
17/05/2024
ኣርሰናል ዋንጫ ተደልያ ን ኒሀ ከተፈርሞ ኣለዎ።
ናሆም ታደሰ (ኒሀ) ኣብ 2019 ካብ ኣዱሊስ ናብ ቀይሕ ባሕሪ (ኤልፓ) ተሰጋጊሩ።
ኣብ 2019- 2023 ከም ቀዋሚ ተሰላፊ ኮይኑ ኩለን ኣብ ኤርትራ ዝተዳለዋ ወናጩ ምስ ኤልፓ ኮይኑ ሰፍሲፍወን።
ኣብ 2023 ድማ ካብ ኤልፓ ናብ ደንደን ተሰጋጊሩ 2024 ዝተዳለዎ 3 ወናጩ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ሓንቲ ኮ ን ኤልፓ ከየትረፉ ደንደናውያን ሰፍሲፎመን።
ሱፐር ኤድ ዲቪዝዮን ዞባ ማእክውል 2023/24
ሻምፕዮን ሺፕ ጋንታት ኤርትራ 2024
ዋንጫ ናጽነት 2024
ናይ ሻምፕዮን ሺፕ ጋንታት ኤርትራ 2024 ዝበለጸ ተጻዋታይ ተባሂሉ ከኣ ተሰምዩ።
ኒሀ ካብቶም ኣለዉና ንብሎ ብሉጽ ኣከፋፋሊ ሃገርና ከም ሙኻኑ መጠን መጻወትቱን ደገፍቱን ሉካ ሞድሪች ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ።
ኒሀ ቀዋሚ ዝጻወተሉ ኣከፋፋሊ ወላ ውን ይኹን። ኣብ ዝኾነ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣመስኪሩ እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኣብ 2019 ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ናይ መወዳእታ ጸወታ ሕጽረት ኣጥቃዕቲ ኣጋጥምዋ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣንጻር ሱዳን ከም ኣጥቃዒ ኮይኑ ብሉጽ ብቅዓት ኣርእዩ እዩ።
ኣብ 2021 ኣብ ሲካፋ ትሕቲ 21 ዓመት ውን ከም ቀዋሚ ናይ ማእከል ተኸላኻሊ ብሙኻን ን ምሉእ ውድድር ዛዚሙ ኣብ ዝኾነ ቦታታት ክጻወት ከም ዝኽእል ኣእሚኑና እዩ።
እዚ ጥራይ ምዓስ ኮይኑ ኒሀ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጸወታኣ ከም ሳልሳይ ሓላዊ ልዳት እዩ ምስኣ ዝገይሽ።
ካብ ሓላዊ ልዳት ክሳብ ምጥቃዕ ዘሎ ቦታት ክጻወት ዝኽእል ን ኩዕሶ ዝተፈጥረ ጻዕራምን ብሉጽን።
ACHU SPORT
17/5/2024