Prophet Misgna Anointed

Prophet Misgna Anointed 1ይ ቆረንቶስ 1
23፤ ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛ if I yet pleased men, I should not be the servant of Christ.

_ገጻት ፍቅሪ ``ምእራፍ 1``. .`7ይ ክፋል`__ማእበል ኢዱ ክሕጸብ ጸኒሑ ንውሽጢ ገዛ ምስ ኣተወ ፡ጥኡም ሽታ ዝግኒ ጨኒዎ ናይ ሎሚ ጸብሕስ ይበል ኢዩ ብጨንኡ ይፍለጥ ወሓለ ጋል ወሓላሉ ...
10/12/2023

_ገጻት ፍቅሪ ``ምእራፍ 1``. .`7ይ ክፋል`__

ማእበል ኢዱ ክሕጸብ ጸኒሑ ንውሽጢ ገዛ ምስ ኣተወ ፡ጥኡም ሽታ ዝግኒ ጨኒዎ ናይ ሎሚ ጸብሕስ ይበል ኢዩ ብጨንኡ ይፍለጥ ወሓለ ጋል ወሓላሉ እንዳ በለ ንጋል ኣብርሃ ኪንእዳ ከሎ ጋል ኣብርሃ ከኣ ትቅብል ኣቢላ እዚኤን በሊእካ ስቅ ኢልካ ምድቃስ የሎን በሎቶ፡

እንታይ ከም ዝበለቶ ስለ ዝተረድኦ ደሓን ንሱስ እንዳ በለ ሰሓቃ፡

ድራር ተቀሪቡ እንዳ ተዛናግኡ ተደሪሮም ምስ ወድኡ፡ ዝጀመራ መጽሓፍ ክውድእ ማእበል መጽሓፉ ሒዙ እንዳ ኣንበበ ከሎ ኤደን ነቲ ዝበልእሉ ሓጻጺባ ሻሂ ኣፍሊሓ ሒዛ መጸት፡

ሻሂ እንዳ ሰተዩ ድማ ኤደን ብትሑት ድምጺ ራዲዩ ትሰምእ ነበረት ፡ዓወት ኪጻወት ስለ ዝወዓለ ደኪሙ ኣብ ሳሎን ከሎ ድቃስ ወሰዶ፡

ማእበል ነቲ ሕዝዎ ዝጸንሐ መጽሓፍ ዓጺፉ ንዓወት ሓቁፉ ናብ መደቀሲኡ ወሰዶ፡ ኤደን(ጋል ኣብርሃ) ነታ ትሰምዓ ዝነበረት ረዲዮ ኣጥፊኣ ፡ ብየማናይ ኢዳ ቢኬሪ ናይ ሻሂ ሒዛ ፊት ፊት በለት ማእበል ብድሕሪኣ መጺኡ ጸጉራ ግልህ ኣቢሊ ኣብ ክሳዳ ሰዓማ፡

ጋል ኣብርሃ ሰብነታ ሓዊ ተዘርኣ ነታ ሕዛታ ዝጸንሐት ቢኬሪ ብኮፋ ፈነወታ ፡ ሻሂ ተደፊኡ ጥርሙዝ ኣንከባሊሉ በዚ ግን ኣይገደሶምን ፡

ምቆት ኣካላታ ኪውስክ ልባ ኪሃርም ምስ ጀመረ ካብ ድሕሪታ ናብ ቅድሚታ ዝንቀሳቀስ ኢድ እንዳ ረኣየት ኣብ ክቱር ስምኢት ኣትያ ነቲ ናብ ቅድሚኣ ዝመጸ ኢድ ሕዛ ተጠውያ ፊት ንፊት ምስ ማእበል ኮነት ፡ማእበል ኢዱ ኣብ ክሳዳን ምእጉርታን ኣልጊቡ ብኣፉ ንኣፋ ሰዓሞ ኢዱ ንስረ ኤደን ፈትሕኦ ፡

ከምዛ ሕጂ ዝተወልደ ህጻን ጥራሖም ኪሳብ ዝኮኑ ከየስተውዓሉ ብስምኢት ነደዱ፡ ማእበል ንጋል ኣብርሃ እንዳ ሰዓማ ሓቁፍዋ ንዓራት ገጹ ከደ ፡ ብርቱእ ስምኢት ዝሳዓራ ጋል ኣብርሃ ሕጂ ኣእትወለይ በለቶ ፡ ንሱ እውን ነቲ ተገቲሩ ዝጸንሐ ንብረቱ ኣእተዎ፡ ብስምኢት ክልቲኦም ነደዱ ጋል ኣብርሃ ማእበለይ ኩሉ ኣእቲካዮ ኣበርቲእካለይ በለቶ፡ ንሱ ከኣ ዘይትፈልጦ ዓለም እንዳ ኣርኣየ ከእትዎን ከውጾን ከሎ ኣህ ኣህ እንዳ በለት ወጨጨት፡

ድምጻ ነቲ ነጸላ መንደቅ ስለ ዝሓለፎ ኣማን ሰምዓ ፡ ኣማን በቲ ዝገብረዎ ዝነበሩ ጌና ከሎ ስለ ዝበርሃሉ ኪጸናጸን ንኩሉ ድምጺ ዝህብ ኣብ ገዝኡ ዝነበረ ኣጥፍኦ ፡

ማእበለይ ኣበርቲእካለይ እንዳ በለት ኣብ ስምኢት ኣትያ ኪትውጭጭ ከላ ኣማን ሰምዓ፡

ኤደን መሊሳ ማእበለይ ኣብኣ በለቶ ኣብኣ ሓዛ ንሳ ጥርዚ በጺሓ ካብ ኣካላ ጻእዳ ፈሳሲ ወጸ ንሱ ግን ገና ኣይወደእን ቀሪበ ወዲኤ በለቶ ንሱ ከኣ ኣፍሰሶ፡ ሓቆፈቶ ንሱ እውን ሓቆፋ ንስካ ሰብኣይ ኢካ በለቶ።

ሓቁፉ ሰዓማ፡ንሳ እውን ሓቁፋ ሰዓመቶ፡ ከምኡ ኢሎም ድማ ዳቃስ ወሰዶም፡

ጋል ኣብርሃ ንግሆ ተሲኣ ቁርሲ ሰሪሓ ንማእበል ኣተስኣቶ ንሱ እውን ተሲኡ ግንባራ ሰዓማ ነብሱ ተሓጺቡ ድማ ቁርሲ ቆሪሱ ንስራሕ ኪከይድ ኪብል ከሎ ፡ እታ ኣብ ጣውላ ዘቀመጣ ሽጉጡ ስለ ዝሰኣና ፡ጋል ኣብርሃ ኣይነይ እታ ንእሽቶ በርትሪ ከ በላ ፡

ካብ መደቀሲ ክፍሊ ዓራት ከተንጽፍ ኣትያ ብምንባራ ነቲ ዓራት ምንጻፍ ገዲፋ ፡ቖልዓ ኣብ ዘይረክባ ብመፍቱሕ ዓጽየያ ኣሎኩ ኣብቲ ተመዛዚ በለቶ፡

ካብቲ ተመዛዚ ሽጉጡ ኣውጺኡ ኣብ መዓጥቅኡ ገይሩ ማኪንኡ ኣተሲኡ ንስራሕ ተበገሰ፡ ጋል ኣብርሃ ጽናሕ ሓንሳብ በለቶ ቀልጥፊ በላ ተቀላጢፋ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ በጽሐት ፡ ፈሊጥካ ኣሎካ ምሽ ጽባሕ እረፍቲ ስራሐይ ኪውድእ ኢዩ ፡ ቀልጢፍካ ምጻእ ሎሚ ፕላን ከነውጽእ በለቶ ፡ ሐራይ ኢሉ ግንባራ ሰዓማ ንሳ ከኣ ሰዓመቶ ቻው ኢሉ ማኪንኡ ኣልኢሊ ነቲ ዓቀብ ብናህሪ ደይቡ ተመርቀፈ።

ጋል ኣብርሃ ኪትሕጸብ ማይ ኣዳሊያ ሽቃቅ ኣተወት ፡ ኣማን ካብ ገዝኡ ማእጾ ከፊቱ ንሽቃቅ ገጹ ከደ፡ጋል ኣብርሃ ትሕጸብ ስለ ዝነበረት፡ ኣቲ ኤዱ ወዲእኪ ዲኪ በላ ንሳ ከኣ ሕጂ ኢየ ጀሚረ በለቶ፡ እሞ ሽንቲ እንዲየ ተወጢረ ዘለኩ ኪሸይን ደሊየ በላ፡ ሽንቲ ማይ ተኮንካ ኣብ ባዞ ሽኖ ፡ ሽንቲ ደገ ተኮይኑ ግን እቆሮ በለቶ እሞ፡

*እዋእ ንስኪ ከተሕምኒ ዲኪ ደሊኪ፡
•እሞ ሕጂ እንዲየ ጀሚረ ክሕጸብ ኣይወዳእኩን ፡
*እሞ ዋላ ሓንሳብ ክፍት ዘይተብልዮ ሽንትማይ ጥራይ ኪሸይን፡
•ንሳ ግን ከም ዘይ ከውን ደጊማ ነገረቶ፡

ንሱ ግን ነቲ ኣብ ሽቃቅ ዝነበረ ዘውጸቶ ክዳና ክውስዶ ኢዱ ኣሕሊፉ ኪወስዶ ፈተነ፡ ንሳ ግን ኣቀዲማ ኣእዳው ስለ ዝረኣየቶ ማእጾ ከፊታ ማይ ገጨበቶ፡ ንሱ ከኣ ካብ ፊስቶ ማይ ቀዲሑ ከምጽእ ናብ ፊስቶ ጎየየ ንሳ ግን ነቲ ማእጾ ዓጸወቶ፡

በቲ መስኮት ናይ ሽቃቅ ማይ ከዓወላ ንሳ ከኣ ክዳና ከም ዘጠልቀዮ ነጊራ መሊሳ ማእጾ ከፊታ ገጨበቶ፡

ተወጢሩ ስለ ዝነበረ ኪሸይን ግን ኪጎይ ክብል እቲ ዓቂሩዎ ዝጸንሐ ሽንቲ ኣብ ስሪኡ ሸኖ ፡

ደስ ይብልኪ በሊ ኣብ ስረይ ሞሊቅኒ እንዳ በላ ድማ ንገዝኡ ከይዱ ክዳኑ ቀየሮ።

ጋል ኣብርሃ ተሓጺባ ምስ ወድእት ናብ ገዛ ኣማን ካሕኩሐት ኣማን ድማ ከፈታ፡ ይቅረታ ኣብ ስረካ ብምሻንካ እንዳ በለት ነቲ ዝቀየሮ ክዳኑ ከምጻላ ኪትሓጽበሉ ምካና ነገረቶ፡ ኖእ ኢሉ ኣቅበጻ ንሳ መሊሳ ዓንተቦ እንታይ ርኢካ በለቶ ፡ ኪትከፍትዮ ከሎኪ ጥራሕኪ ሪኤኪ በላ ብዘይ ስክፍታ፡ ደሓር ከኣ ጮግርኪ ስደድዮ ነዊሑ ኣሎ ደጊሙ ከይተሰከፈ ነገራ።

በዓል ንስካ ከለኩም ረበሽቲ እሞ ከመይ ግዜ ኪትቡና በለቶ፡ትማሊ ኣህ ኣህ ትብሊ ነርኪ በላ ፡ እዋእ ኪድ ስዲ ሰሚእካኒ ዲካ በለቶ ብስክፍታ፡

እወ ፡ ከመይ ደኣ ባላፎን ኣብጺሕኪ ሎምስ ከኣ በላ እሞ ፡ ኣልግስ ስዲ እንዳ በለት ካብ ክሳድ ንላእሊ ብሕፍረት ገዲፋቶ ከደት።

ይቅጽል…

__ገጻት ፍቅሪ 1ምዕራፍ 6ይ ክፋል__ኣብ ፋርነሎ ዝተሰክተተ ጸብሒ ቀሰይ እንዳ በለ ኪሞቆላ ኢላ ኣብቲ ህዱእ ንፋስ ገበረቶ፡ ማይ ካብ ፊስቶ ቀዲሓ ኣብ ጸሓይ ኪሞቆላ እካ ሓሲባ እንተ ነብረ...
09/12/2023

__ገጻት ፍቅሪ 1ምዕራፍ 6ይ ክፋል__

ኣብ ፋርነሎ ዝተሰክተተ ጸብሒ ቀሰይ እንዳ በለ ኪሞቆላ ኢላ ኣብቲ ህዱእ ንፋስ ገበረቶ፡ ማይ ካብ ፊስቶ ቀዲሓ ኣብ ጸሓይ ኪሞቆላ እካ ሓሲባ እንተ ነብረት፡ ማእበል ከይመጻ ከይሓጸበቶ ከላ ስለ ዝሰገእት ግን ኣብ ፐርሙዝ ማይ ሰክቲታ ስለ ዝነበረት፡

ምስቲ ካብ ፊስቶ ዝቀደሓቶ ማይ ልቡጥ ኪኮነላ እንዳ መጠነት ዝሑል ማይ ኪትውስኮን ከተወሃህዶን ጸኒሓ ምስ ወደእት ዓወት ንዓ ኪትሕጸብ በለቶ ፡ ቀዲማ ሽጎማኒ ኣዳሊያ ስለ ዝጸንሐት ሳምና ከተምጽእ ውሽጢ ገዛ ኣተወት፡ ኣብ ገዛ ሳምና ኪትረክብ ስለ ዘይከኣለት ግን መን ኣልኢልዎ ካብዚ ሳምና እንዳ በለት ኪትደሊ ጀመረት፡

ካብቲ ዘቀመጠቶ ሳምና ስለ ዘይጽንሓ ሳምና ሓዲሽ እንተ ለዎ ኢላ ንኣማን ክትሓቶ ማእጾ ገዝኡ ካሕኩሐት ፡ኣማን መን ኢካ ትኩሕኩሕ ኢሉ ነቲ ኣኮሓኩሓ ማእጾ ዝበርትዖ ኣማን ፡ ስበሮ በል ሰርካ እቶ እንዳ በለ ንማእጾ ናይ ገዝኡ ከፈቶ ፡ኤዱ ዲኪ እንታይ ደኣ ቀስ ገርኪ ዘይትኩሕኩሒ በላ ንሳ ከኣ ኣይ ሳምና ሓዳሽ እንዲየ ኣብ ገዛ ኣቀሚጠያ ነይረ መን ከም ዝወሰዳ ሲኢነያ ዓወት ከይተሓጽበ ማእበል ከይመጽ ስለ ዝሰጋእኩ ሳምና እንተ ኣሎካ ሓዲሽ ኪትሪኤለይ በለቶ፡

ንውሽጢ ገዛ ኣቲዩ ነታ ሳምና ናታ ትመስል ሕዝላ መጸ፡እዚኣ ደኣ እታ ኪደልያ ዝጸናሕኩ ሳምና እንዲያ በለቶ፡ ሽኡ ከም ብሓዲሽ ንመደቀሲ ክፍሉ ኣቲዩ እታ ሳምና እዚኣ ኢያ ፡ሳምና ስለ ዘይነብረኒ ኽሓተኪ ኢለ መጽየ ስለ ዘይጸናሕክኒ ወሲደ ተጠቂመላ ንዓ ትመስል ሳምና ድማ ገዚኤልኪ በላ እሞ፡ ብድፍረቱ ተገረመት ተሃዊካ ስለ ዝነበረት ግን ነታ ሓዳስ ሳምና ሕዛታ ንዓወት ኪትሓጽቦ ናብ ዓወት ኣምርሐት ፡

ኣማን ኤዱ ሓንሳብ ጽንሒ እሞ በላ ቀልጥፍ ኣርክበኒ ሰዓት የብለይን በለቶ ፡ ንሱ ድማ ገዛ ብክፍቱ ዘብ ዘብ ሓዊሱ ኣብ ካሊኢት ኣርከባ ኣነ ንዓወት ኪሓጽበልኪ ንስኪ ካልእ ዝስራሕ እንተ ኣሎኪ ስርሒ በላ ፡

ብዘይ ቀልዓለም ድማ ሐራይ በለቶ፡ ኣማን ንዓወት ኣምሪሑ ኣብ ሽቃቅ ኪዳኑ ኣውጺኡ ኪሓጽቦ ክብል ከሎ ጥራሑ ስለ ዝነበረ ዓወት ቀው ኢሉ ንሳልሳይ እግሪ ኣማን እንዳ ረኣየ ፡ ተሓጺቡ ወደእ።

ኣማን ድማ ንእግሪ መንገዱ ንዓወት ሓጽቡ ምስ ወደእ ኪሕጽብ ስለ ዝደለየ ፡ ንዓወት ክዳኑ ከዲኑ ናብ ኣዲኡ ኪከይድ ነገሮ እሞ ማእጾ ከፊቱ ኣውጽኦ።

ዓወት ድማ ተሓጺቡ ምስ ወደእ ስለ ዝቆረረ ብጉያ ንገዛ ኣተወ፡ ማማ ኣቲ ማማ ቆሪረ በላ፡

ኤደን ከኣ ንከይቆርር ማይ ኣሚቃትሉ ስለ ዝነበረት ቆሪረ ምስ በላ ቁሪ ከይወስድ ኢላ ፡ኪዳኑ ንኪቅይር ንመደቀሲ ክፍሊ ሒዛቶ ኣተወት ፡ ነዚ ገርካዮ ዘለካ ኣውጻዮ እዚ ተከደን በለቶ ፡

ዓወት ነቲ ገርዎ ዝነበረ ክዳን ኣውጽኦ ኩስትምኡ ኪቅይር ድማ ነቲ ኩስትምኡ ኣውጽኡ ሓዲሽ ኪኪደን ሃበቶ ፡

ዓወት ብሃንደበት ኣቲ ማማ እዚኣ ናተይሲ ንእሽቶ ናይ ኣማን ግን ኪትዓቢ በላ እሞ ፡ ጋል ኣብርሃ ብስክፍታ ከምኡ ኣይበሃልን ኢዩ ዓወት ወደይ በለቶ፡ እንታይ ደኣ እሞ ናተይ ንእሽቶ ናይ ኣማን ዓባይ ኮይና ደጊሙ ሓተታ፡

ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብና ከምኡ ስለ ዘይበሃል ድማ ኤደን ንሱ ዓቢ ኢዩ ንስካ ድማ ዓቢ ምስ ኮንካ ክንዲ ናቱ ክትኮነልካ ኢያ በለቶ ፡ ካብ ክብሪ ሕብረተሰብ ወጻኢ ንከይ ዓቢ እንዳ ተጠንቀቀት፡ እሞ ምሽ ባባ ዓቢ ኢዩ ናይ ባባ ከ ዓባይ ማለት ዲዩ በላ፡ እወ በለቶ ብስክፍታ።

ካብ ሽኡ እዋን ግን ቆልዓ ዝረኣዮ ከም ዝወስድ ስለ ዝተረዴኤት ኣብ ቅድሚ ወዳ ሕማቅ ከይትገብርን ከይ ትዛረብን ምስ ነንሳ ቃል አተወት፡ ኣብ ከምዚ ህሞት እንዳ ሃለወት ከኣ ማእበል ኣቱም ጽቡቃት ስድራ ኣሎኩም ዶ እንዳ በለ ኣተወ ። ኣደን ወዳን ድማ ኣለና በልዎ፡ዓወት ድማ እንዳ ጎየ ባባ በሎ ማእበል ድማ ሓፍ አቢሉ ሓቁፉ ንጋል ኣብርሃ ግንባራ ሲኢሙ ንዓወት ሒዝዎ ንሳሎን ከደ።

ጋል ኣብርሃ ድማ ነቲ ዘሞቆቶ ጸብሒ ከተምጽእ ንክሽነ ኣትያ ጸብሒ ምስ ጣይታ ሒዛ መጸት፡ ኢዱ ንክሕጸብ ድማ ንማእበል ማይ ከምጻልካ ኪትሕጸብ ዋላ ባእልካ ትሕጸብ በለቶ ፡

ማእበል ባእለይ ክሕጸብ ኢየ እንዳ በለ ነቲ ካብ ሰውራ ሒዝዎ ዝመጸ ርእስካ ባእልካ ምክኣል ዝብል ካብ ጋል ኣብርሃ ተጸባይ ከይኮነ ንባህሊ ኣብ ግምት ከየእተወ ናይ ሰውራ ባህሊ ሲኢርዎ ባእሉ ኪሕጸብ ከደ።

ኣታ ማእበለይ ኣብ ዓዲ እንተ ዝከውን እኮ ከምኡ ኣይምበልካን በለቶ ፡ ንሱ ድማ እንዳ ሰሓቀ ኣብ ዓዲ እንተ ዝከውን ደኣ እግረይ መሓጸብኪ ነርኪ በላ ፡

ንሳ ከኣ ንሱ እንዲዩ በረከት ዘለዎ በለቶ እሞ፡ ከምኡ ኣይትበሊ ማእርነት ኣብ ናብራ ኢዩ ዝረጋገጽ እንዳ በላ ኪሕጸብ ንደገ ወጸ።

ይቅጽል…..

__\ገጻት ፍቅሪ 1 ምእራፍ 5ይ ክፋል/____ኣማን እንካእ ብደሓን መጻኪ ንቤትና እንዳ በለ ንጋል ኣብርሃ ናብ ውሽጢ ገዝኡ መሪሕዋ ኣተወ ሻሂ ከይንብለኪ ሻሂ ኣስቲክና ኢኪ ካልእ ከኣ እዛ ...
07/12/2023

__\ገጻት ፍቅሪ 1 ምእራፍ 5ይ ክፋል/____

ኣማን እንካእ ብደሓን መጻኪ ንቤትና እንዳ በለ ንጋል ኣብርሃ ናብ ውሽጢ ገዝኡ መሪሕዋ ኣተወ ሻሂ ከይንብለኪ ሻሂ ኣስቲክና ኢኪ ካልእ ከኣ እዛ ገዛ ከምዛ ትርእያ ኢኺ ዘለዋ የብላን፡ ሓንቲ ዋይን ዘይተከፍተት ኣላ ካብኣ ክቀድሓልኪ እንዳ በለ ክዛረብ ከሎ ከም ጋሻ ከይትጋየሽ ከም ገዝኣ ክትሪኦ ብምሕሳብ ኢዩ ዝነበረ፡

ኣታ ኣማን እንታይ ኮንካታ ኣብዚ ዶ ዋይን ይስተ ኢዩ ትሪኦ ኣሎካ እቲ ጣውላ ወረቃቅቲ መሊኡ እቲ ሞስኮት ከኣ ዶሮና ገይሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሳሎን ጫማካ ካልስካ ተደርቢዩ መጀመራ እዚ ነጻራሪዮ ደሓር ቀስ ኢልና ዋይን ንሰቲ በለቶ ብስንባደ ብዝተመልእ መንፈስ፡

ሐራይ ከምኡ ይሓይሽ እንተ ኢልኪ ደኣ በላ መሊሱ ከየሕርቃ ወይ ከየሰንብዳ እንዳ ተሰከፈ።

እወ ከምኡ ኪሓይሽ ኢዩ፡ ዶ/ር እንዳ ኣጽናእካስ ኣብዚ ትድቅስ በለቶ ነቲ አብ ሳሎን ተነጺፉ ዝነበረ ኮቦርታ ሪእያ፡ እዚ ዘየድሊየካ ወረቃቅትን እቲ ዝበላእካሉ ብያትን እቲ ሕጸቦ እቲ ከኣ ጋሓፎ ኣብኡ ከለካ ከኣ ካልሲ ምስ ጫማካ ደገ ንፋስ ኪሃርሞ ግደፎ በለቶ እሞ ተዋርዶ ዘላ እንዳ መሰሎ ብውሽጡ ባእልካ ዶ ንገዛካ ዘዋርደካ ትእድም ኢካ ኢሉ ምስ ነብሱ ኪማጎት ጀመረ፡ ከይጸንሐ ድማ ነቲ ዝበለቶ ኩሉ ገበረ እሞ ንሳ እውን ነቲ ሳሎን ናይ ገዝኡ ወልወለቶ ደጋጊማ ፡ ኣብ መንጎ ግን ኣማን ንዓ እሞ መደቀሲ ክፍልካ ወጋግኖ በለቶ፡

ኣማን ክላእ ሕጂ ይኣክለና ንሱ ባእለይ ቀሰይ ገይረ ኪገብሮ ኢየ በላ ንሳ ድማ ህኩይ ወ ህኩይ ንዓ ኪሕግዘካ ኢየ በለቶ፡

ተመራሪሖም ድማ ንመደቀሲ ክፍሉ ኣተው፡ ኣብ መደቀሲ ክፍሉ ምስ ኣተው ድማ ነቲ ኣብ መንደቕ ተለጢፉ ዝነበረ ናይ ኣዋልድ ፓንትን ራጅን ዝገበራ ጥረሐን ዝተሳእልኦ ስእሊ ክሽፍን እንዳ ሓሰበ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኢሉ ብሕቅኡ ሸፊኑ ካብኣ ኪክውሎ እንዳ ፈተነ ይኣክሎ እኮ ኢዩ ጽሩይ ኢዩ ዘሎ እዚ መደቀሲ ክፍሊ፡ዓራት ጥራይ ኢዩ ዘይተነጸፈ ኪብላ ከሎ፡ ጋል ኣብርሃ ኣብ ቅድሚ ዓይና ኮንዶም ዘይተከፍተ ረኣየት እሞ ብምግራም እዚ ካበይ ኣምጺካዮ እንታይ ክኮነካ ከ ሕዝካዮ በለቶ።

ኣማን ከም መንእሰያት እንታይ ከም ዘጋጥመና ስለ ዘይፍለጥ ምሓዙ ጽቡቅ ኢዩ በላ፡ክዛረባ ክብል ከሎ ናብኡ ግልብጥ ኢላ ኪትሰምዖ ኪትብል ረኣየቶ እሞ ብሕቅኡ ዝተከወለት ጥራሓ ጋል ድማ ረኣየት፡

ሽኡ ጋል ኣብርሃ ንምካኑ ጋል ገርካ ትፈልጥ ዶ በለቶ፡ኣይፋሉን ኣይፈልጥን በላ፡
እሞ ሕጂ ንስካ ብድንግልካ ኣሎካ ማለት ዲዩ በለቶ ደጊማ ፡ እዋእ እወ ድንግል ኢየ፡ ሎሚ ኮይኑ እንበር ኣብ ዓድና እኮ ድዩቁና ኢየ ዝመሃር ነይረ ደቂ ከተማ ደኣ ኣብ ከተማ ኣምጺኩም ድዩቁንናና ኣረሲእኩምና እንበር በላ፡

ኣየ ኣማን በልስኪ ኪሳብ ሕጂ ጋል ጥረሓ ሪኢካ ኣይትፈልጥን በለቶ እሞ ንሱ ከኣ ኣብ ትምህርቲ ንንመሃሮ ገዲፍካስ ኣይረእኩን በላ።

ስለ ዝኣመነቶ ድማ ብግርህነቱ ኣዝያ ገረማ ፡ ኪሳብ ክንድኡ እድመ ዝበጽሕ ጋል ዘይረኣየን ዘይጠኣመን ዘይፈልጥን ምካኑ ድማ ከምዚ መንእሰይ ኣብዚ ዘመን ኣሎ ዲዩ ኢላ ድማ ተገረመት ወሲካ ድማ በለቶ ዓርኪ ኣላትካ ዶ?

የብለይን ትምህርተይ ክውድእ ኢየ ዝደሊ መጀመርታ በላ፡ ንምንታይ ደኣ ኮንዶም ሕዝካ እሞ ዓርኪ ተዘይብልካ በለቶ እንዳ ተገረመት።

ኣብ ትምህርቲ ስለ ዝተመሃርናዮ እንታይ ከም ዝጋጥመኒ ከኣ ስለ ዘይፈልጥ መሐለውታ ኪኮነኒ ሕዘዮ በላ እሞ ብጥንቃቂኡ ኣዝያ ተገረመት።

ነቲ ዝነበረ ንብረት ምስ ወጋገኑ ድሮ ፋዱስ ስለ ዝቀረበ ማእበል ከይመጸ ጸብሒ ከወዓኢ ኢላቶ ንገዝኣ ኪትከይድ ኪትብል ከላ እሞ እዛ ዋይን ደኣ ከ በላ፡

ኣብ ቢኬሪ ገርና ደሓር ኪንሰትያ ኢና ሕጂ ግን ኪከይድ ኢላቶ ጸብሒ ከተወዓኢ ንክሽነ ኣተወት ዓወት ወዳ ድማ ኩእሶ ኪጻወት ዊኢሉ ሓመድ መሲሉ መጻ እሞ ነብሱ ንኪሕጸብ ማይ ኣዳልያ ጸብሒ ኪውእየላ ኣብ ፋርኔሎ ሰክተተቶ።

ይቅጽል….

ገጻት ፍቅሪ 1 ምእራፍ 4ይ ክፋልጋል ኣብርሃ ፦ ማእበለይ ኣይትደንጊ ጸብሒ ተጸቢሑ ኢዩ ከይዝሕል ማእበል፦ መጻኩ መጻኩማእበል ንወዱ ዓወት ገጹ ሓጺቡ ንውሽጢ ገዛ ኣተወ፡ ኣማን ክትበልዕ ዘይ...
06/12/2023

ገጻት ፍቅሪ 1 ምእራፍ 4ይ ክፋል

ጋል ኣብርሃ ፦ ማእበለይ ኣይትደንጊ ጸብሒ ተጸቢሑ ኢዩ ከይዝሕል
ማእበል፦ መጻኩ መጻኩ

ማእበል ንወዱ ዓወት ገጹ ሓጺቡ ንውሽጢ ገዛ ኣተወ፡ ኣማን ክትበልዕ ዘይምጸናሕካ ኪብል እግሩ ከይኣተወ ቀልዓለም ዝገበረ እንዳ መሰሎ ሓተቶ፡
ኣማን፦መካይድትካ ኣይሰጉመልካ መባልእትካ ኣይኮልሰልካ ኢዮም ዝብሉ ኣቦዋት በሎ
ማእበል ፦ እንዳ ሰሓቀ ኣበላልዓና ናይ ሰውራ ኢዩ ኪብል መለሰሉ፡
ጋል ኣብርሃ፦ ትቅብል ኣቢላ ሎምስ እባ ከም ሰብና ህድእ እልና ንብላእ ሰብ ከ እንታይ ክብለና እንዳ በለት ንማእበል እንዳ ጠመተት ገንሐቶ ።

ድሕሪ እዚ መኣዲ ተቀሚጦም ኪበልኡን ከእሉን ወካእካእ ኪብሉን ጀመሩ ፡ ከይ ተረድኦም ድማ መግብን ቡንን ሰቲዮም ምስ ወድኡ ቤት በረከት ቤት ሽሻይ ይግበሮ ኪብል ኣማን ተዛረበ፡

ኩሎም እንዳ ሰሓቁ ሐራይ ኣበይ ኣቢ በልዎ ከምዛ ዝተማከሩ፡ ደሓን ሕደሩ በሉ ክንድቅስ ኢልዎም ተበገሰ ደሓን ሕደር ኢሎም መለስሉ፡ ኣሜን ኢለዎም ንገዝኡ ኣምሪሑ ከደ።

ንዓወት ኣደቅስዮ ጽብቅተይ ኢሉ ማእበል ንጋል ኣብርሃ ምስ ተዛረባ፡ ምሉእ መዓልቲ እንዲዩ ደቂሱ ውኢሉ ይድቅሰለይ ዶ ይከውን እንዳ በለት ሒዛቶ ንውሽጢ መደቀሲ ኣተወት።

ማእበል መጻሓፍ ኣልኢሉ ብዛእባ ሑልፍ ሰውራዊ ፍጻሜታት ተዘንቱ መጽሓፍ ከንብብ ጀመረ ፡ ከይ ተረደኦ ድማ ጋል ኣብርሃ ኪሳብ ትመጽእ እቲ ሓሳባት ስሒብዎ ነዊሕ ኣንበቦ ፤ ቁሊሕ ኢሉ ሰዓት እንተ ረኣየ ግን ፡ 2ሰዓት ምሉእ መጽሓፍ ሕዙ ከንብብ ከም ዝጸንሐ ስለ ዝተረደኦ ፡ ንመደቀሲ ክፍሊ ሕልፍ ኢሉ እንተ ከደ ጋል ኣብርሃ ምስ ዓወት ደቂሳን ድቃስ ወሲድዋን ረኣያ እሞ፡ ንሱ እውን ከየተስኦም ሕልፍ ኢሉ ደኣ ደቀሰ።

ጋል ኣብርሃ ፦ ንሰብኣያ ኪትጽበ ከም ዘይወዓለት ብድካም ተሰኒፋ ድቃስ ወሰዳ፡
ማእበል፦ ብልቡ 5 ደቂቅ ኣይተረክበ 45 ደቂቅ እንዳ በለ ብውሽጡ ሰሓቀ።

1 ፍጻሜ ጾታዊ ርክብ ንምግባር 45 ደቂቅ ኪጸንሕ ሓሲቡ ብምንባሩ ሓሳቡ ከይፈጸመ ተገምሲሱ ደኣ ደቀሰ፡

ጋል ኣብርሃ ኣብ ወጋሕታ 6 ብድድ ኢላ ተሰእት ምስ ናይ ባኞ ክዳና ደቂሳ ንነብሳ ረከበታ፡ እንታይ ከም ዝገበረት ኪትሓስብ ግዜ ኣይወሰደትን እዚ ኩሉ ንሰብኣያ ተጸቢያ ገዲፋቶ ምድቃሳ እንዳ ኣሕረቃ ተሲኣ ቁርሲ እንቃቅሖ ገይራ ንሰብኣያ ኣተሰእቶ።

ማእበል ናይ ስራሕ ሰኣቱ ከይኣክሎ ብምስጋእ ገጹ ተሓጺቡ ንዓወት ኣብ ግንባሩ ሲኢሙ፡ቆሪሱ ንስራሕ ንክከይድ ሞተረ ማኪና ኣርሰኖ ፡ከይጸንሐ ድማ ሞተረ ኣልኢሉ ንታሕቲ ገጽናይቲ ጽርግያ ትሓንበበ፡

ጋል ኣብርሃ፦ ነቲ ዝነበረ ኣቁሑት ሓጻጺባ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣትያ ገዛ ኣመዓራሪያ፡ ንዓወት ወዳ ከተተስኦ ከደት፡

ዓወት ወደይ ተስእ በለቶ ዓወት ብድድ ኢሉ ተስእ ደገ ወሲዳ ድማ ገጹ ሓጸበቶ።

ቁርሲ ኣቁሪሳ ድማ ምስ መሳትኡ ኪጻወት ንደገ ኪወጽእ ሓደገቶ፡ ዓወት ምስ ደቂ ገዛውቱ ኪላለን ኩእሶ ኪጻወትን ድማ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ጋል አብርሃ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኮይና ነቲ ዝተረፋ ወጋጊና ምስ ወደእት፡

ኣማን ኣሎካ ዶ ኪትብሎ ከላ፡ጸዊዓቶ ምስማእ ከም ዝኣበያ እንዳ መሰላ ኢያ ደጋጊማ ተደሃየቶ፡

ኣማን ኣሎኩ ኢሉ ማእጾ ገዝኡ ከፈቶ እሞ ፡ ንብረት ገዝኡ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ረኣየቶ፡ ሕማቅ ርእያ ድማ ኪትውግነሉ ብምሕሳብ ንዓ እሞ ምሳና ቁረስ ደሓር ከኣ ገዛካ ነጻራሪዪ በለቶ።

ኣማን ከይተወላወለ ሐራይ ኢልዋ ንእኣ ኣምሪሑ ደድሕሪኣ ከደ፡ ኣብ ክሽነ ምስ ኣተዉ ድማ እቃቅሖን ባንን ሃበቶን ሻህ ድማ ቀደሓትሉን፡

ኣማን እንታይ ደኣ ሎሚ ስራሕ የሎን ዲዩ ኤደን በላ.
ጋል ኣብርሃ ካብ ሰውራ ኣትሒዛ ብጋል ኣብርሃ እንበር ኤደን ኢሉ ዝጸውዓ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ እንዳ ተገረመት እረፍቲ ኣሎኒ፡ ግን ከኣ መን ነጊርካ ስመይ
ኣማን ትቅብል ኣቢሉ ኣብ ጣውላ ናይ ገዛኩም ትማሊ ታሰራኪ ነይሩ በላ እሞ
ካብ ታሰርኣ ከም ዝረኣዮ ስማ በርሃላ
ንስካ ከ መዓስ ኢካ ትጅምር ስራሕ፡

ሕጂ ደኣ ቀሪበ ኢየ ትምህርቲ እሞ ክውድእ ዘይተማህረን ዘይተወቅረን ሓደ ኢዩ ትምህርቲ ወዲኤ ዝለዓለ ስራሕ ኪሕዝ ኢየ ዝደሊ በላ።

እንታይ ተጽንእ ኣሎካ
ዶክትረት ዶ/ር ኪከውን ኢዩ ግን ሕልመይ በላ
ናይ ምንታይ ዶክተር እንታይ ዓይነት ዶ/ር
ናይ መወልዳን ዶ/ር
ትዪሪ ወዲእኩም ዲኩም
እወ ሕጂ ላስት ኤግዛም ኣላትና
ካብኡ ፕራክቲስ ኢዩ

በል ብኣና ከይትላመድ ጽቡቅ ገርካ ተለማሚድካ ጽናሕ
ከነለማምደካ ደኣ ከይትብሊ በላ
ኣነ ጋል ኣብርሃ ዶ ባንቡላ ዲየ ኣነ ትላመደለይ
ቀልዲ ኢዩ ቀልዲ ባ ፍለጢ
ብባንቡላ ዶ ኣይኮንኩምን ትላመዱ መጀመርታ
እወ ደሓር ግን ምስቲ ኪኢላ ድ/ር ኢና ኣቲና እቲ ዝገብሮ ንሪኦን ንመሃሮን።

እዋ ንስኩም ደኣ ጥራሐን ክትርእዩ ኣዋልድ እንዳ ወዓልኩም ኣበይ ተባእታዊ ስምኢትኩም ክለዓል ብምርኣይ ጋል ኢላ ሰሓቀቶ፡

ንሱ ድማ ሰሓቃ

ንገዝኡ ኪወጋግኑ ድማ ንገዝኡ ከዱ።

ይቅጽል…

\\ገጻት ፍቅሪ // ምእራፍ 1 - 3ይ ክፋል ጋል ኣብርሃ ካብ ትሕጸበሉ ዝነበረት ሽቃቅ የሕዋታ ዝሰዶድላ ካብ ኣሜሪካ ናይ ባኞ ክዳን ተከዲና ናብ ገዛ ገጻ ከተምርሕ እንከላ ከየስተውዓለትሉ ...
05/12/2023

\\ገጻት ፍቅሪ // ምእራፍ 1 - 3ይ ክፋል

ጋል ኣብርሃ ካብ ትሕጸበሉ ዝነበረት ሽቃቅ የሕዋታ ዝሰዶድላ ካብ ኣሜሪካ ናይ ባኞ ክዳን ተከዲና ናብ ገዛ ገጻ ከተምርሕ እንከላ ከየስተውዓለትሉ ዝጸንሐት ማእበል ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ከም ዘሎ ብናይ ፍንቃቅ ማእጾ ረኣየቶ ።

እዋይ እዋይ ቡን ከይገበርኩ ኣርኪቡኒ እንዳ በለት ድማ ንገዛ ኣተወት፡

•ማእበለይ መጺካ ዲካ ደኣ
*እወ ሕጂ ኢየ ኣትየ
•ስራሕ ገዛ እንዲዩ በዚሑኒ ጸኒሑ ቡን ከይገበርኩ ኣርኪብካኒ፡
*ማእለሽ ማእለሽ ጋል ኣብርሃ ጽብቅቲ
•ክዳነይ ክቅይር እሞ መጻኩ
*መን ጋሻ ከይመጽእ ኢዩ ጥራይ ጠሚና ኣሎና ድራር ቀርብልና ምቅያር ግደፍዮ ንዓወት ወደይ ከኣ ኣተስእዮ እሞ ኪድረር፡
• ሐራይ ካብ በልካ ደኣ ኢላ

ንመደቀሲ ክፍሊ ሓሊፋ ንዓወት ከተተስኦ ኪትብል ከላ ድሮ ዓወት ውርሕሪሕ ክብል ጀሚሩ ነበረ ፡

ዓወት ወደይ ንዓ ተስእ እሞ ገጽካ ተሓጸብ ባባ ካ ይጽበየና ኣሎ ኪንድረር ፡

ዓወት ባባ ዝብል ጥራይ ምስ ሰምዐ እንዳ ጎየ ከይዱ ንማእበል ጥምምጥም ኢሉ ሓቆፎ እሞ ማእበል ከኣ ሓፍ ኣቢሉ ኣብ ብርኩ ኮፍ ኣበሎ።

ጋል ኣብርሃ ነቲ ዘዳለወቶ መግቢ ፡ ናብ ክሽነ ብምሕላፍ ጣይታን ጽብሕን ሒዛ ድሕሪ ምምጻእ ንኪድረሩን ቡን ኪሰትዩን ብማለት ናይ ቡን ኣቅሑ ሕዛ ናብ ክፍሊ ሳሎን ኣተወት።

•ኣቲ ጋል ኣብርሃ ቡን ደኣ ድቃስ ኪከልኣና እንበር ሕጂ ደኣ እንታይ ጣቃ ኣለዎ ፡
*ኣታ ማእበለይ ካብ ስራሕ ስለ ዝመጻካ ድካምካ ክዝርዝረልካ ኢዩ፡
•ምስ ድካምና ምድቃ ምሓሸና ጋል ኣብርሃ ዓይነይ ፡
*እዋእ ኣብቲ ከኣ እባ ከተሐጉሰኒ 5 ደቂቅ ገርካ ሕቆካ ህብካኒ ዲካ ኪትድቅስ ደሊካ ፡
• ኣጆኪ ኣብኡስ ዓለምኪ ከርእየኪ ኢየ፡
* ይኣምነለይ ማእበለይ

እንዳ እንዳ ተበሃሃሉ ሃንደበት ብደገ ድምጺ ጥይት ተስምእ መን ኢዩ? እንታይ ዝኮነ ኢዩ? ዝብል እልቢ ዘግብሉ ሕቶታት ኣብ መንጎ እላሎም ኣቲዩ እቲ ኩነት ዝፈጠሮ መልሲ ዘይብሉ ሕቶታት ኪሻራሸር ከሎ፡

ኣማን ማእጾ ገዝኡ በርደግ ኣቢሉ ከፊቱ ናብ እንዳ ማእበል ገዛ ከደ ማእበል ንዓወት ካብ ሕቁፉ ኣውሪዱ ሽጉጡን ረዲዩ ርክቡን ሕዙ ካንሸሎ ከፊቱ ወጸ፡

እቲ ድምጺ ጥይት ስለ ዝረበሾም ኩሎም ተረበሹ ፡ ማእበል ረዲዮ ናይ ቻነሉ ቀይሩ ፡

• ሃለው ነቢሪ
* ነብሪ ኢየ መን ኢካ ነብሪ ትብል ቀጽል እሰምዓካ ኣሎኩ
• ሓረግ ኢየ ቆሎ ኪነጥር ሰሚእና እሞ ደሓን ዲኩም ፡
*ገለ የሎን ተባሪቃቶ ኢያ ንሓደ ብጻይና
•ጥንቅቅ በሉታ ኣታ ወዲ
*ኮይሶም ኮይሶም
•ርክብ ኣይተቃርጹ
ተረዲኤካ ኮይሶም ኣብ ቀጻሊ

ጋል ኣብርሃ ንማእበል ምስ ሰመእቶ ብሓሳብ ንድሕሪት ተመሊሳ ነቲ ኣብ ሰውራ ተዋጋኣይን መራሕን ዝነበረ ምልኩእ መንእሰይ ወዲ ተበርህ እንዳ በሉ ዝጽውእዎ ዝነበሩ ማእበል ዘኪራ መሊሳ ብጅግንነቱ ተመሰጠት ።

ኣብ ከምዚ ከላ ከኣ ኢዩ ማእበል መጽኡ ገለ የሎን ኣጆኩም ኢሉ ነታ ተረቢሻ ዝነበረት ስድራ ዘህደኣ።

ኣማን ድሮ ተረጋጊኡ ንገዛ ኪከይድ በሉ ሰናይ ለይቲ ኢሉ ኪፋነዎም ኪብል ከሎ፡ ጋል ኣለም ንዓ ምሳና ቡን ሰቲካ ተደሪርካ ትከይድ በለቶ

ኣማን ፦ ገዛ ኪከይድ ቁሩብ መጽናእቲ ኣሎኒ ኢሉ ኪከይድ ብግስ ክብል ከሎ፡
ማእበል፦ ንዓ ምሳና ተደረር እንታይ ጸብሒ ሰሪሕካ ኪትከውን ኢልካ፡ ተደሪርካ ቡን ሰቲካ ትከይድ በሎ፡
ኣማን፦ ነገር ቀልዓለምን ባህሊ ሓበሻን ኮይኑዎ እንበር ዝድሮሮ ጸብሒ ኣይነበሮን ከብዱ እውን ተራድኦ ደሊያ ትጣራእ ብምንባራ ከም ሻሙ ናይ እስካቡሊ መግቢ ከከናውን እንዳ በለ ኮሎ እዩ ሃንደበት ጥይት ተተኩሳ ናብ እንዳ ማእበል ዝከደ።

ነዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣማን ድሕሪቲ ቀልዓለም ሓበሻ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ዝምቸኣሉ ቦታ ርእዩ ኣመቻችኡ ኣብ ሳሎን ኮፍ ዝበለ።

ጋል ኣብርሃም ነቲ ዝተከደነቶ ናይ ባኞ ክዳን ብውሽጢ ዝመለሰትሉ ስለ ዘይነበራ ጸብሒ ኪትጸብሕ ድንን ምስ በለት ፡ እቲ ዘይወደቀ ምልኩእ ኣጥባታ ግትር ኢሉ ምስ ወጸ ኣማን ኣቃልብኡ ተሳሒቡ ናብኡ ቀው ኢሉ ኪጥምት ጀመረ።

ማእበል ንዓወት ወዱ ገጹ ኪሓጽቦ ፍንትት ኢሉ ስለ ዝነበረ ግን ኣየስተውዓለሉን።

ይቅጽል ….

ገጻት ፍቅሪ —. 1ምእራፍ 2ክፋል ጋል ኣብርሃ ምስ ዓወት ወዳ ኪትዛናጋእ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ዝተቀረበ መኣዲ ኣልኢላ፡ንደገ ገጻ ጠመተት ጸሓይ በርቲኣ ስለ ዝረኣየታ ዓወት ወደይ ንዓ ደቅስ ኪ...
04/12/2023

ገጻት ፍቅሪ —. 1ምእራፍ 2ክፋል

ጋል ኣብርሃ ምስ ዓወት ወዳ ኪትዛናጋእ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ዝተቀረበ መኣዲ ኣልኢላ፡

ንደገ ገጻ ጠመተት ጸሓይ በርቲኣ ስለ ዝረኣየታ ዓወት ወደይ ንዓ ደቅስ ኪትብሎ ቁሊሕ ቁሊሕ እንተበለት ነገር ቆልዓ ኮይኑ ንክሽነ ምስ ኣተወት ክጻወት ክወጽእ ከሎ ረኣየቶ እሞ ተጋይያ ብምካድ ሓቂፋ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ሕዛቶ ከደት ።

ዓወት ወዳ ድቃስ ብቅልጡፍ ስለ ዝወሰዶ ጋል ኣብርሃ ተሲኣ ንምሸት ዝኮና ምድላዋት ከተጻፍፍ ላእልን ታሕትን ኪትብል ገዛ ከተላእል ናብ ኣንፊ ክሽነ ከይዳ ሽጉርቲ ኪትመትርን ጸብሒ ዶርሆ ክትክሽንን ከይተረደኣ መረት ዓይኒ ክሕዝ ጀመረ።

ብሃንደበት ቁሊሕ ኢላ ሰዓት እንተ ረኣየት ድሮ 17፡45 ኮይኑ ብምንባሩ ፡ ጌና ኣካላታ ከይተሓጸበት ማእበል ዝመጻሉ ሰዓት ስለ ዝኣከለ ብተብተብ ማይ ካብ ፊስቶ ቀዲሓ ናብ ሽቃቅ ኣምርሐት ፡ ኣብ ሽቓቅ ብምካን ክዳና ኣውጺኣ ማይ ኪትቀድሕ ኢላ ናብቲ ዝቀደሓቶ ማይ እተጠመተት ድሮ ታኒካ መቅድሒ ማይ ዘይብላ ምእታዋ ስለ ዝተረደኣ፡ ምምጻእ ማእበል ሰዓታቱ ምእካሉ እንዳ ኣተሓሳሰባ፡

ኣማን ኣማን ብምባል ብኣቢ ድምሲ ጨደረት ኣማን ናይ ረዲዮ ካሰት ኣእቲዩ ደርፊ ይሰምእ ስለ ዝነበረ ፍጹም ኣይሰምዓን ፡ እታ ደርፊ መሲጣቶ ብምንባራ ከኣ ደድሕሪኣ እንዳ ደረፈ ይዛረብ ብምንባሩ ብፍጹም ኢዩ ኪሰምዓ ዘይከኣለ፡

ብዘይ ምስምኡ እንዳ ተቆጥእት ኣማን ኪትብል ደጋጊማ ኪትዛረብ ምስ ጀመረት ፡ ኣማን ስሙ ዝጽዋእ ዘሎ ስለ ዝመሰሎ ምዚቃ ኣትሒቱ ነቲ ብደገ ዝደሀ ዝነበረ ድምጺ ኪሰምእ ማእጾ ገዝኡ ከፊቱ ተቀልቀለ፡

ጋል ኣብርሃ ኣማን ኣማን ትብል ስለ ዝነበረት ደጋጊማ ፡

ኣቤት ጋል ኣብርሃ እንታይ ክስምዓኪ ክብል ነቲ ብኣንፊ ሽቃቅ ኮይኑ ዝድሀ ዝነበረ ድምጺ ናብኡ እንዳ ቀረበ ክሓታ ጀመረ ፡

ጋል ኣብርሃ ታንካ ማይ ኣብቲ መክደኒ ፊቶ ኣላትካ ኣቀብለኒ ክትብሎ ከላ ቁሪ ከይትወስድ እንዳ ሰገእትን ከይተሓጸበት ማእበል ከይመጻን እንዳ ሰገእትን ክትነገሮ ጀመረት

ኣማን ብጉያ ከይዱ ነታ ናይ ስቃጥላ ታኒካ ሒዙ ናብኣ ቀሪቡ በየን ደኣ እሞ ክህበኪ በለ

ጋል ኣብርሃ ሃባ ኢላ ሽቃቅ ከፊታ ነታ ታኒካ ከቀብላ ኢዳ ዘርገሐትሉ፡

ኣማን በየን ከም ዘሎ ከየስተውዓለት ስለ ዝከፈተቶ ኣማን ጥራሕ ነብሳ ብምርኣዮ ተባእታዊ ስምኢቱ ተላኢሉ ንብረቱ ከም ሓጺን ተገተረ፡

ጋል ኣብርሃ ሓሳባ ኣብ ካልእ ብምንባሩ ዝኮነ ከየስተውዓለት ነቲ ታኒካ ተቀቢላ ማእጾ ሽቃቅ ኣጽያ ጉዳይ ምሕጻባ ገበረት።

ኣማን ነቲ ከም ሓጺን ዝተረረ ኣካሉ ከህድእ እንዳ ፈተነ ናብ ኣንፊ ገዛኡ እንዳ ምርሐ ከሎ ፡ ካንሸሎ ገዝኦም ክኩሕካ ብምጅማሩ መን ደኣ ኢዩ ኢሉ ናብቲ ዝኩሕካሕ ዝነበረ ማእጾ ካንሸልኦም ኣምሪሑ ፡ መን መን መን ኢካ ኪብል ጀመረ፡

ኣነ ኢየ ክፈቶ ዝብል ድምጺ ካብ ደገ ሰምእ እቲ ድምጺ ግን ተሪር ወተሃደራዊ ቃል ዝመስል ብምንባሩ ናይ እንዳመን ደራቅ ኢዩ እንዳ በለ ብልቡ ክከፍቶ ናብኡ ኣምርሐ፡

ማእጾ ድሕሪ ምክፋቱ ግን ማእበል ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ስለ ዝጸንሖ ስንባደ ብዝተሓወሶ መንፈስ ተዓኒዱ ደው በለ።

ማእበል ኣሕልፈና እባ ኣታ ኣማን መፍቱሕ ናይ ካንሸሎ ኣብ ኦፊስ ረሲኤዮ ስለ ዝመጻኩ ኢየ ኣተሲኤካ ዲየ ? ኪብል ተወከሶ

ኣማን ነቲ ድሮ ከም ተንዲኖ ደሪቆ ዝነበረ ንብረቱ ከይሪኦ እንዳ ተሰከፈን ነታ ኣብ ማዓጥቆ ማእበል ዝነበረት ሽጉጥ ሞደል 76 ዝኮነት ኮልት እንዳ ረኣየ ንማእበል ከሕልፎ እልይ በለ እሞ፡

ማእበል ነቲ ዝተገተረ ንብረቱ ሪኡ ይቅረታ ጋሻ ኣሎካ መስለኒ ኣብ ሞንጎ ረቢሸካ ብምባል ናይ ነገር ወዲ ኣብ ሞንጎ ስምኢቱ ብምርባሹ እንዳ ኣሰከፎ ንውሽጢ ገዝኡ ኣምርሐ።

ኣማን ብዘይተረድኦ ናህሪ ነቲ ማእጾ ዓጽዩ ንገዝኡ እንዳ ጎየየ ብምካድ ማእጾ ብውሽጢ ዓጽዩ ብከብዱ ኣብ ሳሎን ደቀሰ።

ማእበል ገዛ ኣቲዩ ደሃይ ጋል ኣብርሃ ኪገብር ናብ ክፍልታት ገዛ ድሕሪ ምእታው ብዘይ ምርካቡ ዓወት ወዱ ደቂሱ ብምንባሩ ንከየተስኦ እንዳ ሰገእ ናብ ኣንፊ ሽቃቅ ጠሚቱ ክዳን ጋል ኣብርሃ ስለ ዝረኣየ ኪሳብ ትመጾ ኣብ ሳሎን ክፍሊ ከይዱ ተቀመጠ ።

ይቅጽል…..

//ገጻት ፍቅሪ//ብመጀመርታ ንኩሉኩም ብሩሕቅን ብቀረባን ዘሎኩም ኣብዛ ከም መንኮርኮር ትሕንበብ ዘላ ዓለም ኮንኩም በብ ኣንፈቱ ትምርሹ ዘለኩም ደቂ እዛ ሓላል ደቂ ሓላላት ሰላም ኪብለኩም እ...
03/12/2023

//ገጻት ፍቅሪ//

ብመጀመርታ ንኩሉኩም ብሩሕቅን ብቀረባን ዘሎኩም ኣብዛ ከም መንኮርኮር ትሕንበብ ዘላ ዓለም ኮንኩም በብ ኣንፈቱ ትምርሹ ዘለኩም ደቂ እዛ ሓላል ደቂ ሓላላት ሰላም ኪብለኩም እፈቱ።

“ገጻት ፍቅሪ “

ካብተን ብነቢ ምስግና ዝተጻሕፋ ሓንቲ መጽሓፍ ኮይና፡ //ገጻት ፍቅሪ// ዝብል ስያመ ሒዛ ኪትልቀቅ ዝተመርጽ መጽሓፍ ኢያ።

“ገጻት ፍቅሪ “ “ምዕራፍ 1 “ ,,1ይ ክፋል”

ኣብ መፋርቅ 1995 ኢዩ ፡ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢላ ከላ ናብ ህልም ዝበለ ሓሳብ ዝተሸመመት ኪትመስል ኣዒንታ እንዳ ረኣየ ብሓሳባት ዘስገለት ናይ ሽኡ ጎርዞ ጋል ኣብርሃ ፡ብዘይተጸበየቶ ብርቱእ ድምጺ ጻዊኢት Telephone ገዛ ካብ ህልም ዝበለ ሓሳባት ኣበራበረታ።

ኣብቲ ዝነበረቶ ሓሳብ ዝተመሰጠት ግዲ ነይራ እላጅ መን ኢዩ ሕጂ ጨው ቀትሪ ዝድውል እንዳ በለት ናብ ሰዓት ናይታ ኣብ መንደቅ ተንጠልጢላ ዝነበረት እንዳ ረኣየት ኪትቅበሎ ከደት፡ የግዳስ ነዊሕ ከይጸነሐት ድምጺ ናይቲ ዝዛረባ ዝነበረ ምስ ሰምእት ነቲ ዝበለቶ እንዳ ኣጠዓሳ ወርትግ ኪድውለላ ደኣ ብልባ ኪትዛረብ ጀመረት ፡

እቲ ብተለፎን ዝዛረብ ዝነበረ ሰብ ስለ ዘስገለቶ

•ሃለው ሃለው ሃለው ኪብል በድራጋ ሰደዶ
* ጋል ኣብርሃ ትቅብል ኣቢላ ሽሽ ማእበል ማእበል ትሰምዓኒ ኣለካ ኪትብል ተወከሰቶ
• ኣቲ ጋል ኣብርሃ ዓይነይ እንታይ ደኣ PRC Radio ኦፐረተር ኣጥኢምኪዮ እቲ ድምጽኪ፡
* ኣታ ማእበለይ ንስካ እንበር ነታ ዓካስ ራዲዮ ብርጌድ ኣብ ዓሚቅ ምስ ኣተወት ትህበና ዝነበረት ድምጺ ኣጥዕምኽኣዮ ፡ ኪብሉ ከይተረደኦም ነታ ሃለዋት ሕድሕዶም ዝተለዋወ ጡላ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ናይ ገድሊ ህይወቶም ተዘከረቶም።

•ጋል ኣብርሃ ትዝክሪዮ”ዶ እቲ ኣብኡ ዝነበረ እዋን ፡ሽኡ መቸም ድምጽኪ ምስ ሰማእኩ ልበይ ኢያ ብኣፈይ ኪትወጽእ ደሊያ ካብ ንቡር ንላእሊ ህርመት ወሲካ።

* እንታይ ትብል ወደይ እንታይ ኮይና ደኣ ኪትብል ነቲ ሽኡ ዝነበረ ህሞት ኪትዝክር እንዳ ፈተነት ተወከሰቶ።

• ሽኡ ይገርመኪ እቲ ድምጺ ሓጠቅ ኢዩ ኢሉኒ፡ ግን ከኣ ኣይተጸበክኩን ኪትመጺ ኣብ እንዳ ምልክት ኪትመጺ ቀደም ሓይልታት ኣላ እብል ነይረ ኪብል ከሎ፡

ጋል ኣብርሃ ነተን መጀመርታ ናይ ሕጹኖት እዋናት ከይወድኡ እከለው ኣፋን መጺኦም መንእሰያት ኪጨውዩከለው ተዘከራ።

ኣታ ማእበለይ ኣፋን ኪሃድኑና ምስ ጀመሩ እባ ሕጹነትና ከይወዳእና ንሜዳ ከድና፡ እድመ ንእስነትና ንሃገር ወፊናዮ ኩሉ ድሕሪ ሃገር ኢልና፡ ሎሚ ኪትዝክሮስ ቀሊል ይመስል ኪትብል ከላ።

ኣቲ ጋል ኣብርሃ ሽኮር እላልኪ እኮ ኣይምኖን ኢዩ ፡ሕጂ ግን ናብቲ ዘደወለኒ ከብል ምሳሕ ኣይትጸበይኒ ፡ ስራሕ ጽኢቃትኒ ኣሎ ኣብ ስራሕ ተመሲሐ ኪቅጽል ኢየ ስራሕ ምሸት ድራር ብሓደ ንድረር፡ ኪብል ነቲ ጀሚራቶ ዝነበረ እላል ኮሊፉ ሰራሕ ከም ዘለዎ ብምሕባር ፡ኣብ ድራር ግን ክንቅጽሎ ኢና ኢሉ ፡ ነቲ ዝጀመረቶ እላል ብምኩላፉ ሕማቅ ከይስምዓ እንዳ ሰገእ ተዛረባ።

ማእበለይ እዚ ኩሉ ኪጽበየካ ኣይመጽን ኢየ ይበሃል ፡ እንተ ኮይኑ ዶንጉዩ ኢለ እንዲየ ደኣ ብኣካ ኪሓስብ ጸኒሐ ፡መቸም እድሜካ እድመ ማትሶላ እዪ፡ እንዳ ሓሰብኩካ ኢካ ደዊልካ ብዝኮነ ሰናይ ናይ ስራሕ ግዜ ።

የቀንየለይ ጽብቅተይ ምሸት ኪመጽእ ኢየ ቀልጢፈ ገዛ ጽንሕኒ።

ሐራይ ኣይትዶንጊ
ኣይድንጉይን ኢየ
ቻው
ቻው ቻው

ስልኪ ድሕሪ ምእጻዋ ዓወት ኣታ ቆልዓ ዓወት ንዓ ኣቦካ ኣይመጽእን ኢዩ ኪንምሳሕ መኣዲ ኪቅርብ ኢየ ተሓጸብ ኢድካ ኢላ ንውሽጢ ክሽነ ኣትያ መግቢ ሕዛ ኪሳብ ትመጽእ ዓወት ብቅጽበት ዓይኒ ብዝመስል ኢዱ ማይ ጠልቂዩ ተሓጺበ ኢየ ኢሉ ኮፍ ኢሉ ጸንሓ።

ምእማን ስለ ዝሰኣነት ንዓ ሳምና ገርካ ትሓጸብ ከይትሓምም ብምባል ኢዱ ብምሓዝ ሓጸበቶ።

ነቲ ኣብ በረካ ዝነበረ ቦጅቦጅ ዘኪራ ዓወት ወደይ እድለኛ ኢካ ፡ ከምዚ ጸብሒ ኣብ ሜዳ ኣይነበረን ናጽነት ምስ ኮነ ሳላ ዝተወለድካለይ ጥኡም ብልዓለይ እንዳ በለት ከተኮልሶን ከተብልዖን ከላ፡ ብሃንደበት ነቲ ኣብ 1985 ዝወለደቶ ወዳ ብደብዳብ ነፋሪት ደርጊ ዝተሰውእ ወዳ ዘኪራ ፡ ዓወት ወደይ ንስካ ኣብ ሰላም ዝመጻካ እድለኛ ወደይ ኢካ ።

ይቅጽል….

//ገጻት ፍቅሪ //ገጻት ፍቅሪ ኣብ ጉእዞ ናይዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ተተርኢሳ ካብ ንእሽቶ ኪሳብ ዓቢ ኣብ ግምት ኣእቲያ ብተከታታሊ ኪትቀርብ ብምውልክእ ጽሑፍ ተዳልያ ናባካትኩም ከተብል መ...
02/12/2023

//ገጻት ፍቅሪ //

ገጻት ፍቅሪ ኣብ ጉእዞ ናይዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ተተርኢሳ ካብ ንእሽቶ ኪሳብ ዓቢ ኣብ ግምት ኣእቲያ ብተከታታሊ ኪትቀርብ ብምውልክእ ጽሑፍ ተዳልያ ናባካትኩም ከተብል መጋረጃ ቀሊዓ ኣላ፡

እዛ ካብ ቀዳም ተበጊሳ ናብ ዝቅጽል ነዋሕቲ መዓልታት ትጸንሕ ተከታታሊት ዛንታ ብመልክእ መጽሓፍ ካብ ዝተዳለዋ መጻሕፍቲ ነቢ ምስግና ሓንቲ ኢያ።// ነቢ ምስግና //

እቲ ምክንያቶም ንጹር ኢዩ፡ ንሲምሶም ደሊካ ንደሊላ ምእሳብ፡ ንኢየሱስ ደሊካ ንዩሁዳ ምእሳብ ፡ ንነቢ ምስግና ደሊካ ንጋል ብርሃነ ምእሳብ። ጌም ኦቨር ሉዘርስ።4።Game Over Losers ...
01/12/2023

እቲ ምክንያቶም ንጹር ኢዩ፡ ንሲምሶም ደሊካ ንደሊላ ምእሳብ፡ ንኢየሱስ ደሊካ ንዩሁዳ ምእሳብ ፡ ንነቢ ምስግና ደሊካ ንጋል ብርሃነ ምእሳብ። ጌም ኦቨር ሉዘርስ።4።

Game Over Losers

MGL1 Central Network
Prophet Misgna Anointed

20/11/2023
19/11/2023

ወዲ መትከል ኣብ መትከል… ከምኡ ኢና ንሕና ብሒም ዝበለ ይተሓጎም።

18/11/2023

ዓዓለምኩም ሓዙ ኣብኡ የሎናን…..።





#01

13/11/2023

ኣብቲ ግጥም …

ትልሚ ረሲኣ ከነሳሲ፡ ንምክንያት ደለታት ርእሶም ዝነብሩ ኪንሰምእ ከሎና፡ ክስሕቅ ጥራይ ኢና፡ ምክንያት ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ኣምላኽ ኪዓጽፉ እስማኤል ኪረክቡ ንዝጋደሉ ሕጂ ውን ስሒቅናዮም ኣ...
12/11/2023

ትልሚ ረሲኣ ከነሳሲ፡ ንምክንያት ደለታት ርእሶም ዝነብሩ ኪንሰምእ ከሎና፡ ክስሕቅ ጥራይ ኢና፡ ምክንያት ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ኣምላኽ ኪዓጽፉ እስማኤል ኪረክቡ ንዝጋደሉ ሕጂ ውን ስሒቅናዮም ኣሎና።

Prophet Misgna Anointed

12-11-2023 Jesus Army Germen (Central MGL1)

10/11/2023

🇪🇷 ኤርትራዊ እቲ ጅግና 🤼 ዓርከይ 🏃

07/11/2023

ንሓቂ ዝጸልእ ሓሳዊ ጥራሕ ኢዩ።
#ትንቢት #ነቢ #ምስግና ብኣፍ
ኣብ #ዜናታተን ተፈጻምነቱ እንኪረጋገጽ። ትንቢት ተፈጺሙ

ንሕና ኣብ ተግባርን ስራሕን እንበር ኣብ ዘረባ የሎናን።


06/11/2023

That’s My point

’t

ንሕና ናይ ተግባር እንበር ናይ ዘረባ ኣይኮንናን//ኣብ ተግባር እንበር ኣብ ዘረባ የሎናን።ቃላት ልእሊቶም ተዛረብቲ ኪንዛረብ ጽሑፍ ድማ ልእሊቶም ጸሓፍቲ ኪንጽሕፍ ኣይእግመናን ኢዩ፡/ ናይ ዝ...
05/11/2023

ንሕና ናይ ተግባር እንበር ናይ ዘረባ ኣይኮንናን//ኣብ ተግባር እንበር ኣብ ዘረባ የሎናን።

ቃላት ልእሊቶም ተዛረብቲ ኪንዛረብ ጽሑፍ ድማ ልእሊቶም ጸሓፍቲ ኪንጽሕፍ ኣይእግመናን ኢዩ፡/ ናይ ዝተጻሕፈ ብዘይ ሓይሊ /ናይ ዝተዘርበ ብዘይ ሓይሊን ፍልጠትን//

•እቲ ተራ ቃል እቲ ድማ ተራ ጽሕፈት ኢዩ ዝከውን፡/ ነዚ ፈሊጥና ድማ ኢና /ካብ ምዝራብ ተግባር ንሓሪ ስለዚ ኢና ድማ//ትም ዝበልና ትም ኪንብል ስለ ዝደለና እንበር ዝበሃል ሲእንና ከም ዘይምካንና ከነፍልጥ ዝመረጽና።

ነቢ ምስግና

01/11/2023

ዝተነግረ ቃል ትንቢት፡/በትሪ ሓጺን/




prophet Misgna Anointed

30/10/2023

እ/ር ንኤርትራ ባሪክዋ ኢዩ ዝትንኪያ ንእርበቱ…፡፤

ነፍሲ ወከፍ ቃል መልእኽቲ ናይ ትንቢት ትማሊ ኢየን።
ናይ ትማሊ ትንቢታዊ መልእኽትና ኣብ ሎሚ።




30/10/2023

🇪🇷ኤርትራዊያን መስተንክር ፍጻሜታት ታሪኽና ረሲእና ኣይንክእሎን ኢና።




#ኤርትራ #ኤሪና #ኤሪ #ኤሬና #ኤረትራ
#ኤርትራና

28/10/2023

•🇪🇷 ኤረትራዊያን ቡሉጻት ከይንከፍል እንበር ከይንስዓር ሰጊእና ኣይንፈልጥን ኢና፡


#ኤርትራ #ኤሪ #ኤሪትሪያ
#ኤረና #ኤሪና #ኤረትራ

#ኤርትራ

27/10/2023

ናብ ኤርትራ 2 ሚሳይል ተቶኪሱ፡ ናብ ደሰት ዳህላኽን፡እንባሶራን…ናይ ትማሊ ትንቢት ብመልክእ ጽሑፍ ቃል ብቃል ዘመላክቶ ነገር ኣለዎ።

ነቢ ምስግና - ንኩሉ ድላዋት ምካን ኣገዳሲ ኢዩ፡ ናይ ትማልን ሎምን መልእኽተይ ኢዩ።

ኣንጻር #ኤርትራናን #ሃገርናን #ህዝብናን ዝመጽእ ብኩሉ መዳዩ ን2 ኪግማእ ኢዩ።


#ኤርትራና #ኤርትራ #ሃገር
#ህዝብና

27/10/2023

ኣቢ ኣሕመድ 🇪🇷ንኤርትራ🇪🇷 Eritrea 🇪🇷 ከም ሃገር ኣይቆጽራን ዲዩ፡ከመይ ከመይ ኢዩ እዚ ነገር፡ ዋይ ሞሲባ።


#ንኤርትራ #ኤርትራ

25/10/2023

ኣቢ ኣሕመድ #ዝበሎ ብዛእባ ቀይሕ ባሕሪን #ዓሰብን #ነቢ #ምስግና #ዝበሎ ትንቢትን ማሕበራዊ መራክብቲ ዝበልኦን፦

#ነቢ #ምስግና ካብ #ዝበሎ #ናይቲ #ትንቢት #ተፈደሉ

ኣብ 01.08.2021 ዝበሎ ነገር ኣሎ፡ ትንቢት ምፍጻሙ ምስክር …።




#ትግርኛ #ተፈጺሙ

18/10/2023

ን 30 ዓመት ባሕሪ ኪትሕዙ ኣይትክእሉን ኢኩም ኪትርብርቡ ኢኩም ኤርትራዊያን /ባሕሪ ናይ ኢትዮ ተፈጥራዊ ህያብ ኢዩ/ ተፈጥሮ ኣይቅየርን ኢዩ። ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ / ካብ ኣቢ ዝበሎ ኣብ ፓርላማ ኢትዩ ዝተወስደ።

ነቢ ምስግና ቅድሚ 3ወርሒ እንታይ ኢሉ ነይሩ ኣብ ኮመንት ናይ ዝተጻሕፈ ፡ምስ ቢድዮ ተላጊቡ ተዘርጊሑ ኣሎ ንመነጻጸሪ ;

15/10/2023

ዘይምሕር ሓለንጊ ____

10/10/2023

ሰለስተ ዓውደ ኩናት ኣብ ሓንቲ ናይ ትንቢት ምሸት ተነጊሩ 20.02.2022 ተፈጻምነቱ ዳማ ካብ 4 መዓልቲ ክሳብ 1ዓመት ኣብ ዝነበረ ግዜ ተጋሂዱ ኣሎ።

ናይ እስራኤል ብዓርቢ ሰዓት 19፡00 ካብ መንፈሳዊ ዓለም ተቀቢልና፡ ብዘይምምችቻእ ግዜ ከይቀዳሕናዮ ተፈጺሙ። ኣብ እዋን ስራሕ ስለ ዝተቀበልናዮ እቲ መንፈሳዊ መልእክቲ ብእምቆት ኮነ ብቢዲዮ ንኪንዝርግሆ እድል ኣይረከብናን።

ነቢ ምስግና (ኒምሮድ)

07/10/2023

ሕድገት ዘየፍቅድ መትከላዊ እምነትና

01/10/2023

ኣይንዛረብን ኢና ነርኢ እንበር ብግብሪ.. ደቂ ሓደ ❤️✅

ሰብ በል ኢልዎ ተባሂሉ ዝብልን፡ፓፓጋሎን ዘፍሊ የብሎምን።ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ክርስትና፡ ገመል ሰሪቅካ ጉምብሕ ጉምብሕ ኢልካ ንኣምላኽ ከተሽክዖ በቶም በል ኢሎም ዘቡሉካ ምክሪ ኣምላኽን ሓሳ...
30/09/2023

ሰብ በል ኢልዎ ተባሂሉ ዝብልን፡ፓፓጋሎን ዘፍሊ የብሎምን።

ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ክርስትና፡ ገመል ሰሪቅካ ጉምብሕ ጉምብሕ ኢልካ ንኣምላኽ ከተሽክዖ በቶም በል ኢሎም ዘቡሉካ ምክሪ ኣምላኽን ሓሳብ ኣምላኽን ዝረከብካ ኪትመስል ፡ገመል ሰሪቅካስ ጉንቡሕ ግምቡሕ ኢልካስ።

ብምክንያት ሓቀኛ ምድሓነይ ኢዩ፡ውግእ በርቲእኒ ምባል ፡ መርገም እግዚኣብሄር ንረሲኣን ምካኑ ምዝንጋእ ኢዩ።

እንተ ንሕና ግና ብቃል መንፈስን ሓይልን ኣሎና ፡

እንተ እቶም ገመል ሰሪቆም ጉምብሕ ጉምብሕ ኪብሉ ዝደሊዩ ግን ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን ዝጥበርን ዝታለልን ዝእሾን ።

መልእክተይ ኢዩ ( ነቢ ምስግና ኒምሮድ)

29/09/2023

“ ሰለስተ ቃል ትንቢት ኣብ መስርሕ ፍጻሜ“

• ነጊርናዮ ካብ ዘይሰምኡ፡ መከራ ይምከሮም።
*ንገረው ንገሮው እንቢ ካለ መከራ ይምከረው።

“ዝኮነ ቃል ብምስክር 3 ይጸንዕ” 3ትንቢት ንምስክር“

ምሳይ ጻድቅ ጻድቅ ኪጻወት ኢሉ ፡ዘይነብረሉ ዝዛረብን/ ኢሎሞ ኢሉ ዝደግም 2ቲኦም ሓደ ኢዮም / እቲ ንብረትካ ሰሪቐ የፍቅረካ ኢየ፡ ዝብልን እቲ ከኣ ዝሕስውን ስለ ዝኮኑ።ጸላእትካ ኣፍቅር፡ማ...
28/09/2023

ምሳይ ጻድቅ ጻድቅ ኪጻወት ኢሉ ፡ዘይነብረሉ ዝዛረብን/ ኢሎሞ ኢሉ ዝደግም 2ቲኦም ሓደ ኢዮም / እቲ ንብረትካ ሰሪቐ የፍቅረካ ኢየ፡ ዝብልን እቲ ከኣ ዝሕስውን ስለ ዝኮኑ።

ጸላእትካ ኣፍቅር፡ማለት / ኣምላኽ ንሰይጣን የፍቅሮ ማለት ከም ዘይኮነ ፍለጡ።

ደው በል ኪብለጸልካ(ኣጉል መንፈሳዊ መሲልካ ድራሮም ወደኣሎም ኢዩ)

ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥ ነይሃዳናይ።

ብዙሕ ክንብል እንዳ ከኣልና ትም ምባልና ኣይትገረሙ እቲ ምንታይ ሲ ፡ንቡር ነርካ ንእውር ፡ ዝኮነ ህይወቶም ኪንምልስ ግዜ ኮነ መዓልቲ ንከምኡ ዝከውን ስለ ዘይብልና ኢዩ፡ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ...
25/09/2023

ብዙሕ ክንብል እንዳ ከኣልና ትም ምባልና ኣይትገረሙ እቲ ምንታይ ሲ ፡ንቡር ነርካ ንእውር ፡ ዝኮነ ህይወቶም ኪንምልስ ግዜ ኮነ መዓልቲ ንከምኡ ዝከውን ስለ ዘይብልና ኢዩ፡ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ፡ ንዘቆማጥኡ ግዜና ከነባኽን ኣይንደልን ኢና፡

ተግባር ግን ልእሊ ኩሉ መልሲ እዩ እሞ፡ ብተግባር ቀጺእናዮም ኣሎና።

ኩሉ ግብሮም ግን፡ ከመዮ መሳሎ ዝበልዎ ኢዩ፡ ነዚ ኪትግእታ ዶ ትርህጻ ዲዮም ዝበልዎ ኢዩ ነገሩ፡

24/09/2023

ስጡማት ኣብ ሓንቲ ኤርትራዊት መንነትን ዜግነትን ኢና ኤርትራዊያን።
ኤርትራ ናይ ኤርትራዊያን ኢያ።4.

23/09/2023

እቶም ዘማኻንዩ ዘማኻንይዎ መታን ክስእኑ.🙏🇪🇷👍

Prophet MISGNA ANOINTED
21/09/2023

Prophet MISGNA ANOINTED

Adresse

Dortumund
Dortmund

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Prophet Misgna Anointed erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Service Kontaktieren

Nachricht an Prophet Misgna Anointed senden:

Videos

Teilen

Kategorie

Jesus Army Ministries

ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ። ራእ 9.16 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 1ይ ቆሮ 1.23