Syenite Tv ሲያናይት ቴቪ

  • Home
  • Syenite Tv ሲያናይት ቴቪ

Syenite Tv ሲያናይት ቴቪ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Syenite Tv ሲያናይት ቴቪ, TV Channel, .

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ከም ዘሎ ዝፈለጥኩ እቶም ናይ ኣደመ ካድረታት ከምዚ ኣነ ዘዳለኽዎ ኣምሲሎም ንምብሽሻቕ እንትጥቀሙሉ ምስ ርኣኹ እዩ:: ኣነ'ኳ ኣየዳለኽዎን: ጭራሽ'ውን ካባኹም እየ ሰ...
01/02/2025

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ከም ዘሎ ዝፈለጥኩ እቶም ናይ ኣደመ ካድረታት ከምዚ ኣነ ዘዳለኽዎ ኣምሲሎም ንምብሽሻቕ እንትጥቀሙሉ ምስ ርኣኹ እዩ:: ኣነ'ኳ ኣየዳለኽዎን: ጭራሽ'ውን ካባኹም እየ ሰሚዐዮ ከምኡ ምህላው::

እንተሃልዩ ግን ፅቡቕ እንኳዕ ሃለወ:: ክልቲኦም ኣይረብሑን ኢልካ ነቶም መሬትካ ዘይሓዙ ኣካላት ንክትኹንን ሰልፊ ንክትገብር ፈቲንካስ ነቲ መሬት ዝሓዘ መሬተይ ይመስለሰለይ : ተመዛባላይ ናብ መረበቱ ይመስለሰለይ እልካ ሰልፊ ወፂእኻ ድምፅኻ ምስማዑ ፀገሙ ኣይርአየንን:: ብዓብይኡ መራሕቲ ንዘይረብሕ ስልጣን ብርኮም ዓፂፎም ቱሙስሙስ እንዳበሉ እንዳ ለመኑስ ኣንሕና መሬትና ይመለሰልና ኢልና ድምፅና ንምስማዕ ዘሕፍር ተግባር ኣይኮነን:: እቲ ዘሕፍር ተግባር ኣብዚ ነቶም ወንበር ለመንቲ ደጊፍካ ነቲ ክካየድ ዝብሃል ዘሎ ሰልፊ ምንቁሻሽካ እዩ::
mezekr

መግለፂ ካብ 7 ወረዳታትን ሓበራዊ ቅዋም ምምሕዳር ዞባ ተምቤን ! ኣባላት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢና ዝብሉ ካብ ኮር ንላዕሊ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ(ዕጡቓት ጉጅለ ህወሓት) ዘውፅእዎ ...
25/01/2025

መግለፂ
ካብ 7 ወረዳታትን ሓበራዊ ቅዋም ምምሕዳር ዞባ ተምቤን !

ኣባላት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢና ዝብሉ ካብ ኮር ንላዕሊ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ(ዕጡቓት ጉጅለ ህወሓት) ዘውፅእዎ መግለፂ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን መንቀሊ ጥፍኣት ትግራይ ስለዝኾነ ኣትሪርና ንኹንኖ።

እቲ ኣዘዝቲ ኮርን ኣዘዝቲ ኣርምታትን ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ህወሓት ኣድሂቦም ኣካይድናዮ ዝበሉዎን ነዚ ስዒቡ ዘውፅእዎ መግለፂ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ፀሊም ነጥቢ ዝገድፍ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ።
እዚ ጉዳይ ሓደ ትካል ከም ትካል ህዝቢ ትግራይን ሰማእታት ፅንተታዊ ቓልስን ዝሃቡዎ ሓደራ ንጎድኒ ብምግዳፍን ብምጥላምን ንሓደ ጉጅለ ህወሓት ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝተገበረ ክሕደት እዩ።

እዚ ወተሃደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ይፍፀም ዘሎ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ንጉይትነት ሻዕብያ ተቐቢልኻ ዝግበር ዘሎ ዘይተቐደሰ ርክብ ምዃኑን ሙሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ጊላነት ሻዕብያ ዝተወደቐሉ ኩነት ዘርእን ትግራይ ናብ ኲናት ሕድሕድ ዝዕድም ግጉይ መንገዲ ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ዞባ ተምቤን ነዚ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መሪሕነት ኢና ዝብሉ መገልገልቲ ህወሓት ክምስርቱዎ ሃቂኖምዎ ዘለው ዓይነት ምምሕዳር ዝፈልጦ ካብ ታሪኽ ደርግን ሻዕብያን ጥራሕ ዘይኾነስ ህዝብና ንቲ ንዓመታት ኣብ ዝባኑ ቸቸ እናበለ ዝመፀ ከፋፋልን ግዕዙይን ምምሕዳር ጉጅለ ተቓዊሙ ዓብይን ነጥቢ መቐይሮ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምስማዕ ፋና ለውጢ ዝወለዐ ህዝባዊ መድረኽ ኣብ ዓብይ ዓዲ ብምክያዱ ዝፈጠረሎም ስንባደ ንምብዳህ ብብርኪ ክልል ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ከም መበገሲ ዝተጠቐሙሉ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣርሚ 60 ናብ ባይታ ክወርድ ብምግባሮም ህዝብና ግዳይ ብምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ዞባና ዞባ ተምቤን ብኣርሚ 60 እናተብሃለ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝተፈተነን ከም ኣዋፃኣይ መንገዲ ተገይሩ ድሕሪ ምግምጋሙ ናብ መላእ ትግራይ ክሰፍሕ ተኣሚኑሉ በቲ እንሪኦ ዘለና ዕላዊ መፈንቅለ መንግስቲ ተኣዊጁ ኣሎ።

እዚ ብመፈንቅለ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንይምሰልን ንሽፋንን ካብቲ ስቪል ጉጅለ ኣብ ቕድሚት ኣቕሚጡ ልክዕ ከም ሻዕብያ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክዝርጋሕ ዝገብር እዩ።

እቲ ኣብ ዞባ ተምቤን ዝተተኸለ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብኣርሚ 60 እናተብሃለ ዝፍለጥ ሓይሊ ዝተፈተነን ከም ውፅኢቱ ድማ ኣዋፃኣይ መንገዲ ተገይሩ ድሕሪ ምግምጋሙ ናብ መላእ ትግራይ ክሰፍሕ ተኣሚኑ በቲ እንሪኦ ዘለና ብርኪ ዓብዩን ዕላዊን መፈንቅለ መንግስቲ ተኣዊጁ ኣሎ።

እዚ ብመፈንቅለ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንይምሰልን ንሽፋንን ስቪል ካድረታት ፍንጫል ህወሓት ኣብ ቕድሚት ኣቕሚጡ ልክዕ ከም ሻዕብያ ወተሃደራዊ ምሕደራ ብምዝርጋሕ እታ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ተምቤን ዝተፈፀመ መግረፍቲ፣ ኣካል ምጉዳል፣ መርሸንቲ፣ ራዕዲ ምፍጣር፣ ኬላታት እናዓፀኻ ምግፋፍን ካልኦት ኣለው ዝበሃሉ ጭካነ ዝተመለኦም ኣግባባት ዓፈናን ኣብ መላእ ትግራይ ግብራዊ ንምግባር ተዳልዩ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ምፍላጥ ይግባእ።
እቲ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ልዕሊ 2 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ህዝቢ ተምቤን እቲ ዝፀነሐ ዞባ ምምሕዳር ክምለሰሉ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ዘዐግብ መልሲ ከይሃቦ ፀኒሑ እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ጉዳይ ዓርሰ ምሕደርኡ ባዕሉ ከይውስን ዕንቅፋት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ መፈተኒ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዓሌታዊ ጉጅለ ህወሓት ክኸውንን ንመንከራ ክሳጣሕን ገይሩዎ እዩ።

ህዝቢ ተምቤን ድሕሪ መፈንቅለ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ክምስረት ተሓሲቡ ዘሎ ወተሃደራዊ ምሕደራ ጉጅለ ህወሓት እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተግባር ርኢዎ እዩ።
መንእሰይ ዘሸቑርር፣ ህዝቢ ዘሸብር፣ መንገዲ ጥፍኣት ዘበስር፣ ጥራሕ ዘይኾነስ ኩሉ በቢ ፊንኡ ጠበንጃ ሒዙ ክዋጋእን ሕድሕድ ኹናት ዝውልዕን ሰላም ህዝብና ዝዘርግ ሓደገኛ መንገዲ እዩ።
በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ቕዋማት ኣሕሊፍና ኣለና፦

1) መላእ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተረዲኡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብሓደ ድምፂ ክቃወምን ነቲ መድረኽ ዝምጥን ቓልሲ ንምክያድ ሙሉእ ምድላው ክገብር ንፅውዕ።

2) ነቲ ወተሃደራ መፈንቅለ መንግስቲ ዝቃወሙ ሓይልታት ለውጢ ተበታቲንኻ ዝግበር ቓልሲ ገዲፎም ስልታውን ስትራተጂካውን ሕብረታት ብምክያድ ሓይሊ ኣኪቦም ክቃለሱ ይግባእ።

3) ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ይኹን መላእ ዓለም ዘለው ተጋሩ ብዝተዋደደ መልክዑ ብፋይናንስ፣ ሰልፊ እናካየድኻ ብምቅዋምን ብዲፕሎማስን ነዚ ቓልሲ ምድጋፍ።

4) ህዝቢ ተምቤን መፈተኒ ኣረመንያዊ ምሕደራ ኾይኑ ዞባነት ተመንጢሉ ክበታተን ስለዝተገበረ እዩ። ኩሉ ትግራዋይ ነዚ ተረዲኡ ዞባነት ተምቤን ክምለሰሉ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድላይ ፅዕንቶ ክገብር ንፅውዕ።

5) ልእኽቶ ሻዕብያ ብምሽካም ወተሃደራዊ ምሕደራ ክተክል ዝጓየ ዘሎ ሓይሊ ይኽተሎ ብዘሎ ከባቢያዊ ፕሮፖጋንዳ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዕሊ ጥሒሱ ስለዘሎ፣ ዕላዊ ኩለመዳይ ፅምዶ ምስ ሻዕብያ ፈጢሩ ስለዘሎ ናብ ቕሉዕ ከባቢያዊ፣ ሃገራውን ቐጠናውን ኲናት ክንኣቱን ብትልሚ ሻዕብያ ትግራይ ማእኸል ዓውደ ዂናት ይገብር ስለዘሎ እዚ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ክግበር ንፅውዕ።

6) ነቶም ብቑፅሪ ውሑዳት ብኹለ መዳይ ዓቕሚ ውሕሉላት ዝኾኑን ነቲ ንሓደ ጉጅለ ህወሓት ደጊፉ መፈንቅለ መንግስቲ ከካይድ ዝወሰነን ብመግለፂ ዕላዊ ዝገበረ ጉጅለ ተቓዊሞም መገልገልቲ ህዝቢ ትግራይ እምበር ኣባላት ሓደ ፀቢብ ዓሌታዊ ጉጅለ ህወሓት ኣይኮናን ብምባል ተቓዊሞም ዝወፁ ጀነራላትን ኮነሬላትን ዘለና ናእዳ እናገለፅና መላእ ህዝብና ኣብ ጎድንኹም ምህላው ክትፈልጡ ይግባእ።

ክብርን ሞገስን ንኹሎም ሰማእታት ትግራይ !
ጥሪ 17/2017 ዓ/ም
ተምቤን

09/01/2025

ያኣክል ንጀነራል ታደሰ

3 ደቀይ ኣጋዲለይ?➤ቱ ሓደ ውላደይ የመን ተኣሲሩ አብ ስቃይ ይርከብ?➤ቱ ሓደ ወደይ ገና  ኣይትመለሰን?➤እታ ሓንቲ ጓለይ ተመሊሳ መታወቅያ ኸሊኦሟ?
02/01/2025

3 ደቀይ ኣጋዲለይ?

➤ቱ ሓደ ውላደይ የመን ተኣሲሩ አብ ስቃይ ይርከብ?
➤ቱ ሓደ ወደይ ገና ኣይትመለሰን?
➤እታ ሓንቲ ጓለይ ተመሊሳ መታወቅያ ኸሊኦሟ?

3 ደቀይ ኣጋዲለይ?➤ቱ ሓደ ውላደይ የመን ተኣሲሩ አብ ስቃይ ይርከብ?➤ቱ ሓደ ወደይ ገና ኣይትመለሰን?➤እታ ሓንቲ ጓለይ ተመሊሳ መታወቅያ ኸሊኦሟ?

ሰበር  ዜናኣብ ሽረ ናይ ሕሩጭ ፋብሪካታት ኣብ ማኣድን ወርቂ ወራር ተሰማርየን ከምዘለዋ ምስጢራዊ ሓበሬታ ተረኺቡ አሎ!
31/12/2024

ሰበር ዜና
ኣብ ሽረ ናይ ሕሩጭ ፋብሪካታት ኣብ ማኣድን ወርቂ ወራር ተሰማርየን ከምዘለዋ ምስጢራዊ ሓበሬታ ተረኺቡ አሎ!

ሰበር ዜናኣብ ሽረ ናይ ሕሩጭ ፋብሪካታት ኣብ ማኣድን ወርቂ ወራር ተሰማርየን ከምዘለዋ ምስጢራዊ ሓበሬታ ተረኺቡ አሎ!

ተምቤን/ተንቤን ክሓስብ እንተለኹ! (ዞባ ተምቤን💙)        ኩለን ናይ ቀደም ኣውራጃታት ትግራይ እንተውሓደ ኣብ ሓደ ጥልያን ምእንተ ውራዩ ኢሉ ዝሰርሖ ሓደ ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ኣስመራ ከ...
24/12/2024

ተምቤን/ተንቤን ክሓስብ እንተለኹ! (ዞባ ተምቤን💙)

ኩለን ናይ ቀደም ኣውራጃታት ትግራይ እንተውሓደ ኣብ ሓደ ጥልያን ምእንተ ውራዩ ኢሉ ዝሰርሖ ሓደ ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ኣስመራ ከራኽብ ዝኽእል ኣውራጎደና እየን ተመስሪተን።
እታ ዓውዲ ኲናት ኮይና ዘገልገለት ተምቤን ግን ምስቲ ሕሉፍ ቅያኣን ታሪኻን፣ ሕልፊ ዝሓቖፈቶም ገዳማታን ኣብያተ እምነታን፣ ስሙያት ዘፍረዩ ዓዲታታ፣ደጉዓታታን ወዳቃ መሬታን፣ ዘመናውን ባህላውን ተፀውዩ ዘይውዳእ ዛንታታታን ካብቲ ነዊሕ ኣውራ ጎደና ናብ ደቡብ ምዕራብ ገጽ ተፈልያ ተሪፋ።
ጥልያን ዘይስሙ ኣይትህቦን ነታ ሕርየት መስተራእይቲ ዝራኣየላን ጀጋኑኣ ክሃድን ክብል ግፍዒ ዘውረደላን ተምቤን ካብ ዓድዋ ተላዒሉ ብዓብዪ ዓዲ ናብ መቐለ ዝኣትው ጽርጊያ ሰሪሑላ ነይሩ እዩ። ካብ ፀድያ ብወርዒ ኣቢሉ ናብ ኣለዓሳ ዝድይብ ካሊእ መንገዲ ምስ ዓበይቲ ድልድላቱ ሰሪሑ ነይሩ።
ስኣን ምስትውዓል ግን ኣብታ ጥልያን ጭራኡ ደጒሉ ዝሃድመላ ዝነበረ መወዳእታ ወራር ሓሙሽተ ዓመት፣ መሕለፊ ከይረክብ ተባሂሉስ ክኸውን ተመሊሱ ከይመፀሉ፣ እቶም ኣብ ዝባን ዓበይቲ ሩባታት ተሰሪሖም ዝነበሩ ድልድላት ኩሉም ዓንዮም። ገሊኦም ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ 80 ዓመታት ውሕጅ ክወስዶም ዘይከኣሉ ፍራሳት ድልድላት ሕዚ'ውን ኣብ ዝባንን ጎንን ሩባታት ተገዲሞም ክትርእዮም የሕዝኑኻ። ብሰንኪ'ዚ እቲ ብልጭ ኢሉ ህልም ዝበለ ኣፋፍኖት መራኸቢ ዳርጋ ናብ ባዶ ተመሊሱ።
ነታ ኣብ ትግራይ ሓይሊ መብራህቲ ብቀዳምነት ካብ ዝራኣያ ወረዳታት ሓንቲ ኣነ እየ ኢላ እትፍክር ሃገረሰላም ሓዊሱ፣ መንገዲ ተምቤን ናብ ብበቕሊ እትጓዓዘሉ ዘበን ተመሊሱ። ራእሲ መንገሻ ካብ ትግራይ ሙሉእ "ናይ ግባ" ዝበሃል መዋጮ ሓቲቶም ድልድል ገረብ ግና ክሳብ ዝሰርሑ መጓዓዝያ ብበቕሊን ብመጽዓኛን ናብ ዝኾነሉ ብርኪ ወሪዱ።
ካብ ዓድዋ፣ ገረዓልታን እንደርታን ተላዒሎም ናብ ተከዘ ዝወርዱ ሩባታት ትግራይ ብተምቤን ኣቢሎም እዮም ዝሓልፉ። ዝናብ ጥብ ምባል እንተጀሚራ እቶም ዓበይቲ ሩባታት ተምቤን ክትሳገሮም ስለዘጽግሙ ኣብቲ ከባቢ ዝምደቡ ዝነበሩ መማህራን ትምህርቲ ዓጽዮም ዝምለሱ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኮይኑ ዝምለሱሉ ድማ ውሕጅ ምስጎደለ ኣብ ጥቅምቲ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ድኹምን ውሱንን ዝነበረ ምምሕያሻት ትምህርቲ ይኹን ጥዕና፣ ካብተን ካልኦት ነበር ኣውራጃታት ትግራይ ንድሕሪት ተሪፋ ዝተርኣየት ተምቤን እያ ነይራ። ውሑድ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰባ ናብ መቐለን ናብ ካልኦትን ከባብታትን ከይዱ ንክመሃር ዓቕሚ ዝረኸበ ጥራሕ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዘበን ናብ ተምቤን ብስራሕ ይምደቡ ዝነበሩ ሰባት ገሊኦም ከም መቕፃዕቲ'ምበር ከም ስራሕ መንግስቲ ኣይሓስቡዎን ነይሮም።
መራኸቢ ስለዘይነበሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ ብተነፃፃሪ ዝሓሸ ከውሊ ረኺቡ ካብ ዝገወደሎምን ብዙሓት ጀጋኑ ከፍርይ ካብ ዝኻኣለሎምን ከባብታት ሓደ ተምቤን ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት'ውን በዚ ይመስለኒ።
ድሕሪ ሓያል መስዋእትነት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጥንክር ዝበለ መራኸቢ መንገዲ ክስራሕ ጀሚሩ። እቲ ካብ መቐለ ብዓብዪዓዲ ናብ ዓድዋ ዝገጥም መንገዲ ነዊሕ ጊዜ በሊዑ ተወዲኡ ኣሎ። ብኣበርገለ ናብ ሰቖጣ ዝሓልፍ መንገዲ ምስ ክንደይ ፀገማቱ ናብ ደረጃ ኣስፋልት ዝኣትው ዘሎ ገና ሎሚ እዩ። ንሱ'ውን ግን ቀደም ጥልያን ሰሪሕዎ ነይሩ እዩ።
ካብ ሓውዜን ብዓብዪ ዓዲ ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ዲማን ማይ ፀብሪን ዝሓልፍ መንገዲ ነቲ ህዝብን ከባብን ሓዱሽ እዩ። ካሊእ ብናዕዴርን ዓዴትን ኣቋሪፁ ናብ እንዳባጉና (ሽረ) ዝስራሕ ዘሎ ጽርጊያ ተወዲኡ ንምርኣይ የብቃዓና'ምበር ሓደ ዓብዪ ፍጻሜ ክኸውን እዩ።
እዚ ኢለ ዓሚቑ ድኽነት፣ ስእነት ማሕበራዊ ግልጋሎታት፣ ስራሕ ኣልቦነት፣ ፀገማት ኢንቨስትመንትን ካልኦትን ኣለው ኣብ ተምቤን። ነዚ ንምፍታሕ እንታይ ዓበይቲ ነገራት ምግባር ይከኣል ዝብል ኣፀቢቐ ቀሪበ ዳህሲሰ ዘይፈልጦ እንዳሃለኹ ሓደሓደ ነገራት ክብል ግን እደልይ።

1) ምስቲ ሎሚ ዝሓሸ መራኸቢ ምህላውን ዓበይቲ ሩባታት ዘለውዎ ምዃኑን ብነዊሕ ኪሎሜትራት ዝዝርጋሕ ዝተዋደደ ዝርግሐ መስኖ ክግበር ዶ ይኽእል።

2)ተምቤን ምስቲ ሕሉፍ ታሪኽ ቁጠባኡ ርኢኻ ናብ ዝበረኸ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ(ፀባ፣መዓር) ዝኣትወሉ መጽናዕቲ ኣካይድካ dairy farming and industry ዝብል ኣንፈት ምዕባለ ክተኣታተው ዶ ምኸኣለ?

3)ሓደ መጽሓፍ ጽሒፍካ'ኳ ዘይትውድኦ ታሪኻዊን ተፈጥሮኣውን ፀጋታት ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለው ካልኦት መስሕባት ትግራይ ኣዋዲድካ ናብ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ክእተወሉ ዝኽእል ስትራተጂ ቀይስካ ምልማዕ ምተኽኣለ ዶ?
4) ኣብዚ ብመብዛሕትኡ ገጠራዊን ዝተበታተነን ገፊሕ ከባቢ ክወፃ ዝኽእላ ወሰን ወሰን ጽርጊያ ገዛ ሰሪሐን ንክትም ኣለና ዝብላ ናቑጣታት ገዲፍካ ብትልሚ ዝስራሓ ከተማታት ዝወጻሉ ኣንፈት ምቅያስ ዶ ኣይምሓሸን? (ካብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ዝረሓቐን
ከትማታት ምምዕባሉ ዘይተርፍ ስለዝኾነን)

5)ውሕስና ምግቢ ኣብ ቀረባ ንምርግጋጽን ሰብ ካብ ንሁር ስደት ክናገፍን ዝገብር ቅልጡፍ መንገዲ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ? ዝብል ሓሳባት ምርኣይ።

6) ኣብት ከባብ ኢንቨስትመንት ንምትብባዕ እንታይ ዓይነት ፍሉይ ደገፍን ኣሰራርሓን ክትግበር ይኽእል?
እዚኦም ነቲ ዘሎ ፀገማት ክሓስብ ከለኹ ምስቲ ዘለኒ ውሱን ፍልጦ ወስ ከብሎም ዝደለይኩ እዮም። ዘለኩም ወስኹሎም ዝእረሙ'ውን ኣርምዎም።

ምስ ሙለወርቅ ኪዳነማርያም ኣብዚኣ ተዓሪቕና አለና !

የቕንየለና

Getachew K Reda 700 ወርቃዊ ማዓልታት ሓመድ ኾይኖም የይይይይይይይይይ

ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩 ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩 ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩 ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩...
04/12/2024

ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩 ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩 ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩 ዞባ መቐለ🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ 🇮🇩ዞባ መቐለ🇮🇩

ዞባ ተምቤ💙ዞባ ተምቤን💙ዞባ ተምቤን💙ዞባተምቤን💙
ዞባ ተምቤ💙ዞባ ተምቤን💙ዞባ ተምቤን💙ዞባተምቤን💙
ዞባ ተምቤ💙ዞባ ተምቤን💙ዞባ ተምቤን💙ዞባተምቤን💙
ዞባ ተምቤ💙ዞባ ተምቤን💙ዞባ ተምቤን💙ዞባተምቤን💙
ዞባ ተምቤ💙ዞባ ተምቤን💙ዞባ ተምቤን💙ዞባተምቤን💙

04/12/2024

"እወ ቁርፂ
ቁርፂ እወ ቁርፂ "

"ንወያነ መደንገፂ ኸብዲ ቁርፀት ርእሲ ፍልፀት
ሒዝዎ ኣሎ ብልሒ በልሓት "

ቁርፂ እወ ቁርፂ ቁርፂ እወ ቁርፂ "
"ንወያነ መደንገፂ ኸብዲ ቁርፀት ርእሲ ፍልፀት
ሒዝዎ ኣሎ ብልሒ በልሓት "

"ኣታ ናዓኻ እየ ዝመፀኹ እናበልካ
ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ንመከራ ዝዳረኻ።
ናይ ገቢ ድኻ ራሃፅ ዕጥቂ ስንቂ ናበልካ ነቅ ኣያብልካ"

"ቁርፂ እያ ሎሚ የብልካይ መህደሚ
ቁርፂ እያ ሎሚ የብልካይ መህደሚ
ቁርፂ እያ ሎሚ የብልካይ መህደሚ"

"ጭጉራፍስያ ባዕላ ወቂዓ ባዕላ ተእዊ"
ውይ ውይ ውይ ወይይ😁

"ኣታ ሓሳዊ ፈላላይ ዓሌየታዊ
ኣንታ ወረኛ ሕማም ዘረኛ
ኣንታ ጎጠኛ ብሄርተኛ"

"ቁርፂ እያ ሎሚ የብልካይ መህደሚ
ቁርፂ እያ ሎሚ የብልካይ መህደሚ
ቁርፂ እያ ሎሚ የብልካይ መህደሚ"

"እወ ቁርፂ
ቁርፂ እወ ቁርፂ "
"ንወያነ መደንገፂ ኸብዲ ቁርፀት ርእሲ ፍልፀት
ሒዝዎ ኣሎ ብልሒ በልሓት "

"እወ ቁርፂ
ቁርፂ እወ ቁርፂ "
"ንወያነ መደንገፂ ኸብዲ ቁርፀት ርእሲ ፍልፀት
ሒዝዎ ኣሎ ብልሒ በልሓት "

"ደገፍተና ፈተውትና መሰረትና
ተገበርኻዮ ታሪኽ ከም ዘይነበረና"

ተላዒሉካ አሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዓለለ ናፈከረ"

1980 ዓ/ም ኸባቢ ዝተደረፈ
ብተጋሩ አባላት ኪነት ሰራዊት ደርጊ እዩ።
ናዓይ ትምቢት እዩ ።

03/12/2024

ፍትሒ ንሓውና!

03/12/2024

ዞባ ተምቤን 💙🇮🇩

22/11/2024
ሐለንጊ ስባጋድስ  5,000 ብር ኣታኽልቲ    2,500 ብር ብሽሙ  ኣካውንት ንግዲ  ባንኪ ተኸፊቱ አሎ ሓግዞዎ። 100090793466።Tsegay Desta Mekonen Kibrom Ayalew...
20/11/2024

ሐለንጊ ስባጋድስ 5,000 ብር
ኣታኽልቲ 2,500 ብር
ብሽሙ ኣካውንት ንግዲ ባንኪ ተኸፊቱ አሎ ሓግዞዎ። 100090793466።
Tsegay Desta Mekonen
Kibrom Ayalew
John Gebru
Letush Meresa

ኣብ መናእሰይ ተምቤን ልተፈፀመ ግፍዒ ኣመልኪቱ ካብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ልተውሃበ ወቅታዊ መግለፂሕዳር 10 2017ዓ.ምካብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ልተውሃበ መግለፂ=========...
20/11/2024

ኣብ መናእሰይ ተምቤን ልተፈፀመ ግፍዒ ኣመልኪቱ ካብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ልተውሃበ ወቅታዊ መግለፂ

ሕዳር 10 2017ዓ.ም

ካብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ልተውሃበ መግለፂ
===============================
ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ መጋብርያ ሓደ ጉጅለ
==============================
ምግባር ደው ይበል።
=============
ኣብ ሕሉፍ 50 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ልገበሮ መሪር ቃልሲ፣ልኸፈሎ መስዋእትይ ብሓደ ድሑር ጉጅለ ተሓንሺሹ እዩ። እዚ ጉጅለ ብስም ህዝባዊ ቃልሲ ብመስዋእቲ ህዝቢ ልተገነየ ዓወት ስልጣን ልምብሓት ክብል ደጋጊሙ ሓንሺሸሽዎ እዩ። እዙይ ትገብር ተሎ ግን ዋና መሳሪሕኡ ብስም ህዝቢ ልተጋደለ ተጋዳላይ ኢሉለ ብስም ህዝባዊ ፖሊስይ ምልሻይ ብሕጊ ልተጣየሸ ዕጡቅ ሓይሊ ምንባሩ ይፍለጥ። እዝ ብረት ልተዓጠቀ ተጋዳላይ፣ፓሊስ ይኹን ሚልሻ ተገዲዱ ጥራይ ለይኾነስ ገሊኡ ብድሌቱ ናይ ዓፈና መሳርሒ እዝ ጉጅለ ኾይኑ ከገልግል ብምፍቃዱ እቲ ልተረፈለ ሪኡ ሃምለይርአየ ብሙዃን ናይዝ ጉጅለ ዓፈና ቅቡል ብምግባሩ ናይ ሕጊ ይኹን ናይ ታሪኽ ተጠያቂ እዩ።

ኣብ ናይ17 ዓመት ህዝባዊ ገድሊ ኣርዑት ጭቆና ሓንጊሩ ልመፀ ነባር ተጋዳላይ ኣብ ባዕሉ ይኹን ኣብ መላእ ህዝብና ደርጊ ለንዕቅ መስካሕክሒ ግፍዒ ብዝ ድሑር ጉጅለ ላተፈፀመ ሪኡ ሃምለይ ርአየ ምሕላፉ ከይኣክል ቀሊል ለይብሃል ነባር ተጋዳላይ ኣካል ዓፈና ናይዝ ድሑር ጉጅለ ብሙዃን ዘብዒ ጭቆና ኾይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰፍ ለይብል በደል ብምፍፃም ጥልመት ፈፂሙ አዩ።

ህዝብና ልቲ ኣማኢት ኣሽሓት መስዋእቲ ልኸፈለሉ ገድሊ ኽብሪ ክብል እዝ ተግባር ብጊዚኡ ከነውሮ ብለይምኽኣሉ እቲ ልበዝሕ ተጋዳላይ ብስቅታ ቁፅሩ ቀሊል ለይብሃል ተጋዳላይ ብግብሪ ኣካል ጭቆና ዙ ድሑር ጉጅለ ኾይኑ ክቅፅል ኣብ ምግባር እቲ ሕመቅ ማሕበረሰባዊ ቅርፂ ብምሓዙ ካብ ውሽጢ ልፍፀም ግፍዒ ተቀቢልኻ ምንባር ንውር ብሙዃኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዝ ድሑር ጉጅለ ልፍፀሙ ግፍዕታት ኣያም በል ብሃሊ ስኢኑ እዩ። ዕንደራ ዝ ጉጅለ ቀፂሉ ብሕጊ ልተጣየሸ ጊዜያዊ ምምሕዳር መንግስታዊ ዕዮታት ካብ ምትዕንቃፍ ሓሊፉ መንግስታዊ ስርዓት ላብ ምፍራስ ተሸጋጊሩ ኣብ ሰሜን ምዕራብይ ማእኸላይ ዞባታትይ መንግስታዊ መሓውር ጠሊፋ ላርአየ ስርዓት ለትሕዝ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ይኹን ህዝባዊ ፖሊስ ለይምህላው ናይዝ ጉጅለ ፋሉልነት መሰረቱ ህዝባውይ መንግስታውዊ ሓላፉነቱ ልዘንግዐ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ጊዚኡ ሓልዩ ናይ ሕጊይ ታሪኽይ ተጠያቂ እዩ።

ኣብ ሕሉፍ 4 ዓመታት ሓፍተይ እነይ ከይድፈራ፣ህዝበይ ከይጋፋዕ፣ዓደይ ከይትጉበጥ ኢሉ ልተጋደለ ሰራዊት ናይቲ ሕሉፍ ድሕረት መቀፀልታ ኾይኑ ልዝ ድሑር ጉጅለ ከገልግል ድሌት ለለዎም ሓደ ሓደ ወታደራዊ ኮሚሳራት ተጠሊፉ ኣብ መላእ ትግራይ ልፍፀሙ ወንጀላት ውራ መሬት፣ወርቂ፣ሓፂን መፂን፣ናይ አንእስቲ ዓመፅይ መቅተልትይ፣ኽትራን ልመሳሰሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ልፍፁሙ
መዓልታዊ ወንጀላት ደው ምባል ኣብይዎ ሪኡ ሃምለይርአየ ሙዃኑ ከይኣክል ኣብ ልተፈላለዩ ኸባብታት ትግራይ ብካድረታት፣ሽግ ወየንቲ፣ ልምዓት ጉጅለ ዙ ድሑር ጉጅለ ኣብ ሸረይ ዓዲግራትይ ኣኼባ መንግስቲ ምርባሽ፣ኣብ ዓድዋ ኣኼባ ከይግበር ኣዳራሽ ምዕፃው ልመሳሰሉ ናይ ሕጊ ጥሕሰታት ብስቅታ ምሕላፉ ብተወሳኺ ኣብ ውቅሮ፣ኣክሱም፣ተምቤን ባዕሉ ህዝባዊ ደመራት ከይካየዱ ብስም ናይፀታ ስግኣት ምኽልኻሉ ኢሉለ ደለይቲ ለውጢ መናእሰይ ካብ ምዕፋን ክሻብ ለስካሕክሕ ኣካላዊ ጉድኣት ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ተምቤን ብኣባላት ኣርሚ 60 ልተፈፀመ ግፍዒ ሓደ መርአዪ እዩ።

ብሙዃኑ ፓርቲና ትንሳኤ 70 እንደርታ ልሓይልታት ፀጥታ፣ህዝቢ፣ጊዜያዊ ምምሕዳር፣ተፎኻኸርቲ ፓርቲታትይ ሲቪክ ማሕበራትይ፣ፌደራል መንግስቲ ልተጣብቅቲ ሰብኣዊ መስላትይ ሚዲያይ ልስዕብ ፃውዒት የቅርብ።

1.ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ
=================
ደሕንነት ህዝቦም ከውሕሱ፣መንግስታዊ ዕዮታት ከሳልጡ፣ሕጊ ከኽብሩ፣ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ከኽብሩ፥ መገልገሊ ሓደ ለይሕጋዊ መግለፂ ድሕረትይ ድንቁርናይ ልኾነ ጉጅለ ሙዃን መስዋእትነት ልኸፈሉሉ ቃልሶም ብምሕንሻሽ ጅግነነቶም ብዜሮ ብምርባሕ ናይ ሕግይ ታሪኽይ ተጠየቅቲ ለገብሮም ሙዃኑ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ የተሓሳስብ።

1.ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ
==================
ሕጊ ከኽብር፣መሰልይ ደሕንነትይ ዜጋታት ከውሕስ፣ለይሕጋዊ ተግባር ልፍፅም ለሎ ጉጅለይ ኣባላቱይ ስርዓት ከትሕዝ፣ሓይልታት ፀጥታ ይኹኑ ካብ ክልል ክሻብ ጣቢያ ለለው ብናይ መንግስቲ በጀት ልንቀሳቀሱ ኣካላት መደባት ጊዜያዊ ምምሕዳር ኣኽቢሮም ክፍፁሙ፣ተለይኾይኑ ካብ ቦትኦም ክልዓሉይ ተጠየቅቲ ክኾኑይ፣ቀትሪ ምድሪ ወንጀል ልፍፅሙ ለለው ኣካላት ላብ ሕጊ ክቀርቡ ልተውሃቦ መንግስታዊ ሓላፍነት ክፍፅም እዙይ ኣብ ምግባር ኹሎም ዓቅምታት ትግራይ ከሳትፍይ ሓቋፋይ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክህሊ ክገብር እዙይ ክገብር ተለይኽኢሉ ግን ሓላፍነቱ ከረክብ ነተሓሳስብ።

3.ህዝቢ ትግራይ
==========
ሱልጡን ኢኻ ልኣኻ ልመሰል የለይ ልብል ናይ ገዘእቲ መዐሸዊ ዝንታወ መሰልኻይ ደሕንነትኻይ ብለየኽብሩ ልመስዋእቲ ጥራይ ብልደልዩኻ ገዘእቲ ከይተታለልኻ ልዘመናት ልተቃለስኻሎምይ መስዋእትነት ልኸፈልኻሎምይ ሰብኣውይ ዴሞክራሲያዊ መሰላትኻ ልከኽብሩ ብግብሪ ክትሕዞም፣ ካብ ኣዮኻ ናይና ዕስላዊ ስምዒት ወፂእኻ ምኽንያታዊ ቃልሲ ክትገብር፣ መሰልኻ ብምስዋእትነትኻይ ቃልስኻይ ልግነ እምበይ ካብ ገዘእቲ ትሕርጎቶ ለይሙዃኑ ፈሊጥኻ ልግብአካ መሰል ክተረጋግፅ ኣድላይ ለበለ ኹሉ ዓይነት ቃልሲ ክትገብር፣ ብስምኻ ላሸቀጡ ሞትይ ህልቂትይ ልዕድሙልኻ ውልቀ መልኽቲ ይኾኖ ክትብሎም ንፅውዕ።

4.ልተፎኻኻሪ ፓርትታትይ ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ
===============================
ኣብ ትግራይ ድሑር ስርዓት ሃም ባህሊ ኣትኣታትዩ ናይ ድሑራት ኣባላቱ ሕሊና ቢስነት ተበሊፁ ዘልኣለማዊ ስልጣን ክብሕት ህዝብና ኣብ ፍፁም ጭቆና ኣእትይዎ ለሎ ጉጅለ ብተነፃፃሪ ብቁፅሪ ንኡሽተይ ዓቅሙ ድኹም ሙዃኑ ፈሊጥኹም ብልተዋደደ ኣግባብ ልሓደይ መወዳእታይ ጊዜ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ለሎ ናይ ለውጢ መንፈስ ሃም ዕድል ብምጥቃም ህዝቢ ናይ ምልዕዓል ይኹን ወዲብኻ ክቃለስ ናይ ምግባር ግብኡኹም ብግብሪ ክተፍፁሙ ላፀዋዕና ፓርቲና ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ግቡኡ ክፍፅም እዩ።

5.ፌደራል መንግስቲ
============
ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ
ልሰረተ፣ለቅንዐ፣ብምስዋእቱ ለፅንዐ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልልዓለ ብፅሒት ለለዎ ህዝቢ እዩ። ኾይኑ ግና ኣብ ሃገሩ ልግብኦ ቦታ ስኢኑ ኣብ ዕንክሊል ይግነ። ካብዝ ዕንክሊል ልክወፅእ ፌደራል መንግስቲ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ብምትግባር ተፈናቅልቲ ወገናትና ናብ መረብቶም ክምለሱ፣DDR ብቅልጡፍ ክፍፀም፣ጊዜያዊ ምምሕዳር ልተማልአ ዓቅሚ ክህልዎ ኣድላይ ለበለ ድጋፍ ክገብረሉ፣ ልተውዝፈ ናይ 17 ኣዋርሕ ደመዎዝ መንግስቲ ሰራሕትኛታት ትግራይ ክኽፈል ምቹው ኹነታት ክፈጥር፣ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልተማልአ ዓቕሚ ክህልዎ ሓቛፋይ ኾይኑ ክምዓራረ ንፅውዕ።

6.ልትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰል፣ፍትሒ
==========================
ኣካላትይ ሚድያታትይ
==============
ኣብ መላእ ትግራይ ልፍፀሙ ለለው ናይ ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ኣሓትና ልተፈፁሙ ዓመፃትይ መቅተልትይ መረዳእታ ክትእክቡይ ከተቃልዑይ ፈፀምቱ ላብ ሕጊ ክቀርቡ ክትገብሩ ላፀዋዕና ብዕለት 08/03/2017ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣብ ታሕቲ ልተዘርዘሩ መናእሰይ ተምቤን ልተፈፀሙ ግፍዕታትይ ዓፈናታትይ ኣፃሪኹም ፈፀምቱ ላብ ሕጊ ክቀርቡ ልክኣለኩም ክትገብሩ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ላፀውዐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትምቤን ይኹን መላእ ህዝቢ ትግራይ ብስም ሰራዊት ግፍዒ ልፍፅሙ ለለው ኣካላት ክንወሩይ ላብ ሕጊ ክቀርቡይ ነተሓሳስብ።

ዓፈናይ ኣካላዊ ግፍዕይ ልተፈፀሞም መናኣሰያት ተምቤን ብኽፋል
1-መር ብርሃነ ሓጎስ 2-ሃይሉ ገ/ስላሴ
3-ኣብራሃም መረሳ 4 ንዋይ ዘርአይ
5- ሰረት ሙለይ 6- ዘነበ ደስታ
7- ዳኒኤል ኣሰፋ 8- መምህር ገብረሃወርያ
9- ኣሰፋ ሃይለስላሴ10-ደሳልይ ኣሰፋ
11- ገብረሂዎት ብርሃኑ 12- ገብረሚካኤል ሓዱሽ 13- ሰምሃል ገ/ መድህን 14-ገብረኪሮስ ታደሰ 15- ሃፍታሙ መረሳ 16-ፍስሃ ገብርመድህን
17- ይርጋለም ኣሰፋ.
ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ
ሕዳር 10/2017 ዓም
መቐለ

ዞባ  ተምቤን 💙🙏
13/11/2024

ዞባ ተምቤን 💙🙏

Address


Telephone

+251920150036

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Syenite Tv ሲያናይት ቴቪ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share