ACHU SPORT

ACHU SPORT Eritrean Sports news page.
���������

ኣርሰናል ዋንጫ ተደልያ ን ኒሀ ከተፈርሞ ኣለዎ።ናሆም ታደሰ (ኒሀ) ኣብ 2019 ካብ ኣዱሊስ ናብ ቀይሕ ባሕሪ (ኤልፓ) ተሰጋጊሩ። ኣብ 2019- 2023 ከም ቀዋሚ ተሰላፊ ኮይኑ ኩለን ኣብ ...
17/05/2024

ኣርሰናል ዋንጫ ተደልያ ን ኒሀ ከተፈርሞ ኣለዎ።

ናሆም ታደሰ (ኒሀ) ኣብ 2019 ካብ ኣዱሊስ ናብ ቀይሕ ባሕሪ (ኤልፓ) ተሰጋጊሩ።

ኣብ 2019- 2023 ከም ቀዋሚ ተሰላፊ ኮይኑ ኩለን ኣብ ኤርትራ ዝተዳለዋ ወናጩ ምስ ኤልፓ ኮይኑ ሰፍሲፍወን።

ኣብ 2023 ድማ ካብ ኤልፓ ናብ ደንደን ተሰጋጊሩ 2024 ዝተዳለዎ 3 ወናጩ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ሓንቲ ኮ ን ኤልፓ ከየትረፉ ደንደናውያን ሰፍሲፎመን።

ሱፐር ኤድ ዲቪዝዮን ዞባ ማእክውል 2023/24
ሻምፕዮን ሺፕ ጋንታት ኤርትራ 2024
ዋንጫ ናጽነት 2024

ናይ ሻምፕዮን ሺፕ ጋንታት ኤርትራ 2024 ዝበለጸ ተጻዋታይ ተባሂሉ ከኣ ተሰምዩ።

ኒሀ ካብቶም ኣለዉና ንብሎ ብሉጽ ኣከፋፋሊ ሃገርና ከም ሙኻኑ መጠን መጻወትቱን ደገፍቱን ሉካ ሞድሪች ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ።

ኒሀ ቀዋሚ ዝጻወተሉ ኣከፋፋሊ ወላ ውን ይኹን። ኣብ ዝኾነ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣመስኪሩ እዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኣብ 2019 ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ናይ መወዳእታ ጸወታ ሕጽረት ኣጥቃዕቲ ኣጋጥምዋ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣንጻር ሱዳን ከም ኣጥቃዒ ኮይኑ ብሉጽ ብቅዓት ኣርእዩ እዩ።

ኣብ 2021 ኣብ ሲካፋ ትሕቲ 21 ዓመት ውን ከም ቀዋሚ ናይ ማእከል ተኸላኻሊ ብሙኻን ን ምሉእ ውድድር ዛዚሙ ኣብ ዝኾነ ቦታታት ክጻወት ከም ዝኽእል ኣእሚኑና እዩ።

እዚ ጥራይ ምዓስ ኮይኑ ኒሀ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጸወታኣ ከም ሳልሳይ ሓላዊ ልዳት እዩ ምስኣ ዝገይሽ።

ካብ ሓላዊ ልዳት ክሳብ ምጥቃዕ ዘሎ ቦታት ክጻወት ዝኽእል ን ኩዕሶ ዝተፈጥረ ጻዕራምን ብሉጽን።

ACHU SPORT
17/5/2024

ተስፋ ብሉጻት ከዋኽብቲ ዝበልዐ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረይ ዋንጫ ዓለም ምንሳሓባ ን ኩሉ ኣፍቃሪ ስፖርት ሃገርና ኣሕርር ኣቢሉ ከም ዘሎ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ግን ሃገራዊት ጋንታ ኤር...
17/11/2023

ተስፋ ብሉጻት ከዋኽብቲ ዝበልዐ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረይ ዋንጫ ዓለም ምንሳሓባ ን ኩሉ ኣፍቃሪ ስፖርት ሃገርና ኣሕርር ኣቢሉ ከም ዘሎ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ግን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ስለምንታይ እያ ካብዚ ውድድር ታእልያ፧ እንታይ ዓይነት ዘየሳትፍ ጸገም ስለ ዘለዋ እያ ኸ ዘይተሳተፈት።

ባጀት ከይንብሎ ከም ኩለን ሃገራት እኩል ን መሳተፊ ዝኸውን ኣታዊ ካብ ፊፋ ኣለና ሓደ።
ካልኣይ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገርናን መሮኮን ኣብ ዝሓለፈ ብ ዝተፈራረማሉ ውዕል መሰረት ኣብ ዝኾነ ግዜ ምትሕግጋዝ ክገብራ ብዝብል ውዕል ሞሮኮ ብናቶም ወጻኢታት ን ኽልተ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቀዳሜት ጸወታ ምስ ሞሮኮ ካልኤቲ ጸወታ ድማ ምስ ኮንጎ ዝካየድ ውድድር ከተአንግድ ድልውቲ እያ ኔራ።

ኣብዚ መጻረይ ካብ ኣባላት ፊፋ ዝኾና ሃገራት ኤርትራ ጥራይ እያ ኣብዚ ውድድር ዘይተሳተፈት ዘላ። ወላ ውን እተን ኣብ ቅልውላ ኲናትን ካልእን ዘለዋ ሃገራት ከም በዓል ፍልስጢምን ሱዳንን ካብዚ ውድድር ኣይቦኸራን ዘለዋ። በዚ መሰረት ድማ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ኣብ ዝኾነ ውድድር ስለ ዘይ ተሳተፈት ካብ ዝርዝር ደረጃ ፊፋ ታእልያ ኣላ።

ገለ ገለ ብሃማት “ሃገርና ናይ ኣትለትን ሳይክልን ምበር ናይ ኩዕሶ እግሪ ኣኮነትን” ክብሉ ሰሚዐ ኣለኹ። እዚ ግን ቅብሉ ኣይኮነን ኤርትራ ሃገርና እኮ ኣብ 90ታት ብ ክለባት ማይተመናይን መንደፈራን ከረንን ካልኦትን ተወኪላ ምስ ብሉጻትን ስምያትን ኣብ ስካንድኔቫ ተሳቲፋ ዓወታት ዝተጋነጸፉ ተጻወትቲ እያ ኣፍርያ ኔራ። ኣብ 2000ዓ/ም እውን ኣብ ጽንኩር እዋን ወራራት ከላ ብሉጻት ተጻወትታ ኣብ ፍቀዶ ድፋዓት ከለዉ በቶም ዝተረፉ ነታ ናይቲ ግዜ ዝበለጸት ሃገራዊት ጋንታ ዝነበረት ናይጀርያ ዝበድሀት እያ እኮ። ኣብ 2018/19 ድማ ኣብ ሴካፋ ምስተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምምዕባል ኩዕሶ እግሪ ኣብርቲዕን ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት ኬንያን ኡጋንያን ርዋንዳን ገጢሞም ኣብ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት 3ይ ደረጃ ኣብ ናይ ዓበይቲ ድማ 2ይ ደርጃ ኽትሕዝ ዝበቅዕት ሃገር ከመይ ጌራ ደኣያ እሞ ናይ ኩዕሶ ሃገር ዘይትኸውን። እዚ እኮ ጽፍፍን ትጉህን ምሕደራ ዘይብሉ ዝተረኽበ ዓውትሲ ከም ካልኦት ሃገራት ተዝስርሓሉ ደኣ ከመይ ምኾነ ኔሩ ትብሉ።

“ዘይ ክትስዓር እያ” ዝብሉ ውን ኣይሰኣኑን እዩም፣ ብ መጀመርታ ከይተሳተፍካ ስዕረት ኮነ ዓወት የለን እንድዩ። ኣብ ሂወት ድማ ከይ ወደቅካ ኣይትሳእን እዩ ኣብ ኩዕሶ ድማ ከይ ተሳዓርካ ዓወት የለን። ሱዕዲ ዓረብ ን ሻንፕዮን ዓለም ኣረጀንቲና ከም ዝሰዓረታ ከኣ ኣይንረስዕ። ሞሮኮ ውን ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ን ናይ ዓለም ዝበለጻ ሃገራት እስፐይንን ፖርቱጋልን ረቲዓ እያ ን ኣህጉርና ኣፍሪቃ ታሪኽ ሰሪሓ ኣሐቢናትና ዘላ፣ ስለዝስ ኩዕሶ ከባብ ኣንድያ ዘይስርሓላ ታሪኽ ስለ ዘየለስ ተጺዕርናን ብዘይ ምቁራጽ ተሳትፎና ተረጋጊጽና ዘይንበጽሓ ዓወት የለን።

ገለ ከኣሞ “ዘይ ኽሃድሙ እዮም” ዝብሉ ኣይተሳእኑ፣ ስለምንታይ ይሃድሙ ኢሎም ይፈልጡ ዶ፧ እዞም ተጻወትቲ ጥጡሕ ባይታ ተዝፍጠረሎም ናይ ፕሮፈሽናል ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ብዘይ መሰናልኽ ተዝሳለጠሎም ምሃደሙ ዶ ኢልኩም ትሓስቡ፧ ኣይመስለንን ኣነስ ብ ውሕዱ ልዕሊ 2 ጋንታ ምልእቲ ዝኾኑ ተጻወትቲ መፍረና ኔርና ከም በዓል ብራዚልን ካልኦት ሃገራትን። ኤርትራዊ ኮ ሽሙን ሽም ሃገሩን ከጸውዕ ከይ ደቀሰ ዝሓድር ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ሕስብ ሞ ነብሎ ኣብ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዶሞዝ ውሒዱና ኢሎም ካብ ሃገራዊ ጋንትኦም ክተርፉ ከለዉ፣ ፕሮፈሽናልት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ግን ሓገዝ ን ሃገሮም ኢሎም ናውቲ ስፖርት ከም ጊፍቲ ነቶም ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ተጻወትቲ ሒዞምሎም ኣዩም ዝኣትዉ።

ኣብ መወዳእታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ኣብ 2024 ዝካየድ መጻረይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ተዘይ ተሳቲፋ። ወይ ድማ ኣብቲ ስርዕ መደባት ዘይብሉ ሴካፋ ተዘይ ተሳቲፋ ኣብ 2027 መጻረይ ዋንጫ ዓለም 2030 ኢና ክንጽበ ማለት እዩ። በዚ ተቀጺልና ከኣ ካብ መሳርዕ ፊፋ ታእሊና ካብታን ካብ ኣስመራ ዘይዓብያ ቁንጣሮ ኣህዛብ ዝለወን ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዓወታት ክጋናጸፋ ዓቅሚ ዘይብለን ደሴታ ተበሊጽና ሽም ሃገርና ኽጠፍእ እዩ።

ምስ ዓለም ብብሉጽነቶ ክላለዩ ተስፋ ጌሮም ዝነበሩ ከዋክብቲ ተስፍኦም ተበሊዑ ንድዩ፡ ተስፋ ንገብር ግን ኣብ ዝስዕብ ውድድራት ተሳቲፎም ሕልሞም ከስምሩ።

ኩዕሶ እግሪ ሃገርና ማዕቢሉ ሽሞምን ሽም ሃገሮምን ዘጸውዕ ብሉጻት ነፍርየሉ ዘመን ይምጽኣና!

ACHU SPORT
17/11/2023

.        ደንደን ዓብላልነት ሪድሲ ደው ኣቢላ።ደንደን መሪር ታሪክ ቡሩስያ ዶርትመንድን ኣርሰናልን እዚ ዓመት ከይትደግም ዓቢ ስግኣትን ንዘሕደሩ ደገፍታ ኣኹሪዓ።ታ ን ቀይሕ ባሕሪ (ኢልፓ...
28/08/2023

. ደንደን ዓብላልነት ሪድሲ ደው ኣቢላ።

ደንደን መሪር ታሪክ ቡሩስያ ዶርትመንድን ኣርሰናልን እዚ ዓመት ከይትደግም ዓቢ ስግኣትን ንዘሕደሩ ደገፍታ ኣኹሪዓ።

ታ ን ቀይሕ ባሕሪ (ኢልፓ) ምበር ንካልእ ጋንታ ዘይትምልከት ዝነበረት ዋንጫ ሱፐር ዲቪዝዮን ኢ ዞባ ማእከል ደንደን ብ መንእሰያትን ብሉጻትን ተጻወታት ተኸቢባ ን መጀመርታ ግዚኣ ካል ኢልፓ መንዚዓታ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ሓጺር ግዜ።

እንቋዕ ሓጎሶኩም ደንደናውያን!

31/07/2023

የሕዋት ኽለባት ሱዕዲ ጋዜጠኛ ይደልያ ተኾይነን ተስፋ ዘለኒ ጋዜጠኛ እየ ኢልኩም ባ ሓብሩልና 😂

.           2023 ን ወዲ ሙሌ ዓመቱ እያ።ኣብ ግራድ ቱር ኣብ ቀረባ እዋን ማልያ ዘምጽእ ናይመጀመርታ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ዝስምዓኒ ወዲ ሙሌ እዩ።ኩሉ ግዜ ካብ ትጽቢት ቡዙሓት ብቅዓት ዘ...
16/07/2023

. 2023 ን ወዲ ሙሌ ዓመቱ እያ።

ኣብ ግራድ ቱር ኣብ ቀረባ እዋን ማልያ ዘምጽእ ናይመጀመርታ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ዝስምዓኒ ወዲ ሙሌ እዩ።

ኩሉ ግዜ ካብ ትጽቢት ቡዙሓት ብቅዓት ዘንጸባርቅ ሓያል ጻዕራም በሊሕ ተቀዳዳማይ።

ኣብ ዓቀብ ኣይገድፍ
ኣብ ቦላታ ኣይንሕፍ
ኣብ ጎልጎል ዝበናጥስ

በቃ ክግለጽ ዘይከኣ ሕቡእ ብቅዓት ዝውንን ኣብ ዘድልዮ እዋን ቦሎክ ኢሉ ዝውጽእ ፍጡር።

ኣብዛ ዓመት ጥራይ ዝተዓወቶ

ኣብ ሻምፕዮን ኣፍርቃ 2023

ናይ ጽርግያ ወርቂ🥇
ኣብ ክሮኖ ናሕስ🥉

ኣብቲ ናይ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዝበሃል ዙር ርዋንዳ 2023
2×🥇 ናይ ስቴጅ ዓወት
🥇ዕዉት ናይ GC ብጫ ማልያ
🥉3ይ ናይ ዓቀበት ዝበለጸ ሓኻሪ

ኣብ ቻምዮን ኤርትራ
ናሕስ መዳልያ 🥉

ኣብዚ ሎሚ ዝተዛዘመ ኣብ ቻይና ዝካየድ ቱር ኩንግሃይ ሌክ ድማ፡
🥇ዕውት ናይ ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ
🥇 ዕዉት ናይ GC ብጫ ማልያ
🥉3ይ ናይ ዓቀበት ዝበለጸ ሓኻሪ
🥇ዕውት 7ይ መድርኽ
ኣብ 6 ካብ 8 ድማ ምስ ቀዳሞት 10 ዛዚምዎ ውድድሩ።
ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ክልተ ማልያ ደሪቡ ዝተዓወተ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ኮይኑ ድማ ነጊሱ።

እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ ሄኖክ ኣብዚ እዋን በተን ኣብ ዓለምና ብዙሕ ሽምን ታሪክን ዘለዋን ዓበይቲ ጋንታታ ኣስታናን ሊድል ትሪክን ይህደን ምሃዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ስፖርት ሃገርና ይዓንብብ ዓወታትና ኣብ ዓለም ይድመቅ።

#ሸር #ፈለው ብምግባር ከኸታተልቲ ACHU SPORT ክትኮኑ ንዕድም።

Sened Achu Mayte
16/7/2023

.              ወዲ ሙሌ  ን 2 ማልያ ይሃድን።ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ናይ መዛዘሚ 8 መድርኽ  ዙር ኩንግሃይ ሌክ ን ኣብ መንጎ ውድድር ትኻየድ ናይ ግዜ ሞቅሽሽ ውድድር ን ጉጅልኡ ብ...
16/07/2023

. ወዲ ሙሌ ን 2 ማልያ ይሃድን።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ናይ መዛዘሚ 8 መድርኽ ዙር ኩንግሃይ ሌክ ን ኣብ መንጎ ውድድር ትኻየድ ናይ ግዜ ሞቅሽሽ ውድድር ን ጉጅልኡ ብ ምስዓር፡ ን ሃዲሞም ዘለዉ 2 ተቀዳደምቲ ተኸቲሉ ሳልሳይ ብ ምውዳእ 1 ካልኢት ወሲዱ ካብ ብጫ ማልያ ብ 2 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ብምህላዉ ን ብጫ ማልያ ኣዝዩ ቀሪብዋ ኣሎ።

ቀጠልያ ማልያ ድማ ኣብ ዝባኑ ለቢሱ ውሕስቲ ጌርዋ ኣሉ።

ን ዕብየት ስፖርት ሃገርና ፈለው ሸር ኣይንረስዕ።

ዞባ ማእከል ብ ክልቲኡ ጾታ ዕውትቲ ሃገራዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ 2023  ትሕቲ 23 ዕድመ ኮይና።ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ዝተዛዘነ ሃገራዊ ውድድር 2023 ትሕቲ 23 ዕድመ ዞባ ማእከል ብ ደቀንስትዮ...
12/07/2023

ዞባ ማእከል ብ ክልቲኡ ጾታ ዕውትቲ ሃገራዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ 2023 ትሕቲ 23 ዕድመ ኮይና።

ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ዝተዛዘነ ሃገራዊ ውድድር 2023 ትሕቲ 23 ዕድመ ዞባ ማእከል ብ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብምዕዋት ተሸላሚት 100 ሽሕ ብሙኻን ብ ድምር 200ሽሕ ተዓዊታ።

ስታድዩም ኣስመራ ናፍቆት ደገፍቲ ኩእሶ እግሪ ዘውጽኣሉ ውድድር ማእከል ብ ደቂ ተባዕትዮ ን ዓንሰባ ብ ደቀንስቶ ድማ ን ደቡብ ምርታዕ እየን ተዓዊተናል።



ሸር፡ ላይ፡ ፈለዉ ኣይንረስዕ ቃልስና ን ዕብየት ኩዕሶ እግሪ ሃገና።

ACHU SPORT
12/7/2023

ጋንታ ማይተመናይ- ካብ ደገፍታ- ስፖርታዊ ናውቲ ይውሕዛ. ትማሊ ሰንበት፡ 18 ሰነ 2023፡  ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ሜዳ ስታድዩም ኣስመራ፡ ስነስርዓት ምርኽኻብ ተኻዪዱ። ኣብቲ ድሙቕ...
24/06/2023

ጋንታ ማይተመናይ- ካብ ደገፍታ- ስፖርታዊ ናውቲ ይውሕዛ.
ትማሊ ሰንበት፡ 18 ሰነ 2023፡ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ሜዳ ስታድዩም ኣስመራ፡ ስነስርዓት ምርኽኻብ ተኻዪዱ። ኣብቲ ድሙቕ ኣጋጣሚ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይተመናይ፡ ሓለፍቲን ኮሚተ ስፖርት ማይተመናይን፡ ዓለምትን ኣመኻርትን ተረኺቦሞ። ካብ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን፡ ምሉእ ዕጥቒ ጫማ ተበርኪቱ። ተቐማጣይ ደቡብ ሱዳን ጁባ፡ ናይ ቅድም ተጻዋታይ ምድላው ምግቢ፡ ደንደንን ሃገራዊት ጋንታን ዝነበረ እስክንደር ዮሃንስ፡ ንጋንታ ማይተመናይ ክልተ ቕያር ሰብዓ ማልያ ወፍዩ። ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ ኣጋጣሚ፡ ምኩር ዓላሚ ጋንታ ማይተመናይ ዮናስ ምሕረትኣብ፡ “ ንኹሎም ካብ ልቢ ነመስግኖም። ነፍሲ ወከፍ ዕባይ ማይተመናይን ኣፍቃሪ ስፖርትን በብዓቕሙ ንዝገበሮ ዘሎ ደገፍ ብስም ክለብ ማይተመናይ አመስግን። ነፍሲ ወከፍ 10 ዶላር ብምውጻእ ዓንዲ ሕቖ ጋንታ ከደልድልን ግምጃ ከሰስንን እጽውዕ። ናብ ሃገር ኣብ ዝመጽኣሉ ከኣ፡ ጫማን ኩዕሶን ክማልእ ነቶም ናይ ግራስ ሩትን ጽጉማትን ክድግፍ’ውን ሓደራ እብል” ዝብል ቓል ኣስሚዑ። ኮሚተ’ውን ኣድናቖቶምን ደገፎምን ብልዑል ምስጋና ኣመሓላሊፎም።

ምንጪ ጋዘጠኛ ተስፋኣለም ገብረስላሰ (ጫረ)

ህያብ ኣውድኣመት  እቲ ካልእ ኣሌክስ 🇪🇷🇸🇪ኣሌክሳንደር ፍስሃየ በራኪ ይብሃል፡ ካብ ኤሪትራውያን ስድራ ኣብ ሽወደን ተወሊዱ ዝዓበየ ውልዶ 19 ዝዕድሚኡ ብሉጽ ኣጥቓዒ ክለብ ሽወደናዊት AIK...
16/04/2023

ህያብ ኣውድኣመት እቲ ካልእ ኣሌክስ 🇪🇷🇸🇪

ኣሌክሳንደር ፍስሃየ በራኪ ይብሃል፡ ካብ ኤሪትራውያን ስድራ ኣብ ሽወደን ተወሊዱ ዝዓበየ ውልዶ 19 ዝዕድሚኡ ብሉጽ ኣጥቓዒ ክለብ ሽወደናዊት AIK እዩ።

እዚ ብሩህ መጻኢ ዘለዊ ኣጥቃዒ ሎሚ ብዘመዝገበን 2 ሸቶታት ንጋንትኡ ናይዚ ዓመት ፈላሚ ዓወት ናይ ሊግ ንዕኡ ድማ ፈለምቲ ናይ ፕሮፈሽናል ሸቶታት ብሙቅጻር ጋንትኡ ናይ 2-0 ንክትዕወት ኣኺልዋ።

ኣሌክስ ኣብዚ ካብ ዝፍልም 3 ጸወታት ጥራይ ኣካይዱ ዘሎ ናይ ሽወደን ሊግ ካብ 3 ጸወታት 2 ሸቶ ብምምዝጋብ ካብቲ ቀዳማይ ዘሎ ብ 2 ሽቶ ድሒሩ ኣብ 5 ተርታ ብምስርዑ ኣብ ፈላሚ ናይ ፕሮፈሽናል ግዚኡ ምስ ቀዳሞት 5 ተሰሪዑ ይርከብ ኣሎ።

እዛ ጋንታ ን ናይ ሕጂ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ዘሎን ናይ ቅድም ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበረ ሄኖክ ጎይትኦምን ንዚ ኣብዚ እወን ኣብ ብሉጽ ቁምና ኣብቲ ዝዓበየ ሊግ ናይ ዓለምና ብሉጽ ብቅዓት ዝንጸባርቅ ዘሎ ኣሌክሳንደር ኢሳቅን ዘፍረየት ጋንታ እያ።

ጽብቅ ዕድል ን ኣሌክስን ክለብ AIK

ርሑስ ኣውድኣመት ንኩሉ መእመና ክርስትናን ይግበረልና።

ACHU SPORT
16/04/2023

"ድሕሪ 4 ዓመት የራኽበና ኣነ ን ሃገረይ ብልቢ እየ ዘፍቅራ ንሃገረይ ድማ ወዲ 41 ዓመት ኮይነ ኣይኮንኩ ዋላ ውን ወዲ 50 ዓመት ይኹን  ዋንጫ ዓለም ከየዕተርክዋ ካብ ኩዕሶ እግሪ ጦሮታ ...
04/12/2022

"ድሕሪ 4 ዓመት የራኽበና ኣነ ን ሃገረይ ብልቢ እየ ዘፍቅራ ንሃገረይ ድማ ወዲ 41 ዓመት ኮይነ ኣይኮንኩ ዋላ ውን ወዲ 50 ዓመት ይኹን ዋንጫ ዓለም ከየዕተርክዋ ካብ ኩዕሶ እግሪ ጦሮታ ኣይወጽእን እየ። ሕጂ ድማ ከምቲ ልሙድ ወዲ 41 ዓመት ምስኮንኩ ከም ወትሩ ኣብ 2026 ዋንጫ ዓለም የራኽበና።"

ኦቾ ዘይድገም ለጀንድ ቦርቴለ ዋንጫ ዓለም ምስ ሜክሲካዊት ጋዜጣ ላ ጆርናዳ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቅ ዝተወስደ እዩ።

.            ኤማ ውዕሉ ኣናዊሑኤሪትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ኣሜሪካዊት ክለብ  ትሬክ ሴጋፍራዶ ዝኮነ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣቢሄር ምስታ ጋንታ ዘጽንሖ ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ኣናዊሑ። ...
08/11/2022

. ኤማ ውዕሉ ኣናዊሑ
ኤሪትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ኣሜሪካዊት ክለብ ትሬክ ሴጋፍራዶ ዝኮነ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣቢሄር ምስታ ጋንታ ዘጽንሖ ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ኣናዊሑ። በዚ መሰረት ድማ ምስቲ ካብዝመጽእ ወቅቲ ኣትሒዙ ምስታ ጋንታ ውድድሩ ዘካይድ መንእሰይ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ናትናኤል ተስፋጽዮን ብሓደ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኮይኖም ናይ 2023 ውድድራቶም ከካይዱ እዮም።

ACHU SPORT
08/11/2022

ሌላ ምስ ኤሪትራዊ ፕሮፈሽናል እዚ ኣብ ታሕቲ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ኤሪትራዊ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፣  ዮውሃንስ ሓሪሽ ይበሃል። ዮሃንስ ብ 19 ምያዝያ 1993 ኣብ ኤርትራ ...
04/11/2022

ሌላ ምስ ኤሪትራዊ ፕሮፈሽናል

እዚ ኣብ ታሕቲ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ኤሪትራዊ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፣ ዮውሃንስ ሓሪሽ ይበሃል።
ዮሃንስ ብ 19 ምያዝያ 1993 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝጎበዘ ኤሪትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ዮሃንስ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ናብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ተሰድደ፣ ካብ ሃገሩ ሒዝዎ ዝተሰደደ ፍቅሪ ኩዕሶ እግሪ ከይ ሃሰስ ከሎ ናብ ኣብ ከባቢኡ ዝነብረት ናይ ኣካዳሚ ክለብ Soccer Without Borders Oakland (SWB Oakland) ተጸምቢሩ መባእታዊ ስልጠና ኩዕሶ እግሪ ንዳ ወሰደ ክጻወት በቅዑ።

እዚ ወሓለ ኣከፋፋሊ ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምርቱ ኣን 2013 ምዝዛም፣ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ Holy Names University ቀጺሉ፣ ኣብ 2014 ድማ ምስታ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኮለጅ ጋንታ ተጸንቢሩ ኣብቲ ሓደ ካብ ቀላቢ እቲ ዝለዓለ ሊጋት ኣሜሪካ ዝኾነ ናይ ኮለጅ ሊግ ክጻወት በቂዑ። ጆን ምስዛ ናይ ኮለጅ ጋንትኡ ኮኑ ኣብ 3ይን 4ይን ዓመቱ ከም ሓለቃ ጋንታን ቀዋሚ ኣክፋፋልን ብሙኻን ኣብ 60 ጸውታት ተሰሊፉ ካብታ ጋንታ ኣብ 2017 ተፋንዩ። ኣብ 2018 ድማ ምስ ኣብ 3 ዲቭዝዮን ናይ ኣሜሪካ ሊግ ዩ.ኤስ.ኤል 2 እትሳተፍ ክለብ ሳን ፍራንሲስኮ ተጸንቢሩ ክጻወት በቂዑ። ኣብታ ናይ መጀመታ ናይ ፕሮፈሽናል ክለብ ድማ ኣብ 7 ጸወታት ጥራይ ተሰሊፉ ናብ ኣብ 2ይ ዲዝዮን ማለት ኣብ ዩ.ኤስ.ኤል ቻምፕዮን ሺፕ እትወዳደር ክለብ ኦክላንድ ሩትስ ኣብ ክራማት 2019 ናብ መሳርዓ ጸንበረቶ። ዓመትምረት ናጽነት ሃገሩ ኤርትራ 1991 ምክንያት ብምግብር ድማ 91 ዝቁጽራ ማልያ መሪጹ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ምስታ ጋንታ ተጸንቢሩ ይርከብ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ዮውሃንስ እንዳ ተጻወተ ዘሰልጥና ጎልደን ቦት ኣካዳሚ እትብል መሰልጠን ማእከል ኩዕሶ እግሪ ኣላ። ነዚ መሰልጠኒ ማእከል ወኪሉ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ከም ዓዲ እግሊዝን ኢትዮፕያን ብምክያድ ዝተፈላለየ ስልጠና ኣካፊሉ ነይሩ እዩ።

ACHU SPORT
04/11/2022

.         ናቱ ናብ ዎርድ ቱር ክለብ ተጸንቢሩ።ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ሃገርና ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጼን ምስታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዎርልድ ቱር ትሳተፍ...
14/10/2022

. ናቱ ናብ ዎርድ ቱር ክለብ ተጸንቢሩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ሃገርና ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጼን ምስታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዎርልድ ቱር ትሳተፍ ኣሜሪካዊት ጋንታ ትሬክ ሴጋፍራዶ ን ክልተ ዓመት ክሳብ 2024 ዘጽንሖ ውዕል ፈሪሙ።

ንቋዕ ሓጎሰካ ናቱ ፍረ ጻዕርኻ እዩ።

ጽቡቅ ዕድል ኣብ ዓወት የራኽበና።

ACHU SPORT
14/10/2022

Merhawi Kudus 💪ወዲ ቁዱስ ደሙን ርሃጹን ኣፍሲሱ ባንዴራ🇪🇷 ሃገሩ ዘንበልብል ጅግናን ተባዕን።💪ወዲ ቁዱስ እቲ ዝበዝሐ ግራንቱር ዝተሳተፈ ኤሪትራዊ።💪ወዲ ቁዱስ እቲ ዝነወሕ ዕድመ ኣብ...
27/09/2022

Merhawi Kudus

💪ወዲ ቁዱስ ደሙን ርሃጹን ኣፍሲሱ ባንዴራ🇪🇷 ሃገሩ ዘንበልብል ጅግናን ተባዕን።

💪ወዲ ቁዱስ እቲ ዝበዝሐ ግራንቱር ዝተሳተፈ ኤሪትራዊ።

💪ወዲ ቁዱስ እቲ ዝነወሕ ዕድመ ኣብ ፕሮፈሽናል ብቅዓቱ ከይቀነሰ ዝግስግስ ዘሎ ኤሪትራዊ ብሉጽ።

💪ወዲ ቁዱስ እቲ ኣብዛ ዓመት ኣብ 2 ዝሓየሉ ግራን ቱር ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ጅግና ተቀዳዳማይ።

💪 ወዲ ቁዱስ እቲ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ቅያታቱ ኣርሓ ዓቀበት ጎብለል ናይ ጎባልል ኣርሓ ኣፍሪቃ።

ሎሚ ተዓዊቱ ተዘይ ኣዐወቶም ጽባሕ ከም ዝዕወት ኣሚንኩም ሞራል ኣብ ምሃብ ጥራይ ኣይንቆጠብ።

መራ ማለት ርእሱ ዝከኣለ መጽሓፍ ናይ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ እዩ፡ ትማል ዝተዓወቶ ዘኪርና፡ ጽባሕ ከም ዝዕወት ውን ንእመን።

🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

9/26/2022
ACHU SPORT (Sened Achu Mayte)

.           ትሕቲ 17 ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ይካየድ ኣሎ።ጸብጻብ ናይ ሎሚ 19 መስከረም ድማ፡ደቡብ 2-0 ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪማእከል 1-0 ጋሽ ባርካዓ...
19/09/2022

.

ትሕቲ 17 ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ይካየድ ኣሎ።

ጸብጻብ ናይ ሎሚ 19 መስከረም ድማ፡

ደቡብ 2-0 ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ
ማእከል 1-0 ጋሽ ባርካ
ዓንሰባ 1-1 ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ

.         ሴካፋ 2022 ትሕቲ 17 ዕድመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 መስከረም ጀሚሩ 19 ጥቅምቲ ኽዛዝም እዩ።ኣብዚ ኣህጉራዊ ማእከልይን ምብራቅን ውድድር 10 ሃገራት ኣብ 2 ምድባት ክሳተፋ...
19/09/2022

.

ሴካፋ 2022 ትሕቲ 17 ዕድመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 መስከረም ጀሚሩ 19 ጥቅምቲ ኽዛዝም እዩ።

ኣብዚ ኣህጉራዊ ማእከልይን ምብራቅን ውድድር 10 ሃገራት ኣብ 2 ምድባት ክሳተፋ ተዳልየን ኣለዋ።

ምድብ-U
ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ታንዛንያ፡ ድቡብ ሱዳንን ሶማልን ተመዲበን ኣለዋ።

ምድብ- ለ ኡጋንዳ፡ ጁቡቲ፡ ርዋንዳ፡ ሱዳንን ብሩንድን ተመዲበን ኣለዋ።

እዚ ውድድር ብ ጸወታ ሃገራት ሶማልን ኤርትራን ክፍልም እዩ። ካብ 30 መስከረም ክሳዕ 13 ጥቅምቲ ድማ ናይ ምድብ ጸወታ ክኻየድ እዩ።

16 ትቅምቲ -
1ይቲ ካብ ምድብ ለ ምስ 2ይቲ ካብ ምድብ ሀ
1ይቲ ካብ ምድብ ሀ ምስ 2ይቲ ካብ ምድብ ለ

19 ጥቅምቲ ድማ

ን 3ይ ደረጃ ዝተሳዕራ
ን 1ይ ድማ ዝተዓወታ ኣቢሉ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ክሳዝሞ እዩ።

ዓወት ን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ውልዲ ኾኾብ ያፌት ተወልደ ኣብ ኣካዳሚ ክለብ ሃል ሲቲ ፈሪሙ
02/07/2022

ውልዲ ኾኾብ ያፌት ተወልደ ኣብ ኣካዳሚ ክለብ ሃል ሲቲ ፈሪሙ

Address

Makel Ketema
Asmara
MAKEL

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ACHU SPORT posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ACHU SPORT:

Videos

Share