Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

  • Home
  • Eritrea
  • Asmara
  • Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

Center for research and documentation  ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን ብሕታዊ ትካል መጽናዕትን ሓበሬታን ኤርትራ። An Independent Research and Information Institute (Eritrean Media Outlet) Political Agency
(76)

ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተ ኣበየ መከራ ይምከሮ!—-   ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ዝብል ምስላ ኣቦዋት፣ ከቢድ ትርጉም ዝሓዘ ምስላ'ዩ። በዓል እንጀራኻ፣ መባልዕትኻ'ዩ፣ መሳልይትኻ'ዩ...
23/11/2024

ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተ ኣበየ መከራ ይምከሮ!
—-
ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ዝብል ምስላ ኣቦዋት፣ ከቢድ ትርጉም ዝሓዘ ምስላ'ዩ። በዓል እንጀራኻ፣ መባልዕትኻ'ዩ፣ መሳልይትኻ'ዩ፣ መኻፍልትኻ'ዩ። ንበዓል እንጀራኻ እትመኽሮ፣ ንድሕሪት ተመሊስካ ነቲ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገር ክትርስዖ ስለ ዘይትኽእል'ዩ። ንበዓል እንጀራኻ እትመኽሮ፣ ናብ ጸድፊ እንዳጸደፈ ይኺድ ይጽደፍ ክትብል ስለ ዘይትኽእል'ዩ። ብፍላይ ድማ ናብ ከም ትሕተ ሃገራዊንት ዝኣመሰለ ዝወደቐ፣ ዝተፈንፈነ፣ ዝተበረዘን ሓደገኛን ኣተሓሳስባ ሸተት ክብል ምስ እትዕዘብ፣ ‘‘ኣይፋልካን‘‘ ክትብሎ ልቦና'ዩ። ንበዓል እንጀራኻ፣ ብጻያዊ ኣልያን ምኽርን ማዕዳን ክትምጥወሉ፣ ብልሒ'ዩ።

ዘለናዮ ዘመን፥ ዘመን ዓዉለማ'ዩ (globalization)፣ ዘመን ቴክኖሎጂ (technology) ዘመን ርክባት'ዩ (communication)። ዘመን ማሕበራዊ መራኸቢታት (social media)፣ ዘመን ሓበሬታ'ዩ (information)። ዘለናዮ ዘመን፣ ጥንቁቕ፣ ቅርጡዉ፣ በሊሕ፣ ሓላፍነታዊ ክትከዉን ዘገድድ'ዩ። ዘለናዮ ዘመን፣ ዘመን ‘‘ወይ ክብ ወይ ግብ'ዩ‘‘። ነዚ ዘመን'ዚ ዘይምርዳእ፣ ዋግኡ ኣዝዩ ክቡር'ዩ። ነዚ ዘመን'ዚ ዘይምምላኽ፣ ዕዉት ክትከዉን ኣይትኽእልን።

እዚ ናይ ዓዉለማን ርክባትን ሓበሬታን ዘመን፣ ማዕረ ማዕረ'ቲ ፈጢሩልና ዘሎ ዕድላት፣ ኣብ ህላዌና ከቢድ ሓደጋ ክፈጥር ዝኽእል ኣበር'ዉን ኣለዎ። ብኮርፐሬሽናትን (corporations) ስለያ ምዕራብን (spying agencies) ዝተባሕተ ባይታ ርክባትን ሓበሬታን፣ ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ምስ ዘይግበሮ፣ ከም ህዝቢ ናይ ምፍንጣሕና ዓቕሚ ዘለዎ ሙዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ብፍላይ ንዓና ንኤርትራዊያን፣ ባይታ ርክባትን ሓበሬታን ኣዝዩ ኣገድሲ፣ ግን ድማ ኣዝዩ ጥንቁቕ ኣካይዳ ዘድልዮ'ዩ። ካብ'ዚ ቅኒት ናይ ኣእምሮ ተበጊስና'ዩ እምበኣር፣ ንበዓል እንጀራኻ ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተ ኣበየ መከራ ይምከሮ እንብል።

ሕሉፍ ናይ 20 ዓመታት ተጻብኦ'ሞ ንገምግሞ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሜድያ ኣቢሎም እንታይ'ዮም ኣብ ልዕሌና ጌሮም? ጸለመ፣ ሽይጠና፣ ስነ ኣእሙራዊ ወራር (psychological warfare)? ህዝብና ኣብ ሜድያ ምብላዕ? ትሕተ ሃገራዊነት ከም ዝሰርጽ ምግባር? ኤርትራዊ መንነትና ምብራዝ? እንታይ'ዩ ዘይተገብረ? ኣብ ዉሽጢ ህዝብና ቅንኢ፣ ቅርሕንቲ፣ ገንዘብ፣ ጉድለት ንቕሓት (ደረጃ ትምህርቲ)፣ ትሕተ ሃገራዊነት፣ ኣዉራጃዊነት፣ ሃይማኖታዊነት፣ ብዓቢኡ ድማ ትሑት ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ንኽህሉ ብዙሕ'ዩ ተሰሪሑ።

** ትርጉም መስርሕ ሃገራዊ (Nation Building) ህንጸትን ዉስጠዘ ሰንሰላቱን!

ትሕት ሃገራዊነት ሕማም ናይ ኣእምሮ'ዩ፣ ትሕተ ሃገራዊነት መንሽሮ ሕብረተሰብ'ዩ፣ ትሕተ ሃገራዊነት መፍረሲ ዉዳበን መሳርዕ ሃገርን'ዩ፣ ትሕተ ሃገራዊነት ፎእ ክበሃል ዘለዎን ካብ ሱሩ ተቦንቂሱ ናብ ጉሓፍ ክስንዶ ዝግባእን ብኩል ኣተሓሳስባ'ዩ። ብመትከል ነዚ ዘይቅበል ኤርትራዊ እንተሎ፣ ግደፍ 'ዜጋ' እትብል ቅንጣብ ወረቐት ክትዕደሎ፣ እታ ኤርትራዊ እትብል ስም'ዉን ፍጹም ኣይትግብኦን።

ካብ 50ታት ትሒዝና ክሳብ 1991፣ ካብ 90ታት ኣትሒዝና ድማ ክሳብ'ዚ ዘለናዮ መድረኽ፣ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸትና (Nation Building) ነዊሕ ስጉሚ ተሳሊና ኣሎና። ኣብ'ዚ ናይ 80 ዓመት ገድላዊ ኣግእዞ፣ ንድሑርን ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ትሕተ ሃገራዊን ኣተሓሳስባታት፣ ባህሊ፣ ርድኢታት፣ ክብርታት እንዳመሓናን እንዳቐረምናን ናብ'ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ጥርዚ ንቕሓት ክንበጽሕ ዝኸኣልና ህዝቢ ኢና። ነዚ ከም ህዝቢ ረዚን መስዋእቲ ከፊልና ዝሰገርናዮ ተኣፋፊን ተነቃፊን ተሪርን መድረኽ፣ ሎሚ ኣብ 2024 ዳግማይ መንኮርኮሩ ንድሕሪት ክጠዊ ዝህቅን ዉልቀሰት፣ ጉጅለ፣ ትካል ይኹን ካልእ ግዳማዊን ዉሽጣዊን ሓይሊ እንተሎ፣ ልክዕ ከም'ቶም ፊት ንፊት ተወቒዖም ዝተቐብሩ ኣተሓሳስባታት፣ ንሳቶም'ዉን ብሓያል ቅልጽም ህዝብና ከም ዝጭፍለቑ ፍጹም ጥርጥር ክህሉ ኣይኮነን።

መስርሕ ሃገራዊ ህንጸትና ሕላገት ህላዌና'ዩ፣ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸትና መስመር'ዩ፣ ሕርያ'ዩ፣ መትከል'ዩ፣ ኣልፋን ኦሜጋን ፍልስፍናና'ዩ። ነዚ ብዲፕሊሲናዊ መሓዉራት ሰዉራና ዝተሃንጸ ርእዮት ዓለም፣ እንኮ ዋሕስ ህዝብናን ህላዌናን ስለ ዝኾነ፣ ከም ብሌን ዓይንና ክንከላኸሎን ክንዋደቐሉን መስዋእቲ ክንከፍለሉን ግድን'ዩ። ነዚ ምፍላጥ፣ ብልሒ እምበር ዕሽነት ክኸዉን ኣይክእልን።

ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከም ኣካል ናይ'ቲ ንምድኻምናን ንምብታንናን ንምጥፋእናን ክኸድዎ ዝጸንሑ ሓዲድ ናይ ጥፍኣት፣ ንመስርሕ ሃገራዊ ህንጸትና (Nation Building) ከም ቀንዲ ዕላማ ወሲዶም፣ ‘‘ግጭትና/ ጽልእና ምስ ኤርትራዊ መንነት እምበር፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን‘‘ ክሳብ ምባል ዝበጽሕሉ መድረኻት'ዉን መስኪርና ኢና። ሽሕ'ኳ እዚ ኣብ ታሪኽና ሓድሽ ክስተት እንተዘይኮነ፣ ኣብ'ዚ ደመኛታት ጸላእትና ምሉእ ስዕረቶም ዝተመስከረሉ ሓድሽ ዘመን፣ ኣብ'ዚ ሃገርናን ህዝብናን ምሉእ ዓወት ዝጨበጠሉ መድረኽ፣ ድሑር ትሕተ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከም ርእሱ ዝተበትከ ተመን ፈለኽለኽ ክብል ምዕዛብ፣ ምዕዛብ ጥራይ ኮይኑ'ዩ ዝሓልፍ። እንተ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸትና (Nation Building)፣ ከም ዘመኑ ዝመጸሉ ቀይሕ ዕንባባ፣ እንዳጉላዕልዐን እንዳሰወደን እንዳተወልዐን ከም ዝኸይድ ፍጹም ጥርጥር የሎን።

ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ንኣፍልጦ፥ ንምንታይ ማይክ ሃመር ካብ መዝነቱ ተኣልዩ?---   ከም'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ብሰፊሑ ዝተገልጸ፣ State Department ንፍሉይ ልኡኹ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይ...
04/11/2024

ንኣፍልጦ፥ ንምንታይ ማይክ ሃመር ካብ መዝነቱ ተኣልዩ?
---
ከም'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ብሰፊሑ ዝተገልጸ፣ State Department ንፍሉይ ልኡኹ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ካብ ስልጣኑ ኣልዒልዎ'ሎ። እዚ ንዝሓልፈ 2 1/2 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ዘገልገለ ዲፕሎማት፣ ድሕሪ ንኣምባሳደር ሳትርፊልድ ተኪኡ ምምጽኡ ኣዝዩ በዳሂ ፖለቲካዊ ኩነታት ከሕልፍ ምጽንሑ'ዩ ዝንገር።

ኣምባሳደር ፈልትማን ሒዙዎ ዝመጸ ጎነጻዊ ኣካይዳ ምስ ፈሸለ፣ ኣሜሪካ ነቲ ኣዝዩ ልኡም ሙዃኑ ዝንገረሉ ሳትርፊልድ'ያ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኢኻቶ። እንተኾነ ኣምባሳደር ሳትርፊልድ ነዊሕ ክኸይድ'ዩ ፈሺሉ። ድሕሪ'ዚ ዝመጸ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር'ዩ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ሓንትን ሓንትን መምርሒ ስራሕ'ያ ተዋሂባቶ፥ ስሉሳዊ ኪዳን ኤርትራን ኢትዮጲያን ሶማልን ኣፍሪስካ፣ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጲያን ህወሓትን ኣተዓሪቕካ፣ ንኤርትራ ካብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነጺልካ ረብሓታት ኣሜሪካ ምሕላዉ'ዩ ዝብል ኔሩ። ካብ'ዘን 3 ዓበይቲ ዉጥናት፣ ኣምባሳደር ሃመር ኣብ ሓንቲ'ዩ ተዓዊቱ ክበሃል ዝኽእል። ሽሕ'ኳ ንስሉሳዊ ኪዳን ኤርትራን ኢትዮጲያን ሶማልን ብኸፊል ክዘርጎ እንተኸኣለ፣ ኣብ 2ይን 3ይን ዉጥናት ግን ምሉእ ፍሽለት'ዩ ኣጋጢሙዎ። ዕርቂ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጲያን ህወሓትን ንቕድሚት ክደፍኦ ኣይከኣለን፣ ንኤርትራ ድማ ካብ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንጽላ ኣይከኣለን።

እምበኣርከስ፣ ዞባዊ ምዕባለታት ብቕልጡፍ ይቀያይር ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ንኣሜሪካ ሓድሽ ንድፊ ክትነድፍ ይግድድ ኣብ ዘለወሉ መድረኽ፣ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ መን ሰዓሪ ኾይኑ ክእወጅ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ ሰዓት፣ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ስልቲ ክትሕንጽጽ ትግደድ ኣላ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፣ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ክትገብር'ያ።

ምርኩስ ኣደይ ኢታይ፣ ላዕላያ ባላ ታሕታያ ጢላ!---ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተቓንዐ ስሉሳዊ ኪዳን ኤርትራ-ሶማል-ግብጺ፣ መንግስታት ኣሜሪካን ብልጽግናን ኣብ ከቢድ ራዕዲ ተሽሚሞም ከም ዘለዉ'...
03/11/2024

ምርኩስ ኣደይ ኢታይ፣ ላዕላያ ባላ ታሕታያ ጢላ!
---
ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተቓንዐ ስሉሳዊ ኪዳን ኤርትራ-ሶማል-ግብጺ፣ መንግስታት ኣሜሪካን ብልጽግናን ኣብ ከቢድ ራዕዲ ተሽሚሞም ከም ዘለዉ'ዩ ዝንገር ዘሎ። መላእ ላም ዘላቶ ጎጎ ነይሓንቆ ዝመሰሎም ዘመን፣ ዝሓንቕ ከም ዘሎ ድሕሪ ዑደት ኣል ሲሲ ናብ ኣስመራ'ዮም ፈሊጦም ይብሉ ተንተንቲ።

መንግስቲ ብልጽግና ኣብ ከበባ (defensive posture) ከም ዝኣተወ ክትኣምን ተገዲዳ ዘላ ኣሜሪካ፣ ንፍሉይ ልኡኻ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ካብ መዝነቱ ከም ዘልዓለቶ'ዩ ዝንገር ዘሎ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጲያ ንኢሃድግ ዝመሳሰል ጽላል ሰልፊ (anchor political party) ክምስርት'ዩ ኔሩ ዝተዋህቦ መምርሒ ስራሕ። እንተኾነ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቀዉሲ፣ እቲ ዉጥን ክሳኻዕስ ይትረፍ፣ ደጊሞም ናብ ኩናት ከይምለሱ'ዩ ዘሎ ስግኣታት ኣሜሪካ። መርፋእስ ናይ ገዛእ ርእሳ ቀዳድ ከይሰፈየት፣ ናይ እንዳማታ ቀዳድ ትሰፊ'ዩ ነገሩ።

ብዝኾነ፥ ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ እንድዩ ዝበሃል፣ ክስዕሮዩ ዝተባህለ ኩናት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊቱ የዳኽሞ ምህላዉ ዘስተብሃሉ ፖለቲኬኛታት ኣሜሪካ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጲያ ኣብ ጠረቤዛ ሕድገታት ብምግባር ነቲ ኩናት ብሰላም ክዓጽዎ'ዮም ዝመኽሩ ዘለዉ። እንተኾነ ምስ ፋኖ ዕርቂ ምግባር ማለት፣ ፍሽለት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምእማን ማለት ሙዃኑ ክስሕትዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።

ድሕሪ'ቲ ዘልዓሎ ኣርእስቲ ‘‘ኣፍደገ ባሕሪ‘‘፣ ቀ/ሚ ኢትዮጲያ ምስ ኤርትራን ሶማልን ኣብ ምትፍናን ክኣቱ ምግዳዱ'ዉን ይሕግዞም የለን። ብፍላይ ምስ ሶማል ዘሎ ኩነታት ንግብጺ ወጢጡ ናብ'ቲ ጉዳይ ከም እትኣቱ ብምግባሩ፣ ኣሜሪካ ንኤርትራ ንምኽባብ ዝሓንጸጸቶ ዉጥን፣ ኣሉታዊ ዉጽኢት (negative reverse reaction) ሒዙ ይመጽእ ምህላዉ ከየሰከፋ ኣይተረፈን።

እዝን ካልእን ዘበገሶ'ዩ እምበኣር…..

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝፍጠር ዘሎ ሙቐት ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለዋ ዝንገረላ ዘሎ ኣሜሪካ፣ ነቲ ሙቐት ንምዕቃን ንሓላፊ CIA ዊልያም በርነስ ናብ ሶማል ልኢኻቶ ዘላ። ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ብርጣንያ'ዉን ንሓላፊ ስለያ MI6 ርቻርድ ሙር ናብ ኢትዮጲያ ልኢኽዎ ከም ዝቐነየ'ዩ ዝሕበር ዘሎ። ዕረፍቲ ዘይህብ shuttle diplomacy!

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ መንግስቲ ሶማል ንኣምባሳደር ኢትዮጲያ ዓሊ መሓመድ ዓደን ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ካብ'ታ ሃገር ከም ዝወጽእ ጌሩ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጲያ'ዉን፣ ሶማል ንኩናት ትዳሎ'ላ ብዝብል ምስምስ፣ ሰራዊቱ ናብ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ከጸግዕ ጸኒሑ'ዩ። ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ'ዚ ዝቐዉም ዘሎ ሓድሽ ናይ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ (ATMIS)፣ ሰራዊት ኢትዮጲያ ንኸይሳተፎ ዓቲቡ ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ሓለፍቲ ብልጽግና፣ ሶማል ክንድዚ ዝኣክል ዲፕሎማሲያዊ ብቕዓት ከተምጽእ'ያ ዝብል ግምት ስለ ዘይነበሮም፣ ኣዒንቶም ናብ ሻዕብያ ምጥማት ኣየቋረጹን። እንተ ሓባ ዓጽሙ ግን ‘‘ኣብ ዘይተዓደምካሉ መኣዲ ኣይትቀረብ‘‘ እዩ ዘሎ መልሱ (don’t be provoked)።

ብኻልእ ዜና፣ ኤርትራ ከይትቕድሞ ዝሰግአ መንግስቲ ኢትዮጲያ፣ ንመስመር በረራ መንገዲ ኣየር ሃገሩ (Ethiopian Airlines)፣ ብጎንደርን ሑመራን ኣቢሉ ንክሊ ኣየር ሱዳን ተጠቒሙ ናብ ፖርት ሱዳን ዘእቱ መስመር ክኸፍት ፈተነታት ይገብር ከም ዘሎ'ዩ ዝሕበር ዘሎ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ፓርላማ ቐሪቡ ዘስምዖ ተባራዒ (provocative) ዘረባ፣ ሓለፍቲ ብልጽግና ኤርትራ ክሊ ኣየራ ክትዓጹ ከም እትግደድ'ዮም ዝጥርጥሩ ዘለዉ። ኣብ ዘረብኡ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጲያ ‘‘ገለ ሃገራት ብኤምባሲታተን ኣቢለን ዘይሕጋዊ ክሰርሓ ጸኒሐን ኣለዋ፣ ሕጂ ግን ስጉምቲ ክንወስድ ኢና‘‘ ክብል ጉጥያ ዝመስል ዘረባ ፈንዩ'ሎ። ብዛዕባ መን ይዛረብ ኣሎ ዘይጠፍኦም ፖለቲኬኛታት፣ ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ ገመድ ከጽብቡዋ ሙዃኖም'ዩ ዝንገር ዘሎ (the tactic of political strangling)።

እቶም ተንተንቲ፣ ብምድፍፋእ ስለያ ሃገራት ምዕራብን ሕቡራት ሃገራት ዓረብን ናብ ሓንቢሱ ዘይክእሎ ዉቅያኖስ ጦምቦላሕ ብምባል ዝኣተወ ዕሸል ቀ/ሚ (amateur prime minister) ኢትዮጲያ፣ ድሕሪ'ታ ብግንባር ምብራቕ ዝተዋህበቶ ‘‘ኪድ ተመለስ‘‘ እትብል ተራር ምኽሪ፣ ካብ ‘‘ዝገብሮ ኣሎኒ‘‘ ናብ ‘‘ሕለም ኣይትበሉኒ‘‘ ወሪዱ ምህላዉ ካብ ምሕባር'ዉን ኣይተቖጠቡን።

ርእሲ እምበር ልቢ ኣይሽይብን'ዩ ተባሂሉ ከም ዝተመሰለ፣ ፖለቲኬኛታት ኣሜሪካን ካድራት ብልጽግናን፣ ካብ ሕሉፍ ክመሃሩ ዝመርጹ ኣይመስልን። ስሉሳዊ ኪዳን ኤርትራ-ግብጺ-ሶማል ንምዝራግ ዝካየድ ዘሎ shuttle diplomacy'ዉን ንዕሽነቶም ኣጉሊሑ ዘርኢ ኮይኑ'ሎ ይብሉ ዘዘራረብናዮም ተንተቲ።

ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ስለያ ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ኢሃድግ!ካልኣይ ክፋል---ሃድን ኣብ ሕምብርቲ ወያነ፥ድሕሪ`ዚ ቴለፎን ስለ ዝተደወለኒ ብቕጽበት ጃኬተይ ኣልዒለ ንግዳም ዘሊለ ብምዉጻእ ብቕልጡፍ ናብ`ታ ኣብ ኣፍደ...
31/10/2024

ስለያ ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ኢሃድግ!

ካልኣይ ክፋል
---
ሃድን ኣብ ሕምብርቲ ወያነ፥

ድሕሪ`ዚ ቴለፎን ስለ ዝተደወለኒ ብቕጽበት ጃኬተይ ኣልዒለ ንግዳም ዘሊለ ብምዉጻእ ብቕልጡፍ ናብ`ታ ኣብ ኣፍደገ ገዛና "ትሪን ትሪን" እትብል ዝነበሬት RAV ዝዓይነታ ተሽከርካሪት ተሰቐልኩ። ኣደይ በቲ ዘርኣኽዎ ናይ ሸደብደብ ባህሪ ግዲ ሰንቢዳ ኮይና፡ ስመይ እንዳጸዉዐት ደድሕረይ ጎየየት።

"ደሓን ዲና?" ኣብ ገጻ ከቢድ ሻቕሎት ይንበብ ነበረ።

"መጻኹ ማማ" ደሓን ኣይትሻቐሊ ዘስምዕ መልሰይ`ዩ ኔሩ።

ድሕሪ`ዚ ዝተሰቐልኩዋ ማኪና ፍጥነት ጌራ ናብ ባረንቱ ገጻ ተበግሰት። ብከተማ ከረን ኣቢልና ናብ ሓጋዝ፡ ካብ ሓጋዝ ናብ ኣቑርደት፡ ብሞጎሎ ኣቢልና ድማ ናብ ባረንቱ ኣተና። ወያነ ካብ ከተማ ባድመ ኣትሒዙ ናብ ዉሽጢ መሬት ኤርትራ ዝዝርጋሕ ናይ ሽበራ መርበብ ካብ እትሰርሕ ነዊሕ ጌራ`ያ። ንኽፋእ ዝተላእኩ ዕሱባት፡ ኣብ ከባቢ ኪዳነ ምህረት እላላ ይረኣዩ ምንባሮም`ዉን ሓድሽ ጉዳይ ኣይነበረን። ነታ ኣብ ቅድሚ ሻብቆ ዘላ ገፋሕ ሩባ ሰጊሮም፡ ናብ ዉሽጢ ቶኾምብያ፡ ካብ ቶኾብያ ተበጊሶም ድማ ናብ ባረንቱ ንምእታዉ ንንዉሕ ዝበለ እዋን ጽዒሮም`ዮም። ኣገዳስነት ናይ`ዚ ቦታ፡ ስለያ ወያነ ንባረንቱ ሰጊሩ ናብ ሞጎሎ፡ ካብ ሞጎሎ ሰጊሩ ድማ ኣብ ቢሻ ዕንወት ክገብር ጥሙሕ ስለ ዝነበሮ`ዩ። ንዝክሮ ኢና ኣብ 20 መጋቢት 2015 ወያነ ብሮኬታት ንዕደና ቢሻ ክትሃርሞ ከም ዝሃቀነት። ብዘይካ`ዚ ነቲ ኣብ ማይ ዕዳጋ፡ ትኹል ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር`ዉን ብተመሳሳሊ ከተዕንዎ ምህቃና። ብዘይካ`ዚ ኣብ 05 መጋቢት 2010 ኣብ ዓዲ ጎሎም፡ ደምበላስ፡ ኣብ 07 መጋቢት 2010 ቶሌ ጋሙጃ (ሻምብቆ)፡ ከምኡ`ዉን ኣብ 09 መጋቢት 2010 ንስዉእ ብ/ጀ ሙሳ ራብዓ ናይ ምቕንጻል ፈተነ፡ ኣብ 13 መጋቢት 2010 ኣብ ሙኩቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ወዘተረፈ ብዝርዝር ክግለጽ ይከኣል። ብዝኾነ ኣብ`ዚ ከባቢ ዝስራሕ ሰሪሕና ንድሕሪ ጽባሒቱ ናብ ኣስመራ ተመለስና።

2020`ዩ፡ ስለያ ሻዕብያ ነቶም ኣብ ሕምብርቲ ወያነ ተሾጊጦም ልምዓታዊ ቦታታት ከዕንዉ፡ ተተኻኢሉዎም ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንምግምጣል ህርዲግ ዝብሉ ዝነበሩ ዕሱባት፡ ናይ 0 ሰዓት ስጉምቲ ብምዉሳድ በብሓደ ክሃድኖም ጀመረ። ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ነዚ ስርሒት ንምዕዋት፡ ስለያ ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ወያነ ተሾጊጡ ዕዮ ቤቱ ኣጻፈፈ።

ቅድሚ`ዚ ምሕረት ዘይህብ ሃድን ግን፡ ስለያ ሻዕብያ ብዛዕባ`ቶም ኣብ ትግራይ ብረት ዓጢቖም ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ብስለያ ወያነ መምርሒ ስራሕ ዝተዋህቦም ዕሱባት ጽጹይ ሓበሬታ ይእክብ ኔሩ`ዩ። ልክዕ ከም`ቲ ስለያ ሞሳድ ኣብ ልዕሊ "ኣቡ ጀሃድ" ዝፈጸሞ ስርሒት፡ ስለያ ሻዕብያ`ዉን ነቶም "ኣሕሉቕ ሽበራ" ብዝብል መጸዉዒ ሽም ዝፍለጡ ዝነበሩ ዉልቀሰባት ናይ "ምሕምሻሽ" ስርሒት ንምፍጻም፡ ንነዊሕ እዋን ዝኸደ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስርሒታት ኣካይዱን ተዓዊቱን ድማ። ድሕሪ`ዚ ጽጹይ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስርሒት`ዩ እምበኣር ኣብ 2020 ምሕረት ዘይህብ ናይ ሃድን ስርሒታት ዘካየደሎም።

ንታሪኽ`ሞ ምልስ ንበል!

ሓደ ካብ ስለያ ሃገራት ምዕራብ ዝፍለጥሉ ኣገባብ ምዕቃብ ሃገራዊ ድሕነት "BLACK OPP" ብዝብል ኮድ ዝፍለጥ ስርሒታት`ዩ። በዚ ኣገባብ`ዚ ስለያ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ከምኡ`ዉን ስለያ እስራኤል ኣዝዮም ህቡባት`ዮም።

ከም ኣብነት፥ ሓደ ካብ ኣብ ዉሽጢ እስራኤል ከቢድ ራዕዲ ዝፈጥር ዝነበረ ኣቦ ጀሃድ ዝተፈጸመ ስርሒት ንመልከት። ኣብ ከተማ ደማስቆ ዝመደበሩ ጉጅለ ኣቡ ጀሃድ፡ ኣብ ጽፍሒ መሪሕነት ሓማስ ኣብ ጫፍ ብልሒ ዝስራዕን ኣብ ሕምብርቲ ቴል ኣቪቭ መሓዉራት ብምዝርጋሕ፡ ንስለያ ሞሳድ ዘዕበደን ሰብ`ዩ ኔሩ። ብተደጋጋሚ ንኣቡ ጀሃድ ንምቕንጻል ፈተነታት ዘካየደ ስለያ ሞሳድ፡ ኣብ 1964 ኣብ ከተማ ደማስቆ ፈጣን ስርሒት ብምክያድ፡ ኣቡ ጀሃድ ዳርጋ ረኺብዎ ኔሩ`ዩ። እንተኾነ እታ ንኣቡ ጀሃድ ክትወስድ ተዳልያ ዝነበረት ተሽከርከሪት፡ ኣብ ዉሽጣ ዝተዋደደ ተፈንጃሪ ኣቐዲሙ ብምፍንጃ ኣቡ ጀሃድ ካብ`ቲ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ኣምለጠ። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ቅልስ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከቢድ ዕንወት ከኸትል በቕዐ።

ክፍሊ ስለያ ወያነ`ዉን፡ ልክዕ ነዚ ናይ ኣቡ ጀሃድ ዝመሳሰል ስርሒታት ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ንምህንዳስ፡ ልዕሊ 8 ጉጅለታት`ዩ ኣዋዲዱ። ብስም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብስም ምንቅስቓስ ህዝቢ ኩናማ፡ ብስም ምንቅስቓስ ህዝቢ ሳሆ፡ ብምስ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዓፋር ወዘተ ዝተሰምዩ ግብረሽበራዊያን ጉጅለታት፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ራዕዲ ይፈጥሩ`ዮም ዝተባህሉ ስርሒታት ንምክያድ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ገበረ። ከም ኣብነት፥ ኣብ 2012 ARDUF ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሽበራ ሓይሊ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ክልተ ጀርመናዊያን ክልተ ደቂ ሃንጋሪን በጻሕቲ ቀንጸለ። ነቲ ናይ ሽበራ ስራሕ ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ንምእታዉ ድማ፡ ምስ ስለያ ሻዕብያ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ኣካየደ።

ምስ`ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ተኣሳሲሩ፡ ክፍሊ ስለያ ወያነ፡ ሓደ ዓቢ ጽላል ዘለዎ ናይ ግብረሽበራ ኪዳን ብምምስራት፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ከቢድ ራዕዲ ናይ ንምህንዳስ ስራሕ ሰሪሑ`ዩ። እዚ ብመድረኽ ዝፍለጥ ብዶ/ ዓንደብርሃንን ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ዝምራሕ ናይ ሽበራ ጽላል`ዚ፡ ንኣቶ ቀርነሊዮስ ዑስማን፡ ኣቶ ኣቡ ሻኽር፡ ኣቶ ዓብዱል ራሕማን፡ ኣቶ ኢብራሂም ሓሩን፡ ኣቶ መሓመድኑር ዘጠቕልልን ኣብ ዉሽጢ መሬት ኤርትራ ንጹሃት ዜጋታት ብምቕታል መሬት ኤርትራ ፍጡር ወዲ ኣዳም ከም ዘይነብሮ ንምግባር ዝሰርሑን ካልእን ብምዉዳድ፡ ኣብ ጸጥታ ኤርትራ ዘይንዓቕ ዕንወት ኣኸቲሉ`ዩ። ኣካል ናይ ምስፋሕ መደባቱ ድማ፡ ኣብ 20 ሰነ 2010 ቀዳማይ ርክብ ኣብ ከተማ መቐለ ብምቅናዕ፡ ንብሄራት ኩናማን ሳሆን ዓፋርን ቢለንን ካብ ኤርትራ ናይ ምግንጻል መደባት ክፍጽም ተንቀሳቐሰ። ብዘይካ`ዚ ብኣቶ ብርሃነ ሃንጀማ ዝምራሕ ዉድብ EPDF፡ ብኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ ዝምራሕ ዉድብ EPDF፡ ምንቅስቓስ ኣል ናህዳ፡ ብኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ከምኡ`ዉን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ናራ`ዉን ኣብ`ቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብምግባር፡ ነቲ ናይ ሽበራ ስራሕ ናብ ከበሳታት ኤርትራ ንምልሓም ሰፊሕ ዉጥን ሓንጸጸ። ሓንጸጸ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ንምትግባሩ ምስ ስለያ ሻዕብያ ፊት ንፊት ገጠመ።

ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ ክፍሊ ስለያ ኣሜሪካ ኣብ`ቲ ጉዳይ ተሻራኺ ብሙዃን፡ ነዘን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንደሳ ናይ ሽበራ ሓይልታት ብምኽርን ገንዘባዊ ሓገዝን ክደጋገፍ ጀሚሩ`ዩ። ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ 9 ሰነ 2008 ናብ CIA/JTFHA/ DIA/ ኣብ ዝጸሓፎ ኬብል (CONFIDENTIAL, NOFORN: 18934: TE/ (C) SUMMARY)፡ ኣሜሪካ ነተን ጉጅለታት ረኺባ ዝርርብ ከም ዘካየደትን መንግስቲ ኤርትራ ንምግምጣል ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጸሐትን ገሊጹዎ`ዩ። ብዘይካ`ዚ ክፍሊ ስለያ ኣሜሪካ ብዘይሕለፎ ዉሳነ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዑ፡ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ናብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክሰጋገር ሰፊሕ ስራሕ ተሰርሐ።

ስለያ ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ወያነ!!
---
ክፍሊ ስለያ ሻዕብያ፡ ነቲ ብክፍሊ ስለያ ወያነን ኣሜሪካን ዝካየድ ዝነበረ ስራሕ ኣብ መዓንጥኦም ኣትዩ ይከታተሎ ምንባሩ ሰነዳን ይሕብሩ። ብፍላይ እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝካየዱ ዝነበሩ ምስጢራዊ ኣኼባታት፡ ቅድመ ትግባረ ሰነዳት ይዝርግሕ ብምንባሩ፡ ሓይልታት ኤርትራ ነቶም ስርሒታት BLACK OPP ብዝመስል ሓምሸሽቲ ስርሒታት ብምክያድ ከፍሽሎም ጊዜ ይወስደሉ ኣይነበረን።

ይቕጽል.....
ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ስለያ ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ኢሃድግ!ቀዳማይ ክፋል---ካብ ከቢድ ቀዝሒ`የ ተበራቢረ። ሓንጎለይ መንገዲ ከም ዝጠፍኦ፡ ካብ`ቲ ክኸዶ ዝግብኦ ሃጺጹ ኣብ "ዕንድ'ዩ" ዝነበረ። ክበራበር እንከለኹ...
28/10/2024

ስለያ ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ኢሃድግ!

ቀዳማይ ክፋል
---
ካብ ከቢድ ቀዝሒ`የ ተበራቢረ። ሓንጎለይ መንገዲ ከም ዝጠፍኦ፡ ካብ`ቲ ክኸዶ ዝግብኦ ሃጺጹ ኣብ "ዕንድ'ዩ" ዝነበረ። ክበራበር እንከለኹ ስንባደ ግዲ ሓዊሰ፡ ልበይ ብፍጥነት ክትሃርም ተፈለጠትኒ። "እንታይ ድኣ ኮይነ?" ብምባል ኣእዳወይ ኣብ ኣፍልበይ ሒዘ ማይ ክረክብ ብድድ በልኩ። "ዙፋን፡ ማይ ኣለኩም`ዶ" ብምባል፡ ነታ ኣብ ጥቓይ ዝነበረት ወይተር ሓተትኩዋ። "ማይ ክህበካ?" ብምባል፡ ብድድ ኢላ ብብኬሪ ማይ ኣቐበለትኒ። ዝሃበትኒ ማይ ሰትየ፡ ህድእ ክብል ፈተንኩ። ብሓቂ ድማ ናብ ንቡር ቮልቴጀይ ክምለስ ተፈለጠኒ። ካብ ጽፍሪ ኣእጋረይ ክሳብ ጫፍ ብልሒ ጾግረይ በረድ ከም ዝሃረመኒ ተዛዝ`ዉን በለኒ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ`የ ተወሊደ ዓብየ። ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይነ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት`ዉን ሰሪሐ። ዝሰርሖ ስራሕ ከቢድ`ዩ"። ሓበሬታ ምእካብ፡ ሓበሬታ ምሃብ። ብሻቡ ኣብ ቅልጡፍ ዓለም ስለ ዝነብር፡ ዑደት ዓለም ኣዝዩ ከም ዝዝሕለኒ፡ ኣብ ሓንጎለይ ብዝፍጠር ርግኣት ደም`የ ዝፈልጦ። ስለ`ዚ ድማ`የ ተረጋጊአን ቀሲነን ጥዑም ድቃስ ክወስደኒ ዘይክእል። ኣይጽበን`ዉን። እቲ ምንታይ ዓለመይ ኣዝያ ቅልጥፍቲ`ያ።

ዝመልኮ ቋንቋ ቁጽሪ`ዩ። "ሃሎ፡ ሃሎ.........ወዲ መሓሪ፡ ትሰምዓኒ`ዶ ኣሎኻ?" "ሰሚዐካ፡ 1,7,9,......" ከምዚታት`ዩ እቲ ቋንቋይ። ኮድ፡ ዲኮድ ወዘተረፈ ዝብሉ ሓረጋት፡ ኣብ ኣእሙሮይ ከም ዑደት ዓለም ኣብ ጸሓይ ከንሳፍፉ`ዮም ዝዉዕሉ። ሰባት ንቡር ቋንቋ እንክዛረቡኒ፡ "ሒዘካ" ኣድሚጸ ዝሓልፈሉ እዋን`ዉን ዉሑድ ኣይኮነን።

ብዝኾነ እዋኑ 2019`ዩ ዝነበረ። ሃገረይ ካብ ሕሱም ናይ ተነጽሎን ከበባን መድረኽ ብዓወት ወጺኣ፡ ናብ ሓድሽን ደራኽን ዞባዊ ዕማም ትቕልስ ነበረት። ግጥም ስለያ ሻዕብያን CIA`ን ብዓወት ወገን ተዛዚሙ፡ መሓዉራት ሻዕብያ ኣብ ሕምብርቲ ስብሓት ነጋ ከም ቱዃን ተሮኪዑ "ምጽይ፡ ምጽይጽይ" ካብ ምባል ኣየዕረፈን። ዝሕዙዎን ዝጭብጥዎን ዝጠፍኦም ሓለፍቲ ስለያ ወያነ፡ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጲያ ኣብ ባንክታት ዝነበረ ገንዘብን ጥብቂ ሰነዳትን ከገዓዕዙ ይዉዕሉ ነበሩ። ሕጂ`ኳ ምግናን ይመስል ይኸዉን፡ ምሉእ ለይቲ ክቃጸል ዝሓድር ዝነበረ ሰነዳት ኣዲኡ ትቑጸሮ።

እቶም "ወያነ ዓረበት፡ ወደቐት፡ ሞተት" እንዳበሉ ንፍጻሜታት ብደቂቕ ዝከታተሉ ዝነበሩ ልሂቃን ኢትዮጲያ`ዉን፡ ዘይከምዚ ሎሚ፡ "ኣብ ኣስመራ`ኸ እንታይ ይበሃል ኣሎ?" እንዳበሉ፡ ሻዕብያ ክድግፎምን ሕማቕ ኩነታት ምስ ዝፍጠር ድማ ከገላግሎም ክጽልዩ ይሓድሩ ነበሩ። ዝሰዱዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ዳርጋ መዓልታዊ`ዩ ዝነበረ።

"ኣበቆዋል....."፥ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ብረድዮ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ`ዩ ኔሩ። ዳርጋ ኣብ ክልተ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ መቐለ ኮፍ ኢልና ሻሂ ንሰቲ ብምንባርና፡ ኣብ ሕምብርቲ ኢትዮጲያ ከም ቮልካኖ ሰማይ ዝዓርግ ዝነበረ ናዕቢ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ብደቂቕ ካብ ምክትታል ኣየዕረፍናን። ምስ`ቲ ዝነበረ ኣንፈቱ ዘይንጹር ኩነታት፡ ዋሽንግተን ዓሪፋ ክትድቅስ`ዉን ኣይከኣለትን። ኣምባሳደር ያማማቶ መንገዲ ኣስመራ ዳርጋ መንገዲ ዓዲ ግዶም`ዩ ቀይሩዎ። "Let us speak with Asmara"! ዳርጋ መዓልታዊ ዝፍኖ ዝነበረ ዘረባ`ዩ። እንታይ`ሞ? ንዝጠሓለት መርከብ ጫፍ መሬት ዉቅያኖስ ንኸይትወርድ እንዶ ኮይኑ`ቲ ቅልስ።

እቲ ኩነታት ኣዝዩ ቅልጡፍ`ዩ ኔሩ። ብጾትና ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቲ ብምንባሮም፡ ኢትዮጲያ ናብ ከም ከመይ ዝበለ ጸልማት ቱቦ ትወሓጥ ምንባራ ፍጹም ኣይሰሓትናዮን። ኢሃዲግ ተበላሊዑ፡ ተበላሊዑ፡ ቁስሉ ከም ቁስሊ ካንሰር በሻዕሻዕ በለ። ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኦሮሞ፡ ብኣቦ ወንበን ለማ መገርሳ እንዳተቐለሰ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ትንፋስ ዘይህብ ጸረ መጥቃዕቲ ከፈተ። መንእሰይ ኦሮሞ ብጥይት እንዳተሃርመ ንጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ከም ንህቢ ዓሰሎ። ሸረኻት ህወሓት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ዓለም ብትኽትኽ`ዉን በለ።

ግጥም ጸሮናን ሳዕቤናቱን፥
---
ድሕሪ`ቲ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ሓደ መረዳድኢ ነጥቢ በጽሑ፥ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ፡ ሱር ከይሓዘ ክዉቃዕ ኣለዎ ዝብል መደረ`ዉን ኣብ መድረኽ ተደጋገመ። ቅድም ክብል`ዉን፡ ንቱኽረት ህዝቢ ይሰልብ`ዩ ዝተባህለ ኣምረል ዋቕዕ ክህንደስ ተወሲኑ ኔሩ`ዩ። ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ብዝሓንጸጽዎ መምርሒ ስራሕ መሰረት፡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደ ሰነድ ኣዳልዪ፡ ናብ ኩለን`ተን ዝምልከተን ኣካላት ሓበሬታ ኣመሓላለፈ። 3 ክፍላተ ሰራዊት ተዳልየን፡ ናይ 0 ሰዓት ትእዛዝ ይጽበያ ነበራ። ሌ/ጀ ሳሞራ ዮኑስ፡ ነታ ናይ "ጀምር" ትእዛዝ ከመሓላልፋ እንከሎ፡ እንታይ ከም ዝፍጠር ይስሕቶ ኣይነበረን። ግን ድማ፡ ኣብ ወጥሪ ዝተሸመ ኣእምሮ ጥዑይ ነገር ክሓስብ ስለ ዘይክእል፡ ዝመጽእ ዉጽኢት እንዳተፈለጦ ነታ ትእዛዝ ኣመሓላለፋ።

ቅድምቲ`ቲ ብሰንበት 12 ሰነ 2016 ዝጀመረ ምንቅስቓስ፡ ስለያ ሻዕብያ ነቲ ብግንባር ጸሮና ክፍኖ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ብኣግኡ ፈሊጥዎ ብምንባሩ፡ ኣብ ገሮዋ ዝነበራ ኣሃዱታት ምክልኻል ኤርትራ ብቕልጡፍ ናብ`ቲ ቦታ ከም ዝግዕዛ ተገብረ። ብፍላይ ብካፕቴን ዑስማን ማሕሙድ (ወዲ ፋግር) እትምራሕ ብርጌድ፡ ካብ ዕለት 27`ን 28`ን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ዝኣክል ምቅርራብ ጌራ ንጸላኢ ከም ሓርገጽ ንኽትዉሕቶ ኣብ ተዳሎ ኣተወት። ብዴዳ ላዕላይ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ክሳብ ዕለት 29 ቀጸለ። ሳልሳይን ቀዳማይን በራጊድን ቦጠለኒታት ክ/ሰ 37`ን፡ ነቲ ተሃንዲዱ ዝመጸ ጸላኢ ምሕረት ብዘይህብ ጨፍጨፍኦ።

ዳርጋ ከም`ቲ ድሕሪ 1988 ዉቅዒት ናደዉ እዚ ንስርዓት ደርጊ "ነቕ፡ ነቕ፡ ነቕ" ዘበሎ፡ ጽፍዒት ግጥም ጾሮና`ዉን ንስርዓት ኢሃዲግ ኣብ ሃልወሳ`ዩ ሸሚሙዎ። ኣሜሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ግንባር ጾሮና ይጽጋዕ ምንባሩ ጽጹይ ሓበሬታ`ዉን ኔሩዋ`ዩ። ድሕሪ`ቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ግጥም ድማ፡ ምክትል ሰክረታሪ ስቴት ናብ ኣስመራ ብህጹጽ ወረደት፥ "ናብ ኢትዮጲያ ከይትእትዉ"! ኣንፈት ህዝቢ ኢትዮጲያ ንምጥምዛዝ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፡ ምሉእ ብምሉእ ብስዕረት ሰራዊት ወያነ`ዩ ተዛዚሙ።

ከም`ቲ ህቡብ ትግራዋይ ዘያሚ ኪሮስ ኣለማዮ፡ "ኣለኹ`የ ዝብል`የ" ክብል ዝቖዘሞ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት`ዉን ብሰንኪ`ቲ ዝመረጹዎ ጌጋ ሕርያ ኣብ ጽዑቕ ክንክን`ዮም ተደኒሶም። ግን ድማ ኢዶም ክህቡ ካብ ዘይምምራጽ፡ ሌ/ጀ ሳሞራ ዮኑስን ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ INSA`ን ዝመርሕዎ ሓይሊ ዕማም፡ ስልጣን ካብ ኣእዳዎም ንኸይተምልጥ ኣብ ህጹጻት ኣኼባታት ተጸምዱ። ሚስተር ሚካኤል ራይኖርን FSO ኤምባሲ ኣሜሪካን ቴለግራም ካብ ምጽሓፍ ከዕርፉ ኣይከኣሉን። ካብ`ቶም ሸቀልቲ ንላዕሊ፡ እቶም ኣሸቀልቲ`ዮም ኣብ ነዉጺ ተሸሚሞም። ንምንታይ ንዝብል ሕቶ?

ወይዘሮ ጋኤል ስሚዝ፡ ንነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ መሳርዐ CIA ከእትዎኦ እንከለዋ፡ ንበይኑ ኣይኸተብኦን። ምናልባት ነቶም መድረኽ ዝበደሎም ዕሸላት፡ ኩሉ ጽንጽዋይ ክመስሎም ይኽእል`ዩ። ሽግር`ዉን የብሉን፡ "ሳግላ ብላዕ ተቐላላዕ" ስለ ዘሎ እዋኑ፡ ኩሉ ምስ ኩነታት ምግሃዱ ኣይተርፍን።

ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ኣብ ድምጺ TMH ቐሪቦም "ኣብ ዉሽጢ ህወሓት ኣባላት CIA ኣለዉ" ክብሉ እንከለዉ፡ ሓደ ሰብ "ብኸመይ ፈሊጥኩም?" ዝበለ ኣይነበረን። "ኣሜሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይትኣትዉ ኢላትና" ክበሃል እንከሎ`ዉን፡ "ዋእ" ዝበለ ሰብ ኣይነበረን። ንምንታይ? ወይዘሮ ጋኤል ስሚዝ ዝዘረአኦ ቡቕሊ፡ ነዊሕ`ዩ ከይዱ።

ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ ዘገደደኒ፡ መብዛሕትኦም ተጋሩ "ካበይ፡ ኣበይ፡ ናበይ" ዝብሉ ወሰንቲ ሕቶታት ንኽምልሱ ክጽገሙ ይዕዘብ ብምህላወይ`ዩ። ገብሩ ኣስራትን ሌ/ጀ ሳሞራ ዮኑስን ምስ ብራኸ ሾዉ ኣብ ዝገበሩዎ ሰፊሕ ቃለ ምልልስ፡ "ህዝቢ ትግራይ ምስጢርና ኣይፈልጦን`ዩ" ካብ ዝብል ኣዝዩ ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ፡ ንሓሶት ብሓሶት ንምዉጽኣ ክፍትኑ ኣስተብሂለ። ሓዚነ ድማ።

ኣብነት ክህበኩም፡ ሌ/ጀ ሳሞራ ዮኑስ ምስ ሚስተር ሚካኤል ራይኖር ዝገበሮ ናይ ቅብጸት ዝርርብ፡ ንተቓወምቲ ኢትዮጲያ፡ ማለት ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ብጽሑፍ ተዓዲሉ`ዩ። ብኸመይ ሎሚ ዕልዋ መንግስቲ ግበር ተባሂለ ኣብየዮም ይብል ኣሎ ፍጹም ኣይርድኣንን። ሌ/ጀ ሳሞራ ዮኑስ፡ ዕልዋ ክገብር ምስ ብጾቱ ተሰማሚዑ፡ "ሰራዊት ከይተንቀሳቕስ" ዝብል ህጹጽ ሓበሬታ መጺእዎ፡ ነታ ሓበሬታ ሒዙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ምዝታዩ ሰነድ ኣሎ። ብኸመይ ሕጂ ተጣባቒ ህዝቢ ትግራይ ክኸዉን ደልዩ ንዓይ ንጹር ኣይኮነን። እቲ ምንታይ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ይሕለቕ ተዝነብር፡ ናብ ህዝቢ ትግራይ ትቐንዕ ዝነበረት በትሪ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጣ ኔሩ`ዩ። ግን፡ ሚስተር ማይክል ራይኖር ዝሃቦ ትእዛዝ ተቐቢሉ፡ ጸጥ ክብል`ዩ መሪጹ።

ሰነዳት ሓወልቲ ብዙሕ ስለ ዝምህረና፡ ክንቅጽል ኢና!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽበ ሰነዳት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቤት ጽሕፈት ሓወልቲ ዝተማረኸ ሰነዳት፡ ብዙሕ ምስጢር`ዩ ኣዉጺኡ። ቀ/ሚ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ፡ ድሕሪ`ቲ ኣብ INSA ዝነበሮ ናይ ስለያ መዝነት፡ ኣብ ቨርጂንያ ብተደጋጋሚ`ዩ ተራእዩ። ሓጸርቲ ኮርሳት`ዉን ወሲዱ`ዩ። ምናልባት ምግናን ከይመስል፡ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ብወዝቢ ኣይመጸን። ኣይመጸን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ሌ/ጀ ሳሞራ ዮኑስ መሳርሕቲ`ዮም ኔሮም።

እምበኣርከስ፡ ድሕሪ`ቲ ኣብ መፋርቕ 2016 ዝተኻየደ ህጹጽ ገምጋም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ኣብ ሓደ መረዳድኢ ነጥቢ ብምብጻሕ፥ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ፡ ሱር ከይሓዘ ክዉቃዕ ኣለዎ ዝብል ተሪር መርገጺ ናብ ኩሎም ካድራት ኣመሓላለፉ።

ቅድም ክብል፡ ንቱኽረት ህዝቢ ኢትዮጲያ ይሰልብ`ዩ ዝተባህለ ኣምረል ዋቕዕ ክህንደስ ተወሲኑስ ብምፍሻሉ፡ ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ብዝሓንጸጽዎ መምርሒ ስራሕ መሰረት፡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደ ሰነድ ኣዳልዪ፡ ናብ ኩለን`ተን ዝምልከተን ኣካላት ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ፡ 3 ክፍላተ ሰራዊት ተዳልየን፡ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ንቐይ ሽብር ዝመሳሰል ስርሒት ንምስራሕ ናይ 0 ሰዓት ትእዛዝ ይጽበያ ነበራ።

ይቕጽል....
ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ንፈኸራ ጌታቾዉ ረዳ ብሬከርድ ዝረትዐ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ!---   ኣብ ዝሓለፋ ዉሑዳት መዓልታት፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፣ ንኣፈኝኡ ኣይተ ዳኒኤል ሃጋሪ ና...
26/10/2024

ንፈኸራ ጌታቾዉ ረዳ ብሬከርድ ዝረትዐ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ!
---
ኣብ ዝሓለፋ ዉሑዳት መዓልታት፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፣ ንኣፈኝኡ ኣይተ ዳኒኤል ሃጋሪ ናብ ኩላተን መራኸቢ ብዙሓን ዓለምና ኣዋፊሩዎ ምቕናዩ ተዓዚብና። እዚ ካብ CNN፣ BBC፣ SKY NEWS ሓሊፉ ክሳብ FACEBOOK'ን TikTok'ን ዝዘመተ ምኩር ኣቃጣሪ፣ ካብ ኢራቓዊ ሚኒስተር ሓበሬታ ነበር ኮሚካል ዓሊ ብዙሕ ምህሮ ዝቐሰመ'ዩ ዝመስል። ብፍላይ ምስ ኢራን ተኣሳሲሩ፣ ነዛ ዓለም ብዶሮና ሳናቡኣ ዓፊኑዎ ምቕናዩ ብዙሕ ምዝራብ ኣየድልዮን።

ናይ 72 ሰዓታት ፍጻመ ጥራይ ምስ እንህይስ፣ ኣይተ ዳኒኤል ሃጋሪ፣ ‘‘ሰራዊትና ክሳብ ክንደይ ብቕዓት ከም ዘለዎ፣ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ብእንወስዶ ቀጻዒ (punitive) ስጉምቲ ዓለም ክትምስክር'ያ‘‘ ክብል ተሰሚዑ ኔሩ'ዩ። በዚ ፈኸራ ድማ፣ ዳርጋ ‘‘እስራኤል እንታይ ዓይነት ተኣምር'ያ ከተርእየና‘‘ ዘይበለ ተዓዛቢ ኣይጸንሐን። ወረ ገሊኡስ፣ እስራኤል ኣቶሚካዊ ኣጽዋር ድኣ ከይትትኩስ ክሳብ ምባል በጺሑ'ዩ። ንዝክሮ ኢና፣ ኣብ ሓደ እዋን ኣፈኛ ፕ/ት ሳዳም ሑሴን ነበር፣ መሓመድ ስዒድ ኣል ሳሓፍ (ባቕዳድ ቦብ/ ኮሚካል ዓሊ)፣ ታንክታት ኣሜሪካ ብድሕሪኡ እንዳሓለፋ፣ ‘‘ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኢራቕ ኣይኣተወን‘‘ ክብል ኣብ ታሪኽ ዝስነድ መግለጺ ምሃቡ። ኣብ ሓደ እዋን'ዉን ‘‘ንሰራዊት ኣሜሪካ ከም ሕሱም ንቐጽዖ ኣሎና‘‘ ዝብል መግለጺ እንዳሃበ፣ ብድሕሪኡ ድምጺ መድፍዕ ስለ ዝተሰምዐ፣ ብራዕዲ ግልጽ ብምባል ንድሕሪኡ ከም ዝጠመተ።

ታሪኽ ከም ሰንሰለት እንዳተላገበ እንድዩ ዝኸይድ፣ ምስ'ዚ ሕጂ ከም እቶን ዝረስን ዘሎ ኩነታዊ ምዕባለ ዝገጣጠም ፍጻመ ከነልዕል።

ድሕሪ'ቲ ኣብ 04 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዝፈጸመቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፣ ናይ ሽዑ ኣፈኛ ወያነ፣ ናይ ሕጂ ድማ ኣፍራሲ ወያነ ኣቶ ጌታቾዉ ረዳ፣ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 5 ጊዜ ኣብ ሜድያታት እንዳወጸ፣ ‘‘ድሮ ኣብ ጎንደርን ኣስመራን መጥቃዕቲ ሮኬታት ኣካይድና ኣሎና፣ ኣብ ዝመጻ መዓልታት ድማ፣ ንህዝቢ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዘገርም ቀጻዒ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና‘‘ ዘስምዕ፣ ኣብ ሰዓት ሰዓት ከም ዝተዓብሰ ቱቦ ሽቓቕ ዝጎስዕ ፈኸራታት ክነፍሕ። ካብ'ቲ ዝገርም፣ በቲ ወያነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝሰንዘረቶ ሮኬታት፣ ኣብ ከባቢ ሰንበል ሓንቲ ህንጻ ክትልሕጽጽ እንከላ፣ ሓደ ንጹህ ኤርትራዊ ፈረስ ድማ ንጣር ሓጺን ሃሪሙዎ ምቕታሉ'ዩ። እንተኾነ፣ ነገር ኣጓዲኣ ትልክም፣ ጉድጓድ ኳዓቲኣ ተስጥም ተባሂሉ ከም ዝተመሰለ፣ ልክዕ 3 መዓልታት ድሕሪ'ቲ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ፣ ኣቶ ጌታቾዉ ረዳ ብሻሙጥ ሻዕብያ እንዳተገርፈ፣ ካብ መቐለ ሃዲሙ ኣብ ሓደ በረኻ ዝተሃንጸ bunker ናይ ድምጺ ወያነ ተሓቢኡ ከሕልፎ ምቕሳቡ'ዩ። ወረ እቲ ዘስሕቕ'ሲ፣ ንሱ እንዳፈከረ፣ ታንክታት ሻዕብያ ብልዕሊ'ቲ bunker ይሓልፋ ምንባረን'ዩ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣይተ ዳኒኤል ሃጋሪ'ዉን፣ ድሕሪ'ቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ከተማ ቴህራን ዝተኻየደ ናይ ልሕጻጾ መጥቃዕቲ፣ ሓይሊ ኣየር ኢራን ናብ ሰማያት ደይቡ'ሎ ዝብል ዜና ካብ ቴህራን ምስ ተፈነወ፣ ምስ ብዓል ሌ/ጀ ሄርዚ ሃለቪን ቤንጃሚን ነታንያሁን ጀ/ ቶመር ባርን ካብ ከተማ ቴልኣቪቭ ሃዲሙ፣ ኪርያ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር፣ ኣብ bunker ተሓቢኡ ከም ዘምሰየ'ዩ ዝንገር ዘሎ። በርበረ ባዕልኻ ጥሒንካዮ ይልብልበካ'ዩ ነገሩ።

ወዲ መምህር

16/10/2024

‘‘ስደት‘‘
----
ቀዳማይ ክፋል

ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ስደት ኣብ ሃገርናን ዓለምን እትገልጽ: ብምትሕብባር ክ/ጎ/ሓ ሜካ 74 ዝተዳለወት ዶኪመንታሪ ቀዳማይ ክፋል እንሀት። ካልኣይ ክፋል ኣብ ቀረባ እዋን።

ገብሩ ምስ ሕመቚ ተቐቢሩ! - ---   ገብሩ ኣስራት ዓቕምን ክእለትን ዘይብሉ ግን ከኣ ብዕቡድ ናይ ስልጣን ሸውሃት ካብ መሬት ትግራይ ተወጊኑ ዝወጸን ብናይ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መጸዋዕታ ...
15/10/2024

ገብሩ ምስ ሕመቚ ተቐቢሩ! -
---
ገብሩ ኣስራት ዓቕምን ክእለትን ዘይብሉ ግን ከኣ ብዕቡድ ናይ ስልጣን ሸውሃት ካብ መሬት ትግራይ ተወጊኑ ዝወጸን ብናይ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መጸዋዕታ ናብ ትግራይ ዝተመልሰን፡ ንናይ ህወሓት ምክፍፋል ተጠቒሙ ንእሽተይ መርገጺ እግሪ ንምርካብ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንዘለዎ ዝኸሓነ ጽልኢ ብጋህዲ ደርጒሕዎ።

ምስ ጽንፈኛ ጋዜጠኛ መድህን ገብረስላሰ ዘካየዶ ቃለ-ቃንዛታት፡ ንዘይሓዊ ቊስሊ ጽልእን ዘይሕጸብ ቅርሕንትን ዘግህድ እዩ። ሰይጣናዊ ናይ ጽልእን ምስዋር ኲናትን ቅሉዕ ተልእኾ ተዋሂብዋ ዝርከብ ጋዜጠኛ፡ ብጉልባብ ህዝቢ ትግራይ ዘይጠፍእ ሓዊ ኣብ ምእጓድ ትርከብ ጋዜጠኛ መድህን፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዋ ጽልኣት ንምስኳን ነዚ ቅቡር ገብሩ ዓዲማ ዓዘርዘር ኣቢላቶ።

ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ገብሩ ኣስራት፡ “ኤርትራውያን ይንዕቁና እዮም: ሓንቲ ድሙ ንሓምሳ ኣናጹ ሓንቲ ፍሊት ንኣሽሓት ሃመማ እናበሉ እዮም ዝገልጹና” ዝብል ዝነበረን ዘሎን’ዩ።
ክቱር ነብሰ ምትሓት ዝስምዖ ተራ ሰብ፡ ነቲ ንምድሓን መራሕቲ ወያነ ዝተገብረ ኣስገዳድ ውዕል ፕሪቶርያ ዘይመልክዑ ከትሕዞ ፈቲኑ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህወሓት ከኣ ብፍላይ ንዝነበሮ ዘይተመለሰ ቂምታ ብዘይምኽፋሉን ንሱ ናብ ስልጣን ብዘይምምጽኡን ንዝተሰምዖ ጓሂ ክገልጸሉ ፈቲኑ።

ገብሩ፡ “ኲናት ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ፡ ህዝቢ ክንዲ ዝጠፍአ ይጥፋእ ውግእ ክቕጽል እዩ” ዝበለ ናይ ኲናት ገበነኛ እዩ። ብቐጥታ ንህዝቢ ትግራይ ብጀኖሳይድ ከጥፍእ ተላዒሉ ምንባሩ ካብ ማንም ሰብ ዝኽወል ምስጢር ኣይኮነን። መለስ ዜናዊ፡ ገብሩ ብዝነበሮ ስንፍናን ሕመቕን ብዓቢኡ ድንቊርና ካብ ስልጣን ኣልዒልዎ ናብ ጐልጐል ምድርባዩ ኣይርሳዕን። ካብኡ ብዝኸፍአ ከኣ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ከምስል ዓረና ዝብል ናይ ጠፋእና ውድብ ኣጣዪሱ ከብቅዕ ኣብ ማእከል ባሕሪ ንመንእሰያት ገዲፉ እዩ ሃዲሙ። ብዙሕ ጉድ ዘለዎ ሰነፍን ሽለትን ገብሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሓለፈ ይክኣል ሰላም እዩ ዘድሊ ዝብል ሕጂ’ውን ደመይ ናይ ኣምሓራይ እዩ ሕቶታት ጸገደ ክምለስ ኣለዎ ከም ዘይበለ ካልእ ሰብ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን ኣሎ። ገብሩ ምስ ሕመቚ ተቐቢሩ!

ብዛዕጎልን ከርበን ዕጣንን ተኸቢቡ ኣብ ሕልሚ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ‘‘ጥንቁልና‘‘ ኢትዮጲያ!!---   ከም'ቲ ሜስ ንዘይፈልጦ የጥርጦ ዝብል ምስላ ዘሎ: ኣምር ፖለቲካ ንዘምልጦ ድማ ፖለቲካ ኢ...
13/10/2024

ብዛዕጎልን ከርበን ዕጣንን ተኸቢቡ ኣብ ሕልሚ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ‘‘ጥንቁልና‘‘ ኢትዮጲያ!!
---
ከም'ቲ ሜስ ንዘይፈልጦ የጥርጦ ዝብል ምስላ ዘሎ: ኣምር ፖለቲካ ንዘምልጦ ድማ ፖለቲካ ኢትዮጲያ ይገላበጦ'ዩ። እዚ ኮይኑ ግን: ነቲ ንልዕሊ 80 ዓመታት ቆዉ ኢሉ ብርግኣትን ህድኣትን ትዕግስትን ክከታተል ዝጸንሐ: ፖለቲካ ኢትዮጲያ ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ: ወይ ድማ ሕርስ ዉዒልካዮ ሓንቲ ፍረ ኣድጊ ከተዉጽኣሉ ዘይትኽእል መኻን ግራት ሙዃኑ ክሕብኦ ኣይክእልን። ጸርፊ ከይመስለና: እንታይ ድኣ ኣገላልጻ'ዩ (brutal explanation)።

ኣብ ዝበዝሕ እዋን ፖለቲካ ኢትዮጲያ ብዓይኒ ኤርትራዊያን ክግለጽ እንከሎ: ብዙሓት ኢትዮጲያዊያን መትልሓቶም ብመሎንኪኖ ከም ዝተፈንቀለ ናይ 8.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ስነ ኣእሙሮ'ዩ ዘጋጥሞም። ንምንታይ? ሓቂ ከም ዘላታ ብዕርቕታ ምቕራብ'ሲ ስነ ኣእሙራዊ ነዉጺ ከተምጽእ ይግባእ? መግለጺ የድልዮ።

መታን ብዝግባእ ክንርድኦ: ንፖለቲካ ኢትዮጲያ ከም እንጣጢዕ'ሞ ንላዕጥጦ: ናይ'ዛ ሃገር ሽግር ብዝግባእ ክስውጠና'ዩ።

ኣብ መዝገበ ቃላት ጽሕትር ጽሕትር ነብል'ሞ: ‘‘ጅሆነት‘‘ ዝብል ከቢድ ቃል ተወቂጡ ክንረክብ ኢና። ምናልባት ምዕራባዊያን entrapment ብዝብል እንድዮም ዝጽዉዕዎ: ኣብ ልሂቃን ኢትዮጲያ ድማ ኣብ ኣእሙሮኦም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ፊት ግንባሮም ተንጠልጢሉ ኢኻ እትረኽቦ። ምግናን ከይመስለና: ንዉሽጣዊን ግዳማዊን ገበጣታት ዝጥቀሙላ ረቃቕ ቃል'ዉን እያ። ኣብ ብዙሕ እዋናት ከም ስልትን ስትራተጅን (tactics and strategies) ክልዕጥጥዋ'ዉን ትዕዘብ። ብሕጽር ዝበለስ: ኣብ ኢትዮጲያ መትከል ዘይብሉ ግልብጥብጥ ዘብዝሕ ሰብ በሊሕ ፖለቲኬኛ እንድዩ ዝበሃል: ‘‘ንህብኻ ብኣተሓሳስባ ጅሆ ሒዝካ: ጎረባብቲ ህዝብታት'ዉን ኣብ ቀጻሊ ናይ ኩናት ኩነታት ተቐምጥ‘‘ ትብል ፍልስፍና ምስ ትመልካ: ቀዳማይ ሚኒስተር ትሽየም።

ንምንታይ'ዩ ህዝቢ ኢትዮጲያ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ዝነብር? ሕቶ'ዩ። ካብ ሰብና ንላዕሊ ዉርጹጻት ክንከዉን ኣይንደልን። ህዝብና'ዉን ከቢድ ናይ ኩናት ሓድሕድ ተመክሮ ሓሊፉ'ዩ። ቅንዕና ክንሕዉሰሉ እንተኾይንና: ዝተፈልየ DNA'ዉን የብልናን። ከም ሕቶ ግን: ንምንታይ'ዩ ህዝቢ ኢትዮጲያ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ዝነብር ብምባል ንሓትት።

የዉሃንስ: መነሊክ: ሃጸይስላሴ: መንግስቱ: መለስ: ሃይለማርያም: ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ክቕጽል'ዩ። ዝመጹ ስርዓታት ኣብ ምልኪ ዝኣምኑ: ብነብሰ ምትሓት ዝደቐቑ: ብዛዕባ መትከል ክዛረቡ ሞራል ዘይዉንኑ: ሃገሮም ብትንትን እንተበለት'ዉን ፍጹም ዘይዓጦም: ኣብ ንእዲ ሕልምን ትምኒትን ኣእጋሮም ገምሺሖም ዝታኸሱ'ዮም። ንመራሕቲ ኢትዮጲያ: ስርቅን ኩናትን ዓሌታዊነትን ጥበብ'ዩ። ስለዚ ኣይንቆጣዕ። ብዛዕጎልን ከርበን ዕጣንን ተኸቢቡ ኣብ ሕልሚ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ‘‘ጥንቁልና‘‘ ኢትዮጲያ: ከይዱ ከይዱ ነታ ሃገር ኣብ ምብትታን'ዩ ከእቱ።

ኣብ ምልኣት ጸሓይ ንጸላም ዘመን ዝበድሀ ፖለቲካ ህዝባዊ ግንባር!---   ፖለቲካ ዳይናሚክ'ዩ (dynamic)። ፖለቲካ፥ ከም ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ባላ ኣብ ሓደ ቦታ ዕንድ ኢሉ ደዉ ዝብል ዘ...
11/10/2024

ኣብ ምልኣት ጸሓይ ንጸላም ዘመን ዝበድሀ ፖለቲካ ህዝባዊ ግንባር!
---
ፖለቲካ ዳይናሚክ'ዩ (dynamic)። ፖለቲካ፥ ከም ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ባላ ኣብ ሓደ ቦታ ዕንድ ኢሉ ደዉ ዝብል ዘይኮነስ: መድረኽ በብዝጠልቦ እንዳጸረየን እንዳተኸለሰን እንዳተኾልዐን እንዳጉዕላዕልዐን ክኸይድ: ካብ ምኻድ ሓሊፉ'ዉን መድረኽ ዝጠልቦ ዉጽኢት ብዝህብ ዝግምገምን ዝምዘንን ዝዕየርን'ዩ። በዚ ቅኒት ዝተጸርበ ፖለቲካ ኤርትራ'ዉን ካብ 70ታት ኣትሒዙ ኣብ ሓርጎጽጎጽ ዝመልኦ መድረኻት ተፈቲኑ ዉጽኢት ዝሃበን ሕጂ'ዉን ዝህብ ዘሎን'ዩ። ፖለቲካዊ ርቀት ኤርትራ: ኪኖ ወቕታዊ ፍጻመታትን ረብሓታትን: ኪኖ ስልታዊ እቶትን ብልጫታትን: ንነዊሕ ጠሚቱ ሸረኻቱ ዝዝርግሕ ስትራተጂካዊ ዓይኒ ንስሪ ዝመሸከሉ ፍቱን ፍልስፍና'ዩ።

ኣብ መድረኽ ዝሑል ኩናት ምስ 2 ጎባልል ተራጺሙ ካብ ከዉሒ ሓቒቕ ማይ ዘንትዐ ፖለቲካዊ ርቀት ህዝባዊ ግንባር: ሰነዳ ከም ዝምስክሩዎ ንመድረኽ ጎብለል ሓደ ሓይሊ'ዉን እንተኾነ ብኣዝዩ ረቂቕ ኣካይዳ ረቲዑ ዝወጸ: ሕጂ'ዉን ዓለምና፥ ናብ ብዙሑነት ሓይልታት (multipolarism) ኣብ እትገፍሓሉ ዘላ እዋን: ሱልኳ ኣብ ዘድልዮ ሱልኳ: ጽቕጥ ኣብ ዘድልዮ ጽቕጥ: ምክልኻል ኣብ ዘድልዮ ትኩር: ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ኣብ ዘድልዮ ድማ ኣራግሓ ‘‘ናደዉ እዚ‘‘ እንዳተጠቕመ: ካብ መንቀራቕሮ ናብ ግፍሕ ዝበለ ቦታ: ካብ ግፍሕ ዝበለ ቦታ ድማ ናብ ኣፍራዝ ዝዘልሉ ጎልጉል ኣብ ምግላብ ይርከብ። ፖለቲካና ዳይናሚክ'ዩ።

በንጻሩ፥ ብዛዕጎልን ዕጣንን ዘመነ ሃጸይነት ዝተፈወሱ ጎሮቤት: ንዘመነ ሃጸይነት እንዳምባሃቑ ክዝክሩን ኣብ ጭቃ ጽዉያ 3000 ዓመት ተሸኺሎም 3000 ስጉሚ ንድሕሪት ሸታሕታሕ ክብሉን ንዕዘብ ኣሎና። ሓጺናዊ ፍልስፍናና'ዉን እንተኾነ ንቕድሚት ክጎቶም ኣይከኣለን። ንቶንኮልን ክፍኣትን ከም ብልሕን ጥበብን ምግላጾም ከይኣኽለና: እቲ ‘‘ግብጺ‘‘ ዘብል ሕዱር ሕማሞም ከም ሸሮኽ ኣብ እሙሮና ክሰርጽ ህርዲ ምባሎም'ዉን ከየርመመና ኣይተረፈን። ምናልባት ከይርስዕዎ እምበር: ኪድ ንዓ ኣይንብሎን ክመጽእ'ዩ ጊዜ ኢልናዮም ኔርና ኢና።

‘‘ስናዕ ቆቢዕ ሰፍዮም ባዕሎም ዝምረቑ
ቅኑዕ ፍትሒ ጎስዮም ፍርዲ ዝናፍቑ
ኪድ ኣይንብሎን ጽናሕ ክመጽእ'ዩ ጊዜ
እዝንና ክሰምዕ ናይ ታሪኽ ኑዛዜ
ጽኑዕ ምስ ሰዓረ እዋን ፍለፍለ
መን ጸንበለል ኢሉ መን ከም ዝጠሓለ
ቀሲኑ ኣይፈልጥን ንቅኑዕ ዝበደለ‘‘

ንብዓት ዉጹዕ ህዝብና ዉቅያኖስ ፍትሒ ክሳብ ዝፈጥር ኣይሰላም ኣይኩናት (no peace no war) ዝበሃል ገያጽ ፍርዲ ኣብ ልዕሌና ኣንቢሮም ብዘመንና ኣላጊጾም ከይኣኽሎም: ሎሚ'ዉን ‘‘ብዘይንሕና ትርጉም የብልኩምን‘‘ ክብሉና ምድፋሮም: ድፍረት ጥራይ ኣይብሎን፥ ንዕቀት'ዉን እዩ። ግን: ኣብ ምልኣት ጸሓይ'ዉን እንተኾነ ንጸልማት ዝጻወር ህዝቢ ብምሓዝና: ካብ ርብርብ ወጺና ኣብ ምግላብ ንርከብ። እንተ'ቲ ንሳቶም ከም ጦንቋሎ ዛዕጎልን ዑንቅን ሒዞም ዝህንጠይዎ ናይ ጫሌዳ መንገዲ (diversion path): ቀደም ኣዚምናሉ።

‘‘ሰላም ኢልና ዘመነ ዘላገጹ
እንተንህዉከት ግን ክዕንቅጹ
ጽባሕ ቆጺርናዮም ሎሚ ይመጹ
ጽባሕ እንተንቖጽሮም ሎሚ ምመጹ‘‘

ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ትዝክሩዋ'ዶ እዛ ቅድሚ 1 ወርሒ ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ?
07/10/2024

ትዝክሩዋ'ዶ እዛ ቅድሚ 1 ወርሒ ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ?

ባዕሉ ከይዱ ሳንቡእ ዝኸልእዎስ; ሰብ ሰዲዱ እግሪ ለኣኹለይ!---   ለማናይ ከይሓርአ'ዩ ካብ'ታ ዓለባ ተጠቕሊሉ ዝሓደረላ ዓራት በርቂ ሰማይ ከም ዝሃረሞ ነጢሩ ዝተበራበረ፥ ኣቶ ሽመልስ። ነ...
05/10/2024

ባዕሉ ከይዱ ሳንቡእ ዝኸልእዎስ; ሰብ ሰዲዱ እግሪ ለኣኹለይ!
---
ለማናይ ከይሓርአ'ዩ ካብ'ታ ዓለባ ተጠቕሊሉ ዝሓደረላ ዓራት በርቂ ሰማይ ከም ዝሃረሞ ነጢሩ ዝተበራበረ፥ ኣቶ ሽመልስ። ነቶም ኣብ ርእሱ ጽላሎቶም ኣንቢሮም ‘‘ኣሎ'ዶ ሂወቱ ሓሊፋ'ያ?‘‘ ክብሉ ትንፋሱ እንዳተጸናጸኑ ተካል ሕድሮ ዝሓደሩ ኣገልገልቱ: ‘‘ሑቲ ብዝተኮሱዎ ሮኬት መርከበይ ኣብ ሂንዳዊ ዉቅያኖስ ክትሰጥም ሓሊመ'ሞ: ኣብ መዓሙቕ ሂንዳዊ ዉቅያኖስ ዲና ዘሎና?‘‘ ክብል ብክልተ መትልሑ ርሃጽ ወረር ወረር እንዳበለ ሓተቶም። ‘‘ኣይ ኣይፋሉን ጎይታይ: ሑቲ ናብ ግድብ ኣባይ ሮኬት ኣይቶኮሱን‘‘ ብምባል ኣብ'ታ ዝወዓላ ዓራት ተጠቕሊሉ ከም ዝሓደረ ኣርድኡዎ። ዓሚ ከም'ዚ ሎሚ ‘‘ኦ ህዝቢ ኦሮሞ: ንዓመታ ጽንብል ኢሬቻ ኣብ ሂንዳዊ ዉቅያኖስ ኢና ከነሕልፎ‘‘ ብምባል ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሶማልን ኤርትራን ዝፍጽሞ ዘሎ ስዉር ኣጀንዳ ናብ ህዝቢ ‘‘ቶግ‘‘ ኣቢሉዎ ምንባሩ'ዩ ብፍርሒ ዓራት ኣትሒዙዎ። ያኢ ኣፍደገ ባሕሪ ምዉናን ኣባልዓ ሃንዛ ኮይኑስ: ‘‘እመኑና! በዓል ኢረቻ ንዓመታ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ሂንዳዊ ዉቅያኖስን ኢና ክንጽንብሎ‘‘ ክብል ዝመደረ! በዚ ኮይኑ በቲ: ናይ ካድራት ብልጽግና ኦሮሞ ነገር: ባዕሉ ከይዱ ሳንቡእ ዝኸልእዎስ; ሰብ ሰዲዱ እግሪ ለኣኹለይ እዩ።

ካብ'ቲ ክሳብ'ዛ ዕለት ዘየዕለልናሉ'ሲ: መራሕቲ ሻዕብያ ካብ ሃመማ ስብሒ ዝምዝሑቑ ፍጡራት ሙዃኖም'ዩ። ኣብ ኤርትራ; ማለት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕ/ት: ሓንቲ ጥልያን ሓዲጉዋ ዝኸደ ፍልይቲ ተሽከርካሪት ኣላ። ካብ'ቲ ዝገርም: እዛ ተሽከርካሪት ዘይከምተን ካልኦት ተሽከርከርቲ መዘወሪኣ ብቕድሚት ዘይኮነስ ብድሕሪት'ዩ። እንታይ ንምባል'ዩ፥ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝቕመጥ ሰብ ዘይኮነ: እቲ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ዝብል'ዩ ዘሽከርክራ። ዓዲ ገሊኦም ‘‘ምርሑና‘‘ ምስ ተባህሉ: ሽጣራ ሻዕብያ ንዘመነ KGB ዘጸለለ: ንወያ CIA ዘዕበደ ሙዃኑ ከይተሰወጦም: ብቕድሚት ደይቦም ንወያ ተሽከርካሪት ከሽከርክሩዋ ሃቀኑ። ማይክሃመር ዝበሃል ፍጡር ክሳብ ርእሶም ብማርቴሎ ደሲቑ ዝንቕንቖም ፍጹም የስተብህሉላ ኣይነበሩን። ካብ 4ኪሎ ናብ መቐለ: ካብ መቐለ ናብ 4ኪሎ ከንሸራርቱ እንከለዉ: መን ብድሕሪት ተኾይጡ'ሎ? መን ነዳዲ ይመልኣ? መወዳእቱ'ኸ ኣበይ'ያ ክትበጽሕ ፍጹም ይፈልጡ'ዉን ኣይነበሩን።

ብድሕሪ'ዚ ‘‘ሻዕብያ‘‘ ተጻዊቱልና ብምባል ብንጽርጽሮት ምስ ሓከሉ: ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ናይ ባዕሎም ተሽከርካሪት ምስ ሹፌራ ሸመቱ። ሕጂ'ዉን መዘወሪኣ ብድሕሪት ንሳቶም ዝቕመጡሉ ድማ ብቕድሚት ዝዓይነታ ተሽከርካሪት'ያ ብልቓሕ ተመጥያትሎም። ኩዳ ዓረዛ'ዩ ነገራቱ።

04/10/2024

ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክንኣቱ ትጽቢት ኔሩና!
---
ኣብ ኣጀንዳ ህወሓት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ምሓዝ ኣብ ቅድሚት ምንባሩ ኣብ ሰዓቱን ዕለቱን ዝተገልጸ ሓቂ'ዩ። ብርግጽ ንምዝራብ: ህወሓት ናብ ኣስመራ ንምእታዉ ዕላማ ከም ዝነበራ ብሰነድ ኣሰኒና ገሊጽናዮ። ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሓቂ ኣብ ሰዓቱ ኣሚኑዎ'ዶ ኣይኣመኖን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ: ኣሸቀልቲ ህወሓት ኣስመራ ኣብ ትሕቲ 2 ሰሙን ክትትሓዝ ሙዃና ተሓቢሩዎም'ዩ። ካብ'ዚ ተበጊሶም ድማ 3ይ ክፋል መጠነ ሰፊሕ ወራር ክጅምር ኣፍቂዶም። ብወገን ደምበ ሓበላ: ሸራሮ: ገምሃሎ: ዓዲ ሃገራይ ዝጀመረ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ: ንዓዲ ጸጸር ሒዙ ብባድመ ኣቢሉ ናብ ባረንቱ ንምእታዉ ሃቀኑ። ብመሰረት ፕ/ት ጌታቾዉ ረዳ ዝሃቦ ሓበሬታ: ህወሓት ክልተ ናይ ሰላም ዕድላት ብኣሜሪካን ኤዉሮጳን ቀሪብላ: ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክትኣቱ ትጽቢታት ስለ ዝነበራ ንክልቲኡ ዕድላት ከም ዝነጸገቶ ሎሚ ተኣሚኖም ኣለዉ። ንታሪኽ ምልስ ኢልና ሎሚ ብራናታት ምስ እንብርብሮ: ኣቶ ጌታቾዉ ነቲ ሕጂ ምክትሉ ዘሎ ሌ/ጀ ጻድቃን ገ/ ትንሳኤ ንምዉቃስ'ዶ ይኸዉን ነዚ ሓቂ ዘዉጽኦ ዘሎ? እስከ ንመልከት!

ዓቕሊ ጽበት ዘንቀዶ ግጭት ናይ ምፍሓስ ሽጣራ!—-ከም ዝዝከር: ኣሜሪካዊ ሰነተር ክሪስ ኩንን ኣገልገልቱን ኤርትራ ኣብ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመታት ኩናት: ሰብኣዊ ጥሕሰት ከም...
02/10/2024

ዓቕሊ ጽበት ዘንቀዶ ግጭት ናይ ምፍሓስ ሽጣራ!
—-
ከም ዝዝከር: ኣሜሪካዊ ሰነተር ክሪስ ኩንን ኣገልገልቱን ኤርትራ ኣብ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመታት ኩናት: ሰብኣዊ ጥሕሰት ከም ዝፈጸመት ዘምስል ዉጹእ ጠቐነ ምፍናዎም።

መንቀሊ ናይ'ዚ ሕሱርን ዉጉዝን ተግባር: ካብ ቀጻይ ፖሊሲታት ዝምንጩን ፍልልያት ንምህንዳስን ዘለዉ ግጭታት ንምብእኣስን ዝዓለመ'ዩ።

እዚ ብሞራል ውዱቕን ፍሹልን ዝኾነ ኣጀንዳ: ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት መዓልታት'ዉን ብኻልእ መልክዕን ኣገባብን ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።

ኤርትራ፥ ብዛዕባ'ዚ ሞራላዊ ክሳራ ዘበገሶ ስዉር ኣጀንዳ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዘለዋ ኮይኑ: ኣብ'ዚ ናይ ሓረቖት ኣጀንዳ ዘበገሶ ዉጹእ ሽይጠና ከም ዘይትኣቱ ክፍለጥ ይግባእ።

29/09/2024

‘‘ብርሃኑ ጁላ፥ ሓሰዉቲ'ዮም‘‘
---
‘‘ኣቦ ንዓ ኣብዚ ዘሎ ጉድ ስማዕ‘‘ ድዩ ዝበለ ዮናስ ማይናስ? በዓል ‘‘ተጨፍጪፍና‘‘ ንዑ ኣብዚ ዘሎ ጉድ በሉ ስምዑ።

ኣንጨብጨብቲ ወያነ: ሓደሽቲ ወሻሽም ብርሃኑ ጁላ ተቐይሮም ምህላዎም ዳርጋ ናይ ዕዳጋ ምስጢር'ዩ። ዉሽማ ብዉሽምኡ ከማን እንዳጸፍዐ ዝጻወተሎም። ብፍላይ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክቱር ጽልኢ ዘለዎም: እንታይ'ዩ መብጽዓ ኣቲሎም እንድዒ!! ምናልባት'ዶ ንኤርትራ ክንወራ ኢና ክብሎም ጸኒሑ?

ሓንቲ ንሳቶም ዘይሓዙዋ ነገር ግን ኣላ። እዚ ዓዲ ዉዒል ብጫት ዝበደነ ዒታ ሜጀር (ኢታ ማጆር): ማዕጾ ክዕጾ እንከሎ ይፍክር: ኣብ ቃልዕ ምስ ወጸ ድማ ‘‘ሓሰዉቲ‘‘ ብምባል ተገምጢሉ ይጸርፎም። ከመይ ከመይ'ዩ እቲ ናይ ዉሽምና ዝምድና? Transactional relationship ድዮም ዝብሉ ኣሜሪካዊያን?

ካብ'ቲ ዝገርም: ኣብ ኩናት ትግራይ ብደረጃ ሻለቃ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ዘበልናዮ ሰብ'ዩ ኔሩ። ስርሑ? ካብ ዓምና ናብ ዓምኡ መልእኽቲ ምትሕልላፍ። ዓዲ ዓያሹ ግን: በቲ ናቱ ናይ ዕጹዉ ማዕጾ ፈኸራ ይሑጎሱ'ሞ ኣብ ስኽራን ይበጽሑ። ንሱ ግን ጎራሕ'ዩ። ኣብ ቃልዕ ምስ ወጸ ብጭቕ ኣይብልን። ከመይ ጌሩ ክብል? ይፈልጠና እንድዩ ፈኸራ ከም ዘይንፈቱ። ከመይ ጌርና ንወያነ ብሕጭር ብሕጭር ከም ዘበልናያ ይፈልጥ እንድዩ።

በዚ ኮይኑ በቲ: ‘‘ዓዲ ተጨፍጪፍና ኢና‘‘ ምስ መን ይድቅሱ ምህላዎም ክፈልጡ ንምዕዶም። እቲ ምንታይ: ዉሽማና እንከሎ ዝመሃርናዮ ኣገባባት ስለ እንፈልጥ። ማለት'ሲ ብሓንቲ ፍረ ዓሳ ደጊምና ክንዉሸሞ ስለ እንኽእል።

(ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ላዓላዊ ሜድያ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ)

ዓቕሊ ጽበት ዘንቀዶ ምቅይያራት ኣገልገልቲ ብልጽግና!—-ክኸዶ ብዝጸንሐ ቀጻይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣካይዳታት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትፍናን በጺሑ ዝርከብ መንግስቲ ብልጽግና: ዲፕሎማሲያዊ ድ...
28/09/2024

ዓቕሊ ጽበት ዘንቀዶ ምቅይያራት ኣገልገልቲ ብልጽግና!
—-

ክኸዶ ብዝጸንሐ ቀጻይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣካይዳታት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትፍናን በጺሑ ዝርከብ መንግስቲ ብልጽግና: ዲፕሎማሲያዊ ድኽመታቱ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ክኽሽሖ ብምጅማሩ: ኣብ ትካል ጉዳያት ወጻኢ ምቅይያራት ክገብር ጀሚሩ'ሎ። በዚ መሰረት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ብሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዶ/ ብርሃኑ ነጋ ንምትካእ ድሮ ምንቅስቓሳት ተጀሚሩ'ሎ ይብል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ኣብ'ቲ ኣብ ኒዉዮርክ ክቃናዕ ዝቐነየ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት: ሚኒስትር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዶ/ ብርሃኑ ነጋ ንኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ኣሰንዩ ከይዱ ምቕናዩ'ዉን ነቲ ዝግበር ዘሎ ምቅይያራት ዘአንፍት'ዩ ይብሉ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ዘለዎም ሰባት።

ብዘይካ'ዚ ጉጅለ ብልጽግና ነቲ ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን: ክልተ እጅግኡ ሰብሲቡ ይዋሳኣሉ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ። በዚ መሰረት ብልጽግና ትግራይ ብዝብል ስም ኣብ ትሕቲ ዶ/ ኣብርሃም በላይ ክእለ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት: ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ብዝኽእል መዐቀኒ ኣብ ትሕቲ ፕ/ት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝኣቱ ክግበር'ዩ። ክንዕዘቦ ከም ዝጸናሕና: መሪሕነት ህወሓት ነቶም ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣባላቱ ነበር ካብ'ቲ ዉድብ ብወግዒ ከም ዘባረረ። ነዚ ተኸቲሉ ህወሓት ይብጽሓኒ'ዩ ዝብሎ 50+1 እጀታ: ብወግዒ ኣብ ትሕቲኡ ንምእታዉ ሰፊሕ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳት ምጅማሩ። ብልጽግና ነዚ መፈንጠርያ ንምፍታሕ: ን/ፕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቾዉ ረዳ: ወኪል ፈደራል መንግስቲ (ዘይወግዓዊ ሓላፊ ብልጽግና ትግራይ) ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሙዃን ንኸገልግል መዝነት ክህቦ ኣብ ሓሳብ ከም ዘሎ'ዩ ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ንፕ/ት ጌታቾዉ ረዳ ፕረዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንኽቕጽል ከኽእሎ'ዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ: ፕ/ት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቾዉ ረዳ: ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከም ዝመሓደር ምስ ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ገሊጹ'ሎ። ብወገን ህወሓት ድማ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክመሓድር ዘፍቅድ ሕገ ደንቢ ከም ዘየለ ብምግላጽ: ነቲ ሰልፊ ብልጽግና ብኢድ ኣዙር ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣቢሉ ሰራዊት ትግራይ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ተቓዊሙ'ሎ።

23/09/2024

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ፥ ትዉልደይ ካብ ዓድዋን ሽዋን'ዩ!
--
ሰብ ከም ሰብ ካብ ሰብ'ዩ ዝዉለድ። እንተዘይኮይኑ ሰብ ኣይምተባህለን። ፖለቲካ ንጎድኒ ገዲፍካ ሰብ ክቡር'ዩ። ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ላህለ'ዉን ከም ሰብ ክቡር'ዩ። ምስ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብሓንሳብ እንዳሰራሕና ኢና እንፋለጥ። ነቲ ሕጂ ቶግ ዘበሎ ሓቂ ኣጸቢቐ'የ ዝፈልጦ ኔረ። ኣማኑኤል ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ወጊኑ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብፕሮፖጋንዳ ተቓሊሱ: ሕጂ'ዉን ይቃለስ ኣሎ። ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ትቃለስ ዘሎኻ ኤርትራዊ ስለ ዘይኮንካ'ዩ ዝብል ስነ ሞጎት'ዩ ኔሩና። ንሱ ድማ ኣነ መበቆለይ ኤርትራዊ'የ ዝብል ክርክር'ዩ ዘቕርብ ኔሩ። ሕጂ ግን ክብረት ይሃቦ ሓቂ ባዕሉ ከዉጽኣ ወሲኑ'ሎ። ንሕና ነቕርቦ ስነ ሞጎት ቀሊል'ዩ፥ ሱቕ ኢልካ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኣይትለዓልን ኢኻ። ዝኹርኩሓካ ምስ ዝህሉ ኢኻ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ እትልዓል ዝብል'ዩ ኔሩ: ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ'ዉን ዝኹርኩሖ ስለ ዝነበረ'ዩ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝተላዕለ። ንህዝቡን (ትግራይ) ሃገሩን (ኢትዮጲያን) እዩ ክቃለስ ጸኒሑን ዘሎን።

ንመሳርሕተይ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ ግን ምኽሪ ኣሎኒ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን: ብዛዕባ ኤርትራ ምሕሳብ ኣቋሪጽካ ብዛዕባ ዓድኻ ብኽቱር ክትጭነቕ የስተብህል ኔረ'ዩ። ንምንታይ'ዩ ሓናኽ ፖለቲካ ዝፈቱ ይብል ምንባረይ'ዉን ሕጂ የዉጽኣ ኣለኹ። እቲ ምንታይ: ብዉሽጥኻ ትሳቐ ስለ ዝነበርካ። ኣብ መንጎ መንጎ ሙዃን'ዩ ሕማቕ። ሰብኣይ ክልተ ኔዉ ኔጀዉ ክብል…..ኳ ዝበሃል። ኔዉ ነጀዉ ምባል ኣየድልየካን። ንሃገረይ'የ ዝቃለስ ዘለኹ ምባል ቀላል'ያ። ብስም'ቲ ፍጹም ዘይትሓስበሉ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምሽቃጥ ኣይትፍቶ። ብዝኾነ: እቶም ዝተረፉ'ዉን ቅድሚ ንሕና ብዛዕብኦም ምዝራብና: ባዕላቶም ብዛዕባ መንነቶም ክገልጹልና'ዮም። ንኺድ ጥራይ!

ካብ መሳርሕትኻ ዝነበረ

ንሃቦ ክብሪ!!!—-ክቡር መጠን ነብሱ የኽብረካ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ'ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና: ክብረት ንዝሃበካ ሰብ: ካዕበት ኢድካ ኢኻ ክብሪ እትህቦ። ብጻይ ኣወል'ዉን ክ...
22/09/2024

ንሃቦ ክብሪ!!!
—-
ክቡር መጠን ነብሱ የኽብረካ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ'ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና: ክብረት ንዝሃበካ ሰብ: ካዕበት ኢድካ ኢኻ ክብሪ እትህቦ። ብጻይ ኣወል'ዉን ክብሪ ብዝህብ ኣቀማምጣ: ንስራሕና ብኽብሪ ምጥቃሱ ዘሎና ክብሪ ክንገልጸሉ ንፈቱ። ክቡር ኢኻ'ሞ ከም ክብርኻ ክብረት ይሃበልና። ኣብ'ቲ ድሙቕ ስራሕካ ኣሳልጦ ይሃብካ እንዳበልና: ዓይኒ መንእሰይና ኣባኻ'ዩ እሞ: ነዚ መንእሰይ ዓይኑ ንምኽፋት ኣብ እትገብሮ ቃልሲ: ብልሕን ዓቕምን ጸጋን ይመልኣልካ! ብጻያዊ ምድግጋፍና'ዉን ብሰፊሑ ከም እንቕጽሎ ክንገልጽ ንፈቱ።

ኣሰናዳኢ
ወዲ መምህር

LINK: https://youtu.be/lHQdeSpZMIo?si=zAw3l4hZcOwGSJuY

Address

Asmara

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን:

Videos

Share

Dedicated Eritreans Center for Research and Documentation

Dedicated Eritreans Center for Research and Documentation is a non-government affiliated, and independent research and documentation center. As members of the DECRD, our ambitions, and aspirations are gargantuan. We aim to give clear image of Eritrea and its environs. We have no political agendas.