Tes Entertain.

  • Home
  • Tes Entertain.

Tes Entertain. Follow us and get the latest Video clips, Music, Drama, Comedy, News DRAMA, COMEDY, NEWS, MUSIC,
(347)

🇪🇷   ዑዉት ጎስጓስ መኸተ ፥ ኣንጻር ሕማም መንሽሮ--------------www.eritreanpress.today
04/02/2024

🇪🇷
ዑዉት ጎስጓስ መኸተ ፥ ኣንጻር ሕማም መንሽሮ
--------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷ፈንቅል ቅኒት ሓርነት!!---------------www.eritreanpress.today
04/02/2024

🇪🇷ፈንቅል ቅኒት ሓርነት!!
---------------
www.eritreanpress.today

04/02/2024

🇪🇷 ትልሂት ብጉጅለ ሚራስ
--------------------

--------------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷ኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን ኩወይትን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘትዮም--------------------------------------------------ኣብቲ ”ምምልማል መንእሰይ፡ ምሕያል ህዝ...
04/02/2024

🇪🇷ኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን ኩወይትን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘትዮም
--------------------------------------------------
ኣብቲ ”ምምልማል መንእሰይ፡ ምሕያል ህዝባዊ ግንባር” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣብ ምድልዳል ማሕበራትን ማሕበረኮማትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምምልማል መንእሰያት ብምትኳር ዕዉት ስርሓት ከምእተሰላሰለ ድሕሪ ምሕባር፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል፡ ታሪኽ ኣብ ምትሕልላፍን ተጻብኦታት ኣብ ምምካትን ከም ወትሩ ብንቕሓት ክሰርሕ ከምዘለዎ ተገሊጹ።
----------------------
www.eritreanpress.today

ትስፉዋት ዲና ? ----------------ደቂ ሰብ መጻኢና ካብ ሎሚ ክሓይሽ’ዩ እናበልና ኢና ንዝሓሸ ህይወት ነቋምት። ብሓፈሻ ተስፋ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምውናን ኣብ ህይወት ወሳኒ እዩ። ተስፋ...
02/02/2024

ትስፉዋት ዲና ?
----------------
ደቂ ሰብ መጻኢና ካብ ሎሚ ክሓይሽ’ዩ እናበልና ኢና ንዝሓሸ ህይወት ነቋምት። ብሓፈሻ ተስፋ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምውናን ኣብ ህይወት ወሳኒ እዩ። ተስፋ ካብ ጽቡቕ ስምዒት ንላዕሊ እዩ። ዕላማታት ክብጻሕ ከም ዝኽእል፡ ናብቲ ዝድለ መጻኢ ንምብጻሕ ብዙሓት ውጽኢታውያን መንገድታት ክሕንጸጹ ከም ዝኽእሉ . . . ዘጠቓልል ኣብ ተግባር ዝተመርኰሰ ሓይሊ እዩ።

ትስፉዋት ዲና? . . . ነብስና ንፈትሽ፦

• ዝበዝሐ ካብ መዓልትታትና ኣብ ምዕዝምዛምን ምምራርን ነሕልፎ እንተ ደኣ ዄንና።
• ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ዓራት ከም ዝሞቱ ሰሚዕና፡ ኣብ ዓራት ምድቃስ ዘፍርሓና እንተ ዀይኑ።
• ጽባሕ ንሓምም ንኸውን ኢና ብምባል ሎሚ ዘሎና ጥዕና ዘይነስተማቕር እንተዄንና።
• ጸጋታትና ረሲዕና ንጸገማትና ጥራይ እንጽብጽብ፣ ኣሉታዊ ሸነኻት ናይ ፍጻመታት ዝያዳ ዝምስጠናን ኣእምሮና ዝሰልበናን እንተዄንና።
• ብዛዕባ ዝኸፍአ ንሓስብ፡ ዝኸፍአ ንሰርሕን ዝኸፍአ ንጽበይን እንተዄንና።
• ፍሽኽታ ምዝውታር ከም ነውሪ ቈጺርና፡ መዓልትታትና ተጸዊግና ነሕልፎ እንተዄንና።
• ነብስና ንምምሕያሽ ግዜ ንስእን፡ ካልኦት ሰባት ንምንቃፍ ግን ዘይተኣደነ ግዜ እንተደኣሃልዩና።
• ሰላም ኣእምሮና ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ብቐሊሉ ዝርበሽ እንተ ደኣ ኾይኑ....
… ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እንተዄንና ብሓቂ ተስፋ ዘይብልና ሰባት ኢና’ሞ፡ ህይወትና ብተስፋ ዝተመልአት ክትከውን ስጕምቲ ምውሳድ ከድልየና’ዩ። ምኽንያቱ ተስፋ እንተ ዄይኑ ስንቅና ንኹሉ ክንበጽሖ ስለ እንኽእል።
ሃብተሚካኤል ዕቝባስላሴ
----------------------
www.eritreanpress.today

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ፡ ኣሚና መሓመድ ኣብ ሮማ: ኣብ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ።🌍🇮🇹 🇪🇷🇺🇳----------------www.eritreanpre...
01/02/2024

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ፡ ኣሚና መሓመድ ኣብ ሮማ: ኣብ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ።🌍🇮🇹 🇪🇷🇺🇳
----------------
www.eritreanpress.today

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ፖድዮም ይደምቁ ኣለዉ።---------------------------------ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ካል...
31/01/2024

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ፖድዮም ይደምቁ ኣለዉ።
---------------------------------
ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ካልኣይ መድረክ ዙ-ኣሉላ 2ይ-ደረጃ ብምሓዝ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።
Congratulations! ወዲ ሙሌ
-----------------------
www.eritreanpress.today

ሓቅታት ብዛዕባ ሓፋራትን ስቕታ ዘዘውትሩን ሰባት----------------------------------✔ ስቕ በሃልቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ውሽጦም ከዕልሉ እንከለዉ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ...
30/01/2024

ሓቅታት ብዛዕባ ሓፋራትን ስቕታ ዘዘውትሩን ሰባት
----------------------------------
✔ ስቕ በሃልቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ውሽጦም ከዕልሉ እንከለዉ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ንበይኖም ይዛረቡ።
✔ ምስ ሰብ ቀልጢፍካ ናይ ምልላይን ምልምማድን ባህሪ የብሎምን። እንተኾነ፡ ሓንሳብ ንዝቐረብዎን ንዝለመድዎን ሰብ ክርሕቆምን ክፍለዮምን ኣይደልዩን።
✔ ብሰንኪ ስኩፍ ባህሪያቶም ካብ ሰባት ንዝደልይዎ ነገራት ናይ ምርካብ ክእለት የብሎምን። በዚ ምኽንያት እናደለይዎም ዝኸሰርዎም ነገራት ማእለያ የብሎምን።
✔ ኣዝዮም ሓፋራት እዮም። ብሰንኪ’ዚ ዓይኒ ብዓይኒ ምጥምማት ክጻወርዎ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ድማ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂታት ጸቕጢ ዘስዕበሎም ባህሪያት ወይ ምንቅስቓሳት ሰባት ምዃኑ ይግለጽ። ነዚ ጸቕጢ’ዚ ንምቕላል ከኣ፡ ናብ መሬት ክደኑ ወይ ናብ ካልእ ኣንፈት ክጥምቱ ይቕሰቡ።
✔ኣዝዮም ሓራቓትን ተነቀፍቲን እዮም። እንተዀነ፡ ቍጥዐኦም ብኸመይ ኣገባብ ከምዘህድኡ ዝፈልጡ እዮም።
✔ መስተውዓልቲን በላሕቲን እዮም። ሳሕቲ ግና ሃንደበታዊ ሓደገኛ ውሳነታት ብዘይ ቅድመኩነት ብምውሳድ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ይረኣዩ።
✔ ስግንጢርነት ዝዓብለሎ ንጥፈታት ምክያድ፡ ካብቲ ቀንዲ ዝልለይሉ ቅዲ መነባብሮኦም እዩ። ንኣብነት፡ ንበይንኻ ነዊሕ መንገዲ ብዘይ ምስልካይ ብእግርኻ ቀስ እናበልካ ምጉዓዝ፣ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ንበይንኻ ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ፣ ኣብ መዘናግዒታትን ናይ ትልሂት ክለባትን ንብሕትኻ ናይ ምዝንጋዕን ናይ ምልሃይን ባህሪ፣ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ሓሳብካን ርእይቶኻን ናይ ምሃብ ፍርሒ መለለዪኦም እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ዋላ’ውን ኣብ ዘይሰማምዑሉ ነጥቢ ተቓውሞኦም ናይ ምግላጽ ብቕዓት ዝጎድሎም እዮም። ብድሕሪ ኣኼባ ግና፡ ብዙሕ ናይ ምልፍላፍ ባህጊ ኣለዎም።
✔ ሰብኣውነት ዝተላበሱ ኣዝዮም ሕያዎት ሰባት እዮም። ክሳብ ትቐርቦምን ትላመዶምን ከሸግሩ ይኽእሉ እዮም። ምስ ቀረብካዮም ግና፡ ጥዑማትን ርህሩሃትን ኮይኖም እዮም ዝጸንሑ።
ፍሽኽታኦምን ኣሰሓሕቓኦምን፡ ከምኡ’ውን ምንቅስቓሶም ብዝኾነ ሰብ ዝውቱር ኣይኰነን።
እዚ ባህሪ’ዚ ድማ፡ ንልቢ ሰባት ክማርኹን ኣቓልቦ ክስሕቡን የኽእሎም።
መርሃዊ ገብረሚካኤል
---------------
www.eritreanpress.today

28/01/2024

🇪🇷ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ ሓጎሶም:
ዓወት ናቱ:
ዓወት ኤርትራ:
ዓወት ኣፍራቃ ብከምዚ ይገልጹ🌹🌹🌹
---------------
www.eritreanpress.today

28/01/2024

🇪🇷🌍ደቂ ኤሪ ኣይተኻእሉን!
-----------------------
ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጼን፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር
'' Cadel Evans Great Ocean Road Race'' ብዘደንቕ ብቕዓት ካልኣይ ወጺኡ።
ቪቫ ... ናቱ ! 💐🌹🇪🇷
-----------
www.eritreanpress.today

🇪🇷ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ሎሚ ሮማ ኣትዩ።🇮🇹 ------------------------------ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኢ...
28/01/2024

🇪🇷ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ሎሚ ሮማ ኣትዩ።🇮🇹
------------------------------
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሮማ ኣትዩ።
ቀንዲ እቲ ቴማታት ናይቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቅጽል ዋዕላ ኣፍሪቃን-ኢጣልያን ምዕሩይ ሽርክነት ዝምልከት ምትሕብባር ኣብ፡ ቁጠባን ትሕተ፡ቅርጽን፤ ውሕስነት መግቢ፤ ውሕስነትን ምስግጋርን ጸዓት፤ ሞያዊ ስልጠናን ባህልን ዝምልከት እዩ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።
-------------------
www.eritreanpress.today

ዓመተ ትንሳኤ!-----------ወርሒ ጥሪ ኣብ ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ኤርትራ፡ ብሓደ ብርቂ ፍጻመ ትዝከር። ‘ወፍሪ ትንሳኤ - 1984’። ዓመተ 1984 ምስ ዓመተ 2024 ኣብ ነዊሕ ናይ ...
25/01/2024

ዓመተ ትንሳኤ!
-----------
ወርሒ ጥሪ ኣብ ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ኤርትራ፡ ብሓደ ብርቂ ፍጻመ ትዝከር። ‘ወፍሪ ትንሳኤ - 1984’።
ዓመተ 1984 ምስ ዓመተ 2024 ኣብ ነዊሕ ናይ ግዜ ፍልልይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ መድረኽ ዝርከባ ክንሰን፡ ሓደ ዘመሳስለን ኩነት ኣሎ።

ካብ መፋርቕ 1978 ክሳብ 1983 ዝነበረ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራዊ ተቓላሳይ፡ ነቲ ብገዚፍ ደገፍ ሕብረት ሶቭየትን ደምበኣን፡ ኣብ ታሪኽ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሰራዊት ሃኒጹ፡ ብኣማኢት ዝቑጸር መዳፍዕን ታንክታትን፡ ዘመናውያን ናይ ውግእ ነፈርቲን መራኽብን ዓጢቑ፡ ብወጻእተኛታት ኣማኸርቲ ኲናት እናተመርሐ፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ትሕቲ መሬት ከስፍር ዘንቀደ፡ 7 መጠነ ሰፊሕ ወራራት ሓምሺሹ ዘፍ ዘበለሉ መሪር ናይ ምርብራብ እዋን’ዩ ነይሩ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ሞትን ሕየትን ምርብራብ፡ ድኻም ሰራዊት መግዛእቲ ዝገምገመ ተጋዳላይ፡ ካብቲ ጽኑዕ ዕርድታቱ መሰስ ኢሉ፡ ብ15 ጥሪ 1984 “ወፍሪ ትንሳኤ” ዝተሰምየ መብረቓዊ መጥቃዕቲ ፈጸመ። በዚ መጥቃዕቲ’ዚ፡ ተሰነይን ዓሊግደርን ተቘጻጺሩ፡ ብዙሕ ኣጽዋርን ተተኳስን ሰሊቡ፡ ካብ መድረኽ ምክልኻል ናብ መድረኽ ጃላነት ብምስግጋር ከኣ፡ ኣብ መጋቢት ናይቲ ዓመት’ቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ንዝነበረ ዓቢ ክፋል ሰራዊት መግዛእቲ ‘ውቃው እዝ’ ኣኽቢቡ ሓምተሎ። ኣብዚ፡ ‘መድረኽ መቐይሮ’ ዝተሰምየ ዓመት፡ ተጋዳላይ በተን ማሪኹ ዝዓጠቐን ታንክታት፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ምብራቓዊ ጎላጉል ምስ መካናይዝድ ሰራዊት ጸላኢ ፊተፊት ግጥም ታንክ ብታንክ ኣካየደ። ኣብ ግንቦት 1984 ድማ፡ ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣስመራ እጹብ ድንቂ ስርሒት ኮማንዶ ብምፍጻም፡ 33 ነፈርቲ ውግእ ኣብ መዓልቦአን ከለዋ ሃመዀን።

ዓመተ 1984 እምበኣር፡ ‘ትንሳኤ’ ዘበሰረት ዓመት’ያ ነይራ። እዛ ረጊጽናያ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2024 ከኣ፡ ነቲ ድሕሪ መሪር ናይ ምርብራብ መድረኽ ዝተኸስተ ‘መድረኽ ትንሳኤ’ ዘዘኻኽር ታሪኻዊ ተመሳሳልነት ኣለዋ።

ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጽንዓትን መሰታ ዘይርከቦ ጅግንነትን ኣኽሊል ናጽነት ድሕሪ ምድፍኡ፡ ብቐደሙ “ናጽነት ኤርትራ ንስትራተጂያዊ ረብሓና ኣየገልግልን’ዩ” ኢሎም ዝኣመኑ ሓይልታት፡ “እፎይ” ኢሉ ሃገሩ ከይሃንጽን ከየማዕብልን፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ህንጸት ሃገር ምዝራግ ዝዕላማኡ፡ ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ግሁድን ስውርን ሽርሒታት ብምፍጻም፡ ጀሆ ናይ ዝተፈብረኸ ዞባዊ ቅልውላዋት ኮይኑ ኢዱን እግሩን ንኽቕየድ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተረባሪቦሞ እዮም። ከም’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2024 ዝበሎ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ነዊሕን ከቢድን ምርብራብ፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ፡ ስኒቱ፡ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ኣውሒሱ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ሓያል ናይ መኸተ ያታኡን ዓወቱን’ ደጊሙ ብምምስካር፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ዓመተ 2024 እምበኣር፡ መዕጸዊ ናይ’ቲ ረዚን ዋጋን ምጽማምን ዝሓተተ ናጽነት ናይ ምውሓስን ምድልዳልን ምዕራፍ ኮይና፡ መኽፈቲ በሪ ናብ ‘ትንሳኤ ልምዓት’ እያ።
ታሪኽ ምዝኽኻር ኣድላይነቱ ዕዙዝ’ዩ። ቀንዲ ዕላማ ታሪኽ ምዝካርን ምስትምሃርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ንምንባርን ንምንያትን ዘይኮነ፡ ሓድሽ ታሪኽ ንምስራሕ ወኒ ንምሕዳስ እዩ። እቲ ከቢድ ዕንቅፋት ተሰጊሩ፡ ኣብ ዝሓሸን ዘተኣማምንን ባይታ ረጊጽና ኣብ እዋን መቐይሮ ንርከብ ኣለና።

ናብቲ ቀንዲን መሰረታዊን ሸቶና ምርግጋጽ ዘላቒ ልምዓት ብዝለዓለ ናህሪ ንምግስጋስ ከኣ፡ ሕሉፍ ቅያና ንያት ዘስንቐና እዩ። ክብርን ሞጎስን ነቲ ዘይሕለልን ዘይጸዓድን፡ ወትሩ ዕውት ህዝቢ ኤርትራ!

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ
--------------
www.eritreanpress.today

25/01/2024

🇪🇷Bini 🥇💐💐
----------------
ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ብንያም ግርማይ ኣብ Surf Coast Classic ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ
Congratulations Bini.💐💐🥇
-----------
www.eritreanpress.today

"New African Magazine" ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽግለታ፣ ቢኒያም ግርማይ ሓደ ካብ'ቶም 100 ኣዝዮም ጸለዉቲ ኣፍሪቃዉያን 2023 ክብል ሰይምዎ።Congratulations...
23/01/2024

"New African Magazine" ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽግለታ፣ ቢኒያም ግርማይ ሓደ ካብ'ቶም 100 ኣዝዮም ጸለዉቲ ኣፍሪቃዉያን 2023 ክብል ሰይምዎ።
Congratulations! Bini 🌹❤️
----------------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።-----------------------------------በዓል ጥምቀት፡ ብጹኣን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ተወከልቲ ቤት-ጽሕፈት መ...
20/01/2024

🇪🇷በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።
-----------------------------------
በዓል ጥምቀት፡ ብጹኣን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ተወከልቲ ቤት-ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሓለፍቲ ሃገረ ስብከት ኣስመራ፡ ሊቃውንቲ፡ ምምሕዳራት ሰበኻ ጉባኤታትን ተወከልቲ ኣድባራትን፡ ከምኡ’ውን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ሎሚ 20 ጥሪ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ኣስመራ – ከባቢ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝርከብ ባሕረ-ጥምቀት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብመሪሕነት ዓቃበ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን ብጹኣን ሊቃነ-ጳጳሳትን መኽፈቲ ጸሎት ምስ ተዋህበ፡ ውዳሴ ማርያም ተዓዲሉ፡ ከምኡ’ውን ጸሎት ስርዓት ቅዳሴን ኪዳንን በጺሑ።

ርሑስ በዓል ጥምቀት!
-------------------------
www.eritreanpress.today

ንጹር መትከል - ውፉይ ጻዕሪ  ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን!--------------------“ኤርትራ ደጋፊት ሓደ ወገን ወይ ካልእ ኣይኮነትን፣ ኤርትራ ኩሉ ሳዕ ደጋፊት ሓቂ እያ።” ሱዳናዊ ጀነ...
17/01/2024

ንጹር መትከል - ውፉይ ጻዕሪ ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን!
--------------------
“ኤርትራ ደጋፊት ሓደ ወገን ወይ ካልእ ኣይኮነትን፣ ኤርትራ ኩሉ ሳዕ ደጋፊት ሓቂ እያ።” ሱዳናዊ ጀነራል

ፍትሒ ዘድምጽ ተባዕን ቅኑዕን መርገጺ፡ ብማንም ዘይምእዘን ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያ፡ ሕላገት መንግስቲ ኤርትራ’ዩ። መርገጺ ኤርትራ፡ ካብ ሓቀኛ ባህጊ ርግኣትን ዕብየትን ዝነቅል፡ ጥዑይን ምዕሩይን ዝምድና ህዝብታት ዘማዕዱ፡ ንጹር ፍኖተ-ካርታ ሰላምን ዕብየትን ክንሱ ግዳ፡ ምስ ግሎባዊ ሕሳባት ዓበይቲ ሓይልታት ተኣሳሲሩ፡ ገለ ወገናት እዚ ቅንዕና ዝሰረቱ መርገጺ ክምእምኦም ኣይጸንሐን። የግዳስ ሓቂን ብርሃን ወጋሕታን እናደመቐ’ዩ ዝኸይድ።

ሎሚ ሎሚ፡ ቅኑዕነት መርገጺ ኤርትራ፡ ሰፊሕ ልቦና መሪሕነታን ኣገዳሲ ግደኣ ኣብዚ ዞባን፡ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ህዝብታት ዞባናን ዓለምን ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ፡ ብብዙሓት እንተላይ በቶም ክዓብጥዎ ዝሃለኹ ወገናት እናተመስከረሉ ይመጽእ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ፡ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዕቑድ ካብ ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ንምንጻላ ዝተኻየደ እልቢ ዘይብሉ ናይ ምስይጣን ዘመተ ፈንጢሳ ብምውጻእ፡ ማእከል ስሕበት ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ምዃና ይግሃድ ኣሎ። ምስቲ ብደረጃ ዞባን ዓለምን እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ሰላምን ጸጥታን፡ ፍትሒን ማዕርነትን ዝጠልብ ባህጊ ህዝብታት ተደሚሩ ድማ፡ ቅኑዕን ሰጓሚን መርገጺ ኤርትራ፡ ጽልዋኡ እናሰፍሐ ክኸይድ ምዃኑ ርጉጽ እዩ።

ዓመተ 2023 መንግስቲ ኤርትራ፡ ብደረጃ ዞባ፡ ኣህጉርን ዓለምን ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ዝፈጸመላ ዓመት እያ ነይራ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እውን ብተመሳሳሊ ንጡፍ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ኤርትራ ቀጺሉ ኣሎ።
ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ብንጹር ኣስፊሩዎ ከምዘሎ፡ ራእይ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ሰላምን ፍትሒን ዝሰፈና ሃገር ልምዓትን ቀጻሊ ዕብየትን ምህናጽ እዩ። እዚ ዘቤታዊ ራእይ’ዚ ክሰምር፡ ውሽጣዊ ርግኣት ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ህላወ ሰላማዊን ርጉእን ተመላላእን ጎዶቦ ወሳኒ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ’ዩ። ካብዚ መትከላዊ እምነት’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብዚ ቅልውላዋት ዝዓብለሎ ዞባ፡ ስኒቱ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ብዘተኣማምን መገዲ ከውሕስ ዝኸኣለ ህዝቢ እንተኾነ፡ ጎዶቦኡ ብምሉኡ ቅሳነት ረኺቡ፡ ልቡ ኣውዲቑ፡ ናብ ልምዓትን ምትሕብባርን ሽርክነትን ከቕንዕ ልዑል ባህጊ ኣለዎ። ክንዲ ዝኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘላቕነት ከውሕስ ዝኽእል ርእይቶኡን መትከላቱን ኣነጺሩ ብምግላጽ፣ ዓቕሚ ዝሓጽረን ሃገራት ከባቢና፡ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ መበገሲ ዝኸውን ትካላት ክሃንጻ ብድሩት ዓቕሙ እናተሓጋገዘ፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ባህላዊን ቁጠባዊን ምትእስሳር ዘደልድል፣ ሕውነት፡ ማዕርነትን ምትሕብባርን ዘማዕብል፣ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምዕባለን ሽርክነትን ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር፡ ብሃናጺ ጽምዶን ብግብርን ውፉይ ጻዕሪ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።

መንግስታት ዞባና፡ ካብ ጸቢብን ከፋፋልን ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ካብ ህውተታን ዕሽላዊ ቅማረን ወጺኦም፡ ግዳማዊ ኣምልኾን ሓድሕዳዊ ትንኰያን ሓራም ኢሎም፡ ንምርግጋጽ ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ምዕባለን ብናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዱ፡ ዞባዊ ጸጋታት ተመላሊኡ ዝሰርሓሉ መካኒዝም ክፈጥሩ ከኣ ብቐጻሊ ድርኺት ኣብ ምግባር ይርከብ። እዚ ቅንዕናን ሓልዮት ህዝብታትን ዝምንጩ መርገጺ፡ እቲ እንኮ መገዲ ሰላምን ዕብየትን እዩ!

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ
---------------------
www.eritreanpress.today

🌳🌲🌳🌲🇪🇷 ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና:  ኣብ ከባቢ ቤት ገርጊሽ፡ ማይ ድምነት፡ ዓዲ ንፋስ፡ ማይ ሑጻን፡ ካልኦትን ብዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲን ግዱሳት ዜጋታትን መደባት ምግራብ ከካ...
15/01/2024

🌳🌲🌳🌲🇪🇷 ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና: ኣብ ከባቢ ቤት ገርጊሽ፡ ማይ ድምነት፡ ዓዲ ንፋስ፡ ማይ ሑጻን፡ ካልኦትን ብዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲን ግዱሳት ዜጋታትን መደባት ምግራብ ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም ውጽኢቱ ድማ ክርአ ጀሚሩ 🌳🌲🌳🌲

-------------------
www.eritreanpress.today

Congratulations! 🇪🇷🇫🇷💐ኤርትራዊት ፈረንሳዊት ኣትሌት መቅደስ ወልዱ ሎሜ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይቲ ኮይና ብምዕዋት ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ኮይና። 🥇💐💐------...
14/01/2024

Congratulations! 🇪🇷🇫🇷💐
ኤርትራዊት ፈረንሳዊት ኣትሌት መቅደስ ወልዱ ሎሜ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይቲ ኮይና ብምዕዋት ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ኮይና። 🥇💐💐
-------------------
www.eritreanpress.today

ኣብቲ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ሓ/ምክልኻልን ኤርትራ ደዉ ዝበለት መሓዛ ኤርትራ ኢትዮጵያዊት ወይዘሮ መነን ሃይለ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈቲሓ ምስ ስድ...
14/01/2024

ኣብቲ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ሓ/ምክልኻልን ኤርትራ ደዉ ዝበለት መሓዛ ኤርትራ ኢትዮጵያዊት ወይዘሮ መነን ሃይለ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈቲሓ ምስ ስድራ-ቤታ ከምዝተጸንበረት ኣብቲ ፌስቡክ ናታ ሓቢራ።
እንቃዕ ብሰላም ወጻኺ!
-------------------
www.eritreanpress.today

14/01/2024

🇪🇷ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ/ ኒውዝላንድ 2024 ብኸምዚ ንርእዮ ዘሎና ሃገራዊ ስምዒት ብዉዕዉዕ ምንፈስ ጀሚሩ'ሎ።
---------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ/ ኒውዝላንድ 2024 ብውዕውዕ መንፈስ ሎሚ ተከፊቱ። -----------www.eritreanpress.today
14/01/2024

🇪🇷ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ/ ኒውዝላንድ 2024 ብውዕውዕ መንፈስ ሎሚ ተከፊቱ።
-----------
www.eritreanpress.today

እዛ ባንዴራ🇪🇷 ዋዛ ከይመስለኩም ንፋስ ዘይኮነ ትንፋስ እዩ ዘንበልብላ!ሃገራዊ ድሕነት-----------www.eritreanpress.today
13/01/2024

እዛ ባንዴራ🇪🇷 ዋዛ ከይመስለኩም ንፋስ ዘይኮነ ትንፋስ እዩ ዘንበልብላ!
ሃገራዊ ድሕነት
-----------
www.eritreanpress.today

🇪🇷ሕላገት ስልጣነ ወለዶታት-----------------“ኣብዚ ቅልውላዋት ዝዓብለሎ ሃዋህው (ዞባዊን ዓለማዊን) ህዝቢ ኤርትራ፡ ስኒቱ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ኣውሒሱ፡ ...
08/01/2024

🇪🇷ሕላገት ስልጣነ ወለዶታት
-----------------
“ኣብዚ ቅልውላዋት ዝዓብለሎ ሃዋህው (ዞባዊን ዓለማዊን) ህዝቢ ኤርትራ፡ ስኒቱ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ኣውሒሱ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ከም ወትሩ ሓያል ናይ መኸተ ያታኡን ዓወቱን ኣመስኪሩ ኣሎ።” - ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ - ኣብ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2024
ኣብ ቅንያት ምጅማር ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ንርከብ ኣለና።
---------------------------
ከምዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ፡ ብሓደ እምነት ዝኽበር በዓል ንውሱናት ሰዓብቲ ናይቲ እምነት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ናይ መላእ ህዝቢ በዓል ኮይኑ ብሓባርን ብድምቀትን እዩ ዝኽበር። ነዚ ልዑል ንቕሓት ዝሰረቱ ጭዋ ባህሊ’ዚ ብዕምቈት ንምርድኡ፡ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኡ ምውካስ የድሊ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ንሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ቀዲሞም ዝተቐበሉ ህዝብታት ዓለምና’ዩ። ክርስትና ኣብዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ (ምድረሓበሻ) ኣብ 329 ዓመተ-ምህርት እዩ ኣትዩ። ምስልምና እውን ነቢይ መሓመድ ብህይወቶም እንከለዉ (570-632 ዓ.ም.) “ስሓባ” ንመሬት ሓበሻ ኪዕቈቡ ምስ መጹ’ዩ ኣትዩ። ናይ ሽዑ ባሕረ ነገስታት፡ ነቶም ዘዕቈብዎም “ስሓባ” ከረክብዎም ምስ ተሓተቱ፡ ኣሕሊፎም ኣይሃቡዎምን። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ እምነታት ክርስትናን ምስልምናን ብስኒትን ብሓባርን ነቢረን። እዚ ስርዓተክብሪ’ዚ (value system)፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊን ባህላዊን ህይወት ህዝቢ ተኣሊሙ፡ ሕላገት ስልጣነ ወለዶታት ኰይኑ ቀጺሉ። ህዝቢ ኤርትራ ወራሲ ናይዚ ስርዓተ-ክብሪ’ዚ ምዃኑ፡ ዕድለኛን ሕቡንን እዩ። ርግጽ’ዩ ዘይናቶም ታሪኽ እናቐምዑ፡ ነዚ ክብሪ’ዚ “ናተና’ዩ” ዝብሉዎ ደፋራት ኣይተሳእኑን።
ታሪኽ እናዳማትካ ሰሪቕካ ግን፡ ነቲ ስርዓተ-ክብሪን ኣብኡ ዝሰረተ ሕብረተሰባዊ ስኒትን ብግብሪ ክትውንኖ ዝከኣል ኣይኰነን።

ኣብ እዋን ምስፍሕፋሕ መግዛእቲ፡ ኣብ 2ይ ክፋል 19 ዘመን፡ “ሓደስቲ” እምነታት ንምትእትታው ኣብ ዝተፈተነሉ፡ እዚ ብዕምቈት ዝሰረተ ስርዓተእምነትን ስርዓተ-ክብሪን ህዝቢ ኤርትራ ኣይተነቓነቐን። ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኤርትራ ንምግምማዕ ዝተሃቀነ “ሃይማኖታዊ” ጸወታ እውን ኣይሰርሐን። ኣብ ጕዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲን ድሕሪ ናጽነትን ብተመሳሳሊ። ህውከት ንምዝራእ መጋበርያ ትካላት ስለያ ዝዀኑ ወይ ብሕልና ዝሰንከሉ “ሓድሽ መጻሕፍቲ ኣሎና” – “ቃል ኣምላኽ ከነስምዓኩም” – “ካብ ሓጥያት ከነጽርየኩም” – “ቲኬት መንግስተ ሰማያት ክንህበኩም” ወዘተ. እናበሉ፡ የዋሃት ንምድላልን መሳርሒ ኣጀንዳታቶም ንምግባርን ዋኒናት ኣዋቓዕቲ ገርጊሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ሕላገት ስልጣነ ወለዶታት ዝኾነ ሕብረተሰብኣዊ ክብሩ ከየማራስሐ ዓቂቡዎ ይጓዓዝ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ፍልስፍናን መዓልቦን እምነታት ማሕበራዊ ስኒትን ፍቕሪን ምፍጣር ምዃኑ ብዕምቈት ስለዝርዳእ ምርጫ ሓድሕዱ እናኽበረ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላቱን ጽንብላቱን እናተሓዋወሰ፡ ብኣርኣያነት ክጥቀስ ዝኽእል ናይ ስኒትን ምክብባርን ዘዂርዕ ክብርታት ዝወነን ጭዋ ህዝቢ እዩ። ንልዕሊ 14 ዘመናት፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምዕቡል ሃይማኖታዊ ንቕሓትን ኣተሓሳስባን፡ ኣብ ጽላል ሃብታም መንፈሳዊ ቅሳነት ዝተነባበረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ብሓባር ተሰሊፉ ብሓባር ክቡር መስዋእቲ ምኽፋሉ እውን፡ ነቲ ብዓንተቦኡ ዘዂርዕ ባህሉን ሃይማኖታዊ ንቕሓቱን ብዘሐብን ሃገራዊ ታሪኽን ድርብራብ ቅያታትን ደሪዕዎ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ዝኾነት ካልእ
ሃገር ብቐሊሉ ዘይርከብ ጸጋ ናይ ሓድነት፡ ሓድሕዳዊ ፍቕሪን ሃይማኖታዊ ምክብባርን ክጓናጸፍ በቒዑ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምንብርካኹ ዝተኣልመ እልቢ ዘይብሉ ውዲታትን ሽርሒታትን እናምከነ፡ ውሽጣዊ ሰላሙን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ተዝካር ተጻባእቱ በብተራ እናጸንበለ፡ ወትሩ ኣብ ጎደና ዓወት ክምርሽ ካብ ዘኽእልዎ ሃገራዊ ክብርታት ሓደን ድሙቕን እምበኣር፡ እዚ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ዝተሃንጸ ንቕሓት፡
ስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝሰረቱ ባህልን ኣነባብራን እዩ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ
----------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷🇸🇴/ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ፡ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንትን ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ኣህጉራዊ ...
08/01/2024

🇪🇷🇸🇴/ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ፡ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንትን ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ በጽሐ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
----------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷ርሑስ በዓል ልደት፥ ምስ ድሙቕ ያታውን ሓርበኛውን ባህላዊ ምርኢት ኣብ ባሕራዊ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ!🇪🇷 -------------www.eritreanpress.today
07/01/2024

🇪🇷ርሑስ በዓል ልደት፥ ምስ ድሙቕ ያታውን ሓርበኛውን ባህላዊ ምርኢት ኣብ ባሕራዊ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ!
🇪🇷
-------------
www.eritreanpress.today

ቃለ ቡራኬ ብምኽንያት በዓል ልደት-------------------ብምኽንያት በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲ወ፮(2024)ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተ...
06/01/2024

ቃለ ቡራኬ ብምኽንያት በዓል ልደት
-------------------
ብምኽንያት በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲ወ፮(2024)
ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ (ቃለ ቡራኬ)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ።
‘’ ወውእቱ ቃል ሥጋ ኮነ/ እቲ ቃል ሥጋ ኮነ ‘’ ዮሐ. ፩፡፲፬/1፡14
ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ኩልኹም ኤርትራውያን እንቛዕ ናብ ክልተ ሽሕን ዓሠረተው ሽዱሽተ በዓለ ልደት ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓኩም እናበልና መንፈሳዊ ሰላምትና ነቕርበልኩም።
ነዚ ኃይለ ቃል ነባቤ መለኮት ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ (ዮሐ. ፩፡፲፬/1፡14) ጽሒፍዎ ይርከብ። እዚ ``ቃል`` ዝተባህለ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ዝውክል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሥጋ ዝተባህለ ድማ ነቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ነፍስ ዝተወሓዶ ሥጋ እዩ። እምበኣር ቃል ሥጋ ኮነ ክብል ከሎ `` ኣምላክ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ኣምላክ ኮነ`` ክብል ስለ ዝደለየ እዩ።
እግዚኣብሔር ወልድ፡ ብዳኅራይ ዘመን (ድኅሪ 5500 ዘመን)፡ ብፍቓዱን ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ሕይወቱን ዘይምርመር መለኮት ምስ ሥጋ ኣወሓሒዱ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ።
ጐይታ ዝተወልደ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ሥጋ ሰብ ከም ዝለበሰ ንኸረድእ ወውእቱ ቃል ሥጋ ኮነ/ እቲ ቃል ሥጋ ኮነ (ዮሐ. ፩፡፲፬/1፡14) ብምባል ቀዳማውነቱ ጐይትነቱ ኣምላኽነቱ ከይጐደለ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ዝተወልዶ ልደት ምዃኑ የረድኣና።
ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚኣብሔር /
በዛ ክብርቲ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በዓቲ ቤተልሔም ምስ ተወልደ መላእኽትን ጓሶትን ሓቢሮም ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ። ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ምስግና ኣብ ምድሪ ድማ ሰላም ይኹን እናበሉ ኣመስገኑ።
ንሕና`ውን ናብ ኣምሳል ቤተ ልሄም ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ብምኻድ ኣምላከ ሰላም መድኃኔ ዓለም ሰላምና ከጽንዓልና ብጥብኣት ክንጽልን ብልዑል ድምጺን ክንዝምርን ይግበኣና።
ኣብ ርእሲኡ በዚ በዓል መንፈሳዊ በረኸት ክንረክብ ምእንቲ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዘና፡ ንሕና`ውን ካብ ዘሎና፡ ንስኡናት ከነካፍል፡ ሕዙናን ክንናዝዝ፡ ሕሙማት ክንበጽሕን፡ ንዝዓረቑ ክንከድንን፡ ግዴታ ኣሎና’ሞ ነዚ ሰናይ ተግባር ክንፍጽም እግዚኣብሔር ይደግፈና።
ነዚ ንምግባር ምሕረት እግዚኣብሔር ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ኲሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና። በዓልና በዓል ሓጐስ ገይሩ ንሃገርናን ንምሉእ ዓለምን ሰላም የውርደልና።’
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለማርያም ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ)
ዓቃቤ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ታሕሣሥ ፳፻፲ወ፮(2024)
----------------
www.eritreanpress.today

🇪🇷 ኣስመራ: ጽገና ጽርግያታት ይቕጽል!📸Luwam Measho----------------www.eritreanpress.today
04/01/2024

🇪🇷 ኣስመራ: ጽገና ጽርግያታት ይቕጽል!
📸Luwam Measho
----------------
www.eritreanpress.today

ቀይሕ ባሕሪን ጂኦ-ፖለቲካኡን!------------------------ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከቱ ዝተሓላለኹ ተርእዮታት ኣብ ዝኽሰቱሉ ዘለዉ ህሞት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ መጐተ የብሉን። ኣብ 20...
03/01/2024

ቀይሕ ባሕሪን ጂኦ-ፖለቲካኡን!
------------------------
ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከቱ ዝተሓላለኹ ተርእዮታት ኣብ ዝኽሰቱሉ ዘለዉ ህሞት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ መጐተ የብሉን። ኣብ 2019 ዘቕረቦም ክልተን-ሓደን ወረቓቕቲ፡ ንመሰረት ሰረተ-እምነትን ፖሊሲታትን መንግስቲ ኤርትራ ዝገልጹ’ዮም። እቲ ቀዳማይ – “መትከላት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቓሊሑ ነይሩ። ካልኣይ ክፋሉ ይስዕብ)፦

ጂኦ-እስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ

🔘 ከም ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር፡ ብኡ ዝሓልፍ ብዝሒ መራኽብን ዓይነትን ዋጋን ናይቲ ጽዕነታትን፡
ሓደ ካብ መርኣያታት ደርማስነቱ’ዩ።
🔘ኣብ’ቲ ንቐይሕ ባሕሪ ዝሓቊፍ ዞባ ዘሎ ናይ ነዳድን ካልእ ማዕድናዊ ጸጋታትን ኰነ ባህርያዊ ሃብትታት፡ ንእስትራተጅያዊ ኣገዳስነት’ቲ ባሕሪ ዘዕዝዝ ካልእ ረቛሒ’ዩ።
🔘 ዞባውን ዓለማውን ናይ ዕብለላን ምግባትን ጥሙሓትን ኣጀንዳታትን ዘኸትሎ ቊርቊስን፡ ተወሳኺ ጂኦ- ፖለቲካዊ ማዕዶ (dimension) ይህቦ።

ኤርትራን ህዝባን ቀይሕ ባሕሪን – ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ

🔘 ካብ ቅድመ-መግዛእቲ 19 ዘመን፡ ኤርትራን ገማግማን ኣካል ናይ ዝገፍሐ መንጠርያ-ቁራዕ (melting pot) ስልጣነታት ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።
🔘 ኤርትራ “ቀይሕ” ማለት ምዃኑ፣ መግዛእቲ ኢጣልያ ነታ ባብ “እምበራጦርያ ምብራቕ ኣፍሪቃ” ዝሓረያ መሬት “ኤርትራ” ኢሉ ምስማዩ ሃንደበት ኣይነበረን።
🔘 ድሕሪ ካልኣይ ዓለማዊ ኲናት፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ዓለማዊ ናይ ዕብለላን ጽልዋን እስትራተጂያዊ ረብሓታቱ ኣብ ዝሓረየሉ (እስራኤል – ኢራን – ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ ዓምዲታቱ ኣብ “ማእከላይ ምብራቕ”)፣ ቀይሕ ባሕሪን ኪኖኡን ብጊላነት ስርዓት ኢትዮጵያ ኪቈጻጸር ስለዝመረጸ፡ “ኤርትራ ንእስትራተጅያዊ ረብሓታትና ኣይተገልግልን’ያ” ኢሉ’ዩ፡ ናይ ፍርቂ ዘመን ኲናትን ቅልውላውን ዘንቀለ። ኣብ’ቲ ምዕሪት (equation)፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ግምት/ሚዛን ዕዙዝ’ዩ ነይሩ።
🔘 ናይ’ቲ ብሶቭየት-ሕብረት ዝምራሕ ዝነበረ ኪዳን፡ ናይ ጽልዋን ዕብለላን ውጥን-ጸወታ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተቘራቘሰሉ ታሪኽ ካልኣይ ገጽ ናይ ሓደ ዝምቡዕ መጎት’ዩ ነይሩ።
🔘 ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይ 50 ዓመታት ተጻብኦ፡ ናይ “ሓንሽ” ፈጠራ “ግጭት ባሕራዊ ዶብ፣ ብናይ ኤርትራን-የመንን ናይ ዶብ ዘይምፍላጥ ምስሕሓብ ኣይነበረን። “ሓንሽ” ንልዑላዊ “እጀታ” የመን ኣስጊርካ፡ “ኤርትራ፡ ኣብ ግዝኣታዊ ማያት የመን ዓሳ ክትገፍፍ ዘፍቅድ” ዝተዋህበ ብይን፡ ካልእ “ሕጋዊ” ፍሕሶ’ዩ ነይሩ።
🔘 ድሕሪ ናይ “ሓንሽ”፡ ተመሳሳሊ ናይ “ባድመ” ሕንቅልሕንቅሊተይ’ውን ካብ’ቲ ዝበለየ ውጥን-ጸወታ ዝረሓቐ ኣይነበረን።
🔘 ኪኖ ምሕሳም ፍርዳዊ ውሳነ “ባድመ”ን ርግጸት ልዕልና ሕጊን፡ ንኤርትራ “ዕረፍቲ ንምኽላእ” ምእንቲ፡ ናይ ጅቡቲ “ግጭት ዶብ” ምብጋስን ናብ “ባሕራዊ ግጭት” ምሕዋሉን’ውን፡ ሓድሽ ምህዞ ኣይነበረን።
🔘 ምስናይ ኣብ ኢትዮጵያ “ተኸሲቱ’ሎ” ዝበሃል “እረማ”ን “ዕርቂ/ሰላም” ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ተስፋ ርግኣት ንምብርዓን ዝህቀን ዘሎ ጸወታት’ውን፡ ሓድሽን ዘገርምን ኪኸውን ኣይክእልን።
🔘 በዞም ክብ ኢሎም ብኣሕጽሮት ተዘርዚሮም ዘለዉ ጭብጥታት፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኤርትራን ህዝባን ሓድሽ መለበሚ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን ኪበሃል ይከኣል።

ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ

🔘 ተማእዛዝነት ንልዕልና ሕጊን ኣህጉራዊ ሕጊን ብዘይ-ኩነት።
🔘 ልዑላውነት ህዝብታትን ሃገራቶምን ብዝዀነ ምስምስ ዘይምጒሳይ።
🔘 ስግኣታት “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ምልላይን ብውድዓውነት ምክትታልን (ድርኺት/motivation ምትእትታው፣ ኣጀንዳ እዋናዊ ሓበሬታ ናይ “ስዉር”ን ቅሉዕን ንጥፈታት ብዘላቕነት ምምስራሕ)
▪️ ዓለማውያን ሓይልታት ብዝርዝር (ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ፈረንሳ. . .)፦
▪️ ዞባውያን ጐብለላት፦
* ኢራን

* ቱርኪ

* እስራኤል

▪️ ሽበራ (ብኹሉ መልክዓቱ)
▪️ ቀርሰንቲ
▪️ ኣፍለስቲ ሰባት
▪️ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኣጽዋር
▪️ ነጋዶ ሓሺሽ
▪️ በከልቲ ከባቢ
* ብመሰረት’ቲ ውድዓዊ ምክትታልን ሓበሬታን፡ መርሓ-ጐደና እስትራተጂን ውጥንን ምሓዝ።
* ነቲ እስትራተጂን ውጥንን፡ ምስ “ጐደቦኣዊ ፖሊሲታት” ኤርትራ ተመላላእነት ምሃቡ።
* ኣውራ’ተን ኣብ ተኣፋፊ ክፋል ናይ’ቲ ባሕሪን ላቔባታቱን ዘለዋ ሃገራት፡ ናይ ባዕለን ልኡላዊ ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ብሓፈሻ፡ ዘይነዓቕ ሓይሊ ባሕሪ ከኣ ብፍሉይ ኪህልወን ከም ግድነት።
▪️ ሶማልያ፡ ካብ ናይ 30 ዓመታት ጃላነትን ቅልውላውን ወጺኡ፡ ናቱ ብቑዕ ትካላት ኪሃንጽ፡ ዝዀነ መተካእታ (substitute) ኪውገድን ከይሕሰብን።
▪️ ናይ የመን፡ ተመሳሳሊ ከም ናይ ሶማል።
▪️ ጅቡቲ ካብ ጊልያነትን ኣሳሳይነትን ወጺኣ፡ ናታ ሃገራዊ ትካላት ክትሃንጽን ክትውንንን።
ኤርትራ፡ ናታ ብቑዕ ትካላት ክትሃንጽን ክትውንንን።
ስዑድያ፡ ብዘለዋ ብልጫታት፡ ኣብ ምሕቡር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክትገብር።
🔘 ኩለን ክብ ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ፡ ንምምዕባል ናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዳን ናይ ሓባር ሜካኒዝም ዝፈጥር ሕጋዊ ባይታ ኣዋዲደን፡ ኣብ ፈጽሚ (commitment) ኪኣትዋን።
🔘 ኩለን ክብ ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ፡ ሓባራዊ ጸጋታተን ተመላሊኡ፡ ‘ሲነርጂ’ ዝፈጥረሉ ኣወሃሃዲ “እዚን ቊጽጽርን” (ሓበሬታ ምልቕቓሕ፣ ሓባራዊ ልምምዳት. . .ወዘተ) ኪምስርታ።
🔘 ኩለን ክብ ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ ብሓባር፡ ልዕሊ ዓቕመን ንዝዀነ፡ ወይ ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር ብዝሰማምዓሉ መሰረት፡ ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ባይታ ፈጢረን ኪሰርሓ።
🔘 ናብ’ዚ ደረጃ ብቕዓትን ምትሕብባርን ንምብጻሕ፡ ኣዝዩ ከቢድን፡ ግዜን ዕቱብ ዘይሕለል ጻዕሪን ከምዝሓትት ምግንዛብ።
🔘 ኤርትራ፡ ካብ’ዚ መሰረታዊ መትከላትን ኣሰራርሓን ወጻኢ፡ ብታህዋኽ ወይ ምድፍፋእ፡ ኣብ ዝዀነ ቀንጠብጠብ ክትኣቱ ሕርያ የብላን። ካብ መጣቘሲ መኣዲታት ምሕያብ ከኣ፡ ኪስራሓሉ ዝጸንሐን ዝግባእን ናይ ታሪኽ ሕርያ’ዩ።
ዓወት ንሓፋሽ!
shabait/2024/01/03
---------------------
www.eritreanpress.today

ካብ ኣገረምቲ ጽምብላት ሓድሽ ዓመት-----------------------* ጽምብል ኣከባብራ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሩስያ ካብቲ ብፍሉይነት ዝጥቀስ እዩ። ሩስያውያን፡ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ዘካይድዎ...
01/01/2024

ካብ ኣገረምቲ ጽምብላት ሓድሽ ዓመት
-----------------------
* ጽምብል ኣከባብራ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሩስያ ካብቲ ብፍሉይነት ዝጥቀስ እዩ። ሩስያውያን፡ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ዘካይድዎ ጽምብል ንድሌታቶም ቀዳምነት ዝገበረ ንጥፈታት ብምግባር እዮም ዝጅምርዎ። ብፍላይ ጥንታውያን ነበርቲ ሩስያ፡ ፈለማ ንድሌታቶም ኣብ ወረቐት ብምጽሓፍ ብሓዊ የቃጽልዎ።
ድሕሪ’ዚ ነቲ ካብ ንዳድ ድሌታቶም ዝተረኽበ ሓሙኽሽቲ ብምእካብ ኣብ ማይ ዝመልአ ጥርሙዝ ኣሕቂቖም ይሰትይዎ። እዚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ፡ ኩሉ ድሌታቶም ንኽሰምረሎም ካብ ዝብል ሰናይ ምንዮት ብምዃኑ፡ ብሉጽ ግን ባህጊታትና ዘስምር ዓመት ይኹነልና ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ።

* ኣብ ፍሊፒንስ ዝካየድ ጽምብል ኣከባብራን ኣቀባብላን ሓድሽ ዓመት፡ በቲ ዝውንንዎ ብሉጽ ንብረትን መጋየጺታትን ከቢብ ቅርጺ ብምስራሕ እዮም ንጥፈታቶም ዝፍልሙ። እዞም ህዝቢ፡ ነበርቲ ናይ ሓደ ከባቢ ዘለዎም ብሉጽ ዝብልዎ ነገር ሒዞም ብምምጻእ እዮም ኣብ ማእከላይ ቦታ ዝእከቡ። ድሕሪ’ዚ ነቲ ዘለዎም መጋየጺታት ዓቢ ክቢ ኣብ ምስራሕ ይጥቀምሉ። ነብሶም ኣብ ውሽጢ እቲ ክቢ ብምእታው ድማ፡ እታ ትመጽእ ሓዳስ ዓመት ብብሉጻት ነገራት ዝተመልአት፡ ንሳቶም እውን ብመጋየጺታት ዘጊጹላ ዓመት ክትኮነሎም ይምነዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ጁባ ነፍሲ ወከፍ ነባሪ ናይ ሓጺን ሳናቲም ብምቕማጥ፡ ማሕፉዳኦም ዘበርክት ዓመት ንክዀነሎም ብምምናይ ኣቐዲሞም ንዝቐረብዎ ፍረታት ብምምጋብ ክሰናበቱ ይረኣዩ።

* ኣብ ቱርኪ ጽምብል ኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት ኣብ ኣፈፌት ቤትካ ጨው ብምንስናስ እዩ ዝካየድ። ቱርካውያን ነዚ ልምዲ እዚ ዘዘውትርዎ እዋን፡ ልክዕ ኣብታ ንሓድሽ ዓመት እተበስር ሰዓት 12፡00 (ፍርቂ ለይቲ) ምስ ኣኸለት እዩ። ትርጕም ናይ’ዚ ባህላዊ ጽምብል ድማ፡ ከም ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዝርከቡ ህዝቢ ሰላምን ሃብቲን ዘለዋ ዓመት ክትኮነሎም ዝመንቀሊኡ ድሌት እዩ። ጨው ኣብ ኣፍ ደገ ምንስናስ ድማ፡ ጻዕዳ ሕብሪ ከም ሕላገት ንጽህናን ሰላምን ስለ ዝትርጐም እዩ።

* ልምዳዊ ጽምብል ኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት ኣየርላንድ ብፍሉይ ብደቂኣንስትዮ እዩ ዝካየድ።
እዚ መብዛሕትኡ ግዜ በተን ዘይተመርዓዋ ደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝፍጸም። ሓንቲ ጎርዞ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጻዕዳ ዝሕብሩ ጽግዕተኛ ተኽሊ ቆጥቋጥ ክትድቅስ ትግደድ። ብመሰረት ባህሊ እዞም ህዝቢ ድማ፡ ምድቃስ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ’ዚ ተኽሊ እሙን፡ ፈቃር፡ ባህጊታን ድሌታትን እታ ጎርዞ ዝርዳእ መጻምዲ ኣብ ምርካብ ሓጋዚ ምዃኑ ስለ ዝእመነሉ እዩ።

* ብመሰረት ባህሊ ኮሎምብያ ካብ ናብ ዝግበር መገሻ ሓደ ካብ ፍቱውን ዝውቱርን ንጥፈታት እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ነበርቲ ጥርሑ ባልጃታት ብምሓዝ ኣብ ሓደ ቅርዓት ይእከቡ።
ኩሎም ኣብ ዝተረኸቡሉ እዋን ድማ፡ ክሳብ ብድኻም ተሰኒፎም ለሽ ዝብሉ ንቕድሚት ይጎዩ። ትርጉም ጕያ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከኣ፡ ዓመተ መገሻን ምዝንጋዕን ክትኮነሎም ዕላማ ዝገበረ እዩ። ብተወሳኺ እዞም ህዝቢ፡ መሳዅቲ መንበሪ ቤቶም ከፊቶሞ ይውዕሉ። እዚ ከኣ መንፈስ ኣረጊት ዓመት ብምውጻእ ንጹህ መንፈስ ሓድሽ ዓመት ክኣቱ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተበገሰ ምዃኑ ይንገር።

* ናይ ገለ ገለ ሃገራት ጽምብል ኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት መቸም ዘገርም እዩ። ኣብ ሃገረ ቺለ ዝርከቡ ህዝቢ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናብ መቓብር ቤተ ሰቦም ብምኻድ እዮም ጽምብል ዘካይዱ። እዞም ህዝቢ ነታ እትመጽእ ሓዳሽ ዓመት ንዝኽሪ እቶም ብሞት ዝተፈለይዎም ቤተ ሰቦም ዘወፍዩዋ ብምዃኖም ድማ፡ ፍሉይ ርዝነት ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ ገለ ቁሸታት እዛ ሃገር፡ ነዚ ዝኽሪ ከካይዱ ናብ መቓብራት ዝውሕዙ ሰባት ብዙሓት ብምዃኖም፡ ከተማታት ሰብ ኣልቦ ኰይነን ዝተረፋ ኮይኑ ዝስመዓካ ግዜ ከም ዘሎ ይንገር።

* ኣብ ደኒማርክ፡ ህዝቢ ሓድሽ ዓመት ንምጽምባል ኣብ ድሮ’ታ መዓልቲ ኣብ ነዋሕቲ መናብር ብምድያብ እዩ ነታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምፍናው ኣረጊትን ምምጻእ ሓዳስ ዓመትን ዝጽበያ። ልክዕ እታ ግዜ ምስ ኣኸለት ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ተመሳሳሊ ጽምብል ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ዴንማርካውያን ብሓደ ካብቲ መንብር ይዘሉ። ትርጕም ምዝላል ካብ መናብር ድማ፡ ብሓባር ናብ ሓድሽ ዓመት ዘሊልና ኣቲና ዘስምዕ ኮይኑ፡ ብሓባር ናብታ ትቕጽል ዓመት ንኽበጽሑ ዝመበገሲኡ ሰናይ ምንዮት ምዃኑ ይግለጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብራዚላውያን ጸጋ ኣማልኽቲ ባሕሪ ንምርካብ ዝዕላማኡ ሓሳብ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ገማግም ማያት እቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ሸውዓተ ግዜ ንማዕበል እቲ ባሕሪ ይዘልዎ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2024!!
መርሃዊ ገብረሚካኤል
---------------------------
www.eritreanpress.today

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tes Entertain. posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share