Adwa City

Adwa City Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Adwa City, Media/News Company, .

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንቶም ምንም ጉርዲ ዘይለግቦም ቀዳሞትን ዳሕረወትን ሰማእታትና።
22/06/2023

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንቶም ምንም ጉርዲ ዘይለግቦም ቀዳሞትን ዳሕረወትን ሰማእታትና።

  💙❤💐  😜
19/06/2023

💙❤💐
😜

 #ዓድዋኒ 💙❤ዞቦታ ኣበይ ከባቢ ከምዝኾነት ዝነገረኒ ሽልማት ኣለዎ 😜 💙🌺❤️🌻💐 #ሼር
18/06/2023

#ዓድዋኒ 💙❤
ዞቦታ ኣበይ ከባቢ ከምዝኾነት ዝነገረኒ ሽልማት ኣለዎ 😜
💙🌺❤️🌻💐
#ሼር

17/06/2023

ንሕና #ዓድዋኮ ደቂ ካድረታት ስለዝኾና ኮ እዩ ከይሰራሕና ንበልዕ ዘለና 😎😛

   ንዕለት 14/10/2015 ዓ/ም ኩሉ ነባሪ ህዝቢ ክሳተፍ ፃዉዒት ቀሪቡ ኣሎ።ዓድዋ ብደቃ ትሕበን!! #ሼር
17/06/2023


ንዕለት 14/10/2015 ዓ/ም ኩሉ ነባሪ ህዝቢ ክሳተፍ ፃዉዒት ቀሪቡ ኣሎ።ዓድዋ ብደቃ ትሕበን!!
#ሼር

16/06/2023

ደርጓዕ ብዝበለ ቁፅሪ ዞም ዓድዋ እዚኦም እዩ ዝኒሀ ትወረ 😭......ከምዚ ኢልካስ ሃገረ ትግራይ !!! ከይትሓስብዋ

31/05/2023

ኣብ ሆስፒታል ዓድዋ እንትርፊ መራፍእ ካሊእ ምንም መድሓኒት የለን። ኣብ ናይ ውልቂ ፋርማሲ 'ዩ ዝርከብ።ሆስፒታል ዓድዋ ኣገልግሎት ዳርጋ ዘይብሉ ይኸውን ኣሎ።

 #ዓድዋዋዋዋዋዋድምፂ ተመዛበልቲ ወገናት ይሰማዕ!!ፕሪቶርያ ስምምዕነት መሰረት ይፈፀም !
23/05/2023

#ዓድዋዋዋዋዋዋ
ድምፂ ተመዛበልቲ ወገናት ይሰማዕ!!
ፕሪቶርያ ስምምዕነት መሰረት ይፈፀም !

ወረርቲ ካብ መሬትና ይውፅኡ - ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ይመለስ!ዓድዋ
23/05/2023

ወረርቲ ካብ መሬትና ይውፅኡ - ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ይመለስ!

ዓድዋ

22/05/2023

ሕዚ እኮ እዮ ኣብ ባጃጅ ከለኹ መኪና መፂኣ ህሩግ ትብለና እሞ ተደናጊፀ ኣታ ቀስ ኢልካ እንዶ ዘውር ይብሎ, ዝ ሽፈር ''ኣነ ታይ ገይረ ኣብ መስመረይ እኮ እዮ እኔህኹ ኢሉ ይምልሰለይ''
ሓደ ኣብ ጎነይ ነበሩ ሰብኣይ ታይ ከትብሉዎ ፅቡቕ እዮ ''ኣታ ወዲ ዝሮ ዝሮ ቀስ ኢልካ ዘውር መስመርና ኣፅንዒና ኢሎም እዮም ጉድ ዝገበሩና ጉድ ከይትገብረና''

ኣብ ዓድዋ ትርከቡ ተመዛበልቲ ኩለኹም ክትሳተፉ ይግባእ።
22/05/2023

ኣብ ዓድዋ ትርከቡ ተመዛበልቲ ኩለኹም ክትሳተፉ ይግባእ።

22/05/2023

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቁፅሪ ሓደ ዋኒኑ ግዝኣት ትግራይ ምምላስ ክኮዉን ይግባእ!!

21/05/2023

ልዕሊ 10ሽሕ ካሬ መሬት ንኢንቨስትመንት ብመርሃፅዮን ተትሓይዙ ብቆርቆሮ ተከቢቡ ዘሎን ንልዕሊ 15 ዓመት ምንም ስራሕ ዘይተሰርሖ መሬት ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ እንታይ ስጉምቲ ክወስድ ሪኢኩም?

ኣብቲ ናይ ዞባ ፥ ወረዳን ከንቲባን መሪሕነት ዝተገበረ ምደባ ናብ ቃልሲ ኣብ ደርሆ ነቆ ዝተፀምበሩን ንኩነታት እናማዓደዉ ዝተሳለዩን በለፀኛታትን ሎቛምፅን ካድረታት ከምዘለዉዎ ይንገር ኣሎ። ...
17/05/2023

ኣብቲ ናይ ዞባ ፥ ወረዳን ከንቲባን መሪሕነት ዝተገበረ ምደባ ናብ ቃልሲ ኣብ ደርሆ ነቆ ዝተፀምበሩን ንኩነታት እናማዓደዉ ዝተሳለዩን በለፀኛታትን ሎቛምፅን ካድረታት ከምዘለዉዎ ይንገር ኣሎ። 'ዞም ሰባት ዓንቀር 'ምበር ተግባር ስለዘየብሎም ኣብልዕሊኦም ክትትልን ዳግመ ምፅራይን ተገይሩ ትኽክለኛ ሰብ ኣብ ትኽክለኛ ቦታ ክምደብ እንተዝግበር ኣብ ምውሓስ ሰናይ ምምሕዳር ዓብዪ እጃም ይህልዎ። ኣምሰሉታትን ሎቛምፅን ካንሰራት ፖለቲካ ትግራይና ስለዝኾኑ ክእለዩ ኣለዎም።
@ ሰብ ዝስኣነ ሰብ

RAHWA - 1st Runner-Up MBB 2023 - TIGRAY It was all about Tigray 💛❤️It is still about about Tigray 💛❤️It will always be a...
17/05/2023

RAHWA - 1st Runner-Up MBB 2023 - TIGRAY

It was all about Tigray 💛❤️
It is still about about Tigray 💛❤️
It will always be about Tigray 💛❤️

MUA :
Photo by
RahRahi KinfenRahi KinfeTigray 👑

 #ህፁፅን ኣገዳሲ ሓበሬታን ንነበርቲ ከተማ ዓድዋሼር ብምግባር ኩሉ ክሰምዖ ንግበርኣብ ከተማ ዓድዋ ተበራኺቱ ዝርከብ ሓዱሽ ናይ ምትላል ሜላ ..................................
16/05/2023

#ህፁፅን ኣገዳሲ ሓበሬታን ንነበርቲ ከተማ ዓድዋ
ሼር ብምግባር ኩሉ ክሰምዖ ንግበር
ኣብ ከተማ ዓድዋ ተበራኺቱ ዝርከብ ሓዱሽ ናይ ምትላል ሜላ ..............................................
1. ኣብ ዓዲ ኣቡን ዕደጋ 2 መናእሰይ ንሓደ ኣጣል ክሸይጥ ዝመፅአ ገባር ይዋገይዎ ድሕሪኡ ብዋጋ ተስማዕሚዖም ንግዚኡ ቁፅሮም ዘይፈለጥኩዎም ኣጣል ክገዝእዎ ከም ዝኾኑን ዋጋ እቶም ኣጣል ከዓ እንዳ ስጋ ስለዘለዎም ኣፍቲ እንዳ ስጋ ወሲዶም ሒሳብ ከም ዝህብዎ ተረዳዲኦም ሒዞምዎ እንዳኸዱ ኣብ መንገዲ ኣብ ዝኾነ ገዛ በሪ እተን ኣጣል ንኽኣስረን እቲ ገዛ ኸዓ እንዳ ሓፍቶም ምዃኑ ይነግርዎ ድሕሪኡ እቲ ገባር አተን ኣጣል ኣሲሩ ደድሕሪ እቶም መናእሰይ ናፍቲ እንዳ ስጋ ዝበልዎ ይኸይድ። ናብ ዓዲ ኣቡን ዝርከብ ኣንድነት ሆቴል ዝበሃል እንዳ ስጋ ወሲዶም ነታ መሳሰይት ፀዊዐዎ ደቂ እቲ ገዛ ብምምሳል ነቲ ገባር ለስላሳ ክተምፀአሉን ንዐኦም ከዓ ምግቢ ኣዚዞም በሊዖም ሒሳብ ናይቲ ምግቢ ብምኽፋል ኢድ ዝሕፀቡ መሱሎም ጠፊኦም እቲ ገባር ነቲ በዓል እንዳ ስጋ ትፈልጦም ኢኻ ብዝብል ተኸሲሱ ተኣሲሩ ይርከብ። ብዚ ናይ ምትላል ሜላ ተገሪምና ከይወዳእና ....

2. ኣብ ዓድዋ እንዳ ግርማይ ኤሌክትሮኒክስ ዝኾኑ መናእሰይ መፂኦም እንዳ play station ክኸፍቱ ስለዝኾኑ 6 በዓል 42 ኢንች ቴለቭዥን ከዳልወሎም ሓቲተምዎ ይኸዱ። ተመሊሶም ብምምፃእ እተን ዘዳለወሎም 6 ቴሌቪዥን ናብ ናይ እንዳ በዓል ኤሌክትሮኒክስ ባጃጅ ፂዒኑ ሒሳብ ከዓ ኣብ ገዛ ከም ዝህብዎ ተረዳዲኦም ይኸዱ። ኣብ መንገዲ ኣብ ዝኾነ እንዳ ሙዚቃ ቤት ኣውሪዶም ነቲ በዓል ሙዚቃ ቤት እተን ቴሌቪዥን ክሪኤሎም ብምሕታት ነቲ በዓል ባጃጅ ናብ ገዛና ንኺድ ኢሎም ሒዘምዎ ይኸዱ ዶሕሪኡ ካፍቶም ለያቡ ሓደ ብኻሊእ ተመሊሱ መፂኡ እተን ኣቑሑ ጠርኒፉ ይኸይድ እቲ በዓል ባጃጅ ናፍቲ ዘራገፈሉ ተተመለሰ እተን ቴሌቭዥን ተወሲደን። ብተመሳሳሊ እዚ እውን ተኣሲሩ ይርከብ። ስለዚ ተመሳሳሊ ናይ ምትላል ስራሕቲ ህዝብና ክጥንቀቕ ንሓብር።
ADWA 24
#ሼር

13/05/2023

ዓድዋ ነፃነት ግንባር (ዓነግ)
😎

07/05/2023

ዓድዋ ዝተሸሙ ካቢኔታት ተስፋ ዘለዎም ኣይኮኑን

መኣዲ ትምህርቲ ትግራይ ሕዚ ዝርከበሉ ኩነታት #ሼር
02/05/2023

መኣዲ ትምህርቲ ትግራይ ሕዚ ዝርከበሉ ኩነታት
#ሼር

01/05/2023

ብኔትወርክ ዝተሓረዩ ኣመሓደርቲ ዓድዋ መዐንደሪት ዝኾት ከተማ። ንቓሕ

መንእሰይን ተጋዳለይን ሃይማኖት ዘካተተ መረፃ ክኻየድ ኣለዎ እዩ ዝብል እቲ መምርሒ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ። ኣብ  #ዓድዋ ግን ከምኡ ኣይተገበረን ኩሎም ደቂ 60 ዓመት እዬም። መአከቢ...
01/05/2023

መንእሰይን ተጋዳለይን ሃይማኖት ዘካተተ መረፃ ክኻየድ ኣለዎ እዩ ዝብል እቲ መምርሒ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ። ኣብ #ዓድዋ ግን ከምኡ ኣይተገበረን ኩሎም ደቂ 60 ዓመት እዬም። መአከቢት ጉሓፍ እያ ዛ ኸተማ 😭
#ሼር

👉 ሓድሽ መርዓዊ ከተማ ዓድዋ ነዚ ይመስል።የዉሃንስ ገብረኣምላኽ ከንቲባ ገይሮም መሪፆምልና ኣለው። እንታይነት ናይዚ ሰብ ንምፍላጥ ንሑመራን ዓብይ ዓዲን ምሕታት እዩ። ኣይሕለፈልኪ ዝበላ ዓዲ
30/04/2023

👉 ሓድሽ መርዓዊ ከተማ ዓድዋ ነዚ ይመስል።
የዉሃንስ ገብረኣምላኽ ከንቲባ ገይሮም መሪፆምልና ኣለው።
እንታይነት ናይዚ ሰብ ንምፍላጥ ንሑመራን ዓብይ ዓዲን ምሕታት እዩ። ኣይሕለፈልኪ ዝበላ ዓዲ

26/04/2023

ወድብ ቤት ፅ/ት (ህወሓት) ኮነ ኢልኹም ን ከተማ ዓድዋ ትብድሉዎ ኣለኹም። ህዝቢ ዓድዋ መራሒኡ ባዕሉ እዩ ዝመርፅ!!

 አብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ (ሓራ ዝወፀ ከባቢ)  ምዝገባ ተምሃሮ ይጀመር ስለ ዘሎ ደቅና ብእዋኑ ክነመዝግብ ይግባእ።
25/04/2023


አብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ (ሓራ ዝወፀ ከባቢ) ምዝገባ ተምሃሮ ይጀመር ስለ ዘሎ ደቅና ብእዋኑ ክነመዝግብ ይግባእ።

23/04/2023

መራሕትና ግን ጨካናት እዬም !!

 🤐🤐🤐ብዙሕ ካብ ምባል ብዛዕባ እተን ብዙሕ ዝፅሕፈን ክፍተት ምምሕዳር ዓድዋ ክዛረብ ምክንያቱ visible ስለዝኮነ✍️✍️ኣብ ዓድዋ ክስርሑ ተባሂሎም ፍርቆም ዓሰርተታት ዓማውቲ፡ፍርቆም ዓመታ...
22/04/2023



🤐🤐🤐ብዙሕ ካብ ምባል ብዛዕባ እተን ብዙሕ ዝፅሕፈን ክፍተት ምምሕዳር ዓድዋ ክዛረብ ምክንያቱ visible ስለዝኮነ

✍️✍️ኣብ ዓድዋ ክስርሑ ተባሂሎም ፍርቆም ዓሰርተታት ዓማውቲ፡ፍርቆም ዓመታት ዘቁፀሩ ክሕብረኩም

☝️ብወይዘሮ ሳቤላ ኣባይ ዝተትሓዘ ፕሮጀክት ዓድዋን ለካቲት 23 ዝክበር ንመስሕብ ማእከል ቱሪዝም ከም ዋና ፍልፍል እቶት ዝተብሃለ ኣበይ ኣሎ?

☝️ልዕሊ 10ሽሕ ካሬ መሬት ንኢንቨስትመንት ብመርሃፅዮን ተትሓይዙ ብቆርቆሮ ተከቢቡ ዘሎን ንልዕሊ 15 ዓመት ምንም ስራሕ ዘይተሰርሖ መሬት ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ እንታይ ስጉምቲ ክወስድ ሪኢኩም?

☝️ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ብፌደራል መንግስቲ ዋላ ፅዕንቶ ይብዛሓዮ ዶ/ር ደብረፅዮን ግን ለካቲት 23/2012 ዋላ ብህድሞ ገይርና ሎሚ ክንጅምራ ኢና ኢሉ ኣብ ሸዊት ሆቴል ተዛሪቡ ነይሩ፡ግን ኣይኮነን ዶ ክጅመርስ እንደገና ለካቲት 23 ካሊእ መዐገሲ ከኒና ዝኮን ዘረባ ክንፅበይ ኢና።
ምምሕዳር ዓድዋ ከ ጠቅሊሉ ካሕሳ ንገባራት ከፊሉ ዶ እንተይልኩም ኣከፋፍላ ከመይ ነይሩ ኢልኩም ህዝቢ ጠይቁ እቲ ጉድ እንተነገርክኩም ምግናን ከይኮን።

☝️ሆስፒታል ዓድዋ ብ2008 ንዛምራ ኮንስትራክሽን ን3ተ ዓመት ኩንትራት ሰሪሑ ከርክብ ተዋሂብዎ፡ኣይኮነን ኣብ 3ተ ዓመት 5 ገይሩ እውን ገና እዩ ዘሎ፡
ምምሕዳር ዓድዋ ኣብዚይ እንታይ እዩ ስርሑ እንተይልኩም ኣብ ግዜ ገደቡ ኣጠናቂቁ ንህዝቢ ከርክብ ነይሩ፡ግዜ ገደቡ እንተሐሊፉ ከዓ ቅፅዓቱ ብ% እናተቀፅዐ ይሰርሕ፡ስለዚ ምምሕዳር ዓድዋን ዛምራን እተን % ቅፅዓት ዝደለይዋ ይመስሉ፡ምክንያቱ እቲ ገንዘብ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ገንዘብ ህዝቢ ስለዝኮነ።

☝️ብድርጅት ቻይና CCCC ዝተተሓዘ ናይ ኣልመዳ ጨርቃ መርቂ እቲ ካምፓኒ ብምምሕዳር ዓድዋ ተማሪሩ ናብ ኩሓ ከይዱ፡
ምምሕዳር ዓድዋ ከዓ እዚኣ ከምፅቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ ብሽም ኢንቨስተር እናበለ እቲ ቦታ እናቆረፀ ንዝደልዮም ይህቦም ኣሎ።

እሞ እቶም ኢንቨስተራት ከ ይሰርሑ ኣለው ዶ እንተይልኩም ካብ 500 እቶም 4 ጥራሕ ኣብ ስራሕ ይርከብ፡
#ሚስማር ፋብሪካ
#ሰላም ፊኖ ፋብሪካ
#ካልሲ ፋብሪካ
#ቢታንያ ጨርቅቅ ጨርቂ ክሳራ ድዩ ከስቢ ዝረክቡ ዘለው ንሱ ካሊእ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣብ ስራሕ ዘለው እዮም።እሞ ዓድዋ ተጠቂማ ዶ ተጎዲኣ ህዝቢ በዓልካ ፍረድ።

☝️☝️ብኣለማዮህ ከተማ ዝስራሕ ዝነበረ ፅርግያ ዓድዋ ከም ቆልዓ መፅበዓ ዝላሕ ምላሕ ገይሩ ኣይ ዑና ኣይ ከተማ ገይርዋ ጠያቂ ዘይብሉ ገዲፍዋ ከይዱ፡እኒ ብእምነት ሒዝካ እዙይ እኳ እንትንእስ እዩ።

☝️ኣብ ከተማ ውሽጢ ንኢንቨስትመንት ኢሎም ዝሓዙ ሰብ ሃፍቲ ስራሕ ምስ ጀመሩ ቦታ ሒዞም ኮለን ጠጠው ኣቢሎም ናብ ካሊእ ስርሖም ይከዱ፡በዚ ምክንያት ከዓ እታ ከተማ ደርጊ ዝደብደባ ክትመስል ዑና ኮይና ድሕሪ ኩለን ከተማታት ትግራይ ተሪፋ።
ናይዚ ዋና ተጠያቂ እቲ ምምሕዳር እታ ከተማ እዩ ንምንታይሲ ብዝግባእ ክትትል ዘይምግባሩ እዩ፡ንዝቅፃዕ ኣይቀፅዕ ንዝሕደግ ኣየሐድግ።

☝️ዓድዋ ብሕታዊት ናይ በዓላ ቤት ፅሕፈት ዘይብላ ከተማ እያ፡
ኣይኮነን ዶ እትውን ምስኣ ዝስርዓ ዝበሃላ 12 ክተማታት ይትረፋ፡ #እንትጮ፡ #ዕዳጋዓርቢ፡ #ውቅሮ ማራይ እኳ ናይ ባዕለን ቤት ፅሕፈት ኣስሪሐን እየን።

ዓድዋ ግን ንመሽቀጥን ንመስረቅን ክጥዕሞም ኣብ ገዛ ክራይ ክሳብ ሎሚ ኣለው።

እቲ መሸፈጢ ንሰርሕ ኣለና መበሊ እውን ዓመት ምሉእ ኣቋሪፁ ሕዚ Gread beam እዮም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኮይኖም ዝጫወትዎ ዘለው።
#እሞ ህዝበይ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነት መረዳእታ እባ ከምፀልኩም?
#ዓድዋ ኣፍ ኣውፅኢ
#ሼር

  ኣብ ኣከባብራ በዓል ዒድ ኣልፈጥር። #ሼር
21/04/2023

ኣብ ኣከባብራ በዓል ዒድ ኣልፈጥር።
#ሼር

ኣከባብራ በዓል ዒድኣልፍጥር ኣብ ጎደናታት ከተማ ዓድዋ።
21/04/2023

ኣከባብራ በዓል ዒድኣልፍጥር ኣብ ጎደናታት ከተማ ዓድዋ።

👉 ስነ ስርዓት ኣከባበራ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ   ።እንኳዕ ኣብፀሐኩም
21/04/2023

👉 ስነ ስርዓት ኣከባበራ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ።
እንኳዕ ኣብፀሐኩም

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Adwa City posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share