ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማሕበር መናእሰይ  ትግራይ ንቁሕ መንእሰይ

 ማሕበር መናእሰይ ትግራይ 29 ሞተራት ማይ ብሓገዝ ሂቡ። ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ብልዕሊ 5 ሚሊዮን ብር ዝተገዝኣ  29 ናይ  ሞተራት ማይ ብማሕበር ንዝተወደቡ መናእሰይ ሂቡ። ካብተን ብሓ...
08/10/2025


ማሕበር መናእሰይ ትግራይ 29 ሞተራት ማይ ብሓገዝ ሂቡ።
ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ብልዕሊ 5 ሚሊዮን ብር ዝተገዝኣ 29 ናይ ሞተራት ማይ ብማሕበር ንዝተወደቡ መናእሰይ ሂቡ።

ካብተን ብሓገዝ ዝቐረባ ሞተራት ማይ እተን 25 ክሳብ 5ሄክታር መሬት ዘልምዓ ምዃነን እተን 4 ድማ ክሳብ 40 ሄክታር ናይ ምልማዕ ዓቅሚ ከም ዘለወን እንትኮና ። ካብዚኤን ንዞባና ዞባ ሰሜን ምዕራብ 10 ኮይነን እተን 9 ን5 ሄክታር ዝሽፍና እንትኮነ 1 ድማ ንከባቢ 40 ሄክታር ናይ ምልማዕ ጉልበት ዘለወን እንትኮነ ነዚ ዕድል ዝገጠመን ወረዳታት ላዕላይ ቆራሮ ፣ ወረዳ ዛና ፣ ታሕታ ይ ቆራሮ ፣ ዓዲ ዳዕሮ ፣ ሰየምቲ ኣድያቦ ፤ ማእከል ኣድያቦ፣ ታሕታይ ኣድያቦ፣እስገደን ፅንምብላን እየን ።



26/09/2025

ማሕበር መናኣሰይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል መስቀል 2018 ኣ.ግ ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ!!
🌾ሰናይ በዓል!!

23/09/2025

Press Release

As we all aware of it, safe return of both Tigrayan IDPs and refugees and ensuring of the territorial integrity of Tigray are among the main pillars of the so called pretoria cessation of hostilities agreement signed nearly three years ago.

Since then, Tigray Youth Association has been calling the signatories and guarantors work fully implement the agreement and return the IDPs and refugees to their home origin safely.

However, the appeals of our assocition have not been heard and as a result the suffering of our IDPs and refugees continues to worsen. They are dying on daily basis from absence of food, medicine, shelter and safety.

It is unfortunate that a two - years old boy displaced from western Tigray was killed in hyena attack at the 70 kare camp in Mekelle for internally displaced people , highlightig the ongoing insecurity by displaced people in Tigray.

Hence, Tigray Youth Association calling on the guarantors to put maximum pressure fully implement the agreement.

Finally, we would like to express our deep condolence to those who are being lost their precious lives every day from the very failure of the implementation of the agreement.

Tigray Youth Association
September 23, 2025
Mekelle, Tigray.

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ትሑት ናብራ ንዝርከባ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕቲ ከይላ /pottery work/ ንምውፋር ዘኽእለን ሞያዊ ስልጠና ይህብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።ስራሕቲ ከይ...
06/08/2025

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ትሑት ናብራ ንዝርከባ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕቲ ከይላ /pottery work/ ንምውፋር ዘኽእለን ሞያዊ ስልጠና ይህብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስራሕቲ ከይላ/ pottery work/ ኣብ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ኤሽያ ብብርኪ መንግስቲ ዓርሱ ዝኸኣለ ፖሊስን ስትራተጅን ተዳልዩሉ ከምሓደ ኣገዳሲ ዓውደ ስራሕ ዝትግበር ዘሎ ዘፈር ልምዓት እዩ።

ሃገራት ቻይና፣ጃፓንን ኮርያን ድማ ብስራሕቲ ከይላ ኣዝየን ዝፍለጣ ኮይነን ንኣማኢቲ ኣሻሕ ዜጋታት እተን ሃገራት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረን ፍልፍል ሸርፊ ወፃኢ ከምዝኾነን ፀብፃባት ይሕብሩ።

ትግራይ ንስራሕቲ ከይላ ዝውዕል ውህሉል ዓቕሚ ከምዘለዋ መፅናዕቲታት የመላኽቱ።

ስራሕቲ ከይላ ኣብ ዘመነ ኣኽሱም ብስፍሓት ይፈሪ ከምዝነበረን ነገስታት ዘመነ ኣኽሱም ንዝተፈላለዩ ረብሓታት ብዝግባእ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩን እውን ብሰብ ሞያ ስነ ዃዕቲ በቢእዋኑ ተዃዒቶም ዝርከቡ ዘለዉ ኣሰራት የረጋግፁ።

ብፍላይ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ማእኸል፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ድማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከይላ ብስፍሓት ከምዝርከበለ ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ውህሉል ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዛጊድ እዚ ዝበሃል ምንቅስቓስ ኣይተገበረሉን።

ነዚ ውህሉል ፀጋ ናብ ግቡእ ረብሓ ንምውዓል ድማ ኣብ መንጎ ማሕበር መናእሰይ ትግራይን መደራ ኣርትስ ኣካዳሚ ዝተብሃለ ትካልን ውዕሊ ስራሕ ተፈራሪሞም እዮም።

በዚ መሰረት ማሕበር መናእሰይ ትግረይ ካብ ከተማታት መቐለ፣ ሓውዜንን ዓዲግራትን ዝተመልመላ 150 ኣብ ትሑት ቁጠባ ዝርከባ መራሕቲ ደቂ ኣነስትዮ ንመሰረታዊ ስልጠና ስራሕ ከይላ ዝውዕል ሽዱሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝመደበ ኮይኑ ኣብ ስራሕቲ ከይላ ዝነጥፍ ብሕታዊ ትካል መደራ ኣርትስ ድማ ተግባራውን ክልሰ ሓሳባውን ስልጠናታት ክህብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን መቐለን ዝተጀመረ ኮይኑ ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ምስዛዘማ ብቐፃልነት ምስ ትካላት ፋይናንስ ክተኣሳሰራ ብምግባር ልቓሕ ገንዘብ ዝረኽባሉ መስርሕ ከምዝተኣታቶ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

18/03/2025

Address

ሽረ እንዳስላሰ ትግራይ
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share