Spark Technologies

Spark Technologies Website design, digital marketing , graphics design, GIS consultancy and content creator.

ስጋ ካብ እንስሳት ወፃኢ ኣብ ላቦራቶሪ ምቡቃል ከምዝተጀመረ ትፈልጡ ዶ?እዚ ዝኸውን ተመራመርቲ ንእሽተይ ናሙና ዋህዮታት እንስሳ ብምውሳድ ኣብ ቁፅፅር ዝግበረሉ ላቦራቶሪ እቶም ዋህዮታት ንክባ...
01/02/2025

ስጋ ካብ እንስሳት ወፃኢ ኣብ ላቦራቶሪ ምቡቃል ከምዝተጀመረ ትፈልጡ ዶ?
እዚ ዝኸውን ተመራመርቲ ንእሽተይ ናሙና ዋህዮታት እንስሳ ብምውሳድ ኣብ ቁፅፅር ዝግበረሉ ላቦራቶሪ እቶም ዋህዮታት ንክባዝሑ ብምግባር፣ ምስተባዝሑ ደማ ተሓዋዊሶም ቲሹ ክፈጥሩ ምስተገበረ ኣብ መወዳእታ ናይ ስጋ ቅርፂ ሒዙ ንክወፅእ ብዝግበር ከይዲ ዝቦቅል ዓይነት ስጋ እዩ።

ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለኩም?

*ኢንዱስትሪ ዓለም ዘነቓነቐ ናይ ቻይና ምህዞ*ኣብ ቻይና ዝተሰርሐ ዲፕሲክ ዝተባህለ ሞዴል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ኣብ ኣፕል ስቶር ብበዝሒ ዳውንሎድ ብምግባሩ ናይ ቴክኖሎጂ ኢንቨስተራ...
28/01/2025

*ኢንዱስትሪ ዓለም ዘነቓነቐ ናይ ቻይና ምህዞ*

ኣብ ቻይና ዝተሰርሐ ዲፕሲክ ዝተባህለ ሞዴል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ኣብ ኣፕል ስቶር ብበዝሒ ዳውንሎድ ብምግባሩ ናይ ቴክኖሎጂ ኢንቨስተራት ኣደናጊፁን ሽያጥ ኣክስዮናት ትካላት ቴክኖሎጂን ኣውዲቑዎን ይርከብ።

ብ20 ጥሪ ኣ.ፈ ዝተዘርገሐ ኮይኑ ቅልቢ ናይ ቴክኖሎጂ ብዓልሞያታት ብቕልጡፍ ክስሕብ ክኢሉ እዩ። ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እዚ መንቅሒ ደወል ንኣሜሪካ ምዃኑ ገሊፆም ኣብዚ ዓውዲ ተወዳዲርና ክንስዕር ኣለና እውን ኢሎም።

ንዲፕሲክ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ኩባንያ፡ ካብቲ ከም OpenAI (chatGPT ዝሰርሑ) ዝመሰሉኢንዱስትሪታት ካብዘውፅኡዎ ወፃኢ ብኣዝዩ ትሑት ወፃኢ ዝተሰርሐ ምዃኑንን ውሑዳትን ዝተራቐቑን Chip ዝጥቀም ምዃኑ እዩ።

ዲፕሲክ ኣብ ስራሕቲ ቺፕ ዝተሰማረየ ትካል ኒቪዳ ሽያጥ ተመን ኣክስዮኑ ትማሊ ሶኑይ ዳርጋ ብ600 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዕዳጋኡ ክቕንስ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ሓደ መዓልቲ ክሳራ እዩ።

ብዛዕባ AI ንምንባብ ዝስዕብ ሊንክ ይኽፈቱ
https://www.facebook.com/100067316034851/posts/643387767915085/?app=fbl

ነተወሰኽቲ ሓበሬታት ቴክኖሎጂ ገፅና ይከታተሉ

ካብ ፖለቲካ ውፅእ ኢልኩም ቴክኖሎጂ ተኸታተሉ! ቴክኖሎጂ ብትግርኛ ሒዝናልኩም መፂእና ኣለና!
24/01/2025

ካብ ፖለቲካ ውፅእ ኢልኩም ቴክኖሎጂ ተኸታተሉ! ቴክኖሎጂ ብትግርኛ ሒዝናልኩም መፂእና ኣለና!

ንትካሎም ሎጎ የድልዮም/ን ዶ? ዘስርሑ እንተኾይኖም/ን ብሉፅን ንትካሎም/ለን ዝውክል ክኸውን ኣለዎ! ናይ ቅድሚ ሐዚ ስራሕትና ይመልከቱ/ታ፣ ናቶም/ተን ደማ የስርሑ/ሓ0914111076Spark...
29/12/2024

ንትካሎም ሎጎ የድልዮም/ን ዶ? ዘስርሑ እንተኾይኖም/ን ብሉፅን ንትካሎም/ለን ዝውክል ክኸውን ኣለዎ! ናይ ቅድሚ ሐዚ ስራሕትና ይመልከቱ/ታ፣ ናቶም/ተን ደማ የስርሑ/ሓ
0914111076
Spark technologies

ራዳር/RADAR እንታይ እዩ?ካብቶም ዝተፈላለዩ ጉልበት ማግኔቲካዊ ማዕበላት (Electromagnetic Energy) ዝኾነ ማዕበል ራድዮ (radio wave) ዘዳምፅ ውፅኤት ቴክኖሎጂ ኮይኑ ን...
05/05/2024

ራዳር/RADAR እንታይ እዩ?

ካብቶም ዝተፈላለዩ ጉልበት ማግኔቲካዊ ማዕበላት (Electromagnetic Energy) ዝኾነ ማዕበል ራድዮ (radio wave) ዘዳምፅ ውፅኤት ቴክኖሎጂ ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ዝንፅር፣ ዝከታተልን ርሕቐቱ ዘቐምጥን ውፅኢት ቴክኖሎጂ እዩ። እዚ ቴክኖሎጂ ማግኔቲካዊ ማዕበል ብምልኣኽ ኣብቶም ኣካላት (ተሽከርካሪ፣ ኣየር፣ መርከብ፣ ናይ ኣስትሮኖሚ ኣካላት፣ ኣዕዋፍን ዝናብን ከይቀረየ ) ገጭዩ ወይ ድማ ተጋዊሑ ክምለስ ከሎ ናይቲ ኣካል መንነት፣ ፍጥነት፣ ርሕቐት፣ መጠን ዕብየትን ቅርፅን ሓበሬታ ይምዝግብ። በዚ ድማ ናይ ኣየር በረራታት፣ ናይ መራኽብ ጉዕዞ፣ ናይ ተሽከርከርቲ፣ናይ ወታደራዊ ኣካላት ምንቀስቓሳትን ናይ ኣየር ሓይሊ መከላኸልታትን ዝመሳሰሉ ምንቅስቓሳት ምቁፅፃር የኽእል።

ፍታሕ ሶፍትዌር ቴክኖሎጂ ፃውዒት ሓደጋን ምሕደራን!Rate our RERAS(Real Time Emergency Reporting and Analysis System).Note: The data present...
31/10/2023

ፍታሕ ሶፍትዌር ቴክኖሎጂ ፃውዒት ሓደጋን ምሕደራን!Rate our RERAS(Real Time Emergency Reporting and Analysis System).
Note: The data presented in this demo are not real and only for testing purpose.
Technologies

ብፀልማት ዘርኢ ካሜራ ኣሎ ዶ?ይንኣስ ይዕበ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝምንጭው ወይ ደማ ዝንፀባረቕ መጠን ዋዒ ኣሎ እዩ። እዚ ደማ ብ ኣሻሕ ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ካብ ዝዕቀን ናይ ፀሓይ ረስኒ እስካብ ...
21/10/2023

ብፀልማት ዘርኢ ካሜራ ኣሎ ዶ?

ይንኣስ ይዕበ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝምንጭው ወይ ደማ ዝንፀባረቕ መጠን ዋዒ ኣሎ እዩ። እዚ ደማ ብ ኣሻሕ ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ካብ ዝዕቀን ናይ ፀሓይ ረስኒ እስካብ ብኣሉታ ዝዕቀን መጠን ዋዒ በረድ የጠቓልል። ዝኾነ መጠን ዋዒ ደማ ብቑፅሪ ምግላፅ ይከኣል። ንኣብነት ናይ ኣብ ጥዕና ዝርከብ ወድሰብ መጠን ሙቐት 37°C እዩ። ቁፅሪ መጠን ዋዒ እንተሒዝና ደማ ብኮምፕዩተር ተሓጊዝና ምስሊ ምፍጣር ንኽእል። ንኣብነት ኩሉ 37°C ዝኾነ ኣካል ቐይሕ ሕብሪ ግበር እንተይልናዮ ኩሉ እቲ ቁፅሪ ዘማልእ ኣካል ቅርፂ ብቐይሕ ሕብሪ ይሰኣል። ዝረሰነ ጀነሬተር፥ ዝሞቐ ኣስፋልቲ፥ ዝዘሓለ ቃላይ ኩሎም ነኒባዕልቶም ምስሊ ክፍጠረሎም ይኽእል። በዚ ደማ ኣብዝኾነ ቦታ ዝርከብ ኣካል ናብ ናይ መጠን ዋዒ ምስሊ ምቕያር ይከኣል ማለት እዩ።

መጠን ዋዒ ከመይ ይምዝገብ?
ካብ ዝኾነ ኣካል ዝወፅእ ሙቐት ጨረር ኢንፍራርድ/ Infrard radiation ንብሎ። እዚ ደማ ኣብ ብፉሉይ ዝዳለው ካሜራ ናይ ሙቐት ዓቃኒ(Thermal sensor, እቲ ኣብ ሕክምና ብዘይንኽክእ ሙቐት ዝዕቅኑሉ መሳርሒ ማለት እዩ) ብምጥቃም ብርሑቕ መጠን ዋዒ ኣካላት ይምዝግብ። እቲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ በቲ ካሜራ ኣቢሉ ናብ ምስሊ ይቕየር። እዚ ቴክኖሎጂ ብርሃን ይሃሉ ኣይሃሉ ኩልሻብ ምስሊ ይፈጥር።

Spark Technologies
Share

Autonomous car /ብዘይ ገናሒ ዝንቀሳቕስ መኪና🚙እዚ ዓይነት ተሽከርካሪ በዘይ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሰብ ሓገዝ ከባቢ ምዕዛብ፣ ናይ ኣብ ቅድሚኡ ዝርከብ መንገዲ ሓበሬታ ምእካብን ናይቲ መ...
11/10/2023

Autonomous car /ብዘይ ገናሒ ዝንቀሳቕስ መኪና🚙

እዚ ዓይነት ተሽከርካሪ በዘይ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሰብ ሓገዝ ከባቢ ምዕዛብ፣ ናይ ኣብ ቅድሚኡ ዝርከብ መንገዲ ሓበሬታ ምእካብን ናይቲ መኪና ሲስተም መቁፅፃርን ዝኽእል እንትኾን ናይ ትራፊክ ምልክታት እናንበበ፣ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝርከባ ተሽከርከርቲ ቦትአንን ፍጥነተንን እናተኸታተለ፣ ኣብ ፅርግያ ዝርከቡ ዕንቅፋታት እናገናዘበ ናብ ዝተኣዘዞ ቦታ ተሳፈርቲ ወይ ድማ ኣቕሓ ከብፅእ ይኽእል።
እዚ ንምግባር ድማ ዝስዕቡ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ከባቢኡ ይቓኒ
• Radar Sensor/ ራዳር መንበቢ: ብምጥቃም ናይ ብቐረባ ዝርከባ ተሽከርከርቲ ሓበሬታ ይረክብ
• Video Camera / ቪድዮ ካሜራ: ብምጥቃም ናይ ትራፊክ መብራህቲ፣ ናይ ትራፊክ ምልከታት የንብብ
• Lidar / ጨረር መንበቢ: ብምጥቃም ጨረራት ናብ ከባቢኡ ብምብታን ናይቲ ጨረር ኣብ ዝኾነ ቦታ ገጭዩ ዝምለሰሉ ግዜ ብምስላሕ ናይ ፅርግያ ጠርዝታት፣ ናይ ፅርግያ ዕንቅፋታት ዝበሳሰሉ ሓበሬታታት ይእክብ
• Ultrasonic Sensors/ ናይ ድምፂ መንበቢ: እቲ መኪና ጠጠው ንምባል ቦታ ኣብዝድሕዘሉ ሰዓት ምስ ወሰን ፅርግያን ካልኦት ተሽከርከርቲን ከይጋጨ ኣብ ጎማ ብዝተገጠመሉ Sensor መሬት ይቓኒ
• GPS/ ቦታ ሓባሪ: ብምጥቃም እዚ መኪና ንባዕሉ ኣበይ ከምዝርከብ ይርዳእ፣ እንፈት ቀዲሙ ይፈልጥን ናበይ ክኸይድ ከምዝግብኦን ካርታ ይረክብ
• Artificial Intelligence Software / ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎ መተግበሪ: ብምጥቃም ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩን ኣብዚ ዘይተጠቐሱን ቴክኖሎጂታትን ብምጥቃም ዘተፈላለዩ ወሳነታት እታ መኪና ብመሪሕነት ዘመሓድር ሶፍትዌርን እዮም።

ብዛዕባ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ/Artificial Intelligence- AI እንታይ ትፈልጡ?AI- ማዕረ ሰብ ዋላተዘይኮነ፣ ናይ ኮምፕዩተር ሲስተም ወይድማ ማሽን ኮይኑ ናይ ሰብ ንቕሓተ ህሊና...
06/10/2023

ብዛዕባ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ/Artificial Intelligence- AI እንታይ ትፈልጡ?
AI- ማዕረ ሰብ ዋላተዘይኮነ፣ ናይ ኮምፕዩተር ሲስተም ወይድማ ማሽን ኮይኑ ናይ ሰብ ንቕሓተ ህሊና ዓይነት ስርዓት ዘለዎ ኮይኑ ብባዕሉ ንክሓስብ ብፅሑፍ፣ብምስሊ ድምፂን ዝተፈላለዩ ሰንሰራትን ብምጥቃም መረዳእታ ብምእካብ፣ ሓበሬታ ምትንታን ናይ ባዕሉ ወሳነታትን ክውስን ዝኽእል ውፅኢት ቴክኖሎጂ እዩ። በዚ ኸዚ ዘሎ ምዕባለታት AI ኣብ መፃኢ ማሽናት ባዕሎም ምሕሳብ ከይጅምሩን ኣንፃር ወድሰብ ከይለዓሉን ዓበይቲ ምሁራት ስግኣቶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ሳተላይት እንታይ እዩ?ስብ ሰራሕ ሳተላይት ኮነ ኢልካ ናብ ምህዋር (ኣብ ዙርያ መሬት ወይ ድማ ኣብ ዙርያ ካልኦት ናይ ህዋ ኣካላት) ካብ 500ኪ.ሜ እስካብ ኣብ 36,000ኪ.ሜ ኣብ ዝርከብ ...
06/10/2023

ሳተላይት እንታይ እዩ?
ስብ ሰራሕ ሳተላይት ኮነ ኢልካ ናብ ምህዋር (ኣብ ዙርያ መሬት ወይ ድማ ኣብ ዙርያ ካልኦት ናይ ህዋ ኣካላት) ካብ 500ኪ.ሜ እስካብ ኣብ 36,000ኪ.ሜ ኣብ ዝርከብ ርሕቐት ብመንገዲ ሮኬት ዝለኣኽ ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ከም ናይ መራኸቢ፣ ቦታ መሐበሪ፣ ናይ ኩነታት ኣየር መተንበይ፣ ንናይ ሚድያ ብሮድካስቲንግ፣ንወታደራዊ ስለያን ካልኦት ግልጋሎታት፣ ንቅኒት መሬት ዝኣምሰሉ ግልጋሎታት ይውዕል። ከም ሪፖርት Orbiting Now ኣስታት 7702 ሳተላይታት ኣብ ግልጋሎት ይርከቡ። ካብኣቶም ደማ 2926 ካብ ኣሜሪካ ዝተለቐቓ እየን።

QR code ማለት ከምቲ ኣብቲ ምስሊ ዝርአ ብፀሊምን ፃዕዳን ሕብርታት ንጣብ ዝስራሕ ኮይኑ ኣብ ሞባይልና ብዝፃዓን QR code reader መተግበሪ/ሶፍትዌር ብምጥቃም ዝንበብ ኮይኑ ኣብ ውሽ...
26/08/2023

QR code ማለት ከምቲ ኣብቲ ምስሊ ዝርአ ብፀሊምን ፃዕዳን ሕብርታት ንጣብ ዝስራሕ ኮይኑ ኣብ ሞባይልና ብዝፃዓን QR code reader መተግበሪ/ሶፍትዌር ብምጥቃም ዝንበብ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት (ኣድራሻ፣ ስልኪ ቁፅሪ፣ ዋጋ ኣቕሓ፣ ናይ ዲጂታል ክፍሊት ባንኪ ቁፅሪ) ዝመሳሰሉ ሓበሬታታት ይድሕዝ

ካብ ገዲም በየናይ መንገዲ ከይድካ ኣየናይ ኣንጎሎ ተዓፂፍካ ከመይ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ትበፅሕ ምእላሽ ያኣኽለኩም። ናይ ካርታ መጥቐሚ ሶፍትዌራት ብምፅዓን ናብ ዝደለዩዎ ቦታ ስብ ንክመፅኦምን ...
20/08/2023

ካብ ገዲም በየናይ መንገዲ ከይድካ ኣየናይ ኣንጎሎ ተዓፂፍካ ከመይ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ትበፅሕ ምእላሽ ያኣኽለኩም። ናይ ካርታ መጥቐሚ ሶፍትዌራት ብምፅዓን ናብ ዝደለዩዎ ቦታ ስብ ንክመፅኦምን ናብ ዝደለዩዎ ቦታ ንምኻድን ብዘይ ናይ ሰብ ሓገዝ ብሞባይሎም ጥራሕ ምንቅስቓ ይኽእሉ እዮም። እዚ ደማ ካብቶም መሰረታዊ ዘበሃሉ ቴክኖሎጂታት ግድን ክንፈልጦም ዝግበአና እዩ። ንኣብነት ካብዘለዉዎ ቦታ ናብ መቐለ ሆስፒታል በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምስሊ ምጉዓዝ ይከኣል። Google Map, OpenStreet map and navigation(OSMAND) ገለ ኣብነት እቶም መጥቀሚ/Software እዮም።

ቪርቹዋል ሪያሊቲ ብፍሉይ ዝተዳለወ ናይ ዓይኒ መነፀር ብምጥቃም ኣብኡ ብዝፀዓን ናይ ሲሙሌሽን ሶፍትዌር ናይ ብሓቂ ኣብ ካሊእ ዓለም ዘለና ዘምስል ናይ ቴክኖሎጂ ውፅኢት እዩ። ካብ መነፀር ብዝ...
20/08/2023

ቪርቹዋል ሪያሊቲ ብፍሉይ ዝተዳለወ ናይ ዓይኒ መነፀር ብምጥቃም ኣብኡ ብዝፀዓን ናይ ሲሙሌሽን ሶፍትዌር ናይ ብሓቂ ኣብ ካሊእ ዓለም ዘለና ዘምስል ናይ ቴክኖሎጂ ውፅኢት እዩ። ካብ መነፀር ብዝሓለፈ ደማ ዓበይቲ ሲሙሌሽን ማሽናት ብምጥቃም ናይ ኣየር በረራ፣ ናይ መኪና ልምምድ ዝመሳሰሉ ኣብ ሓደ ቦታ ኮይንና ናይ ብናማን ምንቅስቓሳት ምግባር የኽእል።

14/08/2023

We have made this impressive e - commerce promotion video for Mico Online ሱቅ. Get yours today!

Get your business solutions from AxumPortal.          and more!
10/08/2023

Get your business solutions from AxumPortal.
and more!

24/07/2023
🥇No one can design logos like Spark Technologies🥇       🎉Get your logo today🎉               ☎️ 0914111076
16/06/2023

🥇No one can design logos like Spark Technologies🥇
🎉Get your logo today🎉
☎️ 0914111076

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Spark Technologies posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Spark Technologies:

Videos

Share