15/12/2025
#ሰበርዜና #ሱዳን
ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ሓላፊ ሰራዊትን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ክልተኣዊ ዝምድና ንምጥንኻር፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምዝታይን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገድታት ንምድህሳስን ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ።ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኢልና ካብ መሐመድ ቢን ሳልማን ንሱዑዲ ዓረብ ክመጽእ ዕድመ ቀሪቡሉ ከምዝነበረ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።