልዑል ፈጣሪ ንምምስጋን ወለዱ “ ኣድሓኖም ” ዝብል ረዚን ስም ከምዝሃብዎ ታሪኽ ቤተሰቡ ይሕብር።

ሕሳስ ልደ እንዳ ኣቦይ ባሻይ ገብረማርያም ዝኾነ ኣድሓኖም፣ ምዉቕን፡ ፍቅርን፡ ምሕብሓብን ዝመላኦ ግዜ ህጻንነት ኣብ ሑቕፊ ወለዱን ኣሕዋቱን ኣሓቱን የሕሊፉ። ኣብ ምስግጋር ካብ ህጻንነት ናብ ቁልዕለት፡ ብፍላይ ምስቶም ንስለ ናጽነት ኤርትራ በጃ ዝሓለፉ የሕዋቱ ሓጎስን መምህር መሓርን እናተጻወተ ዕድመ ናይ ትምህርቲ በጽሐ።

ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣብታ ኣብ ከብዲ ዓዲ ተደኲና ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ኣፈልባ ብምምዝጋብ፣ ናይ መባእታ ትምህርቱ ተኸታቲሉ። ኣብቲ ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ፈተናታት፡ ብልዑል ነጥቢ ብምሕላፍ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ተኸታተሉ። ብምቕጻል፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተኸታቲሉ። ብምቕጻል ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ብምምጻእ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ።

ምስእናይ ኣብቲ ናይ 1970ታት ምንቅስቃስ ተምሃሮ ውፉይ ተሳትፎኡ፡ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ድሕሪ ምክትታል፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1972 ሃገራዊ ጉቡኡ ንምፍጻም፡ ምስ ብዓል ተጋዳላይ ብርሃነ ገረዝግሄር፣ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ፡ ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍረምን ካልኦትን ዝነበርዎም ናይ ቃልሲ ብጾቱ ብሓባር ብምዃን፣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፣ ኣብቲ ኣድሓኖምን ብጾቱን ዝተሰለፉሉ እዋን፡ ቁጽሪ ተጋደልቲ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ ከባቢ 100 ተጋደልቲ እዩ ኔሩ።

ብወትሃደራዊ ታዕሊም ዝጀመሮ ሂወት ገድሊ፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ መራሕ ጋንታ ክሳብ ኣዛዝን ኮሚሳርን ክፍለ- ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ነዊሕ ኣገልጊሉን፣ ወሰንቲ ውግኣት መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።

ኣብ 1987 ኣብ ዝተገብረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ውዱብ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን ኣገልጊሉን። ከም ዝበዝሑ ብጾቱ፣ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ብዙሕ መውጋእቲ ዘጋጠሞን፣ ከቢድ በሰላ ኲናት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቱ ዝርኣየሉን እዩ ኔሩ።

ምዝላቕ፣ ሽድሻይ ወራር፡ ምድምሳስ ውቃው እዝ፣ ምድምሳስ ናደው፡ ስርሒታት ግንባር ድሕሪ መስመርን ክትቆጽሮም ዘጸግም ብዙሓት ውግኣትን ምስ ብጾቱ ዝመከተ ኣድሓኖም፣ ዋግዋጎ ነጻነት ክርኣ ኣብ ዝጀመረሉ ማለት ኣብ ከባቢ 1989 ፡ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ፣ ንኽፍሊ ንግዲ ክመርሕ ተመዲቡ እናሰርሐ፡ ተረፍ መስዋእቲ ኮይኑ ምስ ኩሎም ጀጋኑ ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝብን ነጻነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክርኢ በቒዑ።
ኣብቲ ድሕሪ ሉኣላውነት ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ፡ ከም ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኮይኑ እጅግኡ ሰብሲቡ መስርሕ ጉዕዞ ዳግመ ህንጻ ሃገር ምስ ብጾቱ ጀሚሩ።
በዚ መሰረት ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ፡ ከም ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ነቲ ቤት ጽሕፈትን ንሚንስትሪ ፍትሕን ዝኸውን መሰረት ኣንቢሩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ዝተገብረ ዳግመ-ውደባ መንግስቲ፣ ኣድሓኖም ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኮይኑ ተመዚዙ ብተወፋይነትን ብብሕልን ህዝቡ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ምምሕዳር ኣውራጃ ሰራየ፡ ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስቻንደነቭያ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሒሩውን ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ኮይኑ ተመዚዙ ኔሩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ መንግስታውን ሃገራውን ተልእኾታት፡ ኣብቲ ኣብ 2001 ዝተጀመረ ንፍትሕን፡ ግሉጽነትን፡ ደሞክራስን፡ ቅዋማውነትን ግዝኣተ ሕግን ዝጽውዕ ምንቅስቃስ ገዳይም ተጋደልቲ ክታሙ ኣንቢሩ፡ ዳግም ቃልሲ ንሰባዊ-ሓርነትን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ድምጹን፡ ሕልንኡን፡ ምሉእ ግዚኡን ጉልበቱን ሂወቱን ከወፊ ተበጊሱ።

ኣብቲ ድሕሪ መፋርቕ 2001 ዝቀጸለ ሂወቱ፡ ከም ልሳንን ተረካቢ ዕላማ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ትሓይሮምን ድሃይ ኣጥፊኦም ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሕልና እሱራትን፡ ኣብዘውዳእ ኣገልግሎት ሂወቱን ዕድሚኡን ዝኸፍል ዘሎ ዋርሳይ ወለዶን ብምዃን፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ብትብዓትን ብመሪሕ ተራን ደው ብምባል ተቓሊሱን ኣቃሊሱን።

ተጋዳላይ ኣድሓኖም፣ ንሃገሩ ኤርትራን ህዝባን ኩልንትንኡ ዝኸፈለ፡ ጸላእቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝኾኑ ባዕዳውያን ገዛእቲ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብትብዓት መኪቱ ዝስዓረ፣ ምሁርን ክኢላን ናይ ሕጊ፡ ኣመሓዳሪ፡ ዲፕሎማሰኛ፡ ብሉጽ ጽሓፋይን ክሳብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ፍትሕን ደሞክራስን ኔሩ። ተጋዳልይ ኣድሓኖም ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ።

እታ ዕትብቱ ዝተቀብረላ፣ ነጻ ንኽትወጽእ ዕድመ ንእስነቱን፡ ደሙን፡ የሕዋቱን፡ ብጾቱን ዝኸፈለላ ሓላል ሃገሩ ካብ መፋርቕ 2001 ኣትሒዙ ክርእያን ክነብረላን ኣይክኣለን፡ ኣብ ዘልኣለማዊ ፋንዉኡ እውን ክቕበረላን ኣይክኣለን።ብምቅላሱን ብምግዳሉን፡ ክሳብ እታ መወዳእታ ህሞት ናይ እስትንፋሰ-ሂወቱ ተጣዕሱ ኣይፈልጥን!
“ ነዚ ክብርን፡ ምዕባለን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝግብኦ ረዚን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕ ግዚ ምስዋእ ሓላል እዩ!“ ዝብላ ቃላት፡ ናይ ወትሩ መዛዘሚ እቲ ምቕሉልን መሃርን ኣዘናጋዕን ዕላላቱ እየን።

”ዘጋጠመ የጋጥም፡ ዝሓቶ ከቢድ ዋጋ ይሃሉ፡ ንመሰልካ ካብ ምቅላስ ደው ኣይትበል፡ ኣይትበሊ“ ዝብል ለበዋ ተላብዩ ሓሊፉ፡ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም!

ክቡር ሓርበኛ ኣድሓኖም፣ ኩሎም ኣባላት ቤተሰብካ፡ ዝኣዘዝካየን በራጊዳትካ፡ ዝመራሕካየን ክፍላተ ሰራዊትካ፡ ዘምሓደርካዮ ህዝቢ፡ ብጽሑፋትካን ኣብነትካን ዘንቃሕካዮ መንእሰይ ኤርትራ ብልብን ብመንፈስን ናይ ክብሪ ሰላምታ የቕርቡልካ።

ኽንዲ ሽሕ ኔርካ፡ ኣሽሓት ድማ ኣፍሪኻ ኢኻሞ፡ ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ኣድሓኖም!

ንኽብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ዮዲት ፍስሃየ፡ ንፍቑራት ደቁ፡ ንናይ ቃልሲ ብጾቱን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብ።

ምንጪ፥ www.awate.com

ንኩሉ ተቀማጢ ካናዳ፡ ዑደት ግዝያዊ መሪሕነት ተበግሶ ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘጋጠሞ ብድሆታትን ናይ መጻኢ መደባቱን። ከምኡ'ውን ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ምምላስን ምስ...
19/02/2021

ንኩሉ ተቀማጢ ካናዳ፡ ዑደት ግዝያዊ መሪሕነት ተበግሶ ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘጋጠሞ ብድሆታትን ናይ መጻኢ መደባቱን። ከምኡ'ውን ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ምምላስን ምስማዕን ዝዓለመ መደብ ክካየድዩ፡
ዕለት 20 ለካቲት 2021፡ መደብ ዝጅመረሉ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ቶሮንቶ፥ ZOOM link ናብ ከተማታትኩም ክለኣኽ ምኻኑ ንሕብር፡ ብደሓን ምጹ

17/02/2021

Eritrean Worldwide Demonstration.
protests

Virtual Protest on Febraury 18, 2021:  ESTAfrican Union A call to stop the war,IOM - UN MigrationStop the violence again...
16/02/2021

Virtual Protest on Febraury 18, 2021: EST
African Union A call to stop the war,
IOM - UN MigrationStop the violence against the Eritrean refugees.
Ethiopian Civic AssociationsEritrean forces should get out of Tigray immediately.
International Committee of the Red CrossEthiopian forces should get out of Eritrea
Isaias and his ruling party are responsible for the death of Eritrean Youth
Protection and immediate help to Eritrean refugees
PFDJ is the enemy of the Eritrean people
Isaias is the source of instability in East Africa
UNHCR, the UN Refugee Agency Stop the violence against the Tigrayan people
Isaias is a war criminal
Global ceasefire dayWhere are our 20-thousand Eritrean Refugees?
I am an Eritrean mom, where is my son?
I am an Eritrean father, where is my daughter?
UNHCR, the UN Refugee AgencyEritrean Refugees crying for help! Where is the World?
Eritrean Lives Matters!
Stop using COVID-19 and hunger as weapon!
Kids need books not bombs!
Unrestricted Humanitarian Access!
Independent Fact Finding Mission Now!
The Federal government of Ethiopia is responsible for the plight of the Eritrean refugees
U.N. Security Council Must Act Now!
Thank you USA ! Enforce your demand!
Zoom Link will provided on your cities.

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Erican Yiakl ኢሪ -ካን ይኣክል posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share