09/06/2024
#ናብ ኩለን ፖለቲካዊ #ውድባት ትግራይ❗
ፀላእትና ትግራይን ህዝባን ካብ ምድረ ገፅ ንክጠፍእ ዝፈፀምዎ ጀኖሳይዳዊ ፅንተት ኣይኣኽልን ኢልዎም ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ እውን ዝተፈላለዩ ፕላናት እናውፅኡ ህዝብና ኣብ ስቓይን ዓፀቦን ክነብር ጥራይ ዘይኮነስ ብኹለመዳይ ሸነኽ ውዲቶም ክነጥፉ ፀኒሖም ሐዚ ኽዓ ብኣፈፀምቶኦምን ተለኣእኽቶኦምን ኣቢሎም ዝሓዝዎ ፕሮጀክት ንከፈፅሙ ሕርዲግ ይብሉ ኣለው ።
#ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ትግራይ ዝተተኸለ ናይ ዕንክሊል ፓለቲካዊ መስርዕ እዩ ፤ ኣብ ክንዲ ተመዓራሪኻ ህዝብኻን ዓድኻን ዝጠልቦ ናይ ፓለቲካዊ ረብሓን ፓሊስን ምሕንፃፅ ኣብ ብጣዕሚ ዘሰክፍን ሕስድናን ተፀሚድኻ ናይቲ ኣብ "አራት ኪሎ " ዘሎ ነፋሒቶ መንግስቲ ፕላን መፈፀሚ ክትኸውን ምርኣይ ብጣዕሚ ዘሰከፍ እዩ ። ብፍላይ ናይ ኣምሓራ ብልፅግና መንግስቲ ምትፍናናት ካብ ቀረባ እዋናት እናተርኣየ ይኸይድ ኣሎ ፤ ብመስዋእትን መቑሰልትን ዝተረኸበት ውዕሊ ሰላም ንምሽርራፍ ቀትርን ለይትን ፕላን "A" "B" ዘውፅኡ ዘለው ናይ ኦሆዴድ ኣካላት ዘይምንቃሕ ፓለቲካዊ ንቕሓትና የደንግፅ❗
#ስለዚ ከም ግዝያዊ መንግሰትን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ፅዕንቶ ዘለክን ፓለቲካዊ ፓርትታት ብቕልጡፍ ነቲ ብኣምሓራ መንግሰቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሎሚ ቕነ ሽርሒ ብትሪ ብምኹናን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ግልፂ ደብዳቤ ምፅሓፍን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ዝሓትት ናይ ሓባር መግለፂ ክተውፅኣ Tigray Tribune መፀዋዕታ የቕርብ ።
#ንሕበር ፣ ንስጠም ❗
Tribune