Yoni Wedi Weyin

Yoni Wedi Weyin Wedi weyin

26/09/2022

መዐደምታ ዕዱመ ንብምሉኡ ነባራይ ጀርምን ን 01.10.2022 ኣብ መላእ ጀርመንን ከባቢኣን ትነብሩ ኩሉኹም ተጋሩ ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት በዓል ብምግባር ኣታዊኡ ንመኸተ ትግራይ ዝዉዕል ናይ ድራርን ሙዚቃን ወጋሕ ትበል ለይቲ ኣብ ዘመናዊ ኣዳራሽ ኣዳሊና ንፅበየኩም ኣለና።
ንቀዳም ዕለት 01.10.2022 ኣብ ከተማ ኮሎኝ
ኣድራሻ ፡ Neusser Landstraße, 2 50733 Köln

ብሰላም ሙፁ ካብ ማሕበር ተጋሩ NRW ጀርመ!

12/03/2022
17/01/2022
03/12/2021

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን አንፃር ሉሙጣት

31/08/2021
13/08/2021

ሰበር ዜና ዓወት

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ወና ከተማ ጋይንት ንፋስ መዉጫ ከምዝተቖፃፀረ ወታሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ኣፍሊጡ፡፡

መቐለ ነሓሰ 07-2013ዓ/ም (ቴሌቭዥን ትግራይ) ጅግና ሰራዊትና ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ትማሊ 6 /12/ 2013 ዓ/ም ብዝወሰዶ ደብረ ዘቢጥ ዝበሃል ቁልፊ ወታሃደራዊ ቦታ ተቖፃፂሩ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ከባቢ ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ክገብር ዝፈተነ ሰራዊት ፋሽሽት ኣብይ ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ክሳብ ሐዚ በትሪ ዘይጠዓመ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ፀንሑ ናብዚ ዝመፀ ናይ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ፣ኣባላት ክልተ ኮማንዶ በጦሎኒን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብብዙሕ መድፍዕን ተኹስን ተደጊፉ ኣለዋኒ ዝብለን ነፈርቲ ውግእ ኣሰሊፉ ነይሩ፡፡
ሰራዊትና ንምዕጋት ዝከኣሎ ኩሉ ዋላ እኳ እንተገበረ ካብ በትሪ ሰራዊትና ክድሕን ኣይከኣለን፡፡ ከምቶም ኣሕዋቱ ክፋላት ሰራዊት መበል 22 እውን መዐገሲ ረኺቡ ኣሎ፡፡

ፀላኢ ነዚ ብጅግና ሰራዊትና ዝተትሓዘ ቁልፊ መሬት ደጊሙ ንምሓዝ ክልተ መዓልቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ሓየት ሰራዊትና ዕለት 5/12/2013 ዓ/ም ኣጋ ምሸት ብዝወሰዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ ፀላኢ ካብ መንገዲ ንየማን ዝርከብ ገደላትን ኣፃድፍን ክበ ታተን ገይሩዎ እዩ፡፡

እዚ ፎቆዶ ዝተበተነ ሓይሊ ፀላኢ ደጊሙ ከይተወደበ ካብ ደብረ ዘቢጥ ቀፂሉ ዘሎ ጨጨሆ ዝበሃል ቁልፊ መሓልኽ ቦታ ብዕለት 6/12/2013 ዓ/ም ወጋሕታ ብቐሊሉ ተቖፃፅርዎኣሎ፡፡

ጅግና ሰራዊትና ንፀላኢ ዕድል ከይሃበ ብዝወሰዶ ቕልጡፍ መጥቃዕቲ ሃንደበት ዝኾኖ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ውሽጢ ከተማ ፣ቤተ ክርስትያን፣ መስግድን ቤት ትምህርትን ተሸጉጡ ክከላኸል ዋላ እኳ እንተፈተነ ብሓየት ሰራዊትና ገሊኡ ተደሚሲሱ ገሊኡ ድማ ክብተን ብምግባር ዋና ከተማ ጋይንት ዝኾነት ንፋስ ማውጫ ተቆፃፅሩ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ካብ ዕለት 04 ክሳብ 06 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ዝተኻየደ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምውታት ልዕሊ 1500 ድማ ቁሱላት ኮይኖም ኣለዉ፡፡

ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዘበለ ማእ ኸላይን ፎከስትን ኣፅዋራት ድማ ንብረት ሰራዊትና ኮይኖም ኣለው፡፡

ኣብዚ ወፍሪ ህዝቢ ኣምሓራ ብሓፈሻ ህዝቢ ጋይንት ድማ ብፍላይ ነቲ ቅድሚ 31 ዓመት ኣንፃር ደርጊ ኣብ ዝተኻየደ ወሳኒ ናይ ጉናን ደብረ ታቦርን ውግእ ፅኑዕ ደጀን ኮይኑ ታሪኽ ዝሰርሐ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ተግባር ይፍፅም ኣሎ፡፡

ስለ ዝኾነ ህዝቢ ጋይንት ንሰራዊትና ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዘለዎ ልዑል ክብርን ምስጋናን ይገልፅ፡፡
ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ዝተሰየመ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ትግራይ ዝበለ ይዕወት -----------------------ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ(ሓምት) ------------------------  forever! ------------------------📷 ...
13/08/2021

ትግራይ ዝበለ ይዕወት
-----------------------
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ(ሓምት)
------------------------
forever!
------------------------
📷 Haphtom Berhe
©ALEXO MK Graphics

11/08/2021
11/08/2021
NRW ኣለና ዶ?
29/07/2021

NRW ኣለና ዶ?

28/07/2021
28/06/2021

Tesfalem Gebreslassie - Belom | በሎም - ተስፋኣለም ገ/ስላሴ - New Tigray Tigrigna Music 2021(Official Video)LIKE | COMMENT | SHARE | SUBSCRIBE :👉 Subscribe:https://w...

21/06/2021

ጠላቶቻችን በኣፋቸው ሲገድሉን ይውላሉ እኛ ደግሞ በተግባር መሬት ላይ ስንቀብራቸው እንውላለን።
💖ዶክተረይ💖

21/06/2021

ንመበል 33 ዓመት ዝኽበር በዓል መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ፕሬዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ተጋዳላይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝሃብዎ መግለፂ ድሕሪ 15 ደቓይቕ ክቐርብ እዩ።

Address

Mekelle

Opening Hours

Saturday 19:30 - 23:00
Sunday 17:00 - 21:00

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Yoni Wedi Weyin posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share

Category


Other Video Creators in Mekelle

Show All