Tigray Guardians

Tigray Guardians Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Guardians, Media, ሓውዜን ገርዓልታ, Hawzen.

ብኢትዮጵያውያን ንከይምረፁ ልዑል ተቓውሞ በፂሕዎም ዝነበረ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ እዮም።እቶም ዳይሬክተር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ...
01/02/2025

ብኢትዮጵያውያን ንከይምረፁ ልዑል ተቓውሞ በፂሕዎም ዝነበረ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ እዮም።

እቶም ዳይሬክተር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳተፉ እዮም ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናብ ትውልዲ ዓዶም ትግራይ ብምምፃእ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ዑደት ክገብሩ ድዮም ኣይገብሩን ግን ክሳብ ሐዚ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

Tigray Guardians
24 ጥሪ 2017 ዓ.ም

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሃገሮም ክልተ ተመሳሳላይ ፆታ ዝኾኑ ንፆታዊ ርክብ ይኹን ንመርዓ ዝውክል ምልክት ባንዴራ ከይረአ ኣጊዶም።ዶናልድ ትራምፕ ነዚ መንግስታዊ መምርሒኦም ተመሓላሊፎም...
01/02/2025

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሃገሮም ክልተ ተመሳሳላይ ፆታ ዝኾኑ ንፆታዊ ርክብ ይኹን ንመርዓ ዝውክል ምልክት ባንዴራ ከይረአ ኣጊዶም።

ዶናልድ ትራምፕ ነዚ መንግስታዊ መምርሒኦም ተመሓላሊፎም ንዝተረኸቡ ካብ ስራሕ ምብራር ክሳብ ዝተፈላለዩ መቕፃዕትታት ከምዝፅበዮም ተሓንዮም ኣለው።

እቶም ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ምስደየቡ ኣብ ፋልማይ ውሳነኦም "ኣነ ካብ ክልተ ፆታ ወፃኢ ካልእ ዓይነት ፆታ ኣይፈልጥን" ብምባል ተሪር ውሳነ ኣመሓላሊፎም ምንባሮም ይዝከር።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ ሐዚ ኣነጋጋሪ ውሳነታት ምውሳኖም እናቐፀሉ ይርከቡ።

Tigray Guardians
24 ጥሪ 2017 ዓ.ም

 "ሓድሽ ውሳነ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝተኣገዱ ኣዘዝቲ""ምሽጥራዊ ኣኼባ ብልፅግና ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ጅማ""ምርኻብ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕረዚደንት ኤርትራን"ዝርዝር ሓበሬታ ኣ...
01/02/2025



"ሓድሽ ውሳነ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝተኣገዱ ኣዘዝቲ"

"ምሽጥራዊ ኣኼባ ብልፅግና ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ጅማ"

"ምርኻብ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕረዚደንት ኤርትራን"

ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ Link ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
እግረ መንገድኹም ድማ Subscribe ግበሩ።

https://youtu.be/XoS8VrG-PFY?si=ZS4pbBjPOLV0rUaH

* ኣብ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ዝተፈላለዩ ተቓውሞታትን ድጋፋትን ይወሃቡ ኣለው።* "ንዓና ዝተውሃበና ስራሕ ዑጡቓት ምውፃእ እዩ:: ንሳ ድማ ጌርናያ ኢና" ክብል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊፁ።...
25/01/2025

* ኣብ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ዝተፈላለዩ ተቓውሞታትን ድጋፋትን ይወሃቡ ኣለው።

* "ንዓና ዝተውሃበና ስራሕ ዑጡቓት ምውፃእ እዩ:: ንሳ ድማ ጌርናያ ኢና" ክብል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊፁ።

* ልዕሊ 62 ቢልዮን ብር ዝግመት ናይ ትግራይ ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣታዊ ተገይሩ።

* ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘውፅኡዎን ዝሓዙዎን ቅዋም መሰረት ዝገበረ ናይ ድጋፍ ኮነ ተቓውሞ ሰልፊ ኣይፍቀድን ኢሉ ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ትግራይ።

ዝርዝር ኣብዚ link ኣቲኹም ምክትታል ትኽእሉ ኢኹም።

https://youtu.be/k0XaewBwlb8?si=kliShnQ_LMOoS_iL

ካብ ቢሮ ሰላም ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ!!ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ንብሄራዊ ረብሓን ንኹሎም ሉኣላዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሮም ...
24/01/2025

ካብ ቢሮ ሰላም ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ!!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ንብሄራዊ ረብሓን ንኹሎም ሉኣላዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሮም ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ተመስሪቶም፣ ብዕለት 14/05/2017 ዓ/ም ናይ ቅዋም መግለፂ ከም ዘውፅኡ ይፍለጥ። እቲ ዝወፀ መግለፂ ግልፅን ዘየሻምን ኮይኑ እናሃለወ ገለ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ንትኽክለኛ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ንጎኒ ብምግዳፍ ነናብ ናቶም ባህግን ድሌትን እናወጣጠጡ ካሊእ ዘይራኸብን ምንም ምትእስሳር ዘይብሉን ትርጉማት እናሃቡዎ ይርከቡ። ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘውፅኡዎን ዝሓዙዎን ቅዋም መሰረት ዝገበረ ናይ ድጋፍ ኮነ ተቓውሞ ሰልፊ ኣይደልዩሉ ኣይፈቕዱሉ። ኮይኑ ግና እዞም ኣካላት ነቲ መግለፂ ዘይትርጉሙ ትርጉም ካብ ምሃብ ሰጊሮም ብሽም ድጋፍን ተቓውሞን ናብ ህውከትን ዕግርግርን ዘምርሑ ግጉያትን ዝተዛብዑን መለዓዓልቲ መልእኽትታት ክዝርግሑ ንሪኦም ኣለና።

እዚ ብሽም ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተሸፊኑ ብገለ ውልቀ ሰባትን ኣካላትን ዝወሃብን ዝዝርጋሕን ዘሎ ንቕዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዝፃባእ ሓደገኛ መልእኽትታት ስለ ዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ። በዞም ግጉያት ምልዕዓላት ኣቢሎም ንህዝብና ናብ ህውከት፣ ዕግርግርን ስርዓት ኣልቦነትን ንምእታው ዝህንደዱ ዘለዉ ኣካላት ድማ ናብ ቀልቦም ክምለሱን ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋዊ ተግባር ካብ ምፍፃም ክቑጠቡን ይግባእ።

ስለ ዝኾነ ድማ ካብዚ ተበጊስካ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ምውዳብን ምክያድን፣መንግስታዊ ግልጋሎታት ደው ምባልን ምትእጉጓልን፣ መንገድታት ዓፂኻ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓስ ምህዋኽን ምትዕንቓፍን ኮታስ ሓይሊ ተጠቒምካ ድሌትካ ንምፍፃም ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን ምሽብሻብን ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መበገሲ ዘይብሉን ናይ ዝምልከቶ ኣካል ኣፍልጦ ወይ ፍቓድ ዘይረኸበን ምዃኑ እናገለፅና፣
-ብቐዳምነት ህዝብና ካብዚ ኢደወነናውን ስርዓት ኣልቦነትን ዘስፍን ኣካይዳ ንባዕሉ ከርሕቕ
-ብካልኣይ ደረጃ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንዝኣትዉ ወይ ድማ ክኣትዉ ኣብ ምድላው ንዘለዉ ክግስፅን ክመክርን
-ሳልሳይ ንምኽሩን ተግሳፁን ጥሒሶም ኣብ ምስፋን ህውከትን ዕግርግርን ኣትዮም ንዝርከቡ ድማ ክኹንን ፃውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ለበዋን ዝውሃብ ዘሎ ሓበሬታን ንጎኒ ብምግዳፍ ኮነ ኢሎም ብሽም ድጋፍን ተቓውሞን ኣብ ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓስ ኣትዮም ንዝርከቡ ይኹን ብድሕሪት ኮይኖም ነቲ ከይዲ ዝመርሑን ዘተሓባብሩን ወገናት ንድሕንነት ህዝብናን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን ምውሓስ ክበሃል ኣብ እዋኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ከም እንወስድ ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ

16/05/2017 ዓ/ም

ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክዛተ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ።ቭላድሚር ፑቲን ክልቲኦም መራሕቲ እንተተራኺቦም ፅቡቕ ከም ዝኸውን ተዛሪቡ ኣሎ። ትራምፕ  ኣብ ልዕሊ ሩስያ...
24/01/2025

ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክዛተ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ።

ቭላድሚር ፑቲን ክልቲኦም መራሕቲ እንተተራኺቦም ፅቡቕ ከም ዝኸውን ተዛሪቡ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝነበረ ኲናት ከተብቅዕ እንተዘይክኢላ ቁጠባዊ ጉድኣት ከምዘውርድ ናይ ምፍርራሕ ዘረባ ካብ ዘውጽእ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እዪ ከምዚ ኢሉ ዘሎ ቭላድሚር ፑቲን።

ፑቲን ንሓደ ጋዜጠኛ መንግስቲ ቲቪ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እዚ ሐዚ ዘሎ ፕረዚደንት ብዛዕባ ብሓባር ንምስራሕ ድልውነቱ ዝሃቦ መግለጺታት ንኣምን። ነዚ ኩሉ ግዜ ክፉታትን ንድርድር ድሉዋትን ኢና። ኣብ ናይ ሎሚ ክውንነት ተመርኲስና፡ ህድእ ኢልና ክንዛረብ እንተንራኸብ ምሓሸና” ክብል ፑቲን ገሊፁ።

ቭላድሚር ፑቲን ቀጺሉ ምስ ትራምፕ ዘለዎ ርክብ “ንግዳዊ፡ ፕራግማቲክን እሙንን” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ፑቲን ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ምስ ፑቲን ዝርርብ ከየካይድ ዝኽልክል ኣዋጅ ብምፍራሙ ምስ ዩክሬን ምዝርራብ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ገሊጹ።

Tigray Guardians
16 ጥሪ 2017 ዓ.ም

ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ኦሮምያን ዘዳውብ ከባቢ ካልእ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስያ ከተማታት መታራን ኣዋሽ 7...
24/01/2025

ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ኦሮምያን ዘዳውብ ከባቢ ካልእ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስያ ከተማታት መታራን ኣዋሽ 7 ኪሎን ከባቢአንን ምዃነን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም እዮም። ብመዐቀኒ 4.9 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ካብ መታሃራ 11 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ከተማ ኣዳማ (ናዝሬት) ከምዝተሰመዐ ተሓቢሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ህይወት ሰብ፣ ኣካልን ንብረትን ዘስዓቦ ጉድኣት ክሳብ ሐዚ ኣይተፈልጠን። ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ይፍለጥ።

Tigray Guardians
16 ጥሪ 2017 ዓ.ም

 "ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ፤ ሰራዊት ከይእዝዙ ተኣጊዶም"ናይዚኣቶምን ካልኦት ሓፀርቲ ዜናታት ትግራይ ጋርድያንስ ኣብዚ ዝስዕብ Link ብምእታው ምክትታል ትኽእሉ።https://youtu.be/Ql...
24/01/2025



"ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ፤ ሰራዊት ከይእዝዙ ተኣጊዶም"

ናይዚኣቶምን ካልኦት ሓፀርቲ ዜናታት ትግራይ ጋርድያንስ ኣብዚ ዝስዕብ Link ብምእታው ምክትታል ትኽእሉ።

https://youtu.be/Ql7nqA3tMpg?si=THAYqTx1znVoMqI6

ሓቃውን ሚዛናውን ሓበሬታ ንህዝቢ !!
ትግራይ ጋርድያንስ

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ሎሚ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።
23/01/2025

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ሎሚ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።

መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ ክወሃብ እዩ።ዝርዝር ትሕዝቶ ብYoutube ቻናልና ክነቕርብ ኢና።
23/01/2025

መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ ክወሃብ እዩ።

ዝርዝር ትሕዝቶ ብYoutube ቻናልና ክነቕርብ ኢና።

መግለፂ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
22/01/2025

መግለፂ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)

"ሓንቲ ህወሓት ኢና ንፈልጥ" - ኣኼባ ሰራዊት ትግራይ" ሓድሽ ደምቢ ግዚያዊ ምምሕዳር ፀዲቑ""ካብ ክልተ ፆታ ወፃኢ ካልእ ፆታ ኣፍልጦ ኣይህብን" - ዶናልድ ትራምፕ።ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ L...
22/01/2025

"ሓንቲ ህወሓት ኢና ንፈልጥ" - ኣኼባ ሰራዊት ትግራይ

" ሓድሽ ደምቢ ግዚያዊ ምምሕዳር ፀዲቑ"

"ካብ ክልተ ፆታ ወፃኢ ካልእ ፆታ ኣፍልጦ ኣይህብን" - ዶናልድ ትራምፕ።

ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ Link ኣለኩም።

https://youtu.be/Roi6wLmucH0?si=_07xMb7efANHuPEX

👉 ሑቡራት ኣመሪካ ንኻልኦት ሃገራት እትህቦ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ክብል ኣዚዞም።👉 ሑቡራት ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ሰሪዞም።ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሑቡራት ኣመሪ...
21/01/2025

👉 ሑቡራት ኣመሪካ ንኻልኦት ሃገራት እትህቦ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ክብል ኣዚዞም።

👉 ሑቡራት ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ሰሪዞም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሑቡራት ኣመሪካ ንኻልኦት ሃገራት እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ንኣስታት 90 መዓልታት ክቋረፅ ኣዚዞም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ነዚ ትእዛዝ ኣውፂኦም ዘለው ቀፃሊ ደገፍ ምስ ፖሊሲኦም ዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክሳብ ዝረጋገፅ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

ካብ ሑቡራት ኣመሪካ ዝልገስ ደገፍን ሓገዝን ኣብ ፖሊሲ ​​ወፃኢ ኣሜሪካ ዝተደረኸ ከምዝኸውን እውን ኣመልኪቶም።

ንሃገራት ዩክሬን ፣ እስራኤል፣ ግብፅን ዮርዳኖስን ዝግበር ዓመታዊ ወተሃደራዊ ደገፍ በጀት ኣዝዩ ይጥቀስ፤ ስፍሓትን ዘላቕነትን ናይዞም ድጎማታት ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ከሕዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።

ይኹን'ምበር ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ክትግበርን ዘይክትግበርን ብኮንግረስ ናይ ምፅዳቕን ዘይምፅዳቕን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ሑቡራት ኣመሪካ ንትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ትምድቦ ዝነበረት ልዑል መጠን ገንዘብ ንዘይምኽፋል ካብ ስምምዕነት ኣባልነት እቲ ውድብ ከምዝወፁ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ሑቡራት ኣመሪካ ንትካል ውድብ ጥዕና ዓለም 500 ሚልዮን ዶላር እንዳኸፈለት ከምዝመፀት ዝሓበሩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ግን ዝሐሸ ቁጠባዊ ዓቕሚ እንዳመዝገበት ከላ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትልግሶ 39 ሚልዮን ዶላር 'ዩ። እዚ ዘይፍትሓውን ዘይሚዛናዊ ስለዝኾነ ካብዚ ስምምዕ'ዚ ክንወፅእ ተገዲድና'ለና ክብሉ ገሊፆም።

ብዘይካ እዚኦም ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኖም

👉 ኣብ ሑቡራት ኣሜሪካ ክልተ ፆታ ጥራሕ እዮም ኣፍልጦ ዝወሃቦም ንሳቶም'ውን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጥራሕ።

👉 ሃገራዊ ዘይሕጋዊ ዶብ ህፁፅ ምክልኻልን ዘይሕጋዊ ስደት ደው ምባልን።

👉ን ዶብ ደቡባዊ ክፋል ሃገሮም ንምውሓስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምውፋር።

👉 ነሰዶባት ሓድሽ ህንፀት መንደቕ ኣብ ግብሪ ምውዓል።

👉 ተነቢሩ ዘሎ ናይ ነዳዲ ኳዕቲ እገዳታት ምፍራስ።

👉 ወሽመጥ ሜክሲኮ ወሽመጥ ኣሜሪካ ምግባር።

👉 ሰራሕተኛታት ፌደራል ናብ ስራሕ ክምለሱ ትእዛዝ ምሃብ።

👉 ምህርትን ሰደድን ፀዓት ንምዕባይ ሃገራዊ ህፁፅ እዋን ፀዓት ምእዋጅ።

👉 ኣብ ግሪን ዲልን ኤሌክትሪክ ተሽከርካሪቲ ዝነበረ ገደብ ምልዓል።

👉 ምስ ስርዓት ግብሪ ወፃኢን ኣታዊ ኣገልግሎትን ዝተተሓሓዘ ኣሰራርሓ ምፍጣር።

👉 ጠፈርተኛታት ባንዴራ ሑቡራት ኣሜሪካ ኣብ ማርስ ክተኽሉ ምግባር።

👉 ንገደባትን መስርሕን ሳንሱር ብምልዓል ናፅነት ምዝራብ ምውሓስ ዝብሉን ካልኦትን ካብ ሞንጎ ሎሚ ክታሞም ዘዕረፍሎም ዓበይቲ ውሳነታት'ዮም።

Address

ሓውዜን ገርዓልታ
Hawzen
10420000RUF

Telephone

+251973120375

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Guardians posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share

Category