Tigray intercept

  • Home
  • Tigray intercept

Tigray intercept tigray intercepet news media

02/01/2023

ስለ ሀገሪቱ ሁኔታ !!

ዜና ዓወትንዝሓለፉ 39 መዓልታት ብኹሉ ግምባራት ብዘይምቁራፅ ሓይልታት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድን ፋሽስት መንግስቲ ኤርትራን ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋፊሮም ማእለያ ዘይብሉ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓ...
01/10/2022

ዜና ዓወት

ንዝሓለፉ 39 መዓልታት ብኹሉ ግምባራት ብዘይምቁራፅ ሓይልታት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድን ፋሽስት መንግስቲ ኤርትራን ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋፊሮም ማእለያ ዘይብሉ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓይሊ ኣኽቲቶም ዝጀመርዎ መጠነ ሰፊሕ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብራስን ምፅናትን ወፍሪ ወራር ሓየት ሰራዊትና ሕዚ እውን ብፅንዓት ይምክቶ ኣሎ።

ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ኣብ ዝኣተናዮ ኩናት ህዝብን መንግስትን ትግራይ መሬት ዓፋር ማእኸል ውግእ ከይኸውን ዝለዓለ ጥንቃቐ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን በደምን ህይወትን ህዝብታት ህይወቱን ስልጣኑን ዘናውሕ ዘሎ ባዕዳዊ ወራሪ ስርዓት ኢሳያስ ብኣንፈት በራሕለ ኣቢሉ መቐለ ንምእታው ዓሊሙ ብዝኸፈቶ ወራር መሬት ዓፋር ማእኸል ውግእ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።

ነዚ ብኣንፈት በራሐለ ገይሩ መቐለ ንምእታው ዝተንቀሳቐሰ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት ምስ ሙሉእ ናይ መካናይዝድ ዓቕሙ ንዝገበሮ ወፍሪ ወራር ብሓየት ሰራዊትና ተወቒዑ ሙሉእ ንሙሉእ ተደምሲሱ ኣሎ።

ኣብዚ ግንባር ዝነበረ ሓይሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት፣ ብርጌድን ቦጠለንን ሓዊሱ ምውት፣ ቁስልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ማእኸላይን ፎከስትን ብረታት፣ ዕጥቅን ተተኳስን ከምኡ እውን መራኸቢ ሬድዮታትን ብጅግና ሰራዊትና ተመንዚዑ ኣሎ።

ፀላኢ ብግንባር ዓዲ-ዓርቃይ ፀለምቲ ተቖፃፂሩ ናብ ሽረ ንምእታው ክገብሮ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊትና ድሕሪ ምፍሻል ብፀረ መጥቃዕቲ ኣቢሉ ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ደምሲሱ ዓዲ-ዓርቃይን ከባቢኡን ዝተቆፃፀረ ሰራዊትና ንግዚኡ ኣብ ዓዲ ኣርቃይን ከባቢኡን ዓሪዱ ኣሎ።

ኣብዚ ግምባር፣ ፀላኢ ልዕሊ ትሽዓተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ መከናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድ፣ ከምኡ እውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመት ናይ ኣምሓራ ፉሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ዝተሳተፉ እንትኾኑ ዝበዝሕ ሓይሎም ምውት፣ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ንድሕሪት ሃዲሙ ኣሎ።

ብኣንፈት ፀሊሞይ ተከዘ ሰጊሩ ሽረ ንምእታው ንኻልኣይ ግዜ ወፊሩ
ዝነበረ 18 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ክልተ መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ቦጠሎኒ ኮማንዶ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀር ፉሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ኣምሓራ ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ዝዓቢ ሓይሉ ተወቒዑ ዝተረፈ ድማ ናብ ዝመፀሉ ተመሊሱ ኣሎ።

ብግንባር ደቡብ ፀላኢ ክግበሮ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊትና ብዝግባእ ይምከት ኣሎ። ኣብዚ ግንባር ብኣንፈት ትኹለሽ፣ በላጎ፣ ጎብዬን ወርቄን 19 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊት፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ሪፐብሊካን ጋርድ ፣ ሓደ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ከምኡ እውን ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ብርክት ዝበለ ፋኖን ሚልሻን እናተሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ መስተንክራዊ ጅግንንትን ፅንዓትን መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና ዘዝመፀ ሓይሊ እናቐሽመደ ታሪካዊ ቅያ ይፍፅም ኣሎ።

ብግንባር ኣድያቦ ካብ ተከዘ ክሳብ መረብ ዝተዘርገሐ ኩለ-መዳያዊ መጥቃዕቲ ልፍንታዊያን ወራር ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኣሎ።
ኣብዚ ግንባር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንባዕዳዊ ወራሪ ኣሕሊፉ ዝሃቦም 18 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ክልተ ኮማንድ ክፍላተ ሰራዊትን ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝግመት ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ከምኡ እውን 24 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊትን ክልተ መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ዕሱብ ሰራዊት ህግዴፍ እናተሳተፍሉ ዘለዉ ሰፊሕ ወፍሪ እዩ። ሓየት ሰራዊትና ኣብዚ ግንባር እውን ህዝብና ንምፅናት ንዝወፈሩ ሓይልታት ብልዑል ፅንዓትን ተጋድሎን ይምክቶም ኣሎ።

ሰራዊት ትግራይ ንዝሓለፉ 39 ተኸታተልቲ መዓልትታት ቐትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ብዝገብሮ ዘሎ መስተንክራዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ከቢድ ኪሳራ ኣብፂሑ ኣሎ። ዛጊድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 93 ሺሕ ሓይሊ ፀላእቲ ምውትን ቁስልን እንትኾን ልዕሊ 10 ሺሕ ድማ ተማሪኹ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ከቢድ ብረት፣ ሰለስተ ቲ-72 ታንክታት፣ ብኣሽሓት ዝግመት ማእኸላይን ፎኮስትን ብረት፣ ብርክት ዝበለ መራኸቢ ሬድዮ፣ ብርክት ዝበለ ዕጥቅን ተተኳስን ተመንዚዑ ኣሎ። 16 ታንክታት ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ኣፅዋር ፀላኢ ድማ ብጅግና ሰራዊትና ዓንዩ ኣሎ።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ኩሉ ክኢልካ ለይትን ቐትርን ብዘይዕረፍቲ "ድፋዕ ህልውናና ኣየስበርን ኢልካ" ብመስተንክር ፅንዓትን ጅግንነትን ፉሉይ ቅያን ታሪኽን እትሰርሕ ንዘለኻ ጅግና ሰራዊትና ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝለዓለ ኣኽብሮቱን ናእድኡን እናገለፀ ዝጀመርካዮ ፅኑዕ መኸተ ኣጠናኺርካ ቐፅል፣ ዓወትካ ድማ ብዘይጥርጥር ክግሃድ እዩ።

ኩሉ ዝክኣለካን እዚ ጎዲሉካ ዘይትብሃልን ሓላል ህዝብና ክሳብ ሕዚ ብዝገበርካዮ ኩለመዳያዊ ናይ ህልውና ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ክስከሙ ትገብሮም ኣለኻ። ነዚ ክሳብ ሕዚ እናካየድካዮ ዝመፃእኻ ቃልሲ ድማ ወታደራዊ ኮማንድ ስውራዊት ትግራይ መዘና ዘይብሉ ክብሪ ከምዘለዎ ክገልፀልካ ይፈቱ። ይኹን እምበር እዞም ደመኛ ፀላእትና ኣብ ገፅ መሬት ክሳብ ዝሃለዉ ንዓኻ መሊኦም ካብ ምጥፋእ ንድሕሪት ስለዘይብሉ ሕዚ እውን ቃልስኻ ዝያዳ ክተሐይልን ርብርባትካ
ብዝበለፀ ንክተጠናኽርን ይግባእ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!

ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
21 መስከረም 2015 ዓ.ም
መቐለ

29/09/2022

ዉልቀ መላኺ ሰርዓት ኤርትራ ዕለተ መስቀል 17 መስከረም 2015 ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ በዝፈፀሞ ደብዳብ ነፈርቲ ሂወት ብዙሓት ሓሊፉን ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎምን ኣለዉ፣ ኣብታ ከተማ ከቢድ ዕንወት ኣጋጢሙ ኣሎ።
ዉልቀ መላኺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ይፍፅሞም ካብ ዝፀንሑ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ ብረት ዘስዓቦ ብርሰትን ብተወሳኺ ኣብ ህዝቢ ዝእከበሎም ከተማታት ደብዳብ ሚግ-29 ዝዓይነተን ነፈርቲ ደብደብ ብምፍፃም ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ኣብ ምጭፍጫፍ ተዋፊሩ ይርከብ።
ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ሰይጣናዊ ስርዓት ካሊእ ክፅበ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ ብጃምላ ናይ ምጭፍጫፍ ተግባሩ ብኹሉ ኣማራፂታት እናፈፀሞ ፀኒሑን ኣሎን።

ንፅናዕ! ንቃለስ! ንተዓወት!!
ትግራይ ትስዕር!

በበራሕለ ግንባር ትግራይን ለማጥቃት የመጡት 5 የኤርትራ ሰራዊት ክፍለ ጦሮች ማለትም 22ኛ ክ/ጦር: 30 ክ/ጦር: 38ኛ ክ/ጦር: 61ኛ ክ/ጦር እንዲሁም 67ኛ ክ/ጦር ሙሉ ለሙሉ ከጥቅም ው...
29/09/2022

በበራሕለ ግንባር ትግራይን ለማጥቃት የመጡት 5 የኤርትራ ሰራዊት ክፍለ ጦሮች ማለትም 22ኛ ክ/ጦር: 30 ክ/ጦር: 38ኛ ክ/ጦር: 61ኛ ክ/ጦር እንዲሁም 67ኛ ክ/ጦር ሙሉ ለሙሉ ከጥቅም ውጭ ተደርገዋል::

ባዕዳዊው ሰራዊት ከነ ሙሉ ትጥቃቸው እንዲሁም በመካናይዝድ ሀይል ድጋፍ ነው ሲዋጉ የነበሩት:: አብዛኞቹ የሰራዊቱ አዛዞች ተገድለዋል: የተማረኩም አሉ::



ድል ለትግራይ ህዝብ!

ድል ለትግራይ መከላከያ ሰራዊት!

28/09/2022

ሽሬን ለመያዝ የመጣው የአብይ ተላላኪ ወራሪ ሀይል !!! የእጁን በጀግናው የትግራይ ሰራዊት አግኝቷል !!!!

ትግራይ ትስዕር !!!!!

28/09/2022

ሎሚ 17 መስከረም 2015 ኣ.ግ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኣን ደብዳብ ከቢድ ብረት ከካይዱ ውዒሎም: ኣብ ሰላማውያን ወገናትን ንብረትን ድማ ጉድኣት ኣብፂሖም:: ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርትን ድሮናትን ኣካይዱ እዩ::

ዕርዲ ሰራዊት ትግራይ ክሰብሩ ዘይክኣሉን ዝበፅሖም ዘሎ ከቢድ ውቅዒት ሰራዊት ትግራይ ክፃወሩ ዘይክኣሉ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰላማውያን ወገናት ደብዳብ ምክያድ ቀንዲ ተግባሮም ገይረምዎ ኣለው::

ሓየት ሰራዊት ትግራይ ሐዚ እውን ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት እናመዝገበ ፀላእቱ እናሓምሸሸ ይርከብ::


ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት!

ትግራይ ትስዕር!

TDF !!!
27/09/2022

TDF !!!

በራሕለ ግንባር የተማረኩ የኤርትራ ሰራዊት አባላት1. ኢብራሂም ኣደም - ከንኡስ ዞባ ፎሮ2. ሳልሕ ዓብዱ - ከዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ3. ማሕሙድ መሓመድ አደም ዑስማን - ከአዶብሓ 4. ሓም...
27/09/2022

በራሕለ ግንባር የተማረኩ የኤርትራ ሰራዊት አባላት

1. ኢብራሂም ኣደም - ከንኡስ ዞባ ፎሮ
2. ሳልሕ ዓብዱ - ከዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ
3. ማሕሙድ መሓመድ አደም ዑስማን - ከአዶብሓ
4. ሓምድ ሳልሕ ሓምድ - ከአፍ ዓበት

ሁሉም ምርኮኞች ከ61ኛ ክፍለ ሰራዊት ናቸው::

ተአምራዊው የትግራይ መከላከያ ሰራዊት በጀግንነት ከባዕድ የኤርትራ ሰራዊትና ከኢትዮጵያ ሰራዊት እንዲሁም የአማራ ልዩ ሀይል ጋር ከ10 ግንባሮች በላይ እየተፋለመ በሚያስደንቅ ሁኔታ ለማመን የ...
27/09/2022

ተአምራዊው የትግራይ መከላከያ ሰራዊት በጀግንነት ከባዕድ የኤርትራ ሰራዊትና ከኢትዮጵያ ሰራዊት እንዲሁም የአማራ ልዩ ሀይል ጋር ከ10 ግንባሮች በላይ እየተፋለመ በሚያስደንቅ ሁኔታ ለማመን የሚከብዱ ድሎች እያስመዘገበ ይገኛል::



በአለም ታሪክ ታይቶ የማይታወቅ የባንዳነት ተግባር በኦሮምያ ብልፅግና መሪነት እንዲሁም ተላላኪዎቻቸው የአማራ ብልፅግና እና ግብረአበሮቻቸው ታይቷል:: እነዚህ ከሀዲዎች ያላወቁት ነገር አለ:: የትግራይ ህዝብ ለብዙ ሺ አመታት ህልውናው እና ደህንነቱ ያረጋገጠው ከትውድል ትውልድ በተደረጉ ትግሎች በተከፈሉ ክቡርና ውድ መስዋእትነት እንጂ በማንም ፍቃድ አይደለም:: የአሁኑ ትውልድም ልክ እንደ ቀደሞቹ የገጠመው ፈተና አልፎ ለቀጣይ ትውልዶች በታሪኳ እና በጀግነቷ ለየት ያለች ሀገር ትግራይ ማስረከቡ አይቀርም::


ኢትዮጵያ የምትባል ሀገር መስርቶ: ገንብቶ: ተከብራ እና ታፍራ እንድትቆይ ያደረጉ በዋናነት የትግራይ ጀግኖች ናቸው:: ከትግራይ ህዝብ በላይ ለኢትዮጵያዊነት እና ኢትዮጵያ ዋጋ የከፈለ የለም:: ነገርግን ባንዳነት ክብር በሆነበት በዚህኛው የኢትዮጵያ ትውልድ ዘመን የትግራይ ህዝብ ተካደ:: ጦርነት በህዝብ ቁጥር የሚመስላቸው ህሊና ቢሶች ከ120 ሚልየን በላይ ህዝብ አለን እያሉ ይህ አልበቃ ብሏቸው ደም በላው የኢሳያስ ስርአትና አራዊቱ የኤርትራ ሰራዊት በህዝባችን ላይ የዘር ማጥፋት ተግባር እንዲፈፀም ጋበዙ:: ይህ ህዝብ ኢትዮጵያዊነት እና ኢትዮጵያ ቢፀየፍ ምን ሃጥያት አለው? ምንም!



እነዚህ ጠላቶቻችን ባንዳነታቸው ለመሸፈን ህወሓት ከውጭ ሀይሎች ጋር ይሰራል የሚል ተረት ተረት አላቸው:: ነገርግን በተረት ተረት እንጂ አንድም ማስረጃ ማቅረብ አይችሉም:: የእነሱ ባንዳነት ግን በአለም ሀገራት እና ሚድያዎች ጭምር የተረጋገጠ ነው:: በአንድ ሺህ አመታት ታግለው ስልጣን ሊያገኙ የማይችሉ አካላት ለዴሞክራሲና ለሀገሪቷ ሰላም ተብሎ በሰላማዊ መንገድ ተላለፈላቸው:: እነኚህ በ'በታችነት ስሜት የሚሰቃዩት የኦሮምያ ብልፅግና አካላት ከተለያዩ ባዕዳውያን ሀገራት ጋር በማበር ባለ ብዙ ታሪክ: ጀግንነት: ታታሪ እና የሌላውን የማይፈልግ ህዝባችን ለማጥፋት ተነሱ:: ከባድ ዋጋ ይከፈል ይሆናል እንጂ የትግራይ ህዝብ አይሸነፍም::


ባዕዳዊ የኢሳያስ: ባንዳው የፋሽስት አብይ ሰራዊቶች ይቀበራሉ:: ትግራይ ታሸንፋለች:: በአሁኑ አገዛዝ ያሉት የትግራይ ዘር ማጥፋት ወንጀል እንዲፈፀም በቀጥታና በተዘዋዋሪ የተሳተፉ ፓለቲካዊና ወታደራዊ አመራሮች: ሚድያዎች: የሶሻል ሚድያ ሰዎች: ስነ ጥበባውያን: የትግራይ ባንዳዎች... ወዘተ እጣ ፈንታችሁ ከሂትለር አገዛዝ አካላት የተለየ አይሆንም:: የማይነጋ ሌሊት የለም:: "ጊዜ ለኩሉ" እንደሚባለው 1 ወር ይሁን 1 አመት: 5 አመት ይሁን 10 አመት የፈጀው ጊዜ ይፍጅ በገባችሁበት ሀገር ተገብቶ ለሌሎች ትውልዶች በሚያስተምር ሁኔታ የሚገባችሁን ፍትህ ተግባራዊ መሆኑ የማይቀር ነው:: ኢትዮጵያ የምትባል ሀገር ብትቀጥልም ብትፈርስም በዚህ ታሪክ የሚያፍሩ ትውልዶች መምጣታቸው አይቀርም::






የትግራይ ህዝብ በትግሉ ደማቅ ታሪክ ሰርቶ ያሸንፋል!

ድል ለትግራይ ህዝብ! ድል ለትግራይ መከላከያ ሰራዊት!

ትግራይ ትስዕር!

ፈርጣጩ እና ሽንታሙ የምርኮኛው ዘር  አብይ  ጦር ሜዳ ላይ ሲቀጠቀጥ !!  ጀት በመላክ መቀለ ውስጥ የሚገኝ ት/ቤት  ደብድቧል !!!
26/08/2022

ፈርጣጩ እና ሽንታሙ የምርኮኛው ዘር አብይ ጦር ሜዳ ላይ ሲቀጠቀጥ !! ጀት በመላክ መቀለ ውስጥ የሚገኝ ት/ቤት ደብድቧል !!!

የትግራይ ፕሬዝዳንት ግልፅ ደብዳቤ በአፍሪካ ህብረት እና በዓለም አቀፉ ማህበረሰብ በኩል በትግራይ ላይ የተከፈተው ይፋዊ ወረራ በሰላም ለመፍታት በተደረገው ጥረት የትግራይ መንግስት እና ህዝብ...
25/08/2022

የትግራይ ፕሬዝዳንት ግልፅ ደብዳቤ

በአፍሪካ ህብረት እና በዓለም አቀፉ ማህበረሰብ በኩል በትግራይ ላይ የተከፈተው ይፋዊ ወረራ በሰላም ለመፍታት በተደረገው ጥረት የትግራይ መንግስት እና ህዝብ ያሳዩት አቋም ለሰላም ካላቸው ስትራቴጂካዊ ፍላጎት እንጂ ድክመት አለመሆኑን የትግራይ መንግስት ፕሬዝዳንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገለፁ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ለአፍሪካ ህብረቱ ሊቀ መንበር ማኪ ሳል፣ ለተባበሩት መንግስታት ድርጅት ዋና ፀሃፊ አንቶንዮ ጉተሬዝ፣ ለአሜሪካው የውጭ ጉዳይ ሚኒስተር አንቶንዮ ቢሊንከንና ለሌሎች ዓለም አቀፍ መሪዎች በፃፉት ግልፅ ደብዳቤ የትግራይ ህዝብ እና መንግስት ለሰላም ያላቸው ዝግጁነት በተግባር እያሳዩ ባሉበት ወቅት የፋሽስቱ ቡዱን እና አጋሮቹ ግን በትግራይ ላይ ወታደራዊ ጥቃት ለመክፈት እየተዘጋጁ እንደ ነበር ነሓሴ 17 ቀን ማለትም ወታደራዊ ጥቃቱ ከመከፈቱ አስቀድሞ ከአንድ ቀን በፊት ደ/ር ደብረፅዮን አስቀድመው አስታውቀው እንደነበር ታውቋል።

በአፍሪካ ህብረት የታሰበው የሰላም እና የድርድር ጉዳይ በሃላፊነት እንዲመሩት የተመረጡት ኦሊሰጎን አባሳንጆ የጦርነቱ መነሻ በአግባቡ ባለመረዳታቸው የታሰበው ድርድር ገና ከጅምሩ ሊወድቅ እንደ ቻለ የገለፀው ግልፅ ደብዳቤው ዋና የትግራይ ህዝብ እና መንግስት ጥያቄዎች የተቋረጡ አገልግሎቶች ማስጀመር፤ ያልተገደበ ሰብኣዊ ድጋፍ፤ የተጠያቂነት መረጋገጥ እና ወራሪ ሀይሎች ከትግራይ መውጣት እንደነበር በደብዳቤቸው አስረድተዋል፡፡

ነሓሴ 19/2014 ዓ/ም

24/08/2022

ካብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ
======================================
ፀላኢ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ሕዚ እውን ኩሉ ዓቕሙ ተጠቒሙ ሰፊሕ ርብርብ ይገብር ኣሎ፡፡ መከላኸሊ መስመርና ክሰብርን በዚ ኣቢሉ ድማ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንምብስባስ ክገብሮ ዝኽእል ኩሉ ይገብር እኳ እንተሃለወ ክኾነሉ ግን ኣይከኣለን፡፡

ኩርዓትን ሓበንን ህዝቢ ትግራይ ዝኾንካ ጅግና ሰራዊትና ፀላኢ ዝጀመረልካ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ፅንዓት መኪትካ ዕርድኻ ከየድፈርካ ተካይዶ ዘለኻ ትኣምራዊ ተጋድሎ ታሪኻዊ እዩ፡፡ ኣብ ቅድሜኻ ዝንሀ ሓይሊ እቲ ትማሊ ትፈልጦን ደጋጊምካ ዝስዓርካዮን እዩ፡፡ ንሰላም ተሓሲሙ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ብዘተኣማምን መኪትካ ንዝለዓለ ተልእኾ ተዳሎ፡፡

ፀላኢ ንዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ናይ ሰላም ሓይሊ መሲሉ ዓለም ከደናግር እናሃውተተ ፀኒሑ እዩ፡፡ ንኵናት የድሊ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ምድላውን ምቅርራብን እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ገላፅን ተፈጥሮኣዊን ባህሪኡ ዝኾነ ብሓይሊ ባህጉን ሕልሙን ንምዕዋት ብግንባር ደቡብ ወራረ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ብምዕራብ ግንባር እውን መጥቃዕቲ ክጅምር ምቅርራብ ይገብር ከምዘሎ ብጥብቂ ንከታተሎ ዘለና እዩ፡፡ ፀላኢ ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ተፃብኦ ደው ኢሉ ናብ ሙሉእ ናይ ሰላምን ዘተን መፍትሕ ንምእታው ክግበር ዝፀንሐ ፃዕሪ መሊኡ ክዕፆ ይገብር ኣሎ፡፡ እዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ንመንገዲ ሰላም ተሓሲሙ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኩለመዳይ ቅልውላውን ዘይምርግጋዕን ብኵናት ንምኽዋል ኢሉ ናብ ዝኸፍአ ህልቂትን ጥፍኣትን ዘእቱ ተግባር ይፍፅም ኣሎ፡፡ ካብ ኵናትን ዕግርግርን ወፃኢ ምንባር ዘይኽእል እዚ ፀረ ህዝቢ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ መሰለይ፣ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዴሞክራሲ፣ ዝበለን ዝሓተተን ህዝቢ እናጨፍጨፈ በብመዓልቱ ህይወት ንፁሃት ብከንቱ ክረግፍ ይገብር ኣሎ፡፡ ኣብ ኦሮሚያ፣ ዓፋር፣ ሶማል፣ ቤንሻንጉል፣ ጋምቤላ፣ ክልል ደቡብን ኣብ ህዝቢ ኣምሓራን ማእለያ ዘይበሉ ግፍዕን ህልቂትን ይፍፅም ኣሎ፡፡ ኩሉ ክግንዘቦ ዝግባእ ፀላኢ እዚ እዩ ባህሪኡ፤ እዚ እውን እዩ ዝገብር ዘሎ፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላምን ዘተን ዘለዎም ቅሩብነት ካብ ምግላፅ ሓሊፎም ብተግባር እውን ኩሉ ክግበር ዝግብኦ ፃዕሪ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም፡፡ ኣብ ንቡር እዋን ኮይንና ኣይኮንናን ሰላም ተመኒና፡፡ ንሰላም ኢልና ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ኩሉ ዓይነት መከራን ስቓይን ተሸኪምና፣ ብጥምየትን ሕማምን በብመዓልቱ ህይወት እናገበርና ኢና ንሰላም ኢድና ዘርጊሕና ፀኒሕና፡፡ ካብ ሎሚ ፅባሕ መፍትሕ ክመፅእ እዩ ኢልና ንምሽካሙ ዝኸብድ ዓፀቦ ተሸኪምና፣ ልቢ ገዚእና ክንፅበ ፀኒሕና፡፡ ሕዚ እውን ዘላቒ መፍትሕ ዝመፅእ ብሰላምን ዘተን ምዃኑ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ዘይንቕነቕ ፅኑዕ እምነትና እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ሰላም ንሕና ጥራሕ ስለዝደለናዮን ዝተመነይናዮን ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ፀላኢ መንገዲ ሰላም ነፂጉ በቲ ዝጀመሮ ዝቕፅል እንተኾይኑ ንሃለዋትናን ዘላቒ ድሕንነትናን ክንብል ስጉምቲ ክንውስድ ንግደድ ምህላውና ማሕበረሰብ ዓለም ኮነ ህዝብታትን ሓይልታትን ኢትዮጵያ ክግንዘቡ ይግባእ፡፡

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም
መቐለ

24/08/2022

የትግራይ ሰራዊት ወታደራዊ ኮማንድ መግለጫ

የተከበርክ የትግራይ ህዝብ

ጠላት በደቡባዊ ግምባር በዛ ግምባር ከቆዩትና ከሌሎች አከባቢዎች ያሰባሰባቸው የአማራ ልዩ ሀይል ክፍለጦሮች፤የወሎ ፋኖ እና ሚሊሻዎችን ባለፉት አምስት ቀናት እያዘጋጀ ከቆዬ በኋላ የፌደራል መከላከያ ሀይል አካላት የሆኑት 6ተኛ እና 8ተኛ እግረኛ እዞችና የ2ተኛ 6ተኛ እና 8ተኛ ሜካናይዝድ ክፍለጦሮችን ጨምሮ ዛሬ ነሓሴ 18 ቀን 2014 ዓ/ም ከማለዳው 11 ሰዓት ጀምሮ በጩቤበር፤ጃኖራ፤ጉባጋላ እና ያሎው አቅጣጫዎች ወደ አላማጣ ባላና ብሶበር ሰፊ የማጥቃት ዘመቻ ጀምርዋል።

ጠላት በዚህ ግምባር የጀመረው የማጥቃት ዘመቻ ደቡብ ትግራይን በቁጥጥሩ ስር ለማስገባት እንዲችል የሚገፋ አጋዥ የማጥቃት አቅጣጫ እንጂ ዋናው የማጥቃት እቅዱ ከምዕራብ ትግራይ እና ምዕራብ ጎንደር ወደ አድያቦ እና አስገደ ፅምብላ መሆኑ ቀድሞ የታወቀ ጉዳይ ነው።

ጠላት በዘመናዊ የዓለም ታሪክ ታይቶ በማይታወቅ መልኩ የትግራይ ህዝብን ሙሉ በሙሉ ዘግቶ ታሪክ የማይረሳው ግፍና ስቃይ እያደረሱ ከቆዩ በኋላ አሁን ተዳክሟልና በጦርነት ሙሉ በሙሉ ልጨርሰው እችላለሁ ባለበት ገዜ ለተወሰኑ ወራት የቆየውን ግጭትን የማቆም ስምምነት በመጣስ ሲያካሂደው ለቆየው ህዝብን የማጥፋት ጦርነት አጠናቅሮ የቀጠለበት መሆኑን በዛሬው ማለዳ በጀመረው ወታደራዊ ጥቃት በይፋ ገሃድ አድርጎታል።

የተከበራችሁ መላው የትግራይ ልጆች

ጠላት ከዚህ ቀደም በሚታወቀው የማጥቃት እቅዱ መነሻ በማድረግ የጀመረው ማጥቃት እንዲቆም ካላደረገው የትግራይ ሰራዊት በአስተማማኝ መልኩ በመመከት ሰብሮ ወደ ፀረ ማጥቃት በማሸጋገር የተወረረው የትግራይ ሉአላዊ መሬት ለመመለስና የተፈናቀለው ህዝባችን ወደ ቦታው እንዲመለስ ለማስቻል ያለው ዝግጁነት ሙሉ መሆኑን የትግራይ ሰራዊት ወታደራዊ ኮማንድ ለመግለፅ ይወዳል።
የተከበራችሁ የኢትዮጵያ ህዝቦች እና የፖለቲካ ሀይሎች
የትግራይ ህዝብ ሀገሬ ለሚላት ሀገር እጅግ ውድስ ዋጋ የከፈለ ጠንካራ ኢትዮጵያዊ እንጂ ጠላት አይደለም።

ነገር ግን ጠላቶቻችን ለዚህ ለራሱ ፅኑ ኢትዮጵያዊ አድርጎ ሲያስብ ለነበረው ህዝብ እየፈፀሙት ያሉት ህዝብን የማጥፋት ተግባር ቀጥለውበት እስካሁን ሙሉ በሙሉ ከበው የረሀብ፤የበሽታ እና የጭንቀት ሰለባ አድርገውት ቆይተው ዛሬ ደግሞ ወታደራዊ ጥቃት ጀምረዋል።

ነገር ግን ይህ ፍላጎታቸው በሀይል ሊያሟሉት ፍፁም እንደማይችሉ በመገንዘብ ጦርነቱ እንዲቆምና የትግራይ ህዝብ እንደ ህዝብ ህልውናውና ቀጣይነቱ ለማረጋገጥ ሲል እያደረገው ባለው ያልተቆጠበ ትግል ወገናዊ ድጋፋችሁን እንድታሳዩት የትግራይ ሰራዊት ወታደራዊ ኮማንድ ጥሪውን ያቀርብላቹሀል።

የትግራይ ሰራዊት ወታደራዊ ኮማንድ
ነሓሴ 18 2014 ዓ/ም
ትግራይት

መግለፂ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት  ትግራይዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይፀላኢ ብግንባር ደቡብ ኣብቲ ግንባር ዝፀንሑን ካብ ካልእ ኸባቢ ዝወሰኾሙን ናይ ኣምሓራ ክልል ክፍላተ ሰራዊት ናይ ወሎ ፋኖን ም...
24/08/2022

መግለፂ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ፀላኢ ብግንባር ደቡብ ኣብቲ ግንባር ዝፀንሑን ካብ ካልእ ኸባቢ ዝወሰኾሙን ናይ ኣምሓራ ክልል ክፍላተ ሰራዊት ናይ ወሎ ፋኖን ምልሻን ኣብ ዝሓለፉ 5 መዓልታት ናብ ቕድሚት እናቀራረበ ድሕሪ ምቅናዩ ናይ ፌደራል ሓይሊ ምክልኻል ኣካላት ዝኾኑ 6ይን 8ይን እዝታትን ናይ 2ይ፣6ይን 8ይን መከናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ወሲኹ ሎሚ ዕለት 18 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ወጋሕታ 11 ሰዓት ብኣንፈታት ጩቤ በር ፣ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ ፣ባላን ቢሶበርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብዚ ግንባር ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ንምእታው ክንዲ ዝኽእሎ ዝደፍእ ሓጋዚ መጥቃዕቲ ኣንፈት እምበር እቲ ቀንዲ መጥቃዕቱ ካብ ምዕራብ ትግራይን ምዕራብ ጎንደርን ናብ ኣድያቦ፣ኣስገደን ፀለምትን ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ዝሓደረ እዩ።
ፀላኢ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ዓለም ዘይተርኣየ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ዓፅዩ ዘልኣለም ዘይርሳዕ ግፍዕን ስቓይን እንዳብፀሐ ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ ተዳኺሙ እዩ ብውግእ ክውድኦ ይኽእል እየ ኣብ ዝበለሉ እዋን ነቲ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ተፃብኦ ደው ምባል ጢሒሱ ነቲ ክገብሮ ዝፀንሐ ናይ ፅንተት ኲናት ኣጠናኺሩ ኽቕፅል በዚ ናይ ሎሚ ወጋሕታ መጥቃዕቲ ብዕሊ ኣግሂድዎ ኣሎ።
ዝኸበርኩም መላእ ደቂ ትግራይ!
ሰራዊት ትግራይ ፀላኢ እቲ ቅድም ኢሉ ዝፍለጥ ናይ መጥቃዕቲ ትልሙ መበገሲ ገይሩ ጀሚሩዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው እንተዘየቢሉ ብዘተኣማምን ብምምካትን ሰይሩ ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ብምስጋርን ዝተወረረ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ዝተፈናቀለ ህዝብናን ናብ ንቡሩ ቦቱኡ ክምለስ ንምኽኣል ዘለዎ ድልውነት ሙሉእ ምኻኑ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ክገልፅ ይፎቱ።
ዝኸበርኹም ሕዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዬጵያ
ህዝቢ ትግራይ ሃገረይ ንዝበላ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ጠንካራ ኢትዬጵያዊ እምበር ፀላኢ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ፀላእትና ኣብ ልዕሊ እዚ ንባዕሉ ፅኑዕ ኢትዬጵያዊ ገይሩ ዝሓስብ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀምዎ ዘለዉ ፅንተት ቀፂሎም ክሳብ ሐዚ ከቢቦም ኣደዳ ሞትን ጥምየትን ፣ሕማምን ጭንቀትን ገይሮሞ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ጀሚሮም ኣለዉ።ኮይኑ ግና እዚ ድልየቶም ብሓይሊ ከማልእዎ ፍፁም ከም ዘይኽእሉ ብምግንዛብ ኲናት ደው ክብልን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ህልውንኡ ቐፃልነቱን ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዘይተሓለለ ቃልሲ ወገናዊ ድገፍኩም ክተርእዩ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ፃዊዒቱ የቕርበልኩም።
ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
ነሓሰ 18/2014 ዓ/ም
ትግራይ ትስዕር!

ሀገረ ትግራይ !!!
22/08/2022

ሀገረ ትግራይ !!!

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray intercept posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share