TMH Board of Directors

  • Home
  • TMH Board of Directors

TMH Board of Directors This is the official platform for the TMH Board of Directors to communicate with the public.

እንታይ ነይሩ? ንምንታይ?ነባር ቦርድ ኣመራርሓ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ምስ UMD Media ዝገበሮ ዘተ፤ https://www.youtube.com/live/hazd3mHIZHQ?feature=share
30/04/2023

እንታይ ነይሩ? ንምንታይ?

ነባር ቦርድ ኣመራርሓ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ምስ UMD Media ዝገበሮ ዘተ፤

https://www.youtube.com/live/hazd3mHIZHQ?feature=share

እንታይ ልምንታይ ተገይሩ? ናይ ቀደም ቦርድ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ

(ህፁፅ!)መግለፂ ቦርድ ዳይሬክተራት TMH ብዛዕባ ዘይግቡእ ምሕደራን መስመሩ ዝሰሓተ ኣካይዳን TMH==================ፅሟቕ መብርሂ፦ብጥሪ 2019 ዓ.ም.ፈ ዝተጣየሸ ፈላማይ ቦርድ ...
22/04/2023

(ህፁፅ!)

መግለፂ ቦርድ ዳይሬክተራት TMH ብዛዕባ ዘይግቡእ ምሕደራን መስመሩ ዝሰሓተ ኣካይዳን TMH
==================
ፅሟቕ መብርሂ፦

ብጥሪ 2019 ዓ.ም.ፈ ዝተጣየሸ ፈላማይ ቦርድ ዳይሬክተራት TMH ነዚ መግለፂ ከውፅእ ዝተገደደሉ ምኽንያት:-
• ብዕለት 25፣ 2020 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ዋዕላ ኣብ ምሕደራ TMH ኣጋጢሙ ዝነበረ ካብ ቁፅፅር እቲ ቦርድ ወፃኢ ዝኸደ ከቢድ ፀገም ንህዝቢ ዕላዊ ገይሩዎም ከምዝነበረ፣ ንህዝቢ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ፣ ከምኡ እውን ናይ ቀፃሊ ናይ መፍትሒ ኣንፈታት ኣቐሚጡ ከምዝነበረ ንምዝኽኻርን ሐዚ እቲ ትካል ገጢሙዎ ዘሎ ዝኸፍአ ሓደጋ ሃለዋት እውን ኣብቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ፀገም ዝተደመረን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ንምምልኻት፤
• እቶም ሐዚ ተፈጢሮም ዘለዉ ፀገማት ነዊሕ ሱር ዘለዎም ምዃኖም ንህዝቢ ብምርዳእ እቲ ትካል ገጢሙዎ ዘሎ ሓደጋ ህላወ ኣብ ምቕራፍ ይጠቕሙ እዮም ዝብሎም ሓሳባትን ሓበሬታታን ንምሃብ፤
• ህሉው ኩነታት ዓድናን ህዝብናን እውን ብዛዕባ ኣብቲ ትካል ካብ ትማሊ ተሳጊሮም ናብ ሎሚ ዝበፅሑ ናይ ኣሰራርሓ ክፍተታት፣ ሕፅረት ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይተሓታትነትን ብዝምልከት ንህዝብና ቀፃሊ መምሃሪ ኮይኖም ንኽውሰዱ ካብ ዘልዎ ድሌት፤
• ሐዚ እውን ከም መፍትሒ ዝቕመጡ ዘለዉ ሓሳባት ኣብ ሰማይ ዝተንጠልጠሉን ካብ ግጉይ መበገሲ (premises) ዝለዓሉ፣ ተሓታትነት ዘየረጋግፁ፣ ናይቲ ፀገም ሱር ፈቲሾም ዘላቒ መፍትሒ ክህቡ ዘይኽእሉ ኮይኖም ስለዝረኸብናዮም፤
• ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀንዲ ‘ኣመራርሓ፣ “መፈፀምቲ ኦዲቲንግ” ተባሂሎም ዝመፁ ዘለዉ፣ ብጭቡጥ እውን ኣብቲ ትካል ገበርቲ ሓደግቲ ኮይኖም ዘለዉ ገለ ውልቀ-ሰባት (ንዝርዝሩ ኣብ ታሕቲ ይመልከቱ) ድማ እቶም ቀንዲ ኣካል እቲ ፀገም ዝነበሩ ሰባት ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ቅንዕና ንዘለዎ ዘላቒ መፍትሒ ኣካል ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ንምሕባርን ዝሓሸ ዘሳግር መፍትሒ ሓሳብ ንምሃብን ካብ ዘለዎ ድሌት፤
• መስረቲ ቦርድ ኮይንና ንኸባቢ ክልተ ዓመት ዝሰራሕናሉ፣ እቲ ትካል ክሳብ ብውልቀ-ሰባት ብሓይሊ ተጨውዩ ካብ ኢድ ህዝቢ ዝወፅእ እግሪ ክተክል ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገበርናሉ ትካል ስለዝኾነ፣ ኣብቲ ትካል ዘለዉ ዝርዝር ፀገማት ብዝግባእን ብቐረባን እንፈልጦም ስለዝኾኑ ፤ እዚ ትካልና ብኸምዚ ብሕመቕን ውዲትን ውልቀ-ሰባት ተረሚሱን ተጨውዩን ንኸይትርፍን ፤ ዘላቒ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘስፍን ኣሰራርሓ ንኽሰፍን፤
• ብፍላይ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ደገን ዝተኣከበ ሓያል መጠን ዘለዎ ገንዘብ ብዘይዝኾነ ናይ ቁፅፅር፣ ተሓታትነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ይወፅእ ምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው ህዝብና ነዚ ሓቂ ተገንዚቡ ነዚ ኣብ ምፅራይ እጃሙ ንኸዋፃእ መፀዋዕታ ንምቕራብ፤

ድሕረ ባይታ:

ቦርድ ዳይሬክተራት TMH ኣብ ወርሒ ጥሪ 2011 ተመሪፁ ጭቡጥ ስርሑ ከምዝጀመረ ዝዝከር እዩ። ቦርድ ኣመራርሓ TMH ፈላማይ ስሩዕ ቦርድ ኮይኑ ስርሑ እንትጅምር ነቲ ትካል ካብ ምጥንሳስ ጀሚሩ ኣብቱ እዋን በፂሑዎ ዝነበረ ብርኪ ክሳብ ዝበፅሕ ኣብ ዝነበሩ ከይድታት ብዙሓት ግዱሳት ወገናት ብዝተፈላለየ ብርኪ ማእለያ ዘይብሉ ኣበርክቶ እናገበሩ ምፅንሖም ኣብ ግምት ኣእትዩን ንዓኣቶም ግቡእ ክብሪን ኣፍልጦን ሂቡ፣ ናቶምን ናይ መላእ ህዝብናን ሓደራ ተቐቢሉን እውን እዩ ተበጊሱ።
ቦርድ ኣመራርሓ TMH ድሕሪ ምምስራቱ ነዊሕ ከይፀንሐ ናብ ስራሕ ኣትዩ ቀንዲ ትኹረት ዕማማቱ ድማ ኣብ ዝስዕቡ ስትራቲጂያዊ ዋኒናት እቲ ትካል ክኽውን ኣንፈት ነፂሩ። እዚኦም ድማ ስትራተጂካዊ ኣንፈታት ምሃብ ፣ ህንፀት ትካላዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ (ፋይናንሳዊ ምሕደራ፡ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ፡ ምጥንኻር ኣብያተ ፅሕፈት ወዘተ)፣ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ እቲ ሚድያ ምሕንፃፅ፣ ምትእኽኻብ ሃፍቲ፡ ምትእትታው ጥንኩር መስርሕ ተሓታትነትን ግልፅነትን ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጢ ምምፃእ ንምንጣፍ ዝብሉ ይርከቡዎም። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ቦርድ ዝተማህ ንመፃኢ ትካላዊ ተበግሶታት እውን ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ኣብ ውሽጢ TMH ጥንኩር ትካላውነት ምትእትታው ከምዝኾነ እዩ ተቐሚጡ።
እቲ ቦርድ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕማማት ትካላዊ መስርሕ ኣብ ምትእትታው ኣብ ዘሐይለሉ ዝነበረ እዋን እቲ ቦርድ ካብ ማንጅመንት እቲ ትካል ዘይተፀበዮ ስራሕቱ ዘተዓናቕፍ ተሪርን ካብ ትካል ወፅኢ ካብ ግላዊ ድሌትን ባህግን ዝንቅል ተቓውሞ ገጢሙዎ። እቲ ቦርድ ኣመራርሓ እቲ ፀገም ብውሽጢ ውሽጢ ንምፍታሕ ዝገበሮም ብርክት ዝበሉ ፈተነታት ስለዘይሰመሩ ኣብ መወዳእታ መስከረም 19ን 29ን 2020 ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዝገበሮም ምይይጣት ስዒቡ እቲ ኹነታት ንህዝቢ ዕላዊ ክገብሮ ተገዲዱ። ህዝባዊ ምይይጥ ንኹሉ ትግራዋይ ክረዳዳእ ተገዲዱ። ስዒቡ ድማ ጥቅምቲ 25፣ 2020 ዓ.ም.ፈ ነቲ ናይቲ ትካል ብዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ፀዊዑ ማነጅመንት እቲ ትካል እውን ብዝነበሩዎ ህዝባዊ ናይ ዙም ምይይጥ ኣካይዱ። እቶም በቲ እዋን ብፅሑፍ ንህዝቢ ዕላዊ ዝተገበሩ መግለፂታት ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፅና (https://www.facebook.com/TMH-Board-of-Directors-101698001694753) ዝርከብ እንትኸውን ብመንገዲ ዙም ንዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ዝተኻየደ ናይ 6 ሰዓታት ምይይጥ ድማ ብቪድዮ ተሰኒዱ ይርከብ (እቲ ዝተቐረፀ ቪድዮ ክርኢ ዝደሊ ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ)።

ኣብዚ ብርኪ እናሃለና ብዕለት ጥቅምቲ 24፣ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ናይ ወራር ኲናት ብምጅማሩ እቲ ቦርድ ብተኸታታሊ ብመንጐኛታትን ተሳትፎ ሓፋሽ ኣቢሉ ነቲ ፀገም ክፈትሖ እናገበሮ ዝፀንሐ ኩሉ ምንቅስቓስ፣ ብፌስቡክ ዝህቦም ዝነበሩ ናይ መብራህርሂ መግለፂታትን ምስ ህዝቢ ዝገብሮም ናይ ዙም ምይይጣትን ኩሎም ደው ከብል ወሲኑ። ብምዃኑ እውን እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ካብ ጥቅምቲ 2013 ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ እዋናት እቲ ቦርድ ኣብ መሬት ዝነበሩ ዝዓበዩ ነገራት ኣብ ግምት ኣእትዩ ብስቕታ እዩ ፀኒሑ ነይሩ። ኮይኑ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዘለዉ ናይ ስምምዕነት ሰላምን ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይን ምዕባለታትን ተታሓሒዙ፣ እቲ ክሳብ ሐዚ ስቕታ ክምርፅ ዘገደዶ ‘`ኣይግዚኡን`` እውን ግዝኡ ከምዝሓለፎ ኣብ ግምት ኣእትዩ እቲ ቦርድ ዳግማይ ምስ ህዝቢ ክራኸብን ኩሉ ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ማዕኸን፣ ውሽጣዊ ጉዳያቱን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ዘለዉ ኩሎም ሓቅታት ንህዝቢ ክሕብር ትኽክለኛ እዋኑ ከምዝበፅሐ ተረዲኡ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝቐረቡ ሰነዳትን ለበዋታትን እቲ ብዓል ዋና እቲ ትካል ዝኾነ ህዝቢ ብቐፃልነት ንዝወሰዶም ስጉምቲታት እኹላት ምዃኖም ንኣምን እኳ እንተኾንና እቲ ቦርድ ግን ሱር-መሰረት ኣብቲ ትካል ዘለዉ ፀገማት ብግቡእ ንኽርዳእ፣ ድሕሪኡ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዘለዉ ምዕባለታት፣ ዝገጠሙ ዝተሓላለኹ ብድሆታት፣ ዝተቐሰሙ ትምህርቲታትን ንቕድሚት ዘኺዱ መንገድታትን ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ ዳግማይ ናብ ህዝቢ ክወፅእ ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ፈጢጦም ወፂኦም ዘለዉ ፀገማት ሓቅነት እቲ ካብ ጥቅምቲ 2020 ጀሚርና ንቐፃሊ ሃለዋት እቲ ትካል ሓደጋ ክኾኑ እዮም ኢልና እንሕብሮም ዝነበርናን ህዝቢ ኢዱ ክሓውሰሎም ፃውዒት ዘቕረብናሎምን ዘይተፈትሑ ጉዳያት ዘረጋግፁ እዮም።

ኣብ ታሕቲ ካብቲ በቲ እዋን ዘቕረብናዮም ምኽረ-ሕሳባት ገሊኦም ንመዘኻኸሪ ቀሪቦም ኣለዉ፤

ሀ. ምጥያሽ ማነጅመንት ቅድሚ ምጥያሽ ቦርድ ማዃኑ ዘስዓቦ ፀገም፦ ቅድሚ ወግዓዊ ምምስራት ቦርድ እቲ ምምስራት TMH ዝሓሰበ ግዝያዊ ኮሚቴ መብዛሕትኦም ብወለንታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ግዝያውያን ኣመራርሓን ጋዜጠኛታትን መዚዙ ነይሩ። እቲ ኣመራርሓ ጉጅለ (ማነጅመንት ኪሚቴ) ንኣይተ ነጋሲ ሃይሉ ከም ስራሕ መካያዲ፣ ኣይተ ሰለሞን ከበደ (ኣሉላ) ከም ሓላፊ ምትእኽኻብ ሃፍቲ፣ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣሳየሀኝ ከም ሓላፊ ፋይናንስ፣ ኣይተ ኣታኽልቲ ከም ቴክኒሻን ሚድያ ኮይኖም። ሰለስተ ጋዜጠኛታት (ኣይተ ስታሊን፣ ኣይተ ሃይለሚካኤልን ኣይተ ኣግኣዚን) ኣብ ዋሽንግተን፣ ክልተ ድማ ኣብ መቐለ (መድህንን ተካልኝን) ተቖፂሮም ነይሮም። እዚ ብመሰረቱ ብሰናይ ተበግሶ ዝተፈፀመ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣፈፃፅማ ግን ስዒቡ ንዝተፈጠረ ፀገም መበገሲ ኾይኑ እዩ። እቲ ንቡር ኣሰራርሓ ግዝያዊ ምሕደራ ፈሪሱ እቲ ቦርድ ከም ብሓዱሽ ነቲ ማነጅመንት ከጣይሾ እዩ ነይሩዎ ፤ እዚ ብዘይምዃኑ እቲ ቦርድ ቀዲሙ ዝጀመረ ፀገም ክወርስ ተገዲዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ስዒቡ ንዝመፀ ዝኸፍአ ፀገም መበገሲ ኮይኑ።

ለ. ቦርድ ኣመራርሓ TMH ኣብ ባንክ ኣካውንት እቲ ትካል ቁፅፅር ክህልዎ ዘይምኽኣሉ፦ እቲ ቦርድ ስርሑ ክጅምር ከሎ እቲ ቅድሚኡ ተመስሪቱ ዝፀንሐ ማንጅመንት ባንክ ሒሳብ እቲ ትካል፣ ፍቓድን ካልእ ሰነዳትን ሙሉእ ቁፅፅር ነይርዎ ፤ ፋይናንሳዊ ፀብፃብ እውን ኣይነበሮን። እቲ ቦርድ ዋላኳ ብተደጋጋሚ ኣብቶም ዝተጠቐሱ ዓበይቲ ዋኒናት ናይ ቁፀፅር መስርሕ ንኽህልዎ ጠለባት እንተቐረበ እቲ ማንጅመንት ብሎሚ ፅባሕ ግዘ ምጉታት መሪፁ ፤ ክሳብ መወዳእታ እውን እቲ ቦርድ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኣካውንት፣ ፋይናንሳዊ ትራንዛክሽን፣ ምልመላ ሓይሊ ሰብ፣ ኦዲትን ሕጋዊ ኩነታትን TMH ዝኾነ ናይ ቁፅፅር መስርሕ ክፈጥር ኣይከኣለን።

ሐ. ኣብ ዲያስፖራ ምትእኽኻብ ሃፍቲ፦ ጋዜጠኛታትን ኣመራርሓ ጉጅለን ብወለንታዊ ንTMH የገልግሉ ከምዝነበሩ ብምግንዛብ፡ እቲ ቦርድ ብዕለት 11 ሓምለ 2020 ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ዙም ዕዉት ወፍሪ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ኣካይዱ፣ እዚ ድማ >200,000 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 7 ሰዓታት ጥራሕ ምእካብ ኽኢሉ። ብድሕሪኡ እውን ብGoFundMe፣ ቀጥታዊ ሓገዝ መተኣኻኸቢ ቴሌቶናት፣ ካብ ማሕበራትን ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ብሰለሞን ከበደ (ኣሉላ) ጉጅልኡን ተወሳኺ ሓያሎ ገንዘብ ተኣኪቡ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ቦርድ ብዛዕባ እቲ ዝተኣከበ መጠን ገንዘብ መጠን ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን፤ ኣብ ዋሺንግቶን ብዝነበረ ማናጅመንት ብዝፈጠሮ ፀገም ከዓ ናይ ቁፅፅር መስርሕ ክፈጥር ኣይከኣለን።

መ. ምምሕያሽ ፋይናንሳዊ ኩነታት TMH ስዒቡ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲ ዝርዝር ደሞዝ ንምእታውን ወለንታዊ ኣገልግሎት ንምቁራፅን ዘሕለፎ ውሳነ፡ እቲ ቦርድ ነቲ ፋይናንሳዊ ፀገማትን እቶም ሰራሕተኛታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ዘይተኸታታሊ ክፍሊትን ብምግንዛብ፡ ካብ ሓምለ 2020 ጀሚሩ እኹል ገንዘብ ምእካቡ እውን ኣብ ግምት ኣእትዩ ካብ መስከረም 2020 ጀሚሩ ንኹሎም ሰራሕተኛታት፣ ኣባላት ማነጅመንት ኣብ ትሕቲ ዝርዝር ደሞዝ ክኣትዉ ወሲኑ፡፡

ሰ. ምቑፃር ኣሉላ ከም ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ንሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ ከምዝነበረ: ክሳብ መስከረም 2020 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣይተ ነጋሲ ሃይሉ ከም ማናጀር ኮይኖም የገልግሉ ነይሮም። ይኹን እምበር ኣይተ ነጋሲ ካብ ስራሕ መካየዲነት ክውርዱ ብዘቕረቡዎ ሕቶ መሰረት እቲ ቦርድ ብውድድር መሰረት ቀዋሚ መካያዲ ስራሕ ክሳብ ዝምደብ ን6 ኣዋርሕ (ካብ መስከረም 2020 ክሳብ ለካቲት 2021) ንኣይተ ሰለሞን ከበድ (ኣሉላ) ብግዚያውነት ብ3000 ዶላር ደሞዝ ክሸሞ ወሲኑ። ኣይተ ነጋሲ ድማ ካብ ስራሕ መካየዲነት ወሪዱ head of operations ኮይኑ ምስቲ ትካል ቀፂሉ።

ረ. ጨንፈር መቐለ፡- ቅድሚ እቲ ቦርድ ምምስራት ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ መቐለ ከም ሪፖርተራት ኮይኖም ይንቀሳቐሱ እኳ እንተነበሩ፡ TMH ግን ኣብ ትግራይ ሕጋዊ ሰብነት ስለዘይነበሮ ኣብ ትግራይ ወግዓዊ ሕሳብ ባንክ ኣይነበሮን ። ብምዃኑ እውን ክሳብ እቲ ቦርድ ምምሕዳር ብ2020 ኣብ መቐለ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ጨንፈር ክኸፍት ዝወሰነሉ ዕለት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ TMH ኹሉ ውልቀ-ሰባት እዮም ኣየር ብኣየር ዝቀባበሉዎ ነይሮም። እዚ ድማ ንብዙሕ ምጥፍፋእ ሃፍቲ በሪ ዝኸፈተ ከምዝኸውን ግልፂ እዩ። ኣብ ስትራተጂካዊ ሰነድ TMH እውን ብግልፂ ከምዝተሓበረ ዋና ቤት ፅሕፈት TMH ኣብ ዋሽንግተን ኮይኑ ከምዝቕፅል እዩ። ኮይኑ ግን ስትራቴጂያዊ ዶክመንት እቲ ትካል እውን ከምዝሕብሮ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ዋሽንግተን ብዝቑፀረሉ ደመወዝ 10 ጋዜጠኛታት ኣብ መቐለ ምቑፃር ከምዝከኣል ብምግንዛብ በኸይዲ ብርክት ዝበሉ መደባት እቲ ትካል ካብ ጨንፈር መቐለ ክመፁ ናይ ነዊሕ ግዘ ትልሚ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ እኒ EBS፣ ESAT ወ.ዘ.ተ ዝበሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ጓኖት ዝኸዱሉ ዝነበረ መዋፃኣ ኾይኑ ዝተረኸበ መንገዲ እምበር ነቲ ትካል ካብ ኣሜሪካ ናብ መቐለ ንምውሳድ ዝብል ፈፂሙ ኣይነበረን። እቲ ቦርድ ኣሽንኳይዶ ኣብቲ በቲ እዋን ዝነበረ ደመና ኲናት ደው ኢሉስ ንሓዋሩ እውን ከምኡ ዝበለ ትልሚ ኣይነበሮን። ብዘሕዝን ኩነታት ግን እቲ ማንጅመንት ንጋዜጠኛታት ቦርድ TMH ነቲ ትካል ናብ መቐለ ከወስዶ ከምዝወሰነ ኣምሲሉ ብምቕራብ ጋዜጠኛታት ዝተጋገየ ርድኢት ክሓድሮም ገይሩ ። እቲ ማንጅመንት ብኡ እውን ከይተሓፀረ ውሽጢ ንውሽጢ ነቲ ዲያስፖራ “ትካልካ ቦርድ TMH ናብ መቐለ ክወስዶ ይሸባሸብ ኣሎ” ዝብል ወረታት ክብትን ጀሚሩ። እቲ ማንጅመንት ነዚ መደናገሪ ሓበሬትኡ መጠናኸሪ ኢሉ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ቴሌቶንን ብሱር ኮንስትራክሽን ዝተወሃበ ሓደ ሚልዮን ቕርሽን ከም ኣብነት ከምዘቕረበ ደሓር ተፈሊጡ። እቲ ዘደንፁ ሓቂ ግን ኩሉ እቲ ኣብቲ ቴሌቶን ዝተኣከበን ካብ ሱር ኮንስትራክሽን ዝተለገሰን ገንዘብ ኣብ ናይ ውልቂ ኣካውንት ናይ ፋይናንስ ሓላፊ እቲ ትካል ዝኾነ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣሳየሀኝ እዩ ኣትዩ ፤ ኣብዚ እቲ ቦርድ ዝኾነ ቁፅፅር ኣይነበሮን፣ ካብቲ ናይ ሱር ወፃኢ ክንደይ ከምዝተኣከበ ክሳብ ሐዚ ሓበሬታ ክረክብ እውን ኣይከኣለን። ኣታኽልቲ ኣሳየሀኝ ድማ ሐዚ እውን ኣካል እቲ ማንጅመንት ዘሎ እዩ። እቲ ቦርድ ነዚኦም ውዲታት ብእዋኑ ኣብ ምርዳእን ብእዋኑ መብራህርሂን ስጉምቲን ኣብ ምውሳድን ዝተወሰነ ከም ዝተዘናግዐን ፀኒሑ እዩ ተረዲኡ። ብፍላይ እቲ ማነጅመንት ኮነ ኢሉ ነቶም ጋዜጣኛታት ብዝሃቦ ኣዝዩ ዝተጋገየ መደናገሪ ሓበሬታ እቶም ጋዜጠኛታት ኣንፃር እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ነቲ ማንጀመንት እቲ ትካል ንምምሕያሽ ዘቕረቦ ሓሳብ ኣንፃሩ ክኾኑ ገይሩዎም እዩ። ብሓፈሻ እቲ ቦርድ ነቲ ንውፅኢታዊነትን ዕቤትን እቲ ትካል ኢሉ ዘበገሶ ሰናይ ሓሳብ ብማነጅመንት እቲ ትካል ተጠውዩ፣ ካልእ ምስሊ ሒዙ እቲ ማነጅመንት ድሒሩ ንዝፍፅሞ ዘይሕጋዊ ጉብጣን እቲ ትካል ከም መሳርሒ ኮይኑ ዘገልገለሉ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ተፈጢሩ።

ሸ. ምቑፃር ኣታኽልቲ ኣምባየ ከም ሓላፊ ጨንፈር መቐለ፦ ኣድላይነት ጨንፈር TMH ኣብ ትግራይን ሕጋዊ ናይ ምግባር ኣድላይነትን ብምግንዛብ ቦርድ TMH ዕላዊ Vacancy post ኣውፂኡ ፤ ብርክት ዝበሉ ተወዳደርቲ ንውድድር ዝቐረቡ እንትኸውን ኣብ መወዳኣታ ድማ ጋዜጠኛን ደራስን ስዉእ ተጋዳልይ ኣታኽልቲ ኣምባየ ብዝቐረቡ ረቑሓታት ተመራፂ ኾይኑ ተረኺቡ ናይቲ ጨንፈር ሓላፊ ክኸውን ተመዚዙ። ኣይተ ኣታኽልቲ ኣምባየ ሓላፍነት ምስተረከበ ብኡ ንብኡ ድማ ብመሰረት ተታሒዙ ዝነበረ ትልሚ ብመሰረት ደንቢ ሚድያ ክልል ትግራይ TMH ብዕሊ ተመዝጊቡ ሕጋዊ ሰብነት ክህልዎ ገይሩ። እዚ ድማ ብወግዒ ዕፁው ኣካውንት ክኸፍት ኣኽኢልዎ። ኣብ ክልቲኡ ዋሽንግተንን መቐለን ስትራተጂካዊ ሽፋን ሚድያ TMH ንምስምማዕ ዝሕግዙ መዓልታዊ መደብን መርኣዪታትን ሓዊሱ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ሚድያ ስትራተጂታትን መደባትን ኣዳልዩ። ይኹን እምበር ኣታኽልቲ እቲ ትካል ሕጋዊ ሰብነት ሃልዩዎ ብትካላዊ መስርሕ ብሕጊን ደምቢን ዝምራሕ ንክኸውን ኣብ ዝጓየየሉ እዋን ሽዑ ንሽዑ ከበድቲ ተፃብኦታት ከጋጠሞ ጀሚሩ። ናቱ ምምፃእን TMH ትካላዊነት መስርሕ ክሕዝ ምጅማሩን በቲ ኣብ ዋሺንግቶን ዝነበረ ማናጅመንት ከም ሓደጋ ተራእዩ። እዚኦም ድማ፡ i) ኩሉ ገንዘብ እቲ ትካል ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘሎ ኣካውንት TMHን ኣብ ኣካውንት ውልቀ-ሰባትን ዝተቐመጠ ምንባሩን እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ማንጅመንት ድማ ንኣታኽልቲ ንስራሕ ዝኸውን ገንዘብ ክልእኽ ፍቓደኛ ዘይምንባሩ ፤ ii) እቲ ናይ ዋሽንግተን ማነጅመንት በዚ እውን ከይተወሰነ ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ኣምባየ ኣሉታዊ ጎስጓስ ገይሩን ኣብ መወዳኣታ እውን ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ቦርድ ኣብ ፌስቡክ “ተሰጒግካ ኣለኻ” ኢሉ ዘይሕጋዊ ናይ ምስጓግ ደብዳቤ ዘርጊሑሉ እዩ። እዚ ዘይሕጋዊ ውሳነ ሽዑ ንሽዑ ብቦርድ ኣመራርሓ ተነፂጉ ተገላቢጡን እዩ። ትካል ካዕሪ ዝመፀ ስዉእ ተጋዳላይ ከዓ ዓብይ ሓዘን እናተሰመዖ እቲ ስራሕ ክቕፅለሉ ፈቲኑ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ኩነታት እናሃለና ኣብ ትግራይ ኩናት ተላዒሉ ኣታክልቲ ድማ ኣብቲ ኲናት ጅግንነታዊ መስዋእቲ ኸፊሉ።

ቀ. ቦርድ ኣመራርሓ ደጋዊ ኦዲት ንምግባር ዘቕረቦ ፃውዒት፦ TMH ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝኾነ ናይ ደገ ኦዲት ከምዘይነበሮ፣ ኣብቲ ሕሳብ ቦርድ ቁፅፅር ዘይምህላዉ፣ ስሩዕ ፋይናንሳዊ ኣሰራርሓን ፀብፃብን ዘይምህላዉ፣ ከምኡ’ውን ቦርድ ኣብ ዝነበሩ ናይ ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብ ከይዲታት ዝኾነ ናይ ምቁፅፃር መስርሕ ከተኣታቱ ፀገማት ስለዝተፈጠሩ፣ እቲ ቦርድ ሃፍቲ ህዝቢ ይጠፋፋእ ከምዘሎ ዝተወሰኑ ጭቡጣት መርትዖታት እውን ስለዝረኸበ፣ ነዚኦም ኩሎም ኣብ ግምት ብምእታዊ ኩለመዳያዊ ናይ ደገ ኦዲት ክልቲኡ ጨንፈር ማለት እዉን ዋሽንግተንን መቐለን ክካየድ ጠሊቡ። ይኹን እምበር ፈለማ መገሻ ሓላፊ ፋይናንስን ለበዳ Covid-19ን ከም ምኽንያት ብምቕራብ እቲ ከይዲ ክደናጎይ ዝተገበረ እንትኸውን ኣብ መወዳእታ ግን ናብ “ኦዲት ኣይንግበርን፣ እተምፃኡዎ ክንርኢ” ከምዝዓበየ ኩሉ ዝግንዘቦ እዩ። ጥቅምቲ 2013 ዝጀመረ ኲናት ድማ ነቲ ብዘይተሓታትነት ክቕፅል ዝደለየ ኣካል ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩሉ እዩ ምባል ይከኣል።

ቐ. ኣሉታዊ ኣበርክቶ ሓደ ኣባል ቦርድ ኣመራረሓ፥ ካብቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ 8 ኣባላት ቦርድ፡ ኣብ ውሽጢ ቦርድ ምውህሃድ ሃፍቲን ፋይናንስን ዝመርሕ ዝነበረ፣ ነቲ ቦርድ ኣመራርሓ ብምውካል ፋይናንሳዊ ጉዳያት እቲ ትካል ብዝምልከቱ ምስ ማነጅመንት በቐረባ TMH ክሰርሕ ሓላፍነት ዝተቐበለ ዶ/ር ኣብራር ፍትዊ እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ካብ ቦርድ ኣመራርሓ TMH ብሕታዊ ምስ ጉዳያት ፋይናንስን ምስ ባንኪ ኣካውንት TMHን ርክብ ዝነበሮ ዶ/ር ኣብራር ጥራሕ እዩ። ፀገማት እናተጋድዱ ኸይዶም ዕጫ እቶም ብላዕሊ ኾይኑ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ እቲ ትካል ዝቆፃፀር ዝነበረ ብኢደ-ወነኖም ኣፍሪሶም ነቲ ትካል ናይ ውልቆም መሳርሒ እቶት ንምግባርን ነቲ ህዝባዊ ትካል ንቑልቁል ክወስዱዎ ዝጓየዩ ዝነበሩን ገለ ኣመራርሓ ክንውስን ኣብ ዝተገደድናሉ እዋን ኣብ ወሳንቲ ኣኼባታት እቲ ቦርድ ምትራፍ፣ ምስቲ ቦርድ ዘለዎ ርክብ ምቁራፅን ብጎኒ ምስኒ ሰለሞን ከበድ (ኣሉላ ሰለሞን)ን ነጋሲ ሃይሉን ምሽራኽ ምጅማሩ ግልፂ ኮይኑ። ዶ/ር ኣብራር ዋላ እኳ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ TMH ክከታተል እንተተመደበ ናይ ደገ ኦዲት ክገብር ግን ክደፍእ ኣይደለየን። እቲ ቦርድ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ኣብራር ዝተወሰኑ ስኽፍታታት ዝፈጥሩ ነገራት ይግንዘብን በብእዋኑ ምስኡ እውን ብግልፂ ይዘራረበሎምን እኳ እንተነበረ ክሳብ እቲ ኩነታት ዝፍጠር ሃፍቲ እቲ ትካል ኦዲት ክግበር ካብ ዘይምድላዩ ዝዘለለ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅሉዕ ጥልመት ክበፅሕ እዩ ኢሉ ክሓስብ ዝገብሮ ዝዝክሮ ዓብዪ ቅድመ-ምኽንያት ኣይነበረን። ብዘሕዝን ኩነታት ግን እቲ ቦርድ ኣሚኑ ምስኒ ነጋሲ ሃይሉ፣ ሰለሞን ከበደ (ኣሉላ)ን ኣታኽልቲ ኣሳየሀኝን ኮይኑ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ እቲ ትካል ክከታተል ሓላፍነት ዝተወሃቦ ኣብራር ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ብቐጥታ ኣካል እቱ ኣብቲ ትካል ተሓታትነት፣ ግልፅነትን ትካላዊ መስርሕን ከይተኣታቶን ሃፍቲ ህዝቢ ከምዝመሰሎ ድላዩ ክገብሮን ዝወሰነ ማነጅመንት TMH ኾይኑ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ቦርድ ዓቢ ዘሕዝን፣ ተስፋ ዘቑርፅ ጥልመት እዩ ነይሩ። ኣብራር ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ ቦርድ ምስ እ ኣብ ዲያስፖራ ተሰማዕነት ዘለዎም ዝብሃሉ ሰባት ዝገበሮ ርክብ ኣብራር ንባዕሉ ከም ኣካል ቦርድ ዘይኮነስ ከም ኣካል ማነጅመት ኮይኑ እዩ ምምፃእ ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ጥልመት ድማ ኣብቲ ትካል ስዒቦም ንዝመፁ ኩሎም ውድቀታት ዝዓበየ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ዶ/ር ኣብራር ድሕሪ ኲናት ምጅማሩ እዉን ገባሪን ሓዳጊን ኮይኑ ድሕሪ ምፅናሕ ኣዝዩ ብዘስደምም ኩነታት ድማ እዚ ፈላማይን ሕጋዊን ቦርድ ብዘይፈልጦ ኩነታት ብኢደ ወነኑ ኻሊእ ቦርድ ካጣይሽን ባዕሉ ኣቦ ወንበር ኮይኑን ከመፅን ተራእዩ። እዚ ድማ ንኹሉ ነቲ ጉዳይ ዘስተብህል ጉዳይ ዘስደምም ጥራሕ ዘይኮነስ ክሕባእ ዝተደለየ ገበናት ከምዘሎ ህዝቢ ክነቕሐሉ ዝግባእ እዩ።

በ. ናይ ዋሽንግተን ማነጅመንት ኣብ መቐለ ንዝተኸፈተ ሓዱሽ ጨንፈር ንኽመርሕ ዝተሓረየ ስራሕ መካየዲ ብኢደ-ወነኖም ምስጓግ፤ ማነጅመንት ዋሽንግተን ነቲ ኣብ መቐለ ሕጋዊ-ሰብነት ረኺቡ ዝተኸፈተ ጨንፈር TMH ካብ ፈለምኡ ጀሚሩ ንምትዕንቓፍ እናሰርሕ እዩ ከይዱ። ነቲ ኹነታት መልክዕ ንምትሓዝ ዝተፈላለዩ መረዳድኢ ኣኼባታት እንተተኻየዱ እኳ በዚን ብኻልኦት ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ምኽንያታትን ኣብ ሞንጎ ቦርድን ማናጅመንትን ዝነበረ ርክብ እናሓርፈፈ እዩ ከይዱ። ኩሉ ሃፍቲ እቲ ትካል ኣብ ኢድ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ማነጅመንት ስለዝነበረ፣ እቲ ማነጅመንት እውን ደጋዊ ኦዲት ንኽካየደሉን ንፁር ትካላዊ ኣሰራርሓ ንኽተኣታቶን ድሌት ስለዘይነበሮ እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ኣብ.ዋሽንግተንን መቐለን ሙሉእ ፋይናንሳዊ ፀብፃብ ንምቕራብን ናይ ደገ ኦዲት ንምጅማርን ዝነበሮ ትልሚ ከይተዓወተ ተሪፉ። እቲ ኩነታት እናሓመቐ ከይዱ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነቲ ንቦርድ ሓሊፉ፣ ኩሉ ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥሒሱ ንሓላፊ ጨንፈር መቐለ ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ ኣምባየ ኣብ ፌስቡክ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝሰጎጎ ኣፍሊጡ እዩ።

ቨ. ምስ ማነጅመንት ውሽጣዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝገበርናዮም ኩሎም ፈተናታት ድሕሪ ምፍሻሎም ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ብዓል ዋና እቲ ትካል ንዝኾነ ህዝቢ ዕላዊ መብርሂ ንምሃብ ብዕለት 19ን 29ን መስከረም 2020 ዓ.ም ብፅሑፍ ንህዝቢ መብርሂ ሂቡ እዩ (https://www.facebook.com/TMH-Board-of-Directors-101698001694753) ። ብምቕፃል እውን ጥቅምት 25፣ 2020 ብመንገዲ Zoom ሰፊሕ ህዝባዊ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ። (ናይቲ ዙም ምይይጥ ቪድዮ ቅዳሕ ንምርካብ ሕቶ ምቕራብ ይክኣል እዩ) ። ብተወሳኺ በቲ ዕለት ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ፔጅ ቦርድ ኣመራርሓ ዕላዊ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ተዋሂቡ እዩ።

ተ. ብዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ብፃውዒት ቦርድ ኣመራርሓ ምስ ህዝብና ኣብ ዝተገበረ ናይ ዙም (zoom) ምይይጥ ዝቐረቡ ሓሳባትን ለበዋታትን እዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ ይርከብዎም (ምምሕያሽ ኣይተገብረሎምን)፤
• እቲ ቦርድ ብመንገዲ GoFundMe (ልዕሊ USD 200,000) ፣ ብተወሳኺ ድማ ብዝተፈላለያ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብቐጥታ ናብ ኣካውንት TMH ዝተኣከበ ሃፍቲ ቁፅፅር የብሉን። ስለዝኾነ እውን ክሳብ ደጋዊን ዘይሻራዊን ሒሳብ ምፅራይ ዝካየድ ብዘይካ ንደሞዝ ጋዜጠኛታትን ቴክኒሻንን ተህኢሉ ዝወፅእ ካልእ ኩሉ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ፣ እቲ ኣካውንት እውን ንግዚኡ ተዓፅዩ ክፀንሕ ንህዝቢ ኣፍሊጡ፤
• ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ምዝገባ ዋንነት TMH ነቲ ትካል ናይ ውልቀ-ሰባት ንብረት ብዝገብር ኩነታት ተፈፂሙ ስለዘሎ ዋንነት ምዝገባ TMH ናብ ህዝቢ ክምለስ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ፤ ህዝብና እውን ኣብዚ ኢዱ ሓዊሱ ክቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቡ ፡፡ በዚ መሰረት ኣብዚ እዋን እዚ ብመሰረት እቲ ኣብ ሰነድ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ናይቲ TMH ብዓል-ዋናን ተጠቃሚን ኣይተ ሰለሞን ከበደ (ኣይተ ኣሉላ ሰለሞን) ዝብል ናይ ሸፍጢ ምዝገባ ናብ ዋንነት ህዝቢ ክምለስ ለበዋ ቀሪቡ፤
ከም ሓበሬታ፥ በቲ እዋን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝነበረ ሕጋዊ ምዝገባ፥
• መጀመርያ ምዝገባ (initial registration) ዕለት ሓምለ 27፣ 2017 ዓ.ም.ፈ ኣብ ክንዲ “ትግራይ ሚድያ ሃውስ” ዝብል ስም “ኣሉላ ሚድያ ሃውስ” እዩ ነይሩ።
• ናይ መወዳእታ ብዕለት 13 ሓምለ 2020 ዓ.ም.ፈ ዝቐረበ መግለፂ፡ ብመሰረት መጀመርታ ደንቢ ( Initial Reg. No) ዝተመዝገበ። ቁፅሪ፥ N00005751138።
• ኩነታት ትካል (Corporate status: )፡ 501 (ሐ) ሐ፡ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል (nonprofit organization)
• ተጠቃሚ ወናኒ (Beneficiary owner): ኣሉላ ሰሎሞን
• ኣካያዲ ስራሕ (Manager:)፡ ኣሉላ ሰሎሞን
• ወኪል (Agent)፡ ሰሎሞን ከበደ (ወግዓዊ ስም ኣሉላ ኣብ ኣሜሪካ)
• በጃኹም ነታ ተተሓሒዛ ዘላ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት ምምስራት ርኣይዋ
• ናይ ሒሳብ ምርመራ (auditing) ተሞክሮ፣ ፍልጠትን ሙሉእ ፍቓድን ዘለዎም ተጋሩ ብወለንታውነት ኣብ ዘይሻራዊ ምፅራይ ሒሳብ (ደጋዊ ኦዲት) ነቲ ቦርድ ክሕግዙ መፀዋዕታ ቐሪቡ እዩ፤
• ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ምዕራይ ምዝገባ እቲ ትካልን ካልኦት ሕጋዊ ምኽሪታት ኣብ ምሃብን ክሳተፉ ዝኽእሉ ተጋሩ ሰብ-ሞያ ሕጊ ሓገዝ ክገብሩልና ፃውዒት ቀሪቡ።
• ቦርድ ኣመራርሓ ኣብ TMH ገጢሙ ዘሎ ናይ ኣሰራርሓ ሕመቕ፣ ዝተፈፀመ ሃፍቲ ህዝቢ ናይ ምጥፍፋእ ግዕዝይና ብቐፃልነት ንኻልኦት ዓበይቲ ተበግሶታትን ትካላትን ህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ኣርኣያ ኮይኑ ንኸየገልግል ህዝቢ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ክሳብ መወዳእታ ንኽቃለሶ ለበዋ ቀሪቡ።
• እቲ ዘሎ ፋይናንሳዊን ምሕደራዊን ዓንቀፍቀፍ ተፃርዩ መልክዕ ክሳብ ዝሕዝ ህዝብና ነቲ ትካል ዝገብሮ ናይ ገንዘብ ኣበርክቶ ንግዚኡ ደው ከብል ለበዋ ቀሪቡ ነይሩ፤
• እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ህዝባዊ ዋንነት እቲ ትካል ከረጋግፅ ፤ ሙሉእ ትካላዊ መስርሕ ከተኣታቱ ፤ ንፁር ፋይናንሳዊን ምምሕዳራዊን ኣሰራርሓን ተሓታትነትን ከስፍን ዘለዎ ቆራፅነት ንህዝቢ ዕላዊ ገይሩ ፤ ብዓል ዋና እቲ ትካል ዝኾነ ህዝቢ እውን ኣብ ጎኒ እቲ ቦርድ ተሰሊፉ ንኽቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ፤
[በቲ እዋን ምስ ህዝቢ ናይ ዝተገበረ ናይ ዙም ምይይጥ ቪድዮ ክትረኽቡ ንእትደልዩ ሕቶኹም ብመንገዲ ናብ ናይ ቦርድ ኣመራርሓ TMH ናይ ፌስቡክ ገፅ ኢንቦክስ ብምግባር ሕቶ ምቕራብ ይከኣል እዩ]

ቸ. ካብ ጥቅምቲ 25፣ 2020 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣይተ ሰለሙን ከበደ (ኣሉላ ሰሎሞን)ን ኣይተ ነጋሲ ሃይለን ካብ ናይ TMH ሓላፍነቶም ብግዝያውነት ምእጋድ ብዝምልከት፦ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ብዙሕ መልክዓት ዘለዎም በቐንዱ ካብ ሕመቕን ጉድለት ቅንዕናን ሰነ-ምግባርን ጉጅለ ማነጅመንት ዝብገሱ ማሕለኻታት መሰረት ብምግባር፡ ኣሉላ ሰለሞንን ነጋሲ ሃይለን ካብ 25 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናይ ደገ ኦዲትን ምርመራን ክሳብ ዝካየድ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተኣገዱ እውን እቲ ቦርድ ንህዝቢ ኣፍሊጡ እዩ። ምኽንያት ምእጋዶም ድማ ጉድለት ስነ-ምግባር፣ ኦዲት ንዘይምግባር ዕንቅፋት ምፍጣሮም፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንኸይህነፅ ዕንቅፋት ምዃኖም፣ እቲ ቦርድ ብዝገበሮ መባኣታዊ ፅንዓት ምጥፍፋእ ሃፍቲ ህዝቢ ምርኣዩ፣ ምስ ቦርድ ንምርኻብን ሓቢሮም ንምስራሕን ድሌት ዘይምህላዎም ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሕጋዊ ዋንነት TMH ዝነበረ ስክፍታታትን እዮም። ይኹን እምበር ነዚ ውሳነታት ዕሽሽ ብምባል ብኢደ-ወነኖም ብዘይተሓታትነት TMH ብዘምሰሎም መንግዲ ምምራሕ ቀፂሎም።

ነ. ቦርድ ኣመራርሓ TMH ኣብቲ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ 25 ጥቅምቲ፣ 2020 ዓ.ም.ፈ ምስ ህዝቢ ዝገበሮ ዋዕላ ብፍላይ ዲያስፖራ ትግራይ ኢዱ ሓዊሱ ንTMH ኣብ ቁፅፅር ኣኢዱ ኣትዩ ግቡእ ስጉምትታት ክውስን ዘቕረቦ ፃውዒት ብገለ ዕምቆት እቲ ፀገም ዘይተረድኡ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባን ከምኡ እውን ነቲ ፃዕሪ ንኸፍሽሉ ተጎጂሎም ብዕላማ ብዝኣተዉ ሒደት ሰባት ካልእ መልክዕ ሒዙ ኣብ መወዳእታ ኣብ ክንዲ ናብ ናይ ምፅራይ ከይዲ ምእታው ብገርሂ ናብ “ከተዓርቕ ኢና” ዝብል ፍፁም ትካላውነትን ተሓታትነትን ዘህስስ መንገዲ ክኸየድ ኮይኑ እዩ። ብኡኡ መሰረት እውን እቲ ህዝባዊ ምይይጥ ካብ ዝተዓለመሉ ትካል ናይ ምድሓን ህዝባዊ ስጉምቲ “ግዝኡ ኣይኮነን” ብዝብል ምኽኒት ተረሚሱ መሸማገልቲ ብምምራፅ ክዛዘዝም ኮይኑ እዩ፡፡

ኘ. ተደጋገምቲ ፃዕርታት ዝተመረፁ ሽምግለታት ፍረ ከፍርዩ ዘይምኽኣሎም፦ ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ህዝባዊ ምይይጥ ዶ/ር ሰለሞን መዝገቦ፣ ወ/ሪት መዓዛ ግደይ፣ ኣይተ ካሳ ሃይለማርያም ንሽምግልና ዝተሓረዩ እንትኸውን ቀፂሎም ኣብ ዘለዉ እዋናት ተደጋገምቲ ንፍረ ዘይበቕዑ ናይ ምሽምጋል ፃዕርታት ኣካይዶም እዮም። እቲ ፀገም በዚ ሽምግልና ክፍታሕ ስለዘይተኽኣለ፣ እቶም ብዝፈፀሙዎም ዓበይቲ ናይ ኣሰራርሓ ጎዶሎታት፣ ሃፍቲ ህዝቢ ናይ ምብኻን ፀገማትን ንግልፅነትን ተሓታትነትን ዘርኣዩዎ ዘይቅሩብነትን ኣብ ግምት ብምእታው ብግዝያውነት ተእጊዶም ዝነበሩ ሰባት እውን ብዝገደደ መልክዑ ብኢደ-ወነኖም ምኻድ ስለዝቐፀሉ ካልኣይ ፈተነ ሽምግልና ንምክያድ ንኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ፣ ንሳልሳይ ፈተነ ድማ ንኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶምን ኣይተ ብርሃነ ሃይለን ብምስታፍ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ኣብቲ ሳልሰዋይ ፈተና ብዝገርም መልክዑ ዶ/ር ኣብራር ፍትዊ ኣባል ቦርድነቱ ክሒዱ “ሞንጎኛ መሸማገሊ እየ” ኢሉ ተሓዊሱ እዩ መፂኡ። ብፍላይ እቲ ሳልሰዋይ ፍፁም ቅንዕና ዝጎደሎ ብኣይተ ብርሃነ ሃይለ ዝምራሕ ፈተነ “ሽምግልና” ካብ “ሽምግልናነቱ” ንላዕሊ ነቲ ትካል ንፍፁም መጭወይቲ ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ። እዚ ኩሉ ዝግበር ዝነበረ እቲ ብኒ ኣይተ ሰለሞን ከበደ (ኣሉላ) ዝምራሕ ማነጅመንት ምስቲ ቦርድ ተራኺቡ ፀገማት ንምፍታሕ ስለዝሓንገደ እዩ።

ወ. ዝነፀርናዮም ክፍተታትና፤
• ቦርድ ኣመራርሓ ኣብ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ማነጅመንት ዘሕደሮ ዘይግቡእ እምነት፦ እቲ ቦርድ ኣብቲ ምስ ኣመራርሓ ጉጅለ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክብ ብገርህነት ምሉእ እምነት እዩ ነይርዎ። ካብዚ እምነት ብዝነቅል እውን እቲ ኣመራርሓ ምስቶም ሰራሕተኛታት ብግቡእ ክረዳዳእ እዩ ዝብል ትፅቢት ገይሩ እዩ ይኸይድ ነይሩ። እዚ ድማ ቀፂሎም ንዝዕቡ ፀገማት እጃም ኣወፍዩ እዩ። ኣባላት ቦርድ ብኣካል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዝርከቡ፡ ኤሌክትሮኒካዊ መራኸቢታት ምእማን ንምቁፅፃር ከኽእል እዩ ዝብል ከንቱ ግምት እዩ ነይሩ።

• ድሩት ተኸታታሊ ርክብ ምስ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን TMH፡- እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስርሑ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ምስ ማነጅመንት ብቐረባን ብተኸታታሊን ይራኸብ እኳ እንተነበረ ዝሓልፉ ውሳነታት ካብ ታሕተዋይ ሰራሕተኛ ክሓልፉ እዮም ዝብል ግጉይ እምነት ብምሓዝ ብባዕሉ ምስ ታሕተዎት ሰራሕተኛታት ብተኸታታሊ ንምርኻብ ብዙሕ ፃዕሪ ኣይገበረን ፤ እዚ ኣብ ቀፃሊ ዓብዪ ፀገመ ፈጢሩ እዩ። እቲ መንጅመንት ደሓር ንዝገብሮም ኩሎም ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም መሳርሕነት ተበሊፁሎም እዩ።

• ብፍላይ ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ምስቲ ኲናት ተኣሳሲሩ “ኣይእዋኑን” ብዝብል እቲ ቦርድ ምስ ህዝቢ እዋናዊ፣ ተኻታታሊን ዕላዊን ርክባት ዘይምግባሩ እቲ ዝተኣገደ ማነጅመንት ብኢደ-ወነኑ ብዘይተሓታትነት ንኽቕፅል፣ ኣብቲ ትካልን ኣብ ሃፍቲ ህዝቢን ብዙሕ ፋይናንሳዊን ሞራላዊን ጉድኣት ክበፅሕ ኣኽኢሉ እዩ።

10/04/2023

Urgent!

The first Board of TMH is shocked to learn today that another Board for TMH is established without our knowledge. We were not informed about the establishment of a new TMH board.

It is our belief that this is done in complete secrecy to cover up all the questions the Board had raised regarding lack of auditing, proper institutionalization and other misconduct within TMH. The Board will provide a press release and make media appearances in the near future to set the story straight and to reiterate all the concerns we have been raising for years now.

TMH Board

02/02/2021

Let the entire Universe know this!

This is what the Ethiopians, The Amhara, The Eritrean Government, the other domestic and foreign accomplices of Ethiopian PM(like the Formajos, the Emirs of Emirates, Ethiopian Regional mercenaries) did on our(Tigray's) soil:

- They blocked our roads, first;

- Then they cut our share of the national budget;

- They blocked investment to Tigray;

- They cut Telecommunication services;
They also cut electric services to Tigray;

- They blocked supplies of essential drugs, food, industrial raw materials;

****And they came to our land!!

- They invited Eritrea's soldiers in their hundreds of thousands;

- They invited Somali Soldiers, Amhara mercenaries, Regional special forces;

- They mercilessly massacred tens of thousands of women, children and the elderly;

- They rapped our women;

- The burnt down our crops in our fields;

- They killed our animals;

- They looted everything in our houses;

- They destroyed every hidmo(a traditional house in Tigray) in our villages;

- They invited UAE to bombard our towns and villages; kill thousands of civilians; burn everything around;

-They indiscriminately shelled our towns with War Jets, heavy artillery, destroying many of them, and killing thousands of civilians;

- They killed 750 innocent people in Axum on a single episode;

- They killed more than 1100 Tegaru in Maykadira in the most brutal form possible;
They killed 165 people inside a church in Edaga-Hamus, called "Mariam Dengelet";

- They killed 30 priests in Guetelo "Madhane-Alem Church";

- They massacred mostly hundreds of innocent people in 700 of the "Tabia's" Tigray has, and in many of the towns and cities in Tigray;

- They destroyed every factory, every industry, every micro enterprise Tigray had;

-They destroyed Al-Nejashi, Debredamo and other places of huge historical and spiritual significance;

- They blocked humanitarian aid from reaching the people now starved to death;

- They used hunger as a weapon of war;

- They did(and continue to do) everything in their capacity to decimate, destroy Tigray, erase Tigray from the map;

- They continue to do everything in their capacity to exterminate "Ethnic Tigray"; ALL THEY WANT IS FINISH US- MILLIONS OF MEMBERS OF ETHNIC TIGRAY.

- They committed every act of war crimes
They committed every act of crime against humanity;
They committed Genocide on Ethnic Tigray in all forms, and to the worst degree;

*** Abiy, Esayas, Amhara leaders.....they shall be held accountable for all the crimes against humanity.

- Humanitarian aid to the people in grave need, NOW!

- International criminal investigation on the crimes against humanity(including genocide) committed by Ethiopia, Eritrea, UAE and Amhara forces inside Tigray- NOW!

- Eritrea's forces out, NOW!

- Ethiopia's forces out, NOW!

-Amhara mercenaries out, NOW!

- Mogadishu's forces out, NOW!

- International peace-keepers in (like the United Nations Interim Administration Mission in Kosovo) , instead!

A swift, concerted international response against the Very Active Genocide in Tigray!!

ACT NOW!
STOP THE GENOCIDE IN TIGRAY, NOW!

(A Voice from inside Tigray)

29/10/2020
25/10/2020

ካብ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) ዝተወሃበ እዋናዊ ሓበሬታ!
(ኣዝዩ ኣገዳሲ)

1. ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ወራር ኣንበጣ ንምምካት ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ካብ ልቢ ይድግፍ። ነዚ መሐበኒ ተግባር ንምሕጋዝ ኣብ ዝተኻየደ ወፈያ ገንዘብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ድማ ግቡእን ኣገዳስን ከምዝኾነ ይኣምን።

2. ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ፤ ብመሰረት ናይቲ ትካል ኢዲቶርያል ፖሊሲ፣ ናይቲ ትካል መስርሕ ተሓታትነት፣ ግልፅነት፣ ስሩዕ መስርሕ ፋይናንስን ምሕደራን ሓይሊ ሰብን፣ ቅንዕናን ስነምግባርን ዘለዎ ትካላዊ ቁመና ንምርግጋፅን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብን ዝጀመሮን ዘካይዶ ዘሎን ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ እዩ።

3. እዚ ፃዕሪ ንክፈሽል ብዙሓት ማሕለኻታት ይግጠሙና ድኣ እምበር ትካላዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ዝግበር ቃልሲ ፈፂሙ ኣይቋረፅን። እቲ ቃልሲ ዋለ'ኳ ፈታኒ እነተኾነ እቲ ሚድያ ናይ ዉልቀሰባት ወይክዓ ናይ ዝኾነ ጉጅለ ንከይኸውን እቲ ቦርድ መስርሕ ዘርጊሑ ናይ ህዝቢ ናይ ምግባር ከይዲ ሽትኡ ክሳብ ዝወቅዕ ብቅንዕና፣ ሓላፍነት፣ ብምሉእ ትረትን ምትሕብባርን ቃልሱ ኣበርቲዑ ከምዝቕፅለሉ የረጋግፅ::

ብተወሳኺ ዋላ'ኳ መዋሊን በዓል ዋናን እቲ ሚድያ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ እቲ ሚድያ እስካብ ሎሚ ናይ ሒሳብ ምርመራ (ኦዲት) ተገይሩሉ ዘይፈልጥን ንዝምልከቶም ኣካል ሪፖርት'ውን ዘይቀረበሉ ምዃኑ እዩ። እምበኣር እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርኣዬ ኣብ ሞንጎ ዳይሬክተራት ቦርድን ኣባላት ኣመራርሓ ሚድያ ዋሽንግተን ዲሲን ዝተፈጠረ ቅርንሕቲ ቀንዲ መበገሲኡ እዚ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

ዘይምዕዳል ኮይኑ ዛዕባ ኦዲትን ሪፖርትን ብምልዓልና ንሕና ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት ኣደዳ ፀለመን ጠቐነን ኾይንና ኢና። እንተኾነ ኣብ ልዕሌና ዝካየድ ወፍሪ መፀለምታን ምጥፋእ ስምን ክንዲ ዝመፀ ይምፃእ፤ ካብ'ዚ ጀሚርናዮ ዘለና ነቲ ሚድያ ናይ ምድሓንን ስራሕን ካብ ኢድ ውልቀ ዋንነትን ፋሉልነትን ኣናጊፍካ ናብ ስሩዕ መስርሕ ንምእታው ዝግበር ፃዕሪ ንፃት እኳ ንድሕሪት ከምዘይንብል ክንገልፅ ንፍቱ። እቲ ምንታይሲ ቀንዲ ውራይና እቲ ሚድያ ናይ ማሕበረሰብ ጥሪት’ምበር ናይ ውልቀሰባት/ጉጅለ ንብረት ዘይምዃኑ ምርግጋፅ ስለዝኾነን ብቀፃልነት ድምፂ ህዝቢ ኮይኑ ክቅፅል ምሕጋዝ ብምዃኑን።

4. ንሕና ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት ኣብ መቐለ ዘሎ ጨንፈር ከም ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ሚድያ ሕጋዊ ህልውንኡ ንምርግጋፅን ብናይ ሃገርና ሕጊ ተገዛኢ ኮይኑ ክሰርሕን ዘካይዶ ዘሎ ፃዕሪ እናነኣድና እቲ ጨንፈር ፍቱዋትን ኣብ መሬት ዘሎ እዋናውን አገዳሲን መደባት እናሰናደአን እቲ ማ/ሰብና ተጠለብቲ ስራሕቲ እናፈፀመን ክኸይድ ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ'ውን ንንእድን ንድግፍን። ኣብ ቀፃሊ ብዝሓሸ ንክሰርሕ'ውን እጃምና ክንፃወት ኢና።

5. እቲ ቦርድ ክሳብ ሐዚ ኣጋጢሙ ዝፀንሐ ፀገም ንምፍታሕ ብዙሕ ፃዕሪን ፈተነን ዝገበረ እኳ እንተኾነ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይከኣለን። እቲ እዋናዊ ፀገም ክቕረፍ ፣ ህዝባዊ ዋንነት እዚ ትካል ክረጋገፅ ፣ ናይ ተሓታትነትን ግልፅነትን መስርሓት ክተኣታተው፣ እቲ ትካል ተጠናኺሩን ህዝባዊ ዋንነቱ ኣረጋጊፁን ንክኸይድ እቲ ቦርድን መላእ ሕብረተሰብናን ብዝምነዮ መጠን በቲ ኻልእ ሸነኽ ተመሳሳሊ ኣረዳድኣን ድሌትን ብዘይምህላው እቲ ፃዕሪ ክሰምር ኣይከኣለን ፤ እቲ ነዚ ፃዕሪ የዋድድ ዝነበረ ጉጅለ እውን ድሕሪ ናይ ሰሙናት ፃዕሪ ስርሑ ከቋረፅ ከምዝተገደደ ተረዲእና ኣለና። ብዘሕዝን ኩነታት ግን እዚ መዋደዲ ጉጅለ ብናይ ክልቲኡ ኣካል ስምምዕነት ናይ ሓባር ሸምጋሊን መርማሪን ጉጅለ ንምጥያሽ ላዕሊን ታሕቲን ይብል ኣብ ዝነበረሉን እቲ ቦርድ እቲ ፀገም ክቕረፍ ብትዕግስቲ ይፅበ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እቲ ማነጅመንት ውሽጢ ንውሽጢ በብኸባቢኡ ምስ ናይ ትግራይ ማሕበረሰባት ብምርኻብ ንህዝቢ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ብምሃብ ሓቂ ኣብ ምሕባእ፣ ነቲ ቦርድ ኣብ ምፅላም፣ ነቲ ፀገም ዝበለፀ ኣብ ምግዳድ ተፀሚዱ እዩ ፀኒሑ። በዚ በለ በቲ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረን እቲ ቦርድ ብሙሉእ ልቢ ዝኣተዎን ኸይዲ ክፈሽል ተገይሩ ኣሎ።
እቲ ቦርድ እዚ ፀገም ዝውገድን ሕጋዊ መስርሕ ዝሕዝን ንማሕበረሰብና ኣገደስቲ ስሩዓትን እዋናውን ሓበሬታታትን መግለፅታትን በቢእዋኑ ብምሃብ ህዝብና ነቲ ሓቂ ተገንዚቡ ብንቅሓት ብምስታፍን ምዃኑ ብምእማን ዝህልው ምዕባለታት ብቀፃልነት እናፍለጠ ዝቕፅል ምዃኑ ይሕብር፡፡

እቲ ቦርድ እዚ ሓበሬታ ኣብ ዘውፀኣሉ እዋን ህዝብና ሐዚ ዘለሉ ኣዝዩ ፈታንን ተደራራቢን ብድሆታት እናመከተን እናተቃለሰን ዝርከበሉ እዋን ምዃኑ እውን ይፈልጥ::

ይኹን እምበር ሰብኣዊን ተፈጥራዊን ብድሆታት እንዳመከትና እተን ብድሆታት ናብ ዕድላትን ረብሓታት ንምቕያር ዘኽእል መገዲ ክንፈጥር ይግባእ። ጎና ጎኒ ደጋዊ ቃልሲ ውሽጣዊ ሕመቓትና ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን። እቲ ምንታይሲ እቲ ንትግራይና ንድሕሪት ዘትርፋ፣ ብቀፃልነት ዘጥፈኣናን ኣደዳ ጥቕዓት ዝገብረናን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይትካላዊ ውልቃዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ አሰራርሓን ስለዝኾነ። ነዚ እንዳተቓለስና እነተኣታትዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንትግራይናን ንመላእ ህዝብናን ብዘላቕነት ፅፉፍን ስሉጡን ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት ንምሃብን ሰናይ ምሕደራ ንምድንፋዕን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ክነረጋግፅ ንፈቱ::

እዚ ዳይረክተራት ቦርድ ዝተጣየሸሉ ዋና ምኽንያት: ንሕና ከም እባላት እዋናዊ ፃዊዕት ህዝቢ ብሙልእ ፍቓደኝነት ዝተቐበልናሉ ምኽንያት: እቲ ዝነበረ ናይ ሕዝቢ ትግራይ ናይ ሚድያ ፃምኢት ንምርዋይ ሓደ ስድሪት ንቕድሚት ክትወስድ ብግዱሳት ተጋሩ ዝተጣየሸት ሚድያ TMH ብክልተ እግራ ጠጠው ክትብል : ናይ ብሓቂ ናይሕዝቢ ክትከውን ዝገብርዋ ትካላዊ አሰራርሓታትን ክትዕጠቕ: ከምኡ እውን ብኑፅር ስትራተጂን ክእለትን ክትምራሕ ንምፅዓርን ንምስራሕን እዩ ነይሩ::

ሓደ ብጣዕሚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ነገር ንሕና ኣባላት ቦርድ ምስ TMH ናይ ክፍሊት ይኹን ካልእ ምንም ዓይነት ናይ ጥቕሚ ምትእሳር ዘይብልና ብውፍይንት ጥራሕ ክምእንሰርሕ እዩ::

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እዚ ቦርድ ብቕርፂ፣ ኣወቓቕራ፣ ሕጋዊ ሰብነትን ስያመን ፈላማይ እኳ እንተኾነ ብስራሕ(function) ግን ናይ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ፈላማይ ኣይኮነን፤ የግዳስ ቅድሚኡ ብርክት ዝበሉ ግዱሳት ተጋሩ ዝሓቖፈ መሰጋገሪ(ግዝያዊ) ቦርድ ተሓርዩ ተጣይሹ ስራሕ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ መሰጋገሪ ቦርድ በቲ እዋን ብዝነበረ ዓቕሚ እቲ ትካል ናይ ትካላውነት፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን መስርሓት ንምእትታውን ራኢ እቲ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ምንፃርን ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ካብቲ ግዝያዊ ማነጅመንት ብዝገጠሞ ተፃብኦን ፀቕጢን ኣብቲ ትካል ብዝነበረ ንትካላውነት፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን ድሉው ናይ ዘይምዃን ኩነታት እቲ መሰጋገሪ 'ቦርድ' ብኣጋ ተደፊኡ ካብ ሓላፍነት ነብሱ ከግልል ከምዝተገደደ እዚ ቦርድ ኣብ ቀረባ እዋን ተረዲኡ እዩ። እዚ ቦርድ(ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ) ነዚ ሓላፍነት ተሓርዩ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ተደፊኡ ዝወፀ ዘይስሩዕ ፈላማይ ቦርድ ኾነ ብዛዕባ ተደፊኡ ዝወፀሉ ኣግባብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይነበሮን ፤ እቲ ሓበሬታ ዘይምንባሩ እዚ ቦርድ መንጠሪ ነጥቢ ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከምዝሰኣነ ይወስድ። ብምዃኑ እውን እዚ ቦርድ ንትግራይ ሚድያ ሃውስ ስትራቴጂያዊ ዶክመንት ምምሕያሽን ምድላውን፣ ራኢዩን ዕላምኡን ናይ ምንፃር፣ ናይ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ ምምሕያሽን ቁፃር ሓይሊ ሰብን ፋይናንሳዊ ምሕደራን ዝምልከቱ ናይ መምርሒ ማንዋላትን ካልኦት ምስ ትካላዊ ህንፀትን ተሓታትነትን ግልፅነትን ዝተሓሓዙ ስራሕቲ ከጠናኽርን ከሰናድውን ፀኒሑ እዩ:: ኣብዚ ግን ህዝብና ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ከልዕል ይግባእ ፤ "ንዓዱ ከገልግል፣ ነዚ ትካል ናይ ውልቀሰባት መናበሪ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዓው ኢሉ ዝስማዕን ዝእመንን ድምፂ ንምግባር ዝፍትን ፤ ኣብዚ ትካል ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ንምትእትታው፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን ንምስፋን፣ ብፍላይ ፋይናንሳዊ ተሓታትነትን ግልፅነትን ንምስፋን ፣ ነዚ ትካል ንምጥንኻር ዝንቀሳቐስ ኹሉ ተደፊኡ ዝወፀሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?" ኢሉ ክሓትት ይግባእ ። ነቲ ቕድሚ እዚ ቦርድ ዝነበረ ብኽፋል ናይ ቦርድ ስራሕቲ ክሰርሕ ተሓርዩ ተጣይሹ ዝነበረን ተገዲዱ ተደፊኡ ዝወፀን ኣካልን ካልኦት በብእዋኑ ነዚ ትካል ብሞይኦም፣ ብግዝኦምን ጉልበቶምን ክሕግዙ ክንዲ ዝመፁ ተቖናፂቦም ዝወፁ ብዙሓት ግዱሳት እውን ኣቕሪቡ እቶም ኸይዲታት ፣ እቶም ሓቂታት እንታይ ከምዝነበሩ ክሓትት ይግባእ ንብል።

ብተዛማዲ ህዝብና ክፈልጦ እንደልዮ ሓቂ፣ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ብዓወት ዝፅርሑ ውፅኢት ዝተመዝገበልም ስራሕቲ ዝሰርሐ ምዃኑ ግሁድ እኳ እንተኾነ እዚ ቦርድ ኣብ ፋይናንሳዊ ምሕደራ፣ ኣብ ድረ-ገፃትን ሳተላይትን ፣ ኣብ ምዝገባን ዋንነትን እቲ ትካልን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ተበፃሕነትን ቁፅፅርን ክህልዎ ብተደጋጋሚ ዝሓተተ እኳ እንተኾነ እቲ ኣቐዲሙ(ቕድሚ ምስረታ እዚ ቦርድ) ብዝጥዕሞ፣ ንሱ ጥራሕ ብዝፈልጦን ሓታቲ ብዘይብሉን መንገዲ ነዞም ነገራት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሩ ገይሩ ዝፀንሐ ማነጅመንት ግን በቲ ሓደ ሸነኽ ብሎሚ ፅባሕ ነገራት ብምድንጓይ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሕጋዊ ምዝገባ እቲ ትካል በብእዋኑ ዘየድልዩ ምትንኻፋት ብምግባር እቲ ፀገም እናተደመረ መፂኡ ናብቲ ሐዚ ዝርከበሉ ብርኪ ክበፅሕ ኽኢሉ እዩ።

በዚ አጋጣሚ ንሕዝብና ክንሕብሮ ንደሊ እቲ ቦርዲ ዳይሬክቴራት በሰራርዓ ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካልን እቲ ቁፅሪትን ምፍናውን መተሓዳደርቲ (ማነጀራት) እቲ ትካል በቲ ቦርዲ ትእዛዝ ዝተሓላለፍ ከምዝኾነ እዩ::
ካብኡ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ስጉምቲ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ንሕብር::

ነቲ ቦርድ ስርሑ ብዝግባእ ንምውጋንን ነቲ ሚዲያ ናይ ህዝቢ ንምግባር ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ይሕግዙ እትብልዎም ኣገደስቲ ሓሳባትን ሓበሬታታትን ክትልግሱልና ንእትደልዩ ግዱሳት ተጋሩ በዚ ዝስዕብ ኢሜይል ኣቢልኩም
(Email) [email protected]
ኽትልእኹልና ትኸእሉ ኢኹም:: ብተወሳኺ ድማ ናብ ናይቲ ትካል ናይ ቦርድ ዳይሬክተራት ናይ ፌስቡክ ገፅ እወን ምልኣኽ ይከኣል እዩ።

ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ

(ነዚ መልእኽቲ Share ብምግባር ናብቲ ናይዚ ትካል ብዓል ዋና ዝኾነ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብና ክበፅሕ ክትገብሩ ንላቦ።

መግለፂ ዳይሬክተራት ቦርድ ትግራይ ሚድያ ሃውስ(TMH)፤ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲታት(መስከረም 16፣ 2013 ዓ/ም ወይ Sept. 26, 2020 G.C) ብፃውዒት ዳይሬክተራት ቦርድ ትግራይ ሚድያ ...
29/09/2020

መግለፂ ዳይሬክተራት ቦርድ ትግራይ ሚድያ ሃውስ(TMH)፤

ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲታት(መስከረም 16፣ 2013 ዓ/ም ወይ Sept. 26, 2020 G.C) ብፃውዒት ዳይሬክተራት ቦርድ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ብርክት ዝበለ ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብና ግዝኡ፣ ገንዘቡ፣ ጉልበቱን ትኹረቱን ዝወፈየሉ ህዝባዊ ትካል ብዕቱብ ዝግደስ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ዝነብር ትግራዋይ ዝተሳተፈሉ ህዝባዊ መድረኽ ዝተሳለጠ እንትኸውን ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ዝስዕቡ ጉዳያት ተላዒሎም እዮም፡-
1. ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ካብ ዝጣየሽ ኣብ ዘለዉ ዝሓለፉ 19 ኣዋርሕ ዝተሳለጡ ስሩዕ ማነጅመንት ናይ ምጥያሽ፣ ናይ ህንፀት ትካላውነት ስራሕቲ(Instutionalization)፤ ከምኡ እውን መስርሓት ተሓታትነትን ግልፅነትን(accountability and transparency) ንምእትታው ዝተገበሩ ፈተነታት ብሓደ ወገን ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እቲ ቦርድ ነዚኦም ከም ቀንዲ ስራሕቲ ወሲዱ ብዓብዪ ተገዳስነትን ብጥንቃቐን ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ኣብ ከይዲ እናጋጠሙዎ ዝመፁን ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሖም ናብ ኣደባባይ ዝወፁን ፈተናታትን ተፃብኦታትን ተዘርዚሮም ቐሪቦም እዮም፡፡ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ብዛዕባ ምትእትታው መስርሕ ተሓታትነትን ግልፅነት፣ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሃፍቲ እቲ ህዝባዊ ትካል ኦዲት ምግባር(ፋይናንሳዊ ኦዲት) ብኣፅንኦት እንትገልጽ ንውልቀ ሰባት ንምኽሳስ ወይ ንምሽቑራር ዘይኮነስ ነዞም መስርሓት ብሙሉእነት ናይ ምትእትታው እዋኑ ሐዚ ከምዝኾነ ስለዝኣምን እዩ፡፡ እቲ ትካል ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኦዲት ተገይሩ ስለዘይፈልጥ ብሓደራ ዝተውሃበና ሃፍቲ ህዝቢ ኣብ መዓልኡ ብዛዕባ ምውዓሉ ህዝብና ክፈልጦ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣብዚ ቦርድ ዝወደቐ ብምዃኑ ነዚ ጉዳይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ግድን እዩ፡፡


2. ካልእ ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ሓደ ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ ዝነበረ ጉዳይ ኣመዘጋግባን ዋንነትን እቲ ትካል ዝምልከት እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ መዳይ ኣብ ሞንጎ ናይ 2017፣ 2018፣ 2020ን ዘለዉ ናይቲ ትካል ናይ ኣመዘጋግባን ሰርቲፊኬት ኣወፃፅኣን ዝምልከቱ ዝተሓዋወሱን ዘይፀረዩን ንብዙሕ ሰብና ዘሻቐሉን ጉዳያት ብስፍሓት ተዘሪቡሎም እዩ፡፡


3. ብተወሳኺ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ኣብ ትግራይ ናይ ህዝቢ ሚድያ ኾይኑ፣ ዋንነቱ ናይ መላእ ትግራዋይ፣ ብፊርማ 151 ማሕበራት፣ ትካላት መንግስቲ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ማሕበረሰብ ውዳበታት(ዕቑባትን እድራትን ከይተረፉ)፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ ወ.ዘ.ተ ኩሎም ከይዲታት ሓሊፉ ዝተመዝገበሉን ፍቓድ ዝረኸበሉን ብስራት ዜና ዝተበሰረ እንትኸውን እዚ ከይዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም እውን ከምዘቕፅል ተገሊፁ እዩ፡፡ ኣብዚ ህዝብና ክርድኦ ዘለዎ፣ ኣብ ትግራይ ንኽሰርሕ ፍቓድ ምርካብ ማለት ኣድማስ ተበፃሕነቱ ምስፋሕ፣ ናብ ህዝቡ ምቕራብ ማለት እምበር ከምቲ ገለ ሰባት ብፍላጥን ዘይፍላጥን ዘልዐሉዎ “ካብ ዋሽንግተን ነቒልካ ናብ መቐለ ምምጻእ” ኣይኮነን፡ ፡ እዚ ፈፂሙ ናብ ደንገርገር ከእቱ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ትካል ናይ መላእ ትግራዋይ ናይ ማሕበረሰብ ሚድያ እዩ፤ ትግራዋይ ኣብ ዝርከበሉ ኹሉ ተበፃሓይ ንምዃን ድማ ክሰርሕ እዩ፡፡


4. ኣብ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ኣመራርሓ ኣለዉ ተባሂሎም ዝልዓሉ ናይ ጥቕሚ ግርጭታት ብሙሉእነት ናብ ምፅራይ ብዛዕባ ዝኣትወሉ መስርሕ እውን ተገሊፁ እዩ፡፡

5. ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ኣብቲ ህዝባዊ ናይ ምይይጥ መድረኽ ናይቲ ትካል ስሩዕ ፋይናንሳዊ ኦዲት ኣብ ምግባርን ኣብ ምዝገባን ዋንነትን እቲ ትካል ዘለዉ ንብዙሕ ሰብ ሕርኽርኽ ዝብሉ ጉዳያት ኢዱ ሓዊሱ ኣብ ምፅራይን መልክዕ ኣብ ምትሓዝን እጃሙ ክዋፃእ ንሕብረተሰብ (ብፍላይ ሰብ-ሞያ ሒሳብን ሕግን) ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ፡፡

ምስ ዝነበረ ናይ ሰዓት ሕፅረት ዝበዝሕ ተሳታፊ ሓሳባቱ ኽህብ’ኳ እንተዘይከኣለ ብሓፈሻ ግን ኣብ ዝቐረቡ ዛዕባታትን ኣብ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ርኢቶታትን ሕቶታትን እቲ ኣብቲ ምይይጥ ዝተረኸበ ህዝብና ብዓብዪ ወነን ኒሕን ሓሳብ ክህበሉ፣ መፍትሕታት ክጥቁም ፈቲኑ እዩ፡፡ ህዝብና ንዘርኣዮ ልዑል ተገዳስነትን ናይ ሓላፍነት ስምዒትን እዚ ቦርድ ናእድኡ ክገልፅን ከመስግንን ይፎቱ፤ ሓሳብኩም ከተካፍሉ እናደለኹም ብዝነበረ ዝተፃበበ መደብን በዝሒ ሰብን ሓሳብኩም ከተካፍሉ ንዘይክኣልኩም ድማ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ይቅርታ ይሓትት፡፡

ኣብዚ እዋን እዚ 8 ኣባላት ዘለዎ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ለካቲት 2011 ዓ.ም ስርሑ ዝጀመረ እንትኸውን ላዕለዋይ ኣካል ትግራይ ሚድያ ሃውስ እዩ፡፡ እዚ ቦርድ ስትራቴጂያዊ ዶክመንት እቲ ትካል ካብ ምድላው፤ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ እቲ ትካል ምሕንፃፅ ፤ ናይ ፋይናንሳዊ መስርሕ ዶክመንታት ምድላው፤ ናይ ምሕደራ ሓይሊ ሰብ ማንዋላት ምድላው ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ናይ ትካላዊ ህንፀት መስርሓት እናፃፈፈ እዩ ፀኒሑ፡፡ ብተወሳኺ እዚ ቦርድ ነቲ ትካል ዝተወሰኑ ሰራሕተኛታት ቖፂሩ ናይ ኦንላይን ሚድያ ኾይኑ ስራሕ ጀሚሩ ስለዝፀንሖ ነዞም ስራሕቲ እታወት ዝኾኑ ናይ ፋይናንስን ማቴርያላትን ሓገዛት እናታኣኻኸበ እቲ ትካል ብሙሉእ ሓይሉ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ እናሰርሐ እዩ መፂኡ፡፡ ናይዚ ውፅኢት እውን ትግራይ ሚድያ ሃውስ ብስሩዕ ናብ ሳተላይት እውን ወፂኡ ኣብ ታሪኻዊ መረፃ ትግራይ እውን ታሪኻዊ እጃም ናይ ምውፃእ ዕድል ረኺቡ እዩ፡፡ እዚ ቦርድ ዝተውሃቦ ቀንዲ ሓደራ ቀዋሚ ኣመራርሓ(ማነጅመንት) ትግራይ ሚድያ ሃውስ ምውቓር እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብቐንዱ ወለንታን እምነትን መሰረት ዝገበረ ስራሕ ናብ ብውድድር ዝካየድ ስሩዕ ቑፁር ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን ምስግጋር እዩ፡፡ ኣብዚ መዳይ ኣብ መቐለን ዋሽንግተንን ዝተጀማመሩ ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዝነበሩ ህዝብና እውን ዝፈልጦ እዩ፡፡ እዚ ቦርድ ዝዓበየ ፈተና ገጢሙዎ ዘሎ ኣብቲ ቐፂሉ ዝመፀ ናይ ትካላዊ ህንጸት ስራሕቲ፣ ብሕግን ኣሰራርሓን ናይ ምምራሕ፣ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ ብሙሉእነት ምትግባር፤ ናይ ግልፅነትን ተሓታትነትን መስርሓት ብሙሉእነት ኣብ ምትእትታው እዩ፡፡ እዚ ቦርድ ኣብ ሞንጎ እዚ ተሓናነቕ እናሃለወ እዩ እቶም ምዝገባ፣ ፍቓድን ዋንነትን እቲ ትካል ዝምልከቱ ደብረኽረኽ ዝበሉ ጉዳያት እውን ናብ መድረኽ ዝመፁ፡፡

ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ በቲ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ዝተገበረ ናይ ምይይጥ መድረኽ ዝተነፀረ ኣንፈት መሰረት ኣብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ህፁፅ ስራሕን ናይ ህዝብና ኢድካ ምሕዋስ ዝጠልቡ(ብፍላይ ኣብ ፋይናንሳዊ ኦዲት፣ ምዝገባን ሰርቲፊኬሽንን እቲ ትካል፣ ናይ ድሌት ግርጭታት፣ ዘይሕጋዊ ክያዶታት ማነጅመንት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት) እቲ ቦርድ ብዘቐመጦ ኣንፈት ኣብ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ዝሳተፉ ፤ ናይ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ናይ ትካላዊ ህንፀት፣ ምትእትታው መስርሓትን ግልፅነትን ተሓታትነትን ስራሕቲ ስዒቦም እቲ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ገጢሞምዎ ዘለዉ ህልውኑኡ ዝፈታተኑ ተጻብኦታት ኣብ ምቕራፍ እጃሞም ዝዋስኡ ሰባት ሓርዩ ከቕርብ እዩ፡፡ እዚኦም ምስቲ ማነጅመንት እቲ ትካል ዘቕርቦም ሰባት ኮይኖም ላዕለዋይ ኣካል እዚ ትካል ዝኾነ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ብዘቕምጦ ኣንፈት መሰረት ነዚ ትካል ኣብ ምድሓን ዝሰርሑ ይኾኑ፡፡

ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብመሰረት እቲ ስትራቴጂክ ሰነድ እቲ ትካል ኣብቶም ዝተረፉዎ 17 ኣዋርሕ እዚ ናይ ህዝቢ ትካል ህዝባዊ ዋንነቱን ህዝባዊ ውግኑኑኡን ሓልዩ ክቕፅል ፤ ተሓታትነትን ግልጽነትን ዝሰፈኖ፤ ብሞያ፣ ብሕጊን ብኣሰራርሓን ዝምራሕ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዓው ኢሉ ዝስማዕ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ልሳን ክኸውን ምስ ህዝቡ ኮይኑ ክሰርሕ እዩ፡፡

ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ብቐፃልነት ነቲ ትካል ድልዱል ትካላዊ ቁመና ኣብ ምትሓዝ፣ ህዝባዊ ዋንነቱ ኣብ ምርግጋፅን መስርሓት ተሓታትነትን ግልፅነትን ኣብ ምትእትታው ብዛዕባ ዝህልዉ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ምዕባለታት በብእዋኑ ንህዝቡ ዕላዊ ዝገብርን ንዝበለፀ ዓወት ምስ ህዝቡ ዝዝቲን ይኸውን፡፡

** ትግራይ ሚድያ ሃውስ መስርሕ ትካላውነት፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን ብሙሉእነት ተግባራዊ ንምግባር ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ፤ ኣብ ሽቶኡ እውን ከብፅሖ እዩ፤

** ትግራይ ሚድያ ሃውስ ብሕጊ፣ ብሞራልን ብውግንናን ኣብ ሙሉእ ዓለም ናይ ዝርከብ ኩሉ ትግራዋይ ኮይኑ ክቕፅል እዩ!


ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ፤

መስከረም 19፣ 2013 ዓ.ም

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TMH Board of Directors posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to TMH Board of Directors:

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share