Tigray Tv

Tigray Tv Don't use social media to impress people; use it to impact people( I think social media is a great p business

21/09/2024

!!

ህፁፅ በይዛኹም ሼር በሉዎእዛ ኣብ ስእሊ ትሪኡዋ ዘለኹም ጓል 15 ዓመት ቆልዓ ካብ ሑሞራ ተመዛቢላ ኣብ መቐለ ኣብ ኬንዳ ትነብርን  ሐዚ ትምህርቲ ምስተጀመረ ግን ክትመሃር ኢላ ናብ ቤተሰብ ...
19/09/2024

ህፁፅ በይዛኹም ሼር በሉዎ

እዛ ኣብ ስእሊ ትሪኡዋ ዘለኹም ጓል 15 ዓመት ቆልዓ ካብ ሑሞራ ተመዛቢላ ኣብ መቐለ ኣብ ኬንዳ ትነብርን ሐዚ ትምህርቲ ምስተጀመረ ግን ክትመሃር ኢላ ናብ ቤተሰብ ኬዳ ትምህርቲ ጀሚራ ሎሚ 09 መስከረም 2017 ዓም ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውሒ ንጉስ መቐለ ንጉሆ ምስ ወፀት ክሳብ ሐዚ ኣይተመለሰትን፣እቲ ቤት ትምህርቲ እውን ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዘይኣተወት ኣፍሊጡ ኣሎ።ስለዙይ ዝረኣኹም ወይ ተፈናቓሊት ምስ ሙዃና ገዛ ጠፊኡዋ ዘግለሰትልኩም እንተሃሊኹም በዚ ኣድራሻ ተደሃዩና ይብሉ ኣለው ተፈናቐልቲ ቤተሰብ።
0914741485/0914269898

15/09/2024

#ዓገብ! እታ ዋዕሮ ትግራወይቲ ኣደ ደቃ መሪቃ ብግምባርካ እምበር ብድሕሬኻ ከይትውቃዕ! ህዝብካ ኣድሕን! ኢላ ንመስዋእቲ ዝለኣኸት " " ተባሂላ ክትዋረድ ምርኣይ መዘዙ ብዙሕ እዩ!

11/08/2024

ደባሲን ኣባዲን ትግራይ
▬▬▬▬▬▬▬▬

"...ህዝቢ እንተሃልዩ እዩ ሃፍቲ ክህልወካ ዝኽእል..." [ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ፤ ዶ/ር/]

ዶ/ር ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ፦
▬▬▬▬▬▬▬

● ኣብ እዋን ኲናት ጽንተት ጥራሕ > 550 ሚሊዮን ብር ንህዝቡ ሓገዝ ገይሩ።

● ልዕሊ 300 ሚሊዮን ብር ዝግመት ዓይነታዊ ሓገዝ ገይሩ።

● ኣብ እዋን ዕጽዋን ክባን ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮታት ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ናይ ቀለብ ሓገዝ ገይሩ።

● ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ደረጅኡ ዝሓለወ ሸውዓተ 2ይ ብርኪ ኣብያተ ት/ቲታት ሃኒጹ ፤ ዘመረቐን ኣለዋ ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት ዞባ ደቡብን ካልኦትን ቀረብ ዝስተ ጽሩይ ማይን ንጥሪት መስተ ዝኸውን ማይን ኣስሪሑ ንህዝቢ ኣረኪቡ።

● ንመንበረ ሰላማ ሓጊዙ።

● ኣብትግራይ ናይ ሓሳብ ልዕልናን ናይ ዴሞክራሲ ታተን ንክምዕብል ዝተፈላለዩ ፎረማትን መድረኻትን ንክዳለዉ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ፥ ናይ ኣዳራሽ ሓገዝን ካልኦት ሓገዛትን ገይሩ።

● ስነጽሑፍን ባህልን ትግራይ ንክምዕብል ፋይናንሳውን ዓይነታውን ሓገዝ ገይሩ።

● ኣብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናትና ኣውደኣመት ብዝመጸ ቁጽሪ ሚሊዮናት እናውጸዐ ዓንጊሉ።

ሃለቃ ሞገስ ፦
▬▬▬▬

● ከባቢ 1.5 ሚሊዮን ብር ን3 ሰቐስልጣናት ግምት ሓጊዙ። ንህዝቢ ዝሓገዞ ነገር እንተልዩ ክንሰምዕ።

09/07/2024

ኣብ ሱዳን እስርቤት ዝሳቀዩ ዘለዉ ህዝቢና ! ድምፅ ንኹኖም።

Today,s Best photo  ❤❤❤
20/02/2024

Today,s Best photo
❤❤❤




















16/02/2024
  -------ቅድሚ ሐዚ እዛ እትስዕብ ፅሑፍ ለጢፈ ነይረ።ኣብዛ ፅሑፈይ ገሬ ነበለት ከምዝተሰውአ ኣይገለፅኩን።ምኽንያቱ ንቤተሰቡ መርድእ ኣይተነግረን ዝነበረ።"ገሬ ነበለት ዘይፈልጥ ትግራዋይ...
24/01/2024



-------
ቅድሚ ሐዚ እዛ እትስዕብ ፅሑፍ ለጢፈ ነይረ።ኣብዛ ፅሑፈይ ገሬ ነበለት ከምዝተሰውአ ኣይገለፅኩን።ምኽንያቱ ንቤተሰቡ መርድእ ኣይተነግረን ዝነበረ።
"ገሬ ነበለት ዘይፈልጥ ትግራዋይ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን።
ብፍላይ እታ ኣብ ኲናት ወፍሪ ኣሉላ ነቶም ከም ሽሾ እግረይ አውፅእኒ ዝሃድሙ ዝነበሩ ወታደራት ፒፒ ብድሽቃ እንትጭጉርፎም መላእ ዓለም ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ተኸታቲላቶ እያ።ገሬ ነበለት ካብቶም ኣብ ሓፂር እዋን ጀነራል ክኾኑ ትፅቢት ዝግበረሎም ዝነበረ ጫፍ ብልሒ ጅግንነት ዝዓተሩ መናእሰይ ተጋደልቲ ኣብ ቅድሚት ዝፅራሕ ጅግና ተጋዳላይ'ዩ።
ገሬ ነበለት ኣብ ምክልኻል ሃገር ኣባል ሪፐብሊካን ጋርድ ዝነበረ ዕሉል ኮማንዶ እዩ። ዳሕራይ ድማ ቅድሚ ኩሉ ናብ ሰራዊት ትግራይ ዝተፀምበረ ሕሩር ትግራዋይ ነይሩ።
ንገሬ ነበለት ጥቅምቲ 10/2014 ዓ/ም ኣብ ጋሸና ነዊሕ ቃለመሕትት ገይርናሉ ኔርና። ጅግንነቱ፣ሕራነኡን ህልኹን መግለፂ ኣልቦ እዩ።"እተን ሰማያ ሰማይ እናዛወና ብፆትናን ዕጥቅናን ዝወቕዓ ዘለዋ ናይ ልቓሕ ድሮናት ፅባሕ ክንማርኸን ኢና!ዓብይ ኣሕመድ ፃፀ ዘላታ መተርኣስ ይተርኣስ!"ዝበለና ካብ ሕልናይ ኣይጠፍእን።ገሬ ነበለት ይዋጋእ፣የዋግእ፣ ብሬን ይትኩስ፣ዲሽቃ ይትኩስ፣ ክላሽ ይትኩስ፣ አረ ክንደይ ኢልካ ጅግንነቱ ገሊፅካ ክውዳእ!
ተጋዳላይ ኣብርሃለይ'ውን ልክዕ ከም ነበለት ኣዝዩ ጅግና እዩ።ሕዳር 2014 ዓ/ም ተጋዳላይ ኣብርሃለይ ኣብ ኩታ በር ቆሲሉ ንሕክምና ምስ መፀ ኣብ ከባቢ 22/ኖርዘርንስታር ሓንከስ እናበለ ረኺበዮ።ቅድሚ ኩሉ "ኣታ ነበለትከ ደሓን ድዩ?"ኢለዮ።ነበለት ቆሲሉ እዩ ግና ኣሎ ብህይወት ምስበለኒ ሓጐሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ነበለትን ኣብረሃለይን ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ኣብ ኣኽሱም ክፍለ ሰራዊት ካብ ሓይሊ ክሳብ ቦጦሎኒ መሪሖም ምስተንክራት ሰሪሖም'ዮም።
ገሬ ነበለት ኣብታ ኣብርሃለይ ዝቖሰለላ ኲናት ኩታበር እዩ ቆሲሉ። ንሕክምና ናብ ትግራይ እንትመፅእ ኣብ ኸባቢ ወልድያ/ጥቁር ውሃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝተሰውአ ኣብቲ እዋን ሓበሬታ ነይሩኒ እዩ።

ገሬ ነበለት ናይ ብሓቂ ጅግና ነይሩ!
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ብፆተይ!"

Haftom Ze Eyesus Gedam

ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተሳፈርቲ ፅዒና ከባቢ ሰዓት 8 :00 ሓደጋ ከምዝገጠማ ትግራይ ቴሌቪዥን ሓቢሩ ። ዛጊድ ብዘ...
18/01/2024

ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተሳፈርቲ ፅዒና ከባቢ ሰዓት 8 :00 ሓደጋ ከምዝገጠማ ትግራይ ቴሌቪዥን ሓቢሩ ። ዛጊድ ብዘሎ ሓበሬታ ኣብ ህይወት ሰባት ዝበፀሐ ሓደጋ ከምዘየለ ድማ ገሊፁ። ፣¢ ላዛ

Adresse

Frankfurt

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Tigray Tv erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Videos

Teilen

Kategorie


Andere Medien in Frankfurt

Alles Anzeigen

Sie können auch mögen