Wegahta Media

  • Home
  • Wegahta Media

Wegahta Media Wegahta Media is a voice for the voiceless people.

ሳላ ውሕሉል ናይ ውድብና ህወሓት መሪሕነት ንሰላም ዘቀደሙ: ብዘይ ቶክሲ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ናብ ነበርታ ተጋሩ ተረክቦም ኣላ። ዛላምበሳን ኢሮብን ኸዓ ኣብ ቀረባ።
29/06/2024

ሳላ ውሕሉል ናይ ውድብና ህወሓት መሪሕነት ንሰላም ዘቀደሙ: ብዘይ ቶክሲ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ናብ ነበርታ ተጋሩ ተረክቦም ኣላ። ዛላምበሳን ኢሮብን ኸዓ ኣብ ቀረባ።

ፋቀዐዮ መሬት ትግራይትግራይ ዓደይ ናፊቁኒንብዓተይ፣ትብዓተይ፣ሕራነይ ፣ዛንታይ ንትግራይ ዓደይሓፋሽ ትግራይ Channel Subscrib,like and Share.

ፅሬትን ፅባቀን ዘለዎ ሓደሸትን ዝፀነሐን ዲዛይን ዝኮነ ናይ ህንዲ ሸፎን ናብ ዘለኩሞ ነቅርብ ነከፋፍል ኢና። ብበዝሒ ይኩን ብውሑድ ነቅርብ ንሸይጥ ኢና። ደውሉልን:+251902633205
23/02/2024

ፅሬትን ፅባቀን ዘለዎ ሓደሸትን ዝፀነሐን ዲዛይን ዝኮነ ናይ ህንዲ ሸፎን ናብ ዘለኩሞ ነቅርብ ነከፋፍል ኢና። ብበዝሒ ይኩን ብውሑድ ነቅርብ ንሸይጥ ኢና። ደውሉልን:+251902633205

ፅሬትን ፅባቀን ዘለዎ ሓደሸትን ዝፀነሐን ዲዛይን ዝኮነ ናይ ህንዲ ሸፎን ኣብ  ትግራይ:ኢትዮጵያ:ኤርትራን ነከፋፍል ኢና። ብበዝሒ ይኩን ብውሑድ ነቅርብ ንሸይጥ ኢና። WhatsAp':+25190...
01/08/2023

ፅሬትን ፅባቀን ዘለዎ ሓደሸትን ዝፀነሐን ዲዛይን ዝኮነ ናይ ህንዲ ሸፎን ኣብ ትግራይ:ኢትዮጵያ:ኤርትራን ነከፋፍል ኢና። ብበዝሒ ይኩን ብውሑድ ነቅርብ ንሸይጥ ኢና። WhatsAp':+251902633205

01/08/2023

ባህላዊን መንነታዊ በዓልና ኣሸንዳ ኣብ ትግራይና 😊🙏👍

ናይ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ፕሬዚዳንት ከምዚ ኢሎም ኔሮም
17/03/2023

ናይ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ፕሬዚዳንት ከምዚ ኢሎም ኔሮም

Getachew Reda Discussion with Mekelle University lecture and community.Wegahta Media Share and Subscribe.

  and     ድምፂ ውፁዓት
25/02/2023

and ድምፂ ውፁዓት

Wegahta Media Subscribe and Share

ኦርቶዶክሰ እምነት ተከተልቲ ፆም ኣርብዓ ከመይ ኣሎ?
23/02/2023

ኦርቶዶክሰ እምነት ተከተልቲ ፆም ኣርብዓ ከመይ ኣሎ?

ትግርኛ መዝሙር ነዚ ዘለናዮ መከራ ትገልፅ።

ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ
20/01/2023

ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ

ወጋሕታ ሚድያ Subscribe and Share

ተጋዳላይ ዋሕሰ ትግራይ 💛❤💪🙏
09/01/2023

ተጋዳላይ ዋሕሰ ትግራይ 💛❤💪🙏

ኣይርሰዐክን ትግራይ ዓደይ 💛❤💪🙏https://youtu.be/4iSLMzitlRo   and
09/01/2023

ኣይርሰዐክን ትግራይ ዓደይ 💛❤💪🙏
https://youtu.be/4iSLMzitlRo and

Wegahta Media Share and Subscribe

19/10/2022

https://www.youtube.com/watch?v=UDjRmFll8LQ
“ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ልዕሊ 470-ሽሕ ዜጋታት የመዛብል”ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ
ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 470-ሽሕ ዜጋታት ኣመዛቢሉ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ።
እዚ ሓድሽ ማዕበል ምምዝባል ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዝጸንሐ ትሕተ-ቅርጺ ተወሳኺ ተጽዕኖ ኰይኑዎ ኣሎ።

ዚ ተኣምርን ጀግንነት ዘርአየ ሰራዊት ትግራይ  ዶ በዞም ረማሳት ፖለቲከኛታት ዓወትና ናብ ልመና ተቀይሩ 😥😡https://www.youtube.com/watch?v=ExGDJPjJB7A
07/08/2022

ዚ ተኣምርን ጀግንነት ዘርአየ ሰራዊት ትግራይ ዶ በዞም ረማሳት ፖለቲከኛታት ዓወትና ናብ ልመና ተቀይሩ 😥😡
https://www.youtube.com/watch?v=ExGDJPjJB7A

Wegahta Media Subscribe and Share.

መሓሪ የውሃንሰ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኒ መናእሰያት ተጋሩ ድያሰፖራ ዘሕልፎ መልእክቲhttps://youtu.be/o5ANyVHSlA0
21/07/2022

መሓሪ የውሃንሰ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኒ መናእሰያት ተጋሩ ድያሰፖራ ዘሕልፎ መልእክቲ
https://youtu.be/o5ANyVHSlA0

ተጋዳላይ መሓሪ ዮውሃንስ ምሰ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኒ መንእሰያት ትግራይን ኒ ዲያሰፖራ ትግራይን ዘሕለፎ መልእክቲ

29/06/2022


ኣብ ሰለኽለኻ (ሰልኬ) ዘጋጠመ ሓያል ውሕጅ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ሓደጋ ዘብፀሐ እንትኸውን፡ እስካብ ሕጂ ብዕሊ ዝተፈልጠ ቁፅሪ ናይ ብውሕጅ ዝተወሰዱ ሰባት እኳ እንተዘይሃለወ፡ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝተወሰዱ ግና ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ሓቢሮም ኣለው።
ናይቶም ኣርባዕተ ሰባት ሬሳ ብምርካቡ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ።
እስካብ ሕጂ እውን ኣለሻ ሬሳ ከምዘይኣቋረፁን ህዝቢ ተዋፊሩ ይእልሽ ከምዘሎን ሓቢሮሙለይ ኣለው።
ነቶም ብሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ዝሓለፉ መንግስተ
ሰማያት የዋርሶም እናበልኩ፡ ንቤተሰብ ድማ ፅንዓት
ይምነ።😭💔

22/06/2022

ቅድሚ 34 ዓመት ኣብ ሓውዜን ብደርጊ ዝተገበረ ኔፓል ቦምብ ዝክሪ ብነበርቲ እንትግለፅ። ክብርን ሞገሰን ኒ ሰማእታት ትግራይ ሰነ 15/2014 ዓም
https://www.youtube.com/watch?v=DdGOsDxIK-Q and Share

እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኒ ኣቡነ ኣረጋዊ  ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ 🥰🙏https://youtu.be/HWptEU0DoEM Subscribe and Share ግበሩልናታሪክ ትግራይ...
21/05/2022

እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኒ ኣቡነ ኣረጋዊ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ 🥰🙏
https://youtu.be/HWptEU0DoEM Subscribe and Share ግበሩልና
ታሪክ ትግራይና ንፍለጥ ቅድሚ ሰለሰተ ዓመት ዝተፀሓፈ እዩ ኢትዮጵያ ዝብል ትግራይ ናበልኩም ቀይርኩም ኣንብብዎ።

ታሪኽ ኣቡነ ኣረጋዊ ዘ ደብረ ዳሞ
------------------------------------------
ጥቅምቲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ገዳም ደብረ ዳሞ ይኽበር ኣሎ። ኣብዚ ዕለት ኣመንቲ ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ናብዛ ሓንቲ ዝኣፍደጊኣ ገዳም ይውሕዙ፤ ካብ አዲስ አበባ፣ መቐለ፣ ዓዲግራት ብዘት፤ ካብ ጎንደር- ሽረ- ኣኽሱም-ዓድዋ እንትጮ፤ ከምኡ እውን ካብ ዛላምበሳ፣ ፋፂን ካልኦት ከባቢታትን፤ ኮታስ ኩነታት ዝፈቐደሎም ኩሎም ኣመንቲ ኢትዮጵያውያንን ወፃእተኛ ዑደተኛታትን ናብዛ ፈላሚት ገዳም ኢትዮጵያ ዝኾነትን ዙርያኣ ብፀድፊ ዝተኸበበትን ገዳም ይውሕዙ ኣለዉ። መኻይን ካብ ብዘት ደብረ ዳሞ ንኣመንቲ ካብ ድሮኡ ኣትሒዘን ምሉእ ለይቲ ኣምልልስ ይሓድራ ኣለዋ። ወሃብቲ ኣገልግሎት ብዘት እውን ኣጋይሽ ዝደልዩዎ ኩሉ ንምምላእ ዘድሊ ምድላው ገይሮም ንኣጋይሾም ብሓንጎፋይ ይቕበሉ።
ኣመንቲ ኣብቲ ቦታ ምስበፅሑ ዝኽኣሉ ንላዕሊ ይድይቡ ዘይከኣሉ ድማ ኣብ እግሪ ይሳለሙ። ኣብ እግሪ ሓብሊ ገሊአን ክቢ ሰሪሐን እንትምህለላ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ እግሪ ሓብሊ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ንዝካየድ ስርዓተ ፀሎትን ቅዳሴን ይከታተሉ፣ ጥዋፍ ኣብሪሆም ፀሎት ዘብፅሑ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ብጫ ተኸዲኖም ጠራሕ እግሮም እናኸዱ «ንስሃ እተዉ» ዝብሉ ባሕተውቲ እውን ኣብቲ ኣብ ሓደ ከባቢ ኮይኖም ንዝሰምዖም ይዛረቡ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ካብ ላዕሊ ዝወርዱን ናብ ላዕሊ ዝድይቡን ኣብ እግሪ ሓብሊ ዝፈጥሩዎ ፅቕጥቅጥን ድፍእን ኣሎ። ኣብ ታሕቲ ኮይኖም ማይ ሕመት ለኣኹልና ዝብሉን ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ንእከለ ሃበለይ ዝብሉ ፃውዒታትን ዋዕዋዕን እውን ተርእዮታት እዚ ዕለት እዮም።
ናብ ላዕሊ ዝድይቡ ሊቃውንቲን ካልኦት ኣጋይሽን ካብ ድሮኡ ኣትሒዞም ፈለስቲ ብዘሰናድኡዎ እኽለ-ማይ ይተኣናገዱ። ብሕልፊ እቲ ስዋ ኣንሽቲ ካብ ዝፀምቋኦ ከምዝሕረ ይንገር። ኣብ እግሪ ዘሎ ሕ/ሰብ እውን ነቲ ናብ ላዕሊ ዘይደየበ ገሻ እኽለ-ማይ ኣሰናዲኡ ይቕበል።
ኣንሽቲ ኣብ እግሪ ሓብሊ ኮይነን «ኣረጋዊ ፀሓይየ መፂአ ኣለኹ እዛ መፅብዓይየ» እናበላ ብጥቡዕ ልቢን መንፈስካ ብዘሐድስን ዜማ ይምህለላ። ሊቃውንቲ ድማ እቲ ቀደም ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ንኣቡነ ኣረጋዊ ክጥይቕን ነቲ ሃፀይ ገ/መስቀል ዘስርሑዎ ቤተክርስቲያን ክርኢን ካብ ኣኽሱም ተልዒሉ ናብቲ ገዳም እንትኸድ ንኣርድእቲ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝኾኑ ማትያስን ዮሴፍን ኣብ እግሪ ምስረኸቦም ዝቕረበሎም ሕቶ እናዘከሩ ኣብ ድሮ እንተዚሙ ብሓሳብ ናብቲ ዘመን ትምለስ። እቲ ዜማ «ዳሕንኑ ዝስኩ ኣረጋዊ ኣቡኩሙ ፃድቅ ወሄር» «እዚ ሓቀኛን የዋህን ዝኾነ ሽማግለ ኣቦኹም ደሓን ድዩ» እናበለ በዜማ ዘቕረቦ ሰላምታ ሐዚ እውን ከምቲ ንሱ ዘዜሞ ገይሮም የዚሙዎ። እቲ ዜማ ድሕሪ ኣሽሓት ዓማውቲ እውን ምቁር እዩ።
ካብቲ ምይድው ዝበለ መኻይን ጠጠው ዝብላሉ ቦታ ክሳብ እግሪ ሓብሊ ዘሎ መንገዲ እቶም ፈለስቲ ፅቡቕ ገይሮም መደያየቢ ሰሪሖምሉ ኣለዉ። እቲ ፀሃይቱ ባራኺ «ኣቡነ ኣረጋዊ ዝባን ዳሞ ተኾሊዓ እንካሞ» እናበለት ዝደረፈትሉ ገዳም ቅድሚ ሒደት ዓመታት ፕሬዚደንት ሃገርና ነበር ግርማ ወ/ጊዮርጊስን ኣይተ ኪዳነ ተድላ ዝተብሃሉ በዓል ሃፍቲን ተሓባቢሮም ልቺ ስለዘእተዉሉ እቲ ገዳም ሐዚ ናይ እማን ተኾሊዑ ኣሎ።
እዚ ገዳም ኣብ መበል 5ይ ክፍለ ዘበን ካብ ሶርያን ንእሽቶይ ኤስያን ተላዒሎም ብእስክንድርያ ኣቢሎም ናብ ሃገርና ካብ መንጎ ዝኣተዉ ትሽዓተ ቅድሳት ሓደ ዝኾኑ ኣቡነ ኣረጋዊ ባዕሎም ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ዘጣየሹዎ ፈላሚ ገዳም ኢትዮጵያ እዩ። ብግእዝ ኣረጋዊ ማለት ብትግርኛ ሽማግለ ማለት እንትኾን እዞም ብናይ ቀደም ሽሞም ዘሚካኤል እናተብሃሉ ዝፅውዑ ዝነበሩ እዚ ሽም ዝወፀሎም ደሓር ካብ ዕድመኦም ንላዕሊ ይሓስቡ ስለዝነበሩ ከምዝኾነ ይንገር። እዞም ፃድቕ ነዚ ብፀድፊ ዝተኸበበን ዝብላዕን ዝስተንስ ይትረፍ መፅለሊ ኦም እውን ናብ ዘይነበሮ ከውሒ ደይበ ገዳም ብምምስራት ከምዚ ዝበለ ታርኻዊ ገዳም ክገብሮ እየ ኢሎም ምሕሳቦም እውን ኣረጋዊ ዘብሎም እዩ። ብፀድፊ ናብ ዝተኸበበ እንባ ደይበ ክነብር እየ ምባሎም እውን መስደመም እዩ። ሐዚ ኣብ ላዕሊ ንውሽጢ ናብ ዝተወቐረ ከውሒ ዝተወሰነ ክፋላ ኣብ ዝኣተወ ቁራፅ ኦም ንዝንተንጠልጠለ ጀንደ/ፈልቒ እናሓዝናን ብመፅዓን እናተጎተትናን ንድይብ ኣለና፤ እቶም ንፈለማ እዋን ዝደየቡዋ ኣቡነ ኣረጋዊ ኸ ብምንታይ ደየቡ? ኣብዚ፣ ነቲ «ገበል ተጠምጢሙ ኣወንጪፉ ንላዕሊ ድብርዩዎም» ዝብል ካብ ምቕባል ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ኣይብልናን።
አዞም ከምዚ ዝበለ መስተንክራዊ ስራሕ ዝሰርሑ ፃድቕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ኣኽብሮት ኣለዎም። ገበል ንኣቡነ ኣረጋዊ ናብቲ ገዳም ንክድይቡ ዘኽኣሎምን ተኣዛዚኦምን ከምዝኾነ ገይሩ ስለዝሕሰብ ከዓ ብሕልፊ ኣብቲ ከባቢ ፀበል ኣቡነ ኣረጋዊ ንዝሓዘ ተመን ከምዘይነድፎ ይእመን። ስሞም ክጎልህን ክደምቕን ዘኽኣለ ከዓ እዚ ከም ምስሕብ ዑደተኛታት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ገዳሞም እዩ።
ናብቲ ገዳም ብብዘት ገይርካ ይኹን ቀርሰበር እንትትጎዓዝ ዘሎ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ኣኽራናትን ሽንጥሮታትን ኣቓልቦኻ ኣብኡ ሒዞምዎ እዮም ዝተርፉ።
ኣብ ዝባን እቲ እምባ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ይርከቡ። እቲ ሓደ ኣብቲ እዋን «መንግስትነት አዚ ዓለም ይትረፈኒ» ኢሎሞ ናብ ገዳም እንዳ ኣቡነ ጴንጠሌዎን ብምኻድ ንዝሞንኮሱ ኣቦኦም ሃፀይ ካሌብ ተኪኦም ዝነገሱ ሃፀይ ገብረመስቀል ዘስርሑዎን ንሶም ምስ ሰራዊቶም ካብ ኢድ ኣቡነ ኣረጋዊ ቁርባን ዝተቐበሉሉን እዩ። እዚ ቤተ ክርስቲያን ብዘለዎ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ግዳይ ዕንወት ዮዲት ግድትን መሓመድ ግራኝን ካብ ምዃን ዝተረፈ እውን እዩ። ንዕንወት ኣይተቓልዐን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ እዋን ፀገም ምዕቖቢ ነገስታት ኮይኑ እውን ኣገልጊሉ። ንሃፀይ ልብነ ድንግል ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ምስ ኢማም ኣሕመድ ኢብራሂም /መሓመድ ግራኝ/ ይዋግኡ ኣብዝነበሩሉ እዋን ከም መዕቖቢ ኮይኑ ኣገልጊሉዎም። ነዚ ህንፃ ሃፀይ ገብረ መስቀል ኣብቲ እዋን ኣለዉ ብዝበሃሉ ክኢላታት ስነ ህንፃ ዒስራ ብትሽዓተን ሜትሮ ስፍሓት ኣብዘለዎ ቦታ ዘስርሑዎ እንትኾኑ፣ ብቕዲ ኣሰራርሓ ህንፃ ኣኽሱማውያን ከምዝተሰርሐ ተመራማሪ ታሪኽ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ፓንክረስት ይገልፁ። እቲ ህንፃ ብኣእማንን ኣእዋምን ዝተሃንፀ እንትኸውን ውህደት ክልቲኦም ድማ ዘመን ተሻጊሩ ነዊሕ ዕድመ ክፀንሕ ኣኽኢሉዎ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል። እቶም ኣእማን ድቕቕ ዝበሉን ምጡናትን እንትኾኑ ብላዕሊ ንኹሎም ሓቚፉ ብዝሕዝ ነዊሕን ፅፍሕ ብዝበለን ኦም ይፅቀጡ። ብዘበናዊ ኣበሃህላ ብቴንዲኖ ከም ምእሳር እዩ። ብዘይካ እቶም ፀቒጦም ዝሕዙ ንደገ ውጥም ዝበሉ ርእሲ ህበይ ብምባል ዝፍለጡ ኣእዋም እውን ንገንዚ ኣሲሮም ክሕዙ ተገይሩ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ኣለዉ። እዚ ኣሰራርሓ ብዘይካ ሕድሳት ቆርቆሮ ምንም ዓይነት ፅገና ከየድለዮ ክሳብ ሐዚ ጠጠው ክብል ኣኽኢሉዎ።
በቲ እዋን ነዚ ህንፃ ዝረኣየ ቅዱስ ያሬድ ብዜማ «ዖድኩዋ ዖድኩዋ ወርኢኩ ስነ ህንፄሃ ንቤተክርቲያን ሓረይኩዋ፣ ኣፍቀርኩዋ ወኣንከርኩ ስነ ህንፄሃ» «ንዛ ቤተ ክርስቲያን ዘይረያ ዘይረያ ኪነ ህንፃኣ እውን ሪአ፤ ተገሪመ፤ መሪፀያ፤ ፈትየያ» እናበለ ኣዚሙላ። ተመራማሪ ታሪኽ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ፓንክረስት ድማ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ነቲ ገዳም ከዓ ብሓፈሻ ምርኣይ ዝፈጥሮ ስምዒት ብኸምዚ የቐምጡዎ “It takes today’s traveler into a past age and leaves him with a deeper understanding of Ethiopia’s age-old and unique civilization than mere words can give.” ንናይ ሎሚ ዘበን ተጎዓዚ ናብ ጥንቲ ዘመን ይወስዶ እሞ ቃላት ክገልፁዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ምስዝኾነ ዓሚቕ ርድኢት ዘመነ ኣዝማን ዘቑፀረን ፍሉይን ስልጣነ ኢትዮጵያ ይገድፎ ይብሉ።
ናብ ገዳም ደብረ ዳሞ ንምውፃእ ካብ ቆርበት ከፍቲ ብኢድ እናሓዝካ ንምድያብ ብዘኽእል መንገዲ ተተኒጉ ብዝስራሕ ሓብሊ ዝድየብ እንትኸውን ንዘይለመደ ሰብ ግን ንድሕንነቱ እንትበሃል ሐዚ እውን ካብ ቆርበት ከፍቲ ብዝስራሕ መፅዓን ኣብ መዓንጣኡ ተኣሲሩ ብላዕሊ ኮይኑ ሰብ ሑቚኡ ድግፍ እናበሎ ይድይብ። እዚ 15 ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ብጀንደ ዝድየብ ፀድፊ ሰብ ጀንደ እናሓዘ ኣብ ዝድይበሉ እዋን በኣፃፅዕቲ እግሩ ክረግፆም ተባሂሎም ዝተወቐሩ ዕሙቕ ዝበሉ ነገራት እውን ኣለዉ።
ሃፀይ ገብረመስቀል ነዚ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ቤተክርስቲያን ይሰርሑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን መደያየቢ ሰሪሖም ከምዝነበሩን ኣግማልን ኣብቅልቲን ኣእዋምን ኣእማንን ተፃዒነን ይድይባ ከምዝነበራን ገድሊ ኣቡነ ኣረጋዊ የረድእ። ህንፃ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ተዛዘሙ ግልጋሎት ቅዳሰ ምሃብ ምስጀመረ ግን ኣቡነ ኣረጋዊ ንሃፀይ ገብረ መስቀል ዳህምሞ ነዚ መደያየቢ እሞ ነዚ ንዓይ ዘደየበኒ ገበል ዝመስል ሓብሊ ስራሕ ስለዝበሉዎም ክምዝፈረሰን ደብረ ዳሞ ዝብል ስም እውን «ዳህምሞ» ካብ ዝብል ከምዝመፀን ሐዚ እውን ገድሎም የብርህ። ከምኡ ሰለዝኾነ ከዓ እቲ ገዳም ንዕንወት ከይተቓልዐ ተሪፉ። እቶም መነኮሳት ቀትሪ ዘደልዮም ኩሉ /ብዕራይ ከይተረፈ/ ብመፅዓን እናጎተቱ ብምድያብ እንትግልገሉ ለይቲ ግን ጀንደኦም ስሒቦም ብሰላም ይሓድሩ። ነዚ ዘሳልጥ ድማ በቢዓመቱ ሓላዊ ሓብሊ ይመርፁ።
እዚ 1800 ሜትሮ ልዕሊ ፀፍሒ ምድሪ ብራኸ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ገዳም ናብ ዝባን ምስደየብካ መይዳ እንትኾን ቀልቀላ-ቐልቀል እንትትዘውር ነቶም ኣብቲ ገዳም ዘለዉ ጥንታዊ መንበሪ መነኮሳት ዝኾኑ ህንፃታትን ብዝተፈላለየ ቅርፂ ተወቒሮም ማይ ዝሓዙ ሰብ ሰራሕ ቀላያትን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙርያ እቲ ገዳም ዘለዉ፣ ንዓበይቲ አኽራናት ዓድዋን ከባቢታት ኤርትራን ሓዊሱ፣ ዝተፈላለዩ ሽንጥሮታት፣ ኣኽራናት፣ ቁሸታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዓሞቕቲ ቦታታትን ክትርኢ ይሕግዘካ። ትግራይ ቱሪዚም ኮምሽን ዘሐተሞ መፅሓፈ-መፅሄት ከምዝሕብሮ፣ እዚ ገዳም ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ 1000 ሜትሮ፤ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ከዓ 500 ሜትሮ ይዕቀን። በዝሒ እቶም ማይ ከዕቑሩ ተባሂሎም ዝተወቐሩ ጉድጓዳት /ሆረየታት/ ግን ምስ ስፍሓት እቲ ገዳም ዝኸዱ ኣይኮኑን። ኣብዛ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ስፍሓት ዘለዋ ገዳም ልዕሊ 40 ጎዳጉዲ ማይ ኣለዉ። ሕድሕድ ገዛ መነኮስ እንተነኣሰ ሓደ ጉድጓድ ማይ ኣለዎ። ስለዚ መነኮሳት ንመሕፀቢ ክዳን፣ ንመብሰሊ ምግቢን መስተን ካብዞም ኣብ ሕድሕድ ገዛኦም ዝርከቡ ሆረየታት ይጥቀሙ። እዞም ሆረየታት ዝፍልፍሉ ኣይኮኑን ኣብ ዝባን ኮኽሒ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክትረክብ ኣይትፅበን። እዞም ቃላያት ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ዝዘንብ ዝናብ እዮም ዝመልኡ።
ከይሃፉ ከዓ ሳባ ዝመስል ዝሽፍን ነገር ኣለዎም። ምሽጥሮም ዘይፈለጠ ሰብ እቶም ማያት ማያት ዘይክመስሉዎ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ሳባ ግልህ እንተተብሎ ግን ፅሩይ ማይ ትረክብ። ማይካ ቀዲሕኻ ምስወፃኻ ከዓ አቲ ተጋሊሁ ዝነበረ ሽፋን ተመሊሱ ይኽደን። እቲ ሳባ ዘመስል ሽፋን እቲ ማይ ሃፊፉ ከይውዳእን ዝመፅእ ኣቦራ ምስ ማይ ከይሕወስ ኣብ ላዕሊ ክተርፍን ይገብር። ቁሩብ እንትጎድል እቶም ነዞም ጉድጓዳት ዝወቐሩ ፈለስቲ መደያየቢ ክህልዎም ገይሮም ስለዝወቐሩዎም ዝፈጠር ፀገም የለን። ኣብ ገለገሊኡ ከዓ ብላዕላዮም ክልተ ዝተፈላለዩ ጉድጓዳት ኮይኖም ብውሽጢ ዝራኸቡ ማያት ንክኾኑ ገይሮም ዝወቐሩዎም እውን ኣለዉ። ኢቲ ማይ ሕመት እናተብሃለ ዝፍለጥ ማይ ፀሎት ከዓ ምስቲ እቲ ቤተክርስቲያን ዝተፀግዐን ህንፃ እቲ ቤተክርስቲያን ዘፅልሎን እዩ። እዚ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰርሐሉ ቦታ እቲ ንፈለማ እዋን ንኣቡነ ኣረጋዊ ዘደየበ ገበል ኣወንጪፉ እንትድርብዮም ዝዓረፉሉ እውን እዩ። ኣብዚ ቤተክርስቲያን ንቖቢዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ጥንታዊ ንዋየ ቅድሳት ይርከቡ።
እቲ ንኣንፈት ምዕራብ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ዝተሰርሐ ቤተክርስቲያን ድማ ኣቡነ ኣረጋዊ ብጥቅምቲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዝተሰወሩሉ ቦታ ከምዝኾነ ንምዝካር ምስዋሮም ተባሂሉ ዝተሰየመ እዩ። ሰበይቲ ንጉስ ካብ ምዃን ምስ ወደይ ምፍላስ የሕሸኒ ብምባል ደድሕሪኦም መፅየን ከምዝመንኮሳን ኣብ እግሪ እቲ ገዳም ኣብዘሎ መቐመጢ መነኮሳይያት ከምዝነበራን ንዝንገረለን ኣዶ ኣቡነ ኣረጋዊ ንዝኾና ንመነኮሳይት እድና ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ገዳም ተቐቢሮም።
ናብቲ ገዳም ኣይኮነን ሰበይቲ ተነስተይቲ እንስሳ እውን ብህይወት እናሃለወት ከይትድይብ ሕገ ደንቢ እቲ ገዳም ይኽልክል። ስለዚ እንትርፊ ደርሆ፣ ዝኾነት እንስሳ ዘቤት ናብቲ ገዳም ክትድይብ ኣይፍቀደላን። ንዓመት በዓል ወይ ንፍትሓት ዝድይቡ ኣባጊዕ ወይ ከፍቲ እንተሃልዮም እውን ተባዕትዮ ጥራሕ እዮም። ኣብ ሞት ግን ብሓደ ኣብ ምስዋሮም ካብ ዘለዉ በዓልቲታት ኣብ ሓዲኡ ይቕበሩ። ህዝቢ እቲ ከባቢ ከዓ፣ ብሕልፊ እቲ ዓቕሚ ዘለዎ፣ ኣሰከሬን ቤተ-ሰቡ ካብ ዘለዎ ኣምፂኡ ኣብኡ የቕብር። ሐዚ ሐዚ ግን ብበዝሒ ሬሳ ዘይኮነስ ብበዝሒ ሳናዱቕ በዓቲታትና ተጨናኒቑ እናበሉ ፈለስቲ እንተንፀርፅሩ ምስማዕ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።
ብሓፈሻ እዚ ናይ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ክእላታት ህንፃ ሃገርና ጥበብ ዓቂቡ ዝሓዘን ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣኡ ፍሉይ ዝኾነን ኣብ ምስፍሕፋሕን ሃይማኖት ክርስትናን ስረሓቲ ፅሕፈት ቤተክርስትያን ዝለዓለ እጃም ዝነበሮ ፈላሚ ገዳም ኢትዮጵያ ንምርኣይ ብዙሓት ጎብነይቲ በቢመዓልቱ ናብቲ ገዳም ይመፁ። ካብኣቶም «ናብቲ ገዳም ምስወፃኹ ኣብ ጫፍ ዓለም ከምዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ» እናበሉ ዝመስከሩ ኣለዉ። እቶም ዝመፁ እውን ናይ ግድን ብሃይማኖቶም ክርስቲያን ዘይክኾኑ ይኽእሉ እቲ ቀንዲ ትኹረቶም ኣሽሓት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሶም ምርኣዮምን መንፈሶም ከሐድሱ ምኽኣሎምን እዩ። ንሕናኸ ከመይ ኣለና? ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ሎሚ ጥቅምቲ 14 ኣብ ደብረ ዳሞ ከምእንራኸብ ብምትእምማን ክፍለየኩም።

ትግራይ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ እንትክበር ዘርኢ ቪድዮ Wegahta Media Subscribe and Share our Channel. 2022

ትግራይ ዓብይ ሰብ ስኢና። መመሪፃ ትበልዕ ጠላም ሃገር ከም ሽምዓ ቐሊጦም ክንዲ ዝሃነፅዋ ዓክክ
04/05/2022

ትግራይ ዓብይ ሰብ ስኢና። መመሪፃ ትበልዕ ጠላም ሃገር ከም ሽምዓ ቐሊጦም ክንዲ ዝሃነፅዋ ዓክክ

03/05/2022

TDF ኣባላት ቃልሰና ንክዕወት ዘሕለፍዎ መልእክቲ በተለይ ኒ መንእሰይ ትግራይ 🥰💪🙏

22/04/2022

ነበርቲ ከተማ ሓውዜን ዘለዎም ፀገም ብመረረት ይገልፁ 😢😢

21/04/2022

ሽረ እንዳስላሰ
ኣብ ትግራይ ብስንኪ ዘጋጠመ ሕሱም ጥምየት ኣብ ሆስፒታል ስሑል ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዝውለዱ ህፃናት ትሕቲ ዕድመ ምኳኑ ተገሊፁ።
ብሰንኪ ስእነት ኣፋውሰን ናውቲ ሕክምናን እውን ናብቲ ሆስፒታል ዝመፁ ብመጥባሕቲ ብቀሊሉ ዝድሕኑ ኣስታት 20 ሰባት ሞይቶም ኣለው።..................መድህን ገ/ስላሰ

19/04/2022

Please watch: 14 of our Tegaru brothers and sisters that are stuck in a camp in Kenya. Their story will break your heart. One of them is a young Tigrweiti who was r***d by Fano, got pregnant and had the baby. They desperately need our help.
Send me a message Zewdi Reda and I will connect you with them. Thank you in advance 🙏🏾💛❤️

14/04/2022

UNSC ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ዓመታዊ ፀብፃብ ፆታዊ ዓመፅ ኣካቲትዋ

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ረቡዕ 5 ሚያዝያ 2014ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ዓመታዊ ፀብፃብ ፆታዊ ዓመፅ ኣካቲትዋ
ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ንምክልኻል እናሰርሐ ዝርከባ ፍሉይ ወኪል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕራሚላ ፓቴን ኣብታ ኣኼባ ተረኺበን መደረ ዘስመዓ እንተኾና ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክረኽባ ይግባእ ኢለን።
ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃሙ ዘመላኸተ እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ፣ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 18 ሃገራት ዘካተተ ኾይኑ ኣብ 2021 ዓ.ም.ፈ ጥራሕ ናብ 3ሽሕን300 ዝፅግዑ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረጋገፀ መጥቃዕትታት ዝሓዘ እዩ።
እቲ ዝቐረበ ሰነድ ካብ ፅሑፍ ብዝሰገረ ሕጋዊ ተሓታትነት ዘሰዕቡ ክኾኑ ዝፀውዓ ፕራሚላ ፓቴን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ግልፂ ዝኾነ፣ ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ሓቢረን።
ኢትዮጵያ፣ ኢራቅ፣ ሶርያ፣ ማይናማርን ኣፍጋኒስታንን ዝኸፍአ ገበን ፆታዊ ዓመፅ ዝተፈፀመለን ሃገራት ምዃነን ድማ እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ የመላኽት።

10/04/2022

ግርም ምክሪ ኒ ደቂ ኣንሰትዮ ካብ ለባም ሓፍትክን🥰👍

08/04/2022

ዝተጎዘየ ኣጀንዳ! ብ Kibrom Mulgeta
===========
እቲ ብሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝቐረበ ፀብፃብ ፣ ግፍዕታትና ንክቃላሕ ዝዘንግዐ ፣ ንኣጀንዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከፍሽል ግን ኣብ ሰዓቱ ዝመፀ ፀብፃብ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረን ኣጀንዳ ወልቃይትን ራያን ስፖንሰር እናገበረ ዝድግፍን ዩንቨርስቲ ጎንደር ኣቢሉ ፣ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ጨውዩ ካርታ ክፃወት ነዊሕ ምድላዋት እናገበረ እዩ ፀኒሑ።
ነቲ ኣስከሬን ናይ ምፍሓር ርካሽ ተግባር ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ከካይዶ ተሓቲቱ ፣ ኢደይ ኣይሓውስን ክብል እዩ መሊሱ። [ደገፍቲ ፖለቲካ ኦሮሚያ ዘለውዎ ስለ ዝኾነ እምበር ፣ እቲ ዩንቨርስቲ ጣልቃ ንዘይምእታው ክብሩ ሓልዩ ኣይኮነን]
ዩንቨርስቲ ጎንደር ፣ እቲ ኦፕሬሽን ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ከካይዶ ተሓቲቱ ምስ ሰምዐ ምንጭሩ ደርብዩ ኮርዩ ነይሩ ኢሎምዎ። ኣነ ወዲ ገዛ እናሃለኹ…ዝዓይነቱ። ናብ መንግስቲ ከም ፕሮጀክት ኣይቅረብዎን እምበር ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዘለው ፅንፈኛታት ነዚ ሓሳብ ቀዲሞም ከምዘልዐልዎ እውን ተነጊሩ ኣሎ።
እዚ ናይ ነዊሕ ሓፂር ምድላው ክግበረሉ ዝፀንሐ ኦፕሬሽን ብዙሕ ደረጃታት ነይርዎ። ኣስከሬን ምፍሓር ፣ ብሚድያ ምውዕዋዕ ፣ ሰልፍታት ክፅውዑ ምግባር ፣ ፌርማ ክተኣኻኸብ እሞ ሰራዊት ትግራይን መራሕቱን ክኽሰሱ ፣ ብፍላይ እዚ ገበን ካብ ዝፈፀሙ ኣካላት ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ስለ ዘለው ምፅራይ ይገበረልና ወዘተ ዝብሉ ሃልክታት ዝሓዘን ብትልሚ ኣብ ኣጀንድኦም ኣእትዮም ኮለል ከብሉናን ዝተሓሰበ ነይሩ።
ኣብ መብዛሕትኦም ፀወታታት ስፖርት “ታይሚንግ” ዝበሃል ቀመር ኣሎ። ኣብ ኩናት እውን ኣብ ፖለቲካ እውን ይሰርሕ እዩ። ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን “ታይሚንግ” ሓልዮም ፣ ነቲ ኣጀንዳ ‘ጉዝይ’ ኣቢለምዎ።
ኮነ ተባሂሉ ድዩ ናይ ኣጋጣም ፣ እንድዒ! ብዝኾነ ተጎዝዩ።
እዛ ቪድዮ ነቲ ብክልቲኦም HRWን AIን ዝወፀ በዓል 240 ገፅ ፀብፃብ ኣሕፅር ኣቢላ እትገልፅ እያ። ንጠቐመላ።

06/04/2022

ደቀን ናብ ምግዳል ዝለኣካ ኣዴታት ሰራሕ ኣብዘይርከበሉ ገዛ ክራይ ዘይከፈልክን ኢሎም ዘውፅእወን ተጋሩ ካፍቶም ዝቀትሉና ዘለው ብምንታይ ይፍለዩ 😢😢😢

06/04/2022

Tigray Defence Force

06/04/2022

ናይ ትግራይ ብሄርተኛ ቲ ዘሎ ቃልሲ ክመርሖ ይግባእ።
ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ነፂልካ ምንባር ኣይከኣልን።
https://www.youtube.com/c/WegahtaMediaWM11/videos

05/04/2022

Thank You Parliament UK

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Wegahta Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share