Tigray Human right &Justice

  • Home
  • Tigray Human right &Justice

Tigray Human right &Justice Human being is born free.

 #ኹሉትግራዋይ ሼር ይግበራ.:: ድምፂ ንኹኖም።Happy holiday, because the cross is there!ዝተረሰዐ ኣጀንዳ እሱራት ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣለና። ክነዘኻኾሮም...
28/09/2024

#ኹሉትግራዋይ ሼር ይግበራ.:: ድምፂ ንኹኖም።
Happy holiday, because the cross is there!

ዝተረሰዐ ኣጀንዳ እሱራት ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣለና። ክነዘኻኾሮም ነቶም ናትና። ናይ 2 ደቂቓ ንባብ እያ። ወድኡዋ።
ኣብ ይቕሬታ ዘይተካተቱ ሽም ዝርዝር:
*Enjibara:-
1) Colonel Tsegay, W/Yohannes
2) Lieutenant Colonel Mulaw Meles Adugna
3) Sh/el Abachew Tekle Fisaha
*Debre Markos:-
1) Colonel Kahsu Abraha Tela
*At the beach :-
1) Colonel Teshome Mesfin G/hiwot
*Hawassa:-
1) Scholar Gotom G/Gergis Hailu
2) M/I/ 2) Mebrahtu Legesse G/meskel
*ዝዋይ:-
1) H/A Solomon Gobru Retehegn
2)J/E Mebrahtom G/Mariam Gobru.
*Debre Tabor:-
1) Colonel Abderahman Inders Abdela
2) Major General Hailu Khishen
*Chagne:-
1) H/E Assefa Desta came down
*Anger:-
I/ I Fikadu Desta Desert.
*the pain :-
1) Sh/el Tewole G/Medhin Te/Michael
*Armed:-
1) Colonel Abedi G/hiwot G/her
2)L/Co Desta G/Jesus Gobru
3) Teacher Haftom Agos Gidey
*ኣብቲ ምሕረት ተካቲቶም መፍትሒ ወረቀት / ሰርትፊኬት ከይመፀሎም ዝተረፉ ሰባት:-
*ቃልቲ:-
1) Colonel Wendimu G/Wahid Belay
2) Lieutenant Colonel G/Kidan W/Mariam G/Hiwot
3) Commander Leul Teferi guest
4) H/C Shimendi Tirfu Abuye
5) H/A Gidey G/Yewhannes Agos
*Lying :-
1) Lieutenant Colonel Wolay Berhane G/Tsadik
2) H/A Bekele Fisaha the wolf
3) General Goytoom G/Georgis Hailu
4) The lamp gave away

15/09/2024

ህዝባዊ መድረኽ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

እዚ ህዝባዊ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ምስተጀመረ ብኽያት ጀሚረን። ዝኽሪ ሰማእታት ንሓደ ደቒቓ ምስ ፀንሐ ፕሮግራም ክጅመር ምስበለ እዚ ዝተጀመረ ብኽያት ደው ክብል ኣይከኣለን።

ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ካብ መቐመጢአን እናተልዓላ "ጉባኤ ዘየካየደ ክመርሐና ኣይኽእልን" ዝብል ተደጋጋሚ ድምፂ ኣስሚዐን። ፍፁም ድማ ክረጋጋዓ ኣይከኣላን።

ብምቕፃል ሓሳቦም ከቕርቡን ሓሳብ ከዳምፁን ዝተዳለው ዓበይቲ ዓድን ብዝሒ ዘለዎም መናእሰይን ድማ ነዘን ኣዴታትን ኣሕዋትን ብምቅዋም ሱቕ ንኽብላን ከዳምፁን ክሓቱን ዕድል ንኽረኽቡን ድምፂ ምስማዕ ጀሚሮም።

እቲ ዝነበረ ዘይምድምማፅ ኣብ መናእሰይ "ጌቾ ጌቾ" ዝብል ድምፂ ኣዳራሽ ሙሉእ ክድመፅ ክኢሉ። እተን ደቂ ኣንስትዮ እውን ናይ ተቓውሞ ድምፀን ኣቐፂለን።

ፕረዚደንት ጌታቸው ድማ "ህዝቢ ሓሳቡ የቕርብ፣ ውቑሱና፣ ገስፁና፣ ዝደለኽምዎ ሕቶ ኣቕርቡ፣ ዴሞክራስያዊ መድረኽ እዩ" ዝብሉ መልእኽትታት ኣቐፂሎም ነቲ መድረኽ ክቕፅል ይፅውዑ።

ኮይኑ ግና ብከንቲባን ነበር ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ተደራጅየን ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታትና ነቲ መድረኽ ከቐፅልኦ ስለዘይከኣላ ንኽብሪ እዘን ደቂ ኣንስትዮን ኩሉ ሓቂ ግልፂ ኮይኑ ክሳብ ዝርደአንን ንግዚኡ ደው ኢሉ ኣሎ።

ክቡር ፕረዚደንት እውን ነቲ ዝድግፍ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓድን መናእሰይን ከምኡ ድማ ነተን ሓሳብ ከይቐርብ ክዕፈን ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮን ክብሪ ኢሎም ህዝቢ ተረጋጊዑ ሓሳቡ ንከቕርብ ምእንቲ ግዘ ተዋሊጢ ገይርካ ንኽቕፅል ምስ ዓበይቲ ዓዲ ተረዳዲኦም ኣለው።

እስካሁን ስለመፈታቱ የሚገልፁ እውነተኛ መረጃ የለም ፍትሕ ለቸርነት !!
26/07/2024

እስካሁን ስለመፈታቱ የሚገልፁ እውነተኛ መረጃ የለም ፍትሕ ለቸርነት !!

ስዕረት - ሽምግልና - ዓፈና !---------------------------------ደብረፅዮንን ሞንጆሪኖን ብሽምግልና ኣመራርሓ ሰራዊት ንውሱን ኣዋርሕ ክሳብ ጉባኤ ንሱ ኣቦ-መንበር ኮይኑ ክ...
18/07/2024

ስዕረት - ሽምግልና - ዓፈና !
---------------------------------
ደብረፅዮንን ሞንጆሪኖን ብሽምግልና ኣመራርሓ ሰራዊት ንውሱን ኣዋርሕ ክሳብ ጉባኤ ንሱ ኣቦ-መንበር ኮይኑ ክቕፅል ፣ ንሳ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ክትከውን ተገይሩ። እዙይ ሽምግልና ብመሰረቱ ፀረ ሕጋውነትን ትካላውነትን'ዩ ካብ ሰናይ ቀደሙ:: ብተግባር' ከ እንታይ ተገይሩ?

እዞም ክልተ ብድኽመቶም ኣብ ጫፍ ምውራድ ስልጣን በፂሖም ዝነበሩ መራሕቲ "ንዝተወሰነ እዋን" ብዝብል ጉልባብ ብመራሕቲ ሰራዊት ተጎልቢቦም ስልጣን ምስ ጨበጡ ናብ ከቢድ ጭካነ፣ ዓፈናን ሙሉእ ፀረ ዲሞክራስን እዮም ኣትዮም። ብዙሕ ግዜ ከየጥፍኡ ምስ ኣለም ገ/ዋህድን #ጌታቸው ኣሰፋን ብምዃን ናይ ጥፍኣት ፕላን ምትላም ጀሚሮም።

ከምታ ኣብ 2010 ዓ/ም ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢት/ያ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ውረድ፣ ከምትወርድ ድማ ንህዝቢ ዕላዊ ግበር ፣ ድሕሪ ምውራድካ ግን ዝትክአካ ክሳብ ዝመፅእ ኣብ ቢሮኻ ፅናሕ ምስተባህለ ፣ ኩለን ናይ ክፋእ ተግባራት ፈፂሙ ንህወሓት ዝተበቀላን መሊኣ ካብ ሃገር ክትብቆስ ዝገበራን፣ ደብረፅዮንን ሞንጆሪኖን እውን ተመሳሳሊ ዕድል ተዋሂብዎም ልዕሊ ሃይለማርያም ነታ ዕድል ንምጥቃም ዘኽእሎም ፕላን ወዲኦም።

ፈለማ ፣ #ማእኸላይ ኮሚቴ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ገምጋሙ በቲ ስምምዕ ዝተፈጠረሉን ብኮሚቴ ዝፀደቐን ሰነድ ንካድረን ንመላእ ኣባልን ከመያይጥ ተሰማሚዑ እዩ። ኣብዚ ብውነ ክንሪኦ ዝግብአና ንካድረ ዝፅውዕ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እዩ፤ ናይ ካድረ ኣኼባ ዝመርሕ ወይ ድማ ዕድል ዝህብን ዝኸልእን ኣቦ-መንበር እዩ።

በዙይ መሰረት ቤት ፅሕፈት #ህወሓት ቅድም ክብሉ ናይ ኣለም ከደምቲ ዝነበሩ ገሊኦም ብሕመቕ ዝተባረሩ (ንኣብነት #ትካቦ ዝብሃል ናይ ማእኸላይ ዞባ ነባር ኣመራርሓ፣ ንስልጣን ክብል ወደይ ኣየጋድልን ብምባሉን ኣብ መኸተ ክሳብ ብረቱ ንሻዕብያ ምርካብ ዝበፅሕ ድኹም ተራ ዝነበሮ ተገምጊሙ ዝተባረረን) ገሊኦም ድማ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ህዝቢ እንዳማረሩ ፀኒሖም ብጥሮታ ወፅዮም ደሓር ብሽም መኸተ #ብኣለም ክምለሱ ዝተገብሩን ነቲ ናይ ካድረ መድረኽ ብፊታውራሪነት ክቕልስዎ መድብ ተዋህቦም። ዝተወሰኑ ወረዳታትን ዞባታትን ኣብ ምንም ዓይነት ስራሕ ዘየለው ሰባት ከመይ ጌርና ናብ ኣኼባ ክነምፅኦም እንተበሉ ሰማዒ ኣይረኸቡን።

ብዝኾነ ናብ 30 ሚኢታዊ ተኣካባይ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክኾኑ ብቤት ፅሕፈት #ህወሓት ምስ ተገብረ ነዚኦምን ነቶም ንኣለም ከድሕኑ ኣብ ሕድሕድ ዞባ ዝተመደቡ ናይ ኔት ወርክ ማእኸል ዝኾነ ፕሮፖጋንዳን ነታ መድረኽ ክሕምስዋን ናይኒ ኣለም ሓሳብ ከቕርቡ፣ ንመን ከምዝድግፉን ንመን ከምዘጥቅዑን ብቃልን ብፅሑፍን ግልፂ ኦሬንቴሽን ተዋሂቦም ናብ መድረኽ ክኣትው ተገይሩ።

ብጣዕሚ ዝገርም እዞም ሰባት/ልኡኻት እኒ #ኣለም/ ብሓሳብ ጥራሕ ክድግፉን ክቃወሙን ኣይኮነን ኦሬንቴሽን ወሲዶም ፣ እቶም ናይኒ ኣለም ሓሳብ ዝድግፉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኮኑ ፈፀምቲ እንትዛረቡ ከጣቕዑ፣ እቶም ፀረ እኒ ኣለም ዝኾነ ሓሳብ ዘለዎም ኣብቲ ናይ ስድሳ መዓልቲ ገምጋም ብሓሳብ ሞጊቶም ልዕልነት ዝሓዙ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ስራሕ ፈፀምትን ሓሳቦም እንትገልፁ ድማ ብምዕጉምጓም ክዕፈኑ ምግባር እውን ከም መሳርሒ ክጥቀሙሉ ተረዳዲኦም እዮም ኣትዮም።

እዚ ኩሉ ምድላው ምስ ተወድአ #ኣኼባ ካድረ ተፀዊዑ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ገምጋም ብፅሑፍ ቀሪቡ በብጉጅሊኡ ክንበብ ተገይሩ። ድሕሪ እዙይ ኣብ ኣዳራሽ ምይይጥ ክግበር ምስ ተፀወዐ #ደብረፅዮን ነታ ብሽምግልና ዝረኸባ ዕድል ናይ ምምራሕ መድረኽ ብዝግባእ ክጥቀመላ ጀመረ። ነቶም ቀዲሙ ዕድል ክህቦም ዝተነግሮ ሰባት በዓል ቆቢዕ፣ በዓል መነፀር፣ በዓል ወረቐት፣ እስክርቢቶ ሓፍ ዘበልካ ወዘተ እንዳበለ ከም ዘይፈልጦም ዕድል ብምሃብ ነቲ ኣብ #ስድሳ መዓልቲ ዝተደምደመ ሓሳባት ዘፍርሱ ብእኒ ጳጳስ ኔት ወርክ #ኣለም ገ/ዋህድ ንዝተጎጀሉ ካድረታት ብስፍሓት ዕድል ሃበ::

ደብረፅዮን ሰብ ከይዕዘበኒ ኢሉ እኳ ቁሩብ ኣይሓነኸን፣ ብበዝሒ ነቶም ተጎጂሎም ዝኣተው ዕድል ሂቡ ምስ ወድአ ብጣዕሚ ውሑዳት ካብ #ቁፅፅር ኮሚሽንን ክልል ስታፍን ዕድል ዝረኸቡ ግን " እቲ ኣካይዳ ጌጋ እዩ፣ ኣቦ መንበር መድረኽ ትዕፍን ኣለኻ ፣ናይ ዝተወሰነ ጉጅለ ሓሳብ እዩ ዝስማዕ ዘሎ፣" ብምባል ተቓውምኦም እንትጅምሩ በቲ ዝተወደበ ሓይሊ #ዓፈና ብምዕጉምጓም ሓሳቦም ንኸይስማዕ ፃዕሪ ተገይሩ።

እንተኾነ ገሊኦም ተዳፊኦምን ስነ-ስርዓት እንዳበሉን " እቲ ገምጋም በቲ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝገምገምክምዎ እዩ ክኸይድ ነይርዎ፣ መኸተ ሙሉእ ብሙሉእ ክግምገም ኣለዎ፣ ክትቀፃፅዑ ነይሩኩም፣ ስልጣን ብሽምግልና ክትህቡ ኣይነበረኩምን፣ #ደብረፅዮን ክሳብ ሕዚ ዕንክሊል ኣቢሉና ሕዚ እውን እታ መድረኽ ዕንክሊል ከብላ ክትፈቕዱሉ ኣይነበረኩምን፣ ኣለም ትግራይ ብኔት ወርክ የፍርሳ ኣሎ ክእገድ ነይርዎ " ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ኣቕርቡ።

ነዚ ስዒቡ #ማእኸላይ ኮሚቴ በቲ ዝገምገሞ መሰረት ሪኢቶ ክህብ እንትግበር፣ እቲ ተወዲቡ ዝመፀ ሓይሊ እቲ ዝሓሸ ሓሳብ ዘለዎን ንኒ በዓል ኣለም ዝፃረር ሓሳብ ዘቕርብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ከይስማዕ ብምዕጉምጓም ሓሳቡ ምዕፋን ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ:: ንኣብነት #ረዳኢ ሓለፎም፣ ሰለሞን ማዕሾ፣ ሰብለ ካሕሳይ ከይዛረቡ እንትህወኹ እኒ ኣለም ገ/ዋህድ፣ #ሊያ ካሳን ተኽላይ ገ/መድህንን እንትዛረቡ ድማ ብምንጭብጫብ እቲ መድረኽ ክሕመስ ተገይሩ።

ኣብ መውዳእታ እውን #ደብረፅዮን ነታ ናይ ካድረ መድረኽ ብዝግባእ ዓፊኑ ፀረ እቲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብማእኸላይ ኮሚቴ፣ ኣመራርሓ ሰራዊትን ነባር ኣመራርሓን ዝተገምገመ ደምዲሙን ብልክዑ ሰፍዩን ናብ ታሕቲ ክወርድ ገይሩ። ኣብ ታሕቲ ምስ ወረደ እውን ብዙሓት ጠቐነታትን ፀለመታትን ተወሲኹዎ ንባዕሉ ዘይተቐፃፅዐን #ብሽምግልና ኣብ ስልጣን ዝፀንሐን ሓይሊ ኣብ ዞባን ወረዳን ዘሎ ደጋፊ ጊዚያዊ መንግስቲ ዝብሃል ተኣርዩ ክውቃዕን ክደሃልን ተገይሩ። " ልዕልነት ሒዝና ኢና ደጊም፣ ጊዚያዊ መንግስቲ ኣየድሕነኩምን" ተባሂሉ።

እዙይ ድሕሪ ምጥቕላል ካብ ታሕቲ ዝመፀ መበገሲ ሓሳብ ተባሂሉ ካሊእ ሰነድ ብጉጅለ ኣለም ክዳሎ ተገይሩ። ወዮ ኣብቲ ናይ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ገምጋም " ውድቀትና ስትራተጂክ መሪሕነት ዘይምህላው እዩ፣ ኣሚትካ ዘይምምራሕ እዩ፣ ንኹነታት ብዝግባእ ዘይምግምጋምን ዘይምርዳእን እዩ፣ ንፀላኢ ኣፋኹስካ ምግምጋም እዩ። ናይዚ ውድቀት ውፅኢት ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ መኸተ ኣውዲቕናዮ፣ ህዝቢ ትግራይ ክኸፍሎ ዘይግባእ መስዋእቲ ኣኽፊልናዮ፤ናይዚ ኹሉ ተሓታቲ ድማ ንበይኑ ስልጣን ብሒቱ ዝነበረ ስራሕ ፈፃሚ እዩ " ተባሂሉ ዝተገምገመን ዝተደምደመን ንጎኒ ገዲፎም " ፀገምና ፅግዕተኛ ምብስባስ እዩ" ዝብል ኣብ 1993 ብመለስ ዝተፀሓፈ ሰነድ ኣምፅዮም::

ነቲ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ መግለፂኡ ድማ " ኣብ ውሽጢ ማእኸላይ #ኮሚቴ ዝጠለመ ኣሎ፣ መስመርናን መዝሙርናን ይቀየር ዝብል ኣሎ፣ ውድብ ሪፎርም ትግበር ዝብል ኣሎ፣ ንካድረ ዝፀልእን ውድብ ዘፍርስን ጉጅለ ኣሎ፣ ንሕና ግን ዓቕሚ እዩ ዝሓፅረና እምበር ውድብ ክነድሕን ኢና ንቃለስ ዘለና " ወዘተ ዝብሉ ዝሓዘ ነቶም ዝተሰርዑ ካድረታት ዘለዓዕል ድርዕቶ ሰነድ ደሪሶም ከም ብሓዱሽ ማእኸላይ ኮሚቴ ፀዊዖም ማእኸላይ ኮሚቴ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ተመያየጠ::

ኣብቲ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ምይይጥ " ፀገምና እዙይ ኣይኮነን፣ እቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ገምጋምና ዘቐመጥናዮ ገምጋም ስትራተጂክ ውድቀት እዩ። ንምንታይ ናይ 93 ሰነድ ኣምፂኹም ተጭበርብሩ፣ ናይ 93 ሰነድ ሒዝካ ምምፃእ እውን ኣካል ናይቲ ምስ ኩነታት ዓርስኻ እናሐደስካ ዘይምኻድ ስትራተጂክ ውድቀት እዩ። ስለዚ ወይ ሰነድ ናይ ባዕልና ክንፅሕፍ ይፈቐደልና እንተዘይኮይኑ ድማ እዚ ንሓደ ኣካል ክወቅዕ ዝተዳለወ ሰነድ እዩ ይተዓረ " ዝብል ሪኢቶ ብብዙሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ምስ ቀረበ " በቲ ዝሃብክምዎ ሓሳብ ክነመሓይሾ ኢና " ተባሂሉ እቲ መድረኽ ይዕፆ።

ነቲ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ መድረኽ በዙይ ብምሽዋድ ናይ ኣቦ-መንበርን ቤት ፅሕፈትን ቦታታት ህወሓት ዝተቖፃፀረ ጉጅለ ከም ብሓዱሽ እቲ ቅድም ክብል ዝገለፅክዎ ኣወዳድባ ዘለዎ ካድረ ዳግም ይፅዋዕ። እታ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሰነድ ምንም ከይተመሓየሸት ናብቲ ካድረ ትቐርብ። በታ ቅድም ክብል ዝገለፅክዋ ምዕሪት መሰረት ደብረፅዮን " በዓል ቆቢዕ፣ በዓል መነፀር " እንዳበለ ነቶም ከም ገደል ማሚቶ ድምፁ ደጊሞም ከስምዕዎ ብእኒ ኣለም ዝተወደቡ ሓሻኽር ሓሳብ ክህቡ ገበረ። ንሶም እውን ደጊም ውድብ ድሒና ፀገምና ፅግዕተኛ ምብስባስ እዩ፣ ፀገምና ነቲ ምስ ብዙሕ ፀገሙ ውድብ ንከድሕን ዝቃለስ ዘሎ ስራሕ ፈፃሚ ዝቃወም ዘሎ ውድብ ዘፍርስ ጉጅለ እዩ፣ ኣብ ገሊኡ እውን ሽም እንዳፀወዐ ብዘሕፍርን ሰብ ብዝድህልን መልክዑ ሓሳባት ቀረቡ።

ነዛ መድረኽ እዚኣ ደብረፅዮን ንሱ ብዝደልዮ ኣገባብ ተጠንቂቑ እዩ መሪሕዋ:: ኣባላት ቁፅፅር ኮሚሽን ከይተረፉ ሓሳብ ከይህቡን ክዕፈኑን ገይሩ :: ግን እንዳተዓፈኑን ስነ-ስርዓት እንዳበሉን ሓሳቦም ካብ ምግላፅ ኣይተቖጠቡን ። ነዚ ዝመፅእ ዝነበረ ሓሳባት ንምስትኽኻል ገለ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፃዕሪ ገይሮም፣ ኣብ መውዳእታ ነቲ መድረኽ ደብረፅዮን እንተጠቓልል ኣብ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ባዕሉ እውን ዝገለፆን ዘጠቓለሎን ሓሳብ ንጎኒ ገዲፉ " ፀገምና ውድብ ሪፎርም ትግበር እንዳበለ ምስ እኒ ፃድቃን ተኣሳሲሩ ውድብ ዘፍርስ ጉጅለ ከምዘሎን ውድብ ከይደሓነት ህዝቢ ኣይድሕንን ካድረ ውድብካ ኣድሕን፣ ዝመፀ ይምፃእ ጉባኤ ኣካይድና ነዚ ሓይሊ ንፅረጎ" ዝዓይነቱ መደምደምታ የቕምጥ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንደብረፅዮን " እቲ ዘጠቓለልካዮ ትኽክል ኣይኮነን ፣ኣፈላላይ ኣለና፣ ካድረ ኣፈላላይና ይስምዓዮ ዕድል ሃበና፣ ስነ ስርዓት " እንተበሉ ብፍፁም ፀረ ዲሞክራስን ዓፈናን ነቲ መድረኽ ብድምፂ ዓፅይዎ።
ድሕሪ እዙይ፣ ኣብ ዝቐፀሉ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ እቶም " ሓሳብ ክንህብ ኣይከኣልናን፣ ተዓፊንና ኢና" ዝበሉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ናብቲ መድረኽ ኣይተመልሱን።
ብሽምግልና ስልጣን ዝተቖፃፀረ ጉጅለ ብፍፁም ፀረ ዲሞክራስን ዓፈናን ውድብ ናብ ምፍራስን ህዝቢ ናብ ቀፃሊ ናይ ኲናት ሓደጋ ከእቱን ኣብ ጫፍ በፂሑ ኣሎ። ኩሉ ብጋንኡ የስተውዕል !!

ሓፂር መብርሂ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ (ህወሓት)ቅድሚ ናብቶም ናይ ኣፈላላይ ሓሳባት ብቐጥታ ምእታውና እዘን ዝስዕባ ክልተ ዓንዲ ሕቶታት ነልዕል እሞ ብድሕሬኡ ናብተን ጭብጥታት ንሕለፍ።ሀ) ኣ...
18/07/2024

ሓፂር መብርሂ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ (ህወሓት)

ቅድሚ ናብቶም ናይ ኣፈላላይ ሓሳባት ብቐጥታ ምእታውና እዘን ዝስዕባ ክልተ ዓንዲ ሕቶታት ነልዕል እሞ ብድሕሬኡ ናብተን ጭብጥታት ንሕለፍ።

ሀ) ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኮነ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝተኻየደ ናይ ካድረታት ኣኼባ ዘተርኣዩ መሰረታዊ ኣፈላላያት እንታይ እዮም?
ለ) ናይዞም ኣፈላላያት ምንጪ ከ እንታይ እዩ? ረብሓ ህዝቢ ዶ ወይስ ረብሓ ውልቀ ሰባት?

1. ጉዳይ ድሕነት ዝምልከት
ህዝብን ውድብን ንምድሓን ብዝተወደበ መንገዲ ምስራሕ ከምዘለዎ ኮይኑ ምቅድዳም ኣብ ዘድልየሉ ግን ፈለማ ህዝቢ ንምድሓን ንቃለስ ዝብል፤ በቲ ካልእ ድማ ቅድሚ ህዝቢ ውድብ ክድሕን ኣለዎ፣ ነዚ ኢና ንቃለስ ዝብል፣
እዚ ኣፈላላይ ዳርጋ መሰረታዊ ዝበሃል ኣፈላላይ እዩ። እዚ እዋን ተመዛበልቲ ምምላስ ዝጀመርናሉ፣ ሓደጋ ውሕጅ ንምካት፣ ናይ ክረምቲ መደባት ንምዕዋት፣ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ገበናት ትሳተፉ ኣካላት ናበ ሕጊ ንምቕራብን ለዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ከም ህዝቢ፣ መንግስትን ወድብ ብዝተውደበን ዝተናበበን ኩነታት እንሰርሓሉ ኣዝዩ ክባር እዋን ምዃኑ እናተፈለጠ መንግስትን መሓውራቱን ካብ ስራሕ ወፃኢ ገይርካ ንምምካን ዝተፀውዐ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተዳዕንኖም ዘለዉ ዓበይቲ ሸኽምታት ንምቅላል ተዋዲድካ ምውፋር “ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ህወሓት ነድሕን፣ ቅድሚ ህውሓት ዝድሕን ኣካል የለን፣ ህወሓት ከይድሓነ ዝድሕን ህዝቢ የለን” ብዝብል ዕሙት ናይ ጉጅለ ረብሓ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ብዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ መንገዲ ምኻድ መሪፆም።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ቁም ነገር ውድብ እናበሉ ዝፅውዕዎ ንህወሓት ዘይኮነስ ንጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለም ገ/ዋህወደን ፈተለወርቅ ገ/ሄርን እዩ። ውድብ ማለት እዞመወ ሰባት እዞኦም ስዓብቶምን ገይሮም እዮም ዝሓስቡ። ውድብ ማለት ንኩሉ ትግራዋይ ዝየተምልከት ናይዚ ጉጀለ እዚ ፍሉይ ረብሓ መፈፀሚ መሳረሒ ገይሮም እዮመ ዝወስዱ። ናይዚ እዋን ትኹረቶም እውን ከምቲ ኣብ መድረኻት ዝበሉዎ ህወሓት ወይ ህዝቢ ምድሓን ዘይኮነስ ናይቲ ጉጅለ ስልጣን ምድልዳል እዩ (ወይ ትግራይ ከም ብሓዲ ብቐጥታ ብምቁፅፃር ወይ ድማ ብተለኣኣኽቶም ኣቢሎም ስልጣን ብምሓዝ ናብቲ ዘይዛዘሙዎ ስርቅን ጉሕለትን ብምእታዉ ስቓይ ህዝቢ ትህራይ ምንዋሕ እዩ)።

በቲ ካል መዳይ ድማ ህዝቢ እናበረሰን እናጠፍአን ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ክነዲ ነዚ ፀገም እዚ ነቃልል ሎሚ ኮነ ፅባሕ ንእነርክበሉ ውድብ ናይ ምድሓን ዕማም ቀዳምነት ምሃብ ሓላፍነት ዝጎደሎ ከይዲ እዩ ዝብል ቅዋም ኣሎ። እዚ ሓሳብ ዳርጋ ብዝበዝሑ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከቡ ኣመራርሓ ዝለዓልን ዝደወገፍን እዩ። እዚ ብ እኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራ ሓሳብ እዚ ናይዚ እዋን ቁልፊ ዕማም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምትግባር እንትኾን ብፍላይ ሕዚ ድማ ተመዛበልቲ ብምምላስ ስቓይ ህዝቢ ኣብ ምንካይ ንረባረብ ዝብል እዩ። ህዝቢ ከይድሓን ዝድሕን ውድብ መወዳእታኡ ትርጉም ኣይህልዎን ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ኣተሓሳስባ እውን ፀረ ህዝቢ እዩ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ዘለዎ ሓይሊ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድን ንመን ነቐድም ኣብዝብል ዘሎ ናይ መተከልን እምነትን ኣፈላላይ ሰፊሕ ኮይኑ ወፂኡ ኣሎ።

2. መስሪሕ ሰላም ብዝምልከት፣
2.1 ንመስርሕ ሰላም ሕዝና ሕቶታትና ብሰላማዊ መንገዲ ክንቃለስ ኣለና፤ ኣይኮነን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ጉምብሕ ጥልዕ ምባል ተንበርካኽነት ስለዝኾነ ሰላምን ሰላምን እናበልና ኣይንምብርከኽን ዝብል
ኣብዚ መዳይ ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምትግባር ሰላምን ሕገ መንግስታዊ መሰላትን ትግራይ ንምምላስ ዝክኣሎ ኩሉ እናገበረ ይርከብ። ብመሰረቱ እቲ ውዕሊ ዝተፈረመ እውን ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ስለዝኾነ ንበጀት ሓዊሱ ሕቶታት ትግራይ ንምምላስ ምስ መንግስቲ ምዝርራብ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ውዕሊ እውን ኣፈላላያትን ብፖለቲካዊ ልዝብ ክንፈትሕ ኢና ተፈራሪምና። በዚነመሰረተ ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕፋር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል እናተላዘበ ፀገማት ህዝቢ ካብ ምቅላል ዝሓሸ ካልእ ኣማራፂ የብሉን።

በቲ ካልእ መዳይ ብእኒ ዶክተር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጉጅለ ድማ ንጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ምስ መንግስቲ ፌዴራን ንዝራኸቡ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር “ከዳዓት፣ ባንዳታት፣ ዝበልፀጉ፣ ሸየጥቲ ዓዲ፣ ኣብ ጁባ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዉ ጠላማት” እናበለ ብዝተወደበ መንገዲ የፀልሞም ኣሎ። ብትሕዝቶ ንውዕሊ ፕሪቶራያ ምቅዋምን ምዕንቃፍን እንትኾን በቲ ሓደ መዳይ ድማ ንሶም ዘየምፅእዎ ስላም ከይህሉን ብዓይኒ ዕሙተይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ እናተጋደደ ንክኸይድ ብዝተዋደደ መንገዲ ቀትርን ለይትን ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ እዩ። እዚ ጉጀለ ቅድሚ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ባዕሉ ንዝመደቦም ኣመራርሓ መንግስቲ ብጉጅለ ዝኸስስ እንትኾን መበገሲኡ ድማ “ንምንታይ ንዓና ኣይሰገድኩምን፣ ኣይተሓሽከርኩምን? ዝብል እዩ።

እዚ ሓይሊ ባዕሉ ዘይመርሖን ዘይቆፃፀሮን ሰላም እንተመፂኡ ኣብ መኸተ ብዝፈፀሞ ገበንን ጥፍኣትን ክሕተት እየ ኢሉ ስለዝሓስብ ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ሰላም ክረክብን ተረጋጊዑ ክሰርሕን ኣይደልን። እቲ መሰረታዊ ቁም ነገር እውነ እዚ እዩ። ነዚ እውን እዩ መንግስቲ መደባት እንተውርድ እዚ ጉጅለ ድማ ዝኾነን ዘይኮነን ምኽንያት እናፈጠረ ካድረታት ንኣኼባ ዝፅውዕን ካብ ስራሕ ወፃኢ ንክኾኑን ተሊሙ ዝንቀሳቐስ።

2.2 ኣብዚ መዳይ እቲ ካልኣይ ኣፈላላይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ምስራሕን ንመንግስቲ ፌዴራል ገዲፍካ ኣብ ፕሪቶሪያ ምስ ዘይፈረሙ ሓይልታት ኮይንኻ ንመንገስቲ ፌዴራል ምውቃዕን ዝብል እዩ። ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምትግባር ሕቶታት ትግራይ ንምምላስ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ሓይሊ እንትኾን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ህዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን እውን ሰላማዊ ርክብ ንምፍጣር ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይሊ እዩ።
በቲ ካልእ መዳይ ጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለምን ፈትለን ድማ ንምንግስቲ ፌዴራል ንጎኒ ገዲፎም ምስ ሻዕብያን ፋኖን ጥራሕ ክራኸቡን ዓቕሚ እንተረኺቦም ድማ ንመንግስቲ ፌዴራል ብምውቃዕ ዝተወሰነ ክፋል ትግራይ ገንፂሎም ምስ ሻዕብያ ክፅንበሩ ዘኽእሎም ምድላዋት እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። ብትርጉሙ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምፍራስ ህዝቢ ትገወራይ ናብ ካልእ ዓይነት ደማዊነኩናት ንክኣቱ ዝገብእወ መደብ እዩ።
ኣብዚ ዘሎ ባህጊ ጉጅለ ደብረፅዮን ብእኒ ጌታቸው ረዳ ብዝምራሕ ሓይሊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ኣፈላላይ እውን ተራ ኣፈላላይ ዘይኮነስ መሰረታዊ እዩ።

3. መኸተ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ብዘለውዎ ብዝርዝር ይገምገም፣ ኣይገምገም ዝብል እቲ ሳልሳይ ወሳኒ ኣፈላላይ እዩ።

ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ መኸተ (ቅድሚ ኩናት፣ እዋን ኩናት፣ እዋን ደው ምባል ተፃብኦ/ድሕሪ ፕሪቶሪያ) ብዝተማልአ መንገዲ ተገምጊሙ ኣብዚነከይዲ ዝነበሩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብዝርዝር ምስተፈለጡ ዝሽለም ኣካል እንተልዩ ንክይሸለም፣ ብጥፍኣቱ ዝሕተት እንተልዩ ድማ ንክሕይተት ይገምገም ዝብል መርገፂ እንትሕዙ ጉጅለ ደብረፅዮን ድማ ክግምገም የብሉን ዝብል መርገፂ ሕዞም ክሳዕ ሕዚ ብተግባር የተዓናቕፉዎ ኣለዉ።

ጉጅለ ደብረፅዮን ገምጋም ዘይቕበለሉ ምኽንያት ኣብ እዋን መኸተ ዝፈፀሞ ዓሚቕ ገበን ስለዘሎ ካብ ተሓታትነት ሓራ ንምውፃእ እዩ፤ ምናልባት ናብ ገምጋም ክኣቱ እንተኾይኑ እውን መንግስታዊ ስልጣን ሒዙነመሳርሕታት ሕግን ፍትሕን ብሒቱ ብዝጥዕሞ መንገዲ ምስ ቃነየ ነገዛእ ርእሱ ሓራ ብዘውፅእ መንገዲ ጥራሐ እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ተረጋጊዑ ከይሰርሕ ዝገብረሉ መሰረታዊ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።

3. ጉባኤ ህወሓት ዝምልከት
3.1 ብእኒ ጌታቸው ረደአ ዝምራሕ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ሙሉእ ፅሬትን ምትእምማንን ተመስሪቱ ፅሩይን ምዕሩይን ኣተሓሳስባ ሕዙ ክኣቱን ኣብ መውዳእታ ድማ መፃኢ ዕድል ትግራይ ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ዘነፀረን ይኹን ይብሉ።
ጉጅለ ደብረፅዮን ድማ ብኣንፃሩ ፅሬትን ምርድዳእን ከይተበፅሐ “ዝሓዝካ ሕዝካ ናብ ጉባኤ” ሓሰርን ገለባን ተሓዋዊሱ ናብ ጉባኤ ክኸይድ እሞ ኣብቲ ጉባኤ ክቑረፅ ዝግብኦ ዝብሉዎ ሓይሊ ንምቁራፅ ዓሊሞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ፅሬት ዘይደልይሉ መሰረታዊ ምኽንያት ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ እንተኾን ፅሬት እንተተገይሩ ቅድሚ ጉባኤ “ፖለቲካዊ ስጉምቲ ክውሰደልና ይኸውን እዩ” ዝብል ስግኣት ስለዘለዎም ይመስል።

3.2 እኒ ጌታቸው ረዳ ጉባኤ ድሕሪ ኣፍልጦ ህወሓት ክካየድ ኣለዎ፣ ኣፍልጦ ህወሓት ድማ መንግስቲ ፌዴራል ብዘዳለዎ መመሓየሺ ኣዋጅ ዘይኮነስ ብክልትኣወ‍ኢ ልዝብ ክምለስ ይገበር ወይ ድማ ብፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ይመለስ ዝብለ ግለፂ ቅዋም ኣለዎም። ሕጋዊ ኣፍልጦ ከይሓዝካ ዝግበር ጉባኤ ግን ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይቕበሎን በቲ ዘለናሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ምርፃም ዘአእቱ ስለዝኾነ ህዝብና ናብ ዳግማይ ኩናት ዝዕድም እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ክንሓስቦ የብልናን ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ብትርጉሙን ውፅኢቱን እውን ከይዱ ከይዱ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍርስን ህልውና ህወሓትን ድሕንነት ህዝቢ ናበ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።
ጉጅለ ድብረፅዮን፣ ኣለምን ፈትለን ከዓ ብኣንፃሩ ጉባኤ ንምክያድ ዝዓግተና ምድራዊ ሓይሊ ስለዘይለ ዝተኸፍለ ይከፈል ጉባኤ ነካይድ ኣለና ዝብል ቅዋም ኣለዎም። ካብዚ ሕልፍ እንትብሉ ድማ ንሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ጉባኤ ክነካይድ መሰልና ስለዝኾነ ጉባኤ ንምክያደወ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣየድልየናን ይብሉ። እዚ ምስቲ ብሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ክንምራሕ ኢና ብዝብል ዝኣተናዮ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቐጥታ ዝፃባእ ኣማራፂ እንትኾን ኣብዚ እዋን እቲ ውዕሊ እንተተጣሒሱ ክመፅእ ዝኽል መዘዝ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፍሎ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

4. ንህወሓት ዘፍርስ ዘሎ ሓይሊ መን እዩ?
ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንህወሓት ዘፍርስን ንህዝቢበትግራይ ናብበተደጋጋሚ ሓደጋ ዘእቱን ዘሎ ሓይሊ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝዓረደ ብኣለምን ሞንጀሪኖን ዝምራሕ ጥር ትብል ሓሳብ ከቕርብ ዘይኽእል ዓቕሙ ሙሉእ ብሙሉ ዝፀንቀቐን ኣብ ናይ ትማሊ ፅውፅዋይ ክነብር ቀትርን ለይትን ኣብ ምድንጋር ዝነብር ኣካል ከምዝኾነ የቕምጡ። እዚ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፈፀሞም ሕመቓት ብስንኩ ህዝቢ ትግራይ ክፅላእን ብኩሎም ብሄራት ክግለልን እጃም ዘለዎ ድሑርን ቅመኛን ሓይሊ እዩ ከዓ ይብሉ። ኣብ ትግራይ እውን ንኩሉ ሰብ፣ ንኩሉ ከባቢ፣ ንኩሉ ሃይማኖት ብማዕርነት ክርኢ ዘይደልን ዘይክእልን ፀቢብ ሓይሊ ከምዝኾነ ይገልፁ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣነፀላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ክቃለል እንተድኣኮይኑ እዚ ሓይሊ ወይ መሊኡ ክእረም ወይ ድማ ካብ ፖለቲካ ስልጣን ክርሕቕን ህወሓት ብሓዲስ ሓይሊ ክትካእን ይግባእ እናበሉ ይከራኸሩ።

ጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለምን መንጀሪኖን ከዓ ብኣንፃሩ “ንሕና ነባራት ተጋደልትን ሰብ ዋናን እቲ ውድብ ስለዝኾንና ንሕና ዘይብሉ ወድብ ክቕፅል ኣይክእልን፣ ዕድመ ልክዕና ዝተቓለስናሉ ውድብ ኣሕልፍና ኣይንህብን፣ ንሕና ክንለቅቕ እንተኾይንና ድማ ነቲ ስርዓት ብእምነት ክሕልዉ ዝኽእሉ ናይ ባዕልና ትኣመንቲ ሰባት ክነቕምጥ ኣለና” ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ኣለዎም። ካብዚ ሓልፎም ድማ ንባዕሎም ከም ሰብ ዋና እቲ ውድብ ቆፂሮም ዝኾነ ሰብ ክነቕፎምን ብዛዕባ ንሶም ኣሉታዊ ሓሳብ ከቕርብን ኣይፈቕዱሉን። ኣብ ልዕሊ እቶም ሓቂ ሕዞም ዝቃለሱ ምሁራት መናእሰይ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘይዛሪ ወፍሪ ፀለመን ጠቐነን ናይዚ እምነቶም ኣካል እዩ። እዚ ጉጅለ ንባዕሉ ከም ውድብ ገይሩ ዝወስድ እንትኾን ንኣባላት እዚ ጉጀለ ዝነቅፍን ዝወቅስን ኣካል ከም መፍረሲ ውድብ ገይሩ ዝፍርጅ እውን እዩ።

5. ለውጢ ዝምልከት
ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ መሪሕነት ህወሓት (ብፍላይ ጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለምን ፈትለን) ክሳብ ሕዚ ብዝኸዶ መንገዲ ከይዱ ለውጢ ከምፅእን ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ተደጋጋሚ ኩናት ካብ ዘእቱ መንገዲ ዕንክሊል ምውፃእ ዝኣበዮን ገፁ ናብ 1960ታት ገይሩ ሕቕኡ ናበ 21 ክፍለ ዘበን ዘዞረን ሓይሊ ድሕረት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ድሑር ጉጅለ ውድብ ህወሓት ምስ ዘበኑ ከይዝምንን ንባዕሉ በብእዋኑ እናሓደሰ ንቕድምት ከይስጉምን ሓኒቑ ዝሓዘ ወኪል ድሐርት ከምዝኾነ እዮም ዘኣምኑ። ስለዘኾነ ውድብ በብእዋኑ ዝምዕብል ጠለበ ህዝቢበትግራይን ዓለማዊ ኩነታትን ተሓሳቢ ዝገበረ ቀፃሊ ምምሕያሽ ክገብር እንተድኣኮይኑ እዚ ፀረ ለውጢ ዝኾነ ገታር ጉጅለ ቦትኡ ንደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ መናእሰይነክለቅቕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም:

ጉጅለ ደብረፅዮን ድማ ብኣንፃሩ መስመር ህወሓት ዘልኣለማውን ህያውን ስለዝኾነ ክትንከፍ የብሉን፤ ክትንከፍ እንተኾይኑ እውን ንዕኦም ብዝጥዕም መንገዲ ጥራሕ ክፍፀም እዮም ዝደልዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሪፎርም ዝበሃል ነገር ከሰምዑ ዘይደልዩ እንትኾኑ ውድብ መስመራታ ብቐፃልነት እናፈተሸት ንባዕላ ክተሐድስን ክተብቅዕን ኣለዋ ኢሎም ሓሳብ ንዘልዕሉ ምሁራት መናእሰይ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብፀላእነት ዝፍርጅ ጉጅለ እዩ። ለውጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ለውጢ ንዝደልን ብዛዕባ ለውጢ ሓሳብ ዘለዕልን ሰብ እውን ከም ፀላኢ ዝርኢ እውን እዩ:

ክቕፅል እዩ!!

ፀገም  #ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ምዃኑ ተነፂሩ ዝሓደረ'ዩ፣ ዕንክሊል ንግደፍ !------------- #ጉባኤ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ከይሓልፍን ክካየድን ማእከላይ ኮሚ...
17/07/2024

ፀገም #ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ምዃኑ ተነፂሩ ዝሓደረ'ዩ፣ ዕንክሊል ንግደፍ !
-------------
#ጉባኤ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ከይሓልፍን ክካየድን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ'ዩ:: ምኽንያቱ ብዘይንፈልጦ ግን ተጓቲቱ:: ኣብ ምክያድ ጉባኤ #ኣፈላላይ የለን:: እቲ ኣፈላላይ ካብ ቅድመ ኲናት ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ብዝርዝርን ብሙሉእነትን ገምጊምካን ተሓታትነት ምስ ኣረጋገፅካን ይካየድ ዝብል በቲ ሓደ ገፅ ፣ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ኣይ ዝሓዝካ ሒዝካ ክካየድ ኣለዎ ፣ ዝብል'ዩ: :

ነባራት ማእከላይ ኮሚቴ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን ኣብ ስራሕ ዘሎ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ብሓባር 64 መዓልቲ ዝወደአ ኣብ ዘካየድዎ ገምጋም ኣብ ሓደ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉ ቁልፊ ነጥቢ " ኣብ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ ዉድቀት ቀንዲ መንቀሊኡ ዉድቀት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት'ዩ " ዝብል ከምዝኾነ ተሰሚርሉ ሓሊፉ'ዩ::

ናብዚ መደምደምታ'ዚ ዝተበፅሐሉ ጉዳይ ብዙሕ'ኳ እንተኾነ እቶም ቀንዲ ንምዝኽኻር ግን ቅድመ ምድላው #ኲናት ምሒር ድኹም ምንባሩ ፣ ዝሓዝካ ዘይብልካ ጃህራን ፈኸራን ምንባሩን ብምኽንያት'ዚ ሓይሊ መኸተ ዘየድሊ ዓርሰ እምነት ክሕዝን ከርጅዕን ምግባሩ፣ ንፀላእቲ ኣናኢስካ ምርኣይን ምትንታንን ምንባሩ ፣ ኣብ እዋን ኲናት'ዉን ስትራቴጂክ መሪሕነት ህወሓት ተበታቲኑ ንኣስታት 4 ኣዋርሕ ዝተወደበን ዝተማእኸለን መሪሕነት የዕርፍ ከምዘይነበረ፣እዚ መኸተ ሳላ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣመራርሓን ሳላ ንመናእሰይ ፎቖድኡ እናመልመለ ዝሰድድ ዝነበረ ካድረ ህወሓትን ከምተዓወተ፣ ክሳብ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፍረም ዝነበረ ግዜ'ዉን ኣብ ምሕደራ ሃፍቲ መኸተ ትግራይ ልቂ ምጥፍፋእ ከምዝነበረ፣ ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶሪያ'ዉን ነቲ ዉዕሊ ንዘይምቕባል ምዕግርጋርን መሬት ከይረግፅ መሓዉራዊ ምትዕንቓፍን ከምዝነበረ ወዘተ ተረጋጊፁ ተሓሊፉ'ዩ::

እዞም ብጥቕልሉ ብኣብነት ዝተጠቐሱ መሰረታዊ ድኽመታት መንቀሊኦም ስትራቲጂያዊ ድኽመት መሪሕነት ህወሓት ምዃኖምን እዚ ማለት ድማ ብሓፈሻ ናይ ኩሉ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ድኽመት ብፍላይ ድማ ሽዑ ንማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ንጎኒ ኣግሊሎም በይኖም ዝዉስኑ ዝነበሩ 4/5 ኣባላት ፈፃሚት ኮሚቴ ህወሓት ቀንዲ ሰብ ዋና ስትራቴጂያዊ ድኽመት ምዃኖም ተሰሚርሉን ተቐቢሎምዎ ሓሊፎምን'ዮም::

ብመሰረት'ዚ ገምጋምን መደምደምታን ድማ ናብ ምቅፅፃዕ እንትእቶ ኣቦ-መንበር ህወሓት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብኣብዝሓ ድምፂ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ተወሲኑ እዩ:: ይኹን'ምበር ሽዑ ብዝነበረ " ከይንፈርስ" ዝብል ጉጉይ ስግኣታዊ ድባብ እቲ ስጉምቲ ክፀንሕ ኣብዚ ዉድብ ብዘይነበረን ብዘይፍለጥን መስርሕ "ሽምግልና" ተኸምቢቱ:: ካብ'ቶም ተሓተትቲ ሓደ ኣባል ፈፃሚት ጥራሕ ካብ ፈፃምነት ናብ ማ/ኮ ሓደ ደረጃ ክወርድ "ብሽምግልና " ተወሲኑ::

ትግራይ ናብዚ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ድከት ክትኣቱ ዝገበረ ቁልፊ ፀገም " ድኽመት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ህወሓት'ዩ " ዝብል መደምደምታ ኩሉ ኣባልን መሪሕነትን ህወሓት ዝተመያየጠሉን ዝወሰዶን ኮላይ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ዝወሰዶን ዝደምደሞን'ዩ:: ግን ሕዚ እዛ መሰረታዊት ነጥቢ'ዚኣ ኣብ ቦታኣ ኣላዶ ? ናበይ ኣበለት ? ንምንታይ ? ኢሉ ኩሉ ኣባል ህወሓት ይኹን ሓፋሽ ህዝቢ ክሓትት ኣለዎን ይግባእን::

" ድኽመት ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት'ዩ " እትብል ወሳኒት መደምደምታ ሕዚ ኣብ ቦታኣ የላን:: ግዜ ብምጉታትን ሰብ ክፋዘዝ ብምግባርን እታ ቀንዲ ፍልፍል ንጎኒ ተገዲፋ፣ ሕዚ መንቀሊ ፀገምና " ኣብ ሞንጎ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይን ልምዓታዉነትን ዘሎ ኣፈላላይ'ዩ " ናብ ዝብል ወሲዶምዋ ኣለው እዞም ፀገም ስትራቴጂክ መሪሕነት ኣለኩም ተባሂሎም ዝተገምገሙን ባዕሎም'ዉን ንድኽመቶም ዝተቐበሉን 3 ኣባላት ፈፀምቲ ህወሓት ::

ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዕንክሊል ዝብሉ ዘለው ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት(3) መላእ ኣባል ህወሓት ፣ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን፣ ኮታስ ፈተዉን ፀላእን ንዝፈለጦ ድኽመት ስትራቴጂክ መሪሕነቶም ዓይኖም ዓሚቶም ብምድፋን መለስ ኣብ ገምጋም ተሃድሶ 93 ዓ.ም ዝፀሓፎ ከምዘለዎ ገምጢሎም ብምምፃእ ቀንዲ ፀገምና " ኣብ ሞንጎ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይን ልምዓታዉነትን'ዩ ዝካየድ ዘሎ ግጥም'ዩ " ብምባል ኣንፈቱ ክስሕት ይገብሩ ኣለዉ:: ንባዕሎም " ልምዓታዉያን " ፣ ንዝቃለሶምን ዝቃዎሞምን ዘሎ መሪሕነት ህወሓትን ሓፋሽን " ኣካቢ ኪራይ " ገይሮም'ዮም ዝፍርጁ ዘለው:: ንባዕሎም " ደቂ በይዛኖ ተሓለቕቲ ህወሓት" ፣ ንዝቃለሶምን ዝቃዎሞምን ዘሎ መሪሕነትን ሓፋሽን " ኣፍራስን ጠላምን ህወሓት" ገይሮም'ዮም ክስእሉ ዝፍትኑ ዘለው::ግን ኣይኮነን !! ፀገም ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ምዃኑ ተነፂሩ ዝሓደረ'ዩ:: ዕንክሊል ንህወሓት ዝቐትል'ምበር ዘሕዊ ኣይኮነን:: ምኽንያቱ ሓባኢ ቁስሉ -ሓባኢ ፈዉሱ ስለዝኾነ !!

ፅቡቕ ! ዋላ በቲ ባዕሎም የድሕነና'ዩ ዝበልዎ ካብ ናይ 93 ዓ.ም ገምጋም ገምጢሎም ብዘምፅእዎ " ኣብ ሞንጎ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይን ልምዓታዉነትን ዝካየድ ዝካየድ ዘሎ ግጥም'ዩ" ብዝብል መነፅር ንርኣዮ እቲ ህልዉ ኩነታት ህወሓት::

ህልዉ ኩነታት ህወሓት እቲ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይ ናብ ምሒር ተግባር ካብ ዝሰጋገር ፀኒሑ'ሎ:: መላምል ትግራይ ምስ ፀላኢ ኣብ ዝዋደቕሉ ሰዓት መሪሕነት ህወሓት ሃፍቲ መኸተ ዘሪፉን ኣዝሪፉን'ዩ ፣ኣብ ዘይምዓልኡ ኣዉዒሉን'ዩ: : ህዝቢ ትግራይን ዲያስፖራን ንመኸተ ዘወፈይዎ ኣማኢት ሚልዮናት ቅርሽን ዶላርን ሽዑ ሓለፍቲ ቑጠባ ኮይኖም ይመርሑን ይሰርሑን ብዝነበሩ ፈፀመቲ ህወሓት ምስ ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ሰባት ኮይኖም ሓንሺሾምዎን ንወፃኢ አሃዲሞምዎን'ዮም ፣ ዝተሃገረ ንብረት ፀላኢ ከም ነዳዲ ተቸርቺሩ ተሸይጡ'ዩ ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪኡን:: ነዚ ዝተረደአ ሓፋሽ ህዝብናን ተጋሩ ዲያስፖራን ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጡፍ መኸተ ተዘሓሒሉን ቂሁሙን'ዩ:: ተጋሩ ዲያስፖራ " ንመኸተ ዘዋፃእናዮ ዶላር ዘጠፋፍኡ ይተሓተቱልና " ዝብል ሰልፊ ክሳብ ምክያድ በፂሖም'ዮም:: እዚኦም ዉሑዳት ግን ገዘፍቲ ኣብነት ተግባራዊ ኣካብነት ኪራይ'ዮም:: ኣብዚ ብኣዉርኡ ዝተኣለኸ ድማ መዋፈሪን ኣመሓዳርን ሃፍቲ ዝነበረ ፈፃሚት ህወሓት'ዩ:: ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ ምሒር ብተግባር ኣካብነት ኪራይ ዝሕተት ባዕሉ እቲ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት'ዩ::

በዚ ተግባራዊ ኣካብነት ኪራይ ከይሕተቱ ድማ እቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዝምልከቶም ኣካላት ፍትሒ ዝረአ፣ ዝፅናዕን ዝፃረን ኣፍልጦ ምፅራይ ብዘይብሎም፣ ነቲ ጉዳይ ብዘይምልከቶም ሰባት፣ ገሊኦም'ዉን ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝሕመዩ ሰባት ዘለዉወን ኮሚቴታት ብምጥያሽን ወገናዊ ሪፖርት ብምቕራብን ንግዚኡ'ዉን እንተኾነ ንባዕሎም " ንፁሃት " ዝብል ስእሊ ክጥመቑን ንኻልእ ክዉንጅሉን ፈቲኖም'ዮም:: ነዚኣ'ዉን ተሳታፊ ተዓዚብዋስ " ከመይ ከመይ'ዩ እቲ ነገር " ኢልዋ'ዩ ሓሊፉ:: ምስቲ ፈፃሚት ህወሓት ምንም ምትእስሳር ብዘይብሉ ዓርሰ እምነት ዘለዎ ሰብ እትምራሕ ሓንቲ ኮሚቴ ድማ " ምስ ፀላኢ ርክብ ዘለዎ ሰብ ኣይረኸብኩን:: ምስ ፀላኢ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ፀለመ'ምበር ኣብ ባይታ የለን " ዝብል ሪፖርት ብምቕራብ በቲ ሓደ ጉጅለ ዝተኣለመ ዉዲት ኣምኪናቶ'ያ::

ካልእ መግለፂ ተግባር ኣካብነት ኪራይ ኣባላት ፈፃሚት ህወሓት መድረኽ ብምዕፋን ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ምዃን'ዩ:: ኣብቲ ከይዲ ምይይጥ ዝነበረ ኣባል ይፈልጦ'ዩ:: ግን ሓፋሽ ንክፈልጦ እቲ ዕድል ንዝተመረፁ ደገፍትና'ዮም ንዝብልዎም'ዩ ዝወሃብ ነይሩ ፣ ናይቲ ካልእ ወገን'ዮም፡ንዝብልዎም ተሳተፍቲ ዕድል ተኸሊኡ:: ነዚ ዝተዓዘቡ መራሕን ኣባላትን ቁፅፅር ኮምሽን ህወሓት እቲ ኣካይዳ ትኽክል ከምዘይኮነ፣ ሓሳብ ይዕፈን ከምዘሎ ፣ ብዕሊ ገሊፆም'ዮም:: እቲ ከይድን መጠቓለልን ንህወሓት ዘድሕን ዘይኮነ ንህወሓት ዘጥፍእ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ'ዮም::

ንምጥቕላል ፀገም ህወሓትን ድከት ትግራይን ሓደን ክልተን ዘይብሉን ፀሓይ ዝወቕዖን ካብ ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ህወሓት ዝብገስ'ዩ:: ኣኸለ !! ፈዉሱ ድማ ከምቲ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ዝተዛረቦ : ዓቕሙ ፀናቒቑ ዘሎ መሪሕነት ህወሓት ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ዝሕተት ተሓቲቱ ፣ ስልጣኑ ንመናእሰይ ምርካብ ጥራሕ'ዩ:: ኣኸለ ! !

ነዚ መሰረታዊ መደምደምታ'ዚ ንጎኒ ገዲፍካ ጓልን ወዲ ጓልን ምኽንያታትን ፍልፍላትን ካብ ሕሉፍ ፅሑፍ መለስ እናገምጠልካ ምድርዳርን ንሰብ ምድንጋርን ዕንክሊል ካብ ምብዛሕ ጠብ ትብል ዉፅኢት ኣየምፅእን:: !!

16/07/2024

ታደሰ ክእሰርእዩ ዘለዎ
- - -
ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒሉ። ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ሓለፍቲ ፖሊስ ኮምሽን
- -
1ይ ም/ኮምሽነር ታደሰ መሰረት (ሓላፊ ምፅራይ ገብን)
2ይ ም/ኮምሽነር ገብረስላሴ በላይ (ሓላፊ ኣድማ ብተና)
3ይ ም/ኮምሽነር ብርሃነ ገብረኣነንያ (ሓላፊ ፉሉይ ልኡኽ)

ንምክትል ኮሚሽነር ገ/ስላሰ በላይ ሓዊሱ ሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

"ም/ኮሚሽነር ሓላፊ ምጽራይ ገበን: ታደሰ መሰረት፤
[ ኣብ ዝሓለፈ ብወራር መዓድን፣ነዳድን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ዝተገበረን ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ እሱር ኰይኑ ንክከታተል ወሲኑሉ ዝነበረን]

"ዋና ም/ኮሚሽነር ሓላፊ ኣድማ ብተና: ገብረስላሴ በላይ፤
[ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ዘውዱ ተጠርጣሪ ንዝኾነ ሓው በዓልቲ ገዝኡ ኣብ ልዕሊ መርመርቲ ጽዕንቶን ምፍርራሓትን ዘብጽሕ ዝነበረ ሽዑ ብደብዳቤ እውን ዕላዊ ኰይኑ ዝተገለጸ፤]

* ም/ኮሚሽነር ሓላፊ ፉሉይ ልኡኽ: ብርሃነ፤

11/07/2024

ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኢሎምዎ" ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውዛዕ ዘሎ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ሓሶት እዩ።

ከምዚ ዝበለ ተደጋጋሚ ናይ ኣመራርሓ ሽም ምጥፋእ እናተለመደ ይኸይድ ኣሎ። ኮይኑ ግን ሕብረተሰብ ንኸምዚ ዝበለ ተራ ሓሶትን ሽም ናይ ምጥፋእ ጠቐነን ተቐባሊ ብዘይምዃን ክከላኸሎ ይግባእ።

ሓሶት ነወግድ!!!

አለም ገብረዋህድን ሞንጀሪኖን  ከየጥፋዕኻ ውድብ አይትድህን ህዝቢ ትግራይ ካብ መከራ አይወፅዕመጠጥቲ ደም ህዝቢ ትግራይ ኣኼባ እንዳ  #ህወሓት------------------------ #ኣለም ...
08/07/2024

አለም ገብረዋህድን ሞንጀሪኖን ከየጥፋዕኻ ውድብ አይትድህን ህዝቢ ትግራይ ካብ መከራ አይወፅዕ

መጠጥቲ ደም ህዝቢ ትግራይ

ኣኼባ እንዳ #ህወሓት
------------------------
#ኣለም ንጌታቸው ረዳ: ንስኻ ጃህረኛ ኣፍራሲ ዉድብ ኢኻ ልኡኽ ፒፒ ኢኻ ክትፅረግ ኣለካ:: ኣብዚ ዘለኻ ካድረ ነዚ ተረዳእ::

ኣለም #ንበየነ: ንስኻ ብስርቂ ስሚንቶ ወርቂ ትሕመ ኢኻ

ጌታቸው ረዳ #ንኣለም: ኣለም ዘቕረቦ ነቐፌታ ይትረፍ ንነቐፌታ ንመተሓሳሰቢ'ዉን ኣይምጥንን

#ሓጎስ ንኣለም: ንስኻ ሕምብርቲ ኔትዎርክ ቀንዲ ጎጃሊ ኢኻ :: ንስኻ እናሃለኻ ዉድብ ኣይትድሕንን:: ንስኻ ኣብ እዋን መኸተ ሙሉእ ስድራኻ ናብ ዱባይ ዘህደምካ ኢኻ:: ንስኻ ንብፆትካ ከም ፀላኢ ትፍርጅ ሰብ ኢኻ:: ብኻልእ ገፅ ድማ ምስ ኣብዪ ኣተዓርቐኒ እናበልካ ንጌታቸው ረዳ እትምሕፀን ሰብ ኢኻ::

#ሃፍቱ ንቤ/ፅ ህወሓት: ቀንዲ ዓንቃፊ ንስራሕቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣመራርሓ ቤ/ፅ ህወሓት'ዮም:: እዚ ቤ/ፅ ከይተዓረየ ነገራት ክዕርዩ ምባል ዘበት'ዩ

#ርዝቁ ንቤ/ፅ ህወሓት: ኣመራርሓ ህወሓት ብዛዕባ ኩነታትን ምምላስን ተመዛበልትና ኣይግድሶምን ሓንቲ መዓልቲ'ዉን ኩነታቶም ብዝምልከት ሓቲቶምኒ ኣይፈልጡን ጨካናት'ዮም

#መንጀርኖ ንገዛ: ምምላስ ተመዛበልቲ የገድሰና'ዩ ግን ምድሓን ውድብ'ዩ ዝቕድም:: ካብ ምድሓን ውድብ ኣቐዲምና ኣይንሪኦን

#ተ/ብርሃን ንገዛ/ንካድረ : ኣብዚ ገዛ ብዝረአ ዘሎ ናይ ዕስለ ቲፎዞ ዝመስል ነገር ሕጉስ ኣይኮንኩን:: ነቲ ሓደ ምጥቓዕ ነቲ ካልእ ምጉርምራም ፀረ-ዴሞክራሲ ኣካይዳ'ዩ:: ጠጠው ኣብሉ:: ንኹሉ ብማዕረ ሰሚዕና ሓሳብና ንግለፅ::
------
ትማሊ ሰንበት ብኸምዚ ተዋዒሉ :: ወ/ሮ መንጀሪኖ ሎሚ ሶኒ ክቕፅላሉ እየን
-----
ቁልፊ መዘራረቢ ዛዕባ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክልተ ኣንፃር ቅዋማት ኣመራርሓ ህወሓት

1. ርክብ ምስ ሻዕብያ ንግበር ኣይንግበር
--------------------
ዉዕል ፕሪቶሪያ ኣየዋፅአናን:: ክፈርስ'ዩ ዘለዎ:: ሃገራዊ ቤትምኽሪ ኣፅዲቕዎ ዘሎ ሕጊ ምርጫ ቦርድ ንህወሓት ናብ መንቀርቀር ዘእቱ ሓደገኛ ስለዝኾነ ክንቅበሎ የብልናን:: ኣብዪ ንህወሓት ካብ ምጥፋእ ኣይድቅስን:: ስለዚ ካብዚ ፀልማት ዝኾነ ዉዕል ፕሪቶሪያ ወፂና ርክብና ምስ ሻዕብያ ብምግባር ኣንፃር ፒፒ ንቃለስ....ዝብል ጉጅለ ካብ ዉሽጢ ዉሽጢ ምሕማይ ወፂኡ ብግልፂ ዓይኑ ኣንቚሑ ወፂኡ ኣሎ:: እዚ ጉጅለ ብግልፂ ንክፍለጥ ጉጅለ ኣለም መንጀርኖ ፍስሃፅዮንን ኣማኑኤልን ዘሰጉሞ ዘሎ ቅዋም'ዩ::

እቲ ሓደ #ጉጅለ ኣመራርሓ ህወሓት ድማ ተነፃፃሪ ሰላምን እፎይታን ሂቡና ዘሎን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም እንራኸበሉ ዘለና ገመድን ዉዕሊ ፕሪቶሪያ'ዩ:: ነዚኣ ብምኽባርን ብምትግባርን ሓሳብናን ባህግናን ብሰላምን ልዝብን ጥራሕ ክንፍፅም ኣለና:: ደሙ ዝወሓዘ ህዝቢ ትግራይ ይኣኽሎ ብሰንኪ ናትና ጌጋ ክንደይ ግዘ ደቁ ክስእን: : ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን መሕብኢ ንምእላሽን ተባሂሉ ምስ ሻዕብያ ወጊንና ኣንፃር ፒፒ ንግጠም ዝብል ቅዋም ዘይበሰለ ነባራዊ ዉሽጣዉን ዓለማዉን ኩነታት ዘየገናዘበ ዳግም ናብ ምፍሳስ ደም ዘእትወና ፍፁም ዘይቅቡል እዩ ዝብል ቅዋም የሰጉም'ሎ::

2) ቀዲሙ መን ይድሓን ? ህወሓት'ዶ ህዝቢ ትግራይ ?
--------------------
ድሕሪ ናይ ዓመታት መሪር ስቓይ ምምላስ ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ይፍፀም'ሎ:: እዚ ዕወት ፍፃመ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ናብ ምዕራብን ኢሮብን ክሰፍሕ ህዝብና ይሓትት'ሎ:: ይኹን'ምበር ጉጅለ ኣለም መንጀርኖ ፍስሃፅዮንን ኣማኑኤልን ነዚ ፍፃመ'ዚ የናእሶ'ሎ:: ምምላስ ተመዛበልቲ ዘገድስ'ኳ እንተኾነ ብዙሕ ዘጃህር ኣይኮነን ቅድሚ ምድሓን ህወሓት ኣይንሪኦን እቲ ምምላስ ንመሓዉር ህወሓት ንድሕሪት ዝገደፈ እዩ ቅድሚ ህዝቢ ምድሓን ዉድብ ምድሓን'ዩ ክቕድም ዘለዎ ወዘተ ብምባል በቲ ሰናይ ተግባር ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ ይጉህይን የቆናፅቦን ኣሎ::

እቲ ሓደ #ጉጅለ ኣመራርሓ ህወሓት ድማ ንምድሓን ቅደም ሰዓብ ክወፆ ኣይግባእን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን መሰ ንመሳ ብሓደ ምድሓን ይከኣል'ዩ:: ግድን ቅደም ሰዓብ ይውፃኣዮ እንተተባሂሉ ግን ቀዲሙ ክድሕን ዝግበኦን ክንሰርሕ ዘለናን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን'ዩ:: ህዝቢ ትግራይ እንተድሒኑ'ዩ ህወሓት ክትድሕንን ክትህልዉን እትኽእል:: ህወሓት ቅድሚ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ምፍታን ንህዝቢ እቃለስ እየ ካብ ዝብል ዉድብ ትፅበዮ ህዝባዊ መርገፂ ኣይኮነን:: ካብዚ ሸውራር ፐርስፐክቲቭ ብምብጋስ'ዩ ንጉዳይ ምምላስ ተመዛባልትና ተናእስዎ ዘለኹም ዝብል ቅዋም የሰጉም ኣሎ::

3) ጉባኤ ነካይድ ኣይነካይድ ?
----------------
ጉባኤ ህወሓት ክካየድ ከምዘለዎ ማ/ኮ ህወሓት ቅድም ክብል ብደረጃ መትከል ኩሉ ተሰማሚዑ'ዩ:: ያዉም ካብ ወርሒ ሚያዝያ ከይሓልፍ እዩ ወሲኑ ነይሩ:: ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ግን ክሳብ ሕዚ ተጓቲቱ:: ሕዚ'ዉን ቁልፊ መካትዒ ኮይኑ ቀፂሉ'ሎ:: ሕዚ ነካይድ ዝብሉን ኣይ ሕዚ ኩነታት ስለዘይፈቅድ ምክያድ ኣይግባእን ዝብሉን:: ነዚ ፍትሕ ኣቢልካ ንምርኣይ ጉጅለ ኣለም መንጀርኖ ፍስሃፅዮንን ኣማኑኤልን ንዉድብ ዘድሕን ቁልፊ ጉዳይ ጉባኤ ህወሓት ምክያድ'ዩ እዚ ድማ ኣብ ኢድና ዘሎ መፍትሕን ጉባኤ ንምክያድ ናይ ማንም ፍቓድን ባርኾትን ዘየድልዮ መሰልናን እዩ:: ህወሓት ሕጋዊ ፍቓድ ረኸበት ኣይረኸበት ነዚ ካብ ምክያድ ዝዓግተና ሓይሊ የለን...ይብሉ ኣለው::

ኣንፃር'ዚ ቅዋም ዘሰጉሙ ዘለው ኣባላት ኣመራርሓ ድማ ከምዚ ይብሉ ኣለው : ጉባኤ ክካየድ ግድን'ዩ:: ግን ቅድሚኡ ክማልኡ ዝግበኦም ሕጋዊ ነገራት ድሕሪ ምምላእ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ:: ህወሓት ሕጋዊ ፍቓድ ከይረኸበት እናሃለወት ጉባኤ ምክያድ ብምርጫ ቦርድ ሕጋዉነት ኣይረክብን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ፒፒ ዳግም ናብ ግጨት ከእትወና ይኽእል እዩ:: ቀደሙ'ዉን ንሕገመንግስታዊ መሰልና ተጠቒምና ምርጫ ነካይድ ኢና ኣይ ኣይተካይዱን ብዝብል እዩ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ዝተፈፀመና:: ሕዚ ድማ ንዕኡ ንዝድግፍ ሕጊ ምርጫ ቦርድ መሰረት ገይሩ ካብ ኣፍልጥኡ ወፃኢ እነካይዶ ምርጫ ናብ ግጭት ከምዘየእትወና እንታይ መረጋገፅን ዉሕስናን ኣለና ? ክምርመር ኣለዎ:: ናብ ግጭት ዋላ ንእቶ ዝበሃል እንተኾይኑ ድማ ዘለናሉ ቑጠባዊ ዓቕሚ ኩነታት ሓይሊ ሰብና ወዘተ ይፈቅድ ድዩ ? ንምንታይ'ከ ብህልኽ ደጋጊምና ናጋገን ናብ ምትፍናን ንኣቱን ? ደው ኢልካ ክሕሰበሉ ይግባእ:: ብዝኾነ ይኹን ዝመፀ ይምፃእ ብፈኸራ ጉባኤ ክነካይዶ ኢና ትብሉ እንተኾይንኩም ድማ ከምዚኣ ትብሉ ዘለኹም ኣመራርሓ ንዝፍጠር ነገር ሓላፍነት ክትወስዱ ድልዋት ክትኮኑ ኣለኩም ...ይብሉ ኣለው:: ኮምሽን ቁፅፅር ሕወሓት ብወገኑ ጉባኤ ክካየድ ኣለዎ ግን ሕዚ ንምክያድ ኣብ ዘኽእል ኩነታት የለናን ዝብል ቅዋም ኣሰጒሙ'ሎ::

መደምደምታ:
---------------
እዞም ብኽልተ ጉጅለታት ኣመራርሓ ህወሓት ዝቐርቡ ዘለው ተፃረርቲ ቅዋማት ንሃለዋት ድሕንነትን መፃኢ ዕድልን ህዝቢ ትግራይ ዝዉስኑ እዮም:: ስለዝኾነ ንህወሓትን ኣባላታን ጥራሕ ዝግደፉ ዘይኮነ መላእ ህዝቢ ትግራይን ዉድባት ፖለቲካ ትግራይን ክዝትያሉን መርገፂ ክወስዳሉን ይግባእ::

08/06/2024

Happy birthday to Getachaw Reda

ድሕንነት ዜጋታት ሓደ ኻብቲ ቀንዲ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ክገብሮ ዝግብኦ መሰረታዊ ሓላፍነታት እዩ። አመሐዳድራ ትግራይ ዜጋታታ ኻብ ጕድኣት ዕቝባ ኸም ዚረኽቡን መሰሎም ከም ዚሕለወሎምን ናይ ...
22/05/2024

ድሕንነት ዜጋታት ሓደ ኻብቲ ቀንዲ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ክገብሮ ዝግብኦ መሰረታዊ ሓላፍነታት እዩ። አመሐዳድራ ትግራይ ዜጋታታ ኻብ ጕድኣት ዕቝባ ኸም ዚረኽቡን መሰሎም ከም ዚሕለወሎምን ናይ ምግባር ግዴታ ኣለዎ ። እዚ ሓላፍነት እዚ ኣብ ኵሉ መዳያት ህዝባዊ ህይወት እንተላይ ካብ ኣካላዊ ጕድኣት ካብ ኣከባብያዊ ሓደጋታት ከምኡውን ንናይ ትግራይ ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ካብ ምእታው ክከላኸል ምተገብኦ::

ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ንድሕንነት ዜጋታቱ ናይ ምዕቋብ ግዴታኡ ኺፍጽመሉ ዚግባእ ቀንዲ መገድታት ብሓገዝ ሕግን ብናይ ገበን ፍትሕን እዩ ። ትካላት ፖሊስ ንህዝባዊ ስርዓት ናይ ምዕቃብ ገበን ናይ ምክልኻል ከምኡውን ገበነኛታት ናይ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለዎም። ስርዓት ፍትሒ እንተላይ ኣብያተ ፍርድን መአረምታታትን ንውልቀ-ሰባት ብተግባራቶም ተሓተትቲ ናይ ምግባርን ገበን ዜስዕቦ ሳዕቤን ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት ዘውዱታት ግን እዚ ፈጺሙ አይተፈፀመን (ምናልባሽውን ኮነ ተባሂሉ) ። እኳ ድአስ ደቂ አንስትዮን ተባዕትዮን ሰምሀላት ብዘይ ገበን ይእሰሩ አለው!

መንግስቲ ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ኢንዱስትሪታትን ንጥፈታትን ብምቍጽጻር ናይ ህዝባዊ ድሕንነት ኣብ ምዕቋብ ኣገዳሲ ግደ ኺህልዎ ይግባእ ነይሩ ። እዚ ኣብቲ አብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ግደ ነይርዎ - ኮይኑ ግና መንግስቲ ትግራይ እንኳንስ ድያ እዚ ክቆፃፀሮ ንምዝራቡ ብዘሕፍር መገዲ አብቲ ዘይሕጋዊ ዕደና ግደ እንሄዎ ይብሀል አሎ! ካሊእውን ብዙሕ ማለት ይክአልዩ::

ካልእ ኣገዳሲ መዳይ ናይ መንግስቲ ንድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ዘለዎ ግዴታ ኢዩ ። መንግስቲ ንትግራይ ካብ ግዳማዊ ምጕብዕባዕ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ ። ይትረፍዶ ካብ ዓለም ለኸን አህጉራዊን ቀራንን ናይ ዓድን ይትረፍ ከትርፍ ብኣፋር ዝሞቱ ተጋሩ መንግስቲ ኣብዚውን ኸም ዝፈሸለ እዩ ዚሕብር ።

መንግስቲ ንድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ዘለዎ ግዴታ ንተፈጥሮአዊን ብፅንተት ንዝመፅኡ ሓደጋታት ንምድላውን ምላሽ ንምሃብን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ኣብዚ እውን እንተ ዀነ መንግስቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጥሜት ቅልውላውን ቅልጡፍን ውጽኢታውን ምላሽ ኣይሃበን። ክሳዕ ሕዚ ካሊእ ይትረፍ ምዕሩይ ዳታ ናብ ማሕበረሰብን ዓለምን ክሕብር እናተገብአ ወይከ!

ብጠቕላልኡ መንግስቲ ንድሕንነት ዜጋታታ ኺሕሉ ኣይከኣለን !!

ናይ 2012 ዓ/ም ዝፈሽለ ጉቦ ኣብ 2016 ደጊሱህዝብና ሰን ሰን ዘበሉ ?ኣብ ምም/ር ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣብ  2012 ዓ/ም ናይ 48 ሰባት ትሕዝቶ መሬትውሽጢ ብሕጊ ተኣ...
22/05/2024

ናይ 2012 ዓ/ም ዝፈሽለ ጉቦ ኣብ 2016 ደጊሱ

ህዝብና ሰን ሰን ዘበሉ ?

ኣብ ምም/ር ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣብ 2012 ዓ/ም ናይ 48 ሰባት ትሕዝቶ መሬት
ውሽጢ ብሕጊ ተኣጊዶም ዝነበሩ ውልቐ ሰባት
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣማሓፋሪ ኣይተ መንበሩ ንጉሰ
ዝተብሃለ ነዚ ከም ዕድል ብምጥቓም ካብ ክ/ከ/ ሓወልቲ ቤት መዘጋጃ ስክጣኑ ብምጥቓም ካብ መዝገብ ቤት ናይ እቶም ውልቀ ሰባት ፋይላት ኣውጺኡ ኣብ ቢሮኡ ቖሊፉ ብምሓዝ ጉቦ ንምቕባል እናተደራደሩሎም ብምጽናሕ ገንዘብ ኽፈሉ ከጽድቐልኹም እናበለ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡፡
እቶም ሰባት ኣይንኸፍልን ምስ በሉ ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ ስካብ ሐዚ ግልጋሎት ንከይረኽቡ ብምግባር ፡፡
ብዚ ሰንኪ ግልጋሎት ክረኽቡ ብዘይ ምግባሩ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ሓወልቲ መንበሩ ንጉሰ ዝብሃል ጉቦ ንክቕበል ዝደራደር ዝነበረ እንትኸውን ኣብ ዝገበሮ ዝነበረ ጉዕዝይ ስራሕቲ ካብ ዝነበሮ ወረዳ ኣማሓፋሪ ንክባረር ተገይሩ እዩ ብ2012 ዓ/ም
ብዝነበረ ከንቲባ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ንክባረር ከም ዝተገበረ ይፍለጥ ፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ብስውር ብከንቲባ መቐለ ይትባረክ ኣምሃ ኮሜቴ ንክኾን ንስርቒ መእንተ ክጥዕሞ ዝተባረረ ኣማሓዳሪ መንበሩ ንጉስ ኣባል ኮሜቴ ገይሩ ሸይምዎ ኣሎ ፡፡
ኣብ ዚ ሓዚ እዋን ናይ 1ይ ወያነ ኣማሓዳሪ ኾይኑ ንኽቕፅል ኣለም ገ/ዋሂድ ዝተባረረ ዝሸሞሞ እንትኾን እቲ ፈሽሉ ዝነበረ ጉቦ ከም ብሓሽ ንምትግባር ኣብ ምሽብሽብ ይርከቡ ፡፡

ንስርቂ ዝተጣየሹ ኮሜቴታት ድማ
=====================
1ይ=ወረስ ገ/ፃድቃን ስራሕ መካየዲ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ
ካብ ዞባ ምብርቕ ብስርቒ ዝተባተረ፡፡
2ይ=መንበሩ ንጉሰ ካብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ብጉቦ ዝተባረረ፡፡
3/ ነጋሽ ካሕሳይ ኣለም ገ/ዋሂድ ናይ ክ/ከተማ ሓውልቲ ኣማሓፋሪ ኾይኑ ንክሰርቕ ዘምፀኦ ፡፡
4/ ካለኦት ናታቶም ተለኣኣኽቲን ሸረቕትን ዝተ ጎጀልሉን ዝኾኑ ኣካላት ዝተሓወስሉ ኮሜቴ ዝተጣየሽ ሙኻኑ ፡፡
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ናይ ስርቒ ኮምቴታት/ጉጅለታት/ ክንፍፅመልኹም ኢና እናበሉ ንሓደ ሰብ ክልተ ሚሊዮን ኣዋፅእ እናበሉ ብድምር 48×2000 000 ብር =ብር 96 000 000 ክፍሉ ተባሂሊም ኣብ ፀግም ይርከቡ ፡፡
ከንቲባ መቐለ ብውነ ዶ ይኾን ? ብግርሕና ንዚ ኦም ኮምቴ ዘጣየሽ ቁፅፅር ግን የለን ናይ ጉቦ ኮሚቴ

20/05/2024

በለፀኛ ንፀየፍ !!

መንግስቲ ትግራይ ብቅልጡፍ ክገብሮ ዝግባዕ 1/ መንዕሰይ አብ ምዕላሽ መዓድን ወዲቡ ክሰርሑ ምግባር ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር ተዘይኾይኑ ሓፍቲ ትግራይ ብፍላይ ወርቂ ናይ ካናዳ ናይ ኤምሬት...
16/05/2024

መንግስቲ ትግራይ ብቅልጡፍ ክገብሮ ዝግባዕ

1/ መንዕሰይ አብ ምዕላሽ መዓድን ወዲቡ ክሰርሑ ምግባር
ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር

ተዘይኾይኑ ሓፍቲ ትግራይ ብፍላይ ወርቂ ናይ ካናዳ ናይ ኤምሬት አትየን ክግሕፈዖ እየን

መንዕሰይ ናይ ስራህ ዕድል ኽፈትሉ !!

Address


Opening Hours

Monday 09:00 - 17:00
Tuesday 09:00 - 17:00
Wednesday 09:00 - 17:00
Thursday 09:00 - 17:00
Friday 09:00 - 17:00
Saturday 09:00 - 17:00

Telephone

+18043004355

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Human right &Justice posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigray Human right &Justice:

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Opening Hours
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share