RAEI MEDIA ራእይ ሚድያ

RAEI MEDIA ራእይ ሚድያ እዋናዊ ሓበሬታትን ትንታነታትን ዝቐርበሉ ደምበ ዜናን መደባ?

09/28/2022

ህግደፍ ይጃፍዕ ዩ ዘሎ ከም ሽንጎርቲ ::

09/21/2022

ትማሊ ኣብ ዝነበረኒ መደብ ምስ ሓወይ ኣብርሃምን ስይፈን ላይቭ ብርክተ ዝበሉ ስማዕቲ ነይሮም ብዝገጠመኒ ቴክኒካዊ ፀገም ስለ ዝተቆረፀኒ ይቅርታ ንሓትት ንስማዕትና ን ንዕድል ዝሃብክኩም ተቓለስቲ ተጋሩን ::

04/21/2022

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ጥምየት ብውሕዱ 1900 ህጻናት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ ትርከብ ትግራይ ህፃናት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ ኣሎ።

ኣሶሼትድ ፕረስ ካብ ሓደ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓኪም ረኺበዮ ኢሉ ኣብ ዝዘርገሖ፡ ሓበሬታ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 1900 ህጻናት ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ጸብጺቡ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ፡ ሰብ ሞያ ሕክምንስ ከምዝገለጽዎ፡ ቁጽሪ ሞት ህጻናት ካብቲ ዝተገለጸ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻብ AP ኣረዲኡ።

እቶም ብሰንኪ ጥምየትን ሰኣን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ዝሞቱ ህጻናት ትሕቲ 5 ዝዕድሜኦም ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 115 ሽሕ ህጻናት ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ኣብ ኣፍደገ ሞት ይርከቡ።

ልዕሊ 91 ምኢታዊ ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ዕለታዊ ዜና ራእይ 👉 ህወሓት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈጸሞ ድኹም መሪሕነት ክሕተት ኣለዎ ተባሂሉ፡። 👉 መሬት ሑመራ ን ጀነራላት ኤርትራን መንእሰያት ጐንደርን ይዕዳል ኣሎ።👉 ሰራዊት ትግራይ ካ...
04/20/2022

ዕለታዊ ዜና ራእይ

👉 ህወሓት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈጸሞ ድኹም መሪሕነት ክሕተት ኣለዎ ተባሂሉ፡።

👉 መሬት ሑመራ ን ጀነራላት ኤርትራን መንእሰያት ጐንደርን ይዕዳል ኣሎ።

👉 ሰራዊት ትግራይ ካብ ኣብዓላን ከምዘንሰሓቡ ተፈሊጡ።

👉 ኣዜብ መስፍን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸት ተፈሊጡ።

https://youtu.be/cU3Xfy9iaTg

ዜና ራእይ

04/13/2022

ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዓፋርን ኣምሓራን ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ኲናት ክገብራ ይሸባሸብ ምህላዉ ተገሊጹ።

ህግደፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝጽመደሉ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ የንጸላሉ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።

ህግደፍ ምስ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘደላድሎ ዘሎ ሽርክነት፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ነቲ ሻቕሎት ንምፍዃስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ስለያ ህግደፍ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየዱ መገሻታት ፍረ ከምዘይተረኽቦም የረድኡ።

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኽካየዱ ዝወርሑ መገሻታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘተ ሰላም ንምዕዋት ዝኽተሎም ዘሎ ህዉኻት ኣካይዳታት ቀይዲ ክገብረሎም፡ ንመሪሕነትን ሓይልታትን ትግራይ ዘርእዮ ዘሎ እወታዊ ቅሩብነት ደዉ ከብልን ካልእን ዝብሉ ቅድመ-ኩነታዊ ጠለባት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንምብጻሕን እዋናዊ መርገጺታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምጽላዉን ዝዓለሙ'ዮም ነይሮም።

ህግደፍ፣ ካብ ኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተኸወሉ ቀጸልቲ ርክባት ምስ ሓይልታትን ሰብ-መዝን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን የቃንዕ ምህላዉ'ዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ ፌደራል ምስ መንግስቲ ትግራይ ክላዘብ'የ ድሕሪ ምባሉ፡ ክዝሕትል ዝጸንሐ ዝምድና ህግደፍን መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ’ዚ ግዜ ናብ ንቡር ንኽምለስ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንሓይልታት ኣምሓራን ዓፋርን ኣላፊኑ ዘተርንዖ ዘሎ ስግኣት ንምብዳህ ክሳብ ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓያለ ሕድገታት ዝሓቚፉ ጽምዶታት እንዳፈተነ ክጽጋዕን፡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝመጽኡ ጠለባት ብዘይቅድመ ኲነት ከማልእን ይርአ ምህላዉ የገንዝቡ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ናብ ከተማ ሰመራ ናይ ክልል ዓፋርን ናብ ከተማ ጎንደር ናይ ክልል ኣምሓራን ብምስጢር ይመላለሱ፣ ብፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠሊምና ኢና ንዝብል ርድኢት ናይ ሓይልታት እተን ክልተ ክልላት ንምሕያል ድማ ጽዑቕ ጐስጓስ የካይዱ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እተን ክልላት ካብ ቊጽጽርን ተማእዛዝነትን ፈደራላዊ መንግስቲ ቀጻሊ የርሕቓ ብምህላወን፣ ንህግደፍ ኣሚነን ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሓድሽ ኲናት ክሽመማ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ የተሓሳስቡ።

ኣብ ሞንጎ እተን ክልላትን ፈደራላዊ መንግስቲን ዝዉላዕ ሓድሽ ኲናት፣ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ኲናት ከምዝኸዉን እዉን እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ምስ ሱልጣን ራሓይታ ዓፋር ኤርትራ ዓብዱልቃዲር ዳኡድ ብምዃን ናብ ከተማ ሰመራ ናይ ክልል ዓፋር ከምዝበጽሑ፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲን ሰብስልጣንን እታ ክልል ብምርኻብ ድማ ፡ ሓይልታት ዓፋር ካብ ህግደፍ ኪረኽብዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ወተሃደራዊን ሎጂስቲካዊን ሓገዛት ከምእተዘራረቡ ተሓቢሩ እዩ።

ብዘይካ’ዚ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ቊጠባዊን ሎጂስቲካዊን ጸቕጥታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገላጊሎም ምስኡ ንኽዉግኑ ብተግባር ይዋሳእ ከምዘሎ ይፈልጥ።

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ======================መንግስቲ ትግራይ ካብ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ኣድለይ ዘበለ ኩ...
04/13/2022

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
======================

መንግስቲ ትግራይ ካብ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ኣድለይ ዘበለ ኩሉ ገይሩ እዩ። ዓለም ለኸ ማሕብረሰብ እውን ነቲ ተግባር መንግስቲ ትግራይ ይከታተሎ ነይሩ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ዘተ ሰላም ንምስላጥ ብፍላይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ብዘለዎ ኣድላይነትን ረብሓን 04 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዓፋር ተቖፃፂርዎ ካብ ዝነበረ ኢሬፕቲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቦታ ሓይልና ክለዓል ተገይሩ ኣሎ።
እዚ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ደዉ ምባል ተፃብኦ ተኸቢሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ክኣቱ ተወሳኺ ናይ ባዕሉ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝካኣሎ እናገበረ ምዃኑ ዘረጋገፅ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ተፈጢሩ ብዘሎ ምቹው ኩነታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ብዝድለ መጠን ዓይነትን ብዘይውዓል ሕደር ክኣቱ ይግባእ። እንተዘየለ መንግስቲ ትግራይ ብስም ጊዝያዊ ደዉ ምባል ተፃብኦ ክባን ዕፅዋን ክቕፅል ከምዘይፈቅድ የፍልጥ።

ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ክባን ዕፅዋን ክኽፈት፣ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ስራሕ ክጅምሩ ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።

ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ

4 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም
መቐለ

እዋናዊ መግለጺ መንግስቲ ትግራይ
04/07/2022

እዋናዊ መግለጺ መንግስቲ ትግራይ

04/06/2022

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተወለዐ ቅሉዕ ኲናት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰላማውያን ሰባት ገበናት ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ከምዝተፈፀሙ ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋጊፆም

መርበብ ሓበሬታ ሜይል ኦን ላይን ንሓዱሽ ፀብፃብ ትካላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኣወጅዎ ቅሉዕ ወራር ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ገበናት ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ፈፂሞም እዮም ክብል ፀብፂቡ።

ንፁሃን ሰላማውያን ሰባት ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብመንነቶም ጥራሕ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ማእሰርትን፣ ቕትለትን ፆታዊ ዓመፅን ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ካብ መረበቶም ብሓይሊ ክወፁን ክስደዱን ተገይሮም ዝበለ እቲ ፀብፃብ በዚ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ጭቡጥ ዝኾነ ምፅራይ ዓሌት (ethnic cleansing) ከምዝተፈፀመን ይፍፀም ከምዘሎን ኣረጋጊፁ።

እቲ ዝተዋደደን ገበን ኣንፃር ተጋሩ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዓለምለኻዊ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ምዃኑ እኹል መረጋገፂ ኣሎ ዝበሉ እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናይዚ መርኣያ ድማ ካብዚ ገፀ መሬት ክነጥፍኣኩም ኢና ዝበሉ ቓላት ከይተረፈ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀሙን ዝፍፀሙ ዘለውን ገበናት ጀኖሳይድ ሓይልታት ፀጥታ ፌደራል እውን ብዝበለፀ ዝተሳተፍሉ እዩ ዝበለ እቲ ፀብፃብ ብዜካ እዚ ነቲ ከባቢ ብሓይሊ ተቖፃፂሮም ብዘለዉ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራ ዝተሸሙ ሓደሽቲ ምምሕዳራት እውን ከይተረፈ ብዝለዓለ መልክዑ ይሳተፍሉ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይልታት ብሓይልን ብጉጅለን ፆታዊ ዓመፅ ይጥቀሙ፣ ገደብ ምንቅስቓስ ይገብሩ ዝበሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ብፍላይ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ሃፍትን ንብረትን ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከምዘዕነዎን ከምዝጓሓልዎን ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብርክት ዝበሉ ጅምላዊ ቕትለት ዝተፈፀመሎም ቦታታት፣ ኣብያተ ማእሰርትን ካልኦት ከበድቲ ገበናት ዝፍፀመሎም ቦታታትን ከምዘለዉ ዘረጋገፁ እቶም ትካላት ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ዓለምለኻዊ ገበናት ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ልዑል ቖላሕታ ሂቡ ዓለምለኻዊ ምርመራ ከካይድ ድማ ሓቲቶም ኣለዉ።

03/31/2022

ዲያስፓራ ትግራይ ብዘካየድኩሞ ዘይሕለል ቃልሲ፣ ፖለቲካውን ድፕሎማስያውን ዓወታት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ዳያስፖራ ትግራይን ካልኦት ደገፍትን፣ ድምፂ ዝተዓፈነ ህዝብኹምን ዓዱኹምን ኮይንኩም፣ ብዙሓት ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ብድሆታት ተፃዋርኩም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፣ ማሕረሰብ ዓለምን መንግስታትን ከምኡ'ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባት ክፈልጥዎን፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ፈፀምቲ ጀኖሳይድ ድፕሎማስያዊን ፖለቲካዊን ፀቕጢ ክገብሩን ብዘይዕረፍቲ ብምስራሕ፣ ሙሉእ ዓለም ዘስደመመ ተጋድሎ ኣካይድኩም ኢኹም። ...ዛጊድ ብዘርኣኹሞ ፅንዓትን ዝፈፀምኩሞ መስተንክራዊ ቅያን ዝፈጠረልና ተወሳኺ ጉልበትን ዝስመዐና ሓበንን ልዑል ምዃኑ ክገልፀልኩም ይፈቱ። ብዘርኣኹሞ መዳርግቲ ኣልቦ ህዝባዊነት ድማ ክትምስገኑ ይግባእ።

ብዘካየድኩሞ ዘይሕለል ቃልሲ፣ ፖለቲካውን ድፕሎማስያውን ዓወታት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና። እዚ ዘረጋግፆ ሓቂ፣ ህዝባዊ ዕላማ ንምዕዋት፥ ሓድነትና ምድልዳልን ውዳበታትና ምስጣምን ቁልፊ ናብ ዓወት ዝወስዱ መንገዲታት ምዃኖምን፣ ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብብሄራዊ ክብሩን መንነቱን ንፃት'ውን እንተኾነ ከምዘይዋገን ዘረጋግፅ'ዩ። ዘካየድኩሞ ቃልስን ዝፈፀምኩሞ ቅያን ድማ፣ ኣብ ታሪኽ ምዕራፋት ቃልሲና ኣዝዩ ልዑል ቦታ ዝወሃቦን እናተዘከረ ዝነብርን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕዚ'ውን ዝተሓንገጥኩሞ ህዝባዊ ኣጀንዳ ንምዕዋት ሓድነትኩምን ውዳበታትኩምን ኣስጢምኩም መርሹ!!

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ትግራይ ትስዕር!

ሰላም!

03/29/2022

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝብና ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክበፅሕ ካብ መጋቢት 15/ 2014 ዓ.ም. ምሸት ጀሚሩ ጊዝያዊ ደው ምባል ተፃብኦ ክትግበር መንግስቲ ትግራይ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ ዓይነት፥ መጠንን ጊዜን ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣድላይ ምትሕብባር ከምዝገብር መንግስቲ ትግራይ ዕላዊ ገይሩ እዩ። እንተኾነ ካብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ የለን።

ይኹን ድኣምበር ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ሓገዝ ተጠናኺሩ ናብ ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎ ወግሐ ፀብሐ ብሚድያታቶም እናጋውሑ ይርከቡ። እዚ ናይ ሓሶት ወረ ኣብ ዓድን ወፃእን ዘሎ ህዝብን፥ ብቐንዱ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝዝርጋሕ ከምዘሎ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት ክፈልጡዎ ይግባእ። ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ምእታውን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሓዋዊስካ ምቕራብ ፈፂሙ ኣይግባእን።

ስለዝኾነ’ውን መንግስቲ ትግራይ ብዝተበፅሐ ስምምዕ መሰረት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ
ብዘይውዓል ሕደር ብተግባር ክኣቱ፥ ዘይኣተወ ሓገዝ ኣትዩ እናበልካ ዝሓልፍ መደናገሪ መልእኽትታት ደው ክብል፥ ናይ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ናይ ቃላት ፀወታ ይኣክል ኢሉ፥ ብዝተበፅሐ ስምምዕ መሰረት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምቁራፅ ክኣቱ ዝግባእ ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።

ኣብ መወዳእታ ሕዚ እውን መንግስቲ ትግራይ፥ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር ንህዝቢ ትግራይን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ደጊሙ ብኽብሪ ይገልፅ።

ትግራይ ትስዕር!

መንግስቲ ትግራይ
19 መጋቢት 2014 ዓ/ም
መቐለ

03/27/2022

"ኣብቲ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት 'መሰል ርእሰ ውሳነና' ናብ ድርድር ክቐርብ ፍፁም ኣይንፈቅድን!
ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ብዘረጋገፆ መሰል ተጠቒሙ ብሪፈረንደሙ ኣቢሉ መፃኢ ዕድሉ ክውስን'ዩ፣ ኣብ ድልዱል ሰረት ክህነፅ ዘኽእሉ ዕማማት እውን ክስርሑ እዮም።

እዚ ብቃልሱ ዘረጋገፆ መሰል'ዚ፣ ናይ ልኡላዊነቱ መረጋገፂ እውን እዩ።ኣብዚ መዳይ ዝኾነ ይኹን ሕርኽራኽ ክህሉ የብሉን።"

ፕረዝደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል.

ብምኽንያት ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ዝተወሃበ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ================= ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ቀደሙ ኣብሰላም ...
03/25/2022

ብምኽንያት ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ዝተወሃበ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
=================

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ቀደሙ ኣብሰላም ዘለዎ መርገፂ ግልፂ እዩ። ፖለቲካዊ ፀገማት ብሰላም ክፍትሑ ከምዘለዉ እውን ካብ ጒሓቱ ብዘየላጢ ኣግባብ ንፈታዊን ፀላኢን ዕላዊ ገይሮም እዮም። ምኽንያቱ ሰላም ናይ ህልውና ጉዳይ ገይሮም ይኣምኑሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ተግባራዊ ንክኸውን እውን በብእዋኑ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ገይሮም እዮም። ብሓፂሩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩሉ ጊዜ ቁሩባትን ድሉዋትን ምዃኖም፥ ኣፍቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኩሎም መዳረግቲ ኣካላት ክፈልጡዎ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። ቅድሚ 17 ኣዋርሕ ከይፈተና ተገዲድና ህልውናና ንምርግጋፅ ናብ ኲናት ዝኣተና ኩሎም መማረፂታት ሰላም ብምዕፃው፥ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ተኻይዱ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ስለዝተወሰደ እዩ። ብሓፈሻ ትማሊ ይኹን ሎሚ ፈላማይ ኣማራፂና ሰላም እምበር ኲናት ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኲናት ዝተፀገመ ህዝብና ንምሕጋዝ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተልኣኸሉ ድጋፍ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክበፅሖ ዝግባእኳ እንተነበረ፣ ብምኽንያት ክባን ዕፅዋን ዝኣተወ ሓገዝ የለን። ሕዚ ግን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ ዓይነት፥ መጠንን ጊዜን ንህዝብና ክበፅሕ ዘኽእል ኩነታት እንተድኣ ተመዓራሪዩ ካብ ሎሚ ጀሚርና ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ንምባል መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ኣሎ። ንተግባራዊነቱ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብኽብሪ ይገልፅ።

03/24/2022

"ኣስታት 500ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ሂወቱ ስኢኑ "ክብል መፅናዕቲ ጌነት ዩኒቨርስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ቅሉዕ ኲናት ብጅምላዊ መቕተልትን፣ ስእነት መድሓኒትን ጥምየትን ሂወት ኣስታት 500ሽሕ ሰባት ከምዝሓለፈ ሓደ መፅናዕቲ ዕላዊ ጌሩ።

ኣብ ቤልጅየም ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ጌነት ዝርከቡ ሙሁራንን ተመራመርትን መፅናዕቲ ፀሪሑ ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈራቓን ኣብ ዝቐፀለ ቅሉዕ ወራርን ኲናትን ትግራይ ብጅምላዊ ቅትለት፤ ስእነት መድሓኒትን ጥምየትን ካብ 300ሽሕ ክሳብ 500ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም ከምዝተረጋገፀ ሓቢሩ።

መራሒ እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ፕሮፌሰር ጃን ኔይሰን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ነቶም ዝፍፀሙ ዝነበሩ ጅምላዊ ጨፍጫፋት ብቐረባ ይኸታተልዎምን ይስንድዎምን ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ብዜካ እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ከቢድ ሕፅረት መድሓኒት፣ ዕንወት ትካላት ጥዕናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጥምየትን ነቲ ቁፅሪ ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ጃን ኔይሰን ገሊፆም ክብል BBC ፀብፂቡ።

03/16/2022

ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥዕናዊ ቁልውላው ኣጋጢሙ ምህላው ውዱብ ጥዕና ዓለምኣፍሊጡ፡፡
ዓለም ኣብ ጉዳይ ደማዊ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ኣድሂባ ኣብ ዘተየሉ እዋን ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝግመቱ ኩነታት ጥዕናዊ ወገናት ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት ወዲቁ ምህላው ዋና ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣገንዚቦም፡፡

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንዝሓለፉ 500 መዓልታት ቀፂሉ ዘሎ ከቢድ ዓንኬል ዕፅዋን ክባን ብሚልዮናት ንዝግመቱ ዜጋታት ቀዛፊ ኮይኑ ቀፂሉ ከምዘሎ ብምግላፅ እዚ ሕሱመ መከራ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቃልቦ ኣይሃቦን ኢሎም፡፡

ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዋላ ሓደ ምግቢ ከምዘይኣተወ ዘብረሁ እቶም ዋና ዳይርክተር ትካሎም ብዝገበሮ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ድማ 75% ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝዓነውን ብፍላይ ድማ ኣስታት 40,000 ተጠቐምቲ መድሓኒት ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ኣብ ከቢድ ስቃይ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ልክዕ ኣነ ትግራዋይ እየ እዚ ቅልውላው ድማ ንዓይ ንስድራይን ኣዕሩኽተይን ይፀልወና እዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እንተኾነ ከም ዳይርክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም መጠን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ዝሓደሮ ኩነታት ንመዳይ ጥዕና ክኸላኸልን ግንዛበ ክፈጥርን ድማ ሰብኣውን ትካላውን ሓላፍነተይ እዩ ክብሉ ኣነፂሮም፡፡

03/16/2022

ዓለም ትኹረታ ኣብ ወራር ሩስያ ገይራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን፤ ጆኖሳይድ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ብራድ ሸርማን፣ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ፣ ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ ዓለም ትኹረታ ኣብ ወራር ሩስያ ገይራትሉ ኣብ ዘላ እዋን ህዝቢ ትግራይ ሳኣን ጠመተ ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ሓደጋ ሞትን ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

በዚ መሰረት ድማ ነዚ ቅልውላው ንምግታእ፤ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ጠመተ ክህበሉ ፀዊዖም።

03/12/2022

መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
----
ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራን ሊሂቃን ሓይሊታት ትምክሕትን ዝሳዎርዎን ዕሱባት ዕጡቓቶምን ኣዋፊሮም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ይነብሩ ኣብ ዝነበሩ ሰለማውያን ደቂ ትግራይ ብኣረሜንያዊን ባርባራዊን ኣገባብ ኣቃፂሎም ቀቲሎሞም እዮም።

እዚ ኣረሜንያዊ ቅትለት ስላማውያን ደቂ ትግራይ፣ እዞም ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካየድዎን የካይድዎን ዘለዉ ጀኖሳይድ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ተግባር ኣረሜንያዊን ባርበራዊን ግፍዒ ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራን ሊሂቃን ሓይሊታት ትምክሕትን ዝገበርዎ ጀኖሳይድ፣ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ዝጀመሮ ቓልሲ ኣሐይሎም ብምቕፃል ዕድመ ኩሎም ወረርቲ ንከሕፅሩ ዝገብር እምበር ፍፂሙ ዘሰኩን ኣይኸውንን።

ሃለዋትን ድሕንነትናን ብቕልፅምና
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ መጋቢት 2014 ዓ/ም

03/04/2022

ድሌትን ክውንነትን ከብድን ሕቖን ዝኾኖም ፀላእቲ ህዝብ ትግራይ፣ ሕዚ እውን ስለዘይደቀሱ ዝተረፉና ዕማማት ብዓወት ክሳብ ዝኽምበት ተሪርና ክንቃለስ ይግባእ ተባሂሉ።

እታ ሰላም ትበሃል ዘላ ብጉልበትና እያ መፂኣ፤ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፣ ቅድሚ ዂናት ብሰላም ብዘተ ከምእንደሊ ንዓለም ንኹሎም ኣፍሊጥና ኢና ዘየፍለጥናዮ የለን ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ፀላእትና ዝከኣሎም ፈቲኖም እዮም፤ ግና ሰራዊት ትግራይ የሻል ኣቢልዎም እዩ፤ ተመለሱ ምስተብሃለ እውን ፈቲኖም እዮም፤ ሰራዊት ትግራይ ግና እናጠሓሓኖም ከምዝመፀ ዘዘኻኸሩ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ፣ ክስዕቡ እውን ፈቲኖም እዮም፤ ግና ኣይከኣሉን፤ ወታደራዊ ዓቕሚ ስለዘይረኸቡ ብጥሩምባታት ብዙሕ ኢሎም፤ እዙይ ድሌቶም እምበር ዓቕሚ ኣየርእን ኢሎም።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ብጉልበትና ድሌትና ክንገብር ኢና ኢሎም እዮም ናብ ትግራይ መፂኦም ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፣ ሕዚ እውን እታ ድሌቶም ኣይተቐየረትን፤ ብጉልበቶም ድላዮም ክገብሩ እዮም ዝደልዩ። ንሳ ግን ስለዝፀገመቶምን ዓቕሚ ስለዝሓፀሮምን ክትኮነሎም ከምዘይከኣለት ገሊፆም።

መኸተና ክንደየናይ ሓያል ምዃኑ፣ “ለህልውናችን” ኢሎም ዝጀመርዎ ናብዚ ሕዚ ዘለዉዎ ብርኪ ኣብፂሑዎምን ሰላም ዝብሉ ዘለዉን ዓቕሚ ስኢኖምን ተገዲዶም ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን፣ ካብቲ ወታደራዊ ሓይሊ ጀሚሩ ከይዶም ከይዶም ደው ዝበሉ፣ ብኹሉ ወገን ዝገበርናዮ ክሳብ ሰሜን ሽዋ ይድምሰሱ እዮም ነይሮም፤ ሰራዊት ትግራይ ሱኽ ኢሉ ኣይኮነን ዝጉዓዝ ነይሩ፤ ንፀላእቱ እናደምሰሰን እናሓማሸሸን የሻል ከምዘበሎምን እውን ወሲኾም ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መወዳእታ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ዓሚ ኣይኮነን፤ ሱኽ ኢልና ክንኣቱ ኣይንኽእልን፤ ንሱ እውን ክንደይ ጣጣ ነይርዎ እዩ። ሎሚ መዓት ሰራዊት እዩ ዘሎ ከቢድ እዩ፤ ሕዚ እውን ንፈልጦ ኢና እንታይ ከም ዝገጥመና ኢሎም ሰጋእ መጋእ ይብሉ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን፣ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክሰርሕ ከምዝኽእል ይፈልጥዎ እዮም። ድሌትን ክውነትን ከብድን ሕቖን ዝኾኖም ፀላእቲ ህዝብ ትግራይ ግና ሕዚ እውን ስለዘይደቀሱ ዝተረፉና ዕማማት ብዓወት ክሳብ ዝኽምበት ተሪርና ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ይግባእ ኢሎም።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ

“ኣብቲ ወሳኒ ምዕራፍን ኣብ ጫፍን ኢና በፂሕና ዘለና፤ ስለዚ ተረባሪብና እታ ዝጀመርናያ ቃልሲ ከነዐውታ ኣለና”                                                  ...
02/28/2022

“ኣብቲ ወሳኒ ምዕራፍን ኣብ ጫፍን ኢና በፂሕና ዘለና፤ ስለዚ ተረባሪብና እታ ዝጀመርናያ ቃልሲ ከነዐውታ ኣለና”
ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ዝነቕሐ ህዝቢ፣ እቲ ዝነቕሐ ድማ ዝተወደበ፣ ሓድነቱ ስጡምን ፅቡቕ ኣመራርሓ ዝረኸበ ህዝቢ እንተሒዝካ ኩሉ ፀገም ተፃዊሩ መስተንክር ከም ዝሰርሕ ኣብ ሕሉፍ 11 ለካቲት ርኢናዮ ኢና ዝበሉ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈለየ ምዕራፍን ጊዜን ኮይንና ንርእዮ ዘለና እዙይ እዩ ፣ህዝቢ ሓድነቱ ኣስጢሙ እንተደኣ ወፊሩ፣ኣመራርሓ እንተረኺቡ ኩሉ ፀገማትን ግፍዕታት ሓሊፉ ዝዕወት ምዃኑ ደጊሙ ዝረጋገፅ ዘሎ እዩ ኢሎም።

ሰራዊት ትግራይ ካብ ህዝቡ ዝወፀ ሰራዊት እዩ። መሰረት ኩሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኣብ ሓፂር ጊዜ እውን ታሪኽ ሰሪሑ እዩ። ከይዱ ከይዱ ፀላእትና ናይ ህልውና ኲናት ናብ ምእዋጅ ክኣትዉን ደሓር ድማ ብሕቡእ እንተይኮነስ ኣብ ኣደባባይ፣ “ብሓይሊ፣ ብሰራዊት ኣይንኽእልን፣ ሰራዊት የብልናን” ናብ ዝብል ደረጃ ክበፅሑን ዝገበረ እቲ መስተንክረኛ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ዘጋጠመና ኲናት ፍልይ ዝበለ እዩ፣ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ እውን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፣ፍሉይ ኲናት ከምዝገጠመና ዘብርሁ ዶክተር ደብረፅዮን፤ ግና ህዝቢ ትግራይ ቀደም ጥራሕ ኣይኮነን ታሪክ ዝሰርሕ፣ ሕዚ እውን ንኩሎም ፈተንቲ መድረኻት ሓሊፉ ብተኣምራዊ ፅንዓት ሰጊሩ ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ፤ ዝተረፎ እውን ክምልኦ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ሕዚ እውን ኣብታ ቅንዕትን ፍትሓዊትን ዕላማ ኩሉ ረቢቡ ነታ ቃልሲ ኣብዚ ብርኪ ዘብፀሓ፣ ሳላ ዝተቓለሰ ዝተዓወተ፣ሳላ ዝተቓለሰ ርእሱ ዘቕንዐ፣ሳላ ዝተቓለሰ ዝተዓወተ፣ሳላ ዝተቓለሰ መን እዩ እዚ ህዝቢ ዘበለ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፣ እተን ተሪፈናና ዘለዋ ዘይተወደኣ ዕማም፣ ትግራይ ሙሉእ ሓራ ንምውፃእ ፀላእትና ንምድምሳስ ክግበር ዝግበኦ ኩሉ ክንገብር ኣብ ወሳኒ ርብርብ ምህላውና ዝሓበሩ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብቲ ወሳኒ ምዕራፍን ጫፍን ኢና በፂሕና ዘለና፤ ስለዚ ተረባሪብና እታ ዝጀመርናያ ቃልሲ ከነዐውታ ይግባእ ኢሎም።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መግስትን ትግራይ
መቐለ
21 ለካቲት 2014 ዓ.ም

02/26/2022

መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ሓደ መቃለሲ ዕላማና ስለዝኾነ ካብቶም ድርድር ዘየድልዮ ነጥብታት ሓደ እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ቀፃልነት ሰራዊት ትግራይ፣ ግዝኣት ትግራይ ፣ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኩሎም ዝወረሮም መሬት ትግራይ ምውፃእ ፣መሰል ዓርሰ ውሳን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅንተት ዝፈፀሙ ተሓተቲ ምግባርን እቶም ዓበይትን ንድርድር ዘይቐርቡን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ከምዝፈልጦ በዓል ሰራዊት እዩ፤ ዝኾነ እንተኾነ ካብ ሰራዊት ወፃኢ ክንኸውን ከምዘይንኽእልን ሰራዊት ሒዝና ኢና ድሕንነትናን ህልውናናን እነረጋግፅ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፣መንግስቲ ትግራይ ካብ ዘይደራደረሎም ነጥብታት ሓደ ቀፃልነት ሰራዊት ትግራይ እዩ።ሰራዊት ትግራይ ክቕፅል እዩ፤ ከመይ ይቕፅል ዝብል ናይ ባዕልና ውሳነ እዩ ኢሎም።

ብሕገ መንግስቲ ዝተፈለጡ ወሰናት ትግራይ ኣለዉ፤ኣብዚ እውን ድርድር ከምዘየሎ ዝገለፁ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ፣መሬት ትግራይ ተሸብዲዑ፣ተቖሪፁ ናብ ካሊእ ዝኸደሉ ግዝኣት ትግራይ ድርድርን ምሽምጋልን ከምዘየድልዮ ሓቢሮም።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ፤ እዙይ እውን ድርድር ኣየድልዮን ዝበሉ እቶም ፕረዚዳንት፣ ስለዝኣበየ ኣብኣ ክቕመጥ ከምዘይኽእልን ነዚ ዘቐምጥ ድርድር ከምዘየለን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኩሎም ከባብታት ትግራይ ክወፅእ ከምዘለዎን እውን ኣገንዚቦም።

መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ እውን ካሊእ ድርድር ዘየድልዮ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ ዶክተር ደብረፅዮን፣ ሓደ ዕላማ መቃለሲና እዚ እዩ።እቲ መስዋእትነት ዝተኸፈሎ ቃልሲ ክንኮልፎ ኣይንኽእልን ከይዱ ከይዱ ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝዛዘም ኢሎም።

እቶም ህዝቢ ትግራይ ዘፅነቱ ፀላእቱ እውን ተሓተቲ ክኾኑ ኣለዎም።ግደፍ ግደፍ ዝበሃል ኣብዚ የለን ፤ተሓተቲ እዮም ዝበሉ እቶም ፕረዚዳንት፣ እቶም ነጥብታት ዓበይትን ድርድር ዘይብሎም ክጠሓሱ ዘይግበኦምን ኢልና ኢና እንወስዶም እዙይ ማለት ግና ካልኦት የለዉን ማለት ከምዘይኮነ እውን ሓቢሮም እዮም።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መግስትን ትግራይ
መቐለ
19 ለካቲት 2014 ዓ.ም

02/25/2022

ግብጺ ንኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ከሲሳ።

ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክተመንጩ ምጅማራ ዝተቖጠዐ መንግስቲ ግብጺ፡ ሕብረት ኣፍሪካ ቅልጡፍ ኣኼባ ክጽውዕ ሕቶ ኣቕሪቡ።
ተግባር ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 7 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዝተፈረመ ውዕሊ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብቕልጡፍ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ድርድር ዝኣትዋሉ ኣኼባ ክካየድ ናብቲ ሕብረት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
መርበብ ሓበሬታ ሚድል ኢስት ሞኒተር ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ከምዘመልከቶ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሓደ ላዕለዋይ ሹመኛ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር፡ ነቲ ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ምድርዳር ዝመርሕ ኮሚቴ ኪኢላታት ከይጣየሽ የተዓናቕፉ ኣለዉ ኢሉ መንግስቲ ግብጺ።
ሓደ ዲፕሎማሰኛ ምንጪ፡ ንኣል ኣረቢያ ኣል ጀዲድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ክህልው ዝግባእ ምርድዳእ ንኸቀላጥፍ ክጣየሽ ዘለዎ ኮሚቴ ኪኢላታት ከይጣየሽ ዘተዓናቕፍ ዘሎ ሹመኛ ሕብረት ኣፍሪካ፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
“ሙሳ ፋቂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሻሪኹ ስምምዓት ክተኣጓጎልን ኮሚቴ ኪኢላታት ከይጣየሸን ይገብር ኣሎ” ክብል መንግስቲ ግብጺ ይኸስስ።
ብክስታት ግብጽን ሱዳንን ኣብ መዋጥር ኣትዩ ዘሎ ጉጅለ ብልጽግና፡ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ካብ ግብጺ ክውሰድ ዝኽእል ስጉምቲ ኣሻቒልዎ ይርከብ።
ግብጺ ብጉዳይ ሩባ ናይል ናብ ሰላማዊ ምርድዳእ ምምጻእ እንተዘይተኻኢሉ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክሳብ ምውሳድ ከምእትበጽሕ ተሓንያ ምንባራ ይዝከር።
ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ምስ ሱዳን ብምዃን ‘ጋርዲያንስ ኦፍ ዘ ናይል’ ብዝብል ስያመ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምዳት ከምዘካየዳ ይፍለጥ።

ዕለታዊ ዜና ራእይ ሚድያ!
02/23/2022

ዕለታዊ ዜና ራእይ ሚድያ!

ዕለታዊ ዜናታት ራእይ

ኣብ 8 አዋርሕ ካብ 15 - 49 ዝዕዲምኤን ልዕሊ 120,000 ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ በፂሕወን - ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ-----ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዝሓ...
02/23/2022

ኣብ 8 አዋርሕ ካብ 15 - 49 ዝዕዲምኤን ልዕሊ 120,000 ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ በፂሕወን - ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ
-----
ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ብልፍንታውያን ወረርቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ኣብ #ማሕበረሰብን ቁጠባን ዝበፅሐ ዕንወትን ዳግማይ ህንፀት ትግራይ ዘካይደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላለየ ትካላትን ክፋላት ሕብረሰብን ዘትዩ፡፡

ልዕሊ 80% ትካላት ጥዕና #ትግራይ ብልፍንታውያን #ወረርቲ ካብ ቀሊል ክሳብ ሙሉእ ዕንወት ከምዘጋጠመን ኣብ’ቲ ዝተኻየደ መፅንዕታዊ ፅሑፍ ቐሪቡ፡፡ ምዕራብ ትግራይ ብሙሉእነት ከምዘይካተተ ዝገለፀ እቲ መፅናዕቲ ኣብ’ቲ 8 አዋርሕ ካብ 15 ክሳብ 49 ዝዕዲምኤን ልዕሊ 120,000 ደቂ ኣንስትዮ #ፆታዊ ዓመፅ፣ መጥቃዕትን ስነ-ልቦናውን ሃስያን ከምዝበፅሐን ተረጋጊፁ፡፡

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ እተን ትካላት ጥዕና ካብ ቀሊል ክሳብ ሙሉእ ዕንወት ዘጋጠመን ኾይኑ ዛጊድ ልዕሊ 64 ቢልዮን ብር ቀጥታዊ ኪሳራ ከምዘጋጠመን ይሕብር፡፡ ዓወደ #ጥዕና ግዜ ዘይህብ ምስ ምዃኑ ኣብዝሓ #ሕብረተሰብ ኣብ ሓፂር ግዜ ግልጋሎት ጥዕና ንክረክብ ቅልጡፍን ዝተዋደደን ስራሕቲ ከምዘድሊ ዝሓበሩ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ብትልሙ መደብ ልፍንታዊ ወረርቲ ዝደቀቀት ትግራይ ኣብ ዳግማይ ህንፀት ዘይትቁርጠም ትግራይ ክትኸውን ክስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

02/23/2022

መንግስቲ ሱዳን፡ በቲ ቅድሚ መዓልታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጭው ዝጀመረ ግድብ ህዳሰ ሕጉስ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ንሓደ ካብ ሞንጎ ሓይሊ ዘፈልፍሉ ‘ተርባይናት’ ናብ ስራሕ ክተእትው ምኽኣላ፡ “ንመንፈስ ምትሕብባር ዝጻባእ” ክብል መንግስቲ ሱዳን ተቓውምኡ ገሊጹ’ሎ።
ብወገን ሱዳን ኣብ ጉዳይ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ናይ ዝደራደር ጉጅለ ኣቐባሊ ቃል ዝኾነ ኦማር ካሜል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2015 ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝኣተወቶ ስሉሳዊ ውዕሊ ብምጥሓስ ሓይሊ ናብ ምፍልፋል ከምዝኣተወት ኣረዲኡ።
እቲ ቅድሚ 7 ዓመታት ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝተገበረ ስምምዕ፡ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘየስዕብ ኣብ ምትእምማን ከይተበጽሐን ሓበራዊ ምርድዳእ ከይተገበረን ህንጸቱ ከይዛዘም ዝገትእ ከምዝነበረ ይግለጽ።
ብተወሳኺ ኣብቲ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ውዕሊ፡ ግልጽነትን ምትእምማንን ብዝተመልኦ ኩነታት ዝርርባት ዘይተገበረሎም ስራሕቲ ክፍጸሙ ከምዘይብሎም ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ነይሮም።
ንሱዳን ዝወከለ ኦማር ካሜል “ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበጽሕ ርግጸኛ ክትኸውን ኣለዋ” ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ተግባር ኢትዮጵያ ድማ ንስምምዕ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝኸሓደ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ግብጽን ሱዳንን እቲ ግድብ ማይ ክመልእ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ተቓውሞኡን ከስምዓ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ሓይሊ ከመንጭው ምጅማሩ ምስተገለጸ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቁጠዐአን ኣብ ምግላጽ ይርከባ።
ግብጺ እቲ ግድብ ሓይሊ ከፈልፍል ከምዝጀመረ ኣብ ዝተገለጸሉ መዓልቲ፡ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንውሳነን ተግባርን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነነ ይፍለጥ።

02/22/2022

43 ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ኣብዬ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ብምባል ዕቑባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረኺቦም።

ኣብ ካዳጉሊ (ሰሜን ሱዳን) ካብ ዝነበረት ሻለቃ ሓለዋ ዶብ ዕቝባ ዝረኸቡ እቶም ዓቀብቲ ሰላም ነበር፡ ሽዑ ንሽዑ ኣንጻር ጀኖሳይድ ትግራይ ድምጾም ኣስሚዖም።

ኣብዚ ሰሙን ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ደብዳበ ጽሒፉ፤ "ናብብ ሃገርኩም ተመለሱ፡ ኩሉ መሰልኩም ክኽበር እዩ" ኢሉ ክጥብሮም ፈቲኑ ምንባሩ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ምላሽ እዞም ጀጋኑ ድማ፡ "ሃገርና ኣይኮነትን! እቶም ልዕሊ 30 ሽሕ ዝዀኑ፡ ነዛ ሃገር ዘገልገሉ ኣባላት ሰራዊት፡ ፌደራል ፖሊስን ድሕነትን፡ ትግራዋይ መንነቶም ገበን ኰይኑ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብግፍዒ ተኣሲሮም ዝተቐተሉ፡ ኣሰሮም ዝጠፍአን ስድርኦም ዝተበተኑን ብጾትና ዝገበርኩምዎም እናፈለጥና ብምንታይ ክንኣምነኩም" ዝብል ምላሽ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብቐጻልነት ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እዚ ምምላስ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከምዘይብሎም ርግጽ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

02/21/2022

ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝነብሩ ተጋሩ፡ ንመጭወይቲ ትግራዋይ ነጋዳይ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣቶ ሳምሶን ተክለሚካኤል ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ፖሊስ ከኾኑ ከምዝኽእሉ ብዝጥርጠሩ ሰባት ቀትሪ መዓልቲ ካብ መኪንኡ ተወሲዱ።

ንሱ፡ ዛጊድ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይተፈልጠን ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሃለዋቱ ሓበሬታ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ትግራዋይ ነጋዳይ ኣብ ኢንዳስትሪ ነዳድን ጋዝን ከምዝነጥፍ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ኣኼባ ወጺኡ እንተኸይድ እዩ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ተወሲዱ።

ኣብቲ እዋን ኣቶ ሳምሶን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ክሌሌሸዋ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ኣብ ማእከል ትራፊክ ጠጠው ኢላ ካብ ዝነበረት መኪንኡ ስቪል ብዝተኸድኑ ሰባት ብሓይሊ ተደፊኡ ክወጽእን ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸድነ ሰብ ክተሓባበሮምን ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ ቀንዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርገሐ ምስሊ፡ ኣቶ ሳምሶን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት እቲ ኩነታት ብቪድዮ ክቐድሕዎ ክምሕጸን ይስማዕ።

ካብ ሽዑ መዓልቲ ጀሚሩ ድሃዩ ከም ዘይተፈልጠን ኣብ ኢድ መን ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዘይብላን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚሊየን ሓለፎም ቅድሚ ሰሙናት ንቢቢሲ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር እዩ።።

"ናብ ገዛ ዝምለሰሉ ሰዓት እዩ ነይሩ፤ ቴሌፎን ደዊሉ ዘይፈልጦም ሰባት ከም ዝጨወዩዎን ናብ የዕርኽቱ ደዊለ ክነግሮምን ምስ ሓበረኒ ቴሌፎን ተዓጽያ። ድሕሪኡ ክረኽቦ ኣይክኣልኩን። ፖሊስ ንክፈልጥ ኩሉ ነገር ገይርና ክሳብ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ኣንፈት የብሉን" ትብል።

እቲ ጉዳይ ናብ መደብር ፖሊስ ኪሊማኒ ሪፖርት ዝተገብረ ኮይኑ፡ ሓላፊ እቲ መደብር ፖሊስ ኮማንደር ኣንድሪው ሙቱሪ ክኢላታት ዳይሬክተር መርመራታት ገበን (ዲሲኣይ) ይምርምሩዎ ከም ዘለው ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጠቒሱ ቢቢሲ ሓቢሩ።

02/21/2022

ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ክተመንጭው ከምዝጀመረት ምግላጻ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ 2015 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ንዝተፈረመ ስምምዕ ከምዝጠሓሰት ግብጺ ኣፍሊጣ።
ጉጅለ ብልጽግና ትማሊ ካብቲ ግድብ ዝተወሰነ ሓይሊ ከመንጩ ከምዝጀመረ ወግዓዊ ምግባሩ ስዒቡ፡ መግለጺ ዘውጽአ ሚንስቴር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ውልቃዊ ኣካይዳ ትኸተል ምህላዋ ከምዘቖጥዓ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ብ2015 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ኣብ ካርቱም ዝተፈረመ ውዕሊ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንቕልውላው ህንጸት ግድብ ህዳሰ ብሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍታሕ ዘኽእል ኣካይዳ ክኽተላ ኣብ ምርድዳእ በጺሔን ነይረን።
ብፍላይ እቲ ዝህነጽ ግድብ ኣብ ልዕሊ እተን ናይ ታሕተዋይ መፋስስ ሃገራት ከኸትሎ ኣብ ዝኽእል ጽልዋ ሓበራዊ ምርድዳእ ከይተበጽሐ፡ ናብ ሓይሊ ምምንጫው ምእታው ከምዘይግባእ ኣብቲ ውዕሊ ከምዝተቐመጠ ይግለጽ።
ጉጅለ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ብምኽፋት ሙሉእ ትኹረቱን ዓቕሙን ናብኡ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ግብጺ ብወገና ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ጽልዋ ንምፍጣር ሰፊሕ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ክትሰርሕ ምጽንሓ ምንጪታት ሓበሬታ የመልክቱ።
ኣብ ጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ተቓውሞታት ከስምዓ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን፡ ናብ ቀያዲ ሓበራዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ እቲ ህንጸት ከይዛዘምን ሓይሊ ምምንጫው ከይጅመርን ከተሓሳስባ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ንስግኣታት ግብጽን ሱዳንን ናብ ጎኒ ገዲፋ ናብ ምዝዛም እቲ ግድብን ምምንጫው ሓይሊን ክትኣትው እንተወሲና ክሳብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽል ግብጺ ምግላጻ ይዝከር።
ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ‘ጋርዲያንስ ኦፍ ናይል’ ብዝብል ስያመ ሰፊሕ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ብሕቡእ እውን ካልኦት ስራሕቲ የሳልጣ ምህላወን ምንጪታት ይሕብራ

02/21/2022

ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ሕጽረት ምግቢ ንምቅላል፡ ብተለምዶ ፃህያይ ተባሂሎም ዝፅውዑ እፅዋት ንምግብነት ክውዕሉ ጀሚሮም።
እቶም ዓይነታት ምግቢ ምስ ህዝቢ ዘላልዩ ዘለዉ ግዱሳት ተጋሩ ብዛዕባ እቶም ጻህያይ ብዝብል ዝፍለጡ ዝነበሩ እጽዋት ብኸመይ ናብ መግብነት ከምዝውዕሉ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ነዚ ሰናይ ሓሳብ ዘበገሱን ዘላልዩ ዘለውን ግዱሳት ተጋሩ ዝኾነት፡ ወይዘሮ ፅገ፡ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብቲ ሰለማዊ እዋን ዝተፈላለዩ ዘይተለመዱ ተኽልታት ብመግብነት ተላልይ ከምዝነበረት ትፍለጥ።
እቶም ሎሚ ነቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ጸገም ሕጽረት ምግቢ ንምቅላል ዝዳለዉን ዝላለዩን ዘለዉ ዓይነታት ምግቢ፡ ብሰብ ሞያ ስነምግቢ ጥዕናዊ ፀገም ከምዘይብሎም ካብ ዘረጋገጽዎም እፅዋት ከምዝኾነ ይግለጽ።
ወይዘሮ ጽጌ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ካብ ፀብሒ ክሳብ ሕምባሻ ብምስራሕ ቅድሚ ሐዚ ንምግብነት ውዒሎም ዘይፈልጡ እፅዋት ኣዳልያ ንምግብነት ኣውዒላላ።
እቲ ዘዳለወቶ ምግቢ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ምድረ ገነት መዕቖቢ ዝተመዛበላ ኣደታትን ሓራሳትን ትምህርታዊ ግንዛበ መጨበጢ ክትህብ ከምዝሃበት ተፈሊጡ’ሎ::

Address

Silver Spring, MD
20904

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when RAEI MEDIA ራእይ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to RAEI MEDIA ራእይ ሚድያ:

Videos

Share


Other News & Media Websites in Silver Spring

Show All

You may also like