ሃገረ ትግራይ ሚዲያ MHT

ሃገረ ትግራይ ሚዲያ MHT ሃገረ ትግራይ ፍልፍል ዜማን መፃሕፍትን ገዛ እምነትን ሃይማኖትን እያ።

03/31/2024
03/31/2024
03/30/2024
ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮለጅ "መንፈሳዊ ሕውየት" ብዝብል መልእኽቲ ዘዳለዎ ናይ ኽልተ መዓልቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ጉባኤ ሎሚ ተጀሚሩ። እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስተጀመረ ...
03/30/2024

ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮለጅ "መንፈሳዊ ሕውየት" ብዝብል መልእኽቲ ዘዳለዎ ናይ ኽልተ መዓልቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ጉባኤ ሎሚ ተጀሚሩ።
እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስተጀመረ መዝሙር ብምዝማር "ሥርዓት ምምላስ ምሉእነት" ን "ሕሙማን እምበር ጥዑያን ንበዓል መድሓኒት ኣይደልይዎን" ብዝብሉ ኣርእስታት ብመምህር መኮንን ተስፋይን መምህር ዮሐንስ ገብረሕይወትን ኽልተ ትምህርታት ዝተውሃቡ ኾይኖም ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ናይ ከሣቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮለጅን ደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ቤተ ክርስቲያንን ጳጳስ ቡራኬን ምዕዳንን ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ ፅባሕ 22/07/2016 ዓ.ም እውን ካብ ሰዓት 9-11:30 ስለዝቕፅል ኹሎም ምእመናን ንዘይሰምዑ እናስምዑ ንኣምላክ ጊዜ ንክህቡ ንክዕድሙ ብፁዕ ኣቦና መልእኽቶም ኣሕሊፎም እዮም።
📷ጽዮን ሚድያ
ማማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

03/30/2024

መልእኽቲ ዕድመ ምርቓት መጽሓፍ ብሊቀ ሊቃውንት ኃይለ ሥላሴ ዘማርያምን ሊቀ ሊቃውንት አባ ዕዝራ ኃይሉ(ንቡረእድ)

ሊንክ 👇👇👇 እናነኻእና ሰብስክራይብ ንግበር
https://youtu.be/zvpV5hvWUUE?si=aOvh2jAs6ZZOSm1Q

 #ምሥጢረ ቍርባን ማለት፦  መድኃኔዓለም እግዚኣብሔር ካብ ሰማየሰማያት ወሪዱ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ቅዱስ ሥግኡቈሪሱ፡  ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ዝሃበና፡ ምስጢረ-ቍርባን ይበሃል። ዮሓ 6፡5...
03/26/2024

#ምሥጢረ ቍርባን ማለት፦
መድኃኔዓለም እግዚኣብሔር ካብ ሰማየሰማያት ወሪዱ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ቅዱስ ሥግኡቈሪሱ፡ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ዝሃበና፡ ምስጢረ-ቍርባን ይበሃል። ዮሓ 6፡5. ማቴ 26፡26-28.

#ስለምንታይምንታይ ምስጢር ተበሃለ?
1. ኅብስቱ ናብ ቅዱስ ሥጋኡ፡ ወይኑ ከኣ ናይ ክቡር ደሙ ክልወጥ ከሎ ብዓይኒ ስለ ዘይርአ ኢዩ።
2.ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይርአ ጸጋ ስለ ዘውህበና ምስጢር ተበሃለ።

#ናይ መን ሥጋን ደምን ኢዩ?
1. እዚ ሥጋ እግዚኣብሔር ወልድ ብዝተፈለየ ኣካሉ ካብ ድንግል ማርያም ወሲዱ ዝተወሃሃዶ ኢዩ።

#ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ ኢየ ንምንታይ ደኣ በለ?

1. ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ሰማይ መጺዩ ካብ ድንግል ማርያም ካብ ሥግኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ከኣ ነፍሲ ወሲዱ ከምዝተወሃሃደ ንምግላጽ ኢዩ።

#ቅድስቲ ቤተክርስቲያ ስለ ምስጢር ቍርባን፦

1.ብኽልተ ወገን ድንግል ካብ ዝኾነት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ሥጋ ናይ ጎይታናን ናይ መድኃኒናን ክርስቶስ ኢዩ እዚ ትብል።

2.ነዚ ሥጋ እዚ ከኣ፡ ብዘይምድማር፡ ብዘይምትሕውዋስ፡ ብዘይምውሳኽ፡ ብዘይሕድረት፣ '''ብተዓቅቦ ዝተወሃሃዶ''' ኢዩ ትብል።

#ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና፦
ተዝካር ሞቱ ብምዝካር ኣብ ቅዳሴ ተዘይኮይኑ ኣብካልእ ኣብ ማንም ከይፍተት ብጽኑዕ ሕጊ ተኣዊጁ ኣሎ።1ይ ቆሮ 11፡3-6.
"ንዜኑ ሞተ ወትንሣኤከ ቅድስተ ነአምን ዕርገተከ ወዳግመ ምጽአተከ"

ብመምህር ይስሓቅ
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

03/24/2024

ሠናይ ዜና!
ካፍቶም ሕፁያት ኣባ ላዕከማርያም ገ/ጊዮርጊስ ዝለዓለ ድምፂ ብምርካብ ንኤጲስቆጶስነት ተመሪፆም ኣለዉ።

መንበረ ሰላማ ኤጲስቆጶስ ንምሕራይ ጉባኤ ጀሚሩ ኣሎ።መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ካብዞም ቀሪቦም ዘለዉ ሠለስተ ተወዳደርቲ ሕፁያት...
03/24/2024

መንበረ ሰላማ ኤጲስቆጶስ ንምሕራይ ጉባኤ ጀሚሩ ኣሎ።
መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ ካብዞም ቀሪቦም ዘለዉ ሠለስተ ተወዳደርቲ ሕፁያት ሓደ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንወጀራት 20 ዓዲ ንኤጲስቆጶስነት ሎሚ መዓልቲ ክሓርይ እዩ።
እቶም ንኤጲስቆጶስነት ሕፁያት ኮይኖም ዝቐረቡ ኣቦታት ድማ
፩.ኣባ ላዕከማርያም ገ/ጊዮርጊስ
፪. መምህር ቆሞስ ኣባ ገ/ጊዮርጊስ ወ/ኣብርሃም
፫. ሊቀ ብርሃናት ኣባ ገ/ኪዳን ገ/ጊዮርጊስ

መንፈስ ቅዱስ ይምርሓዮ
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

 #ኣኽሱም ጽዮን ኣብ ምህላ ሎሚ ዕለተ ሰንበት (ምኩራብ)ሣልሳይ ሰሙን ዓብይ ጾም (ምኲራብ)"ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት" "ኢየሱስ ናብ ኣይሁድ ምኲራብ ኣትዩ ቃለ ሃይ...
03/24/2024

#ኣኽሱም ጽዮን ኣብ ምህላ ሎሚ ዕለተ ሰንበት (ምኩራብ)
ሣልሳይ ሰሙን ዓብይ ጾም (ምኲራብ)

"ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት"
"ኢየሱስ ናብ ኣይሁድ ምኲራብ ኣትዩ ቃለ ሃይማኖት ኣምሃረ " ቅዱስ ያሬድ

ምኩራብ ናይ ኣይሁድ ናይ ጸሎት ገዛ እዩ።
እስራኤላውያን ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ምሰ ኸዱ ኣብ ዝርከብዎ ኩሉ ናይ ፀሎት ገዛ ምስራሕ ከምዝጀመሩ እዩ ዝእመን። ሕዝ11፥16
ኣብ ክርስቶስ ዘመን'ውን ብዙሓት ምኲራባት ተሰሪሖም ኔሮም እዮም። ናብቲ ምኲራብ ክርስቶስ ኣትዩ የምህር ኔሩ። ማቴ 4፥23 : ማር 1፥39
ሐዋርያት'ውን ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ ዝርከብሉ ምኲራባት እናኣተው ወንጌል ሰቢኾም እዮም።
ሐዋ 6፥9, 9፥2
ብተወሳኺ ድማ ክርስቶስ ንኣምልኮ ዝተሃነፀ ቤተመቅደስ ኣይሁድ ንስጋዊ ዕዳጋ ኣውዒሎሞ ስለዝነበሩ ብጭጉራፍ ጌሩ ካብ ቤተመቅደስ ከምዘባረሮም ነስታውሰሉ ሰሙን እዩ።

‘’ናይ ቤትኻ ቅንኣት በልዐትኒ ዝገዳደሩዃ ሰባት ፀረፎም ኣብ ልዕለይ ኮነ ነፍሰይ ብፆም ቀፃዕክዋ’’
መዝ 68፣9

ዮሐንስ 2 ፣ 14-16 ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ፥ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብታትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ገንዘብውን ተቐሚጦም ረኸበ።
ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ።
ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።

ናይ እግዚአብሔር ገዛ ብልቢ ናብ እግዚአብሔር ትፅልየሉን ተምልኸሉን ኩሉ ብሓባር ተኣኪቡ ዝመሃረሉን ዘመስግነሉን ቦታ እዩ። ኣይሁዳውያን ግና ነዚ ገዲፎም ናይ እግዚአብሔር ገዛ ዕዳጋ መሸጢ እንስሳታት ጌሮሞ ኔሮም። በዚ ድማ ክርስቶስ ስለዝተቖጥዐን ክኸውን ስለዘይግባእን ብጭጉራፍ ጌሩ ካብ ገዝኡ ኣባሪርዎም።

ቤተ ቤተክርስቲያን ንኣምልኮን ጸሎትን ምስጋናን እምበር ንኻሊእ ዓለማዊ (ናይ ሥጋ) ስራሕቲ ክንፍፅመሉ ኣይግባእን።
ብሩኽ ዕለተ ሰንበት ይግበረልና!
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

ናይ መንበረ ሰላማ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣኽሱም ጽዮን ሎሚ መዓልቲ።ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ
03/24/2024

ናይ መንበረ ሰላማ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣኽሱም ጽዮን ሎሚ መዓልቲ።
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

03/22/2024

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ መልሲ ሂቦም።

ዕድመ ናይ መጽሓፍ ምርቓትጥዒና ያሃበልና ክቡራት ኣሕዋትን/ኣሓትን እንኳዕ ንዓብይ ጾም ብሰላም ኣብጸሐኩም እናበልና።ከም ኣምላክ ፍቓድ  "ሣኅተ አእምሮ" እትብል መጽሓፍ መጋቢት 15/2016 ...
03/22/2024

ዕድመ ናይ መጽሓፍ ምርቓት

ጥዒና ያሃበልና ክቡራት ኣሕዋትን/ኣሓትን እንኳዕ ንዓብይ ጾም ብሰላም ኣብጸሐኩም እናበልና።ከም ኣምላክ ፍቓድ "ሣኅተ አእምሮ" እትብል መጽሓፍ መጋቢት 15/2016 ልክዕ 9:00 ሰዓት ኣብ ሆቴል ሆሊደይ (22) ክትምረቕ እያ።

ኣብ ሆቴል ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብቱ ዘለናዮ እዋናዊ ኹነታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንከናምርቕ ፍቓድ ስለዘይረኸብና እዩ ኣብ ሆቴል ከነምርቕ ተገዲድና ዘለና። ስለዝኾነ ኩልኹም ንክትረኸቡ ብትሕትና ንዕድም።

ኣሰናዳእቲ ኮሚቴ

03/22/2024

ካብ ናይ ማሕበርና ክፍሊ ንዋያተ ቅድሳት
መንበረ ታቦት ፣ ልብሰ ተክህኖ ፣ መጋረጃ ፣ ምንፃፍ
መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ብልሳነ ትግራይ
ዝተፈላለዩ ንዋያተ ቅድሳትን ንምርካብ እዚ ዝስዕብ ስልኪ ቑፅርታት ተጠቀሙ።
ዋትስኣፕ;-
+19452173479
ቑፅሪ ስልክታት;-
+251935278996
+251946469618
+251911289356
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

03/21/2024

ኣብ እግሪ መስቀል ትግርኛ በገና መዝሙር ብሊቀ ነቢያት ሙሴ ኃይሉ።
ብርክት ዝበሉ ናይ በገና መዝሙራት ንምድማፅ እዚ ዝስዕብ ሊንክ ይጠቐሙ👇👇👇
https://youtu.be/eMon1CuKz0o?si=C6cWMNKQfQlvzUwP

03/21/2024

✝️ሰማያውያን ፍጥረታት ( ቅዱሳን መላእኽቲ )✝️

ሰማያውያን ዝበሃልሉ ዘለዉ ዋና ምኸንያት ኣብ ምድሪ
ዘይነብሩ ፣ ብተፈጥሮኦም ከም ምድራውያን ፍጥረታት
ዘይኮኑ ፣ ዝተፈለየ ኣፈጣጥራን ጠባይን ዘለዎም ፣
ዘይድህሰሱን ዘይጭበጡን ረቂቃን ፣ መዋቲ ዘይኮኑ
ሕይወታውያን ፣ ዝበልዑ ዝሰትዩ ዘይኮኑስ ስብሐተ እግዚአብሔር ዝምገቡ ፣ ምግቦምን መስተኦምን እግዚኣብሔር ምምሥጋን ጥራሕ ስለዝኾነ በዚ ምኽንያት ሰማያውያን ፍጥረታት ዝብል ስም
ሓባር /Common name/ ተዋሂብዎም ማለት እዩ፡
ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ተፈጥሮኦም ኩነታት አብ ላዕላይ ከም ዝተጠቐሰ ረቂቃን /መንፈሳውያን / ኮይኖም ብመንፈሳዊ ኣካሎም ብዘለዎም ናይ ምሕሳብ ነፃነት /Free will/ ሓሲብካ ልክዕ ከም ወዲ ሰብ ዝጠቕመካን ዝጎድአካን ፈሊካ ሓዲኡ ምምራፅ ንኣቶም እውን ዝተወሃበ እዩ። ቅዱሳን መላእኽቲ ንእግዚኣብሔር ፈጣሪኦም ዝለኣኹ ፣ ኩሉ ግዜ ብዘይምቁራፅ ዘመስግኑ ምስ እግዚኣብሔር ፍሉይ ቅርበት ዘለዎም እዮም፡፡ ዘየውስቡ ዘይዋሰቡ ፣ብዝሓቶም ክንዲ እዚ ኢልካ ዘይቑፀር ብጣዕሚ ብዙሓት፣ ፍልጠቶም ልዑልን ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎምን እዮም፡፡
ቅዱሳን መላእኽቲ ካብ እግዚኣብሔር እናተልኣኹ ንመንፈሳዊያን ሰባት ዝሕግዙን ዝሕልዉን ከምኡ እውን ባህሪኦም /ፀባዮም/ እግዚኣብሔር ረቂቕን ድንቅን ብዝኾነ ጥበቡ ዝፈጠሮም ፣ ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ ኣብ ሰማያዊ ስፍራ ልዑል ቦታ ዘለዎም ቅዱሳን መላእኽቲ ይበሃሉ።

ስራሕ መላእኽቲ;-መላእኽቲ ኣብ ናይ ሓፈሻዊ እግዚኣብሔር ንሰብ ዝገበሮ ናይ ነገረ ድሕነት ኩነታት ተሳተፍቲ እዮም።
እዚ ማለት ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ወዲ ሰብ ድሕነት
ስለ ዘሐጉሶም እዩ። ከምዝፍለጥ መላእኸቲ ስራሖም
እንታይ ምዃኑ ስሞም ባዕሉ የመልክተና። ስሞም ባዕሉ
'ተልኣኽቲ' ዝብል ትርጉም ይህበና። ተልእኾኦም
እንታይ እዩ? ንዝብል ብሓፂሩ ንምግላፅ ዝኣክል ዝለኣኹ ብቐንዱ ንዝፈጠሮም እግዚኣብሔር ብዘይ ዕረፍቲ ምምስጋን ምዃኑ ግልፂ እዩ። ኢሳ 6÷1
ብኻሊእ ወገን ድማ መላእኽቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ተላኣኣኸቲ ማለት እዩ። እዚ ማለት መላእኽቲ ድሕነት ንዝግበኦም ሰባት ንክሕልዉ ካብ እግዚኣብሔር ናብ ምድሪ ተላኢኾም ብምውራድ ንሰባት ዝሕልዉ ፣ ካብ ምድሪ ድማ ናብ ሰማይ ወይም
ናብ እግዚኣብሔር ናይ ደቂ ሰባት ሠናይ ምግባር ማለት እውን ናይ ጻድቃን ጸሎት ፣ ምፅዋት ወዘተ ሒዞም ዝወፁ ረቂቃን ፍጥረታት እዮም። ራዕይ 8÷4
ብተፈጥሮኦም ረቂቃን ወይ መንፈሳውያን፣ ቦታኦም ሰማያውያን፣ ብባህሪኦም ሓያላት፣ ብተልእኾኦም ድማ መላእኽቲ እናተብሃሉ ይፅውዑ። ኣብ ላዕሊ ከምዝተገፀ እግዚኣብሔር ኣብ ዝፈርሑ ሰባት ዙርያ ወይ ከባቢ ኮይኖም ንሰባት ዝሕልው ፣ ፅቡቕ ዜና ዝናገሩን እዮም። መዝ 33፣7 ናይ ሐዋ ስራሕ 10፥3 ሉቃ 1፥30

አፈጣጥራ መላእኽቲ;-መላእኸቲ መዓዝ ተፈጢሮም?
እግዚኣብሔር ካብ ሰንበት ክሳብ ዓርቢ ዘሎ 6ተ
መዓልቲታት ፍጥረታት ከምዝፈጠረ መፅሓፍ ቅዱስ
ይነግረና። ካብቶም 6 መዓልቲ ብእግዚኣብሔር
ዝተፈጠሩ 22ን ሥነ-ፍጥረታት መላእኽቲ ብኣርምሞ
/ብስቕታ/ ኣብ መጀመርያ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት
ለይቲ ከምዝተፈጠሩ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን
የምህሩና።ኣብ መፅሓፍ ኩፋሌ 2÷6-8 ብግልፂ ከምዝተፅሓፈ እውን መላእኽቲ ኣብ መጀመርያ መዓልቲ ዝተፈጠሩ ምዃኖም ተቐሚጡ ይርከብ።

✝️ነገደ መላእኽቲ✝️

መጀመርያ ''ነገድ'' ዝብል ቃል ናይ ግእዝ ቃል እዩ። ጉጅለ
ወይ ዓሌት ዝብል ትርጉም ኣለዎ። መላእኸቲ ቑፅሮም
ብጣዕሚ ብዙሓት ስለዝኾኑ ካብ ምብዝሖም ዝተልዓለ
ሓደ ክልተ እናበልካ ምቁፃር ኣይከኣልን። ሓደ ክልተ
እናበልካ ንሕድሐዶም ካብ ምቑፃር በቢነገዶም ወይ ከዓ
በቢጉጅለኦም ምቑፃር ዝሓፀረ መንገዲ እዩ።
ንመላእኽቲ ጥራሕ ዘይኾነ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም
ፍጥረታት ብሙሉኦም በብሓደ ቆፂርካ ስለ ዘይውዳእ
ንብዙሕ ሓደ እናበልካ በቢዓሌቶም ወይም
በቢጉጅለኦም ካብ ሰንበት ክሳብ ዓርቢ ዝተፈጠሩ
ፍጥረታት 22 ምዃኖም ይፍለጡ።
ኣብ ላዕላይ ከምዝተብሃለ ናይ መላእኽቲ ጉጅለ ብግእዝ
'ነገድ' ይበሃል። መላእኽቲ ነናይ ባዓልቶም ዝኾነ ጉጅለ
ስለዘለዎም ልክዕ ከም ናይ ዓለማዊ ምምሕዳር
ሕድሕድ ናይ መላእኽቲ ጉጅለ መራሒ ከምዘለዎ
መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረልና። ንኣብነት ንፈለማ ጊዜ
ሓጢኣት ዝተጀመረ ኣብ ዓለመ መላእኽቲ እዩ።
ኣምላኽ ፈጢሩ ዝሓደጎም መራሒኦም ሳጥናኤል ይበሃል
ናይቶም መላእኽቲ መራሒ ንዝፈጠሮም እግዚኣብሔር
እናሰገዱ እናመስገኑ ይነብሩ ነበሩ።

እግዚእብሔር ድማ ካብ መላእኽቲ ብዝበለፀ ብባህሪኡ ሪቂቕ ስለዝኾነ ነቶም መላእኸቲ ክረኣዮም ስለዘይክኣለ ንሰንሳቶም ''መኑ ፈጠረነ እምኃበ አይቴ መፃእነ።''
ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምፀኣና
መን እዩ? መን እዩ ፈጢሩና? ኢሎም ክዛተዩ ጀመሩ።
ኣምላኽ ንሳጥናኤል ኣብ ልዕሊኦም ዘሰልጠኖ ወይ
ሽመት ሂቡ ሓዲግዎ ስለዝነበረ ኣጋጣሚ ነዚ ኩነታት
ተጠቒሙ ንኣይ ስገዱለይ እምበር ኣነ ኣይሰግድን
ብተወሳኺ እውን ኣነ እየ ፈጣሪኹም ካባይ ንላዕሊ
ፈጣሪ የብልኩምን ኢሉ ትዕቢት፣ ሓሶትን ክሕደትን
ካብ ባዕሉ ብምብጋስ ዩሓ 8፥44 ምስ ተናገረ ሓጢኣት
ብኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ቅድሚ ምፍጣሩ
ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ከም ዝተፈጠረ
በዚ ቁንጥር ኢሉ ዝተጠቐሰ መንፈሳዊ ታሪኽ
ይፍለጥ።

ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ብሳጥናኤል ዘተፈጠሩ
ሓጢኣታት ፩. ትዕቢት ፪.ሓሰት ፫.ክሕደት
እዮም። ትዕቢት ንዓይ ስገዱለይ ማለት እንትኸውን
ሓሶት ድማ ፈጣሪ ዘይኮነ ኣነ እየ ፈጣሪኹም ኢሉ
ስለዝተናገረ እዩ። ክሕደት ከዓ ንባዕሉን ንካልኦት
መላእኸትን ዝፈጠረ ፈጣሪ እናሃለወ ኣነ እየ ፈጣሪ ኢሉ ዝፈጠሩ ኣምላኽ ምኽሓዱ እዩ።
እዘን ሰለስተ ሓጢኣታት እዚአተን ብባዕሉ ብዲያብሎስ (ሳጥናኤል) ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ከም ዝተጀመራ የረደአና። እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ክሕደትን ጥፍኣትን ዘምህር ዘሎ ዲያብሎስ ዘንኮነስ ምስጋና ምግቡ ዝገበረ መልኣኽ ሳጥናኤል እዩ ፈጢሩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ሓሳዊ ናይ ሓሰት ኣቦ ኢሉ
ዝፅውዖ እውን በዚ ምኽንያት እዩ። ዮሓ 8:44
ምኽንያቱ ሓጢኣት ካብ ባዕሉ ኣፈልፊሉ ዝፈጠራ ንሱ
ስለዝኾነ እዩ። በዚ ምኸንያት እዚ ድማ እግኣብሔር
ንመላእኽቲ ፈጢሩ ኣብ ዝሓደጎም ቦታ ኣብ ዓለመ
መላእክት ህውከትን ዕግርግርን ምስ ተልዓለ
ንሳጥናኤል (ንዲያብሎስ) ሓሳብ ደጊፎም ንኡ
ዝተኸተሉ ጉጅለን፣ብተፃራሪ ናቱ ሓሳብ
ዝተቓወሙ ቅዱስ ሚካኤል ዝመርሖም ድማ ሓደ
ጉጅለ ኮይኖም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ነገድ(ጉጅለ)
ዓብይ ጦርነት ተልዓለ ይብል። ራዕይ 12÷7-10
እዚ ዝተልዓለ ጦርነት ቅዱስ ሚካኤል ብዝመርሖም
መላእኸቲ ምስ ናይ ሳጥናኤል ወይ ዲያብሎስ
መላእኽቲ ጉጅለ ማለት እውን ትዕቢት ሓሶትን
ክሕደትን ከምመርገፂ ዝሓዙ ስዒሮም ከም
ዘውደቕዎም ይፍለጥ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ናይ ቤተ
ክርስቲያና ስለ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝትንትን
'ኣክሲማሮስ' ተባሂለ ዝፅዋዕ መፅሓፍ ብሰፊሑ
ዝተቐመጠ እንትኸውን ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ እውን
ተፃሒፉ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳታ
መፅሓፍ ዝኾነ ናይ ዮሐንስ ራዕይ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቅዱስ መጽሐፍ ዮሃንስ ሓዋርያ ከም ዝፀሓፎ፣ ኣብ ዓለመ መላእኸቲ ኣብ መንጎ ሳጥናኤል (ዲያብሎስ) ዝመርሖምን ናይ ዲያብሎስ ሓሳብ ዝተቓወሙ ቅዱስ ሚካኤል ዝመርሖም መላእኽትን ዝተኻየደ ኩናት ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብራዕይ እናርኣዮ ዝረኣኻዮ ኩሉ ፀሓፍ እናበለ ኣብ ዘፅሓፎ መፅሓፍ ሰፊሩ ይርከብ።

እዚ መጽሓፍ እንትነንብቦ እግዚአብሔር
ንዮሐንስ ዘርአዮ ኮይኑ ስለ ሕሉፍ መንፈሳዊ ታሪኽ
ጥራሕ ዘይኮነስ ስለ ህልውን መፃእን ኩነታት እውን ይነግረና እዩ።ኣብ መንጎ ቅዱስ ሚካኤል ዝመርሖም ቅዱሳን መላእኽትን ሳጥናኤል ዝመርሖምን ዓብይ ጦርነት ከምዝተኻየደ መፅሓፈ ራዕየ ዮሐንስ ይገልፅ እዩ። አብቲ መፅሓፍ ብግእዝ ከምዚ ኢሉ
ተፃሒፉ ኣሎ።
''ወፀብእዎ በሰማይ ለውእቱ ኣርዌ
ሚካኤል ወመላእክቲሁ ወተፃብኦሙ ውእቱ ኣርዌ ምስለ
መላእክቲሁ ወስእኖሙ ወኢረከበ እንከ መካነ ውስተ
ሰማይ ወወደቀ ውስተ ምድር ውእቱ ኣርዌ ዐቢይ
ወኣርዌሰ ዐቢይ ውእቱ ቀዲሙ ዘኣስሓቶ ለኩሉ ዓለም
ዘስሙ ሰይጣን ወወድቀ ውስተ ምድር ወመላእክቲሁኒ
ወድቁ ምስሌሁ ውስተ ምድር።”
ትርጉሙ ;-
ኣብ ሰማይ ኣብ መንጎ ሳጥናኤልን ቅዱስ ሚካኤልን ዓብይ ጦርነት ኮነ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሰራዊት ንናይ ዲያብሎስ ሰራዊት ስዒሮም ኣውደቕዎም። ራዕይ 12÷7-1ዐ
ናይ መላእኸቲ ነገዳት ዝበሃሉ ዝተወሰኑ
እንትንምልከት መላእኽቲ ኣብ ላዕላይ ከምዝተገለፀ
ብዙሓት ነገዳት ከም ዘለውዎም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ
ቤተ ክርስቲያና መፃሕፍቲ ተፃሒፉ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ
ራእይ ዮሓንስ መፅሓፍ ኣብ ቅድሚ ናይ ጎይታና
መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዙፋን ወይም መንበር

ሸውዓተ መናፍስቲ ይብል ሸውዓተ መናፍስቲ ክብል
እንከሎ ሸውዓተ ናይ መላእኽቲ ኣሕሉቕ ማለት ምዃኑ
ናይ ራእይ ዮሓንስ መፅሓፍ ዝተርጎሙ ሊቃውንተ
ቤተ ክርስቲያን ኣቐሚጠምዎ ይርከቡ።

ናይ መላእኽቲ ሕድሕድ ስም ነገዶም(ጉጅለኦም);-
መላእኸቲ፣ ሊቃነ መላእኽቲ፣ሃይላት፣ ሊቃናት፣ ኣጋእዝት፣ ሥልጣናት፣ መኳንንት ወ.ዘ.ተ. እናተብሃለ ይፅውዑ፡፡
፩.ኪሩቤል (Cherubim) እዞም መላእኸቲ እዚኣቶም
ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ቤተ ክርስቲያና ኣዋልድ
መፅሕፍቲ ዝተጠቐሱ እንትኾኑ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ
ኣብ ዘፍጥረት ኪሩቤል መላእኽቲ ዝገለባበጥ ሰይፊ
ሒዞም ናብ ገነት ኣብ ዝውስድ መንገዲ ኮይኖም ንገነት
ክሕልውዋ ኣዘዞም። ዘፍ 3፣24
ብካሊእ ወገን ኪሩቤል መንበሩ ዝሽከሙ ምዃኖም ይፍለጥ፡፡ ንሳቶም ብታሕቲ ኮይኖም ይሽከምዎ እንትንብል ንሱ ኣብ ልዕሊኦም ብጸጋ ዝሓድሮም ፣ንሳቶም እውን ካብኡ
እንተይተፈለዩ ኩሉ ጊዜ የመስግንዎ ማለት እዩ እምበር
ኣምላኸ ንኩሉ ፍጡር ፀዋሪ እምበር ብማንም ፍጡር
ዝፅወር ኣይኮነን፡፡

በዚ ምኸንያት ናይ መልክዓ ኢየሱስ ደራሲ "ላዕለ
ኪሩቤል ነቢረከ ዘትርኢ ቀላያተ” ማለት እውን ኣብ
ልዕለ ኪሩቤል መላእኽቲ ተቐሚጥካ ኣብ ዓለም ዘሎ
ኩሉ ትርኢ ኢልዎ ይርከብ፡፡ እግዚኣብሔር ንነብይ
ሙሴ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን ንጽላት መሕደሪ / መቐመጢ ዝኸውን ታቦት ስራሕ። ኣብቲ ታቦት መሕደሪ ኪሩቤል መላእኽቲ ዝመስሉ ሰኣለሉ ኢሉ ተናጊርዎ እዩ፡፡
ታቦት ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ባዕሉ ዝግለፀለ
ዝፋኑ ስለዝኾነ ብትሕቲኡ ኮይኖም ኪሩቤል
ከምዘመስግንዎ ብኡ ኣምሳል ገይርካ ንጽላት መቐመጢ
ዝኸውን ታቦት ሰሪሕኻ ናይ ኪሩቤል መላእኸቲ ምስሊ
ስኣለሉ ኢልዎ ከምዝነበረ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ተፃሒፉ
እዩ። ኪሩቤል መላእኽቲ ክንፎም ዘርጊሖም ከም
ዝናኸሱ ክልተ ደርሁ መሲሎም ኣብቲ ጽላት መቐመጢ
ብክልተ ገፅ እናተረኣኣዩ ገይሩ ከምዝሰኣሎም ኣብ
መፅሓፍ ቅዱስ ተቐሚጡ ይርከብ፡፡ ዘፀኣት 25፣18-22
ብተወሳኺ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ዘይነብር ላዕለ
ኪሩቤል አስተርአየ» ማለት እውን ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል
ዝቕመጥ ተገሊፁ ኢሉ ዘሚሩ እዩ፡፡ መዝ 79፣1
፪.ሱራፌል (Seraphim)- እዞም መላእኽቲ
እዚኣቶም እውን ኩሉ ጊዜ ንእግዚኣብሔር ዘመስግኑን
ዘምልኹን እዮም፡፡ እግዚኣብሔር ንኢሳይያስ
ንነብይነት ኣገልግሎት ክፅውዖ ከሎ ፈለማ ራእይ
ኣርኣዮ ይብል፡፡ ባዕሉ ነብይ ኢሳይያስ ኣብ ምዕራፍ 6፣1
ዝፀሓፎ ናይ ትንቢቱ መፅሓፍ ''ኦዚያን ንጉስ ምስ ሞተ
ዓብይ ራእይ ረኣኹ።ንሱ እውን እግዚኣብሔር ኣብ
ልዑል ቦታ ተቐሚጡ ረኣኽዎ ሕድሕዶም 6 ክንፊ
ዘለዎም ሱራፌል መላእኽቲ ኣብ ዙርይኡ ኮይኖም
ብዘይ ምቁራፅ እንተመስግንዎ ረኣኹ'' ይብል፡፡
ሱራፌል ካብ መላእኽቲ ነገድ ሓደ ኮይኖም ከመይ ገይሮም
ንእግዚኣብሔር ከም ዘመስግንዎ ንነብይ ኢሳይያስ
ኣርእይዎ እዩ። ነብይ ኢሳይያስ እዚ ራእይ ዝረኣየ ገና
ንነብይነት ኣገልግሎት እንተይተፀውዐ ነይሩ፡፡
ብመንፈስ ኣምላኽ እናተመርሐ ነብይ
መፃእያት ወይ ከዓ ንዝመፅእ ኩነታት ንእስራኤል ክናገርን ቃል ኣምላኽ ከስምዕን እግዚኣብሔር እንተይፀወዖ( ቅድሚ ምፅውዑ ) ኣንደበቱ ክናገር ዘይኽእል ኮልታፍ፣ ከንፈሩ ብለምፂ ዝተጠቕዐ ነይሩ፡፡
እግዚኣብሔር ነዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እዚ ምስ
ሓረዮ ግን ዘይናገርን ብለምፂ ዝሓመመን ኣንደበቱን
ምእንቲ ከሕውዮ ካብ ሱራፌል ሓደ መልኣኽ ሰደደለይ
ይብል። እዚ ባዕሉ ነብይ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢት
መፅሓፉ ከምዚ ብምባል ተናጊርዎ ይርከብ፡፡
"ወተፈነወ ሀቤየ ፩ዱ እም ሱራፌል ውስተ እዴሁ ፍሕም
ዘነሥኣ በጉጠት እምሥዋዕ ወአልከፈኒ ከናፍርየ
ወይቤለኒ ናሁ አልከፍኩከ ከናፍሪከ ዘንተ ወአእተትኩ
ሃጢኣትከ ወአበሳከ”
ካብ ሱራፌል ሓደ መልኣኽ እናበረረ መፂኡ ብለምፂ ዝሓመመ ኣንደበተይ ብኢዱ ብጉጠት ፍሕሚ ሒዙ መፂኡ ኣፈይ ዳህሰሰኒ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ በለኒ።” ኢሉ እቲ ካብ ሱራፌል ዝኾነ መልኣኸ ብለምፂ ዝሓመመ ከንፈሩ ኣሕውዩ ቃል ኣምላኽ ክናገር ዝገበሮ ምዃኑ ይገልፅ፡፡ ኢሳ 6፣6-8
ናይ እግዚኣብሔር ዓላማ ኢሳይያስ ሓውዩ ቃሉ ኣብ
ማእኸል ህዝቢ ምእንቲ ክናገር ስለዝኾነ ኣብ ላዕላይ
ከምዝተብሃለ ብመልኣኹ ምስ ኣሕወዮ እግዚኣብሔር
ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ተናገረ፡፡ ንሱ እውን መን እዩ?
ዝለኣኸለይ መን እዩ ዝከደለይ? ኢሉ እንትናገር
ኢሳይያስ ሰምዐ ብሙሉእ ተኣዛዛይነት ከዓ እኒሀኹኻ
ንዓይ ለኣኸኒ ብምባል ናይ እግዚአብሔር መፀዋዕታ
ተቐቢሉ ፍቃደኛ ምስኮነ "እምበኣርከስ ናብቲ ህዝቢ
ኪድ እሞ ትሰምዑ ኣለኹም ግን ኣይተስተውዕሉን፣ ምርኣይስ ትሪኡ ኣለኹም ግን ኣይትምልከቱን” ኢልካ ተናገር ኢሉ ኣምላኽ ልኢኽዎ እዩ። ት.ኢሳ 6፣8-9 ዘሎ ንመልከት።
ሓደ ሓደ ሰባት መላእኽቲ ክንፊ ከምዘለዎም ገይሮም
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ይስእልዎም እምበር መላእኸቲ
ክንፊ ዘለዎም ምዃኑ መፅሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ የለን
ኢሎም ዝዛረቡ አለዉ" ምኽንያቱ ገብርኤል እናበረረ
ናባይ መፀ ዝብል ናይ ነብይ ዳንኤል ቃል ምብራር
ዝብል ብክንፊ ጥራሕ ኣይኮነን ብኻሊእ እውን ክብረር
ይከኣል እዩ ዝብል /አመክነዮ/ምኽንያት የቕርቡ፡፡
ትንቢተ ዳንኤል ምዕ 9፣21 ብምጥቃስ።
ነገር ግና ቅዱሳን መላእኸቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ
ንሰባት እንትግለፁ መልክዖም ከም ሰብ መልክዕ ኮይኑ
ብተወሳኺ ከዓ ክንፊ ዘለዎም ኮይኖም ነቶም
ዝተገለፁሎም ሰባት ተራእዮምዎም እዮም፡፡
ዳን 9፣21፣ ኢሳ 6፣2 ክንፊ ዘለዎም ገይርኻ ኣብ ቤተ
ክርስቲያን ምስኣል መፅሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዘለዎ
እዩ፡፡ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ ስእሊ ዝስእሉ ሰባት ናይታ ቤተክርስቲያን ትውፊትን መሰረታዊ ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ተረዲኦም ዝስእሉ እምበር ብሃበ ተረኸበ ካብ ባዶ/ዜሮ/ ተላዒሎም ኣይኮኑን፡፡
ቅድም ኢሉ ከምዝተጠቐሰ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝሃቦ ፅላት መሕደሪ ስርሐላ እንትብሎ እቲ ዝስራሕ መንበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን 'መንበረ ታቦት' ተባሂሉ ይፅዋዕ። ከመይ ገይሩ ክሰርሖ ከምዝግባእ ኩሉ መምርሒ ምስ ሃቦ ኣብቲ ስርሓዮ ዝበሎ ናይ ጽላት መሕደሪ ብክልተ ገፁ ኪሩቤል ምስ ኣኽናፎም ወይ ምስ ክንፎም ሰአለሉ ኢሉ ከምዝተናገሮ መፅሓፍ ቅዱስ መረዳእታና እዩ፡፡ ዘፀአት 25፣20 ንመልከት
እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ናይ ኣምላኽ
መንበር ከመይ ከምዘገልግሉ ንምዝኽኻር ቤተ
ክርስቲያን ኩሉ ጊዜ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ "እሉ ኪሩቤል
ወሱራፌል የዓርጉ ሎቱ ጸሎት እንዘ ይብሉ ቅዱስ ቅዱስ
ቅዱስ” ኪሩቤልን ሱራፌልን ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
እናበሉ ጸሎት ናብ እግዚኣብሔር የብፅሑ እናበለት
ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ጊዜ ኣብ ናይ ቅዳሴ ጸሎታ
እትገልፆ እዩ፡፡ ናይ ዞም ነገዳት ሕድሕዶም መራሕቲ
ኣለውዎም።ንሳቶም ድማ ሊቃነ መላእኽቲ ይበሃሉ።
ንሳቶም እውን ካብዚ ንታሕቲ ቀፂልና ክነሪኦም ኢና።

ናይ መላእኽቲ ኣሕሉቕ;-
መላእኽቲ ኣሕሉቕ ከም ዘለውዎም ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ
ተገሊፁ እዩ፡ ዳን 12፡-12-21፣ ራዕይ 12፡-7፣ ይሁዳ
9 ንመልከት፡ እቶም መራሕቲ ወይም ኣሕሉቕ ዝበሃሉ
ሽውዓተ እንትኾኑ ናይ ሕድሕዶም ስም ካብዚ ንታሕቲ
ንርኣዮም፡፡
1. ቅዱስ ሚካኤል
ማለት ከም እግዚኣብሔር ዝበለ ማንም የለን ዝብል
ትርጉም ኣለዎ ፡ ብናይ ዕብራይስጥ ቋንቋ ሚ ማለት
መኑ(መን) ካ ማለት ከመ (ከም) ኤል ማለት(ኣምላኽ)
ማለት እንትኸውን ኣብ መጀመርያ ኣብ ዓለመ
መላእኽቲ ንዲያብሎስ ተዋጊኡ ዘሽነፈ ኣብ ልዕሊ
ኩሎም መላእኽቲ ሓለቓ ክኸውን ብእግዚኣብሔር ስልጣን
ዝተውሃቦ ቅዱስ መልአኽ ሚካኤል እዩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ናይ መጀመርያ እስራኤል ዘስጋ ሓላዊ ዝኾነ ዘፀኣት 23፣2ዐ ንእስራኤል ዘነፍስ ክርስቲያን እውን ዝሕሉመልኣክ እዩ፡፡
ናይ ሸውዓቲኦም ሊቃነ መላእክቲ ስም ዝርዝሮም እንትቕመጥ ብቅድሚት ወይም ብመጀመርያ ጊዜ ይዕዋዕ፡፡
2. ቅዱስ ገብኤል
ገብርኤል ማለት እግዚእ ወገብር ማለት እዩ ማለት
እውን ሰብን ኣምላኽን ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ብተወሳኺ ኣብሳሬ ትስብእት ዘሓጉስ ዜና ተናጋሪ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ዘበሰረ እናተብሃለ እውን ይፅዋዕ።
ብፍላይ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽን ንዘካርያስ ካህንን ብስራት ዝተናገረ እዩ፡፡
3. ቅዱስ ሩፋኤል
ሩፋኤል ማለት እግዚኣብሔር መሓሪ ማለት እዩ፡፡
ካብቶም ሸውዓተ ሊቃነ መላእኸቲ ሓደ ኮይኑ ዓይኑ
ዕዉር ዝነበረ ጦቢት ካብ እግዚኣብሔር ተላኢኹ
ዘሕወዮ እዩ ፡ ካብቶም ሽውዓተ ናይ መላእኸቲ ኣሕሉቕ
ወይም ሊቃነ መላእኽቲ መበል ሳልሳይ ዝፅዋዕ ምዃኑ
ይፍለጥ፡፡ ጦቢት 12፡-15
4. ቅዱስ ኡራኤል
ኡራኤል ማለት እግዚኣብሔር ብርሃነይ እዩ ዝብል
ትርጉም ኣለዎ ንዕዝራ ሱቱኤል ናይ ህይወት ፅዋዕ
ዘስተዮ እንትኸውን ብተወሳኺ እውን ኣብ ልዕሊ
መብረቕን ነጐድጓድን ዝተሾመ ወይም ስልጣን ዘለዎ
ብተወሳኺ ናይ ሰማያት ምስጢር ንሄኖክ ከም ዝገለፀሉ
ዝፍለጥ መልኣኽ እዩ፡፡ ናይ ሄኖክ መፅሓፍ ኣብ
ዓድና ጥራሕ ዝርከብ ብሕታዊ መፅሓፍ እዩ፡፡
5. ኣፍኒን
6. ፋኑኤል
7. ራጉኤል እዚኣቶም ሽውዓቲኦም ናይ መላእክቲ
ኣሕሉቕ ወይም ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ
እናተብሃሉ ይፅውዑ፡፡

ናትና ኣገልግሎትን ናይ መላእኽቲ ኣገልግሎትን ኣፈላላዩ ናትና ምስጋና ምስ ዘለና ድኹም ሥጋ ዘቋርፅ እንትኸውን ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ምሥጋና ግና ኩሉ ጊዜ ብዘይ ዕረፍቲ 24 ሰዓት እዩ።
እግረ መንገድና ክንፈልጦ ዝግበአና ቅውም ነገር እግዚአብሔር ክምሕር ; ክረድእ ብተፃራሪ ኸዓ ከጥፍእ እንተደልዩ ናይ ማንም ፍጡር ሓገዝ ወይ ከዓ ረድኤት ዘየድልዮ ከሃሌ ኩሉ (ኤልሻዳይ) ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።እዙይ እናሃለወ ንቅዱሳን ናይ ምልማን ሓይሊ ሂቡ ንዝድሕኑ ዝተፈላለዩ ተኣምራት ክገብሩ ናታቶም ልመና ሰሚዑ በኣኣቶም ኣቢሉ ድሕነቱን በረከቱን ክዕድል፤ብተወሳኺ እውን መደነቒ ዝኾነ ተኣምራቱ ብቅዱሳኑ ኣቢሉ ክገልፅ ብፍቓዱ እምበር ሓይሊ ስኢኑ ንኽሕግዝዎ ወይ ከዓ ንኽተሓባበርዎ ኣይኮነን።

ስብሐት ለዘፈጠረ ኪያነ!🙏

ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

ናይ ዓቢይ ጾም 2ይቲ ሰንበት 'ቅድስት'
03/18/2024

ናይ ዓቢይ ጾም 2ይቲ ሰንበት 'ቅድስት'

ዝተፈላለዩ  ልብሰ ተክህኖንን ካልኦት ተዘርዚሮም ዘለዉ ንዋያተ ቅድሳትን ካብ ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ  ብምግዛእ ማሕበርና ነዕብይ።፩.መጽሐፍ ቅዱስ፪.ሥርዓተ ቤተ ክር...
03/15/2024

ዝተፈላለዩ ልብሰ ተክህኖንን ካልኦት ተዘርዚሮም ዘለዉ ንዋያተ ቅድሳትን ካብ ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ ብምግዛእ ማሕበርና ነዕብይ።
፩.መጽሐፍ ቅዱስ
፪.ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን
፫.ሰዓታት(ግእዝ)
፬.አዕማደ ምስጢር
፭.መዝሙረ ዳዊት
፮.መዝገበ ጸሎት
፯.ሸዉዓቲኦም ምሽጥራተ ቤ/ክርስትያን
፰.ውዳሴ ማርያም
፱.ትምህርት ሃይማኖት
፲.መዝገበ ሃይማኖት
፲፩.ጸሎት ሃይማኖት
፲፪.ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ስእልታት
፲፫.ማዕተብ
፲፬.መድገሚ
፲፭.ነፀላ (ናይ ዓበይቲ፣ማእኸለዎት፣ህፃናት)
፲፮.ዕጣን
፲፯.ዘቢብ
፲፰.መጽሐፈ ቅዳሴ
፲፱.ገድለ አቡነ እስጢፋኖስ
፳.ልብሰ ተክህኖ / ናይ ቀዳሲያን ክዳን
፳፩.ናይ ካህናት መርጌታታት ካባ
፳፪.ናይ መርዑት አልባሳት
፳፫.ሥርዓተ ቅዳሴ
፳፬.ወንጌል ቅዱስ
፳፭.ገድለ አቡነ ሰላማ
፳፮.ጸናጽል (ብሩር፣ብሪ፣ወርቂ) ዝተቐብአ
፳፯.መቖምያ/መደገፊ
፳፰.ፍትሐ ነገሥት
፳፱.ሙሉእ ስንክሳር
፴.ተአምረ ማርያም
፴፩.ተአምረ ኢየሱስ
፴፪.ግጻዌ
፴፫.መጽሐፈ ተክሊል
፴፬.ዜና ቅዱስ ያሬድ
፴፭.መጎናጸፊያ
፴፮.ማኅፈድ
፴፯.ፅላል
፴፰.ናይ ጵርስፎራ ማህተም
፴፱.ሃይማኖተ አበው
፵.ናይ ዕንጨቲ መስቀል (ናይ ማዕተብ፣ናይ ኢድ፣ዕርፈ መስቀል)
፵፩.ናይ ሓፂን መስቀል (ብሩር፣ብሪ፣ወርቂ) ዝተለኸየ
፵፪.ናይ ሰንበት ተምሃሮ ልብሲ/ክዳን ምስ ኣክሊሉ
፵፫.መጽሐፈ ግንዘት
፵፬.ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያምን ኣንድምታ ብልሳነ ትግራይ
፵፭.ናይ ኢየሩሳሌም ዕጣን
፵፮.ሥርዓተ ቤተክርስቲያን (ብሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ)
፵፯.ሠለስቱ ድርሳናን (ሚካኤል፣ገብርኤል፣ሩፋኤል)
፵፰.መጽሐፈ ግብረ ሕማማት
፵፱.መጽሐፈ ቀሌሚንጦስ
፵.መጽሐፈ ጽዮን
፶፩.ዲድስቅልያ
፶፪.መጽሐፈ ኪዳን ቀዳማዊ
፶፫.መጽሐፈ ኪዳን ካልዕ
፶፭.አብጥሊስ
፶፮.መጽሐፈ ትእዛዝ
፶፯.መጵሐፈ ግጽው
፶፰.ማዕጠንት
፶፱.ከበሮ
፷.በገና
፷፩.ክራር
፷፪.ሽምዓን
፷፫.መጋረጃ
፷፬.ምንፃፍ
፷፭.መንበረ ታቦትን ካልኦትን ይርከቡ።

ቤት ጽሕፈት;-ኣዲስ ኣበባ 22 ድሕሪ ጎላጉል....

ስልኪ ቑፅርታት;-
+19452173479 (Whatsapp)
ናይ መስመር ስልኪ ቑፅርታት
+251935278996
+251946469618
+251911289356

email- [email protected]

facebook;- https://www.facebook.com/mkyzott
F
Group;-https://facebook.com/groups/219615362648812/?ref=share

Telegram;-https://t.me/+pw38sxKvWB9lNDY0

ዋትስአፕ;-

ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን;-

https://chat.whatsapp.com/HRQW97wXOi37KnFOghs0YB

ክፍሊ መዝሙር;-

https://chat.whatsapp.com/ItxPYbDpWFT91Em05HVP82

ክፍሊ ኣባላት ጉዳይ;-

https://chat.whatsapp.com/IfQ3vW7fC2d3bVVfjQhZ0V

ክፍሊ ንሰሃ

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ክፍሊ ገባሬ ሠናይ

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ክፍሊ ገዳማትን ፈለገ ሕይወትን

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ንዋያተ ቅዱሳን ዝርከበሉ

https://chat.whatsapp.com/JNWYH5Y6fFIEIVoa41yiXG

ክፍሊ መፅናዕትን ምርምርን

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

ስነዳ ታሪኽ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ወገናትና ብሥዕሊ።ሓደ ወናም ሓውና ኣብ ዋልድባ ፣ ደብረ ዓባይ ፣ ኣኽሱም ጽዮን ፣ ማኅበረ ዴጎ ፣ ማርያም ደንገላት ፣ ደብረ ዳሞን ካልኦትን ብግፍዒ ንዝተጨፍ...
03/15/2024

ስነዳ ታሪኽ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ወገናትና ብሥዕሊ።

ሓደ ወናም ሓውና ኣብ ዋልድባ ፣ ደብረ ዓባይ ፣ ኣኽሱም ጽዮን ፣ ማኅበረ ዴጎ ፣ ማርያም ደንገላት ፣ ደብረ ዳሞን ካልኦትን ብግፍዒ ንዝተጨፍጨፉ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን መዘከሪ ዝኸውን 1.50M × 1.00M ናይ ኢድ ስእሊ ን ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ ኣበርኪቱልና ኣሎ።
ኢድ ይባርኽ ወገናትና ኣብ ሕቑፊ ኣብርሃም ይስሐቅ ያዕቆብ የንብረልና።

''ኩኑ እንከ ከም ብእሲ ጠቢብ..'' ቅዱስ ያሬድማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ
03/13/2024

''ኩኑ እንከ ከም ብእሲ ጠቢብ..'' ቅዱስ ያሬድ
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

03/12/2024

ስለ ጾም ብንቡረእድ በላይ መረሰ።

ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ገምጋም ከይዲ ዘተ ሰላም!1. ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢ/ያን ህወሓትን ዘከራኽር ወይ ዘሰሓሕብ ወሰን የለን። ክህሉ እውን ኣይ-ይኽእልን። ምኽንያቱ: ብሕገ መንግስቲ ...
03/11/2024

ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ገምጋም ከይዲ ዘተ ሰላም!

1. ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢ/ያን ህወሓትን ዘከራኽር ወይ ዘሰሓሕብ ወሰን የለን። ክህሉ እውን ኣይ-ይኽእልን። ምኽንያቱ: ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ መንግስቲ ፌደራል ዘመሓድሮ ክልል ኰነ መሬት የብሉን። ኣብ መንጎ ክልላት ናይ ወሰን ይግበአኒ ክህሉ ይኽእል። ዝፍተሐሉ ስርዓት ድማ ብሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ብግልፂ ተቐሚጡ እዩ።

2. መንግስቲ ፌደራል ንክልላት ብማዕረ ናይ ምርአይን ኣድልዎ ናይ ዘይምግባርን ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ መሰረታዊ ናይ ፌደራሊዝም ፅንሰ ሓሳብ እዩ።

3. እቲ ኲናት ብወገን መንግስቲ ፌዴራል "ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር እዩ" ተባሂሉ እንዳሃለወ: ናይ ግዝኣት ወይ ወሰን ክርክር መልክዕ ምሓዙ: ፌደራል መንግስቲ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንህዝቢ ኢ/ያን ዘዝንትዎ ዝነበረ ዝጋጮ እዩ። ዓብዪ ሸፈጥን ምትላልን እውን እዩ።

4. ህወሓት ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሃለዋትን ግዝኣትን ትግራይ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሎምን። እንተወሲኖም እውን ውፅኢት ኣልቦ (void) እዩ።

5. ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ብቐንዱ ናይ እቶም ተመዛበልቲ ውሳነ ኮይኑ ከም ህወሓት ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር፥ ተመዛበልቲ ንሂወቶምን ድሕንነቶምን ውሕስ ናብ ዘይኮነ ከባዊ ክምለሱ ምድፋእ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣንፃር ሰብኣውነትን እዩ።

6. ብፌደራል መንግስቲ ዝቖመ፥ ናብ ፌደራል መንግስቲ ዝፅዋዕ ኣብ ዝኾነ እዋን ብፌደራል መንግስቲ ክቕየር ዝኽእል ኣካል ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: መላእ ትግራይ ከመሓድር ኣይንፈቅድን መሰሓሓቢ ቦታ እዩ እንተይሉ ፊደራል መንግስቲ፥ መልሳ ሓፃር እያ። ህወሓት ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም 'ዚ ዓይነት ፀረ ሕገ መንግስትን ፀረ ህዝብን ድርድር ኣይንቕበልን። ሰልማዊን ሕጋውን ቓልሲ ክንቕፅልን ኢና። መሊስና ናብ ውግእ ክንኣቱው ኣይንደለን፡ ዝሓለፈ ይኣክል ... ኢልካ ዓድኻ ምምላስ እያ።

7. ስግግር ፍትሒ ዝምልከት: እቲ ከይዲ ካብ መፈለምትኡ ክሳብ ሕዚ ዘለዎ ከይዲ ኣሳታፋይነት፥ ገለልተኝነት፥ ሓቛፋይነት ወዘተ ስለ ዝጎድሎ: ዓለም ለኻዊ ባእታ ተወሲኽዎ፣ ዝምልከቶ ኩሉ ብዘሳተፈ ደጊምካ ይሰራሕ።

8. ብሓፈሻ ትግራይ ብኹሉ መዳይ ቅድሚ ኲናት (Status qou ante) ትመለስ፣ ሰላም ነውርድ ... ኢልካ ዝለዓለ ሞራልን ስነ ልቦና ወኒንካ ወጢርካ ምሕዝ እያ።

Mekonnen Fisseha

Address

Texas City, TX

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሃገረ ትግራይ ሚዲያ MHT posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ሃገረ ትግራይ ሚዲያ MHT:

Videos

Share


Other Broadcasting & media production in Texas City

Show All