21/05/2024
ሰለስተ ናጽነታት ኣብ ሓሳበይ
ቀዳማይቲ ናጽነት
ቅድሚ ሾመንተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ዝነበብክዋ ግጥሚ Yohannes Abraham "ግንቦት ወደ'ስመራ" ወትሩ ግንቦት እንከምጽእ እተዕንቅፈንን ብኡኡ ኣቢለ ን ሆሴእ ሙሴ Kashivi Karina እተዘክርንን እያ። ምስ ሆሴእ እዛ ግጥሚ ካብ እተጸሓፍ ዳርጋ ኩለን ግንቦታት ዘኪርና የዕሊልናላ ኣለና። ነስመራ ንምስላ፡ ንወደ'ስመራ ድማ ህላዊኡ ኣሳኒና ነኮማስዖም። ንምስሊ ናጽነት ኣብዚ ግጥሚ ኣብ ኣስመራ የንጸባርቕ። ሹቑረራን ምዩቑን እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር መንእሰይን፡ ግንቦት እተምጽአሉ ኣበሳን ብልክዕ ኣብዚ ግጥሚ ንረኽቦ። ናጽነት ናጽነት ናጽነት ናጽነት ናጽነት ከተስተማቅሮ ተኳማስዖ ከምቃል፡ እተኾነ ስምዒት ኣይሃበንን። እሞ እቶም ናይ ስምዒት ህዋሳተይ'ዶ ደኣ ሰንቢዶም ብሞሾንቦባ ግንቦት፡ ህልውቲ ኤርትራን። ግን በቃ ብግጥሚ ጆን ኣፍሮ ጌረ ዕዝም ኢለ ግንቦት ውሽጢ ሃገርን ምስሉን ዛዚመ ንደገ ነታ ካልአይቲ ናጽነት ክፍትሽ የንሳፍፍ።
[...ኣየ’ወ ‘ስመራ…እዛ ኣስመራ!
ኣብ ግንባራ ባንዴራ ኣሲራ
ኣብ ሕምብርታ ንወዳ ኣሲራ
ከም ዝርፍቲ መርዓት ተዳሂላ
ግንከ ተፈሺላ፣ ተዃሒላ
ብብጫን ቀዪሕን ከም ሕብእብእ ኢላ
ንብዓት ከይሰዓራ - ከይበለለት ኩሕላ
ጽምም፣ ጥርቅም ኢላስ ፍሽኽ ኢላ!]
ካልአይቲ ናጽነት
ፈለማ ናብ ኣሜርካ ዝመጻእኩሉ እዋን እዩ። ሓንቲ ናብ ዕድመ ዕስራ ክትኣቱ እትዳሎ ዝነበረት መንእሰይ፡ ብዛዕባ ኣበዓዕላ 24 ግንቦት፡ ኣመልኪትና ነዕልል ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ናብቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ጽንብል ክትከይድ ክትርእዮ ንመጀመርታ ግዜ ምዃና ሓቢራትኒ። ኣነ'ውን ነታ ኣቦይ ተኽልማርያም ብሩ(መጠራ) ኢሎማ እንበልኩ ዝዛረበላ "... መዝገቦ ኣይቀበጸን" እትብል ዕላል እናዘከርኩ፡ ሐራይ ኢለ ጥራሕ ከም መደባ ክትገብር ሓሊፈያ።
እዛ መንእሰይ ኣብቲ በዓል ዝካየደሉ ቦታ ኮይና ከምዚ ክትብል ጸሓፈትለይ "ሎሚ ዕለተ ልደት ናይ ፕረዚደንት ኢሰያስ ድዩ?" ክትብል መልእኽቲ ጸሓፍትለይ። ኣነ ንሕቶኣ እንታይ ኮይና ክትከውን ትኽእል ኢለ ኡኳ ተገመትኩ፡ ክትድውልለይ ተጸብየ ምስሊ እቲ ዝነበረ ጽንብል የዕሊላትኒ። 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብምስሊ ዕለተ ልደት ናይ ኢሰያስ ከምዝመስል፡ ፈለማ ኣዝያ ከምዝተደናገረትን ዕለተ ልደቱ ከምዝመሰላን ጠቂሳትለይ። እቲ ኣብቲ ኣድራሽን ሰባትን ሒዞሞ ዝነበሩ ኣሳእል ናይ ኢሰያስ እዩ። እቲ ክቑረስ ዝተዳለወ ሙቁር ሕብስቲ(ቶርታ) እውን ብስእሉ ዝተሰርሐ ነበረ። እተን ኣፍልበን እናሃረማ ዝስዕስዓ ዝነበራ ኣዴታት እውን ኣብ ማልያታተን ስእሊ ኢሰያስ ዝተለጠፎ ዝወደያ እየን ዝነበራ።
ምስሊ ጽንብል ናጽነት ኣብ ዳሳት ህግደፍ ኣብዚ ዓመታት ሓንቲ ምስሊ እዩ ሒዙ ቀሪቡ። ኣምልኾትን ባርኾትን ንውድቀትን ኤርትራ ክቅጽልን እቲ ውልቀ-መላኺ ድማ እታ በዓል ንሱ ባዕሉ ብምዃን ሓሊፉ። ንምስክር ክኾነኒ ኢለ ንኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነት ኣብ እስራኤል ዘኪረ። ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ሒዞም ኣፍ ልቦም ዝሃርሙ ደገፍቱ ኣብ መዓልቲ ናጽነቶም ተረኸብኩ ኢለሞ ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን።
እህህ ኢለ ደኣ ነታ ኣብ ስእለ ሓሳበይ ክትህሉ ዝሰኣልክዋ ምስሊ ናጽነት ሓሊፈ ኣለኹ።
ሳልሰይቲ ናጽነት
[...ናጽነት ክብረትዩ ንዘልኣለም....] ኣብ ቅድመይ ባርያ ግትር ኢሉኒ። ናጽነት ክብረት እዩ፡ ክብረት ዜጋታት፡ ክበረት ደቂ ሃገር፡ ክብረት እቶም ናተይ ዝብልዋ። ናጽነት ናጽነት ናጽነት ኣኮማሲዐዮ፡ ናጽነት ከምዚ ክትከውን ብሂገ። ዜጋታት ብናጽነት ኣፍ ልቦም ነፊሖም ዝረግጽዋ፡ ዘይከም ግንቦት ወደ'ስመራ። ናጽነት ዜጋታት ኣብ ምጽንባላ ብድሌቶም በቲ ዝኣምንሉ ክጽንብልዋ ዝኽእሉ። ቡነይ ኣፍሊሐ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢለ ክጽንብላ ዝብል። ባንዴራን ሰንደቅ ዕላማን ተሰኪመ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ክዝክራየ ዝብል። ኣብቲ መዓልቲ ዝሃብትኒ ዕድል ስራሕ ተጠቂመ ኣብ ምዕያይ ከሕልፎየ ዝብል። ነዛ መዓልቲ ከም ኩለን መዓልታት ተዘይኮይኑ ብፍሉይ ክጽንብላ ኣይደልን ዝብል። ኮታስ ከም ባህታኻ ከምቃሕታኻ እትጽንበል ናጽነት። ከምቲ ኣደይ ብመራሕቲ ጉጅለ ተዘይመጺኺ ክትቅጽዒ ኢኺ ተባሂላ እትኸዶ ዳሳት ዘይኮነስ፡ ተሰሚዕዋ ጽንብሎ እትዘሎ ዳስ። እቲ ዝድብል ኣቦ ንመቐረት ስድራ ምትእኽካብ፡ ናብራን ዕቤትን ብልጽግናን ናጽነት እታ ሃገር ኣስተማቂሩ ዝድብለላ ምስሊ፡ ብጭርሖታትን ምስልላምን ዘይትደምቕ ናጽነት፡ በቃ ብግብርን ብስምዒትን ዝደመቐትን፡ እፎይታን ሰላምን ዝመልኣ ናጽነት ስኢለ ኣብዛ ሓሳበይ ሒዘያ ግንቦት ኣብታ ዕርብራብ ተስፋ ኤርትራ ኣርኪባትኒ ኣላ።
ተኽሊት ከሰተ (TK)