Dura press ዱራ ፕረስ

Dura press  ዱራ ፕረስ Zena

02/11/2024

"ችግሮቻቸውን በመመካከር ለመፍታት ቃል እንዲገቡ ባቀረብነው ጥያቄ ላይ አዎንታዊ ምላሽ አግኝተናል" የትግራይ የሃይማኖት አባቶች

እንካን ኣደረሳቹ።
07/01/2024

እንካን ኣደረሳቹ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምረፅ 1,replay2,quit
14/11/2023

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
ምረፅ
1,replay
2,quit

መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ ልዋም ገ/ሄር!😭😭😭😭😭😭😭
14/09/2023

መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ ልዋም ገ/ሄር!
😭😭😭😭😭😭😭

09/09/2023

ብዕለት 3/13/2015 ዓ/ም ጥራሕ 2 ንፁሃት ብሰራዊት ትግራይ ተቀቲሎም ኣለው።
ምንጪ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል

ትዕዝብቲ ሮማናት ኣደባባይ እንታይ ይግበር ኣሎ ኢለ ንምዕዛብ ናብ ሮማናት ኣደባባይ ኣቅኒዐ።ኣብኡ ሓደ ነበር መሳርሕተይ ረኪበ።ሮማናት ኣደባባይ ብኣባላት ፖሊስ ካብ ምክባቡ ወፃኢ ምንም ኣይረ...
07/09/2023

ትዕዝብቲ ሮማናት ኣደባባይ

እንታይ ይግበር ኣሎ ኢለ ንምዕዛብ ናብ ሮማናት ኣደባባይ ኣቅኒዐ።
ኣብኡ ሓደ ነበር መሳርሕተይ ረኪበ።ሮማናት ኣደባባይ ብኣባላት ፖሊስ ካብ ምክባቡ ወፃኢ ምንም ኣይረከብናን።ዝተሰለፈ ሰብ ኣይነበረን።ሓደ ናይ ውናት ኣመራርሓ ሪአ ነይረ።

ድሕሪ ቁሩብ ደቂቃታት ግን ዝረኣናዮ ነገር ኣዝዩ መሰከፊ እዩ።
ካብ ከባቢ ገዛ ገ/ሴላሴ ናብ ካቶሊክ ቤ/ያን ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብዙሓት መናእሰይ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ እናጎዮዩዎም ናባና ገፅ መፂኦም።

ናብ ሓክፈን ቁርሲ ቤት ከባቢ 10 ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ትግራዋይ መንእሰይ ኣይብላዕ ኣይስተ እናገበርዎ ብዓይነይ ተዓዚበ።ብጣዕሚ እዩ ዘሰክፍ እዩ ነይሩ ንክነጋላግል ፍጹም ዕድል ኣይረከብናን።
ሓደ ትግራዋይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ትግራዋይ ከምዚ ዓይነት ጭካነ ክፍፅም እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ።
ቁሩብ ፅንሕ ኢልና ድማ zemen gebremedhin ኣብ ከባቢ ኢዱ ብሓይሊ ከምዝተወቅዐ ኣሪእዩና።ከባቢ እግሩ እውን ሓንከስ እናበለ ኢና ረኪብናዮ።

ካልኦት እውን እውን ብኣባላት ፖሊስ ጥቅዓት ዝበፅሖም ሰባት ረኪበ ይብለኩም።
ምእሳር እናተክኣለ ንምንታይ እዙይ ከምዘድለየ ኣይተረዳኣንንን።
እዚኣ ብዓይነይ ዝተዓዘብክዋ ነገር እያ።እዚኣ ዝተዓዘብካያ ነገር ንምንታይ ፂሒፍካያ ተባሂሉ ንዝመፅእ ነገር ሓላፍነት ክወስድ እየ።
እዚኣ እታ ዝነኣሰት ሞያዊ ግቡአይ እያ።

ብጋዜጠኛ ኣንጎሶም ኣብርሃ

ዝተረጋገፀ እዋናዊ ጉዳይ ክፍለ ከተማ ዂሓ ናይ 5 ወረሒ መሃያ ሰራሕተኛታት ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ።እዚ መሃያ ምኽፋሉ ዘይተዋሕጠሎም ከተማ መቀለ ትልምን ፍይናንስን ዋላ በጀት ይሃልኹም ምኽፋልኩም ...
04/08/2023

ዝተረጋገፀ እዋናዊ ጉዳይ ክፍለ ከተማ ዂሓ ናይ 5 ወረሒ መሃያ ሰራሕተኛታት ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ መሃያ ምኽፋሉ ዘይተዋሕጠሎም ከተማ መቀለ ትልምን ፍይናንስን ዋላ በጀት ይሃልኹም ምኽፋልኩም ጌጋ ስለ ዝኾነ ካብ ሕድሕድ ዝተኸፈለ ሰራሕተኛ መንግስቲ እቲ ዝተኸፈለ ቅርሺ መልሰዎ እናበሉ የፈራርሑ ኣለዉ በጃኹም ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይትመቃዩና በሉልና ።
የቅንየልና ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዂሓ
ቀፅልሉ ኣብ ጎንኹም ኣለና ኹልና ሰራሕተኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ።

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኸታተልቲ Dura pressሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ንደማመፅግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ስሩዕ ወርሓዊ መሃያ ብዘይምቁርራፅ ምኽፋል...
30/07/2023

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኸታተልቲ Dura press
ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ንደማመፅ
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ስሩዕ ወርሓዊ መሃያ ብዘይምቁርራፅ ምኽፋል ዘይክእለሉ ምኽንያት ዋላ ሓደ የለን። ናይ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን መሃያ እውን ጠቕሊሉ ክኸፍል ክግደድ ክኽእል ኣለዎ።
ኣብ 2013 ዓ/ም ብብልፅግና ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ን8 ኣዋርሕ ትግራይ እንተመሓዳድር ክቃለሱ በረኻ ዝወፁን (ዝተሓብኡን እውን ነይሮም እዮም ደሓን...) ከምኡውን ምስቲ ህዝብና ዝጭፍጭፍ ዘሎ ስርዓት ኣይንሰርሕን ኢሎም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ናይ 2015 ዓ/ም በጀት ናይ ሸሞንተ ወርሒ መሃያን ጥቕማጥቕም ብሙሉኡ ተኸፊልዎም እዩ።
በዚ ጉዳይ ሕጉስ እየ፣ ንምንታይ ተውሃቦም ኢለ ሕስዲ ከንፀባርቕ ኣይደልን፣ ግን ኣብዚ ክፍሊት እዚ ተጠቀምቲ ካብ ዝኾኑ ብቐንዲ እቶም ውሳነ ወሃብቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ እዮም።
"ለራስ ሲቆርሱ ኣያሳንሱ" ከምወዮ ዝብልዎ ዓዲ ሰለስተ እዩ እቲ ጉዳይ፣ እታ ናቶም ጥቕሚ ከረጋግፁ ብምሽጥር ሰብ ከይሰምዕ ገይሮም ካብ ናይ 2015 በጀት ዓመት ገንዘብ ሰሊዖም ንድሕሪት ክልተ ዓመት ተመሊሶም ናይ ሸሞንተ ወርሒ ደሞዞም ወሲዶም እዮም። እቲ ዝገርም ግን ካብ 2015 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ሓሙሽተ ወርሒ መሃያ ከይተኸፈለ በጀት ተዓፅዩ እዩ።
እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ እታ ሓላፊት ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪባ፣ ምስ ክፍሊት መሃያ ሓሙሽተ ኣዋርሕ 2015 በጀት ዓመትን ናይ 2014 በጀት ዓመት ናይ ሓደ ዓመት ሙሉእ መሃያ ኣመልኪታ ዓዘር ቆዘር ክትብል ተሰሚዓ እያ። በጀት እንተተለቐቐ እውን ናይ ሕሉፍ ኣይንኸፍልን ዝዓይነቱ ንዕቐት ዝተመልኦ ሓሳብ ኣንፀባሪቓ እያ፣ እዚ ተግባር መግለፂ ትዕቢትን ተምፅእዎ ነገር የለን ከም ማለት እዩ።
ሰብ ዘይፀሮ መከራ ተሸኪምካ ብትዕግስቲ ስቕታ መሪፅኻ ዘለኻ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ፣ ክሳብ መዓዝ እዩ ስቕታኻ ክቕፅል?
በል ድኣ ዝግበር ግበር ንመሰልካ ተወዲብካ ተቓለስ፣ ብሰላማዊ ሰልፊ ድምፅኻ ኣስምዕ፣ ናይ ስራሕ ኣድማ ፀዊዕኻ ቁጠዐኻ ግለፅ፣ ከምዝሰምዑኻን መሰልካ ዘኽብሩልካን ግበሮም።
ስቕታኻ እንተቐፂሉ ግን ከም ባርያ እንተቖፀሩኻ ንዓቶም ኣይፍረድን፣ እኳድኣስ ብዓርሰ ፍቓድካ ንባርነት ከምዝተቐበልካ እዩ ዝቑፀር።
ትግራይ ንቕድሚት ሰላም

ዛ ሰበይቲ ኣበይ ነይራ ታይ ትሰርሕ ነይራ ትፈልጡዋ ብውሽጢ ወይ ኣብ ኮመንት ሓብሩኒ ብዛዕባ ናታ ድሓር ክነዋገዐሉ ኢና።
28/07/2023

ዛ ሰበይቲ ኣበይ ነይራ ታይ ትሰርሕ ነይራ ትፈልጡዋ ብውሽጢ ወይ ኣብ ኮመንት ሓብሩኒ ብዛዕባ ናታ ድሓር ክነዋገዐሉ ኢና።

እንታይ ፀውራ ተሸኪምና ኢና ንሰርሕ ዘለና?(ሓፂር ታሪከይ)ዳይነት ሞያ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ፡፡ ሙሉእ ሓሳበይ፣ ትኹረተይ፣ ግዘይን ህይወተይን ሂበሉእየ ኢለ ይኣምን፡፡ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ 201...
14/06/2023

እንታይ ፀውራ ተሸኪምና ኢና ንሰርሕ ዘለና?
(ሓፂር ታሪከይ)
ዳይነት ሞያ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ፡፡ ሙሉእ ሓሳበይ፣ ትኹረተይ፣ ግዘይን ህይወተይን ሂበሉ
እየ ኢለ ይኣምን፡፡
ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ 2011 ዓ/ም ጥንስቲ ኮይነ ዕረፍቲ ሰዓት፡ ቀዳምን ሰንበትን በዓል
ከይበልኩ ተደፊአ ክሰርሕ ኣብ ዘይመዓልቱ ቆልዓ ወሊደ (premature) ስኢነዮ ክሳብ ሐዚ
ሓዘኑን ጣዕሱን ዘይወፀለይ ቃንዛ ተሸኪመ እየ ዝነብር፡፡ እዚ ምእንተ ህዝቢ ግልጋሎት
ዝኸፈልክዎ እዩ፡፡ (ወዮ ሐዚ ህፃውንቲ ኣሕዋትና ናይ ህይወት መስዋእቲ ከፊሎም ኣነ እውን
መስዋእቲ ከፊለ ኢለ ከይዛረብ ዓቐብ እንተኾነኒ፡ ኩሉ ማዕረ መስዋእቲ ክኸፍል ግድን
ስለዘይኮነ፡ መስዋእቲ ተወዳድሮ እውን ስለዘይግባእ ክሳብ ሐዚ ዋጋ ከፊለ እየ ኢለ እየ
ዝኣምን፡፡)
2014 ዓ/ም ቃንዛይ መደብዘዚ ቆልዓ ወሊደ፡፡ ግን ኩሉ ነገር ኣብ ዝተዓፀወሉ፣ መሃያ ኣብ
ዘይብሉ፣ ሕክምና ከምልብኻ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን....ሳላ ቤተሰበይ እምበር ንሱ እውን
ምሰኣንክዎ፡፡
ኣብ 8 ወርሑ ስራሕ ጀምሪ ተባሂለ ወደይ ደርብየ እየ ህዝቢ ኣገልጊለ፡፡ ፀባ መኽፈሊ፡
ንሰራሕተኛ መኽፈሊ፡ ንገዛ ክራይ፡ ንቀለብ ከምዝተኸፈለኒ ካብ ህዝቢ ኣይትበልፅን ኣገልግሊ
ተባሂለ፡፡ ወደይ ኣካል ህዝቢ ምኳኑ ተረሲዑ፡፡ (ንምኳኑ ህዝቢ መን እዩ? ኣነን ወደይን
ዘየለናሉ ህዝቢ ድዩ?)
ወደይ ናብ ሓደጋ ኣእትየ ዝሰራሕክዎ ስራሕ ኣይኮነን ድዩ መሃያ ካሕሳ እንተተፀበኹ እንታይ
እዩ ሓጥያቱ?
ንኻልኣይ ግዘ ወደይ እተስእነኒ ክልል፡ ዓደይ ክብላ ክፅገም እየ፡፡
ሐዚ እውን ጠምዩኒ ኢሉ ኳ ክዛረብ ዘይኽእል ወደይ ብዘይሰራሕተኛ ገዲፈዮ ይኸድ፡ ኣነ
ዘቐርበሉ እኹል ምግቢ የለን፡ ኣነ ዝገዝአሉ ክዳን የለን፡ ሓሚሙ ኣሐኪመዮ ኣይፈልጥን፡፡
ኩሉ ካብ ሰብ እየ ዝፅበ፡፡
ተማሂረ እናሰራሕኩ ንወደይ እኳ ክኸውን ዘይከኣልኩ ድኽምቲ ከምዝኾንኩ እናተሰመዐኒ እየ
ዘገልግል፡፡ ኣብ ልበይ ዓውዩ ፃውራ ተሸኪመ ይሰርሕ፡፡
መሃያ ምሕታተይ ዓብዪ ነገር ድዩ ብናማን?
ክንደይ ሰራሕተኛ መንግስቲ እዩ ልብላዕ ስኢኑ ፆሙ ዘገልግል ዘሎ? ክንደይ ከ እዩ ደቁ
መሐከሚ ስኢኑ ቃንዛ ደቁ ዝርኢ ዘሎ? ክንደይ ከ እዩ ምስ መካረይቱን መለቃሕቱን ዝጋጮ
ዘሎ? ክንደይ እዩ ርእሱ ምቕናዕ ኣብዩዎ ዘሎ? ክንደይ ፃውራ ኢና ተሸኪምና? እዚ ተሸኪምና
ኸ ናማን ንትግራይ ንቕድሚት ክንወስዳ ዲና?
Selam kidane

27/04/2023

ካብ መትከላት ግብሪ እቲ ቐንዲ ፍትሓውነት እዩ :: ንነጋዳይ ግብሪ ምሒርካ ንመንግስቲ ሰራሕተኛ ግብሪ ተክፍለሉ መትከላዊ ኣሰራርሓ ካበይ ዝመፀ እዩ:: ንብረት እናሓብኡ ዋጋ ብምውሳክ ብሓፂር ግዘ ዝሃብተሙ ነጋዶ ግብሪ ዝመሓሩሉ:ለይትን ቀትርን ብደም እናተጨማለቐ ብነፃ ይሕክም ዝነበረ ሓኪም ግብሪ ዝኸፍለሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ፍፁም የለን ::ምሕረት እንተኾይኑ ንኹሉ ክኸውን ኣለዎ::ፍትሒ ንመንግስቲ ሰራሕተኛ

ሰበር ዜና
23/03/2023

ሰበር ዜና

 # ባኒ_ሓቲትና_መንብዒ_ትኪ_ብፖሊስ_ተደርብዩልና !! # ብሙሉጌታ_ኣፅበሃ (ጋዜጠኛ VOA_Tigrigna)"ባኒ ሓቲትና መንብዒ ትኪ ብፖሊስ ተድርቢዩልና:: ሓዚልናኩምከተማ ንዘእተናኩም እዚ ...
22/03/2023

# ባኒ_ሓቲትና_መንብዒ_ትኪ_ብፖሊስ_ተደርብዩልና !!
# ብሙሉጌታ_ኣፅበሃ (ጋዜጠኛ VOA_Tigrigna)
"ባኒ ሓቲትና መንብዒ ትኪ ብፖሊስ ተድርቢዩልና:: ሓዚልናኩም
ከተማ ንዘእተናኩም እዚ ኣይግበአናን::"
እቶም ጉዳኣት ኲናት ዘካከድዎ ሰልፊ ብኣካል ርእየ እየ:: ምስ
መራሕቲ ሃይማኖት ቀፂሉ ድማ ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝገብረዎ
ዘተ ተኽታቲለ እየ::
ኣብ በሪ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ምስ መራሕቲ ሃይማኖት
ኣብ ዝገብርዎ ዘተ: "ንዓኹም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን
ዝልኣኽኩም ምእንታን ብስምዒት ክብርኹን ክንነክእሞ ካብኡ
ሽምና ንምጥፋእ እዩ:: ንሕና ግን ኣቦታትና ኢኹም ነኽብረኩም::
እቶም መራሕቲ እውን ኣቦታትና እዮም ግን ስርሖም ስለዘይሰርሑ
ኢና ንነቅፍ ዘለና" ኢሎም::
በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምስተረጋግዑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እውን
ስዒቦም መፂኦም:: ሕቶታቶም ድማ ንኣይተ ጌታቸው ኣቕሪቦም::
"ባኒ ሓቲትና መንብዒ ትኪ ብፖሊስ ተድርቢዩልና:: ሓዚልናኩም
ከተማ ንዘእተናኩም እዚ ኣይግበአናን::" ኢሎም:: ኣይተ ጌታቸው
"ጀጋኑ ጠምዮም ሰልፊ ምውፀኦም የሕዝን ይቕሬታ ኢሎም:: ካብ
ፅባሕ ጀሚሩ ድማ ክነስተኻኽሎ ኢና" ኢሎም "ሐዚ ድማ ምግብን
ማይን ክትረኽቡ ናብ ትኽእልሉ ቦታ ክትኸዱ መካይን ይሰናድኣ
ኣለዋ" ኢሎም
ኣብ መንጎ ዘተ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ክርእዩ ከለዉ እቶም
ጉድኣት ኲናት ይሓርቁ ነይሮም ካብ ገፆም ክርሕቑ ድማ ዓው
ኢሎም ይዛረቡ ነይሮም::

TIGRAY.
20/03/2023

TIGRAY.

18/03/2023
18/03/2023

መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ሕዚ ይከፈል፡፡

ገታቸው ረዳ ፕረዲዛንት ግዚያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ኣለው ፅቡቅ ናይ ስራሕ ዘመን፡፡
18/03/2023

ገታቸው ረዳ ፕረዲዛንት ግዚያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ኣለው ፅቡቅ ናይ ስራሕ ዘመን፡፡

ኣነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ እየ፡፡መሃያ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣይተኸፈለንን፡፡ክነብር መሃያይ ይከፈለኒ::ክሕከም፣ ክኽደን፣ ቤተሰበይ ከመሓድር መሃያይ ይከፈለኒ፡፡ሕ/ሰብ ንከገልግ...
17/03/2023

ኣነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ እየ፡፡
መሃያ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣይተኸፈለንን፡፡
ክነብር መሃያይ ይከፈለኒ::
ክሕከም፣ ክኽደን፣ ቤተሰበይ ከመሓድር መሃያይ ይከፈለኒ፡፡
ሕ/ሰብ ንከገልግል፣ ዓስበይ ይከፈለኒ
መሃያይ ከይተኸፈለኒ ናይ ምንባር መሰለይ ክሕለው ኣይክእልን፡፡
# መሃያና ሐዚ
# PayUsOurSalary
ምስገና ን kidane

Address

Singapore

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Dura press ዱራ ፕረስ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share