BBC News Tigrinya

  • Home
  • BBC News Tigrinya

BBC News Tigrinya ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ፡ ወግዓዊ ገጽ ፈይስ-ቡክ ቢቢሲ ትግርኛ
ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ፡ ብ40 ቋንቋታት፡ ዓለምለኻዊ ዜናታት፡ ትንታነታትን ዛንታታትን የቕርብ።

ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣፍሪቃን ዓለምን፡ እዋናውን ዓሚቚን ትንታነ ዜና፡ ኣገዳሲ ሓበሬታን ሰብኣዊ ዛንታታትን ክትረኽቡ ኢኹም።
ሓደሽቲ ምዕባለታት ንኽትፈልጡ በብእዋን ተኸታተሉና።
ሓሳብኩም ኣካፍሉና።
ከምኡ’ውን ክነቃልሖም እትደልዩዎም ዛዕባታትን ዛንታታትን ሓብሩና።

ካልእ መጥቃዕቲ. . . ካልእ ስግኣት. . .----------ኣዳናዊት ይሄይስ ክትቅተል እንከላ ጓል 17 ዓመት’ያ ነይራ። ጓል ዓሰርተ ዓመት እንከላ ጀሚራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰብኣይ ኣዲ...
23/08/2024

ካልእ መጥቃዕቲ. . . ካልእ ስግኣት. . .
----------
ኣዳናዊት ይሄይስ ክትቅተል እንከላ ጓል 17 ዓመት’ያ ነይራ። ጓል ዓሰርተ ዓመት እንከላ ጀሚራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰብኣይ ኣዲኣ ተዓሚጻ’ያ።

ኣብ 2015 እቲ ፈለማ ዘጋጠማ ዓመጽ ካብ ኣደኣ ጀሚሩ ፖሊስ ክፈልጡ ክኢሎም ነይሮም።

ፖሊስ ነቲ ተኸሳሲ ንምእሳር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ እቲ ሚካኤል ሽመልስ ዝበሃል ገበን ከም ዝፈጸመ ዝተጠርጠረ ሰብ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ።

https://bbc.in/3yO8GnI 🔗

እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን ምስ ካልኦት 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ከምዝሃደመ ፓሊስ ምግላጹ ይዝከር።እቶም ኤርትራውያን ብዘሕጋዊ ኣገ...
23/08/2024

እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን ምስ ካልኦት 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ከምዝሃደመ ፓሊስ ምግላጹ ይዝከር።

እቶም ኤርትራውያን ብዘሕጋዊ ኣገባብ ናብታ ሃገር ኣትዮም ተባሂሎም ዝተታሕዙ ምዃኖም ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኬንያ ይገልጹ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ብኬንያ ሓሊፎም ናብ ዩጋንዳ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

ምሉእ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ https://bbc.in/3T1KPrw ትረኽብዎ

ኣጽዋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቕሉዕ ዝሽየጠላ ሃገርhttps://bbc.in/3Xfp0ajብጋዜጣ ታይምስ ዝተገበረ መጽናዕቲ ካብቶም ኣብ ኤክስ ብቕሉዕ ብረት ዝሸጡ ዘለዉ ሰባት፡ ብትዊተር ‘ብሉ ...
23/08/2024

ኣጽዋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቕሉዕ ዝሽየጠላ ሃገር
https://bbc.in/3Xfp0aj
ብጋዜጣ ታይምስ ዝተገበረ መጽናዕቲ ካብቶም ኣብ ኤክስ ብቕሉዕ ብረት ዝሸጡ ዘለዉ ሰባት፡ ብትዊተር ‘ብሉ ቲክ’ ዝተወሃቦም ምዃኖም ይገልጽ።

እቲ መወዓውዒ ንዓዳጎ ብዘህርፍ ኣገባብ ዝተዳለወ’ዩ።ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኤኬይ ዝዓይነታ ብረት “ብጽፉፍ ዝተዳለወ ዘተኣማምን ውሕስነት ዘለዎ ኤኬይ ቀዳማይ ምርጫኩም ይዅን” ዝብል ጽሑፍ ...

ካብ ዓለም ካልኣይ ዝዀነ ገዚፍ ኣልማዝ ኣብ ኣፍሪቃ ተረኺቡ
23/08/2024

ካብ ዓለም ካልኣይ ዝዀነ ገዚፍ ኣልማዝ ኣብ ኣፍሪቃ ተረኺቡ

እቲ ኣብ 2019 ኣብ ቦትስዋና ዝተረኸበ 1758 ካራት ዝነበሮ ኣልማዝ ኣብታ ሃገር ዝተረኸበ ዝዓበየ ኣልማዝ ኮይኑ’ዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ።

ካብ ዝጠፍእ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጫካ ዝተረኸበ ቆልዓ--------- https://bbc.in/3MheOrD ---------ኣቝጽልትን ፍረታት በረኻን እናበልዐ ከምኡ’ውን ማይ ወሓይዝ እናሰ...
23/08/2024

ካብ ዝጠፍእ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጫካ ዝተረኸበ ቆልዓ
--------- https://bbc.in/3MheOrD ---------
ኣቝጽልትን ፍረታት በረኻን እናበልዐ ከምኡ’ውን ማይ ወሓይዝ እናሰተየ ብህይወት ከምዝቐነየ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

ካብቲ ዝጠፍአሉ ቦታ ኣስታት 6 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ቈጥቋጥ ተክሊ ካሳቫ ኮፍ ኢሉ ዝተረኽበ ላም፡ ኣዝዩ ተዳኺሙ ስለዝነበረ ደው ክብል ኣይከኣለን።
ህጻን ላም "ኣዝየ ደኺመ ኣለኹ። ደው ክብል ኣ...

ሄቨን ዓዋት፡ ዘውዱ ሃፍቱን፡ ቤተልሄም ገብረሚካኤል፡ ኣዳነሽ ኣብርሃ ካሚላት መህዲ፡ ሃና ላላንጎ፡ መዓዛ ካሳ፡ ፋጡማ ኡጋስ፡ ኣያንቱ ሙስጠፋ፡ ኣዳናዊት ይሄይስ፡ ጫልቱ ኣብዲ...እዚአን ኵለ...
23/08/2024

ሄቨን ዓዋት፡ ዘውዱ ሃፍቱን፡ ቤተልሄም ገብረሚካኤል፡ ኣዳነሽ ኣብርሃ

ካሚላት መህዲ፡ ሃና ላላንጎ፡ መዓዛ ካሳ፡ ፋጡማ ኡጋስ፡ ኣያንቱ ሙስጠፋ፡ ኣዳናዊት ይሄይስ፡ ጫልቱ ኣብዲ...

እዚአን ኵለን ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ድማ ይርከባ።

ኵለን እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣይፋለጣን። ዘጋጠመን በደል ግን ንዅለን ዘመሳስለን ነገር እዩ።
------------------ https://bbc.in/4fU5iIy -------------

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ኲናትን ግጭትን ጥራይ ዘጋጥም ኣይኰነን። ጎንጺ ኣብ ዘይብሉ እዋን እውን እንተዀነ ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ደቂ ኣንስትዮ መጥ...

ቀይሕ ባሕሪ፡ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ ነዳዲ 'ከባብያዊ ሓደጋ' ከይተስዕብ ተሰጊኡ
23/08/2024

ቀይሕ ባሕሪ፡
መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ ነዳዲ 'ከባብያዊ ሓደጋ' ከይተስዕብ ተሰጊኡ

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ይቕጽሎ ከምዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ...

ኬንያ፡ 42 ደቂኣንስትዮ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ ሰብ ዝረኸበ ዓቢ ገንዘባዊ ሞሳ ከምዝወሃቦ ፖሊስ ገሊጾም---------------https://bbc.in/46Veubqስእሊ፡ AFP
23/08/2024

ኬንያ፡ 42 ደቂኣንስትዮ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ ሰብ ዝረኸበ ዓቢ ገንዘባዊ ሞሳ ከምዝወሃቦ ፖሊስ ገሊጾም
---------------
https://bbc.in/46Veubq

ስእሊ፡ AFP

መቐለ፡ ጽንብል ኣሸንዳ ብስእሊ-----------------------------------https://bbc.in/3XcRSjE
23/08/2024

መቐለ፡ ጽንብል ኣሸንዳ ብስእሊ
-----------------------------------
https://bbc.in/3XcRSjE

ብርሃነ ኣብርሀ ብኣፍ ውላዱ እንክግለጽ፡ "ኣቦይ፡ ማፋ (ፋኛቱራ) ተዓቢሱ ጽርግያ ማይ ክመልእ፡ ቡምባ ማይ ክዕጾ፡ ሰብ ስራሕ ስኢኑ ዘዘው ክብል፡ ዕሙራት ዝነበሩ ደዀኵን ክሞቱ፡ ሰብ ሕልናኡ...
23/08/2024

ብርሃነ ኣብርሀ ብኣፍ ውላዱ እንክግለጽ፡ "ኣቦይ፡ ማፋ (ፋኛቱራ) ተዓቢሱ ጽርግያ ማይ ክመልእ፡ ቡምባ ማይ ክዕጾ፡ ሰብ ስራሕ ስኢኑ ዘዘው ክብል፡ ዕሙራት ዝነበሩ ደዀኵን ክሞቱ፡ ሰብ ሕልናኡ ኣዕሪቡ ጐሰስ ክብል ምርኣይ ኣይጻወሮን ነይሩ። ኣስመራ ክትጽልምት መብራህቲ ክተጠፍእ እንከላ ይበሳጮ ነይሩ. . ."
https://bbc.in/4fS620P

ስእሊ፡ ኤፍሬም ብርሃነ

ድሕሪ 121 ዓመት ዝበጽሐት ፖስትካርድ--------------------------------------------https://bbc.in/3AAM9v2ስእሊ፡ Swansea Building Society
22/08/2024

ድሕሪ 121 ዓመት ዝበጽሐት ፖስትካርድ
--------------------------------------------
https://bbc.in/3AAM9v2

ስእሊ፡ Swansea Building Society

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ነጻ ዝወጸ ሓርማዝ--------------------------------https://bbc.in/4cEQZopስእሊ፡ Four Paws
22/08/2024

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ነጻ ዝወጸ ሓርማዝ
--------------------------------
https://bbc.in/4cEQZop

ስእሊ፡ Four Paws

'ህዝቢ ትግራይ [ናብ] ዝመረጾ መንግስቲ ምኻድ እምበር፡ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ዲና ክንነብር? ከምቲ ዝተገለጸ'ውን፡ ግዚኡ'ኳ ሓሊፍዎ'ዩ ባዕሉ፡ መጀመርያ ሽዱሽተ ወርሒ ኢልና፡ ሓደ ዓመት ኢ...
22/08/2024

'ህዝቢ ትግራይ [ናብ] ዝመረጾ መንግስቲ ምኻድ እምበር፡ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ዲና ክንነብር? ከምቲ ዝተገለጸ'ውን፡ ግዚኡ'ኳ ሓሊፍዎ'ዩ ባዕሉ፡ መጀመርያ ሽዱሽተ ወርሒ ኢልና፡ ሓደ ዓመት ኢልና፡ ሕዚ ናብ ካልኣይ ዓመት'ዩ ዝኸይድ ዘሎ'- ደብረጽዮን ገብረሚካኤል
https://bbc.in/46Uwh2F

ወራሲ-ዘውዲ ስዑዲ ዓረብን 450 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ቅብኣ ክርስቶስን እንታይ ኣራኸቦም?-------------------------------https://bbc.in/3Z12bbXስእሊ፡ Getty...
22/08/2024

ወራሲ-ዘውዲ ስዑዲ ዓረብን 450 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ቅብኣ ክርስቶስን እንታይ ኣራኸቦም?
-------------------------------
https://bbc.in/3Z12bbX

ስእሊ፡ Getty Images

ሓጸርቲ ዜናታት ዓለምሬሳ ናይቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ምስ ዝጠሓለት ጃልባ ዝሞተ ብሪጣንያዊ ቢልየነር ተረኺቡ። እቲ ምስ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ስሙ ዝጥቀስ ማይክ ሊንችን ጓሉ ትርከቦም ብጾቱ...
22/08/2024

ሓጸርቲ ዜናታት ዓለም

ሬሳ ናይቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ምስ ዝጠሓለት ጃልባ ዝሞተ ብሪጣንያዊ ቢልየነር ተረኺቡ። እቲ ምስ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ስሙ ዝጥቀስ ማይክ ሊንችን ጓሉ ትርከቦም ብጾቱን፡ እታ ዝነበርዋ ኣዝያ ክብርቲ መዛወሪት ጃልባ ብሰንኪ ህቦብላ ዝተሓወሶ ማዕበል ድሕሪ ምጥሓላ’ዮም ህይወቶም ስኢኖም። ዛጊት ሓሙሽተ ሬሳታት ክርከቡ እንከለዉ፡ ጓል 18 ውላዱ ግን ዛጊት ኣይተረኽበትን። ካብቲ ሓደጋ 15 ሰባት ከምዝደሓኑ ይፍለጥ።

ምቁራጽ ተጻብኦታት ቓዛን ምልቃቕ ግዳያት ጅሆን “ህጹጽነት” ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ገሊጹ። ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ቴለፎን፡ እቲ ስምምዕ ከይብጻሕ ዝኽልክል ዕንቅፋት ክውገድ ተማሕጺኑ። ኣመሪካ ንእስራኤል ንምክልኻል ዘለዋ ጽኑዕ መርገጺ’ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ካብ ሰርቢያ ናብ ቦዝንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 9 ስደተኛታት ኣብ ፈለግ ድሪና ከምዝሞቱ ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ሓቢሮም። ሰለስተ ቆልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 18 ስደተኛታት ብሰላም ሰጊሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ነቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሓያለ ሰባት ንምርካብ ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ።

ሰብመዚ ኣመሪካ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ዕጸ-ፋርስ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም። እቲ ብዶብ ሜክሲኮ ኣብ መኪና ተጻዒኑ ክኣቱ ዝተፈተነ ልዕሊ ክልተ ቶን ዝምዘን መታፈንታሚን ዝተባህለ ድራግ፡ ብምስሊን ቅርጽን ብርጭቕ ተዓሺጉ’ዩ ምስ ሓቀኛ ብርጭቕ ተሓዊሱ ክኣቱ ተታሒዙ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ታሪኽ ዕደና ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ኣልማዝ ተረኺቡ። እቲ ዘይተጸርበ 2, 492 ካራት ክቡር እምኒ ኣብቲ ብካናዳዊ ኩባንያ ዝውነን ዕደና ካሮወ’ዩ ተዃዒቱ ወጺኡ። እቲ ክሳብ ሕጂ ብዕብየቱ ክብረወሰን ሒዙ ዘሎ ኣልማዝ ኣብ 1905 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ብዓል 3,106 ካራት እዩ።
https://bbc.in/3X40sjw

ስእሊ፡ EPA

22/08/2024

ንኹልኽን ኣዋልድን ደቀንስትዮን እንኳዕ ናብ በዓል ኣሸንዳ ኣብፅሓክን😍
📻 ምድላው ዕለተ ሓሙስ ራድዮ ቢቢሲ እነሆ ጀሚሩ📻
👉🏻በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብድምቀት ክኽበር ጀሚሩ
👉🏻ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
👉🏻ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ንክልተ ኮርያውያን ብምጭዋይ ንኣልሸባብ ኣሕሊፉ ሂቡ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ
👉🏻ሓፀርቲ ዜናታት’ውን ኣለና
ሰናይ ምክትታል🌹

22/08/2024

ኣሸንዳ፡ ኣከባብራ በዓል ኣብ መቐለ

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለን ዓብዪ ዓዲን ብፍሉይ ድምቀት ክኽበር ጀሚሩ፤ ክሳብ ቀዳም ድማ ክቕፅል'ዩ።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ብዓይኒ ገለ ብጾቱ ዝነበሩ-----------------------------------------------------------------https://bbc.in/3Az85a5ስ...
22/08/2024

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ብዓይኒ ገለ ብጾቱ ዝነበሩ
-----------------------------------------------------------------
https://bbc.in/3Az85a5

ስእሊ፡ UN

ኤርትራ፡ ብቕዓትን መጻኢን ወደብ ዓሰብ-------------------------------------------------https://bbc.in/3AyMvClስእሊ፡ Google maps 2024
22/08/2024

ኤርትራ፡ ብቕዓትን መጻኢን ወደብ ዓሰብ
-------------------------------------------------
https://bbc.in/3AyMvCl

ስእሊ፡ Google maps 2024

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከባቢ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝተረኽበ ናይ 400 ሰባት ጃምላዊ መቓብር መላእ ሃገር ኣንቀጥቂጣ እንከላ’ዩ እዚ ናይ "42 ሰባት" ቅትለት ፍጻመ ዘጋጥም ዘሎ።
22/08/2024

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከባቢ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝተረኽበ ናይ 400 ሰባት ጃምላዊ መቓብር መላእ ሃገር ኣንቀጥቂጣ እንከላ’ዩ እዚ ናይ "42 ሰባት" ቅትለት ፍጻመ ዘጋጥም ዘሎ።

ፖሊስ ኬንያ ነቲ ካብ ማእሰርቲ ዘምለጠ ብተደጋጋሚ ቅትለት ዝተኸሰሰ ደመ-ጻምእ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንኽውዕ ዝሕግዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ "ዓቢ ናይ ገንዘብ ሽልማት" ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

ኣሸንዳ፡ ኣከባብራ በዓል ኣብ መቐለ- ብስእሊ
22/08/2024

ኣሸንዳ፡ ኣከባብራ በዓል ኣብ መቐለ- ብስእሊ

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለን ዓብዪ ዓዲን ብፍሉይ ድመት ይኽበር ኣሎ። ቅንያት ኣሸንዳ ፍልፍል እቶት እውን እናኾነ ብምኻድ ኣብቲ ቅነ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ መ...

ንሃብታማት ኢትዮጵያውያንን ካልኦትን ዝስሕብ ዘሎ ወፍሪ ሪልስቴት ዱባይhttps://bbc.in/4fWuXQY -----------
22/08/2024

ንሃብታማት ኢትዮጵያውያንን ካልኦትን ዝስሕብ ዘሎ ወፍሪ ሪልስቴት ዱባይ
https://bbc.in/4fWuXQY
-----------

ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ደላሎ ሪልስቴት ኣብቲ ቀጽሪ ክውሕዙ ይረኣዩ።

እቶም ደላሎ፡ ነቶም ሞዴል ገዛውቲን ዝርከቡሉ ከባቢን ንዓደግቲ ብዝገርም ኣገላልጻ የ...

እታ ፖስትካርድ ቅድሚ 121 ዓመት እያ ተላኢኻ። ግን ድማ ብእዋኑ ናብቲ ዝተሓሰበትሉ ቦታ ከይበጽሐት ተሪፋ።ካብ ዝለኣኻ ሰብ ናብ ተቐባሊት ከይበጽሐት ልዕሊ ሓደ ክፍለዘመን እኳ እንተሓለፋ ግ...
22/08/2024

እታ ፖስትካርድ ቅድሚ 121 ዓመት እያ ተላኢኻ። ግን ድማ ብእዋኑ ናብቲ ዝተሓሰበትሉ ቦታ ከይበጽሐት ተሪፋ።

ካብ ዝለኣኻ ሰብ ናብ ተቐባሊት ከይበጽሐት ልዕሊ ሓደ ክፍለዘመን እኳ እንተሓለፋ ግን ድማ ኣይጠፍአትን።

ናብቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተጽሓፈ ኣድራሻ ኣብዚ ቅነ በጺሓላ። እሞ ተቐባሊትከ ብህይወት’ዶ ትህሉ ትኸውን?

ምሉእ ዛንታ https://bbc.in/4cBqQ9O 🔗

ኣብ ማእሰርቲ ዝዓረፈ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ------------"...ብነሓሰ 2019፡ ንምፍታሕ ኣልማዝ ሃብተማርያም፡ በዓልቲ ቤቱ ንብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፡ ሚኒስተ...
22/08/2024

ኣብ ማእሰርቲ ዝዓረፈ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ
------------
"...ብነሓሰ 2019፡ ንምፍታሕ ኣልማዝ ሃብተማርያም፡ በዓልቲ ቤቱ ንብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ሓንጐፋይ እናበለ ይቕበሎ። በንጻሩ ከኣ ብሃለዋት ማእሰርቲ ናይቲ ብዕድመ ዝደፍአን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ጥዕና ዝርከብ በዓል-ቤታ ይሓትት። ብርሃነ ኣብረሀ "ሃገረይ" ዘርእስታ ንመንግስቲ ኤርትራ እትነቅፍ መጽሓፍ ብምጽሓፉ'ዩ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ኣትዩ ተሸሪቡ" ይብል።

እዚ ጽሑፍ ነታ ብክልተ ክፋላት ዝተሓትመት "ኤርትራ ሃገረይ" ዘርእስታ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ዝደረሳ መጽሓፍ ኣይኰነን።

እንታይ ደኣ፡ መጽሓፍ ጽሒፍካ ተባሂሉ በቲ ነቐፌታ ዘይጻወር መንግስቲ ተዳጕኑ ሃለዋቱ ዝጠፍአ ደራሲ ዝበጽሖ ዘሎ ስቕያት ንምጥቃስ'ዩ ይብል ጸሓፍን ተመራማርን ታሪኽ ዳዊት መስፍን። https://bbc.in/4duBkJu

22/08/2024

ንሃብታማት ኢትዮጵያ ዝስሕብ ዘሎ ዕዳጋ ሪልስቴት ዱባይ
---------
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝነብሩ ቍጽሮም ዘይነዓቕ ኢትዮጵያውያን ገዛውቲ ገዚኦም።
ኣብ መስርሕ ምዕዳግ ዘለዉ’ውን ሒደት ኣይኰኑን። https://bbc.in/46XfJXK 🔗

ድሕሪ 121 ዓመታት ዝበጽሐት ፖስትካርድእታ ዝተልኣኸትላ ሰብ'ከ ብህይወት ትህሉዶ ትኸውን? https://bbc.in/4cABvld 🔗
22/08/2024

ድሕሪ 121 ዓመታት ዝበጽሐት ፖስትካርድ

እታ ዝተልኣኸትላ ሰብ'ከ ብህይወት ትህሉዶ ትኸውን?
https://bbc.in/4cABvld 🔗

እታ ንበዓል ልደት ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዋ ካርድ ንፈለማ ዝተልኣኸትሉ እዋን 1903 ነይሩ። ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣብ እንግሊዝ ከተማ ስዋንሲ ናብ ዝርከብ ‘ስዋንሲ ቢየልዲን ሶሳይቲ ክራዶክ ስ...

12 ኤርትራውያንን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ሃዲሞም--------ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ንሓደ ብተደጋጋሚ ቅትለት ዝተኸሰሰ ደመ-ጻምእ ጥርጡር፡ ካብ ማእሰርቲ ንኽሃድም ተሓጋጊዞም ብዝብል...
22/08/2024

12 ኤርትራውያንን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ሃዲሞም
--------
ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ንሓደ ብተደጋጋሚ ቅትለት ዝተኸሰሰ ደመ-ጻምእ ጥርጡር፡ ካብ ማእሰርቲ ንኽሃድም ተሓጋጊዞም ብዝብል ጥርጣረ ካብ ስራሕ ከምዝተኣገዱ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኬንያ፡ እቲ ኮሊንስ ጁማይሲ ካሉሻ ዝተባህለ ጥርጡር ካብ 2022 ጀሚሩ በዓልቲ ቤቱ እትርከበን 42 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቐተለ ተናዚዙ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ገሊጹ ነይሩ። https://bbc.in/3YUbASp

ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ነጻ ዝወጸ ሓርማዝ https://bbc.in/4dvFPnj እዚ ቻርሊ ዝተባህለ ሓርማዝ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ኣብ 1984 ካብ ሃገራዊ ፓርክ ህዋንገ ዚምባብወ እዩ...
22/08/2024

ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ነጻ ዝወጸ ሓርማዝ
https://bbc.in/4dvFPnj
እዚ ቻርሊ ዝተባህለ ሓርማዝ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ኣብ 1984 ካብ ሃገራዊ ፓርክ ህዋንገ ዚምባብወ እዩ ተታሒዙ።

ኣብ ሃገራዊ መካነ እንስሳታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ሓርማዝ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ናብ በረኻ ተመሊሱ።

ሚስጥራት ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ------------
22/08/2024

ሚስጥራት ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ
------------

እዚ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ዘመሓድርን ኣብ ነዳዲ ዝገብሮ ምቁጽጻር ንዅሉ ዝጸሉን ሰብኣይ፡ ካብቲ ንኣማኢት መወዳድርቱ በሊጹ ልኡል ዘውዲ ዝዀነሉ ክሳብ ብዘይተለምደ መንገዲ ናብ ስልጣን ዝ...

"ሰብ'ዶ ንዓመታት ብመንግስቲ ተጨውዩ ይሽረብ'ዩ?"https://bbc.in/3YWFeX8ብርሃነ ኣብረሀ "ሃገረይ" ዘርእስታ ንመንግስቲ ኤርትራ እትነቅፍ መጽሓፍ ብምጽሓፉ'ዩ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ...
22/08/2024

"ሰብ'ዶ ንዓመታት ብመንግስቲ ተጨውዩ ይሽረብ'ዩ?"
https://bbc.in/3YWFeX8
ብርሃነ ኣብረሀ "ሃገረይ" ዘርእስታ ንመንግስቲ ኤርትራ እትነቅፍ መጽሓፍ ብምጽሓፉ'ዩ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ኣትዩ ተሸሪቡ" ይብል።

እዚ ጽሑፍ ነታ ብክልተ ክፋላት ዝተሓትመት "ኤርትራ ሃገረይ" ዘርእስታ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ዝደረሳ መጽሓፍ ኣይኰነን።

"ነቦይ ወትሩ ጊዜ ኢየ ዝዝክሮ። ኣበይ ከም ዘሎ ግን ኣይፈልጥን ... ብህይወቱ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይፈልጥን'የ። ኣባላት እቲ መንግስቲ መታን ተስፋ ክንቆርጽ ግዲ ኢሎም ኮይኖም ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ ...

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when BBC News Tigrinya posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to BBC News Tigrinya:

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share