ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray

  • Home
  • ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray

ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray ሓበሬታ ሓይል እዩ

14/07/2022
28/06/2022

21 ሰነ 2013 ዓ/ም፣ ርእሰ ከተማ ትግራይና መቐለ ካብ ምንጋጋ ፀላእቲ ሓራ ዝወፀትሉ ዕለት ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ፍፁም ከምዘይከኣል ዳግም ህያው መልእኽቲ ዘሕለፈ ፍፃመ'ውን 'ዩ!!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
እዞም ብዝሓዝዎ ስልጣንን ገንዘብን ዝሰኸሩ ኣካላት፣ 'ገንዘብን ስልጣንን ዘየፅዕዶ ህዝቢ የለን' ብዝብል ኣተሓሳስባ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ስነ ኣእምራዊን ወታደራዊን ኲናት ዝኸፈቱልና ፀላእቲ፣ በይኖም ንህዝቢን መንግሥትን ትግራይ ገጢሞም ክስዕሩ ከምዘይኽእሉ ስለዝፈልጡ፣ ካብ ቀረባን ርሑቑን መላፍንቲ ኣኻኺቦም እዮም እቲ ኲናት ዝወልዑዎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ንምስምዑ እኳ ዝኸብድ፣ ጨፍጫፍ፣ በደልን ግፍዕን ፈፂሞም'ዮም።

ይኹን'ምበር ነቕ ዘይብል እምነትን ስጡም ሓድነትን ኣብ ብሄራዊ ክብረትን መንነትን ዝሰረቱ ፅንዓትን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይን ብፈተንቲ መድረኻት ዘይፀዓድ ፅንዓትን ጅግንነትን ህዝባዊ ሰራዊትና ሒዝና፣ ብስሙይ ጅግና ኣቦና ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝተሰየመ ዕዉት ወታደራዊ ወፍሪ ብምክያድ፣ ብትዕቢትን ፈኸራን ዓዊሮም ዝነበሩ ፀላእቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክዛረቡ ብምግባር፣ መሰል ዓርሰ ምሕደራና ብሓያል ህዝባዊ ኲናትና ብምርግጋፅ፣ ህዝባዊ መንግስቲና ናብ ቦትኡ ክምለስ ክኢሉ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ሙሉእ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ሰሚሩ ሳላዝተቃለሰ ፣ ንምስጋርስ ይትረፍ ንምሕሳብ'ኳ ዝኸብዱ ዓቕሊ ዝፍትኑ በዳህቲ መድረኻት ሓሊፍና ዳግም ታሪኽ ሰዓራይነትና ክድገምን ናብ ሓዱሽን ዝተፈልየን ታሪኻዊ ምዕራፍ ክንሰጋገርን በቒዕና ኣለና።

ሕዚ'ውን ትግራይና፣ እዚ ተኣምረኛ ወለዶ'ዚ ሒዛ፣ እዚ ብወታደራዊን ፖለቲካዊን ብቕዓቱ ዘመስከረ ነባር ወለዶ ሒዛ፣ እዚ ትእምርተ ፅንዓትን ሰዓራይነትን ዝኾነ ጅግና ህዝባ ሒዛ ንኹሎም ብግልፅን ብስውርን ዝተኣልሙ ብድሆታትን ክባታትን በጣጢሳ ዳግም ፅዋዕ ዝተማልአ ሰዓራይነት ከምእትዓትር ንፃት እውን እንተኾነ ኣየጠራጥርን።

ልዑል ክብሪ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ!
ልዑል ክብሪ ንፅኑዕ ህዝባዊ ሰራዊትና!
ዘልኣላማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና!
ትግራይ ትስዕር!

ኣብይ ብልፅግና ምስ ኢሳያስ ህግደፍ ኣይደሓንን!? እዞም ገበነኛታት ኵናት ስምምዕ የብሎምን ዝብል ተደጋጊሙ ይዝረብ ኣሎ፡፡ ሓቂ ድዩ ወይስ ሰናይ ድልየት ዝፈጠሮ ወረ!? «ስምምዕ የብሎምን፤ ...
15/06/2022

ኣብይ ብልፅግና ምስ ኢሳያስ ህግደፍ ኣይደሓንን!?

እዞም ገበነኛታት ኵናት ስምምዕ የብሎምን ዝብል ተደጋጊሙ ይዝረብ ኣሎ፡፡ ሓቂ ድዩ ወይስ ሰናይ ድልየት ዝፈጠሮ ወረ!?

«ስምምዕ የብሎምን፤ ኣብ ሞንጎኦም ነቓዕ ተፈጢሩ እዩ» ኢሎም ዝምጉቱ ፈለጥቲ ውሽጢ ፍልፍላት፤ እዚ ዝስዕብ መርትዖ የቕርቡ ኣለዉ፡፡

ሃገራዊ ደህንነት ኢሳያስ ብዕሊ ምስ ደህንነት ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላቱ፤ ብጉጅለ ኣብይ ተመስገን ጥሩነህን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተባረሩን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ዝተኣሰሩን ኣለዉ፡፡ ብሕቡእ ስራሕቲ ስለላ ዝመርሑን ዘካይዱን ዝነበሩ ጥራሕ እንተይኮኑስ፤ ምስ ኣባላት ደህንነት ኢትዮጵያ ኮይኖም ክንደይ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፅሙ ዝነበሩ፤ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዝተጨወዩን ተቀቲሎም ዝተረኸቡን ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ህግደፍ ኣለዉ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ስለያ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትራኸቡ፣ ኣንፃር ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትንቀሳቐሱን ሸርሒ ትፍሕሱን ነይርኩም ብዝብል ክሲ ቀሪቡዎም፤ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ፀጥታን ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ኣምሓራ ኣለዉ፡፡

ንቱ ማእኸሉ ምፅናት ትግራይ ዝገበረ ገበናዊ ዝምድና ክልቲኦም ገበነኛታት ኵናት ዝዘረገ፤ «ብኽልቲኦም ወገን ዝተፈፀመ ዘቃሓሕሮም ጉዳይ ዶ ይህሉ?» ንዝብል ሕቶ፤ «እወ!» ዝብል ምላሽ ዝሃቡ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ፤ ብወገን ኤርትራ ዝተገበሩ፤ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ብልፅግና ቅሬታ ዝፈጠሩ ቀንዲ ጉዳያት እዞም ዝስዕቡ እዮም ይብሉ፡፡

• ኣባላት ሃገራዊ ደሕንነት ኤርትራ ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ብስፍሓት በምውፋር፤ ፀሊም ዕዳጋ ክሰፋፋሕን ንቱ ብኵናት ኣዐርዩ ዝተሃሰየን ዝወደቐን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ቅልውላው ክኣትዎ ምግባሮምን፤ ንቱ ዝዓፍጠጡዎ ቅርሺ ወፃኢ ሸርፊ ሓጣጢጦም ናብ ቤተመንግስቲ ኣስመራ ምውሳዶም፤

• ንዙ ፀሊም ዕዳጋ መንቀሳቀሲ ቅርሺ ድማ፤ እቱ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝወረርዎ ቅርሺ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ዘይሕጋዊ (ፎርጅድ) ቅርሺ ኢትዮጵያ ኣሐቲሞም ምዃኖም፤ ብሌ/ጀነራል ጌታቸው ጉዲና ሓላፊ መምርሒ ወተሃደራዊ ደህንነት ዝነበረ ዝምራሕ ብምሽጥር ዝተጣየሸ ኮሚቴ ምክልኻል ሃገር፤ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣፅኒዑ ንጉጅለ ኣብይ ዝርዝር ፀብፃብ ምቕራቡ የዘኻኽሩ፡፡ ሽዑ ግና ኣብይ ኣሕመድ ባዕሉ፤ «ንባዕልና ዘቃልዕ ጉዳይ ስለዝኾነ፤ ህዝብን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ከይሰምዕ፤ ምስኤርትራ እውን ከየጓንፀና ብምሸጥር ይተሓዝ» ኢሉ ተዓቂቡ ዝተትሓዘ ፀብፃብ እዩ፡፡ ሌ/ጀ ጌታቸው ጉዲና እውን እዙ ዕምቆት ዘለዎ ኣንፃር ኤርትራ ዘቕንዐ ፀብፃብ ምስኣቕረበ፤ ብድሕሪኡ ካብ ሓላፍነት መምርሒ ወተሃደራዊ ደህንነት ምክልኻል ሃገር ኣልዒሉ፤ ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ገይሩ ናብ ግንባር ጎንደር መዲቡዎ፡፡

• ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ፤ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብኤርትራውያን ዝተጣየሻ እንዳ ሽሻታትን ካልኦት ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ብኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ዝምርሓ ኮይነን፤ ኩለን ድማ ኣብ ንግዲ ሓሺሽ (Co***ne) ዝተዋፈራ ምዃነን፡፡ እዙ ሓሺሽ እውን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ካልኦትን፤ ብቦሌ ኣቢሉ ናብ ዓዲ ከምዝኣቱን፤ ንዙ ንምስላጥ ድማ ኣብ ቦሌ ዝርከብ መርበብ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሩ ክሰርሕን ክርባሕን ምፅንሑ፡፡

• መንግስቲ ኢሳያስ ብመሓውራት ሃገራዊ ደህንነትን ምክልኻል ሃገርን ኤርትራ ኣቢሉ፤ ብዘይ ኣፍልጦ ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሕቡእ ናይ ፀጥታን ደህንነትን ኢሉ እውን ወተሃደራዊ ርክብ ምግባሩ፡፡ ብዙይ እውን ኣብ ሃገራዊ ውሳነታት መንግስቲ ኣብይ ኢትዮጵያ፤ ፀቕጥን ፅዕንቶን ክፈጥር ምንቅስቓስ ምጅማሩ፡፡ ጉጅለ ኣብይ ንምዕራባውያን ኣብ ዘተስፍዎ ናይ «ዝበልኩምኒ ኩሉ ክገብሮ እየ» ውሳነታትን ምንቅስቓሳትን፤ ብቅሉዕ ዓንቃፋይ ስጉምትታት ክሳብ ምውሳድ ምብፅሑ፡፡

• ምስ'ዙይ ተተሓሒዙ፤ ምህርትታት ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዕዳጋን ቐረፅን፤ ብዘን ክልተ ክልላት ኣቢሉ ብበዝሒ ናብ ኤርትራ ክሓልፍን ኣብ ውድቀት ኢኮኖሚን ቀረብን እዛ ሃገር ዝገደደ ቅልውላው ክፍጠር ምግባሮም፡፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብዘን መንገድታት ዝኸደ ምህርትታት፤ ኣብ ኣስመራ ዝሽወጠሉ ዋጋ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ዝሓሰረ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ቀረብ እውን ኣብ ኣስመራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝሐሸ ቀረብ ምህርቲ ኢትዮጵያ ምህላዉ፡፡

• ካብ'ዙይ ሓሊፉ እውን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዘካየዱዎ ኵናት ምፅናት ዘርኢ፤ ሰራዊት ክልቲኦም ሓቢሮም ከም ምስላፎም፤ ኣብ ዝተፋላለየ ግዘ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዓዶም እንትምለሱ ዘመናዊ ኣፅዋራትን ወተሃደራዊ ተሽከርከርትን ንዋትን ኢትዮጵያ እናሓዙ ምኻዶም፤ ኣብ ውሽጢ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብልፅግና ዝኸፍአ ቅሬታን ተቓውሞን ኣስዒቡ ኣሎ፡፡

• ብሰንኪ እዙ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ወራር ወተሃደራዊ ናውቲ ኢትዮጵያ፤ ኣብ'ዙ ሐዚ እዋን ኣብዝሓ ሜካናይዝድ ክፍለሰራዊታት ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሕፅረት ንዋታዊ ዓቕሚ ከምዘለዋን፤ ኣዘዝቲ ሰራዊት በብብርኩ ዘልዕሉዎ ተዃሳሒ ጉዳይ ሃገር ኮይኑ ይርከብ፡፡

• ካልእ ኣብይ ኣብ ዝተፋላለየ ኣኼባታት ንላዕለዎት ኣመራርሓ ብልፅግናን ንላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብልፅግናን ደጋጊሙ ዝተዛረቦ፤ «መንግስቲ ኢሳያስ ዘይእመንን ንሕውነት ኣይኮነንን ንጉርብትና እውን ዝምችው ሰብ ከምዘይኮነ፡፡ ወደብ ዓሰብ ንነዊሕ ዓመታት ብኮንትራት ባዕልና ኣማዕቢልና ንኽንጥቀመሉ ዘቕረብናሉ ሕቶ እኳ፤ ኢትዮጵያ ኣይንኣምነኩምን ፀኒሕኹም ናትና እዩ ክትብሉ ኢኹም ኢሉ ነፂጉዎ፡፡ ንዙይ እኳ ዘይኸውን ርክብ ድኣ እንታይ ክገብረልና እዩ» ከምዝበለ ካብ ዝተፋላለዩ ፍልፍላት ዝተረጋገፀ እዩ፡፡

ብሓፈሻ እዚታትን ካልእ ፍሕፍሓትን ክልቲኦም ገበነኛታት ኵናት ተደማሚሩ፤ ኣብ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኩራን ካብ ቃልኪዳኑ ምርሓቕን ኣስዒቡ ኣሎ፡፡

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀማ ንኢሳያስ ዘኾረያ፤ «እዚ ዶ ኢደይ!» ዘበላ፤ ናይ ቃልኪዳን ቀለበቶም ክምልስ ኣብፂሐንኦ ዘለዋ ጉዳያት ድማ፤ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ይብሉ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ፡፡

• ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፤ «ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፤ ምስ ኣምሓሩ ተሓባበርቶም ተማሻጢሮም፤ ሸርሕን ዕልዋ መንግስትን ክፍፅሙ እዮም» ብዝብል፤ ብደህንነቱ ኣቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክቕተሉ ገይሩ፡፡ ክሳብ ሐዚ ብጭቡጥ ዝተረጋገፀ ዓሰርተሓደ ኣባላት ቅንፀላ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ከም ዝተቐንፀሉ እዩ፡፡

• መንግስቲ ኣብይ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ምእንታን ክመሳሰልን፤ ተታሒዙዎ ዘሎ ሓገዝን ልቓሕን ሓዊሱ ኣጎዋ ናብ ንቡሩ ምእንታን ክምለስ፤ ዝበልዎ ኹሉ ክገብር እየ እናበለ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶን፤ ብዝገደደ ድማ ንኢሳያስ ከየማኸረ ምስ ወያነ ኣብ ስሸልስ ደሴት ምሽጥራዊ ድርድር ገይሩ ዝብል፡፡

• ኣብይ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ምእንታን ክዕረቅ፤ ኣጀንዳ ወያነ ሒዙ፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውፃእ ንዝብል ምቕባሉ፡፡

• «ከምዝጀመርናዮ ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኮነ ዕርቂ ዝብሃል የለን» ንዝብል ተሪር ቅዋም ኢሳያስ ኣመልኪቱ፤ በሰንኪ ኢኮኖሚያውን ወተሃደራውን ውድቀት እታ ሃገር፤ ኣብይ ድሕርሕር ምባሉ፤ ወተሃደራዊ ርክባቶም ከም ድሌት ኢሳያስ ክኸይድ ኣይከኣለን፡፡

• ካብዚ ሓሊፉ እቶም ምስ ኢሳያስ ሕቡእ ፀጥታውን ወተሃደራውን ርክብ ጀሚሮም ዝነበሩ ዝተፋላለዩ ክፋላት ኣምሓራን ብዓወል ዓርባ ዝምራሕ ጉጅለ ዓፋርን፤ ብጉጅለ ኣብይ ካብ መጠንቀቕታ ሓሊፉ ስጉምቲ ክውሰደሎም ምጅማሩ፡፡

እዚታት ንኢሳያስ የመና ኣኾርዩዎ፤ ንወያነ ንምውቃዕ በይናዊ ምድላዋት ክገብር ተገዲዱ ኣሎ፡፡ እሞ ብዙይን ወድዙይን፤ ፍቅርን ቃልኪዳንን ኣብይን ኢሳያስን ነቓዕ ፈጢሩ እዩ፤ ዝብል ሓበሬታ እዩ ብዝዓበየ ካብ እዞም ውሽጣዊ ፍልፍላት ዝስማዕ ዘሎ፡፡

መተሓሳሰቢ፤
--------
ስምን ዝርዝር ኩነታትን ናይ'ዞም ብደህንነት ኢትዮጵያ ዝተቐንፀሉ 11 ኣባላት ቅንፀላ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ፤ ካብዞም ፈለጥቲ ውሻጢ ጉጅለ ኣብይ ተረኺቡ ስለዘሎ፤ ኣብ ቀፃሊ ክቐርብ እዩ፡፡
Kassa HaileMariam
ፃሓይ ብራቅ ትግራይ
ተጋሩ ብተጋሩ

11/06/2022

ጁሃር መሓመድ ንተጋሩ ምብዳል ሕጂ ዝጀመሮ ኣይኮነን።
ኣስር ስጋር aser segar
ፃሓይ ብራቅ ትግራይ
ተጋሩ ብተጋሩ

11/06/2022
11/06/2022

የምስራቅ አማራ ፋኖ እና የራያ ቆቦ ህዝባዊ ሰራዊት ፋኖ ጥምር ጦር በኃይማኖት አባቶች ተባርኮ ወደ ትግራይ እያመራ ነው።

ቀን 4/10/2014 ዓ/ም

ኋላ እንደለመዳቹት ጦርነቱን የጀመሩት እነሱ ናቸው እንዳትሉ ነው ለማስታወሻነት ቀኑ የተፃፈው።
ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray ፃሓይ ብራቅ ትግራይ ተጋሩ ብተጋሩ

30/05/2022
28/05/2022

መስከረም ኣበራ ሰው ናት ድመት 🐱🐱🐱
የ7 ወር ልጅ ካላት እንዴት ነው ምታረግዘው?
ኣስር ስጋር aser segar ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray ተጋሩ ብተጋሩ

26/05/2022

የደረስብን እኛ ነን የምናውቀው 😁😁😁
ሙርኮኛ ብርሃኑ ጁላ
ተጋሩ ብተጋሩ ኣስር ስጋር aser segar ፃሓይ ብራቅ ትግራይ

23/05/2022

ዝተጠልፈ ዝርርብ ጀነራል ፊሊፖስን ጀነራል ኣበባው ታደሰን!!!
ብስርሒት ኣሉላ ኣባ ነጋ ሸውዓተ ክፍለ ምስ ተደምሰሱ፣ TDF መቐለ ኣብ ዝኣትወሉ ዝነብረ ግዜ ዝተገብረ ኣብ ሞንግ ጀነራላት ኣበበ ታደሰን ፍሊፖስን ዝተገብረ ዝርርብ ተሌፎን እሞ ዝተጠልፈ እዩ። ጀነራል ኣበበ ንፊሊስ (ኣለቃ ኢሉ እዩ ዝጽውዖ) ኣብ ዓዲግራት፣ ሽረ ኣክሱም ዓድዋ ዘሎ ናይ ቴሌፎንን፣ ኢንተርነትን፣ ቴለቪጅን ኣንቴናታትን እንዳ ኣምሎቕኩም (ዓለም ብዛዕባ እቲ ጥፍኣት ከይሰምዕ ማለት እዩ)ዝቃጸል እንዳ ቃጸልኩም ውጹ ይብሎ።

@ሩፋኤል ተስፋይ ኣስር ስጋር aser segar ፃሓይ ብራቅ ትግራይ ተጋሩ ብተጋሩ negashe

21/05/2022

ኣታ ረኣዩለይ ብሓፂሩ ህወሓት ትሕዘለና እዩ ነገሩ
ኣስር ስጋር aser segar ፃሓይ ብራቅ ትግራይ ተጋሩ ብተጋሩ

07/04/2022

🤟🤟🤟🤟

🥰🥰🥰🥰🥰
04/04/2022

🥰🥰🥰🥰🥰

ማህፀን ትግራይ ካብ ዘፍረየን ዋዕሮታት
ሓድነት ተጋሩተጋሩ ብተጋሩትግራይ ሰብ ኣለዋወጋሕታ ትግራይ Wegahta TigrayAdem Negash Fana GualzomFedilla Abdelwahab KassaMeaza Gidey

03/04/2022

ክሳብ ማዓዝ እዩም ቁስልና እንዳሓከኩ ክነብሩ?
ክሳብ ማዓዝ እዩም ታሪክ እንዳዛብዑ ክነብሩ?
ክሳብ ማዓዝ እዩም ናይ ሓሶት ታሪክ ክፅሕፉ ክንፈቅዱሎም?
ተጋሩ ሙሁራት ንስቃይ ህዝቡኩም ንምፅሓፍ ግዜ ዲኩም ስኢንኩም?

1000 ን 100 ዘይተመለሱ ሕቶታት ክምልስ ዝክእል ነብይ ካብ ትግራይ ይጥፋእ🥺🥺🥺
Senait Mebrahtu Gebremeskel Kassa Taffere Kassa HaileMariam Fetsum Berhane Dire Haile Michael Stalin Gebreselassie Tadesse Mizan Getachew K Reda Biniam Girmay Fana Gualzom Abdu Wede Shire ኣስር ስጋር aser segar ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray ፃሓይ ብራቅ ትግራይ ላየን ፅጋብ

ኣስር ስጋር aser segar ፃሓይ ብራቅ ትግራይ
31/03/2022

ኣስር ስጋር aser segar ፃሓይ ብራቅ ትግራይ

💪💪💪
31/03/2022

💪💪💪

13/03/2022

የኣማራ ኢሊቶች ለትግራይ ህዝብ ያላቸው ጥላቻ በምንም መስፈርት የሚገለፅ ኣይደለም

23/02/2022

ግዳይ ጨፍጫፍ ደብረኣባይ ዝኾኑ መናእሰይ ቅድሚ ምርሻኖም ብኣራዊት ኢትዮጵያ ዝበፅሖም ምንግልታዕ ዘቃልዕ ሓድሽ ምስሊ 💔😪💔 New footage exposed Ethiopian 🇪🇹 soldiers tormenting the victims of DebreAbay massacre moments before they brutally mass executed them 4⃣7⃣7⃣ Days of

TDF TIGRAY DEFENSE FORCE
19/02/2022

TDF TIGRAY DEFENSE FORCE

ጉድ በሉ ረኣዩ !! ሸር በልዎ 🙏🙏 ስደተኛ  ኤርትራዊ እዙይ እቲ ኣብ ሰመማ ሽፌር ኮይኑ እናመረሐ ህዝብና ዘጨፍጭፍ ዝነበረ ኤርትራዊ እዩ። ትግራይ Refugee ኢሎም ዝኣተው ሰለልቲ ኾይኖም...
13/02/2022

ጉድ በሉ ረኣዩ !! ሸር በልዎ 🙏🙏 ስደተኛ ኤርትራዊ

እዙይ እቲ ኣብ ሰመማ ሽፌር ኮይኑ እናመረሐ ህዝብና ዘጨፍጭፍ ዝነበረ ኤርትራዊ እዩ።
ትግራይ Refugee ኢሎም ዝኣተው ሰለልቲ ኾይኖም ህዝብና ወዲአሞን ይውድእዎን ኣለው።
ብሰንኪ ንቁፅ ይነድድ ርሑስ ይብሉ ወለድና።
እቶም ሰለልቲ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ኣብ ትግራይ ዘለው ኤርትራውያን ንምልክት እንተይኣቅረኻ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም።
UN ሓላፍነት ወሲዱ ናብ ኪሊእ ሃገር እንተወሲድዎም ኣሰዮ። ኣይኮነን ግን ዓዶም ሲኦል ገይሮም ዓድና እውን ሲኦል ካብ ዝገብርዋ ሕማሞም ባዕሎም ይኽኣሉ። ውልቀ ሰባት ከይሞቱ/ከይሳቀዩ ተባሂሉ ሕድሕድ ስድራ ትግራይ ክፀንት ክንፈቅድ የብልናን። እቶም ሓገዝቲ ቃልስናን ኣሕዋትናን ንምድሓን መጀመርያ ህዝብና ክድሕን ኣለዎ።
©️Tekeste Assefa

05/02/2022

Rest in peace

ኣስር ስጋርክልተ ስብ ሓዳር እብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ
04/02/2022

ኣስር ስጋር
ክልተ ስብ ሓዳር እብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

ግን  አህዮች በአህዮች ላይ ይጫናሉ እንዴ?
01/02/2022

ግን አህዮች በአህዮች ላይ ይጫናሉ እንዴ?

TDF
31/01/2022

TDF

Address


Telephone

+966545433063

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ወጋሕታ ትግራይ Wegahta Tigray:

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share